ግደይ ገብረኪዳን
ፋርማሲስት ይኹን እምበር ኣብ መድሓኒት መደብረይ ሰባት መፂኦም "ዶክተር" እንትብሉኒ ደስ እዩ ዝብለኒ። ሓደ ግዘ ቀበሌ ጉዳይ ኔርኒ ከይደ ሪጋ ክሕዝ ሽመይ እንተመዝግብ "ዶክተር" ተስፋኣለም ሕሉፍ ኢለ ተናጊረ ንዓርሰይ ኣገሪመ ነይረ። እታ ፓቶሎጂካል እትብል ቃል ዝተጠቀምኩላ እምበኣር በዚ ናይ ሕክምና 'ባክ ግራውደይ' ምኽንያት እዩ። ኣብ ሕክምና ዓለም ናብ ዓብዪ ብርኪ ዝበፅሐ ፕሮብሌም እንትህልው ፖቶሎጂካል ኢና ንብሎ።
እምበኣር ድድብንኡ ናብ ብርኪ ሕማም ዝበፅሖን ፈውሲ ዘድልዮን ሰብ ስለ ዝገጠመኒ እየ "ፖቶሎጂካል ደደብ" ኢለ ተጓንፎና ከዘንትወልኩም ዝመረፅኩ።
ናብ ቀበሌ እንትትኸዱ ብዙሕ ዓይነት ሕሙም ሰራሕተኛ ከጋጥመኩም ይኽእል እዩ። ሎሚ፣ ሎሚ እኳ ኣይከም ቀደምን - ሎሚ ኣብ ቀበሌን ወረዳን ካብ ዘለዉ ሰራሕተኛታት እቶም ንፅድቂ ዝሰርሑ ክሳብ ዝመስል እናተማወቱ ዝውዕሉ ይበዝሑ። ኮይኑ ግና ሕሙማት ኣይጠፍኡን።
ሓደ ሓድሽ ቁፃር ቀበሌና ኣቲዩ ይፀንሐኒ እሞ ሓበሬታ ንምርካብ ከይደ ከዛርቦ እንትሙክር ኣቕሓ ከይበለኒ ገዲፉኒ ከይዱ። ድሕሪ እዚ ኣብቲ ዝሰርሐሉ ፋርማሲ ከባቢ ከም ዝነብር ክርዳእ ግዘ ኣይወሰደለይን - ብመደገኣፈይ ደጋጊሙ እንትሓልፍ ሪአዮ እየ። ናብ ቀበሌ እንትኸድ እውን ንኻልኦት ሰባት እንተበሳብስን ስልጣኑ ከርኢ እንትፍትንን ይዕዘቦ እየ። ኣነስ ናብኡ ኣይቐርብን፤ ኣብ ጎኑ ንዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣዛሪበ እየ ስርሐይ ዝፍፅሞ። እዚ ሓድሽ ቁፃር፣ ዕሉል ፋራ ስለ ዝኾነ፣ ኣብ ሰብ ብምድራዕን ስልጣኑ ብምርኣይን እዩ ዝረዊ። መቸም ኣብ ትሑት ብርኪ ቢሮክራሲ ሲቪል ሰርቪስ ዘለዉ ሰባት ከምዚ ዓይነት ፖቶሎጂካል ዱሩዓት ናይ ምዃን ዕድሎም ሰፊሕ እዩ። ነታ ደቃቕ ስልጣኖም ተጠቂሞም ዓበይቲ ክኾኑ እንትሙክሩ ግና ውፅኢቱ ብኣንፃሩ ኮይኑ ዝገደደ እዮም ኣብ ዓይንኻ ንኢሶም ዝረኣዩኻ። ልክዕ ከምዚ፣ ኩሎም ንኡሳን፣ ጃህራ ኣካል ተፈጥሮኦም እዩ ዝኾኖም።
ሓደ መዓልቲ ግና እዚ ሓድሽ ቁፃር ኣብ ኢደይ ኣእቲይዎ። ምሸት እዩ ነይሩ። መብራህቲ ከይዳ እቲ ፀልማት ኣብ መንደርና ሰልጢኑ ኣሎ።
ሃንደፍደፍ እናበለ ኣቲዩ፣ ፊት ንፊት እንትሪአኒ ከም ዘለለየኒ ፈሊጠዮ ኣለኹ። ሰላም እኳ ከይበለ "ኮንዶም ኣሎ?" ኢሉኒ።
ናይ ፋርማሲስት ነገር ኮይንኒ መድሓኒት ሕማሙ ክህቦ ከም ዘለኒ ተረዲእኒ፤ "የለን" ኢለዮ። ናብቲ ኮንዶም ዝተደርደረሉ ስኽ ኢሉ እንትጥምት፣ ኮፍ ካብ ዝበልኩሉ ተላዒለ፣ ናብቲ መውፅኢ እናሓበርኩ ኣፋኒየዮ።
No comments:
Post a Comment