Skip to main content

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (6)

6. ዓሰርተ ሽዱሽተ
ግደይ ገብረኪዳን

ዓሰርተ ሽዱሽተ፤ ቀትሪ፤ ትኽክለኛ ስርዓት ካፒታሊዝም ዝገንሓ፤  ንዝተፈላለዩ ሸቀልቲን ኣሸቀልቲን፣ ዓደግቲን ነገድቲን ኣዳም ስሚዝ ዝገለፆ ዘይረአ ኢድ እንተራኽቦም እትዕዘበሉ ቦታ፤ ለይቲ፤ ትኽክለኛ ናይ ሲግመንድ ፍሮይድ ወሲባዊ ንድፈ ሓሳብ ስነ ልቦና ዝገንሓ፤ ድሕሪ ኩሉ ንጥፈታት ወዲ ሰብ ስጋዊ ርክብ ኣሎ ዝበለሉ ምኽንያት እትርደአሉ ቦታ። ዓሰርተ ሹዱሽተ ዘይዝረብ፣ እንትሕሰብ ዘሕፍር ስጋዊ ጉያ ዝዓሰሎ ቦታ። ንዝፈለጠሉ ሰብዓ ደናግል ኣለዋሉያ ከም ዝተብሃለሉ ቦታ ክኸውን ዝኽእል። ንዘይፈለጠሉ ገንዘቡ እናረኣየ ዝናገፈሉ ቦታ።
ንመጀመርታ ግዘ ንዓሰርተ ሹዱሽተ ዝራእኽዋ ቀትሪ እዩ ኔሩ። ሻሂ ቡን እትብለሉ ዓሰርተ ቕርሺ ንቡን ከፊልካ ሓሙሽተ ቕርሺ ማልስ እንትመፀካ “ኣየድልየኒን ሓዝዮ” እንትትብል “እዋይ እንታይ ጌርካ? ኣይተሰክፈና እንዶ ሓዞ” ትበሃለሉ ቦታ እያ።
ምሸት እንትኾን ግና ሰማንያን ሓሙሽተን ሚእታዊ ክፍሊ ሰብነተን ዘርእያ፣ “ድራር እባ ጋብዘኒ” ዝብላ፣ በይንኻ ክትሰቲ ኮፍ እንትትብል ዝኣዘዝካየን ኣምፂአን ኣብ ጥቓኻ ኮፍ ኢለን “ተፃወት እባ” ዝብላ፣ ፍሽኽ እናበላ ምስ ኣተኣናገዳኻ ሰብነተን ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ ከምዝኾነ ፀኒሐን ዘፍልጣኻ ወዘተ. ኣተኣናገድቲ ዘለወኦ ቦታ ኮይኑ ትረኽቦ።
መብዛሕቲአን ኣተኣናገድቲ መናእሰያትን ካብ 15 ክሳብ 25 ክልል ዕድመ ዝርከባን እየን። ካብዚ ዝሓልፋ፣ ዘይሓልፋ፣ ዝወለዳ፣ “ድንግል እየ” ዝብላ፣ ዕላል ዝፈልጣ፣ ኣብ ጥቓኻ ባዕለን ኮፍ እንትብላ ሓሲብካ ክተፃውተን ኢልካ እንተዛረብካየን “እንታይ ደኣ ናይ ፖሊስ ምርመራ መሲሉ ሕቶ ኣብዚሕኻ” ዝብላኻ፣ ብፀወትአን ስሒበን ዘይሓሰብካዮ ወይኒ ክትጋብዘን ዝገብራ እውን ኣለዋ። ካብ ኣተኣናገድቲ ብላዕሊ ከዓ ወነንቲ እቲ እንዳ መሸታ ዝኾና እውን ኣለዋ። ናይዚአን ፈተና ንዝመፅወን ዝተፈላለዩ ዓማዊል ብሓደ ግዘ ንኹሎም ምፅዋት ምኽኣል እዩ። መብዛሕቲአን ኣብዚ ሰነፋት እየን። ባዕለን ፀወተአን ዘልመደኦ ዓሚለን እንትመፅእ ንዕዑ ኮፍ ኣቢለን ምስ ሓደ ጥራሕ ክፃወታ የምሽያ። ኣብ “ምኹሕዃሕ ዘይፍለየሉ ማዕፆ” ከም ዘለዋ እምበይተይ ሮማን ከምዝበሃላ ኮማሪት እዚአን እውን ይኽበራ እየን። እምበይተይ ሮማንስ ዓበይቲ ዝበሃሉ ናብ ገዝአን እንትመፁ ምስኦም ኮፍ ይብላ እየን፤ ዝህከይ እውን ኣይህልውን። ምስ ዓበይቲ እየንያ። ሎሚ ግን ብባህሊ ዓብዪ ዝበሃል ሰብ የለን። ገንዘብ ዘፍስስ ኩሉ ማዕረ እዩ። ነተን መሸትቲ ግና ብዙሕ ዘፍስስ እዩ ዓብዪ። ስለዚ ገንዘብ ዘፍስሱ ተኸታቲሎም እንተመፂኦም ናይ ሎሚ መሸትቲ ኣንስትዮ ካብዚ ናብቲ፣ ካብቲ ናብዚ ንጥር እናበላ ከተኣናግዳ ይግደዳ። ኣብዘይኽእላሉ ግዘ ዝፍጠር ነገር ኮፍ ኢልካ ምዕዛብ የስሕቐኒ እዩ። ኮፍ ኢለ ዝዕዘብ ዓብዪአን ከምዘይኮንኩ ስለዝፈልጣ ኣቓልቦ ስለዘይገብራለይ እዩ።
መስተ ኣነ ዝፈልጦ ምስ ሰብ እንተደኣ ዘይኮነ በይንኻ ኮፍ ኢልካ ምስታይ እዩ። ኣብ መቐለ ከምዚ ዝበሃል የለን። ገና ናብቲ ገዛ እንትትኣትው ወይ ኮፍ እንትትብል ኣተኣናጋዲት መፂኣ ክትጭብጠካ ኢዳ እናዘርገሐት ሰላምታ ትህበካ። ኣነ ዝለመድክዎ “እንታይ ክእዘዝ” እንትበሃል ጥራሕ እዩ። ሰላምታ ሂበን ትእዛዝ ይወስዳ እሞ ምስ ኣምፅኦኦ ከፊተን ኣይኸዳን፤ ተጋቢኖ ኣዚዝና ምፅባሕ ኣብዘይንሕገዘሉ ግዘ ነቲ ቢራ ከፊተን ይቐድሓልካ። መጀመርታ ግን ዘደንግፅ ነገር ይገብራ እየን። ነቲ ብርጭቆ ቢራ ጠብ ኣቢለን የለቕልቐኦ። ዋይ ቢራ እንታይ ገበረ ዝልቕለቐሉ? ደሓር ምስ ፈለጥክወን፤ “ኣይሕፀብን ድዩ ብርጭቆ?” “ይሕፀብ እባ።” “እሞ ቢራ እንታይ ገበረ፤ ኣይትድፍእዮ።” “ኣይ ሰብ ደስ ስለዘይብሎ እዩ።” ክንበሃሃል ጀሚርና። ኣብ 16 ዘሎ እንክብካበ ዓሚል ፍሉይ እዩ፤ መንግስቲ ንዓሳርተ ሽዱሽተ ኣይንከባኸባን እምበር። 16 ዝተነፅፈ መንገዲ ኮብል እስቶን መፋሰሲ ኣይተቐበረሉን። ዝናብ እንትዘንብ ውሕጅ ኣብ መንገዲ ይስጣሕ። ነተን ኣብ እግረኛ መንገዲ ፅላል ዝገብራ ከዓ ይብንቅሩለን። ሰብ ኮፍ ከይብል። ናይማን ናይ መኪና ምጭንናቕ ሃሊዩ እኮ ኣይኮነን። ናይ ቁፅፅር ሕማም እዩ። ዓሰርተ ሽዱሽተ ንመስተ ከይድካ ናይዚአን ፀወታ እዩ እስካብ ዝህከየካ መሊሱ ዝፅወዐካ።        
ለመንቲ 16 እዮም ዝገርሙኒ፤ ምሸት ሰብ ድኽነት ክርስዕ፣ ምስ ቆንጆ ከዕልል፣ ክስዕስዕ … እናረኣይዎስ ይልምንዎ። ኣነ ምሸት ምድሪ ለመንቲ ኣብ እንዳ መሸታ እንትርኢ ኣይወሓጠለይን። ዝኾነ ሓቢሮም ዘይኸዱ ነገራት እዮም ዝመስሉኒ። ኣነ ግራ ኮይነ ይኾን፤ እቲ ሰብ ግን ምንም ኣይመስሎን ግዲ ይቶኽበሎም፣ ካሊእ እውን ይተሓባበሮም እዩ። 16 ቀትሪ ካብቲ ናይ መዘናግዒ፣ ሻሂን ቡናን መሸጣ ወፃኢ፤ ስታሊን ንነፃነት ካብ ምድረ ሩሲያ ፀራሪጉ ንምውዳእ ነቒሑ ይሠርሕ ከምዝነበሮ፤ ኣብ 16 እውን ዘይተፀረገት ሳእኒ ከይትወፅእ ዝተብሃለ ይመስል ሊስትሮታት ብንጥፈት እዮም ረሳሕ ሳእኒ ዝከታተሉ። ናብ መቐለ ግን ትሑት ደረጃ ዘለዎ ናይ ሳእኒ ክሬም ተምፅእ ኢድካ ይሰበር፤ ጫማይ ብዝሓተቱኒ ቁፅሪ እናፅረግኩዋ ተበጣጢሳ። ምሸት ከዓ ዝበሰለ እንቁላሊሕ፣ ጥረምረ፣ ብቁልቲ፣ ሲጋራን ማስቲካን… እናዞሩ ዝሸጡ ህፃናትን መናእሰይን ይትክእዎም። ከምኦም ዘተሓሳስብ ነገር የለን። ነፍሲ ከይፈለጡ ስኽራን፣ ዕግርግር፣ ወልፊ፣ ዕጥራን እናረኣዩ ህይወቶም ክዕንግሉ ተፈሪድዎም እንታይ ከምዝወፆም ዕንድዒ…።
ዓሰርተ ሽዱሽተ ካፍቲ መስተ ናይተን ኣተኣናገድቲ/ በዓል ዋናታት/ መሸትቲ ኣዋልድ ጨዋታ እዩ ወልፊ ክኾነኒ ዝጀመረ። ነዚ ይፈልጠኦ እየን። ሰብ ዘፃውታ እውን ንዕዑ እንድዩ። ዘይሓሰብካዮ፣ ናይ ፈጠራ ክኸውን ዘይክእል፣ ዝበፅሐን ከበድቲ ናይ ህይወተን ፈተናታት ደርጓዕ የብላልካ። ብቢራ ክትሰክር ከይድካ ብድንጋፀ ትሰክር፤ ከማይ ረቒቕ ቆርበቱ እንተኾይንካ። መብዛሕቲአን ቆልዑት ዝኾና ትምህርተን ዘቋረፃ እየን። ካብ ገጠር ጠፊአን ይመፃ እሞ 16 ይቑፀራ። ካብ ዓስራይ ዝሓልፍ የብለንን። ግን ድማ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ዘቋረፃ፣ ከፊለን ኣብ ኮሌጃት ዝመሃራን ኣብ ካሊእ ንጥፈታት ዝሳተፋን ኣዋልድ ምሸት 16 እናሰርሓ ክትረክብ ትኽእል።
ኮፍ ኢልካ እናሰተኻ መፂአን “እስኪ…” ይብላኻ እሞ ስልክኻ ተቐቢለን ጉርጉር የብለኣ። ዋይ! መንግስቲ ድዩ ልኢኽዋ? ንሰን እውን እናዋጋዓኻ ስልከን ተሒዘን ዘለወን ፎቶታት የርእያኻ እየን።
ብጉያ ክለብ ሒዝዋ ኣዲስ ኣበባ ትስልጥን ዝነበረት፤ ፅቡቕ ሰዓት ዝነበራ፤ ሓዋ “ዓዲ ዓረብ ክሰደኪ እየ፣” “ኣይኸይድን” ብዝብል ናይ ኣዲስ ኣበባ ፃኒሕታ ኣበላሺይላ ካብ ትምህርታ ካብ ስፖርታ ዘይኮነት ተሪፋ ዘተኣናገደትኒ ኣላ። ቀትሪ ትመሃር ምዃና ምስ ፈለጥኩ እዩ ሓዘነይ/ ሕርቃነይ ዝቐነሰለይ።
እዚኣ ከዓ መጀመሪያ ዕለት እንትተኣናግደኒ እቲ ገዛ በይንና ኔርናሉ። ገፊሕ ክለብ እዩ። እናሰተየት ኔረ ዝበፃሕኹ። ነዓይ እንትኣዝዝ ንዓርሳ እውን ክተምፅእ ነጊረያ። እናሰተየት እናደነሰት እንትሪኣን እንትትፅገዓኒ ኣብ ሰብነተይ ስልጣን ከምዘለዋን ቅርፂ ስረይ ምቕይያር ከም እትኽእል ፈሊጣ፤ ተገሪማትሉ ኣብ ቁፅፅራ ዝገበረትኒ ኔራ። ኣብ ቅድመይ ኮይና ትድንስ፣ ትሪአኒ እሞ ዝቐየረቶ ቅርፀይ ናብ ንቡሩ እንትምለስ ጥብቕ ትብለኒ እሞ መሊሳ ትቕይሮ። ርሕቕ ኢላ ትሪኦ። ኣባይ ዘለዋ ስልጣን ኣግሪሙላ ኔሩ። ቆንጆ ነዋሕ እያ። ናይ ማእገራ ስፍሓት ኣግሪምለይ ኔሩ። ተኽለ ሰብነታ ናይ ስፖርተኛ እዩ ዝመስል። ብፅባሒትኡ ናብታ ክለብ እንትምለስ ከምትማሊ በይና ኣይነበረትን፤ ሰባት ኔሮም። ዳንሳ ኣይጠዓምክዎን ወግዓ ሰሚዐ ስልካ ሪአ ክዓግብ ኔርኒ። ደሓር ቦክሰኛ ከምዝኾነት ፈሊጠ። ኣብ ቦክሲ ውድድር ሰባት እናጎሰጠት ዘርእዩ ፎቶታታ ብስልካ ኣሪኣትኒ። ደንጊፀ፤ ትማሊ እዚ እንተዝፈልጥ ስረይ ቅርፁ ኣይምቐየረላን። ምስ ኣወዳት እምበር ምስ ኣጓላት ከምዘይትበኣስ ነጊራትኒ። ካብ ፌስቡክ ኣብ ስልካ ዘትረፈቶም ምስሊታት ተሪአኒ ኔራ። “ተፈቃሪ ዶ ወይስ ኣፍቃሪ ዝበለፀ ንፍቕሪ ይርዳእ?” ዝብል ኣሪኣትኒ። እንታይ ተሰሚዕዋ ነዛ ጥቕሲ ክትፈትዋ ከምዝኸኣለት እናገረመኒ በኣይ ርድኢት ኣፍቃሪ ከምዝበልፅ ከረድኣ ሞኪረ። ተሰማሚዓትሉ።
መሻቲት በዓል ዋና እንዳ መስተ ምስ ሓፍታ ኮይና እናሠርሐት ክትረክብ ትኽእል። ሓፍታ ቆንጆ እንተኾይና ዓሚል ክመፀላ ትገብረላ፣ ትኽክለኛ ገንዘብ ምኽፋል ዝኽእል ተኾይኑ ይወፃ…።
ኣብ ደገ ኣብ ትሕቲ ብርሃን ወርሒ ኮፍ ኢልካ እንትትሰቲ ሓንቲ ቆንጆ ኣብቲ ዘለኻሉ ከባቢ ኮፍ ኢላ ተፀጊዕኻያ ወግዒ ትጅምራ። ከመይ ዝበለት ጓል እያ በይና ትዝናነ ዘላ ኢልካ ክትዓርካ እዩ። ብመኸራ ክትስሕቕ ምስ ገበርካያ ጋቢዝካ ፀወታ ዝወዳእኹም እንትመስለካ ከፏንየኪ ወይ ኣፋንውኒ እንትትብላ ክንድዙይ እንተሒዝካ ትብለካ። “በሊ ዳሕና ሕደሪ ከምኡ እንተዝኸውን ዶ ኣብዚ ምፀናሕኹኺ…” ትብል ብልብኻ። ንሳ እውን ብልባ “ከምኡ እንተዘይኸውን ዶ ኣብዚ ምረኸብካኒ?” እንትትብል ይፍለጠካ።
ኣብ ክለባት መልክዐን ዝገርም መሻቶ ትሪኢ። እዚአን ዝመስላ ቆናጁስ ካሊእ ስራሕ እንዶ ኣይምሞከራን ኢልካ ትሓስብ እሞ እስካብ ክልተ ሽሕ ብር እናተኸፈለን ከምዝወፃ ትሰምዕ። እንታይ ዝገበረ ገንዘብ እዩ? ብቢራ ዝቃፀሎ ከይኣኽሎስ…። 16 እንዳ መሸታ ስለዝኾነት ኣይኮነትን ብስጋዊ ስምዒት ትግናሕ፤ ስጋዊ ስምዒት እዩ ን16 እንዳ መሸታ ዝገበራ። “ቀጠና ቀይሕ መብራህቲ” ዘይብላ ከተማ የላንያ…።
ቀትሪ ዝሰትዩ እዮም ዝገርሙኒ። እዚኦም መስተ ብቐሊሉ ዘየስክሮም እዮም ዝኾኑ። ዶስቶየቭስኪ ሓረስቶት ሩሲያ ንቮድካ ዘርእይዎ ዘለዉ ፍቕሪ እንትገልፆ፦ መጀመርታ ካብ ተወፋርነት (ጭሰኝነት) ነፃ እንትወፁ ብታሕጓስ ጀሚሮምዎ ይሰትዩን ይሰኽሩን ኔሮም ደሓር ግና ካብ ሕማቕ ልማድ ሰካራማት ኮይኖም ተሪፎም ይብሎም። ናትና እውን እታ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ እንትትመፅእ መናእሰይ ጁበኦም ክትሓብጥ ምስ ጀመረት መጀመሪያ ብታሕጓስ ምስታይ ጀሚሮማ፤ ሕዚ ግን ሕማቕ ልምዲ ዝኾነቶም ትመስለኒ። ከተማና እውን ካሊእ መዘናግዒን መንፈስ መሀደሲን ዘለዋ ኣይትመስልን። በዓል መፀ - መስተ፤ በዓል እንተርሒቑ ብዙሕ ዘይኽበር ዝነበረ ደሚቑ ክኽበር ይግበር፤ እንትደምቕ መስተ ኣሎ። ግንቦት ባሕቲ መቐለ ዓብዪ በዓል ኮይኑ እንትረኽቦ ብጣዕሚ እዩ ዝገረመኒ። ነዚ በዓል ኣብ ሥራሕ ኮይንካ እተብዕሎ ናይ ሠራሕተኛታት ናይ ተሃድሶ በዓል እዮም ዘምስልዎ። ድንኳናት በሮም መለስ ኢሉ ሠራሕተኛታት ተኣኻኺቦም ካሳ ቢራታት ኣቲዩ ደርፊ ዓው ኣቢሎም ከፊቶም እናሰተዩ ኣብ ሥርሖም የብዕልዎ። መጋቢት ስቕለትን ትንሳኤን ምስ ተኸብረ፤ ሚያዚያ በዓል ዝበሃል የለን፤ መዓልቲ ሸቀልቲን፣ መዓልቲ ሓርበኛታትን ኣለዉ፤ ግን ሰብ ነዚኦም ኣየብዕሎምን፤ ወርሒ ግንቦት እውን ብዘይ መንግስታዊ 20 ግንቦት ካሊእ በዓል የለን። ስለዚ ባሕቲ ግንቦት ክትደምቕ ኣለዋ። ፀወታ ኩዕሾ እንተሃሊዩ - መስተ ኣሎ።
እዚ ኣብ ዝፅሕፈሉ ግዘ ብኣጋጣሚ ተምሃራይ እናሃለኹ ዝተጠቀምኩላ ናይ ኢኮኖሚክስ መፅሓፍ (Jagdish Bhagwati, The Economics of Underdeveloped Countries) ኣልዒለ እንትሪኣ ምስ እዚ ዝተሓሓዝ ዓንቀፅ ኣንቢበ። እቲ ሓሳብ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ኣብ ዝጅምረሉ ግዘ ብዝህልዉ ኩነታት (ናይ ህይወት ለውጢን ፀቕጢን) ስዒቡ ካብ ገጠር ዝፈልሱ ሠራሕተኛታት ሰካራማት ከምዝኾኑ ናይ እንግሊዝን ሩሲያን ጅማሮ ኢንዳስትሪያላይዜሽን ልምዲ ጠቒሱ የረድእ። ሩሲያውያን ግን፤ ኣንበብቲ ዶስቶየቭስኪን ካልኦት ናይቲ ዘመን ደረስቲ ሩሲያ ኣንበብቲ ከምዝርድእዎ፤ ቅድም ኣቢሎም እውን ናይ ስኻር ልምዲ ከምዝነበሮም ምዕዛብ ይኽእል ይብል። ነዚ ብኣብነት እንተረድእ ሎሚ ሩሲያውያን እንትዛረቡ በቲ እዋን እቲ ጓልካ ክተመርዕው እንትትብል እቲ ሰብኣይ ጓልኻ ክኸውን ዝብል ዘሎ ሰብ ብዛዕባ ሰታዪነቱ ዘይኮነስ ዝሕተት እንትሰክር ከመይ ይገብሮ ተባሂሉ ኔሩ እዩ ዝሕተት ዝነበረ ይብሉ ይብል እዚ ፀሓፊ።
ጅማሮ ዕቤት ከተሜነትና ከምቶም ናይ እንግሊዝን ሩሲያን ሃፄታት ዘመን ዝኸፍአ ዝቕጠት ከይህልዎ ይኽእል። ኮይኑ ግና መዓት ማሕበራዊ ፀቕጢታት ኣለዉና። ዝኾነ ኮይኑ ዓሰርተ ሽዱሽተ ናይዛ ከተማ “ቀጠና ቀይሕ መብራህቲ” ኮይና ኣላ። ፍሩድ ዝበላ ስጋዊ ፍትወት ዝገንሐቶም፤ ግና ንፅህነኦም መሊኦም ዘይገደፉ፤ ዝፈጠርዋ ቀጠና። ህፃውንቲ ዝሽቅሉላ፣ ለመንቲ ምሸት ዝትኮበሎም፣ ዕርክነት ዝዕምብበላ፣ ብኣሽሓት ቕርሺ ኸፊሎም ከውፅእወን ሪጋ ዝሕዙላ፣ ገንዘብ ንስጋዊ ስምዒት ከገልግል፤ ስጋ ገንዘብ መርከቢ ክኸውን ዝዓሰሉላ፣ ዝገራጨው ንፅህናን ዝቕጠትን ብሓደ ዝረኣዩላ ቀጠና ቀይሕ መብራህቲ።

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።