Skip to main content

Posts

Showing posts from July, 2019

መዘከርታ እስረኛ

ግደይ ገብረኪዳን ወዶም ክርስትና ከልዕሉ እናተዳለዉ እዮም ቐኒዮም።  እዞም ፅምዲታትና ነዚ ዕለት እዚ ከምዚ ከብዕልዎ ነዊሕ ተጓዒዞም እዮም፦ ክርስትና ከም ምዃኑ መጠን መጀመርታ ክወልዱ ኔርዎም፣ ንኽወልዱ ከዓ መጀመርታ ክረኣኣዩ፣ ተረኣኢዮም ክፋተዉ፣ ተፋቲዮም ብዕርክነት ዝተወሰነ ግዘ እናተፀናንዑ ክፀንሑ፣ ግዘ መፅናዕቲ ምስ ሓለፉ ከዓ ሓዳር ክምስርቱን ክወልዱን ኔርዎም፣ ምስ ወለዱ ከዓ ከም ወለዶም ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ስለ ዝኾኑ ናይ ወዶም ክርስትና ኣብ ኣርበዓ መዓልቱ ከኽብሩ ኔርዎም።

ዓውዲታት መቕተልቲ ኣፍሪካ

ሮበርት ዲ. ካፕላን “ኣነ “ናይ መንደር ፖለቲከኛ” ኮይነ ኣይፈልጥን፣ “ዓዲ ኣቦ” ብዝባሃል ልቢ ዝሰልብ ግንዛበ ተማሪኸ ኣይፈልጥን፣ ግን ከዓ ንሕና ኮሚኒስት ንበሃል ዝባንና ንሓረስቶት እንትንህቦምን ንኢኮኖሚያዊን ፖሊስን ፀቕጢታት እንትንዳርጎምን ይርብሸኒ ኔሩ።” —Milovan Djilas, Rise and Fall ማኦ ዚዶንግ ደባይ ተዋጋኢ “ኣብ ባሕሪ ህዝቢ እዩ ዝሕምብስ” ኢሉ ኔሩ። ካሊእ ኮሚኒስት ክልሰ ሓሳባዊ ከዓ (ብመሰረት ፒተር ኒጊል ንበርሊነር ሚሽንስወርክ ዝፀብፀብቦ) ናይ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ፓርቲ መንእሰይ ካድሬ ናይዚ ሓቂ ውፅኢት ኣብ መቐለ ንዝተኣከቡ ተጋሩ ሓረስቶት ንግግር እንትገብር ድሕሪ ሕርቃኑ ምቁፅፃር ምስ ኣበዮ ከምዚ ኢልዎም፡ “ነቲ ባሕሪ እንተድሪቕካዮ እቶም ዓሳታት ይሞቱ።”

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።