Skip to main content

ጎጆ ገጠር

ኣንቶን ቼሆቭ

ሓዳር ካብ ዝገብሩ ነዊሕ ዘይኮኖም ክልተ መናእሰያት ኣብ ሓንቲ ናይ ገጠር ባቡር መፀበዪ ፅላል ኮይኖም ናብዚን ናብቲን ጎርደድ ይብሉ ነበሩ። ኢዱ ኣብ ሽንጣ ተጠምጢሙ፣ ንሳ ድማ ርእሳ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትከሽኡ ደርቢያቶ ኣላ፣ ክልቲኦም ከዓ ሕጉሳት ኔሮም።

እታ ወርሒ ብድሕሪ ኣናእሽቱ እናተደፍኣ ዝኸዳ ዘለዋ ደመናታት ተቐልቂላ ሪኣ ገፃ ጨምዲዳቶ፣ ብታሕጓሶም ዝቐንአትን ብናይ ዓርሳ ዘድክምን ረብሓ ዘይብሉ ድግልና ዝተጥዓሰት እያ እትመስል። እቲ ርግዕ ዝበለ ኣየር ብከቢድ መኣዛ ሊላን ቸሪን ዝተፅዓቐ ኔሩ። ካብ ርሑቕ ኮርንክሬክ ተብሃለት ዒፍ እንትፃዋዕ ይስማዕ።
“ከመይ እዩ ደስ ዝብል፣ ሳሻ፣ ደስ በሃላይ!” ኢላ ሑሹኽሹኽ በለት እታ መንእሰይ በዓልቲ ቤቱ። “ኩሉ ሕልሚ እዩ ዝመስል። ረኣዮም እዞም ኣናእሽቱ ጣሻ ከመይ ከምዝስሕቡ! ረኣዮም እዞም ድምፂ ዘይወፆም፣ ስጡማት ናይ ቴሌግራፍ ፓሎታት! ነቲ ገፀ ምድሪ ፍሉይ መልክዕ ይውስኹሉ፣ ካብ ርሑቕ ደቂ ሰባት ከምዘለዉ፣ ስልጣነ ከምዘሎ የመላኽቱ … ። እቲ ነፋስ ነቲ ናይቲ ፈጣን ባቡር ድምፂ ሒዙ እንተምፅኦ ደስ ዝብል ኣይመስለካን?”
“እወ … ። ግን እዞም ኣናኢሽተይ ኣእዳውኪ ከመይ እዮም ዝወዓዩ … ። ስለ ዝተሓጎስኪ እዩ፣ ቫርያ …። ሎሚ ንድራር እንታይ ኢኺ ዘዳለኽዮ?”
“ደርሆን ሰላጣን … ። ንኽሊቴና ዝኣክል ደርሆ እዩ … ። ተወሳኺ ካብ ከተማ ዝተልኣኸ ሳልመንን ሳርዲንን ዓሳታት ኣለዉልና።”
እታ ወርሒ ጨና ከምዝመፃ ገፃ ብድሕሪ ደመና ሓብአቶ። ናይ ደቅ ሰባት ታሕጓስ ናይ ዓርሳ ጽምዋ ኣዘኻኺርዋ፣ ድሕሪ ኹማታትን ሩባታትን ዘሎ ብሕታዊ መቐመጢኣ ኣዘኪርዋ።
“ባቡር ትመፅእ አላ!” ኢላ ቫርያ፣ “እዋይ ደስ ትብል!”
ሰለስተ ናይ ሓዊ ዓይኒታት ካብ ርሑቕ ተራኢዮም። ናይቲ ጣቢያ ሓለቓ ናብቲ መፀበዪ ፅላል መፀ። ኣብቲ መስመር ናይ ምልክት መብራህቲታት በዚን በቲን ብልጭ ክብሉ ጀመሩ።
“ነታ ባቡር ንርአያʼሞ ንገዛና ንኺድ” ኢሉ ሳሻ እናባሃቖ። “ከመይ ደስ ዝብል ግዘ ኢና ብሓደ ነሕልፍ ዘለና፣ ቫርያ፣ ብጣዕሚ ግሩም ድንቂ ግዘ፣ ሓቂ ምዃኑ ንምእማኑ ዝኸብድ እዩ!”
እቲ ፀሊም ኣውረ ቀስ ኢሉ ናብቲ ጣቢያ በፂሑ ቅድሚ መፀበዪ ፅላል ጠጠው በለ። ፍዝዝ ዝበለ መብራህቲ ብዘለዎ መስኮት ዘታኽሱ ሰባት ገፃት፣ ቆቢዓትን ማእገራትን ተረኣዮም።
“ረአዩ! ረአዩ!” እንትበሃል ካብ ውሽጢ ሰምዑ። “ቫርያን ሳሻን ክራኸቡና መፂኦም! ኣብዚ እኒሀዉ! … ቫርያ! … ቫርያ … ረኣዪ!”
ክልተ ህፃውንቲ ቆልዑት ካብቲ ባቡር እናዘለላ ወሪደን ኣብ ናይ ቫርያ ክሳድ ተጠምጠማ። ትርንዕ ዝበለት ኣብ ማእኸላይ ዕድመ ዘላ ሰበይቲ ተኸቲላተን ወረደት፣ ቀፂሉ ነዊሕን ቀጢንን ዝኾነ ጭሕሙ ዝሰየበ ሰብኣይ ወፀ፤ ደድሕሪኦም ክልተ ተምሃሮ ኣወዳት፣ ሻንጣ ሒዞም ሰዓብዎም፣ ደድሕሪ እዞም ተመሃሮ ቆልዑት ከዓ እታ ሓብሓቢቶም ተኸተለት፣ ደድሕሪኣ ከዓ እነ ሓጎ ሰዓበት።
“በፂሕና፣ በፂሕና ወይለከይ!” በለ ጨሓማይ ናይ ሳሻ ኢድ እናጨበጠ። “ምፅባይ ተሃኪይኩም ኔሩ ሓቀይዶ! እስካብ ሎሚ ኣረጊት ኣኮኻ ብዘይምምፅኡ እናወቐስካዮ ኔርካ፣ ሓቀይዶ! ኮልያ፣ ኮስትያ፣ ኒና፣ ፊፋ … ቆልዑት! ንሳሻ ንወዲ ኣኮኹም ሰዓምዎ! ኩለና ኣብዚ ኢና፣ ሙሉእ ጋንታ፣ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ እንተፀናሕና እዩ … ። በዚሕና ከምዘየነፀገመልኩም ተስፋ እገብር? ክነሸግረኩም ኣይንደለልይን!”
ኣኮኦምን መላእ ቤተሰቡን እንትሪኡ፣ እቶም መናእሰይ መርዑት ብድንጋፀ ርዒዶም ነይሮም። ኣኮኦም እናተዛረበ እናሰዓሞም እናሃለየ፣ ሳሻ እታ ንኢሽተይ ጎጀኦም ብህሊንኡ ትረኣዮ ኔራ፡ ንሱን ቫርያን ንኢሽተይ ክፍሎም ክገድፉሎም ኣለዎም፣ መተርኣሳትን መደቀሲታትን ዘበሉ ንኣጋይሾም ክገድፉሎም ኣለዎም፤ ሳልመን፣ ሳድሪን፣ ደርሆ ብሓደ ሻዕ ክቃበፃ እየን፤ እቶም ደቂ ኣኮኦም ነታ ንኢሽተይ ናይ ኣትኽልቲ ቦትኦም ከዕንይዋ እዮም፣ ዕምበባ እናቐንጠሱ፣ ቀለም እናደፍኡ፣ ነታ ጎጆ ብጫውጫውታን ዕግርግርን ክመልእዋ እዮም፤  ሰበይቲ ኣኩኡ ብዘይ ዕረፍቲ ብዛዕባ ሕማማታን ብዛዕባ ሽመት ባረን ዝተውሃቦ ኣቡኣ ባረን ቮን ፊንቲች … ክትዛረብ እያ።
ሳሻ ዳርጋ ፅልኢት ተመሊኡ ነታ መንእሰይ ሰበይቱ እናረኣየ ከምዚ ሕሹኽ በላ፡
“ነዓኺ እዮም ክሪኡ ዝመፁ! … ተረግሙ!”
“ኣይኮነን፣ ነዓኻ እዩ” ኢላ መለሰትሉ ቫርያ ብሕርቃን ገፃ ፅምሉው ኮይኑ። “ናትካ ኣዝማድ እዮም! ናተይ ኣይኮኑን!”
ናብ ኣጋይሾም ዘወር ኢላ፣ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃኹም ፍሽኽታ እናርኣየት፡ “ናብ ጎጆና እንኳዕ ደሓ መፃእኹም!” በለቶም።
እታ ወርሒ ተመሊሳ ወፀት። ፍሽኽ ትብል ዘላ ትመስል፣ ኣዝማድ ስለዘይብላ ከምዝተሓጎሰት ነገር። ሳሻ ሕርቃኑ ከይንበብ ገፁ እናሓብአ ትሕትና ዝተመልአ ድምፂ ከውፅእ እናፀዓረ ከምዚ በለ፡
“ብጣዕሚ ኢኹም ተሕጉሱ! ናብ ጎጆና እንኳዕ ብደሓን መፃእኹም!” 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።