Skip to main content

Posts

Showing posts from 2019

ትካልን ምሕደራን ኣብ ትግራይ

ግደይ ገብረኪዳን ነዚ ዛዕባ ብመንፅር ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ኢና ክንሪኦ። ኣብ ኢኮኖሚክስ ትካል እንትበሃል ሰራሕተኛን ስራሕ መካየድን ዝተቖፀሩሉ ትካል ማለት ጥራሕ ኣይኮነን። ትካል ኣብ ኢኮኖሚክስ ናይ ሓደ ዘፈር ስርዓታዊ ህልውናን ኣካይዳን ዝውክል እዩ። ንኣብነት ትምህርታዊ ትካል እንትንብል ቤት ትምህርቲ ማለትና ኣይኮነን፤ ኣካይዳን ኣተሓሕዛን ዘፈር ትምህርቲ ማለት እምበር።

ሕነ

ግደይ ገብረኪዳን "ሰብኣዊ ሕጋዊነት ወይ ስርዓት ኣብ ዘይዓሰለሉ ሕብረተሰብ፣ ኣብ ዘይሰልጠነ ሕብረተሰብ፦ ብህገ ኣራዊት ክግዛእ፣ ፍትሒ ብጭዋድኡ ክረኽባ ክሕርንን ክሽፍትን ዘበረታትዕ ድሑር ባህሊ ከማዕብል ግድን እዩ..." እናበለ ጋዜጠኛ ብጓሓቱ ብዛዕባ ክውገዱ ዘለዎም ባህልታት እንትሰብኽ ካብታ ራዲዮ ይስማዕ ኣሎ። ኣዕዋፍ፣ ፀሓይ ምብራቓ ስዒቡ፣ ዘሚረን (ኣእዊየን? መን ተረዲእዎ ነይሩ?) ኣይወደኣን። በዚ ሰዓት ዝለዓሉ ሰባት ብጓሓቱ ስርሖም ክኣትዉ ዘለዎም ሰራሕተኛታት፣ ቤተ ክርስቲያን ዝስዕሙን ለመንትን ጥራሕ እዮም። 

ዝተሰርቀ ዛንታ

ግደይ ገብረኪዳን ሓንቲ እተሕዝን ዜና ኣላትኒ - ዓለም ሕማቕ እያ፣ ክትዕረ እውን ኣይትኽእልን - በቃ እዚኣ እያ እታ ሓቂ - ኣፍካ ሓዝ ወረኛ - ቁሩብ እስኪ ሕፈር፣ እስኪ ካብ ሂወትካ ሰለስተ ደቓይቕ ንሓቂ መድብ - ዓለም ሕማቕ እያ፣ ክትዕረ እውን ኣይትኽእልን። ሰባት ጌሮም ዘፅልኡኒ ዘለዉ፣ ምስሉይነቶም፣ ድድብነኦም። ዓለም ብፀገም ተመሊኣ እናሃለወት ብናይ ውልቆም መነፅር ጥራሕ ክሪእይዋ ዘይሓፍሩ።

ፓቶሎጂካል ደደብ

ግደይ ገብረኪዳን ፋርማሲስት ይኹን እምበር ኣብ መድሓኒት መደብረይ ሰባት መፂኦም "ዶክተር"  እንትብሉኒ ደስ እዩ ዝብለኒ።

ትንቢታት መለስ ዜናዊ

ግደይ ገብረኪዳን ትንቢት እንትበሃል መንፈሳዊን ዓለማዊን ተባሂሉ ከምዝኽፈል ክትፈልጥዎን ኣብዚ ዘልዕሎ ዘለኹ ዓለማዊ ትንቢት ምዃኑን ክትግንዘቡለይ ይደሊ። ዓለማዊ ትንቢት እንትንብል ሓደ ግለሰብ ብምርምር ካብ ዝበፅሐሉ ፍልጠት ተበጊሱ እንታይ እንተተገብረ እንታይ ከምዝስዕብን ዘሎ ሃዋህው ብምግምጋም እንታይ ክኸውን ከምዝኽእልን ከመይ ከምዝኸውንን ትንታንኡ ዘቕርበሉ እዩ።

ሞኖፖሊ መራኸቢ ሓፋሽ

ግደይ ገብረኪዳን እዞም ዝረኣናዮም ኣውራ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሰባት ሓደ ዝገብሮም ንብዙሃን ምእማን ከምዘይከኣልን ክህልዎም ዝግብኡ ርድኢታት ክቕረፀሎም ከም ዘለዎን ዝሰብኩ ምዃኖም እዩ። ብሓደ ገፅ ኣረዳድኣ ቁንጮታት ከምዚ ኮይኑ ማለት ብኻሊእ ገፅ ከዓ ምስቶም ቁንጮታት ዘይሰማማዕ ኣረዳድኣ ዘለዎ ውልቀ ሰብ ወይ ዝኾነ ውዳበ መልእኽቱ ንህዝቢ ዘብፀሐሉ መንገዲ ምዕፋን ከድልዮም እዩ።

መራኸቢ ሓፋሽን መሃንዲሳት ፍቓድን

ግደይ ገብረኪዳን መእተዊ ዝሓለፈ ክ/ዘመን ሒዙ ቁፅፅር ብዝምነዩ ቁንጮታት ሓይልን ኣካይዳ ጭፍራ ብዝፅየፉ ቀንዲ ምሁራንን ጥምረት ዘርፊ መራኸቢ ሓፋሽ ሰፊሕ ስራሕቲ ዝተሰርሐሉ ዘመን ከም ዝኾነ ሪእና ኔርና። ካብዚኦም ዝተገብሩ መፅናዕትታት ሳይንስ ርክብ ውልደቱ ረኺቡ እዩ። ብዙሓት ዘርፍታት፤ ካብ ፖለቲካ እስካብ ስራሕቲ ዕዳጋ ኣብ ጥቕሚ ኣውዒሎምዎ እዮም።

መራኸቢ ሓፋሽን ቁንጮታትን

ግደይ ገብረኪዳን መራኸብቲ ሓፋሽ ቀረፅቲ ወይ ከዓ ሃንደስቲ ማሕበረ ሰብ እዮም እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን። ኣብ መራኸቢ ሓፋሻት ቦታ ዘይወሃቦ ሓቂ ህልውና እውን ኣይህልዎን። እቲ ዘመናዊ ውልቀ ሰብ ካብ ዝፈልጦ ንላዕሊ ስፍሓትን ዕምቆትን ኣረዳድእኡ ዝውስኑሉ ኣሚኑ ዝኽተሎም መራኸቢ ሓፋሻት እዮም። ናይ መራኸቢ ሓፋሻት ዴስክ ናይዚ ዘመናዊ ዓለም ስብክተ ዝወሃበሉ መድረኽ ወይ ከዓ ኣውደ ምህረት እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ክ/ዘበን ኣረዳድኣ ህዝቢ ከመይ ምቕይያር ከምዝከኣል ንምፍላጥ ብዙሓት መፅናዕትታት ተኻዪዶም እዮም።

መራኸቢ ሓፋሽን ሕብረተሰብን

ግደይ ገብረኪዳን “ዜና ማለት ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝተገብረን ዝኾነ ሰብ ከይዝረብ ዝደልዮን ነገር እዩ፤ ዝተረፈ ምልክታ እዩ።” ሎርድ ኖርዝክሊፍ። ሓበሬታ ብቕልጣፈን ብፅሬትን ክፍነው ምኽኣሉ ሓፋሻት እድሎም ዓርሶም ክውስኑ ዘኽኣሎም ከምዝኾ ንምግንዛብ ኣይኸብድን። ብዙሃን ህይወቶም ብኹለ መዳይ ዕዉትን ስሙርን ዝኸውን ኣብ ቅኑዕ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ሓሳብ ተቐቢሎም ኣብ ተግባራዊነቱ ክሰማምዑ እንተኽኢሎም እዩ። ኣብ ኩሉ ዘርፊ ፍልጠት ዘለዉ፤ ካብ ተግባራዊ ሳይንሳዊ ሥራሕቲ ጀሚሩ እስካብ እቶም ፈላስፋታት፤ ሥራሕቶም ብመፅሓፍ ዘሕትምዎ ዝተርኣዮም ጌጋ ከርእዩን ልክዕ እዩ ዝብልዎ ሓቢሮም ኣብቲ ማሕበረሰብ ከስርፁን ስለዝሓስቡ እዩ። እሞ ምስ እዚ ብዝተተሓሓዘ ዕድል እቲ ማሕበረሰብ ክውስኑ ዝደልዩ ኣካላት ብግደኦም ናይ ሓበሬታ ፍልፍልን ፈነወን ንምቁፅፃር ምሙካቶም እንፅበዮ እዩ ዝኸውን። ናይዚ ፅሑፍ ጭብጢ ዝገብሮ ከዓ ግደ መርማሪ ፀሓፊ ምፍታሽ እዩ ዝኸውን።

መራኸቢ ሓፋሽ (መእተዊ)

ግደይ ገብረኪዳን መራኸቢ ሓፋሽ ማለት እቲ ቃል እውን ከም ዘመልክቶ ዝኾነ ዓይነት መንገዲ ብምጥቃም ንሓደ ሓሳብ፣ ክዋነ ወይ መልእኽቲ ካብ ውልቀ ሰብ፣ ትካላት ወይ መንግስቲ ንሓፋሽ ክበፅሕ ዝግበረሉ መንገዲ እዩ። ናይ ሕትመት መራኸቢ ሓፋሽ ካብ ኩሉ እቲ ዝቐደመ እንትኸውን ሓበሬታ ንምምሕልላፍ ቁሳዊ እታወታት ዝጥቀም እዩ፤ ከም መፅሓፍ፣ መፅሄት፣ በራሪ ወረቐት ወዘተ. ይጥቀም። ናይ ዲጂታል መራኸቢ ሓፋሽ ብወገኑ ሎሚ ዝበፃሕናሉ ብርኪ ቴክሎጂያዊ ዕቤት ውፅኢት እንትኸውን በይነ መርበብን (ኢንተርኔት) ተንቀሳቓሳይ ስልክን ይጥቀም። እዚኦም ክልቲኦም ዲጂታል መራኸቢ ሓፋሽ መርበብ ሓበሬታ (ዌብ ሳይት)፣ ማሕበራዊ ገፅታት፣ ኢመይል ዝኣመሰሉ ግልጋሎታት ክንረክብ ይገብሩና።

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (10)

10. ኤርትራውያን ኣብ መቐለ ግደይ ገብረኪዳን “ዝኾነ ዓሻ ታሪኽ ክሰርሕ ይኽእል እዩ፤ ንክፀሓፍ ግና በሊሕ የድልዮ እዩ።” ኦስካር ዋይልድ ነዚ ሎሚ ዝፅሕፎ ዘለኹ፤ ኣብዘን ቁሩባት ኣዋርሕ ውሽጢ ዝተገብራ ነገራት፤ ንናይ ሎሚ ሰብ ከየግርመሉ ይኽእል እዩ፤ ንቐፃሊ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ንዘንብቦ ሰብ ግና፤ ነቲ ሎሚ ዝነብሮ ዘሎ ሰብ ሓዊሱ፤ ነዚ ካብ ዝኣምን ናይ ግሪክ ኣፈ ታሪኽ ምእማን ክቐሎ እዩ። “ነዚ እውን ኣሕሊፍና ኢና!” ክብል እዩ።   ነዛ ተኸታታሊት ፅሑፍ ዝጀመርክዋ “ፀርፊ” ብእትብል ሸለልተኝነትን ዓጋባይነትን ትግራዎት እትትንትን ፅሑፍ ኔሩ። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ብዛዕባ ምፍልላይ ተጋሩ ስምዒተይ ዝተንከፈኒ መደብ ኣብ ራማ ተሰሪሑ ብትግራይ ቲቪ እንትመሓላለፍ ሪአ ፅሒፈዮ ኔረ።

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (9)

9. ኣሸንዳ ግደይ ገብረኪዳን መቐለ ድሕሪ ዒስራ ዓመት ዳግም ንውሕ ንዝበለ ግዘ እንትፀንሐላ ዝራእኽዎ ማሕበራዊ ጉዳያትን ስነ ልቦናዊ ለውጢታት ቅርፂን ሕብረተሰብ ኣግሪምለይ “እስኪ ብቓላት ስኢለ ከትርፎም እሞ ነቶም ነበርታ ልሙድ ዘይኮኑ ግና ለሚዶም ዝተቐበልዎም ነገራት፣ ነቶም ጌጋታት ክእርምዎም ነቶም ኣወታዊ ነገራት ከዓ ከማዕብልዎም፤ ንመፃኢ ትውልዲ ከዓ ከም “ዜና መቐለ” ኮይና ክትቕመጠሎም ክገብር” ዝብል ሓሳብ ክስንቕ ጌርኒ።

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (8)

8. ኣፍራስ መቐለ ግደይ ገብረኪዳን ሰብ ማለት ዘመዛዝን ፍጥረት እዩ ዝበለና ፈላስፋ እዩ ኣጋጊዩና። ኣዬ ኣርስቶትል! ወይ ከዓ ኣርስቶትል ከምዚ ኢሉ ኢሎም ዝነግሩና ሰባት ኣሕፂሮም ነጊሮምና ኣለዉ። ሕሾት ኮይኑ ዘይኮነስ ፍርቂ ሓቂ ብምዃኑ እዩ። ሰብ ከምድላዩ ከገናዝብ፣ ከስተንትን፣ ከውፅእን ከውርድን ይኽእል እዩ ኮይኑ ግና ኣብ መወዳእታ ዝበፅሖ ነገር እንተሃለወ ናይ ባዕሉ ኣብ ዝኾነ ምልከታ እዩ እምበር ኣብ ሓቂ ኣይኮነን። ፕሮታጎራስ “ናይ ኩሉ ነገር መዐቀኒ ሰብ እዩ” እንትብል ዓብዪ ጌጋ ፈፂሙ ኔሩ። ሰብ ደኣ ወሪድዎ ናይ ዓርሱ ምልከታ መዐቀኒ ጥራሕ እዩ ዝኸውን እምበር ናይ ነገር ኩሉ መዐቀኒ ክኸውን ኣይኽእልን።

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (7)

7. ዘገርም ሳይንሳዊ ሕልሚ  ግደይ ገብረኪዳን "መተዓዛዘቢ እምበር ብዘይ ሞተር መኪና ዶ ትዝወር?" በለ ደራፋይ! ካብ 16 ስለዘይወፃእኹ እዩ ኣብ 16 ዝሰማዕኽዎ ደርፊ ጠቒሰ ክጅምር ዝደለኹ። መብዛሕቲኡ ሰብና ማሕበራዊ እዩ ኣብ ኣፍ ደገ ካፌታት ብሓደ ተሰጢሑ ክፃወት ምውዓል እዩ ደስ ዝብሎ። እዞም ግንፅል ኣብ ዝበለት ቦታ እናንበቡ ሻሂ ቡን እናበሉ ክዘናግዑ ንዝደልዩ ግና ቦታ ክረኽቡ ማለት ዘበት እዩ።

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (6)

6. ዓሰርተ ሽዱሽተ ግደይ ገብረኪዳን ዓሰርተ ሽዱሽተ፤ ቀትሪ፤ ትኽክለኛ ስርዓት ካፒታሊዝም ዝገንሓ፤  ንዝተፈላለዩ ሸቀልቲን ኣሸቀልቲን፣ ዓደግቲን ነገድቲን ኣዳም ስሚዝ ዝገለፆ ዘይረአ ኢድ እንተራኽቦም እትዕዘበሉ ቦታ፤ ለይቲ፤ ትኽክለኛ ናይ ሲግመንድ ፍሮይድ ወሲባዊ ንድፈ ሓሳብ ስነ ልቦና ዝገንሓ፤ ድሕሪ ኩሉ ንጥፈታት ወዲ ሰብ ስጋዊ ርክብ ኣሎ ዝበለሉ ምኽንያት እትርደአሉ ቦታ። ዓሰርተ ሹዱሽተ ዘይዝረብ፣ እንትሕሰብ ዘሕፍር ስጋዊ ጉያ ዝዓሰሎ ቦታ። ንዝፈለጠሉ ሰብዓ ደናግል ኣለዋሉያ ከም ዝተብሃለሉ ቦታ ክኸውን ዝኽእል። ንዘይፈለጠሉ ገንዘቡ እናረኣየ ዝናገፈሉ ቦታ። ንመጀመርታ ግዘ ንዓሰርተ ሹዱሽተ ዝራእኽዋ ቀትሪ እዩ ኔሩ። ሻሂ ቡን እትብለሉ ዓሰርተ ቕርሺ ንቡን ከፊልካ ሓሙሽተ ቕርሺ ማልስ እንትመፀካ “ኣየድልየኒን ሓዝዮ” እንትትብል “እዋይ እንታይ ጌርካ? ኣይተሰክፈና እንዶ ሓዞ” ትበሃለሉ ቦታ እያ።

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (5)

5. ሞንታርቦን ጭቆናን ግደይ ገብረኪዳን ኣብዛ ከተማ ዓው ዓው ምባል እቲ ሓዱሽ መደበኛ ኣካል ህይወት ኮይኑ ኣሎ። ብዝኾነን ብዘይኾንን ምክንያት ሰባት ናብ ገዝኦም ሞንታርቦ ኣምፂኦም ደርፊ ጠራዕ ኣቢሎም ከድርፉ ምውዓልን ምሕዳርን መሰሎም ኮይኑ እዩ። ገዛ ተሰሪሑ እንትምረቕ - ሞንታርቦ ይመፅእ፤ ቆልዑት ትምህርቲ እንትምረቑ - ሞንታርቦ ይመፅእ፤ መርዓ እንተኾይኑ - ሞንታርቦ፤ ሓደ መላለዪ ትካል ወይ መንግስቲ ዝእውጆ ነገር እንተሃሊይዎ - ሞንታርቦ ኣብ መኪና ፅዒኑ ከተማ ክብፅብፃ ይውዕል…። ናይ ንግዲ መደብራት ሞንታርቦ ኣብ ኣፍ ደገ ጌሮም ክጭደዱ ምውዓል ኣብ ሥራሕ ከምዘለዉ መላለዪኦም እዩ። ዕግርግር።

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (4)

4. ልሳን ዘይብላ ከተማ ግደይ ገብረኪዳን ብነፃነት ሓሳብኻ ገሊፅኻ ምንባር ካብ ምኽኣል ወፃኢ ካሊእ ሕልሚ የብለይን። ናይ ወትሮ ትምኒተይ፦ ሓሳበይ ናብ ዕዳጋ ከውፅአሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ምርካብን ንዓርሰይ ክኢለ ደስ ዝብሉኒ ሕቶታት እናሓሰብኩን ንዞም ሕቶታት ኣልዒሎምዎም ምስ ዝነበሩ ታሪኻዊ ዝኾኑ ሓሳባውያን እናዘተኹን (እናንበብኩን) ምንባር እዩ። ነዚ ንምግባር ግን ናትካ ዝኾነን ዕዳጋ ዝኾነካን፣ ናትካ ሓሳባት ዝኹርኩሮ ህዝቢ የድልየካ እዩ። እናዓበኹ እንትመፅእ ሓደ ነገር እናተገለፀለይ መፂኡ፦ ሓደ ግለሰብን መንነቱን ክፈላለዩ ዘይኽእሉ ነገራት ከምዝኾኑ።  ሓደ ሰብ ከም ግለሰብ ኮይኑ ጠጠው ክብል እንተኾይኑ መጀመርታ ምስ ዓለም ዘለዎ ሒሳብ ከወራርድ ኣለዎ። ዘይተወድኡ ዛዕባታት ተዓቢጦም ክተርፉ ተጌሮም እንተኾይኖም ሓደ ሰብ በዞም ዝተዓበጡ ነገራት እናተጎተተ ንሓቂ ከይፈለጠ ክተርፍ እዩ ዝግበር።

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (3)

3. ዝተለኽፉ ግደይ ገብረኪዳን “አደዬ አበይʼላ ጓለይ ከይትብሊ፤ “ዋላኹ ኣብ ወሰን መረብ ኣለኹ።” እዚኣ ካብ ዝፅሕፋ ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለዉ። ኣብ ታሕሳስ ውሽጢ እየ ፅሒፈያ ትሸዓንተ ወርሒ ጌራ ኣላ። ስለዝዘከርክዋ ግና ኣብዚ ተኸታታሊ ፅሑፍ ክሓውሳ ወሲነ ኣለኹ። ዝናብ ታሕሳስʼኳ ዝናብ ጥፍኣት እዩ ዝበሃል፤ ተመስገን ቆሪሩ እምበር ኣይዘነበን። ዛሕሊ ነፋስ ታሕሳስ ከም ጥቅምቲ ኮይኑ ካብ ዓራት ኣየተስእን፤ “ብሃፈትከ ገፅከ…” ንበር ተባሂሉ እዩʼሞ ቁሪ ኾነ ሙቐት ግን ወዲ ኣዳም ክለዓል ግድን እዩ። ኣነኳ ነየናይ ስርሐይ ክለዓል? ካብ ስራሕ ዓለም ካብ ዝርሕቕ ዓመታት ተቖፂሮም እዮም፤ ሎሚ ቕነ ግን ቅድሚ ሚእቲን ሰላሳን ዓመት ዝተፅሓፈ ነዊሕ ልበ ወለድ ተርጉም ተባሂለ፤ ኣብ ክልተ ወርሒ ከብፅሕ ውዕሊ ፈሪመ፤ ኣይሰልጥን ኢሉኒ ብግዘ ክለዓል ጀሚረ ኣለኹ።

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (2)

2. በዓል ዋና ዘይብላ ከተማ ግደይ ገብረኪዳን ጥብሲ በሊዐስ ብማይ ዚንጎ ተሓፀብ ኢሎምኒ! ዋይ እኒሀኻ ጉድ! ማይ ፀገም ከምዘሎ ይርደአኒ እንድዩ ግን ብማይ ዚንጎ ክሕፀብስ … ኣይ …። መቸም ነዓይ ሓዱሽ ነገር ኮይኑኒ እምበር ንዝለመድዎ ዓማዊሎም ምንም ዘይገርሞም ነገር ክኸውን ይኽእል። ቶለስቶይ “ኣና ከረኒና” ኣብ ዝብል ድርሰቱ፡ “ሰብ ዘይላመዶ ኩነታት የብሉን፤ ብፍላይ ብዙሪኡ ዘለዉ ሰባት ተላሚዶምዎ ዝሪኦ ነገር እንተኾይኑ” ይብል። ነዚ ኣባህልኡ እንተንብብ ኣዲስ ኣበባ እየ ኔረ፤ ሽዑ ቀልጢፉ ናብ ርእሰይ ዝመፀለይ ናይ ኣዲስ ኣበባ ጉድ ኔሩ፡ መሰረታዊ ምህንድስና ዘይዳህሰሶ ናይ 100+ ዓመታት ኣሰፋፍረኣ፣ ርስሓታ፣ ጨናኣ … ሰብ ተላሚድዎ ተቐቢልዎ ኔሩ።

ኢኮኖሚያዊ ነፃነትን ገዛእቲ ደርብታትን (2ይ ክፋል)

ግደይ ገብረኪዳን [ቅድሚ ክልተ ዓመታት፣ ህወሓት ኣብ ኣ.ኣ እናሃለወት ዝተውሃበ መተሓሳሰቢ።] ምንፃግ መዋቕራዊ ለውጢታት ህወሓት ንሉኣላዊነት ሃገር ምኽባር (ምውሓስ) እንትብል ንስትራቴጂካዊ ዘፈራት ኢኮኖሚ ክቆፃፀር ዘውፅኦም ፖሊሲታቱን ኣንፃር ዓለም ለኻውያን ሊበራላት ምዃኑን ዝነኣድ እዩ። ከም አይ.ኤም.ኤፍ ወይ ባንኪ ዓለም ዝኣምሰሉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ንዓርሶም ኣዘዝቲ ፖሊሲ ብምግባር መዋቕራዊ ለውጢ (structural reformation) ግበሩ ኢሎም ኣገዲዶም ብተዘዋዋሪ ቑጠባ ሃገራት ክቆፃፀሩ ኣብ ዝፅዕሩሉ ግዘ ብኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ኮይኖም ህወሓት-ኢህወዴግ ኣይንቕበልን ምባሎም ኣብ ታሪኽ ክዝከሩን ክምስገኑን ዝገብሮም ታሪኻዊ ተግባሮም እዩ። እሞ እዚ ከዓስ ኣብ ምቹው ኩነታት ዘላ ሃገር ሒዞም ዘይኮነስ ካብ ሕድ ሕድ ኲናት ኣብ ዝወፀትን ካብ ዓለም ናይ መጨረሻ ድኻ ዓዲ ሒዞም መንበረ ስልጣኖም እኳ ብኣግባቡ ኣብ ዘየረጋግዑሉ ግዘ ምዃኑ እንትንሓስቦ ኣድናቖትና ክውስኽ ይገብሮ። እዚ ናይ ነዊሕ ግዘ ቃልሶምን ሶሻሊስታዊ እምነቶምን ሓቦ ኮይንዎም ክኾን ከምዝኽእል ምግማቱ ኣይኸብድን።

ኢኮኖሚያዊ ነፃነትን ገዛእቲ ደርብታትን (1ይ ክፋል)

ግደይ ገብረኪዳን [ቅድሚ ክልተ ዓመታት፣ ህወሓት ኣብ ኣ.ኣ እናሃለወት ዝተውሃበ መተሓሳሰቢ።] ብዛዕባ ኢኮኖሚያዊ ነፃነት ክትዛረብ እንትትደሊ ናይዚ ዓባይ ኣብነት ካብ ዝኾነት ሃገረ ኣሜሪካ ልምዲ ምጅማር ዘነቓቕሕ ይኸውን። ኣሜሪካ ናይ ኣሜሪካ ሕገ መንግስቲ ሪፐብሊካዊ እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ኣብቲ መእተዊኡ ከምዝገልፆ፡ ፍፁም ሕብረት ንምምስራት፣ ፍትሒ ንምዕሳል፣ ሃገራዊ ሰላም ንምውሓስ፣ ናይ ሓባር ምክልኻል ንምውናን፣ ሓፈሻዊ ውሕስነት መነባብሮ ንምርግጋፅን ፀጋታት ነፃነት ንምጥዕዓምን፣ ነዓዓቶምን ንመፃኢ ትውልዶምን እንትብሉ ነዚ ሕገ መንግስቲ ከምዘርቀቕዎ ይዛረቡ።

ማሕበራዊ ንቕሓትን ህልውናን ተጋሩ

ግደይ ገብረኪዳን ኣመራርሓታት ህወሓት ቃልሲ መሪሖም ብዝሓፈስዎ ዓወት ሰኺሮም፤ ብዓርሰ ፍትወት ተፀሚዶም፤ ንሓድሽ ወለዶ ትግራይ ነፃነትን ዲሞክራሲን ክህብዎ ዘይኮነስ ኣደንቊሮም ክገዝእዎ እዮም መሪፆም። በዚ መሰረት ድማ፤ ሎሚ ዘሎ ናይ ህወሓት ስርሒት ዝኾነ ሓድሽ ወለዶ ትግራይ፤ መግለፂ ባህርያቱ ድሑር፣ ተንበርካኻይ፣ ሓፈሻዊ ፍልጠቱ ኣዚዩ ትሑት ዝኾነ፣ ወነ ዝኸሓዶ፣ ሸለልተኛ፣ ዘየንብብ፣ ብሄራዊ ህልውና ክህልዎ ዝተኸፍለሉ መስዋእቲ ዘይርድኦ፣ ኮታስ ብሓፈሻ ህወሓት ካብ ዘደንቆረቶ ንላዕሊ ኣደዳ ስነ ልቦናዊ መጥቃዕቲ ፀላኢ ኮይኑ መምርሒ ህይወቱ ዝገብሮም ፍልስፍናታት፦ ስጋዊ ርውየት፣ ቀቢፀ ተስፋን ዓርሰ ፍትወትን ዘጠንጥንዎ ኮይኑ ኣሎ።

ነቓዓት ትግራይ

ግደይ ገብረኪዳን ፀላኢ ዘጥፈአካ መጀመርታ ድኹም ጎንኻ ሪኡ በዚኦም ኣቢሉ ጥምረት ሰልፍኻ ብምብታን ንዓርኻ ከይትከላኸል ብምግባር እዩ። ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚቱ ብኣውርኡ እትጥቀዐሉ ድኹም ጎንታታ ፍሉጣት እዮም። ተጋሩ ፈተና ኣብ ዝመፀሉ እዋን ፀላኢ በለፀኛታት ተጠቂሙ በዞም ድኹም ጎንታት ኣቢሉ ነቓዕ ብምፍጣር ነታ ዓባይ ህድሞ ትግራይ እናፍረሳ ፀኒሑ እዩ። ነቓዕ እንትበሃል ፍልልያት ማለት ኣይኮነን። ፍልልይ ዘይብሉ ህዝቢ የለን ኮይኑ ግና እዞም ፍልልያት ህዝቢ ኣንፃር ረብሕኡ ደው ኢሉ ነስ ንሳቱ ክባላዕ ናብ ዝኽእለሉ መስመር ዘእትው እንትኾን ዘፍርስ ስለዝኾነ ነቓዕ ንብሎ። ድሌት ፀላኢ ድማ ምፍራስ ስለዝኾነ ህዝቢ ክፈልጦ ዝግባእ ፍልልያቱ መጥቀሚ ፀላኢ ከይኾኑ ምግባርን ምምካት ከምዝግበኦን እዩ።

ሰብ ክልተ ዘይሳነዩ ዓለማት

ግደይ ገብረኪዳን “Between two groups of people who want to make inconsistent kinds of worlds, I see no remedy but force.” Oliver Wendell Holmes, Jr. “ክልተ ዘይሳነዩ ዓለማት ዝምነዩ ክልተ ጉጅለታት ብዘይካ ጉልበት ካሊእ ዝዳንዮም ፍታሕ ኣይረኣየንን።” ኦሊቨር ዊንዴል ሆልምስ፣ ጁንየር ሃገርና ኢትዮጵያ እንታይ ኮይና እያ ሰላም ዘይትረክብ? ንምንታይ እዩ ምስናይ ዝኣብየና? ነዚ ሕቶ እዚ ምልዓል ግድን ኣብ ዝብለሉ ግዘ በፂሕና ኣለና። መልሱ ዘፍርሕ ክኾን ስለዝኽእል ዘይምልዓሉ ዝመርፅ እንተበዝሐ ኣይገርምን። ነገራት እናኸፍኡ እንትኸዱ ግና ከይፈተና ክነልዕሎ ንግደድ።

ናይ ቁፅሪ ታሪኻዊ ፈተና

ግደይ ገብረኪዳን ተዓብላላይነት ህዝቢ ትግራይ ሰሪሑ ከምዘይሰርሐ፣ ተሰዊኡ ከምዝከሓደ “ባንዳ” ዘይሸሽሙ ሽም እናተውሃቦ መፂኡ ኣሎ። በዚ ንሕሰያ ዘይብሉ ናይ ክሕደት ትርክት ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ኣብ ዘመነ ሓበሬታ ክበጽሖ ዝኽእል ዕብለላ ቀሊል ኣይኸውንን።

ፀገማት ንኢሽተይ ከተማ

ግደይ ገብረኪዳን መዓልቱ ናይ መሕተቲ ዘይኮነስ ደበና ሓምለ ስለ ዘግለሰ ኣብ ደገ ኮፍ ኢልካ ነፋስ እናወሰድካ፣ መንገደኛ እናቖፀርካ፣ ዶሮና እናሰተኻ፣ ብዘየስሕቕ ሪእቶ ሰባት እናሰሓቕካ፣ ንለማኖ ይርዳእኹም እናበልካ፣ ንተንቀሳቐስቲ ሸቃጦ ዘዘምፅእዎ ኣይደልን እናበልካ፣ ኣተኣናጋዲት ሞባይልካ እንትትብለካ “ፅንሒ”፣ ጋብዘኒ እንትትብል ከዓ “የብለይን” እናበልካ፣ ካብ ካልኦት ከተማታታት ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ኣዚዝኻ ዘቐመጥካዮ ብምውሳድ ዝፍለጡ ዕቡዳት ከተማና እናተኸላኸልካ፣ ክልተ ቢራ እትሰትየሉ ሳንቲም ብምሓዝካ እናመስገንካ ነተን ጠራሙዝ ኣፃዊትካ ብግዘ ገዛኻ እትኣትወሉ ዕለት እዩ ኔሩ። ካብዚ ወፃኢ ዝሓስብ ዝጠዓሞ እዩ፣ ዝመልአሉ፣ ዝኾኖ ዝሰኣነ፣ ዝፀገበ…። እታ እንዳ መስተ ተሃኒፁ ኣብ ዘይተወደአ ህንፃ ምድራዊ ክፍሊ እያ ዘላ - ኣብ ልዕለይ ንሸቃሎ ክኾን ዝተረብረበ ናይ ቀላሚጦስ መረጋገፂ ዘለዎ ዘይተወደአ ህንፃ እናረኣኹ ክግልገል ኣይሓስቦን ኔረ፤ ግና እታ ኮፍ ዝብለላ ቦታ ካብታ ገበላ ናብ ውሽጢ እትው ኢልካ ስለ ዝኾነትን ናይ ላዕለዋይ ደብሪ ገበላ ከም ቆቢዕ ውፅእ ኢሉ ስለ ዝከላከላኸለለይ ከይሰጋእኹ ይሽጎጠላ እየ።

ክልተን ሰለስተን (መዘከርታ ሶሺዮሎጂስት)

ግደይ ገብረኪዳን ብሕታዊነት ዝፈትዉ ውልቃውያን “ክልተ እውን ዕስለ እዩ” ይብሉ፤ ብሶሺዮሎጂ ግና ዕስለ ዝጅምር ካብ ሰለስተ እዩ - ማለተይ ብናይ ጆርጅ ሲሜል ሶሺዮሎጂ። ፍልጠት መድሓኒት እዩ - ንነገራት ብዕምቆት ክትርደኦም ይገብረካ፤ ዓሚዩቕ ርድኢት ምሓዝ ከዓ መንፈሳዊ ዕግበት ክትውንን ይገብረካ። ሕዚ ዝምዝግቦ ታሪኸይ ምስ ሞያይ - ሶሺዮሎጂ - ተዛሚዱ ዝረኸብክዎ እዩ።

ጥዕምቲ ደርሆ

ግደይ ገብረኪዳን ብዛዕባ ኣከዳድና ተምሃሮ እናዘተዩ እናሃለዉ በርሀ፤ “ድሕሪ ኩሉ ነገር ወሲብ ኣሎ” ኢልዎም። በርሀን ኣዕሩኽቱን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ናይ ተምሃሮ ካፊቴርያ ክምገቡ ዝተሰለፉ ናይ መጀመርያ ዓመት ተምሃሮ እዮም። ወሲብ ክንድ እዚ ወሳናይ ግደ ኣብ ህይወት ደቅ ሰባት ኣለዎ ኢሎም ክኣምንዎ ኣይከኣሉን። ትምህርቶም ወዲኦም “ከይተምሃረ ንዘምሃሮም ህዝቢ” ንምቕያር ዕላማ ዝሰነቑ፣ “ዓብዪ” ናብ ዝብልዎ ቦታ ክበፅሑ ዝህንጠው መናእሰይ ሰብ ንወሲብ እዩ ዝነብር ኢሎም ክኣምንዎ ኣይከኣሎምን። ዝገብርዎ ስለ ዘይነበሮም ግና ንበርሀ ከለፍልፉ ደሊዮም ቁም ነገር ከም ዝወፆ ወግዒ ብቁም ነገር ክካትዕዎ ጀሚሮም። ብዘይካ በርሀ ኩሎም ይሕጭጩ እዮም ኔሮም - ንወሲብ ቦታ ዘይብሎም ውሽጣዊ ፀዓቶም ኩሉ ንትምህርቲ ጌሮም ብትምህርቲ ብዝረኽብዎ ዓወት ብሩህ መፃኢኦም ብተስፋ ኣማዕዲዮም እናረኣዩ ውሽጣዊ ርውየት ዝረኽቡ እዮም።  

መዘከርታ እስረኛ

ግደይ ገብረኪዳን ወዶም ክርስትና ከልዕሉ እናተዳለዉ እዮም ቐኒዮም።  እዞም ፅምዲታትና ነዚ ዕለት እዚ ከምዚ ከብዕልዎ ነዊሕ ተጓዒዞም እዮም፦ ክርስትና ከም ምዃኑ መጠን መጀመርታ ክወልዱ ኔርዎም፣ ንኽወልዱ ከዓ መጀመርታ ክረኣኣዩ፣ ተረኣኢዮም ክፋተዉ፣ ተፋቲዮም ብዕርክነት ዝተወሰነ ግዘ እናተፀናንዑ ክፀንሑ፣ ግዘ መፅናዕቲ ምስ ሓለፉ ከዓ ሓዳር ክምስርቱን ክወልዱን ኔርዎም፣ ምስ ወለዱ ከዓ ከም ወለዶም ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ስለ ዝኾኑ ናይ ወዶም ክርስትና ኣብ ኣርበዓ መዓልቱ ከኽብሩ ኔርዎም።

ዓውዲታት መቕተልቲ ኣፍሪካ

ሮበርት ዲ. ካፕላን “ኣነ “ናይ መንደር ፖለቲከኛ” ኮይነ ኣይፈልጥን፣ “ዓዲ ኣቦ” ብዝባሃል ልቢ ዝሰልብ ግንዛበ ተማሪኸ ኣይፈልጥን፣ ግን ከዓ ንሕና ኮሚኒስት ንበሃል ዝባንና ንሓረስቶት እንትንህቦምን ንኢኮኖሚያዊን ፖሊስን ፀቕጢታት እንትንዳርጎምን ይርብሸኒ ኔሩ።” —Milovan Djilas, Rise and Fall ማኦ ዚዶንግ ደባይ ተዋጋኢ “ኣብ ባሕሪ ህዝቢ እዩ ዝሕምብስ” ኢሉ ኔሩ። ካሊእ ኮሚኒስት ክልሰ ሓሳባዊ ከዓ (ብመሰረት ፒተር ኒጊል ንበርሊነር ሚሽንስወርክ ዝፀብፀብቦ) ናይ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ፓርቲ መንእሰይ ካድሬ ናይዚ ሓቂ ውፅኢት ኣብ መቐለ ንዝተኣከቡ ተጋሩ ሓረስቶት ንግግር እንትገብር ድሕሪ ሕርቃኑ ምቁፅፃር ምስ ኣበዮ ከምዚ ኢልዎም፡ “ነቲ ባሕሪ እንተድሪቕካዮ እቶም ዓሳታት ይሞቱ።”

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።