Skip to main content

ሽማግለ ኣብ ድልድል

አርነስት ሄሚንግወይ

ናይ ብረት መሕቖፊ ዘለዎ መነፅር ዝገበረን ሓመድ ዝሰተየ ኽዳን ዘለዎ ሽማግለ ኣብ ጎኒ መንገዲ ኮፍ ኢሉ ኔሩ። ነቲ ሩባ ዘሳግር ኣብ ማይ ዝንሳፈፍ ድልድል ኔሩ፣ ጋሪታት፣ መኪናታትን ሰብኡት፣ ኣንሽትን ህፃውንቲን ይሓልፉሉ ኔሮም። በቕሊ ዝጉትትወን ጋሪታት ካፍቲ ድልድል ቐፂሉ ናብ ዘሎ ፀዳፍ ዓቐበት ሰንከልከል እናበላ፣ እቶም ወተሃደራት ነቲ ተሽከርካሪ እግረን ዝሓዘ ግዳም ብምድፋእ እናሓገዝወን፣ ይድይባ ኔረን። እተን መኻይን ነቲ ሓመድ እናድቀቓ ኩሉ ድሕሪት ገዲፈን ይኸዳ ኔረን፣ እቶም ሓረስቶት እውን ክሳብ ዓንካር-ዓንካሪቶም ሓመድ ተውሒጦም ምስኦም የዝግሙ ኔሮም። ካብዚ ምቕፃል ደኺምዎ ኔሩ።


ኣነ ነቲ ድልድል ምስጋርን ካብኡ ሓሊፍካ ዘሎ ዱፋዕ ምርኣይን ገስጋስ ፀላኢ እንታይ ከምዝመስል ምዕዛብን ኔሩ ጉዳየይ። ሕዚ ዝተረፉ ብዙሕ ጋሪታት የለዉን፣ ብእግሮም ዝጓዓዙ ዘለዉ ሰባት እውን ሒደት እዮም፣ እቲ ሽማግለ ግን ኣይተንቀሳቐሰን ዘሎ።

“ካበይ ኢኻ መፂእኻ?” ኢለ ሓቲተዮ።

“ካብ ሳን ካርሎስ” ኢሉ ፍሽኽ በለ።

ዝተወለደሉ ከተምኡ ስለዝነበረ ሽሙ እንትፅውዖ የሕጉሶ እዩ፣ ስለዝኾነ ድማ ፍሽኽ ኣቢልዎ።

“እንስሳት ይሕብሕብ ኔረ” ኢሉ መብርሂ ወሰኸ።

“ኦ” ኢለዩ፣ ብዝግባእ ከይተረደአኒ።

“እወ” ኢሉ ቀፂሉ፣ “ረእኻ ነቶም እንስሳት እናሓብሐብኩ እየ ፀኒሐ። ንሳን ካርሎስ ከተማ ገዲፍዋ ዝወፀ ናይ መወዳእታ ሰብ እየ።”

ጓሳ ኣባጊዕ ወይ እውን ጓሳ ከብቲ ዘምስሎ ነገር የለን፣ ፀለምቲ ሓመድ ዝተዓበጡ ኽዳውንቱን ሓሙኽሽታይ ሓመድ ተሸፈነ ገፁን በዓል ብረት መእሰሪ ዘለዎ መነፅሩን ሪአ ከምዚ በልክዎ፣ “እንታይ ዓይነት እንስሳት እዮም ኔሮም?”

“ዝተፈላለዩ እንስሳት” ኢሉ ርእሱ ነቕነቐ። “ገዲፈዮም ክመፅእ ኔርኒ።”

ናብቲ ድልድልን ናብቲ እቲ ሃገረ ኣፍሪካ ዝመስል ዓዲ ኤብሮ ደልታን እናጠመትኩ ፀላኢ ንምርኣይ ክንደየናይ ግዘ ከምዝተረፈና ይሓስቦ ኔረ፣ ብኡʼውን ፈላማይ ርክብ ንዝበሃል ሚስጥራዊ ክስተት ዝጥቁሙ ምልክት ዝኾኑ ድምፅታት ይሰምዕ ኔረ፣ እቲ ሽማግለ ኮፍ ካብ ዝበላ ኣይተንቀሳቐሰን።

“እንታይ ዓይነት እንስሳት እዮም ኔሮም?” ኢለ ሓቲተዮ።

“ብሓባር ሰለስተ ኔሮም” ኢሉ ኣብረሀ። “ክልተ ኣጣልን ሓንቲ ድሙን ካኡ ድማ ኣርባዕተ ርግቢት ኔሮም።”

“እሞ ክትገድፎም ኔሩካ?” ኢለ ሓቲተዮ።

“እወ። ብሰንኪ እቲ ከቢድ ብረት እዩ። እቲ ካፒተይን ብሰንኪ እቲ ከቢድ ብረት ክኸድ ከምዘለኒ ነጊርኒ።”

“ምንም ቤተሰብ የብልካን?” ኢለ ሓቲተዮ፣ ናብቲ ማዕዶ ጫፍ ድልድል እናረኣኹ፣ መወዳእታ ዝተረፋ ቁሩብ ጋሪታት ናብቲ ገምገም ሩባ እናቐልጠፋ ይወርዳ ኔረን።

“የብለይን” ኢሉ፣ “እቶም ዝጠቐስክዎም እንስሳታት ጥራሕ እዮም ኔሮምኒ። እታ ድሙ፣ ያው፣ ምንም ኣይትኸውንን። ድሙ ንዓርሳ ምሕላው ትፈልጠሉ እያ፣ እቶም ካልኦት ግን እንታይ ከምዘጓንፎም ኣይፈልጥን።”

“ፖለቲካኻ እንታይ እዩ?” ኢለ ሓቲተዮ።

“ፖለቲካ የብለይን” ኢሉ። “ሰብዓን ሽዱሽተን ዓመተይ እዩ። እስካብ ሕዚ ዓሰርተ ክልተ ኪሎ ሜትር ተጓዒዘ መፂአ ኣለኹ፣ ሕዚ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ክኸድ ዝኽእል ኣይመስለንን።”

“እዚ ቦታ ጠጠው ንምባል ፅቡቕ ኣይኮነን” ኢለዮ። “እንተኽኢልካዮ ልዕል ኢልካ ናብ ቶርቶሳ ኣብ ዝግንፀለሉ መንገዲ መኻይን ኣለዋ።”

“ቁሩብ ክፅበ እየ ካብኡ ክኸድ እየ” ኢሉ። “ናበይ እዮም እቶም መኻይን ዝኸዱ?”

“ናብ ባርሴሎና” ኢለ ነጊረዮ።

“ብኡ ኣንፈት ዝፈልጦ ሰብ የብለይን” ኢሉ፣ “ግን ብጣዕሚ የቐንየለይ። እንደገና ብጣዕሚ የቐንየለይ።”

ድኽም ኢልዎ ባዶ ኮይኑ ሪእኒ፣ ካብኡ ሓሳቡ ከካፍል ስለዘለዎ ከምዚ በለኒ፣ “እታ ድሙ ምንም ከምዘይትኸውን ርግፀኛ እየ። ብዛዕባ እታ ድሙ ምጭናቕ ኣየድልይን። እቶም ካልኦት ግን። እንታይ ትሓስብ ብዛዕባ እቶም ካልኦት?” 

“እንታይ ከይኾኑ ኩሎም ደሓን ክኾኑ እዮም።”

“ከምኡዶ ይመስለካ?”

“ንምንታይ ዘይኾኑ” ኢለዮ፣ ናብቲ ማዕዶ ገምገም ሩባ እየ ዝርኢ ኔረ፣ ሕዚ ዝተረፈ ዋላ ሓንቲ ጋሪ ኣይነበረትን።

“ግን ኣብ ትሕቲ ቶኽሲ ከቢድ ብረት ኮይኖም እንታይ ክገብሩ እዮም፣ ኣነ ንዓርሰይ ብሰንኪ ከቢድ ብረት ውፃእ ተባሂለ እናሃለኹ?”

“ናይተን ርግቢት ገዛ ቁልፊ ክፍቲዶ ገዲፍካዮ?” ኢለ ሓቲተዮ።

“እወ።”

“ከምኡ እንተኾይኑ ደኣ ክበራ እየን።”

“እወ ርግፅ እዩ ክበራ እየን። ግን እቶም ካልኦትኸ። ብዛዕባ እቶም ካልኦትስ ዘይምሕሳብ ይሕሽ” ኢሉ።

“ዕረፍቲ እንተኣኺልካ ክኸድ ድሉዊ እየ” ኢለ ደፋፊአዮ። “ተልዓል እሞ ሕዚ ክትረማመድ ሞክር። “

“የቐንየለይ” ኢሉ ተላዒሉ ናብዚ ናብቲ ወልገድገድ ኢሉ ናብ ድሕሪቱ ኣፍቲ ሓመድ ኮፍ ኢሉ። 

“ነቶም እንስሳት እየ ዝሕብሕብ ኔረ” ኢሉ ብድንዙዙ ኮይኑ፣ ነዓይ ግን ኣይነበረን ዝዛረብ ዝነበረ። “ነቶም እንስሳት እንድየ ዝሕብሕብ ኔረ።”

ምንም ክገብረሉ ዝኽእሎ ነገር ኣይነበረን። ናይ ፋሲካ ሰንበት እዩ ዝነበረ፣ እቶም ፋሺስት ድማ ናብ ኢብሮ እናገስገሱ እዮም። ሓምኹሽታይ ዕለት ኮይኑ ደመና ትሕት ዝበለሉ እዩ ኔሩ፣ በዚ ምኽንያት ነፈርቶም ኣይተልዓላን ኔረን። እዚን ደማሙ ንዓርሰን ምሕላው ዝፈልጣ ምዃነንን ጥራሕ ኔሩ እቲ ሽማግለ ክረኽቦ ዝከኣሎ ሰናይ ዕድላቱ።
***

(Old Man at the Bridge, Ernest Hemingway.)
©2010/2018 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።