Skip to main content

ናይ ቁፅሪ ታሪኻዊ ፈተና

ግደይ ገብረኪዳን

ተዓብላላይነት

ህዝቢ ትግራይ ሰሪሑ ከምዘይሰርሐ፣ ተሰዊኡ ከምዝከሓደ “ባንዳ” ዘይሸሽሙ ሽም እናተውሃቦ መፂኡ ኣሎ። በዚ ንሕሰያ ዘይብሉ ናይ ክሕደት ትርክት ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ኣብ ዘመነ ሓበሬታ ክበጽሖ ዝኽእል ዕብለላ ቀሊል ኣይኸውንን።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ኣጠቓላሊ ህዝቢ ሓሙሽተ ሚእታዊ ብጽሒት ከም ዘለዎ ኢና ንሰምዕ። በዚ ሒሳብ መሰረት ከዓ ናብ መራኸቢ ማሕበራዊ መርበባት እንትንመጽእ ሕድ ሕድ ሰብ ፀሓፋይን ድምፂ ወሃባይን ኣብ ዝኾነሉ ዘመን እዚ ማሕበራዊ ርክብ ዘሕድሮ ድፍኢት ግልፂ ይኸውን። እዚ ድፍኢት ከዓ፤ ኹሉ መስተውዓሊ ወይ እውን እኹል ምሁራዊ ምድላው ኣይህልዎንʼሞ፤ ኹሉ ሪእቶ ወሃባይ እንትኸውን አሉታዊ እዩ ዝኸውን።  
ብተወሳኺ እዞም ዕምቖት ዘይብሎም ሰባት ኣውራ ዋኒኖም ተፈታዋይ ምዃንʼዩ። ብዚ መሰረት ከዓ ንብዙሓት ምሕጓስን ናይ ብዙሓት ናእዳ ምርካብን ናይ መብዛሕትኡ ተሳታፋይ ማሕበራዊ መርበብ ዕላማ ይኸውን።
ንኣብነት ንሕናን ንሳቶምን ኢልካ ብምኽፍፋል ብቐሊሉ ናይ ኣመለኻኽታ መሰላትካ ክተብዝሕ ትኽእል። ኩሎም ንሕና ኢሎም ዝሓስቡ ኣብ ማሕበራዊ መርበብ ዕርክነት ብምፍጣር ዓርሰ ንዓርሳቶም እናተሸናገሉ ንምእማን ዝኸብድ ዕሽነት ዘለዎም ሓሳባት ኹሎም ብኣማኢትን ኣሽሓትን ናእዳ እንትረኽቡ ንርኢ ኣለና።
ብሚእታዊ ተበፃሒነቱ ውሑድ ዝኾነ ትግረዋይ ከዓ ኣብዚ ሚዛኑ ዕሽነት ዝኾነ ማሕበራዊ ሚድያʼውን ዘሕድሮ ፅልዋ ብኡኡ መጠን ዝንኪ እንትኾን ብኣንፃሩ ኣብ ልዕሊኡ ከዓ ዝበፅሕ ድፍኢት ይውስኽ።
ማሕበራዊ መርበብ ንኹሉ ሰብ ማዕረ ድምፂ ብምሃብ ንቱ ዝሰኸነ፣ ኣብ መረዳእታ ዝተመርኮዘ፣ ካብ ስምዒት ወፃኢ ዝኾነ፣ ኣድላይ ትምህርታውን ንባብን ምድላው ንዝገበረን ዝበሰለን ድምፂ ተሰማዒነት ከይረክብን ብተስፋ ምቑራፅ ክጠፍእን ይገብሮ ኣሎ።
እዚ ብቑፅሪ ዓብላላይ ናይ ዝኾኑ ሰባት ዕሽነት ንሓደ ሰብ ብኹሉ ኣንፈት ኣጥሒሉ ብምእታው ናይ ዓውደ ህይወቱ ሓቅታት (reality) ብምዃን በዚ ሕሶት እዚ ተዓፊኑ ናይ ምትራፍ ዕድሉ የስፍሕዎ። ነዚ ውልቀ ሰብ ከዓ ብናህቶም “ሓቅታት” ብምቕራጽ የቃብፅዎ።

ካብ ማሕበራዊ መርበብ ናብ ምድሪ

በዚ ዝንርከቦ ናይ ሓበሬታ ዘመን ክንዲ ዘቀራርበና ዝፈላልየና፤ ክንዲ ዘምህረና ዘደንቁረና ጉጉይ መረዳእታን ትንተናን ኾነ ኢሎም ዘሰራጭዉ ውልቀ ሰባት ብሚዛን ዕሽነት ላዕለዋይ ቦታ ካብ ምርካቦም ሓሊፉ ኣብ ምድሪ ወሪዶምʼውን ሕንፍሽፍሽ ክፈጥሩ ኪኢሎምʼዮም።
ብግለይ እዚ ተጓንፎ እዚ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘለኒ ፍልጠት ዳግም ክፍትሾ ከምዘለኒ ዘረድአኒ ኮይኑ እዩ ሓሊፉ። ነዚ ምግባር ምስጀመርኩ ዝተረዳእኽዎ ነገር ከዓ፦ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ትምህርቲ ጀሚሩ ክሳብ ብሚዲያታት ዝጋዋሕ መረዳእታ ብዙሕ ጉጉይ ትንተና ጥራሕ ዘይኮነስ ክኣትዉ ዝግበኦምʼሞ ሸለል ዝበሃሉ ወሰንቲ ሓበሬታታትʼውን ከምዘለዉ ክርዳእ ኣኽኢሉኒʼዩ።

ግላዊ ልምዲ 

ንነዊሕ ግዘ ናይ ወፃኢ ስነ ጽሑፍ፣ ብፍላይ ድማ ታሪኻዊን ማሕበራዊን ዛዕባታት ኣውራ ዋኒኖም ዝገበሩ ልቢ ወለዳዊን ኢ-ልቢ ወለዳዊን ስራሕቲ፣ ዋኒነይ ጌረ የንብብ ነይረ። ብዝተፈላለዩ መንገድታት ድማ ነዞም ኣንቢበዮም ዝጠቐሙኒ ነገራት ናብ ኣምሓርኛ ብምትርጓምን ብምድላውን ነንበብቲ የብጽሕ ኔረ።
ካብቶም ብስፍሓት ዝወሃቡኒ ዝነበሩ ሪእቶታት ሓደ “ብዛዕባ ኢትዮጵያ ደኣ ዘይትጽሕፍ” ዝብል ነይሩ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ እንትበሃል ከዓ ተጋኒኑ ዝስማዕን ኣብ ማህበራዊ መርበብ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎን ብኣንጻሩ ድማ ውጉዝ ዝኾኑ ኣረዳድኣታት እንታይ ከምዝመስሉ ይርደኦ ኔረ። ንኣብነት ካብ ሳይንሳዊ ትንተና ብዝረሓቐ መልክዑ ኢትዮጵያ ፍፁም ሓድነት ዝነበራ ካብ ግብፂ ክሳብ ማዳጋስካ ካብ ህንዲ ክሳብ ሱዳን ትገዝእ ዝነበረት ናይ ብፁኣን ምድሪ ምዃና እንተተዛሪብካ ኣድናቖት ይውሕዘልካ፤ ብኣንፃሩ ብዛዕባ ብዝሃነት ህዝብታትን ናይዛ ሃገር ምህደራን ላዕልን ታሕትን ዝበለ ዕድላ እንተተዛሪብኻ ኸፋፋላይ ተባሂልካ ዝተፈላለዩ ፀርፍታት ተስተኣናግድ።
ኣነ ዋኒነይ ዓለም ለኻዊን ኹለ መዳያዊን (ዩኒቨርሳል) ዛዕባ ስለዝገበርኩን በዚ ናይ ቑጽሪ ዕብለላ ምኽንያት ድማ ብዛዕባ ሃገረይ ዘለኒ ኣመለኻኽታ ካልኦት እንትዛረብዎ ብዙሓት ክነጽግዎ ስለዝዕዘብ ብዙሕ ኣቓልቦ ጌረ ከይከታተሎን ሪእቶ ካብ ምሃብ ክቑጠብን ይገብረኒ ኔሩ።  
ብወገነይ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝጽሕፉ ዘይተስኣኑስ ንምንታይ እዩ ነዓይʼውን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ፀሓፍ እናበሉ ዘፀግሙኒ እናበልካ ካብ ምሕሳብ ወፃኢ ብዛዕባ ሃገርና ስፍሓት ንባብ ከምዘየካየድኩን እቶም ብቤት ትምህርቲን ካብ ተፈላለዩ ሚዲያታት ዝረኸብክዎም መረዳእታታት ይኣኽሉኒ እቶም ድሌት ዘለዎም ሰብ ሙያ ብዛዕባ ኢትዮጵያ እናመርመሩ ክተንብቡ ይግበሩኹም፤ ካባይ እዙይ ይኣኽለኩም ካብ ምባል ወፃኢ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ሃቀውታ ኣይነበረንን።

ንኢትዮጵያ ወሪረ ዝበለ ንጉስ ኣኽሱም

ሓደ ግዘ ሪቻርድ ፓንክረስት ዘዳለዋ “Travellers in Ethiopia” ዘርእስታ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ ሽሕ ዓመት ታሪኽ ተርኢ ካብ ዝተፈላለዩ በፃሕቲ ዓዲ ካብ ዘመነ ኣኽሱም ጀሚሮም ብጽሑፍ ኣስፊሮሞ ካብ ዝርከቡ መረዳእታታት ብሓፂሩ መሪፁ ዘሐተማ ንኡሽተይ መጽሓፍ ኣብ ኢደይ ትኣቱ። ካብዚ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዝተገልፀ ኣብ ወደብ ኣዶሊስ ኣብ ናይ እምኒ ዙፋን ተፅሒፉ ዝነበረ ግሪኻዊ ነጋዳይ ዝገልበጦ ፅሑፍ ይርከቦ።
እቲ ኣብ ኣዱሊስ ዝተረኽበ ናይ ዙፋን ጽሑፍ ንጉስ ኣኽሱም ዝዘመተሎምን ኣብ ትሕቲ ንግስናዊ ኮንፌደሬሽን ዝሓወሶም ዓርሶም ዘመሓድሩ ግዝኣታት እንትዝርዝር ሩባ ናይል (ዘመናዊ ሰሜን ሱዳን ወይን ድማ ወሰን ደቡባዊ ግብፂ) ሰጊሩ ንኢትዮጵያ ከምዝወረረን ከምዘሸነፈን ከምዝሕብር ኣንቢበ። ብዛዕበ እዚ ናይ ዙፋን ጽሑፍ ብዙሕ ይሰምዕ ኔረ እየ፣ ብፍላይ ናይ ኣኽሱም ላዕለዋይነትን ናይ “ኢትዮጵያ” ጥንታዊ ልዕለ ሓያልነትን ንምምስኻር ብተደጋጋሚ ብሚዲያታት ይጠቕስዋቶ እዮም፤ እቲ ዝገርም ነገር ግን ንሱማልያ ወዘተ ከምዘገበረ ካብቱ ጽሑፍ ወሲዶም እንትዛረቡ ንኢትዮጵያ ኣገቢረ ከምዝብል ግን ኣይዛረብዋን።
እዚ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ከንብብ ኢለ እንትጅምር ኣብ መጀመርታ መፅሓፍ ኣብ መጀመርታ ገጻት (ገጽ 7) ተቐሚጡ ዘንበብክዎ ብዛዕባ ናይ ኣዶሊስ ዙፋን ክሰምዖ ዝዓበኹዎን ኣሚነ ዝተቐበልክዎን ሓበሬታ፤ ወይ ድማ ዝዋሃበኒ ዝነበረ ሓበሬታ ጎደሎ ከም ዝነበረ ተረዳእኹ። ብምዕራብ ገፁ ንኢትዮጵያ ወሪረ ዝበለሉ ምኽንያት ካብ ምርዳእን ምምይያጥን ኹሉ ስቕታ መሪፁ። እዚ ፃዕዱ “ድምፂ ኣልቦ ደባ” / “silent conspiracy” ዝብልዎ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ኣዱሊስ ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዝተተግበረ ብጒሓቱ ምንባብ እንትጅምር ኣረዲኡኒ።
ብዛዕባ እቲ ፅሑፍ ግን ዝተሓብአ እዚ ጥራሕ ኣይነበረን። እቱ ፅሑፍ ንጉስ ኣኽሱም ነቶም ዝወረሮም ግዝኣታት ጠርኒፉ ማእከላዊ ብዝኾነን ሓንቲ ዓዲ ንምፍጣር ዕላማ ጌሩ ከምዘይዕብልሎምን ሙሉእ ነፃነት ዘለዎም ብሓበራ ናይ ንግዲ መመስመር ሰላም ክሕልዉን ንቲ ንጉስ ግብሪ ከእትዉ ዝተስማዕምዑ ዓርሶም ዝኸኣሉ ግዝኣታት ከም ዝነበሩʼዩ ዘረድእ። ናይ ባዕሎም መሳፍንቲን ሰራዊትን ኣለዎም። ነዚ ካብ ምግባር ወፃኢ ነቶም ዲል ዝገብሮም ዓድታት ስልጣን መንጢሉ ንኣዝማዱ ኣይህብን ወይ እውን ምንም ዓይነት ናይ ቋንቋ፣ ባህልን ሃይማኖትን ዕብለላ ኣይገብረሎምን። እታ ዓባይ ግዝኣት ኣኽሱም ዝተፈላለዩ መንግስታት ኮንፌዴሬሽን እያ ኔራ፤ ከምዛ ናይ ሎሚ ሕብረት ኣውሮፓ። ከምቶም ድምጾም ዓው ኢሉ ዝስምዑ ሓደ ምስሊ ዘለዋ ግዝኣት ኣይነበረትን። ኣኽሱም ተዓወተትʼውን መሰረቱ ንግዲ (ኢኮኖሚያዊ) ዝገበረ ሕብረት ስለዝነበራ ኔሩ።
እዚ ምስ ራእኹ ኹሉ ዳግም ክፍትሽ ከምዘለኒ ግልፂ ኮይኑለይ።  

ትግራዋይ ታሪኽ ኣይፅሕፍን?

ብፍላይ ካብዞም ዝተደራእኽዎምን ዘገረሙኒን ሓበሬታት ጥንታዊ ታሪኽ ሕዝቢ ትግራይ ማለትʼውን ሳባዊ መቦቀሉን፤ ካብ ጥንታዊት ክሳብ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምቕራጽን ህልውነኣ ኣብ ምዕቃብን ዘለዎ ዓብዪ እጃም ዝግበኦ ቦታ ዘይወሃቦ ምዃኑ እየ ኣስተብሂለ።
እዚ ሓቂ እዚ ከዓ ክሳብ ሎሚ ከይፈልጦ ዝገበረኒ ሓደ ምኽንያት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለፅክዎ እቱ ክፈልጦ ዝደልዮ ዛዕባ ዓለም ለኻዊ ወይ ድማ ኹለ መዳያዊ (ዩኒቨርሳል) ዛዕባ ብምዃኑ እዩ። እቲ ኻሊእ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ልዕሊ ናተይ ስንፍና ቑፅሪ ትግራዋይ እውን ውሑድ ምዃኑ እቲ ዛንታና ተበፃሓይነቱ ሓፂር ክኸውን ስለዝገብሮ እዩ።
እቲ ዝገርም ግን ታሪኽ ትግራዎት ተፃሒፉ ዝርከብ ምዃኑ እዩ። እቲ ዕንቅፋት ተበፃሓይነት ጥራሕ እዩ። ተበፃሓይነቱ ድማ ብቑፅሪ ምውሳኑ ከይተርፎ ኣብ መፃሕፍቲ መምሀሪ ታሪኽʼውን ብኣግባቡ ቦታ ዘይብሎም ምዃኑ ዝገርምʼዩ።
ትግረዋይ ፀሓፎ ካሊእ ብዘየገድስ ኩሉ ሓበሬታ ተሰኒዱ እዩ። ንኣብነት ኣባ ጋስፓሪኒ ገ - ማ ብኣምሓርኛ ዝፀሓፍዎ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣመፃፅኣ ተጋሩን ኣብ መሬት ዝገደፍዎ መረዳእታታትን ዘፋልጥ ፅቡቕ ስራሕ እዩ። ኮይኑ ግን መን ንመን ሓቢሩ መዓስ ክንበብ? እቶም ብቑፅሪ ዓብለልቲ ዝኾኑ ኣንቢቦም የስቕጡ። እቲ ብቑፅሪ ውሑድ ዝኾነ ድማ እቶም ዓብለልቲ ዝጠልብዎ መረዳእታ ተኸታሊ ኾይኑ ይተርፍ።
መምህር ገ/ኪዳን ደስታ ከዓ ኣብ ቀረባ እዋን ዘሐተምዎ “እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ” ዝብል መፅሓፍ ዘመናዊ ታሪኽ ተጋሩ ብግቡእ መረዳእታታት ተሰኒዱ ተሓቲሙ እዩ። ካብዙይ መፅሓፍ ብዙሕ መረዳእታ ንመጀመርታ ግዘ ክረክብ ክኢለ እየ። ብዛዕባ ሃፀይ ዮሃንስ ጥራሕʼኳ ዝስዕቡ ነጥብታት ብውሑዱ ይርከብዎ፡
መጀመርታ ዝፈትይዋ ሰበይቶም ዓፋረይቲ እያ፤ ቤተሰባ ፈቲዮም ዝሃብዋን ፈቲዋ ክርስትና ተቐበለትንʼያ።
ካልኣይ መቐለ መቐመጢ ንግስነኦም እንተገብርዋ ከተማ ብዘይ እስላም ኣይእምርን (እምቢታ፣ ገብረኪዳን ደስታ፣ 170፣ 171) ኢሎም ባዕሎም መስጊድ ከምዘስርሑን ተኸተልቲ እስልምና ካብ ካሊእ ቦታ ኣምጺኦም ቦታ ከምዝሃቡን ኣንቢበ። (እዚ መስጊድ እዚ እስካብ ሎሚ ፊት ንፊት ቤተ መንግስቶም ዝርከብ እዩ።)
ሳልሳይ ንመሳፍንቲ ወሎ ኣገዲዶም ከምዘየጥመቑን ኣኽረርቲ እስላማዊ መንግስቲ ንምስርት ኢና ኢሎም ሃንሳእ ምስ ግብጺ ካሊእ ግዘ ምስ ድርቡሽ እናሓበሩ ንዓዶም እናወግኡ እንተሸግሩዎም ብፈቓዶም ከምዝተቐየሩ ኣንቢበ።
ራብዓይ ሚኒሊክ ናብ እንግሊዝ ንሃፀይ ዮሃንስ ኸሲሶም ደብዳቤ እንትጽሕፉ ሃፀይ ዮሃንስ መሊሶም ባዕሎም ኣብ ዝጸሓፉዎ ናይ መልሲ ደብዳቤ ብኽርስትና ምግዳድ ከምዘየለን ንሶም ንማንም ከምዘየገደዱን እንትገልጹ ታሪኽ መዝጊብዎ ከምዘሎ ኣንቢበ።
ኣብዚ መፅሓፍ ብዙሕ ተወሰኽቲ ሓበሬታት ኣለዉዎ፣ ንኣብነት ገማግም ቐይሕ ባሕሪ ድሕሪ ኲናት ዓድዋ ኔሩ ንጣልያን ተውሃብ (ትግራዎት ኣፅዋር ከየእትዉሉ ምእንታን) ወይ ድማ ኣከለጉዛይን ሰራየን እውን ድሕሪ ኲናት ዓድዋ እየን ብምኒሊክ ንጣልያን ብ 5 ሚሊየን ሊሬ ተሸጣ፣ እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ተካሩ መኳንንቲ ጠቕሊሎም ንጣልያን ከባርርዎ ኣብ ዝቃለሱሉ እዋን እዩ። ተወሓደ እዚን እዚታትንʼኳ ሰብ ክዛረበን ዘይምስመዐይ ገሪሙኒ ሓሊፉ።
ካልኦት መፅሓፋትʼውን ዝግበኦም ቦታ ከይረኸቡ ከይፈለጥናዮም ዝጠፍኡና መሊኦምʼዮም። ንኣብነት መምህር ገ/ኪዳን ከም ፍልፍል ሓበሬታ ተጠቀሙሎም ወሰንቲ ዝኾኑ መፃሕፍትታት ምርካብ ኣዝዩ ኸቢድʼዩ። ማለተይ እቶም ንዘበናት ተሓቢኡ ዝነበረ ሓቂ እናውፅኡ ሕሶት ዘቃልዑ ስራሕቲ ማለተይ እየ። ካብዚኦም ሓደ ብዶ/ር ተወልደ ትኩእ ተፅሓፈ “የኢትዮጵያ ኣንድነትና ኢጣልያ” (1990 ዓ/ም) ዝብል መፅሓፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኢድ ነጋዳይ መፅሓፍ ረኺበ ንምግዛእ ሓደ ሽሕ ብር ሓቲቱኒʼዩ። ፒያሳ ኸባቢ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ነገድቲ መፅሓፍ ሓቲትኹም ኣፃርዩ። እዚ መፅሓፍ ኣድላይ ኾይኑ እንተሎን ኣብ ቀረባ (1990 ዓ/ም) ተሓቲሙን ካብ ዕዳጋ ወፃኢ ኾይኑ ዘሕትሞ ስለዘይተረኽበ ዝኣረገ ቅዳሕ ሽሕ ብር ይሕተተሉʼሎ።
ናይዚ ዘበን ትግራዋይ ፀገም ታሪኽ ምጽሓፍ ዘይኮነስ ነቲ ዝተፅሓፈ ናብ ኩሉ ዘብፅሕ፣ ሓበሬታ ዘጋውሕ በዝሒ ቑፅሪ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ።

ሓላፊነት መንበብቲ 

እሞ ናብ ውሽጥና ኩልና ንመልከት ኢለ ፅሑፈይ ክውድኦ። ምምራቕ ማለት መወዳእታ ትምህርቲ ማለት ኣይኮነን፤ መጀመርታ እምበር። ምምራቕ ፍልጠት ንዝደሊ መጀመርታ ፍልጠት እምበር መወዳእታ ኣይኮነን። ከም ሰብ ሙያ ዝተምሃርኩምዎ ሙያ መሊኽኩምዎ ትኾኑ ትኽእሉ (ዋላ እዚʼውን ተኾነ ምስ ግዘ ዝጠልቦ ፍልጠት እናተመሓሸ ዝኸይድ ከም ምዃኑ መጠን እቱ ትምህርቲ ጠጠው ኣይብልን።) ከም ሓደ ወድ ሰብ ግን ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዕላማ ጌርና ምንባር እንትንጅምርን ንባዕልና ብግለሰብ ደረጃ ንምፍላጥ ኣብ እንገብሮ ፃዕሪ መንነት ኣያታትና ምሕታትʼውን ክመፅእ ይኽእል እዩʼሞ ታሪኽና ካብ ካልኦት ሓይልታት ፅልዋ ነፃ ኮይና ክነንብቦን ኣሕዋትና ክፈልጥዎ ናይ ምግባር ሓላፊነት ኣለና።
ብማሕበራዊ መርበብ ጎሊሆም ዝስምዑ ነገራት ኩሎም ሓቂ እዮም ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ብኣንፃሩ እዩ። ሕሶት፣ ስምዒት ፈጣራይን ብዙሕ ምሕሳብ ዘይሓትትን ነገር እንተኾይኑ እዩ ዝያዳ ተፈታውነት ዝረክብ። ኣብዚ ከኣ ለዋሃት ብዙሓት ዝኣመኑሉ ሓቂ ስለዝኾነ እዩ ኢሎም ብዘይምርምር ብምቕባል ዋላ ንዓርሳቶም ዘንቋሽሽ ነገርʼውን ተቐቢሎም ብዓርሳቶም ክሓፍሩ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ስነልቦናዊ ፅልዋ ዝቃለሶ ከዓ እቲ ዝተምሃረ መንእሰይ እዩ ብዋናነት ክኸውን።
ንህዝብኻ ምግልጋልን ንህዝብኻ ምንባርን ዝጅምር ንህዝብኻ ካብ ምፍላጥ እዩʼሞ ንምፍላጥን ንቶም ከማና ከይተመቸዎም ምፍላጥ ንዘይከኣሉ ድማ ምልላይ የድሊ። 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።