Skip to main content

መራኸቢ ሓፋሽን ሕብረተሰብን

ግደይ ገብረኪዳን

“ዜና ማለት ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝተገብረን ዝኾነ ሰብ ከይዝረብ ዝደልዮን ነገር እዩ፤ ዝተረፈ ምልክታ እዩ።” ሎርድ ኖርዝክሊፍ።

ሓበሬታ ብቕልጣፈን ብፅሬትን ክፍነው ምኽኣሉ ሓፋሻት እድሎም ዓርሶም ክውስኑ ዘኽኣሎም ከምዝኾ ንምግንዛብ ኣይኸብድን። ብዙሃን ህይወቶም ብኹለ መዳይ ዕዉትን ስሙርን ዝኸውን ኣብ ቅኑዕ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ሓሳብ ተቐቢሎም ኣብ ተግባራዊነቱ ክሰማምዑ እንተኽኢሎም እዩ። ኣብ ኩሉ ዘርፊ ፍልጠት ዘለዉ፤ ካብ ተግባራዊ ሳይንሳዊ ሥራሕቲ ጀሚሩ እስካብ እቶም ፈላስፋታት፤ ሥራሕቶም ብመፅሓፍ ዘሕትምዎ ዝተርኣዮም ጌጋ ከርእዩን ልክዕ እዩ ዝብልዎ ሓቢሮም ኣብቲ ማሕበረሰብ ከስርፁን ስለዝሓስቡ እዩ።
እሞ ምስ እዚ ብዝተተሓሓዘ ዕድል እቲ ማሕበረሰብ ክውስኑ ዝደልዩ ኣካላት ብግደኦም ናይ ሓበሬታ ፍልፍልን ፈነወን ንምቁፅፃር ምሙካቶም እንፅበዮ እዩ ዝኸውን። ናይዚ ፅሑፍ ጭብጢ ዝገብሮ ከዓ ግደ መርማሪ ፀሓፊ ምፍታሽ እዩ ዝኸውን።

ጋዜጠኛ ወይ መርማሪ ፀሓፊ

ንጋዜጠኛ ወይ መርማሪ ፀሓፊ እምበኣር ፍሉይ ዝገብሮ ነፃ ኮይኑ ኣድልዎ ዝገብረሉ ወገን ወይ ሓሳብ ከይሓዘ ወይ ካብ ውግንና ነፃ ኮይኑ ንሓደ ክዋነ ክፅብፅብ ምፅሓፉ እዩ። ናይ ጋዜጠኛ ውግንና ነቲ ክዋነ ብሓቂ ምፅብፃብ ምኽኣሉ ጥራሕ እዩ።

“መርማራይ ጋዜጠኝነት ማለት ካልኦት ሰባት ክሓብእዎ ዝደልይዎ ዜና ምርካብ፣ ምፅብፃብን ምቕራብን እዩ። ካብ ካልኦት ፀብፃባት ዜና ዝፈልዮ ሕምብርቲ እቲ ታሪኽ ዝኾኑ ሰባት ዘይድግፉኻ እንትኸውን ሥራሕኻ ከይትሰርሕ ክዕንቅፉኻ ክሙክሩ ይኽእሉ እዮም።”(1) 
ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣበሃህላ ንኤሲያ ፓሲፊክ ሃገራት ተምሃሮ መምሃሪ ንኽኸውን ብሓገዝ ዩኔስኮ ኣብ ዝተሓተመ ሥራሕ እዩ። ስልጣን ወይ እውን ፅዕንቶ ዘለዎም ወገናት፣ ውልቀ ሰባት ወይ ኮርፖሬሽናት፤ ፖለቲካዊ ኮነ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምርካብ እንትብሉ፤ ኮነ ኢሎም ይኹን ብሕፅረት ዓቕሚ፤ ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝጎድእ ተግባር ኣቲዮም ናይ ምርካብ ዕድሎም ሰፊሕ እዩ። እቲ ሕብረተሰብ ድማ ነዚ ናይ ምፍላጥ መሰል ኣለዎ። እቶም ጥፍኣት ፈፀምቲ እውን ንዓርሶም ካብዚ ከርሕቑ ምሙካሮም ዘይተርፍ ውፅኢት እዩ።  
እቲ መርማሪ ፀሓፊ እምበኣር ብጥቕሚ ከይተደለለ፣ ከይፈርሐ ወይ እውን ብዕላማ ምስ ሓዲኡ ከይወገነ ወይ እውን ናይ ሓደ ወገን ወይ ኣተሓሳስባ ቃል ወሃባይ ከይኮነ፤ ሓበሬታታት ብምጥንቓር ክሕባእ ዝሙከር ነገር ክፅብፅብ ይግባእ። እቲ ጋዜጠኛ በዚ መልክዑ ኣብ መንግስቲ፣ ኣብ ዓበይቲ ትካላት ወይ እውን ብገበነኛታት ዝፍፀሙ ጥሕሰት ሕጊታት ክፅብፅብ ይግበኦ። እዚ እቲ ሕብረተሰብ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ክፈሊ ይሕግዞ እዩ።
መርማሪ ፀሓፊ ንሓቅታት ምስብሳብን ምውህሃድን ግቡኡ እዩ፤ ድሕሪ እዚ ድማ ሓቅነቱ ካብ ካሊእ ፍልፍል ከረጋግፅ ይግበኦ። ብተወሳኺ እውን እዞም ዘወሃሃዶም ሓቅታት ብኻሊእ ፍልፍል ሓበሬታ ምርግጋፅ ከምዝከኣል ብመረጋገፂ ኣደጊፉ ከቕርብ ይግበኦ።
ሓደ መርማሪ ፀሓፊ በዚ መንገዲ እዚ ኣቢሉ ዝተሓብኡ ክዋነታት ኣብ ዝምርምረሉ ግዘ ብዙሓት ዓንቀፍቀፋት ከጋጥምዎ ይኽእሉ እዮም። ካብዙይ እቲ ዋና፤ ከምቲ ዛዕባ ስፍሓት፤ ሓበሬታ ምርካብ ኣፀጋማይ ምዃኑ እዩ። ናይ መርማሪ ፀሓፋይ ኣውራ ናይ ሓበሬታ ፍልፍል ሕጋዊ ሰነዳት፣ ሪፖርትታት፣ ምርምራት፣ ቃለ ምሕትታት፣ ሓበሬታ ዘምሉቑን (whistleblowers)፤ ኣብ ዝከኣለሎም ሃገራት ድማ፤ ሓበሬታ ናይ ምሕታት ሕጋዊ ኣዋጃት (Freedom of Information Acts) ብምጥቃም ዝርከቡ መረዳእታታትን እዮም።
ቀፂልና እዞም ኣብ ናይ ሓይሊ ኮሪደር ኣለዉ ዝበልናዮምን ንዓለምና ዝገንሑን ሓይልታት መንነት፣ ኣካይዳን ምልከታታትን ክንድህስስ ኢና።

ቁንጮታት ሓይሊ / The Power Elite

ኣብ በ1956 ዓ.ም ሚልስ The Power Elite ዝብል ስርሑ ኣብ ዘሐትመሉ ግዘ ብኹሉ ኣንፈት ተቓውሞ ወሪድዎ ኔሩ።(2) እዚ መፅሓፍ እዚ ወተሃደራዊ፣ ኮርፖሬትን ፖለቲካዊ ክፍልታት ዝብሎም ዘለዎም ናይ ጥቕሚ ምጥልላፍ ዝድህስስ እንትኸውን እቲ ተራ ዜጋ፤ ብኣንፃር እዚኣቶም እንትረአ፤ ከም ድላዮም ርድኢቱን ምልከታታቱን እንተጠማዘዝዎ ንዓርሱ ንምክልኻል ዘይከኣሎ ድኹም ከም ዝኾነ የርእይ።  
እቲ መፅሓፍ ኣብ ዝወፀሉ እዋን ኣብቲ ኣካዳሚያዊን ፖለቲካዊን ከባቢ፤ ብኣብዝሃ ኣሉታዊ ዝኾኑ፤ ሪእቶታት ኣተኣናጊዱ ኔሩ። እዚ መፅሓፍ ኣበጋዛት ውግእ / "the warlords"፣ ላዕለዋይ ኢ-ግብረገባዊነት / "the higher immorality"፣ ቁንጮታት ሓይሊ / "the power elite"፣ ወፈፌ ክዉንነትን / "crackpot realism"፣ ዝተወደበ ሸለልተኝነት / "organized irresponsibility" ዝመሳሰሉ ስምዒታዊነት ዝሓዘሉ ቃላት ዝጥቀም ይኹን እምበር 47 ገፃት ዝወፆ ክፍሊ መዘከርታታት ዝሓዘ ሰፊሕ ምርምር ዘካተተ ኔሩ። ብእዋኑ ዘበናዊ ስነ ማሕበረሰብ (ሶሺዮሊጂ) ንድፈ ሓሳብ ተጠቂሙ፤ ሓደ ናይ ስነ ማሕበረሰብ ምሁር፤ ናይ ሓይሊ ቅርፅን ክፍፍልን እንተፅንዕ ፈላማይ ብምንባሩ ግዘ ከይወሰደ ኣሽዑ ኔሩ ዘመን ዘይስርዕሮም (ክላሲክ) መደብ ስራሕቲ ክምደብ ዝኸኣለ።(3)
ብተወሳኺ እዚ መፅሓፍ፤ ካፍቲ ኣካዳሚያዊ ዓለም ውሽጢ ኮነ ወፃኢ፤ ናይ ሓይሊ ኣወቓቕራ ካብ መደባዊ ተቓርኖ ወፃኢ ዝቓነዩ ቁሩብ ዝበሃሉ ዕምቆት ዘለዎም ሥራሕቲ ውሽጢ ሓደ ብምንባሩ ወጋእ ፋና ተጌሩ ይውሰድ። በዚ ምኽንያት ካብ ማርክሲስታውያን ጀሚሩ እስካብ ሊበራላትን (ሉሕሉሓትን) ኮንዘርቫቲቭስን (ዓቀብቲን) ዝበፅሕ ተቓውሞ ገጢምዎ ኔሩ።(4) እዚ ሥራሕ እዚ ኣብ ናይ ስነ ማሕበረሰብ መምሀሪ መፃሕፍቲ ውሽጢ፤ ብዛዕባ ስልጣንን ፖለቲካን ዳህሳስ ኣብ ዝግበረሉ ግዘ፤ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣረኣእያ መረዳእታ ተጌሩ ናይ ዓርሱ ቦታ ሒዙ ዝርከብ ሥራሕ እዩ።
ኣብ ኣሜሪካ ሚልስ ዝመመዮም ናይ ስልጣን ወይ ከዓ ናይ ሓይሊ ቁንጮታት፤ ላዕለዋይ ኣብ ዝኾኑ ትካላት (ወተሃደራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን) ውሽጢ፤ ላዕለዋይ ቦታ ዝሕዙ ወገናት እዮም። ናይዚኦም ሰባት ውሳነታት፤ ሚልስ ከም ዘረድኦ፤ ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ዝተረፈ ዓለም እውን ፅዕንቶ ይውንኑ እዮም። ኣብዚኦም ቦታታት ክኣትዉ ዝኽእሉ ቁንጮታት፤ ሚልስ ከምዘርኣዮ፤ ብዘርኢ ዝውረስ ቦታ እዩ። ናይ እዚኦም ሰባት ቤተሰባት ኣብ ሃርቫርድ፣ ፕሪንስተንን ዬልን የኒቨርሲቲታት ውሽጢ እዮም ግደ መራሒነቶም ካብ ወለዶም ክርከቡ ዝዳለዉ። ኣብዚኦም ዩኒቨርሲቲታት ምምሃር ጥራሕ ኣይኣክልን፤ ብተወሳኺ እውን ኣብዞም ዩኒቨርሲቲታት ውሽጢ ኣብ ዝርከቡ ናይ ሕውነት ጉጅለታት ወይ ማሕበራት ውሽጢ ብኣባልነት ክሳተፉ ይግበኦም። ኣባል ዝኾኑ ድማ ብኣውርኡ ብዝምድና እዩ፤ በዚ መንገዲ ስልጣን ወይ ሓይሊ ካብዚኦም ቤተሰባት ከይወፀ ክመሓላለፍ የኽእል።(5)
እዚ ቤተሰባዊ ናይ ሓይሊ መርበብ እንትንሪኦ ፕ/ር ኣንቶኒ ሳተን ናይ ስከልን ቦንስን ኣባላት ሽም ዝርዝር ድሕሪ ምርካቡ፤ ታሪኽ እዞም ኣባላት ብምድህሳስ፤ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ፅዕንተኦም ከርእይ ክኢሉ እዩ። ሳተን ከምዘርኣዮ ኣብ መበል 20 ክ/ዘበን ታሪኽ ኣሜሪካን ዓለለምን ዝቐየሩ ቁልፊ ፖሊሲታት ድሕሪት ዝነበሩ ሰባት እዚኦም ኔሮምዎም፤ ብቐጥታ ቦልሸቪካት (ተኸተልቲ ሌኒንን) ደሓር ድማ ንናዚታትን እስካ ምድጋፍ ዝበፅሑ ፖሊሲታት። የአሜሪካ የሚስጥር ተቋም፡ የስከልና ቦንስ ኦርደር ዝብል ናይ ኣምሓርኛ ትርጉሙ ምርኣይ ይከኣል።
ሚልስ ነቶም ሰለስተ ናይ ሓይሊ ዓምድታት ማለት እውን ወተሃደራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ዝቆፃፀሩ ቁንጮታት ብሓፈሻ ኣብ ሽዱሽተ ምድባት ከፊሉ ይምልከቶም፡

  1.  “ሜትሮፖሊታን 400” - ኣብ አሜሪካ አውራ ከተማታት ውሽጢ ዓብዪ ቦታ ዘለዎም ቀዳሞት ቤተ ሰባት፣
  2. “ውሩያት” - ኣውራታት መዘናግዒን መራኸቢ ሓፋሽን፣
  3. “ዋና ስራሕ ፈፀምቲ አስፈጻሚዎች” - መራሕቲ ዓበይቲ ካምፓኒታት፣
  4. “ኮርፖሬት ሃፋትም” - ገፋሕ መሬትን ብፅሒት ኮርፖሬሽናት ወነንቲ፣
  5. “አበጋዛት ውግእ” - ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ፣
  6. “ፖለቲካዊ መራሕቲ” – “ካብ ሓምሳ ዘይዛይዱ ናይ መንግስቲ ሥራሕ ኣፈፀምቲ።” ናይ መንግስቲ ቢሮክራትስ እዮም።

ሚልስ ኣብ ዘቐመጦም ሓቅታትን ንመፃኢ ዘቕረቦ ፀልማታዊ ግምቱን ዓብዪ ተቃውሞ የቕርቡሎም ዝነበሩ ነቐፍቱ ናይ ነብይነት ካባ ገዲፉ ናብ ስነ ማሕበረሰብ በዓል ሙያነቱ ዝምለሰሉ ዕለት ንናፍቕ ኢና ዝበሉ ኔሮም።(6) እቶም ግምታቱ ጌጋ ምዃኖም ግዘ ከርእየና እዩ ብዝብል ምትእምማን ኔሮም ነዚ ይብሉ ዝነበሩ። ግዘ እናኸደ ብዝመፀ ቁፅሪ ግና ሚልስ ዝበለፀ ልክዕ ከም ዝነበረ እናተርኣየን ዘቐመጦም ስግኣታቱ ግሁድ ኮይኖም ትኽክለኝነት ምርምሩ ክረአ ጌሩ። ኣብ 2006 ዓ/ም ብዝተፅሓፈ መጣጥፍ ሚልስ ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ካብ ኩል ግዘ ንላዕሊ ደሚቑ ልክዕ ኮይኑ ይረአ ኣሎ ተባሂሉ ክፀሓፍ ክኢሉ እዩ።(7)
እምበኣር እዛ ኣብ መላእ ዓለም ንዲሞክራሲን ነፃነትን ምንጋስ ይቃለስ እየ እትብል ሃገረ ኣሜሪካ ገመነኣ ነዚ ይመስል። ማሕበረሰብ ኣሜሪካ ሒደት ኣብ ዝኾኑ ቁንጮ ቤተሰባት ቁፅፅር ውሽጢ ምዃኑ ልቢ ክንብሎ ይግበኣና። ነዚ ኣብዚ ኣስሚርና ክንሓልፍ እንግደደሉ ምኽንያት ናብ ደሓር ብዝበለፀ ግልፂ እናኾነ ይምፃእ እምበር ከም እንግምቶ ኣብ ዓለም ነፃን ግልፅን ማሕበረሰብ ከምዘየለን ነፃ ጋዜጣ ወይ መርማሪ ጋዜጠኛ ኣብ ትሕቲ ነዚ ዝመስል ስርዓት ውሽጢ ኣብ ወረቐት እንተዘይኮይኑ ብተግባር ህልውና ከምዘይብሉ ከይተገንዘብና ምሕላፍ ስለዘይንኽእል እዩ።
መራኸቢ ሓፋሽ ናይ ብዙሃን ድምፂ ዘይኮኑስ ኣመለኻኽታ ብዙሃን ብዝደልይዎ መንገዲ ክቐርፁ ዝደልዩ ሰባት መገልገሊ እዮም። ነዚ ዝተነሓነሐ በይነ መርበብ ውልደትን ኣማራፂ መራኸቢ ሓፋሻትን ክዕፈኑ ዝድለዩ ሓበሬታታት ክጋውሑ ክገብሩ ምኽኣሎም እዩ።

(ቀፃላይ፡ መራኸቢ ሓፋሽን ቁንጮታትን)

ፍልፍላት፡

(1)  “The News Manual.” thenewsmanual.net/
(2) Mills, C. Wright. (1956). The Power Elite. New York: Oxford University Press, U.S.A. 2000 edition.
(3) Domhoff, G. William. (2006). "Mills's The Power Elite 50 Years Later." Contemporary Sociology. 35: 547-550. www2.ucsc.edu/
(4) ዝኒ ከማሁ።
(5) “The Power Elite.” wikipedia.org/
(6) Summers, John. (14 May 2006). "The Deciders". New York Times
(7) Domhoff, "Mills's The Power Elite 50 Years Later." 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።