Skip to main content

ክሽምሽ

ኣንቶን ቼሆቭ

ገና ጓሓት ጀሚሩ ሰማይ ብሙልኡ ፀልማት ብዝኾኑ ደመናታት ተኸዊሉ ኔሩ፤ ዋዒ ኣይነበረን፣ ፀጥ ዝበለን ደባንን ኔሩ፣ እዚ ደመናታት ኣብ ሰማይ ንነዊሕ ግዘ ኣብ ዝፀንሑሉ ሓምኹሽታይ፣ ቀዛሒ ዕለት ዝተለመደ ኩነታት እዩ፣ ክዘንብ እዩ ኢልካ ትፅበ ግን ጠብ ትብል ነገር የላን።
ናይ እንስሳት ሓኪም ዝኾነ ኢቫን ኢቫኒችን ናይ ካልኣይ ብርኪ መምህር ዝኾነ በርኪንን ብእግሪ ምኻድ ደኺምዎም፣ እቱ ሜዳ ዘይውዳእ እናመሰሎም ኔሩ። ካብ ርሑቕ ሚሮንስኮዬ ናይ ዝተብሃለ ገጠር ናይ ንፋስ መዘውራት ይረኣዩ ኣለዉ፣ ብየማን ገፅ ጎቦታት ንኒየ ተሰሪዖም ድሕሪ እቲ ገጠር ከይዶም ይስወሩ፣ እዚ ድማ እቲ ሰውሒ፣ ሓምለዋይ ኣእዋማት፣ ገዛውቲ ገጠር ዘለዉዎ ገምገም እቲ ሩባ ከምዝኾነ ክልቲኦም ይፈልጡዎ እዮም፣ ብተወሳኺ ካፍቶም ጎቦታት ናፍቲ ሓደ እንድሕር ደኣ ወፂእኻ ተወሳኺ ገፋሕቲ ሜዳታት፣ ናይ ቴሌግራፍ ፓሎታትን እቲ ባቡርን ይረኣዩኻ፣ እዚኦም ካብ ርሑቕ ዝንፈሓኹ ኣባ ጨጎራ ይመስሉኻ፣ እቲ ኣየር ድማ ንፁህ ኣብ ዝኾነሉ ግዘ ድማ ዋላ ነቲ ከተማ ኣማዕዲኻ ምርኣይ ይከኣል። ከምዚ ፀጥ ኣብ ዝበለ ኩነታት ኣየር ኮይና ተፈጥሮ ኩላ ትሑትን ተካዚን ኣብ ዝመሰለትሉ ግዘ፣ ኢቫን ኢቫኒችን በርኪንን በት ሜዳ ፍቕሪ ጥሒሎም፣ ክልቲኦም ብዛዕባ ፅባቐ እቲ መሬት እናሓሰቡ ኔሮም። 

“ኣብ ዝሓለፈ ግዘ ኣብቲ ናይ ፕሮኮፊ መፅለሊ እናሃለና ዝኾነ ታሪኽ ክትነግረኒ ኢልካ ኔርካ” በለ በርኪን።

“እወ፣ ብዛዕባ ሓወይ ክዛረብ ደሊየ ኔረ።”

ኢቫን ኢቫኒች ብነዊሑ ተንፊሱ ንታ ፒፓ ወሊዕዋ፣ ግን ኣሻዒትኡ ክዘንብ ጀመረ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቓይቕ ሓያል ማይ ምውቃዕ ጀሚሩ፣ መዓዝ ጠጠው ከምዘብል ዘይፍለጥ ዓይነት ዝናብ። ኢቫን ኢቫኒችን በርኪንን ክልተ ልቢ ኮይኖም ክሓስቡ ጀመሩ፤ እቶም ኣኽላብ ብገንኡ ርሒሶም ጭረኦም ኣብ ውሽጢ እግሮም ቀርቂሮም ብምህፀንታ ይሪእዎም ኔሮም።

“ኣብ ዝኾነ ቦታ መፅለሊ ክንረክብ ኣለና” በለ በርኪን። “ናብ እንዳ ኣለኪን ንኺድ። ቀረባ እዩ።”

“ፅቡቕ።”

ናብ ጎኒ ተዓፂፎም በቲ ዝተዓፀደ ሜዳ እናቆራረፁ ጉዕዞ ጀመሩ፣ ሓደ ግዘ ቀጥ ኢሎም ካሊእ ግዘ ናብ የማን እናተጠወዩ ናብ መንገዲ እስካብ ዝበፅሑ ተጉዓዙ። ብዙሕ ከይፀንሑ ኣእዋም፣ መናፈሲ ቦታ ኣትኽልቲ፣ ካብኡ ናይቶም ደምበ ቀይሕ ጣሪያ ተራኢይዎም፤ እቲ ሩባ ድማ የብረቕርቕ ኔሩ፣ ካብኡ ቅድሚቶም መጥሓንን ፃዕዳ መሕፀቢ ገዛ ዘለዎ ቃላይን ተርኣዮም። እዚ ቦታ ሶፍዪኖ ኔሩ፣ ኣለኪን ዝነብረሉ ቦታ።

እቲ መጥሓን እናሰርሐ ኔሩ፣ ካፍቲ ዝናብ ድምፂ ንላዕሊ ኮይኑ ኔሩ ናይቲ መጥሓን ድምፂ፤ እቲ ግድብ ድማ ይንቅጥቀጥ ኣሎ። ኣብቶም ጥቓ ጋሪታት ዝተርከሱ ኣፍራስ ጠጠው ኢሎም ኣለዉ፣ ርእሶም ኣድኒኖም እዮም፣ ሰባት ድማ ርእሶም ብከረሲጥ ሸፊኖም ይንቀሳቀሱ ኣለዉ። ትርኩስ፣ ጨቃው፣ ዘይዕድምን ኩነታት ኔሩ፣ እቲ ቃላይ ድማ ዝሑልን ክፍኣት ዘለዎን ይመስል። ኢቫን ኢቫኒችን በርኪንን ሙሉእ ነፍሶም ጠልቂዮም፣ ረሳሕን ምቾት ዝሰኣኑን ኮይኑ እናተሰመዖም ኔሮም። ንእግሮም ጭቓ ይጎቶም ኔሩ፣ ነቲ ግድብ ምስ ተሳገርዎ ቀጥታ ናብቲ ጎይታ ደምበ ኣምሪሖም፣ ኣብ ንሰ ንሳቶም ከምዝሓረቑ ኣይዘራረቡን ኔሮም።

ካፍቶም ደምበታት ኣብ ሓንቲኣ ሓንቲ ማሽን ተዝርው ኔራ፤ እቲ በሪ ክፉት ኔሩ፣ ዶሮና ድማ ይወፆ ኔሩ። ኣብቲ ኣፍ ደግኡ ኣለኪን ባዕሉ ጠጠው ኢሉ ኔሩ፣ ከባቢ ኣርበዓ ዓመት ዝገበረ፣ ነዊሕ፣ ተሪር ኮይኑ ነዊሕ ፀጉሪ ዘለዎ እዩ፣ ካብ ወናናይ መሬት ንላዕሊ ፕሮፌሰር ወይ ኣርቲስት እዩ ዝመስል ኔሩ። ፃዕዳ ነዊሕ ዘይተሓፀበ ብዝተፍሓሰ ገመድ ዝተሰርሐ መዕጠቂ ዝተኣስረ ሸሚዝ ጌሩ ኔሩ፣ ክንዲ ስረ ቁምጣ ኔሩ ዝገበሮ፣ ጫምኡ ብጭቓን ሓሰርን ተዓቢጦም ኔሮም። ኣፍንጭኡን ዓይኑን ብዶሮና ፀሊሞም ኔሮም። ንኢቫን ኢቫኒችን በርኪንን ወዲያው ኣለሊይዎም ብምምፅኦም ብጣዕሚ ተሓጎሰ።

“በይዛኹም ንውሽጢ ገዛ እተዉ” ኢልዎም ፍሽኽ ኢሉ። “ንኢሽተይ ፅንሕ ኢለ ክመፀኩም እየ።”

ከልተ ደብሪ ዘለዎ ዓብይ ገዛ እዩ። ኣለኪን ኣብ ታሕተዋይ ጣሪኦም ከም ፍርቂ ክቢ ቅርፂ ዝጎበጡ፣ ኣናእሽቱ መስኮታት ኣብ ዘለዉዎም ክልተ ክፍሊታት እዩ ዝነብር፣ ቐደም ናይቲ ሕርሻ ሰራሕተኛታት ዝነብሩሉ ክፍሊ እዩ ኔሩ፤ እቶም ክፍሊታት ቐለልቲ ኣቑሑት ኔሮምዎም፣ ከም ዓረስ ባኒ፣ ሕሱር ቮድካን መፅመዲ ገመዳትን እዮም ዝጨኑ። ናብቶም ስሩዓት ላዕለዎት ክፍሊታት ኣይኸይድን ኔሩ፣ ጋያሹ እንትመፅዎ ጥራሕ እዩ ዝጥቀመሎም። ኢቫን ኢቫኒችን በርኪንን ኣብ ውሽጢ ሰራሕተኛ ኔራ ዝተቐበለቶም፣ ብጣዕሚ ፅብቕቲ መንእሰይ ካብ ምዃና ዝተልዓለ እንትሪእዋ ብሓንሳብ ጠጠው ኢሎም ነንዓርሶም ተረኣኢዮም።

“ነዓኹም ብምርኣየይ ከመይ ደስ ከምዝበለኒ ክነግረኩም ኣይኽእልን ክቡራት” ኢሉዎም አለኪን ናብቲ ዘለዉሉ ፊት ንፊት ዘሎ ክፍሊ እናመፀ። “ዘይተፀበኽዎ እዩ! ፔላጊያ” ኢሉ ናብታ ሰራሕተኛ ዘወር ኢሉ፣ “ነቶም ኣጋይሽ ዝኾነ ዝቕይርዎ ነገር ሃብዮም። ኣነʼውን በጋጣሚ ክቕይር እየ። መጀመርታ ግን ክሕፀብ ኣለኒ - ቀውዒ ካብ ዝኣትው ዝተሓፀብኩ ኣይመስለንን። ናብቲ መሕፀቢ ክፍሊ ዘይትመፁ፣ ክቡራት፣ ነገራት ኣብዚ ክሳብ ተመዓራሪዮም ዝውድኡ።”

እታ ፅብቕቲ ፔላግያ፣ ክንክን ዘድልያ ትመስል ቖልዓ ልስሉስ ብዝኾነ ኣረኣእያ ሒዛ፣ ሽጎማኖን ሳሙናን ኣምፀአት፣ ኣለኪን ምስ ኣጋይሹ ናብቲ መሕፀቢ ክፍሊ ከይዱ።

“እወ ንነዊሕ ግዘ ኣይተሓፀብኩን” በለ ኽዳውንቱ እናወፃፀአ። “መሕፀቢ ክፍለይ ፅቡቕ እዩ፣ ከምቲ ትሪእዎ ዘለኹም፣ ኣቦይ እዩ ሰሪሕዎ፣ ግን ንምሕፃብ ብሱሩ ግዘ ዘስእነኒ ነገር ኣይጠፍእን።”

ኣፍቲ ኮፍ መበሊ ደረጃ ኮፍ ኢሉ፣ ነዊሕ ፀጉሩን ክሳዱን ሳሙና ጌሩሎም፣ ዙሪኡ ዘሎ ማይ ቡናዊ ሕብሪ ሒዙ።

“እወ፣ ይሰማማዕ እየ” ኢሉ ኢቫን ኢቫኒች ትኽ ኢሉ ነቲ ርእሱ እናረኣዮ።

“ንነዊሕ ግዘ ኣይተሓፀብኩን…” ክብል ኣለኪን ሕፍር እናበለ ደገሞʼሞ ሳሙና መሊሱ ተለኺዩ፣ ኣብ ዙሪኡ ዘሎ ማይ ከዓ ሕብሩ ናብ ፅልምት ዝበለ ሰመያዊ ተቐዪሩ፣ ከም መፅሓፊ ቐለም።

ኢቫን ኢቫኒች ናብ ደገ ከይዱ ዘሊሉ ናፍቲ ማይ ኣቲዩ በቲ ዝናብ ክሕምስ ጀሚሩ፣ አእዳዉ ከም ገለ የወናጭፎም ኔሩ፣ ማዕበል ሰሪሑ፣ እቶም ፃዕዳ ሊሊ ዕምበባታት ከዓ በቲ ዝሰርሖ ማዕበል ይውዝወዙ ኔሮም፤ ናፍቲ ማእኸል ቃላይ እንትበፅሕ ናብ ውሽጢ ሰሚጡ፣ ፅንሕ ኢሉ ብኻሊእ ኣንፈት ወፂኡ እናሓመሰ ምኻዱ ቐፂልሉ፣ ነቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ንምርካብ ምጥሓሉ ይቕፅለሉ ኔሩ። “ኣሕ፣ ኣምላኸይ…” ይብል ኔሩ እናደጋገመ። “ኣሕ፣ ኣምላኸይ …” ክሳብ እቲ መዘውር መጥሓን ዝበፅሕ ሓሚሱ፣ ኣብኡ ምስ በፅሐ ምስ ሓደ ሓረስታይ ዝኾነ ነገር ተዘራሪቡ እናሓመሰ ተመሊሱ፣ ኣፍቲ ማእኸል ምስ በፅሐ ቅንዕ ኢሉ ናፍቲ ዝናብ እናጠመተ ገፁ የውቅዕ ኔሩ። በርኪንን ኣለኪንን ወዲኦም ተኸዳዲኖም ኔሮም፣ ንሱ ግን ምሕማስን ምጥሓሉን ቐፂልሉ።

“ኣሕ፣ ኣምላኸይ …” ኢሉ ደጊሙ። “ኣሕ፣ ኣምላኸይ መሓረና።”

“ይኣክልʼዩ!” ኢሉዎ በርኪን ዓው ኢሉ።

ናፍቲ ገዛ ተመሊሶም። ኣፍቲ ዓብዪ ዋና ክፍሊ ፋኑስ በሪሁ፣ በርኪንን ኢቫን ኢቫኒችን ናይ ሃሪ ካባን ዘመውቕ ሸበጥ ጌሮም፣ ኣብ ወንበር ኮፍ ኢሎም፣ ኣለኪን ባዕሉ ተሓፂቡ፣ ፀጉሩ ተበፂሩ፣ ሓዱሽ ኮት ጌሩ ኣፍቲ ዋና ክፍሊ ውሽጢ ናብዚን ናፍቲን እናበለ፣ እቲ ሙቐት፣ ፅሬት፣ ንቑፅ ክዳውንቲ፣ ቀሊል ሳእኒ ዝሃብዎ ስምዒት ኣሕጒስዎ ከም ዝነበረ ጥርጥር ኣይነበሮን፣ እታ ፅብቕቲ ፔላጊያ እውን ኣፍቲ ምንፃፍ ድምፂ ከየስመዐት እናተረማመደትን ቁሩብ ጥራሕ ፍሽኽ እናበለትን ነቲ ሻሂ ምስ መጥዓሚ ጌራ ብመቕረቢ ሒዛ ኣምፂኣትሎም፣ ኣብዚ ግዘ እዩ ኢቫን ኢቫኒች ታሪኹ ክዛረብ ዝጀመረ፣ በርኪንን ኣለኪንን ጥራሕ ዘይኮኑስ ኣረግቶትን መናእሰይ ኣንሽቲን፣ እቶም ካብ ወርቃዊ ምስሊ ዘለዎ ክፈፍ ዝተቐመቱ ምስሊ ወታደራት እውን ከይተረፉ ርግዕ ኢሎም ግን ብትኹረት ይሰምዕዎ ዘለዉ ይመስል ኔሩ። 

“ክልተ ኣሕዋት ኢና” ኢሉ ጀሚሩ፣ “ኣነ ኢቫን ኢቫኒች፣ ንሱ ድማ ኒኮላይ ኢቫኒች፣ ክልተ ዓመት ምንኣሰይ እዩ። ኣነ ትምህረተይ ተኸታቲለ ወዲአ ናይ እንስሳት ሓኪም ኮይነ፣ ኒኮላይ ድማ ካብ ዓሰርተ ትሸዓተ ዓመቱ ጀሚሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ኣቲዩ ኣሎ። ኣቦና፣ ቺምሻ-ሂማላይስኪ ድማ ካንቶኒስት ኔሩ፣ ግን ድማ ኣብ ግልጋሎት ብምፅምባር ደረጃ መኮንንነት ረኺቡ ነዓና እውን ዝውረስ ባላባታዊነትን ንኢሽተይ መሬትን ሃፍትን ገዲፍልና። ምስ ሞተ እቲ መሬትን ንብረትን ዕድኡ ንምኽል ውዒሉ፣ ግን ዋላ ከምዚ ይኹን እምበር፣ ግዘ ቁልዕነትና ዘሕለፍናዮ ናይ ገጠር ነፃነት ኣጠዓዒምና ኔሩ። ልክዕ ከም ደቂ ሓረስቶት፣ ቀትርልን ለይቲን ኣብ ሜዳ ኔርና ነሕልፎም ዝነበርና፣ ኣብቲ ጫካ፣ ኣፍራስ እናሓለውና፣ ኣእዋማት ቅላጥ እናቐረፍና፣ ዓሳ እናፅመድና ካልኦት ከምዚታት ዘበሉ ነገራት እናገበርና ኢና ኣሕሊፍናዮ …። ያው ከምትፈልጥዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ሓንሳብ ዓሳ ኣፅሚዱ ወይ ኣብ ግዘ ቀውዒ፣ ዝሕል ኣብ ዝበለ ዕለት፣ እቶም ፀለምቲ ኣእዋፍ እንትስደዱ፣ ከም መጓሰ ተኣኪቦም በቲ ሰማይ መንደሩ እንትሓልፉ ዝረኣየ መሊሱ ወዲ ከተማ ክኸወን ኣይከኣሎን፣ እስካብ ዕለተ ሞቱ መሊሱ ናብ ነፃነት ክምለስ እናተሃጠወ እዩ ዝነብር። ሓወይ ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈት ኮይኑ እናሓቐቐ ኔሩ። ዓመታት ተቖፂሮም ካፍታ ቦትኡ ኣይተንቀሳቐሰን፣ ሓደ ዓይነት ወረቓቕቲ እናፀሓፈን ሓንቲ ሓሳብ ጥራሕ የውጠንጥንን ኔሩ - ናብ ገጠር ዝኣትወሉ መንገዲ ምርካብ። እዚ ብደው ዘድቅቖ ዝነበረ ሓሳብ ቀስ ብቀስ ናብ ሓደ ንፁር ድሌት ተሸጋጊሩ፣ ኣብ ገጠር ሓንቲ ኣብ ገምገም ሩባ ወይ ቃላይ ዘላ ቦታ ወናናይ ናይ ምዃን ሕልሚ።

“ለዋህ ትሑት ሰብ እዩ ኔሩ፣ ኣነ እውን የፍቅሮ እየ ኔረ፣ ግን እዚ ኣብ ሓደ ዝውንኖ ናይ ገጠር ቦታ ወሲዱ ንዓርሱ ንምእሳር ዝነበሮ ድሌቱ እዚ ኣይርደአንን ኔሩ። ሰብ ሽዱሽተ ክንዲ መሬት ጥራሕ እዩ ዘድልዮ ዝበሃል ኣበሃህላ ልሙድ እዩ። ግን ሬሳ ጥራሕ እዩ ሽዱሽተ ክንዲ መሬት ዘድልዮ፣ ሰብ ኣይኮነን። ሕዚ ድማ ምሁራትና ንምድሪ እንተፈቲዮምዋን ናብ ቦታታት ገጠር ዝሰሓቡ እንተደኣ ኾይኖም ፅቡቕ ነገር እዩ ይበሃል ኣሎ። ግን እዞም ናይ ገጠር ቦታታት ከምቲ ሽዱሽተ ክንዲ መሬት እዮም። ከተማ ንምግዳፍ፣ ናይ ህይወት ቃልሲን ዓውዓውታን ንምግዳፍ፣ ኣብ ናይ ገጠር ቦታኻ ከይድካ ምሕባእ፣ ህይወት ኣይኮነን፣ ዓርሰ ፍትወት እዩ፣ ስንፍና፣ ከም ገዳም ዝመሰለ እዩ፣ መንፈሳዊ ሽቶ ዘይብሉ ገዳማዊነት። ሰብ ሽዱሽተ ክንዲ መሬት ኣይኮነን ዘድልዮ፣ ናይ ገጠር ቦታ ኣይኮነን ዘድልዮ፣ መላእ ምድሪ እያ ተድልዮ፣ ተፈጥሮ ብምልእታ፣ ናይ ነፃ መንፈሱ ገንዘብ ዝኾኑ ባህርያቱን ፍሉይነቱን ብነፃነት ዝገልፀሉ ኩነታት እዩ ዘድልዮ።

“ሓወይ ኒኮላይ፣ ኣብ ቤት ፅሕፈቱ ኮፍ ኢሉ ዝሓልሞ ዝነበረ፣ ናይ ባዕሉ ናይ ካውሎ መረቕ እንትበልዕ፣ ጨንኡ ከመይ ከባቢኡ ብሙልኡ ከም ዝእውዶ፣ ኣብቲ ሓምለዋይ ሳዕሪ ኮይኑ እንትበልዕ፣ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እንትድቅስ፣ ንሰዓታት ኣብ ኣፍ ደግኡ ኣብ ዘሎ ወንበር ኮፍ ኢሉ ነቲ ሜዳን ጫካን እናረኣየ እንተሕልፎ እዩ። ናይ ግብርና መፃሕፍቲን ናይ ፍሉይ ሓበሬታ ሕትመታትን ምንባብ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘሕጉስዎ ምንባባት ኔሮም፣ መንፈሱ ዝዕንግለሉ ምንባባት፤ ጋዜጣ እውን ምንባብ ይፈትው እዩ ግን ክንደየናይ ሄክታር ሜዳን ሰውሒን ምስ ናይ ገጠር ገዛ፣ ሩባን መናፈሲ ስፍራ ኣትኽልቲ፣ መጥሓንን ቃላይ መጥሓን ዘለዎ ንመሸጣ ከምዝቐረበ ዘርእዩ ናይ ምልክታ ገፃት እዮም ምንባብ ዝፈትዎም። ኣብ ርእሱ ናይቲ መናፈሻ መንገዲ፣ ዕምበባታት፣ ፍራምረ፣ ናይ ኣእዋፋት ገዛውቲ፣ ኣፍቲ ቃላይ ዘሎ ዓሳ - ይርደአኩም እዩ ምስ እዚ ዝኸዱ ነገራት ኩሎም ኣብ ውሽጢ ርእሱ ይረኣይዎ። እዞም ብርእሱ ዝቐርፆም ምስልታት ከከም ዝሪኦም ምልክታታት ዝተፈላለዩ እዮም፣ ብዝኾነ ምኽንያት ግን ክሽምሽ ኣብ ኩሎም ምስልታቱ ኣለዉ። ክሽምሽ ዘይብሉ ሓደ ናይ ገጠር ቦታ ወይ ድማ ደስ በሃላይ ኩርናዕ ክሓስቦ ኣይከኣሎን።

“ʻናይ ገጠር ህይወት ናይ ባዕሉ ምቾት ኣለዎʼ ይብል ኔሩ። ʻኣብ ሓደ ሰገነት ደብሪ ኮፍ ኢልካ ሻሂ እናሰተኻ፣ ዓዓ ሩባኻ ኣፍቲ ቃላይኻ ይሕምሳ፣ ጨንኡ ከዓ ደስ በሃላይ እዩ ዝኸውን፣ ካሊእ ከዓ … ካሊእ ከዓ ክሽምሽ ትተክል ኢኻʼ ይብል።

“ናይቲ ርስቱ መደብ ይነድፍ እሞ ኩል ሻዕ ሓደ ዓይነት ኮይኖም ኔሮም ዝወፁ፡ ሀ) ናይቲ ጎይታ ገዛ፣ ለ) ናይቶም ሰራሕተኛታት ገዛውቲ፣ ሐ) ነቲ ኩሽና ዝኸውን ቦታ ኣትኽልቲ፣ መ) ክሽምሽ። እናሰሰዐ እዩ ዝነብር ኔሩ፡ ዝበልዖ ኣዚዩ ቁሩብ ኔሩ፣ ዝሰትዮ ኣዚዩ ቁሩብ ኔሩ፣ ከመይ ከምዝኽደን ፈጣሪ እዩ ዝፈልጦ፣ ከም ለማናይ እዮም ክዳውንቱ፣ ገንዘብ እናቖጠበ ኣብ ባንኪ ይዓቑሮ ኔሩ። ብጣዕሚ ሱሱዕ እዩ ኔሩ። ነዓይ ነዚ ምርኣይ ይኸብደኒ ኔሩ፣ ገንዘብ ይሰደሉ ኔረ፣ በዓል እንትኸውን እውን ዝኾነ ነገር ይሰደሉ ኔረ፣ ንሱ ግን ነዚ እውን የቐምጦ ኔሩ። ሓደ ሰብ ንሓደ ሓሳብ ኣብ ውሽጡ ምስ ኣስረፆ ምንም ምግባር ኣይከኣልን።

“ዓመታት ከይዶም፣ ናብ ካሊእ ክልል ተዛዊሩ፣ ኣርበዓን ሓሙሽተን ዓመቱ ሓሊፍዎ ኔሩ፣ ናይቶም ጋዜጣታት ምልክታታት እናንበበ ገንዘብ ምቑጣብ ቐፂሉሉ። ካብኡ ከም ዝተመርዓወ ሰሚዐ። ሽዑ እውን ክሽምሽ ዘለዎ ናይ ገጠር ቦታ ናይ ምግዛእ ሕልሙ ኣይረሰዖን፣ ንዝተመርዐዋ ኣረጊት በዓል ገዝኣ ዝሞታ ሰበይቲ ምንም ዓይነት ስምዒት ኣይነበሮን፣ ንኢሽተይ ገንዘብ ስለዝነበራ ጥራሕ እዩ ተመርዒይዋ። ነዓዓ ተመርዒዩ እውን ክስስዐላ ጀሚሩ፣ ነዓዓ እናጥመየ ገንዘባ ብሽሙ ኣብ ባንኪ የእትዎ ኔሩ። ቅድሚኡ ተመርዒያቶ ዝነበረት ሰብኣይ ሓለቓ ቤት ፖስታ ስለዝነበረ ጥዑም ባኒን መስተን ለሚዳ ኔራ፣ ካብዚ ካልኣይ በዓል ቤታ ግና ዝሓረረ ባኒ እውን ክንዲ ዝኣኽላ ኣይትረክብን፤ በዚ ህይወት እዚ ክትሓምቕ ጀሚራ፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ነፍሳ ንኣምላኽ ሂባታ። ያው ሓወይ ንሞታ ተሓታታይ እየ ኢሉ ዋላ ንሓንቲ ቅፅበት ሓሲብዋ ኣይፈልጥን። ገንዘብ፣ ከም ቮድካ፣ ንሰብ ከም ገለ እዩ ዝገብሮ። ኣብ ከተማና ሓደ ነጋዳይ እናሞተ ኔሩ። ቅድሚ ምሟቱ፣ መዓር ኣብ ሸሓነ ተጌሩ ክቐርበሉ ሓቲቱ ምስ ቀረበሉ ዘለዎ ገንዘብን ናይ ሎተሪ ቲኬታቱን ብኡኡ ጌሩ በሊዕዎም፣ በዚ ኣቢሉ ማንም ከይረኽቦም ጌሩ። ሓደ መዓልቲ ኣፍቲ ጣቢያ ሓንቲ ላሕሚ እናመርመርኩ እናሃለኹ ካብቶም ነጋዶ ሓደ ኣብ ትሕቲ ባቡር ወዲቑ እግሩ ይቑረፅ። ናብ ሆስፒታል ወሲድናዮ፣ ደም ጃሕ ጃሕ ይብሎ ኔሩ - ዘስካሕክሕ ኔሩ - ደደጊሙ እታ እግሩ ክንረኽባ ይሓተና ኔሩ፣ ዘተሓሳስቦ ነገር ኣፍታ ዝተቖረፀት እግሩ ኣብ ዝነበረት ጫማ ዒስራ ሩብል ገንዘብ ኔራታʼሞ ንሳ ክስእና ኣይደለየን ኔሩ።”

“ንሱ ካብ ካሊእ ተውኔት እዩ” ኡሊ በርኪን።

“በዓልት ገዝኡ ምስ ሞተት” ኢሉ ዘረብኡ ቀፀለ ኢቫን ኢቫኒች ንፍርቂ ደቓይቕ ዝኸውን ግዘ ሕስብ ኣቢሉ፣ “ሓወይ ዝገዝኦ ርስቲ ክደሊ ጀመረ። ያው ዋላ ሓሙሽተ ዓመት ሙሉእ ደሊኻ ኣብ መወዳእታ ጌጋ ፈፂምኻ ከምቲ ዝተመነኻዮ ዘይኮነ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። ሓው ኒኮላይ ብደላላ ኣቢሉ ብትሕጃ ዝውውር ጌሩ ሓደ ሚእቲን ዒስራን ሄክታር መሬት ገዚኡ፣ ናይቲ በዓል ዋና ሓለቓ ገዛ፣ ናይ ሰራሕተኛታት ክፍልታትን መናፈሻን ዘለዎ ኔሩ ግን ድማ ናይ ፍራምረ ቦታ ወይ ክሽምሽ ወይ ዓዓ ሩባ ዘለውኦ ቃላይ ዝበሃል ነገር ኣይነበሮን፤ ሩባ ኔርዎ ግን እቲ ማይ ሩባ ሕብሩ ከም ቡን ዝመሰለ እዩ ኔሩ፣ ካፍቲ ርስቲ ብሓደ ገፅ ጡብ ሸኽላ ዘምርት ፋብሪካ ስለዝነበረ እዩ ከምዚ ዝገበሮ፣ ብቲ ኻሊእ ገፅ ድማ ዓፅሚ ዝቃፀለሉ ፋብሪካ ኔሩ። ሓወይ ኒኮላይ ኢቫኒች ግን በዚ ኣይሓዘነን፤ ዒስራ ናይ ክሽምሽ ጥሻታት ኣዚዙ ኣምፂኡ ተኺሉ ኮፍ ኢሉ ከም ወናናይ መሬት ምንባር ጀሚሩ።

“ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክጉብንዮ ከይደ ኔረ። ከይደ ኣብኡ ነገራት ከመይ ከምዝኾኑ ክዕዘብ እየ ኢለ ሓሲበ እየ ዝኸድኩ። ኣብ ዝፀሓፈለይ ደብዳበ ሓወይ ነቲ ርስቱ ከምዚ ኢሉ እዩ ፀዊዕዎ ዝነበረ፡ መሬት ቻማባራክሎቭ፣ ድሕር ገዲም ሂማላይስኮይ ዝተብሃለ። ኣብቲ ʻድሕር ገዲም ሂማላይስኮይ ዝተብሃለʼ ቦታ ድሕሪ ዓራርቦ ፀሓይ እየ ዝበፃሕኹ። ዋዒ ኔሩ። ጎዳጉዲ፣ ሓፁራት፣ ቆጥቋጣት፣ ብመስመር ዝዓበዩ ፅሕዲ ኣእዋም ኔሮም - ናብቲ ዋና መካበቢያ ከመይ ክበፅሕ ከምዘለኒ፣ ፈረሰይ ኣበይ ከምዝገድፎ ክፈልጦ ኣይከኣልኩን። ናብቲ ገዛ እንትቐርብ ከም ጅንጅብል ሕብሪ ዘለዎ ረጒድ ሓሰማ ዝምስል ከልቢ ረኺበ። ተዝነብሐለይ ደስ ምበሎ ኔሩ ግን ኣዚዩ ሰነፍ ስነዝነበረ ኣይነብሐን። እታ ምግቢ ትሰርሕ ካብ ኩሽና ወፂኣ መፂኣ ተቐቢላትኒ፣ ጥራሕ እግራ ኔራ፣ ረጓድ እያ፣ ንሳ እውን ሓሰማ እያ ትመስል። እቲ ጎይታ ገዛ ተደሪሩ ክዓርፍ ናብ ክፍሉ ከይዱ ከምዘሎ ነጊራትኒ። ናብ ሓወይ ክፍሊ ከይደ፣ ኣብ ዓራቱ ኮፍ ኢሉ ኔሩ፣ ኣእጋሩ ብኮቦርታ ተሸፊኖም ኔሮም፤ ኣሪጉ፣ ረጒዱ ኔሩ፤ ምዕጉርቱ፣ ኣፍንጭኡን ከንፈራቱን ናብ ቕድሚት ዊጥ ኢሎም ኔሮም - ነቲ ኮቦርታ እህህታ ከስምዖ ዝበለ እዩ ዝመስል ኔሩ።

“ተሓቛቝፍና ብታሕጓስን ሓደ እዋን መናእሰይ ከምዝነበርና ሕዚ ድማ ሰዪብና መሞቲ ግዜና ከምዝበፅሐ ሓሲብና ሓዚናን በኺና። ተኸዳዲኑ ርስቱ ከሪአኒ ወሲድኒ።

“ʻከመይ እሞ ሒዝካ ኣሎ ኣብዚ?ʼ ኢለ ሓቲተዮ።

“ʻኦ፣ ፅቡቕ እዩ፣ ኣምላኽ ይመስገን፣ ፅቡቕ እየ ዝነብር።ʼ

“ገዲም ዝሽቑረር ንኢሽተይ ሰራሕተኛ ቤት ፅሕፈት ኣይነበረን፣ ወናናይ መሬት ኮይኑ እዩ፣ ባላባት መሬት ኮይኑʼሎ። ኣብዚ ተመቺይዎ ኣሎ፣ ለሚድዎ ኣሎ፣ ብዝግባእ እናጠዓዓሞ ኔሩ፤ ብደንቢ እዩ ዝምገብ፣ ኣብቲ መሕፀቢ ክፍሊ ይሕፀብ፣ ክብደት ወሲኹ ኣሎ፣ ብገንኡ ምስቲ ምምሕዳር እቲ ከባቢን ምስቶም ክልተ ፋብሪካታትን ተኻሲሱ ኣሎ፣ እቶም ሓረስቶት “ክቡርነትኦም” እናበሉ እንድሕር ዘይፅውዕዎ ኮይኖም ምኹራይ ጀሚሩ እውን ኣሎ። ንነፍሱ እውን ዝግባእ ስራሕቲ ይፍፅም ኔሩ፣ ሰናይ ምግባራት ከምብዋዛ ዘይኮነስ ብኹርዓት ይፍፅም ኔሩ። እንታይ እዮም ንነፍሱ ዝኾንዎ ሰናይ ተግባራቱኸ? እቶም ሓረስቶት ዝኾነ ይኹን ሕማም እንተሒዝዎም ብሶዳን ብዘይቲ ጉልዒ ከድሕኖም ይህቦም ኔሩ፣ ኣብ ዕለት ሽሙ ናብ ማእኸል እታ ገጠር መንደር ከይዱ ናይ ምስጋና ናይ ፀሎት ግልጋሎት ክካየድ ይገብር ኔሩ፣ ካብኡ ነቶም ሓረስቶት ኣድላይ እዩ ኢሉ ብምሕሳብ ፈፍርቂ ሳንኬሎ ቮድካ ይህቦም። ኣዬ እዞም ፍርቂ ሳንኬሎታት ቀፈፍቲ እዮም! እቲ ረጒድ ወናናይ መሬት ሎመዓንቲ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣብ መሬተይ ሃዲኑ ኢሉ ንቲ ሓረስታይ እናጎተተ ናብቲ ኣመሓዳሪ ወረዳ ዝኾነ ዜምስትቮ ይወስዶ፣ ብናግኢቱ፣ ንበዓል ኢሉ፣ ፍርቂ ሳንኬሎ ዓዲሞምዎ እናሰተዩ ʻሁራህʼ እናበሉ ሰኺሩ ከዓ ይሰግደሉ። ኣብ ሩሲያ ናይ ህይወት ምምሕያሽ እንትመፅእ፣ ፅቡቕ እንትብላዕ፣ ስራሕ እንትንኪ ልክዕ ብዘይብሉ ፅጋብ ልቢ ትሓብጥ። ኒኮላይ ኢቫኒች ባዕሉ ኣብ መንግስቲ ቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛ እናሃለወ፣ ዋላ ብውሽጡ ንዓርሱ ናይ ግሉ ኣመለኻኽታ ክሕዝ ዝፈርሕ ዝነበረ ሰብ፣ ሕዚ ሓቅታት ካብዝብሎም ወፃኢ ካሊእ ኣይዛረብን፣ ንኣዘራርብኡ ልክዕ ከም ናይ መንግስቲ ሚኒስቴር ጌሩ ከምዚታት ይብል፡ ʻትምህርቲ ወሳናይ እዩ፣ ግን ድማ ነቶም ህዝቢ ገና ኣይግበኦምን፣ʼ ʻቕፅዓት ሞት ብሓፈሻ ሕማቕ እዩ፣ ግን ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት ኣድላዪን ክድገፍ ዘይከኣል እዩ።ʼ

“ʻነቶም ሰባት ኣነ ይፈልጦም እየ፣ ከመይ ክሕዞም ከምዘለኒ ይፈልጦ እየʼ ኢልኒ። ʻእቶም ሰባት ይፈትዉኒ እዮም። ሓንቲ ዓፃብዕተይ ጥራሕ እንተንቀሳቒሰ ድሌተይ ኩሉ እዮም ዝትግብሩʼ ይብል።

“ልቢ በልዎ እዚ ኹሉ ዝዛረቦ ዘሎ ክፍኣት ብዘይብሉ ምሁራዊ ፍሽኽታ ኮይኑ እዩ። ዒስራ ግዘ ከምዚ ይብል፡ ʻንሕና ባላባታት፣ʼ ʻከም ሓደ ባላባትʼ - ኣባሓጎና ሓረስታይ ኣቦና ድማ ወታደር ምንባሮም ከምዝዘንግዖ ግልፂ እዩ ኔሩ። ዋላ እቲ ንምባሉ ዘሸግርን ዘይጥዕምን ሽም ቤተሰብና ቺምሻ-ሂማላይስኪ ሕዚ ንዑዑ ልኡላዊን ጥዑምን ኮይንዎ ኣሎ።

“ግን እቲ ነጥበይ ምስኡ ዝተራኸበ ኣይነበረን፣ ብዛዕባይ እዩ። ኣብ ገዝኡ ኣብ ዝነበርኩሉ ሒደት ሰዓታት ኣብ ውሽጠይ እንታይ ዓይነት ለውጢ ከምዝተፈጠረኒ ክነግረኩም እየ ደሊየ። ምሸት፣ ሻሂ እናሰተና እናሃለና፣ እታ ምግቢ ሰራሒት ሸሓነ ሙሉእ ክሽምሽ ኣምፂኣትልና። ዝተገዝኡ ኣይነበሩን፣ ናይ ባዕሉ ክሽምሽ እዮም ኔሮም፣ ካብ ዝትከሉ ጀሚሩ ንመጀመርታ ግዘ ዝሃብዎ ፍረ እዩ ኔሩ። ኒኮላይ ኢቫኒች እናሰሓቐ ንዝተወሰነ ቕፅበታት የዒንቱ ንብዓት መሊአን ነተን ክሽምሽ ፍረታት ብፀጥታ ሪእወን - ስምዒታዊ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ክዛረብ ኣይከኣለን፤ ካብኡ ሓንቲ ፍረ ኣልዒሉ ኣብ ኣፉ ጌርዋ፣ ኣብ መወዳእታ ዝደልያ መፃወቲ ረኺቡ ዓወት ከምዝተሰምዖ ህፃን ኮይኑ ናባይ ሪኡ ከምዚ ኡልኒ፡

“ʻከመይ ይጥዕም!ʼ”

“ጠንካራን መረርትን እዮም ኔሮም፣ ግን ፑሽኪን ከምዝበሎ ʻካብ ክምር ሓቂታት ንላዕሊ ናይ ዓርስና ናብ ላዕሊ ሓፍ፣ ሓፍ ዘብሉና ናይ ቐጥሪ ሕልምታትና ይበልፁልናʼ እዩ ነገሩ። ሕጉስ ሰብ እየ ሪአ፣ ብጣዕሚ ዝፈትዎ ሕልሙ ዝተግሃደሉ፣ ናይ ህይወት ዕላምኡ ዘሳኸዐ፣ ዝደልዮ ዝረኸበ፣ ብዕድሉን ብባዕሉን ዝረወየ ሰብ። ወትሮ ብዛዕባ ታሕጓስ ደቅ ሰባት እንትሓስብ ሓዘን ነገር ዝተሓወሶ ኔሩ ዝኾነኒ፣ ሕዚ ግን፣ ሕጉስ ሰብ እንትርኢ፣ ናብ ቀቢፀ ተስፋ ዝቐረበ ስምዒት ውሒጥኒ። ብፍላይ ለይቲ ብጣዕሚ ሓዪልኒ ኔሩ። ዝተውሃበኒ ዓራት ካብ ናይ ሓወይ መደቀሲ ክፍሊ ቐፂሉ ኣብ ዘሎ ክፍሊ ተመቻቺይለይ ኔሩ፣ ይሰምዖ ስለዝነበርኩ ከምዘይደቀሰ ይፈልጥ ኔረ፣ እናተልዓለ እቶም ክሽምሽ ናብ ዝተቐመጡሉ ሸሓነ እናኸደ ፍረ ይወስድ ኔሩ። ከምዚ ሓሲበ፡ ብርግፅ ብዙሓት ዝረወዩ፣ ሕጉሳት ሰባት ኣለዉ! ከመይ ዝበለ ብርቱዕ ሓይሊ እዩ! ነዚ ህይወት እዚ ረኣይዎ፡ ናይ ጠንካራታት ብዕልግናን ስራሕ ምፍታሕን፣ ናይቶም ደካማታት ድንቁርናን ኣራዊትነትን፣ ብዙሪያና ዘሎ ድኽነት፣ ዝዓዘዘ ምፅቕቓጥ፣ ምግዕዛይ፣ ስኻር፣ ምስሉይነት፣ ሕሾት …  ከምዚ እውን ኮይኑ ከዓ ኣብ ኩሎም ገዛውቲን መንገዳትን ፀጥታ ኣሎ፣ ሰላማዊ እዩ፤ ኣፍቲ ከተማ ካብ ዝነብሩ ሓምሳ ሽሕ ሰባት ዓው ኢሉ ዘእዊ ወይ ዓው ኢሉ ሕርቃኑ ዝገልፅ የለን። ናብ ዕዳጋ ምግቢ ክገዝኡ ዝኸዱ፣ ቀትሪ ዝበልዑ፣ ምሸት ዝድቅሱ፣ ዓዘር ቆዘር ዝዘራረቡ፣ ዝምርዓዉ፣ ዝኣርጉ፣ ርእሶም ደፊኦም ዝሞትዎም ናብ ቐብሪ ዝወስዱ ሰባት ንርኢ፤ እዞም ዝሳቐዩ ግና ኣይንሪኦምን፣ ኣይንሰምዖምን፣ ናይ ህይወት መሰቀቕቲ ተጓንፎታት ድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ይሓልፉ። ኩሉ ነገር ፀጥ ዝበለ፣ ሰላማዊ እዩ፣ ድምፂ ዘይብሉ ድምር ቑፅሪ ጥራሕ ተቃውምኡ የስምዕ፡ ክንድዚ ዓቢዶም፣ ክንድዚ ሳንኬሎ ተሰቲዮም፣ ክንድዚ ቖልዑት ብሕፅረት ተመጣጣናይ ምግቢ ሞይቶም … እዚ ስርዓት ድማ ግድን ከምዝኾነ ግልፂ እዩ፤ እቲ ሕጉስ ሰብ ሕጉስ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት እቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ብፀጥታ ይሳቐዩ ብምህላዎም ምዃኑ ግልፂ እዩ፣ በዘይ እዚ ፀጥታ እዚ ታሕጓስ ክህልው ኣይኽእልን። ሓፈሻዊ ሰመምታ እዩ። ኣብ ሕድሕድ ዝረወየ፣ ሕጉስ ሰብ በሪ፣ ዝኾነ ሰብ ንኢሽተይ ሞደሻ ሒዙ ጠጠው ኢሉ፣ ብዘይምቁራፅ እናቖርቆረ፣ ሕጉሳት ዘይኮኑ ሰባት እውን ከምዘለው፣ ክንደየናይ ሕጉስ እንተኾነ ህይወት ሓደ መዓልቲ ኣፅፋራ ከምተሪኦ፣ ዝኾነ መከራ - ሕማም፣ ድኽት፣ ምስኣን - ክወርዶ ከምዝኽልን፣ ልክዕ ሕዚ ንሱ ይገብሮ ከምዘሎ ማንም ከምዘይሪኦን ከምዘይሰምዖን ከዘኻኽሮ ይግባእ። ንኢሽተይ ሞዶሻ ዝሓዘ ግን ዋላ ሓደ ሰብ የለን፣ እቲ ሕጉስ ሰብ ምንባሩ ይቕፅል፣ ናይ ህይወት ደቀቕቲ ሓሳባት፣ ነፋስ ንዓብዪ ኦም ከምዘንቀሳቕሶ፣ ቁሩብ የንቀሳቕሶ - ካሊእ ኩሉ ነገር ፅቡቕ ኣሎ።

“ኣፍቲ ምሸት ኣነ እውን ዝረወኹን ሕጉስን ሰብ ምዃነይ ተረዲአ” ኢቫን ኢቫኒች ጠጠው ኢሉ ዘረብኡ ቐፂሉ። “ድራር እናተበልዐ ይኹን ንሃደን ከይድና ኣነ እውን ከመይ ክንነብር ከምዝግባእ ትምህርቲ ይህብ ኔረ፣ ከመይ ክንኣምን ከምዘለና፣ ሰባት ከመይ ክነመሓድር ከምዘለና። ኣነ እውን ፍልጠት ብርሃን እዩ፣ ትምህርቲ ኣድላይ እዩ፣ ንቶም ተራ ሰባት ግን ንግዚኡ ምንባብ እንተኽኢሎም ይኣኽሎም እዩ ይብል ኔረ። ነፃነት ፅቡቕ እዩ ይብል ኔረ፣ ልክዕ ከም ኣየር እዩ፣ ብዘይ ነፃነት ክንነብር ኣይንኽእልን፣ ግን ክንፅበ ኣለና ይብል ኔረ። እወ፣ ከምኡ እየ ዝብል ዝነበርኩ፣ ሕዚ ግን ክሓትት ጀሚረ፡ ንመን ክንብል ኢና ንፅበ?” ኢቫን ኢቫኒች ዝሓረቐ መሲሉ ናብ በርኪን እናረኣየ ሓተተ። “ንመን ክንብል ኢና ንፅበ፣ ኢለ እየ ዝሓትት ዘለኹ? እንታይ እናሓሰብና ኢና ንፅበ? ኩሉ ነገር ብሓንሳብ ክግበር ኣይከኣልን፣ ኩሉ ሓሳብ ደረጃ ብደረጃ እዩ ዝትግበር፣ ብግዚኡ ይብሉኒ። ግን መን እዩ ነዚ ዝውስኖ? ከምዚ ከምዝኾነ ዘርእዩ መረዳእታታት ኣበይ እዮም ዘለዉ? ተፈጥሯዊ ስርዓት ትብሉ፣ ናይ ክስተታት ሕጋዊ ኣካይዳ ትብሉ፣ ግን እቲ ኣነ ህይወት ዘለዎን ዝሓስብ ሰብ ኮይነ፣ ሓደ ጉድጓድ ንኽዘሎ ወይ ዘሳግረኒ ድልድል ክሰርሐሉ እናኸኣልኩ፣ ክሳብ ቁጥቋጥ ዝቦቕሎ ወይ ድማ ደለል ዝምላእ ጠጠው ኢለ ክፅበ ኣለኒ ዝብል ዘረባ ኣበይ እዩ ስርዓት ወይ ሕጋዊነት ዘለዎ? ደጊመ ክሓተኩም ንመን ክብል? ተፀበ፣ ንምንባር ጥንካረ እኳ ኣብ ዘይብልካ ግዘ፣ ድማ ብህይወት ክትነብር ኣለካ፣ ክትነብር እውን ክትደሊ ኣለካ! በዚ ኩነታት ተፀበ!

“ብቐፃላይ ዕለት ብጓሓቱ ካብ ሓወይ ገዛ ተላዒለ ከይደ፣ ካብኡ ግዘ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ምንባር ነዓይ ክፃወሮ ኣይከኣለንን። እቲ ሰላምን ፀጥታን ይፀቕጠኒ እዩ፣ ብመስኮት ምርኣይ የፍርሐኒ፣ ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ሻሂ ዝሰትዩ ሕጉሳት ቤተሰባት ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘሳቕየኒ ነገር ስለዘየለ። ኣነ ኣሪገ እየ ንቓልሲ ኣይኸውንን፣ ንምፅላእ እውን ኣይኸውንን። ብውሽጠይ እየ ዝሓዝን፣ ይሓርቕ፣ ይበሳጨው፣ ለይቲ ሓሳብ እናበዝሐ ርእሰይ ይረስነኒ፣ ክድቅስ ኣይከኣለኒን . . . ኣሕ፣ መንእሰይ እንተዝኸውን ኔረ!”

ኢቫን ኢቫኒች ተረባቢሹ ኣፍቲ ክፍሊ ውሽጢ ናብዚን ናፍቲን እናበለ ነዚኣ ይደጋግማ ኔሩ፡

“መንእሰይ እንተዝኸውን ኔረ!”

ሃንደበት ናብ ኣለኪን ቕርብ ኢሉ በቲ ሓደ ወይ በቲ ካሊእ ቕይር እናበለ ክሕዞ ጀመረ።

“ፓቬል ኮንስታንቲኒች!” ኢልዎ ብናይ ልመና ድምፂ፣ “ከይምችወካ፣ ከይትድቅስ! መንእሰይ፣ ጠንካራ፣ ሓይሊ ዘለዎ ሰብ ክሳብ ዝኾንካ ፅቡቕ ስራሕ ምስራሕ ከይትደክም! ታሕጓስ ዝበሃል ነገር የለን፣ ክህልው እውን የብሉን፣ ብህይወት ዝኾነ ትርጉም ወይ ድማ ዕላማ እንተሃሊዩ እዚ ትርጉምን ዕላማን ምስ ምሕጓስና ዝራኸብ ኣይኸውንን፣ ካብኡ ብዝሓሸ ምስ ዝበሰለን ዓብይ ነገርን እዩ ዝራኸብ። ፅቡቕ ግበር!” ኢልዎ።

ኢቫን ኢቫኒች ነዚ ኹሉ ብዘሕዝን፣ ልመና ዝተመልኦ ፍሽኽታ ኮይኑ እዩ ተዛሪብዎ፣ ብግሊ ንዓርሱ ክብል ዝሓትት እዩ ዘምሰሎ።

ካብኡ ሰለስቲኦም ኣፍቲ ዋና ክፍሊ ተራሓሒቖም ኣብ ፀግዒ ኣብ ዘለዉ ወንበራት ኮፍ ኢሎም ከይተዘራረቡ ፀኒሖም። ናይ ኢቫን ኢቫኒች ታሪኽ ንበርኪን ኮነ ንኣለኪን ዘርወየ ኣይነበረን። ጀነራላትን ኣንስትዮን ካፍቲ ዝተሰቕለ ወርቃዊ ክፈፍ ዘለዎ ስእሊታት፣ በታ ናይ ዓራርቦ ፀሓይ ብርሃን ህይወት ዘለዎም መሲሎም እናሃለዉ ብዛዕባ ክሽምሽ ዝበልዕ ሰራሕተኛ መንግስቲ ታሪኽ ምስማዕ ዘህክይ ነገር ነይሩ። ብዝኾነ ምኽንያት ብዛዕባ ምሩፃት ሰባት፣ ብዛዕባ ኣንስቲ እንተዝዛረቡን እንተዝሰምዑን ዝመርፁ መሲሎም። ኣብቲ ሕዚ ኮፍ ኢሎምዎ ዘለዉ ክፍሊ ዘለዉ ኩሎም ነገራት - እቲ ዝተሸፈነ መንጠልጠሊ ብርሃን፣ እቶም ወንበራት፣ እቶም ኣብ ትሕቲ እግሮም ዘለዉ ምንፃፋት - ብሙልኦም ሕዚ ኣፍቲ ክፈፍ ተሰቒሎም ዝሪእዎም ዘለዉ ስእልታት ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ተረማሚዶምሎም፣ ኮፍ ኢሎምሎም፣ ሻሂ ሰቲዮምሎም ከምዝነበሩ ዝዛረቡ ይመስሉ፣ እታ ሕዚ ድምፂ ከየስመዐት ትንቀሳቐስ ዘላ እታ ፅብቕቲ ፔላጊያ ካብ ድላዩ ታሪኽ ንላዕሊ ኔራ።

ኣለኪን ብጣዕሚ ክድቅስ ደሊዩ ኔሩ፤ ናይ ሕርሻ ስራሕ ብጓሓቱ ኔሩ ዘተስኦ፣ ከይወግሐ ሰዓት ትሸዓተ፣ የዒንቱ ዓሰርተ ሻዕ ይኽደና ኔረን፣ ግን እቶም ኣጋይሽ ከዓ ብዛዕብኡ ዝኾነ ዝስሕብ ታሪኽ ምዝራብ ከይጅምሩ ፈሪሑ ገዲፍዎም ክኸድ ኣይደለየን። ኢቫን ኢቫኒች ዝተዛረቦ ነገር ብሱል ይኹን ወይ ልክዕ ክሓስበሉ ኣይሞከረን፤ ኣጋይሹ ብዛዕባ እኽሊ ወይ ሓሰር ወይ ካትራመ ኣይኮነን ዝዘራረቡ ዝነበሩ፣ ምስ ህይወቱ ብቐጥታ ምንም ርክብ ብዛዕባ ዘይብሉ ነገር እዮም ዝዛረቡ ዝነበሩ፣ በዚ ደስ ኢልዎ ኔሩ ክቕፅሉሉ እውን ደሊዩ ኔሩ . . . ።

“ኮይኑ ግና መደቀሲ ሰዓት በፂሑ ኣሎ” ኢሉ በርኪን ኮፍ ካብ ዝበሎ እናተልዓለ። “ደሓን ሕደሩ ክብለኩም ፍቐዱለይ።”

ኣለኪን ተሰናቢትዎም ታሕቲ ናብ ዘሎ ክፍሉ ከይዱ፣ እቶም ኣጋይሹ ድማ ኣብ ላዕሊ ፀኒሖም። ንክልቲኦም ካብ ዕንፀይቲ ዝተፀርቡ ዓበይቲ ዓራውቲን ካብ ናይ ሓርማዝ ስኒ ዝተሰርሑ መስቀላት ኣብ ሓደ ኩርናዕ ዘለዎም ዓበይቲ ክፍልታት ኔሮም ዝተውሃቦም። እታ ፅብቕቲ ፔላጊያ ዘንፀፈቶ ሰፊሕን ዝሕል ዝበለ ዓራቶም ደስ ናይ ዝብል ፅሩይ ዓለባ ጨና ኔርዎም።

ኢቫን ኢቫኒች ብፀጥታ ኽዳኑ ኣውፂኡ ግድም ኢሉ።

“ኣምላኽ ይቕረ በለና ነዓና ሓጢያተኛታት!” ኢሉ ሽፋን ዓራት ናብ ርእሱ ስሒቡ ተሸፋፊኑ።

ኣፍቲ ጠረጴዛ ዝገደፎ ፒፓ ጠንካራ ዝኾነ ናይ ዝወዓለ ትንባሆ ጨና ኔርዎ፣ በርኪን ድማ እዚ ኸቢድ ጨና ካበይ ይመፅእ ከምዘሎ ከይተረድኦ ንነዊሕ ግዘ ከይደቀሰ ነቒሑ ኣሕሊፍዎ።

ሙሉእ ለይቲ ዝናብ ንመሳኹቶም እናወቕዖም ሓዲሩ።
***
ነሓሰ 1898

(Gooseberries, Anton Chekhov.)
©2010/2018 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።