Skip to main content

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (9)

9. ኣሸንዳ
ግደይ ገብረኪዳን

መቐለ ድሕሪ ዒስራ ዓመት ዳግም ንውሕ ንዝበለ ግዘ እንትፀንሐላ ዝራእኽዎ ማሕበራዊ ጉዳያትን ስነ ልቦናዊ ለውጢታት ቅርፂን ሕብረተሰብ ኣግሪምለይ “እስኪ ብቓላት ስኢለ ከትርፎም እሞ ነቶም ነበርታ ልሙድ ዘይኮኑ ግና ለሚዶም ዝተቐበልዎም ነገራት፣ ነቶም ጌጋታት ክእርምዎም ነቶም ኣወታዊ ነገራት ከዓ ከማዕብልዎም፤ ንመፃኢ ትውልዲ ከዓ ከም “ዜና መቐለ” ኮይና ክትቕመጠሎም ክገብር” ዝብል ሓሳብ ክስንቕ ጌርኒ።

ኮይኑ ግና ሕዚ ፀብፃበይ ካብ ሠለስተ ናብ ሓሙሽተ ወርሒ ክውጠጦ ግድን ኢሉኒ ኣሎ። በዘን ሓፃር ኣዋርሕ፤ ዝነበረ እንተዘይመስኪሩ፤ ሓደ ታሪኽ ፀሓፊ በዚ ፍጥነት ክንድዙይ ተለዊጡ እንተበለ መን ይኣምኖ? ይመዝገብ ደኣ።
ናይ ዶስቶየቭስኪ ስነ ፅሑፋዊ ሙከራ ኔሩ ነዚ ቅዲ ኣፀሓሕፋ ክለዓዓል ዝገበረኒ። ንሱ ሓዱሽ ቅዲ ስነ ፅሑፍ ክሙክር ደሊዩ ንናይ ሩሲያ ነፍሲ ብቃላት ቀሪፁ ንምትራፍ፤ ከም ታሪኽ ፀሓፋይ እናፀብፀብካ ካብ ምምሕልላፍ፤ በብወርሒ ኣብ ዝሕተም ጋዜጣ “መዘከርታ ደራሲ” ብዝብል ዓምዲ ተጓንፎ እዛ ዓዲን ተጓንፍኡን ምልከትኡን እናከተበ ብቀጥታ ከመሓላልፍ ጀሚሩ ኔሩ። ኣነ እውን ከምኡ ንመቐለ ዋና ገፀ ባህርያተይ ጌረ ብሓፂሩ ክስእላ ሞኪረ።
ሎሚ፤ ነዓይ፤ ቅነ ኣሸንዳ ከመይ ከምዝሓለፈት እየ ከካፍል ዝደሊ።
 ኣሸንዳ ካብ ርሑቕ ደሚቑ ከም ዝተኸበረ ብዜና ማእከናት እንትትሪኦ ባህላዊ ክዳውንቲ ዝገበራ ኣዋልድ ክጫወታ ከምዝቐነያ ጥራሕ ኢኻ ትሕዝ። ቆልዓ ኮይነ ዝነበረኒ ናይ መቐለ ናይ ኣሸንዳ ተዘክሮ ህፃናት ሰፈርና ኣጥዒምለን፣ ሓዱሽ ክዳን ጌረን፣ ከበሮአን ሒዘን በብገዝኡ እናዞራ “ኣሸንዳ” እንትጫወታ እዩ። ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ብሰፈር ተኸፋፊሎም ቆልዑት እምኒ ይደራበዩ።
ሎሚ እምኒ ምድርባይ ተሪፉ ኣሎ። እወ፤ ምስልጣን ማለት ከምዚ እዩ። ባህሊ ምስቲ እቲ ዘመን ዝበፅሖ ርድኢት ብዝኸድ መልክዑ መውፅኢ ስምዒታቱ እውን እናተቐየሩ ክኸዱ ዝገብር ምዃኑ እዩ። ኣብ ሓደ ቦታ “ስልጣነ ማለት ኣፈላላያትካ ብምርድዳእ፣ ብምይይጥ ምፍታሕ ምኽኣል ማለት እዩ” ዝብል ኣንቢበ ኔረ። ትኽክል እዩ። ንዓርሶም ብኣግባቡ ምግላፅ ዘይመለኹ ሰባት ባህርያት ሓደ ዝስመዖም ካብ ምግላፅን ዝደለይዎ ኣረዲኦም ካብ ምርካብ ምሕራቕ ዝቐንዖም ምዃኖም እዩ። ርእሶም ምጥቃም ከይለመዱ ዝዓበዩ እውን ኣብ ኣደባባያት እንትፀራረፉን እንትበኣሱን ምርኣይ ይከኣል እዩ። ቀደም ኣብ ኣሸንዳ እምኒ ምድርባይ ልሙድ ኔሩ። ነቲዕኻ ናብ ገዛኻ ከይድኻ ፃዕዳ ሽጉርቲ ትገብረሉ። ሎሚ እዚ ተሪፉ እዩ። እቶም ኣወዳት ሎሚ እምኒ ካብ ዘደራብይ ዕብዳን  ወፂኦም ኣለዉ።
ካብ ቀደም ክሳብ ሎሚ፤ ብዘየካትዕ መልክዑ፤ ቅቡል ኮይኑ ዝቕፅል ዘሎ ኣዋልድ ፀቢቐን ኣሸንዳ ክፃወታ ከምዘለወን እዩ። ንፅባቐ ቅቡል ዘይገብር ስልጣነ የለን። እንተሃሊዩ ግጉይ እዩ።    
ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ቅድሚ ሠለስተ፣ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ፤ ብዛዕባ ኣሸንዳ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። እንተሃሊይዎ ድማ ናይ ተጋሩ “ኣበባይሆሽ” ከምዝኾነ እዩ ዝርድኦ። ሽዑ መንግስቲ ትግራይ ንኣሸንዳ ከም “ፌስቲቫል” ጌሩ ኢዱ ኣእቲይሉ ድምቀት ሂብዎ ኣይበዓልን ኔሩ። ምምሕዳር ትግራይ ንኣሸንዳ ብፍሉይ መልክዑ ምልላይን፣ ሰበ ስልጣን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣዚዩ ደሚቑ ምብዓል እንትጅመር ዝተረፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ማለት እውን እቶም “ሓደ ኢና” ብዝብል ስብከቶም ዝፍለጡ፤ ብተጋሩ ፍሉይ ንምዃን ዝግበር ዘሎ ፃዕጊ ጌሮም ብምቕራብ ናይ ተጋሩ ዘርኣዊነት መረዳእታ ይገብርዎ ኔሮም። ኮይኑ ግን መንግስቲ ክልል ትግራይ ሚሊዮናት ቅርሺ ዘፍስሱ ስፖንሰራት እናገበረ እንተብዕሎ ግን “እንድሕር ዘይትስዕሮም ተሓወሶም” ብዝብል ሕጊ መሠረት ምምሕዳር ኣምሓራ እውን ንኣሸንዳ ከኽብር ጀሚሩ። ብዩኔስኮ ንኣሸንዳ ንምምዝጋብ ፃዕሪ ኣብ ዝጅመረሉ እዋን ናብ ናይ ባህሊ ቅርምት ኣቲዮም።
ትማሊ ጋሻ ክስተት ኮይንዎም ብኣግርሞት ይሪእይዎ ከምዘይነበሩ፣ ትማሊ ንኣሸንዳ ኣከባብራ ትግራይ ከንጓጥጡን ከነኣእሱን ይፅዕሩ ከምዘይነበሩ ሎሚ ተገልቢጦም ወነንቲ ኣሸንዳ ንሶም ከምዝኾኑን ትግራይ ድማ ባህሎም ክትወርር ትፅዕር ከም ዘላ ጌሮም ክዛረቡ ምጅማሮም ናይ ሎም ዘበን ኣሸንዳ ፍሉይ ተጓንፎ ኔሩ። ገና ድማ በዚ ክሲ ኣትሪሮም ክቕፅሉሉ እዮም። መጀመርታ ምምሕዳር ኣምሓራ ከም ሰቖጣ ዘበሉ ኣብ ወሰን ትግራይ ዘለዉ ህዝብታት ተፀጊዑ ኔሩ ንኣሸንዳ ከብዕል ዝጀመረ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግን ሎሚ ነዚ ኣከባብራ ናብቲ ተኸቢርሉ ዘይፈልጥ ከተማ ባህር ዳር ወሲዱ ከብዕሎ እንትሙክር ዝተፈጥሩ ግርንቢጥ ነገራት ዝርስዖም የለን። ኣሸንዳ ምስ ነፃነት ኣዋልድ ዝተተሓሓዘ በዓል እምበር ናይ ኣወዳት ሰልፊ ኣይኮነን። ንዓመታ ከመሓይሽዎ ይኾኑ። ግዘ ከርእየና እዩ።
ካብዚ ሓፈሻዊ ነገራት ንውፃእ እሞ ናብ ናይ ግለይ ሪእቶ ንእተው። ኣሸንዳ ብዝመፀ ቁፅሪ፤ ናይ መጀመርታ ኣደዳ ኣሸንዳ ዝኾነን “ቆልዓ ኣሸንዳ ሪእኻ ኣይትተሓፀ” ዝብል ምሰላ ክፍልፍል ዝተገበረ ወዲ ከምዝበሎ፤ ቆናጁ ኣዋልድ ፎቶ እናተመረፀ ኣብ ፌስቡክ ብብዙሕ ሰብ ይልጠፍ እዩ። ቁንጅነአን ዝፀልእ የለን፤ ኣነ ግን ብግለይ ክሳብ ሎሚ ብፌስቡክ ይኹን ብኻሊእ ኣሸንዳ መፂኣ ኢለ ናይ ቆንጆ ጓል ፎቶ ለጢፈ ኣይፈልጥን፤ እናለጠፉ እንትርኢ እውን ኣይምቸወኒን። ምኽንያቱ ብደንቢ ኣይተገለፀለይን ወይ ክገልፆ ኣይከኣልኩን ግን ኣይምችወንን። ኣምኮተ ፅባቐ ኣፅሊእኒ ዶ ይኾን? መቸም ነዘን ፎቶታት ቆናጁ ባህላዊ ክዳን ጌረንን ተቖኒነንን ምርኣይ ዘይፎቱ የለን፤ ኣነ ምስሊታተን ንምንታይ ምክፋል ከምዘሰክፈኒ ኣይፈልጦን።
ቀደም ኣሸንዳ ዝወፃ ቆልዑት ኔረን፤ ሎሚ ዓበይቲ እውን እንትብላ ይረኣያ እየን፤ ኣብ ገጠር ኣይፈልጥን ኣብ ከተማ ዝራእኽዎ እዩ። እዚ እውን ኣይተመቸወንን።
ሎሚ ዓመት ኣብ ዕለት ኣሸንዳ ኣማሽየ ክዳረር እንትወፅእ፤ ከተማ መቐለ ናይ ሓበሻ ባህላዊ ክዳን ዝገበራ ኣዋልድ “ከም ማይ ነሓሰ” ዣሕ ዣሕ ኢለን ፈሲሰን እንትሪአን ፍሉይ ታሕጓስ ተሰሚዑኒ። ብህይወተይ ክንድዙይ ቁፅሪ ዘለወን ኣዋልድ ሓበሻ ክዳንና ተኸዲነን፣ ተቖኒነን ኣብ ሓደ ቦታ ሪአ ኣይፈልጥን። ኣነ ዝገርመኒ እቲ ሚስጥር ፅባቐአን እዩ። ንእትፈልጣ ቆልዓ እንተትርኢ ኣይትፈልያን። ቀያሕ የላ ፀላም፣ ሓፃር የላ ነዋሕ፣ ቀጣን የላ ረጓድ ተቖኒነን ሓበሻ ክዳን ጌረን እቲ ከተማ ዘልመደና ምስሉ ሙሉ ንሙሉእ ቀዪረነኦ።
ነዚአን ትርኢ እንተለኻ ኮብል ስቶን መንገዲ የሸራትትካ፣ ይዓንቅፍካ፣ ይኮርኩሐካ ኣይፍለጠካን። ነዚአን ትርኢ እቲ ምውራዱን ምድያቡን ዓብዪ ሥራሕ ዝኾነ መንገዲ እግረኛ መቐለ ሃንደበት ለማፅ ምችው ዝኾነ ይመስል መዓስ ከምትድይቦን ከምትወርዶን ኣይፍለጠካን። ነዚአን ትርኢ እቲ ፀቢብ መንገዲ እግረኛ ብምፅባቡን ሰባት ክተሓላለፉ ጠጠው መጠው ስለዝበዝሕ “ምፅባቡ ንሎሚ ጠቐመ” የብለካ። ጠጠው ኢልካ ክትሪአን ግን ፅቡቕ ኣይኮነን። ልክዕ ንመጀመርታ ግዘ ብመኪና ዝኸድ ሰብ ከብዱ ከምዝላወሶ ነዚአን ንመጀመርታ ግዘ ከምዚ በዚሐን ውር ውር እንትብላ ኩለን ክሪአን እንተይልካ ርእስኻ ከስሕታኻ ይኽእላ እየን።
ብሳይንስ ናይ ጊዜ ጉዕዞ (Time Travel) ዝበሃል ንድፈ ሓሳብ ኣሎ። ጉዕዞኻ ንቦታ ጥራሕ ዘይኮነ ዝሽፍንስ ብመስኮት ግዜ ጌርካ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ምምልላስ ምኽኣል ዝሓልም ንድፈ ሓሳብ እዩ። እዘን ኩለን ኣዋልድ ከምዚ ኮይነን እንትሪአን ብጉዕዞ ግዘ ንድሕሪት ተመሊሰ ናብ ኣክሱማዊት ስልጣነ ዝዓረፍኩ መሲሉኒ ኔሩ። ኣብ ጥንቲ ግዘ ህዝብና ዕለታዊ ህይወቱ ከምዚ ኮይኑ እንትመርሕ ንምርኣይ ዝተዓደምካ ይመስለካ። ብዘይ ክፍሊት በፃሒ ዓዲ ኮይነ፣ ጉዕዞ ግዘ መግበሪ መሣርሒ ከይተምሃዘ ሽሕ፣ ክልተ ሽሕ ዓመታት ንድሕሪት ተጓዒዘ ንስልጣነ ኣክሱም ዝጉብንይ ዘለኹ መሲሉ ተሰሚዕኒ።
ዝረኣይዎ “ኩሉ ፅቡቕ ነገር ግን መወዳእታ ኣለዎ” ከምዝብልዎ ኮይኑ ደሓር ተደሪርካ ናብ እንዳ መስተ ቅልቅል እንተይልካ ወይ ብእንዳ መስተ ገፅ እንተሓሊፍካ እዘን ሃሴት ክትሰርሕ ዝገበራኻን ፃዕዳ ክዳነን ጌረን፤ ንፁህ ኔሩ ናብ ኢልካ እትግምቶ ዘመን ንድሕሪት ተመኒኻ ብሓሳብ ክትጥሕለሉ ዝገበራኻ ኣዋልድ፤ ክቢ ሠሪሐን ቢራ እንትሰትያ፣ ኣብ ካሊእ ከዓ እንትስዕሰዓ ትሪአን። ሓበሻ ቀሚሽ ጌረን በቲ ናይ ምሸት ቀይሕ መብራሕ እንትጭፍራ እንትሪአን ቀጥታ ካፍቲ ዝነበርክዋ ናይ ሕልሚ ዓለም መሊስኒ። “ኣይ እተን ናይ ትማሊ ኣዋልድ እኮ እየን፣ እተን ጅንስ ዝገብራ፣ እተን ሸለፈን ዘርአያኻ” ኢለ ሓሲበ ውሽጠይ ስብር ይብል። ዕሽነት ድዩ? 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።