Skip to main content

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (4)

4. ልሳን ዘይብላ ከተማ
ግደይ ገብረኪዳን

ብነፃነት ሓሳብኻ ገሊፅኻ ምንባር ካብ ምኽኣል ወፃኢ ካሊእ ሕልሚ የብለይን። ናይ ወትሮ ትምኒተይ፦ ሓሳበይ ናብ ዕዳጋ ከውፅአሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ምርካብን ንዓርሰይ ክኢለ ደስ ዝብሉኒ ሕቶታት እናሓሰብኩን ንዞም ሕቶታት ኣልዒሎምዎም ምስ ዝነበሩ ታሪኻዊ ዝኾኑ ሓሳባውያን እናዘተኹን (እናንበብኩን) ምንባር እዩ። ነዚ ንምግባር ግን ናትካ ዝኾነን ዕዳጋ ዝኾነካን፣ ናትካ ሓሳባት ዝኹርኩሮ ህዝቢ የድልየካ እዩ።
እናዓበኹ እንትመፅእ ሓደ ነገር እናተገለፀለይ መፂኡ፦ ሓደ ግለሰብን መንነቱን ክፈላለዩ ዘይኽእሉ ነገራት ከምዝኾኑ።  ሓደ ሰብ ከም ግለሰብ ኮይኑ ጠጠው ክብል እንተኾይኑ መጀመርታ ምስ ዓለም ዘለዎ ሒሳብ ከወራርድ ኣለዎ። ዘይተወድኡ ዛዕባታት ተዓቢጦም ክተርፉ ተጌሮም እንተኾይኖም ሓደ ሰብ በዞም ዝተዓበጡ ነገራት እናተጎተተ ንሓቂ ከይፈለጠ ክተርፍ እዩ ዝግበር።

ሰብ ነዛ ዓለም ዝጽምበራ ተፈተወ ተጸልአ ዘዳለወትሉ ዓለማዊ ቅርፂ ሒዙ እዩ። ነዛ ዓለማዊ ቅርጹ (ብሄራዊነቱ) ከይመርመረ፣ ነዞም ጉዳያት ዝግበኦም ሒሳቦም ከይኸፈለ፣ “ከም ሰብ ጥራሕ እየ ዝሓስብ” እንተበለ ንግዚኡ ንዓርሱ ከዕሽው እንተኾይኑ እምበር “ከም ሰብ ጥራሕ” ክሓስብ ኣይከኣሎን። ነዞም ናይ ብሄራዊነት ዛዕባታት ዝነፅገሎም ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ መዓሙቕ ህሊንኡ ተሓቢኦም ንግስጋስኡ ኣልቦ ትርጉም ከም ዝገብሩሉ ምንም ሕቶ የብሉን።
ንኣብነት እንግሊዛዊ ኮይኑ ተፈጢሩ እንግሊዛዊነት ኣይስመዐንን ንዝብል ቀላዲ ድላዩ እንተተዛረበ ዘረብኡ ዕምቖት ከምዘይህልዎ ግልፂʼዩ። ንዓረብ፣ ንፈረንሳዊ፣ ንኣሜሪካዊ እውን ከምኡ። ማንም እንተኾነ ንብሄራዊ መንነቱ ስምዒታዊ ኣድልዎ ክህልዎ ከምዝኽእልን ነዚ ምጥላም ከዓ ሓሳዊነት ከምዝኾነን ነዚ ጠሊምካ ዓሚዩቕ ሓሳባይ ክትኾን ከምዘይከኣልን ሎሚ ዘይግለፀሉ የለን። ግን ሓደ ግለሰብ ካብ ብሄራዊነቱ ቀፂሉ ንክብርታት ሰብኣዊነት ዋጋ ክህቦም ዝኽእል እዞም ብሄራዊ መንነቱ ኣቐዲሙ ክነብሮም ከምዝኽእል ተረጋጊፁሉን ነይርዎም እንትሓልፎምን ጥራሕ ይኸውን። ከምዚ እውን ኮይኑ ግና ብዝተወሰነ ብርኪ ንብሄራዊነቱ ዝተርፍ ስምዒት ኣይህልዎን ማለት ኣይኸውንን፤ ማንም ንቤተሰቡ ከምዘቐድም ኩሉ ንብሄራዊ መንነቱ እውን ዋጋ ክህብ ግድን እዩ።
ብኣንፃሩ ብኻሊእ ኣንፈት ንፈትሾ። እዞም ንብሄራዊ መንነቶም ዝኽህዱ ኩሎም እንተሪእናዮም ናይማን ክሒዶሞ ዘይኮነስ ብኻሊእ ኣንፈት ከኽስቡሉ ዝኽእሉ ዓይነት ሰባት ጥራሕ እዮም። ብሄራውያን ብዘይምምሳል ዝትውኑ ሰባት ንብሄራዊ ረብሀኦም ኢሎም ከምዝኾነ ግልጺʼዩ። ንኣብነት ሩሲያውያን ወየንቲ ማርክሲዝም ሶሻሊዝም ተኸቲሎም ሸቃላይ ዓለም ውፈር ተበገስ እናበሉ ሓጊዮም ስልጣን ምስ ሓዙ ንብሄራዊነት ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኻውያን ወየንቲ ፅዒኖሞ፤ ብኣንጻሩ ዓለምለኻዊያን ወየንቲ ምዃን መሪፆም ዝነበሩ ከዓ ዝምርሑ ዝነበሩ በቲ ይሁዲ ትሮትስኪ ነይሩ። እቶም ይሁዲታት ዓለምለኻውያን ኮይኖም ክተርፉ ዝደለዩ ንሸቃሎ ዓለም ተሓሊቖም ዘይኮነስ ንቐጻሊ ዓለምለኻዊ ትምኒት ኤሊት ይሁዲታት ብሄራውያን ክብሉ ምዃኖም ግልፂ እዩ።  ናብ ኢትዮጵያ እንትነምፅኦ ከዓ መሰል መንነትና ይተሓሎ ዝብሉ ብሄራትን ሓንቲ ኢትዮጵያ ብዝብል ጉልባብ ህልውና ብሄራት ፅውፅዋይ ክገብሩ ዝፍትኑ እንመን ከምዝኾኑ ኣነጻጺርና ሒሳቦም ነወራርድ ንኽእል ኢና። ኣሃዳዊትን ማእኸላዊ ምሕደራ ዘለዋ ኢትዮጵያ ዝብሉ ኣምሓሩ ወይ ድማ ዘምሐርሐሩ ሕውስዋሳትን ታሪኽ ዘይብሎም ድሑራት ህዝቢታትን እዮም። ንብሄራዊነት ኣምሓራይ ብጉልባብ ኢትዮጵያዊነት ከኽስቡሉ እዮም ኣሃዳውያን መሲሎም ምቕራብ ዝመርፁ። ብሄራዊ ክብርና ይተሓሎ ዝብሉ ከዓ ዝማዕበለ ብሄራዊ መንነት ዘለዎም እዮም።
ከም ሙሉእ ሰብ ንምሕሳብ መጀመርታ ዝመፃእናሉ ዓለማዊ ቕርፅና ንቀበል፤ ንቀበል ማለት፣ ፈተናዮ ፀላእናዮ፣ ቕርፂ ከምዘለና ንእመን ካብኡ ሓቀኛ ሓሳባት ንሓስብ፤ ዓሞቕቲ ሰባት ምዃና ድማ ይረአ።  
ትግራዋይነት ካብቶም ዝማዕበሉ ብሄራዊ መንነታትእቲ ፈላማይ እዩ። ሎሚ ግና ነዚ ዝፈታተንን ንድሕሪት ዝጎትትን ምዕባለታት ኣብ ከተማና ይረኣዩ ኣለዉ።
መቐለ ከተማ መጀመርያ እንትኣትው ብሄራዊነት ተጋሩ ንህወሓት ውድባዊ ረብሓ ከምዝምቸው ተጌሩ ዝተሸረፈላ ከተማ ኮይና ረኺበያ ኔረ። ሰባት ትግራዋይነት ምባል ምብዛሕ ከም ፀቢብነት ዝረኣየሉን፣ መግለፂታት ብሄራዊነት ትግራይ፣ ብፍላይ ቋንቋ ትግርኛ የመና ተሓሲዩን ተዋሪዱን ረኺበዮ ኔረ። እቲ ሕብረተሰብ ክሳብ ሎሚ ብኣምሓራ ናይ ባህሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ መቝሕ ተጠፊሩ ኣብ ሓመድ ዝሕሰ ዘሎ ሕብረተሰብ እዩ። ናይዚ ቀንዲ መርኣያ ደርፍታት ኣምሓርኛ ብበዝሒ ዝስምዑ ምዃኖም፣ ናይ ንግዲ ትካላት ሕጊ ዘገድዶም ትግርኛ ብላዕሊ ጌርካ ናይ ምፅሓፍ ግዴትኦም ዘይግዝኡሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ክግዝኡ ዝገብሮም ምምሕዳር ዘይምህላዉ፣ እንትቕፅል ከዓ ሰዋስው ትግርኛ ናይ ኣምሓርኛ ቅርፂ ሒዙ ፎቐድኡ ተፃሒፉ ዝረአ ምዃኑ እዩ። እዚኦም ናይቲ ዝላሕለሐ ሕብረሰብ ቀወምቲ ምስክራት እዮም።
እዚ ኣብ ብሄራዊነት ትግራይ ዘይተሰርሐ ስራሕ ዘስዐቦ ሕማም መርኣያ እዩ። ኣብ ፎረም ምሁራን ተጋሩ ዶ/ር ዳንኤል ተኽሉ “ስርዓት ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ መዓንጣ ትግርኛ ይስዕስዕ ኣሎ” እንትብል ንመርኣያ ዘቕረቦ ኣብነት መዓስ እውን እንተኾነ ኣይርሰዐንን። ኣብቲ ኣኼባ ንገሆ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ዶ/ር ሓጎስ “ጥዕና ትካል የብልናን” ክብል ሰሚዕዎ ከምዝነበረ ኣዘኪሩ ጥዕና ትካል የብልናን ማለት ጥዕና ዘለዎ ትካል የብልናን ማለት ከምዝኾነ ኣረዲኡ ኔሩ። ካብ ኣምሓርኛ ሰዋስው “ጤና ጣቢያ” ተወሲዳ እያ ኔራ። ብትግርኛ ግን ናይ ጥዕና ትካል ወይ ድማ ትካል ጥዕና ኢኻ ክትብል ዝግባእ። ሰኣን ሰዋስው ትካላት ዓኒዮም።
ሓደ ዝረኣኽዎ መለለዪ ትካል ከም ኣብነት ክውስኸልኩም፤ ከምዚ ይብል “ናይ ህፃናት መሸጢ ክዳውንቲ” ይብል እዚ ትርጉሙ ህፃውንቲ ዝሽየጡሉ ክዳውንቲ ማለት እዩ። “ናይ” ኢልካ ጀሚርካ መሊስካ ናብቲ “ናይ” ናብ ዘየድልዮ ስርዓት ሰዋስው ሰጊሮም ፀድፊ ኣቲዮም። ናይ ህፃናት ክዳውንቲ እዮም ዝሸጡ እምበር ህፃናት ዝሽየጡሉ ክዳውንቲ ኣየቕርቡን። በዚ ሰዋስው እንተሪእናዮ መላእ ከተማ ኣዚዮም ዘስሕቑ ጌጋታት ንርኢ። እሞ ከዓስ እቶም ንግዲ ፈቓድ ዝህቡ ስያመ ትካላት ይቆፃፀሩ እዮም ኢሎምዎም። ተቖፃፃራይ ዘይተምሃረ፣ ሓታታይ ዘይተምሃረ፣ ስራሕቲ ምልላይ ዝሰርሕ ዘይተምሃረ ኩሎም ተተሓሒዞም ከተማ ጉራማይለ ጌሮማ። ከምህሮም ዝግባእ ዝነበረ ድማ ንፖለቲካዊ ከስቢ ኢሉ ናይ ሰሙን ስልጠና ሂቡ ክቕይሮ ዝከኣሎ ነገር ኣይኮነን። ካብ ልቢ ኮይንካ ንዓመታት ትሰርሐሉ ስራሕ ይሓትት።
ነዚ እዩ ነዚ ውድቀት ስርዓት ቋንቋና ቀንዲ ተሓታቲ ገዛእትና (ኣመሓደርትና ኣይበልኩን) እዮም ዘብል። ንብሄራዊነት መዐንበቢ ኣብ ዝኸውኑ ንጥፈታት ኣይወፍሩን። ስነ ፅሑፍ ኮነ ብሓፈሻ ስነ ጥበብ ንፖለቲካዊ ዛዕባ ከምዝጠቅም ተጌሩ ተቓኒዩ ዘይመፅእ እንተኾይኑ ነፃ ኮይኑ ክንቀሳቐስ ኣይሕግዝዎን። ምሕጋዝስ ይትረፍ ዕንቅፋት ካብ ምዃን እውን ኣይዓርፉን። ንሓደ መፅሓፍ ነጋዳይን ንሓደ ቢራ መከፋፈላይን ማዕረ እዮም ዝሪእይዎም።
ኣብ መቐለ ፅቡቕ ዝንቀሳቐስ፤ ዋላ ሓደ፤ መፅሓፍ መሐተማይ የለን። ነጋዶ መፅሓፍ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝለኣኹሎም ናይ ኣምሓርኛ መፃሕፍቲ ምክፍፋል እዩ ዋና ዋኒኖም። ትግርኛ መፅሓፍ ከሕትሙ እንተወሰድካሎም ከም ቁስሊ ከብዲ እግሪ እዩ ዘሳቕዮም። ነቲ ቋንቋ ካብ ካሊእ ትግራዋይ ሕልፊ ተገዲሶም ክሰርሑ ዘኽእሎም ሃዋህው ንግዲ ኮነ ግላዊ ዓቕሚ የብሎምን። ኣብዛ ከተማ እውን እንተኾነ ንስነ ፅሑፍ ትግርኛ ተባሂሉ ብፍሉይ ዝዳሎ ዋላ ሓንቲ መደብ የለን። ቋንቋ ኣውራ ዓይኒ መንነት እዩ ኔሩ። መንነቱ ዝጠለመ ግለሰብ ድማ ቅድም ኢለ ከምዝገለፅክዎ ምስ ዓርሱ ዝተፃለአ፣ ብሕታዊ ውኻሪያ በረኻ እዩ ዝኸውን። መገዛ ቋንቁኡ ዝገደፈ ህዝቢ ከዓ ዕጥቁ ዝፈትሐ ሰራዊት ማለት እዩ።
ፈላማይ ቋንቋ መዐቀቢን መሰጋገሪን ፍልጠት እንትኸውንʼዩ ነቲ ቋንቋ ተግባራዊ ዝገብሮ፤ ቀጺሉ ድማ መንፈሳዊ ወይ ድማ ስነ ልቦናዊ ዓብላላይነት ክህልዎ ዘኽእሎ። ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ኢትዮጵያ ንዓርሱ ከምዚ ዓይነት ቋንቋ ጌሩ የቕርብ ኣሎ እዩ። መንበብቲ መቐለ እውን መብዛሕቲኦም ዓማዊል መፃሕፍቲ ኣምሓርኛ እዮም። እቲ ቋንቋ ግና ካብዚ ብላዕሊ ነዚ ዓብላላይነት ቦትኡ ተተርኢሱ ናይ ኣምሓራዊ ሃገራዊነት ስነ ሓሳብ (ማለት እውን ኣሃዳዊነትን ማእኸላዊነትን) መስበኺ ኮይኑ ንታሪኽ ሃገርና ብናህቶም ዝተንሸዋረረ መነፅር ቀሪፆም የቕርቡሎም ኣለዉ። ታሪኽ ከዓ መንነት ህዝብታት ካብ ዝቐርፁ እታወታት እቲ ሓደ እዩ። ጆርጅ ኦርዌል “ንዝሓለፈ ነገራት ዝቆፃፀር ንመፃኢ ነገራት እውን ይቆፃፀር። ንሎሚ ዝቆፃፀር ከዓ ንዝሓለፈ ግዘ ይቆፃፀር” ኢሉ ኔሩ። ህወሓት ናብ ልቦና ማእኸል ሃገር ከይትኣትው፤ ካፍቶም ዝኣተወቶም እውን ክትባረር ዝገበራ እቲ ሓደ ሓቂ እዚ እዩ። ሎሚ ከዓ መቐለ ኣምሓርኛ መፃሕፍቲ እናንበበት ካብ መቐለ እውን ከባርርዋ ይብሉ ኣለዉ። ናይ መቐላውያን ዝሓለፈ ነገራቶም ይርከብዎም ኣለዉ፤ ቁሩብ ፀኒሖም ሎሚኣቶም እውን ክርከብዎም እዮም፤ ብገንኡ እንተዘይተዓሪዩ።
ብገንኡ መሊስካ ምቁፅፃር እውን ዝኸብድ ኣይኮነን። ኣምሓርኛ ብኸምዚ ዝበለ መድልዎት ዝዓብለሎ ኣጠቓቕማ ተጨዊዩ ኩሉ ኣብ ዝሪኦ ግዘ ዝህቦ ቦታ ክቕንስ እዩ። ሕዚ ናይ ፍልጠትን ምርምርን መሰጋገሪ ምዃኑ ተሪፉስ ናይ ጽውጽዋይን ፕሮፓጋንዳን ቤት ዕዮ ብምዃን ዓርሰ ቕትለት ይፍፅም ኣሎ እዩ። ከምዚ እንትጋለፅ ሓደ ዓርሰ ቅትለት እዩ ዝኾኖ። ጸሓፍትን መንበብትን ስነ ጽሑፍ ኣምሓርኛ ማእኸል ዓዲ ዓርሶም ብዝደልይዎን ይጠቕመናʼዩ ብዝበልዎ ኣመለኻኽታ ተሓጺሮም መገዛ ቋንቁኦም ዓርሰ ንዓርሶም ዝተሓሻሸዉሉ ናይ ግሎም ገዛ ገዋሕታ ገይሮሞ እዮም። ርስሓት ኣቲዩ ርስሓት ይወፅእ ከምዝብልዎ።
ናብ ጸሓፍትን መንበብትን ትግርኛ እንትንመጽእ ካብዚ ዝመሰለ መግለላይ ዝኾነ ገዋሕታዊ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ክዕቀቡን ስነ ጽሑፋቶም ናይማን መአከቢን መካፈሊን ፍልጠት ክገብርዎ ይግባእ። ትግርኛ ልሳን ነፃነት ክገብርዎ ይግባእ። ብስምዒታዊነት ዝግናሕ ማሕረበሰብ ዘይኮነስ መስተንተናይ ወለዶ ንህነፅ። ሎሚ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ምኽንያታዊ ዝርርብ ምግባር ኣብዘይከኣለሉ ደረጃ ተበጺሑʼሎ። ክፍቶ በሃልቲ ጸሓፍትን ብሽም መጽሓፍ ወረቐት ኣብ ምሽቃጥ ዝተዋፈሩ ነጋዶ መጽሓፍትን ተሓባቢሮም ቀደሙ ሓታታይ ንዘይኾነ ማሕበረሰቦም ኣብ ምሁራዊ ድንቁርና አእቲዮምዎ ንሪኦʼለና።  
እዚ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ክድገም ክንፈቅድ የብልናን። ብነፃነት ንሓቂ እናደለና ብዘለና ዓቕሚ ናብ ሕትመትን ምፍላጥ ስራሕትናን ክንኣትው ይግባእ። ገዛእትና እንተኾኑ ንስነ ፅሑፍ ትግርኛ ተገዲሶም ክሰርሑ እዮም ኢለ ጥር እትብል እምነት ወይ ተስፋ ኣይገብርን። መቐለ ብስርዓት ቋንቋ ኣምሓርኛ ተቐቢኣ፣ ብመፃሕፍቲ ኣምሓርኛ ተወጢራ ክትነብር እንተወሲና ግና ጥፍኣት ተጋሩ ርሑቕ ኣይኸውንን።

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።