Skip to main content

ኢኮኖሚያዊ ነፃነትን ገዛእቲ ደርብታትን (1ይ ክፋል)

ግደይ ገብረኪዳን
[ቅድሚ ክልተ ዓመታት፣ ህወሓት ኣብ ኣ.ኣ እናሃለወት ዝተውሃበ መተሓሳሰቢ።]
ብዛዕባ ኢኮኖሚያዊ ነፃነት ክትዛረብ እንትትደሊ ናይዚ ዓባይ ኣብነት ካብ ዝኾነት ሃገረ ኣሜሪካ ልምዲ ምጅማር ዘነቓቕሕ ይኸውን።

ኣሜሪካ
ናይ ኣሜሪካ ሕገ መንግስቲ ሪፐብሊካዊ እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ኣብቲ መእተዊኡ ከምዝገልፆ፡ ፍፁም ሕብረት ንምምስራት፣ ፍትሒ ንምዕሳል፣ ሃገራዊ ሰላም ንምውሓስ፣ ናይ ሓባር ምክልኻል ንምውናን፣ ሓፈሻዊ ውሕስነት መነባብሮ ንምርግጋፅን ፀጋታት ነፃነት ንምጥዕዓምን፣ ነዓዓቶምን ንመፃኢ ትውልዶምን እንትብሉ ነዚ ሕገ መንግስቲ ከምዘርቀቕዎ ይዛረቡ።
ኣብዚ ዋና ፀላኢኦም ነዚታት ከሕድጎም ዝኽእል ጎባጣይ፣ ሓያል መንግስቲ እዩ። እሞ እቲ ሕገ መንግስቶም ነቲ ስልጣን ኣብ ሰለስተ ኸፋፊሉ ፌደራላዊ ስርዓት ይዝርግሕ። ነቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ምርቃቕ ግዘ ዝነበረ ሓያል ክትዕ ተኸቲሉ ከዓ (ሕዚ እውን ዓብላላይ መንግስቲ መፂኡ መሰል ግለሰባት ከይጎብጥ እንትበሃል) ብዛዕባ መሰል ደቅ ሰባት ዝምልከት ንመጀመርታ ግዘ ዓሰርተ ነጥብታት ዘለዎ ምምሕያሻት ተጌርሉ። Bill of Rights (ኣዋጅ መሰላት) ተባሂሎም ይፍለጡ። እቶም ዝሓወስዎም ዓሰርተ ነጥብታት ድማ ብሙልኦም መንግስቲ ንህዝቢ ከይጎብጥ ዝዓግት ገደብ ስልጣን ዘስምሩ እዮም። ናይ ግለሰባዊ ነፃነትን መሰላትን ዘውሕሱ፣ ናይ መንግስቲ ስልጣን ዝግድቡን ብተወሳኺ ድማ ብግልፂ ንቤት ምኽሪ እታ ሃገር ዘይተውሃቡ ስልጣናት ናይ ህዝቢ ከምዝኾኑ ዝወሰኑ ኔሮም።
ካብቶም ዓሰርተ ነጥብታት እታ ናይ መጀመርታ ናይ ምንጋርን ሃይማኖትን ነፃነት ተውሕስ እያ ቀፂላ ዘላ ድማ ግለሰባት መሳርሒታት ክዕጠቑ መሰል ከምዘለዎም ትገልፅ፣ ቀፂሎም ከዓ ናይ መንግስቲ ወተሃደራት ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ብዘይ ፈቓድ ክሰፍሩ ከምዘይኽእሉ ተስፍር፣ ኣብ ሓምሻይ ዓንቀፅ ግለሰብ ብገበን ስለዝተጠርጠረ ኣግባብ ብዝኾነ ሕጋዊ መንገዲ ከይሓለፈ ህይወቱ፣ ነፃነቱን ግላዊ ንብረቱ ክዝመት ከምዘይብሉ ዋሕሲ ይህብ። ማለት እውን መንግስቲ ኣብ ናይ ግለሰባት ሃፍቲ ከምድላዩ ኢዱ ከእትው ኣይኽእልን።
መስረቲ ኣቦታት ኣሜሪካ እቶም ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ዓንቀፃት ሕጊን መመሓየሺ መሰላትን እንትሓውሱ ኣብ ርእሶም ሒዞምዎ ዝነበሩ ጨቋናይ ደርቢ ከይመፆም እዩ። ልዕሊ ሕጊ ዝኾነ ገዛኢኦም ዝነበረ ናይ ዓባይ ብሪታኒያ ንጉስ እናሓሰቡ ዘርቀቕዎ እዩ።
ናብ ዒስራ ክ/ዘበን ምስ መፁ ኣብ ግዘ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዜጋታት ኣሜሪካ ነፃነት ከውሕሱ ኣብ ዝቃለሱሉ ግዘ ፍራክሊን ሮዘቬልት ሓደ መደረ ንህዝቡ ኣብፂሑ። ኣሜሪካውያን ቀፂሎም ብዛዕባ ዝበልዕዎ ነገር ወይ ድማ መሕደሪ ይርከቡ ኣይርከቡ እንተደኣ ዝጭነቑ ኮይኖም ናይማን ነፃነቶም ኣውሒሶም ክበሃሉ ከምዘይኽእሉ ተዛሪቡ። “ጨቆንቲ (ምልካዊ) ገዛእቲ ካብ ዝጠመዩን ስራሕ ዝሰኣኑን ሰባት ዝተሃንፁ እዮም” በለ። ስለዝኾነ ድማ ካልኣይ መመሓየሺ መሰላት ደቅ ሰባት ብዝብል ኣዋጅ ኣንጊሩ ሰባት ናይ ስራሕ፣ መንበሪ ገዛ፣ ግልጋሎት ጥዕናን ውሕስና ዘለዎ ህይወትን ክነብሩ መሰሎም ኣረጋጊፅሎም። ኣብዚ እዚ መመሓየሺ እዚ ንጎባጣይ መንግሰቲ በሪ ኸፋታይ እዩ ዝብል ክትዕ ንኻሊእ ግዘ ንግደፎ እሞ ብዋናነት ኣብ ኣሜሪካ ግላዊ ንብረት ምውናንን ውሕስና ዘለዎ ህይወት ምንባር ሕገ መንግስታዊ መሰል ደቅ ሰባት ዝተገበረሉ ኣገባብን ምልካዊ ገዛእቲ ዝተፃብኡሉ መንገዲ ንሓዞ።

ናዚን ሶቭየት ሩሲያን
ካብ ዝራእናዮ ናይ ኣሜሪካ ሕገ መንግስታዊ ፍልስፍና ንርድኦ ምውናን ግላዊ ንብረት ከም ዋሕስ ነፃነትን ህይወትን ተገይሩ ከምዝውሰድ እዩ። ካብ ናይ ኣሜሪካ ብተፃራሪ ከዓ ናይ ናዚ ጀመርመንን ሶሻሊስታዊት ሩሲያ ወይ ካሊእ ሶሻሊስታውያን ሃገራት እንትንርኢ ምልካዊ ኣገዛዝኦኦም ንምውሓስ ንዜጋታቶም ግላዊ ንብረት ምውናን ወይ ከም ድላዮም ምእዛዝ መሰል እንትኸልእዎም ንዕዘብ።
ክልቲኦም፣ ፋሺስታውያን ኮኑ ሶሻሊስታውያን፣ መደባዊ ፍልልይ ዘይብሉ ማዕረ ዝኾነ ሕብረተሰብ ምፍጣር ዝብል እዩ ፖለቲካዊ ርእዮተ ዓለሞም ዝነበረ። እዚ ድማ ንነፃነት ቦታ ዝህብ ኣይነበረን። ንኹሉ ማዕረ ዕድል ከምዝረክብ ዘውሕስ ዘይኮነስ፣ ኩሉ ማዕረ ምዃኑ ዘረጋግፅ እዩ ኔሩ። ንኹሉ ማዕረ ዕድል ሂብካ ከከም ውሽጣዊ ተውህብኡን ስርሑን ክንዲ ዝፈቐዱሉ ንኽዓቢ ኣይፈቅድን። ብነፃነት ማዕረ ዕድል ዝህብ ዘይኮነስ ብባርነት ማዕረ ዝገብር። ናይዚ መርኣያ ኣብ ሶቭየት ሩሲያ ሃፋትም ሓረስቶት ብምጥፋእ እንትግለፅ ኣብ ናዚ ጀርመኒ ድማ ተምሃሮ ንኣፈላላያት ከምዝቃወሙ ንኸርእዩ ሰበ ስልጣን ናዚ ሓዊ ወሊዖም ተምሃሮ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ቆቢዓቶም ናብ ሓዊ ክድርብዩ ይገብርዎም ነይሮም።
ኣብ ሩሲያ መሰል ምውናን ንብረት ብምምንዛዕ፤ ኣብ ጀርመን ድማ ውሕስና ማሕበራዊ ረድኤት መንግስቲ ብምውናን መን ጥቕሚ ወይ ሓገዝ ክረክብ ከምዝኽእልን ከምዘይኽእልን ብምውሳን፤ ማሕበረሰብ ንምቁፅፃር ይጥቀሙሉ ኔሮም። ልክዕ ንትምህርቲ ብምቁፅፃር ሓድሽ ወለዶ ንምፍጣር ከምዝሞከርዎ፣ ኢኮኖሚያዊ ህይወት እውን ብምቁፅፃር ንህዝቢ ከምድላዮም ይጥምዝዝዎ።
በዚ መሰረት ነዚኦም ገዛእቲ ደርብታት ግለሰባዊ ነፃነት፣ መሰላትን ምፍራይን ምውናንን ንብረት ዘይኮነ ዘተሓሳሰቦም ዝነበረ፣ ነዓዓቶመ ጉዳዮም ዝነበረ ብሽም ማዕርነትን ምፍጣር ሓዱሽ ማሕበረሰብን ነቲ ግለሰብ ምግዳብ ወይ እውን ምቁፅፃር ምኽኣሎም ኔሩ። ኣብ ናዚ ጀርመኒ ዋላ ንብረት ናይ ምፍራይ መሰል እንተሃለወካ ብናይ መንግስቲ ፖሊሲ፣ ትእዛዝ ወይ ድማ መበረታትዒ ጨረታ ኣቢልካ ገንዘብካ በበይን ከመይን ከምተፍስሶ ትጓሰ።
ክልቲኦም ፋሺስታውያንን ሶሻሊሰታወያንን ኣንፃር ነፃ ዕዳጋ እዮም። ነዚ ከምቲ ዝብልዎ በዝባዛይ ስርዓት ካፒታሊዝምን መደብ ብርዥዋን ፀሊኦም ዘይኮነስ ነፃ ዕዳጋ ጭዋዳ ስልጣኖም ስለዝፃባእ እዩ። ስልጣኖም ድማ ብባርነት ማዕረ ዝኾኑ፣ እቶም ናይ ፓርቲኦም ፖለቲካዊ መራሐቲ ከዓ ሓደሽቲ በዝበዝቲ ደርብታት ዝኾኑሉ ሓዱሽ ዓለም ንምፍጣር ካፒታል ክቆፃፀሩ ስለዘለዎም እዩ።

ትግራይ
ትግራይ ግለሰባዊን ጉጅላዊን መሰል ዘይተውሓሰላ ምድሪ ብምንባራ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ከውሕስ ካብ ዘውዳዊ ስርዓት ጀሚሩ ብዘበነ ህይወቱ ክፈልጦም ዝፈቐደሉ መራሕቱ እናተኸተለ ካብ ምቅላስ ተሪፉ ኣይፈልጥን። ንክጎብጥዎ ዝመፁ ወረርቱ እውን እንተኾነ ትግራይ ግብኣተ መሬቱ ትፍፀመላ ምድሪ ምግባር ተሳኢንዎ ኣይፈልጥን። እዚ ማለት ትግራይ ጉድለት ስምዒት ሓርበኝነት ከምዘይብላ መረጋገፂ እዩ።
ካብ መእተዊ መበል ዒስራ ክፍለ ዘበን ጀሚሩ ንህዝቢ ትግራይ ዝተሓለቑሉ መራሕቱ እጨኦም ሞትን ግዞትን ኔሩ፣ ኣውራ መራሕቱ ዝሰኣነ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብሓረስቶት ቀዳማይ ወያነ ኣቢሉ ስምዒት ሓርበኝነት ሓደ ጌርዎ ተላዒሉ ኔሩ፣ መልዐሊ ዓመፆም ንዝነበረ ብናይ ዓርሳቶም ሰባት ናይ ምምሕዳር ሕቶ ዝተውሃቦም መልሲ፦ ካብ የመን ብዝለዓላ ነፈርቲ ባዕዳዊት እንግሊዝ ብባርኾት ሃፀይ ሃይለስላሴ ኣደዳ ደብዳብ ምዃን ኔሩ። ብትኽክለኛ ብሄራዊ ሓርበኝነት ስምዒት ዝተመርሐ ዓመፅ እንተነበረ እውን ብኣብላፅ ነፈርቲ እዚ ሓዊ ብሄራዊ ነፃነት ክጠፍእ ተጌሩ።
ኣብ ጉጉይ መስመር ስነ ሓሳብ ዝዓሰለ ህዝቢ ክንድ ዝደለዮ ስምዒት ሓርበኝነትን መጠን ጅግንነትን እንተወነነ ሕቶ ነፃነቱ መልሲ ኣይረኽበሉን። ህዝቢ ትግራይ ዘይተመለሱ ሕቶታቱ ሎሚ እውን ተሰኪሙ፣ ኲናት ተሰኪሑ፣ ኣብ ምንባር ይርከብ። ስሳ፣ ሰብዓ ሽሕ መናእሰይ ዝወደአ፣ ኣማኢት ኣሽኣት ጉዱኣት ኣካል ዝገበ፣ ቑፅሪ ዘይብሉ ነፍሲ ሲቪላት ዘኽፈለ ቃልሲ ን 17 ዓመታት ጌሩ ኣብዚ ኩነታት ግን ንዓርሱ ክረክብ ኣይግባእን ዝነበረ። ቃልሲ ካልኣይ ወያነ መራሕቱ ካብ ዝነበሮም መንፈስ ሓርበኛ ብሄራዊነት ንላዕሊ ፍቕሪ ሶሻሊስታዊ ሕልሚ ዝዓዝዝ ይመስል።
እቲ ሶሻሊስታዊ ስርዒት ወተሃደራዊ ዲሲፕሊን (ስነ ስረዓት) ኣብ ምቕራፅን ምሕረት ብዘይብሉ ገምጋማቱን ስጉምትታቱን ናይ ፓርቲ ዲሲፕሊን ኣብ ምዕሳል ዓብዪ እጃም ኔርዎ። ንዓወት እውን ኣብቂዕዎ። ካልኣይ ወያነ ቃልሲ ካብ ዝውላዕ ክሳብ ንዓወት ዝበቅዕ ዝተፈላለዩ ለውጥታት ኣብ ዓለም ተራኢዮም እዮም። ፖለቲካዊ ፍልስፍና ሶሻሊዝም ፈሺሉ ሶቭየት ሕብረት እውን ፈሪሳ እያ። ቻይና እውን ካብ ሶሻሊስታዊ መስመር ወፂኣ ብውጥን ዝምራሕ ነፃ ዕዳጋ ዝፈቅድ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ (ማለት እውን ፋሺስታዊ ፖሊሲ ኢኮኖሚ) ተቐቢላ እያ። ስለዝኾነ ድማ መራሕቲ ህወሓት እውን ካብ ሶሻሊስታዊ ሕልሚ ክብህርሩ ግድን ኔሩ።
መራሕቲ ህወሓት ሓርነት ትግራይ ዝረጋገፅ ኣዲስ ኣበባ እንተኣቲናን ንደርጊ እንተደምሲስናዮ ኢና ኢሎም ቃልሲ ቐፂሎም ተዓዊቶም እዮም። ፖለቲካዊ ርእዮተ ዓለሞም እውን ካብ ሶሻሊዝም ኣፋቲሖም ከም ቻይና ሕውስዋስ ጌሮሞ እዮም። ትግራይ ግን ሎሚ እውን ህዝባ ነፃ ኣይወፀን። ህወሓት ብሕታዊ ወናኒ ትግራይ ጌሩ ንዓርሱ ብምርኣይ ንህዝቢ ትግራይ ዝቆፃፀረሉ ፖሊሲታት ምትግባር መሪፁ ኣሎ። ኢኮኖሚያዊ ውጥናቱ ንኸሳኽዕ ኢኮኖሚያዊ ነፃነት ዜጋታት ምኽላእ ከም ምግሃስ ግላዊ መሰላት ጌሩ ኣይሪኦን፣ ወይ ድማ እንተተግሃሰ ኣይስቁሮን፣ እዚ ድማ ኣንፃር ቃልሱ ይገብሮ።
ነጋዶን ሰራሕተኛታትን ግብሪ ዝኸፍሉሉ ምኽንያት፦ ሰላም ክረክቡ ንሓለውቲ ፀጥታ ደሞዝ ክኾኖም፣ ሰሪሖም እቶቶም ክውስኹ መሰረተ ልምዓት ክዝርገሐሎም እዩ። እምበር ዝንግዱን ዝሰርሑን ግብሪ ንምኽፋል ኢሎም ኣይኮነን። ብኻሊእ ኣገላልፃ ግብሪ ነዓዓቶም ከገልግል ተፈጢሩ እምበር ንግብሪ ከገልግሉ ኣይተፈጠሩን። ንስራሕ ዘፍሽል ግብሪ ከዓ ፍትሓዊ ክኸውን ኣይኽእልን። ኢኮኖሚያዊ መሳርሒ እዩ ዝኸውን። ንኢኮኖሚያዊ ፖሊሲ ከም መሳርሒ ምግባር ዝመረፀ ውድብ ህወሓት ግን ንስራሕ ፈጠርቲ፣ ንነጋዶን ሰራሕተኛታትን ኣደዳ ግዕዙይ ቢሮክራሲ ይገብሮም ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ስራሕ ናይ ምርካብ ነፃነት የለን፡ ኣባል ውድብ ዘይኮነ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሉ ትሑት እዩ። ዋላ ነጋዳይ ኮነ ስራሕ ፈጣሪ ልቓሕን ካልኦት ረብሓታትን ዝፍቀደሉ ፖለቲካዊ ተኣማኒነቱ ተራኢዩ እዩ። ህወሓት ከም ገዛኢ ደርቢ ፖሊሲታቱ ኢኮኖሚያዊ ነፃነት ዘውሕስ ዘይኮነስ ዝምንጥል እዩ። እዚ ዝፈሸለ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚ ንህወሓትን ንትግራይን ዓብዪ ኪሳራ ሓዚሉ ዝመፀ እዩ። ክራይ ኣካቢነት ክጋፋሕ፣ ግዕዙያት ክብዕልጉ፣ ህዝቢ ዘይመረፆም ነፍሲ ዘይብሎም ኣገልገልቲ ቤት ፅሕፈታት (ቢሮክራታት) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክስልጥኑ (ክስይጥኑ) ጌርዎም ኣሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝራእናዮን ሮዘቬልት ከምዝበሎን “ጨቆንቲ (ምልካዊ) ገዛእቲ ካብ ዝጠመዩን ስራሕ ዝሰኣኑን ሰባት ዝተሃንፁ እዮም” እዩ እሞ ናይ ትግራይ ገዛእቲ ደርቢ ዝኽተልዎ ዘለዉ ፖሊሲ ናይ ጨቆንቲ ኮይኑ ህዝቢ ብዛዕባ ኸብዱን መሕደሪ ገዝኡን እናተሻቐለ ክግዘአሎም ይገብሩ ኣለዉ።
ኣብ ትግራይ መግለፂ ናይዚኣቶም ፖሊሲታት ጭቆና እንታይ ይመስሉ ወይ ድማ እንታይ ሳዕቤን የምፅኡ ኣለዉ? እቲ ህዝባዊ ቓልሲ  ብመድሐርሐርቲ ተጨዊዩ ናብ ብሄራዊ ጭቆና ክምለስን እታ ናይ ዘይምብራስ ውሕስነቱ እውን ክስእናዶ ይኾን? ትግራይ ካብ ኣሜሪካ፣ ናዚ ጀርመንን ሲቭየት ሩሲያን ነየነአን ከምትመስል ፍረዱ።

(ካልኣይ ክፋል ይቕፅል እዩ።)

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።