Skip to main content

መራኸቢ ሓፋሽን መሃንዲሳት ፍቓድን

ግደይ ገብረኪዳን

መእተዊ ዝሓለፈ ክ/ዘመን ሒዙ ቁፅፅር ብዝምነዩ ቁንጮታት ሓይልን ኣካይዳ ጭፍራ ብዝፅየፉ ቀንዲ ምሁራንን ጥምረት ዘርፊ መራኸቢ ሓፋሽ ሰፊሕ ስራሕቲ ዝተሰርሐሉ ዘመን ከም ዝኾነ ሪእና ኔርና። ካብዚኦም ዝተገብሩ መፅናዕትታት ሳይንስ ርክብ ውልደቱ ረኺቡ እዩ። ብዙሓት ዘርፍታት፤ ካብ ፖለቲካ እስካብ ስራሕቲ ዕዳጋ ኣብ ጥቕሚ ኣውዒሎምዎ እዮም።
ኣብዚኣ ንኡስ ክፍሊ እንጥቀመሉ ፍልፍል(1) ሃክስሌ ብ 1958 ዓ.ም ኣብ ዝፀሓፎ ልቢ ወለድ መፅሓፉ ኣብቲ መቅድሙ ዘስፈሮ ሓሳብ ብምፅራሕ ነቲ ኩነታት የረድአና፡
“ክንቆፃፀሮም ዘይንኽእሎም ክበሃሉ ዝኽእሉ፣ ስብእና ዘይብሎም ቅልፅማት፣ ናብ ብህራረ ዝኾነ ተባዕ ሓድሽ ዓለማዊነት (Brave New Worldian) ይደፍኡና ኣለዉ፤ እዚ ስብእና ዘይብሉ ድፍኢት፤ ንኡሳን ንዝኾኑ ጉጅለታት ረብሓ እንትበሃል፤ ሓድሽ ዝኾነ ናይ ሓፋሽ ሓሳባትን ስሚዒታትን ዝግነሐሉ ሜላ ብዝረኸቡ ናይ ንግድን ፖለቲካውን ትካላት ኮነ ተባሂሉ እቲ ከይዲ ናህሪ ክህልዎ ይግበር ኣሎ እዩ።” (2)
እዚ ዝተቓለለ ፅንሰ ሓሳብ ወይ ከዓ ብህራረ ጥርጣረ ዝወለዶ ዓንቀፅ ኣይኮነን። ሃክስሌ ከምዚ ክብል ዝኸኣለ ኣብ ፍልጠት ተሞርኲዙ ከም ዝኾነ ግልፂ እዩ። እዚ ከዓ መዛግብቲ ኣገላቢጥና ክነረጋግፆ እንኽእሎ ሓቂ እዩ። ፍቓድ ብምፍራይ ንዝተራቐቑ ቀንዲ ምሁራን ብምድህሳስ ግልፂን ነፃን ማሕበረ ሰብ ዝተዓፈነሉ መንገዲ ክንርኢ ኢና።

ንድፈ ሃሳባውያን ቁንጮታት 
ዋልተር ሊፕማን 

ዋልተር ሊፕማን ክልተ ግዘ ናይ ፑልቲዘር ፕራይዝ ተሸላማይ እንትኸውን ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ቅድሚት ዝመፀ ስራሕ ብ 1922 ዓ/ም ዘቕረበ ተመራማሪን ፀሓፋይን እዩ። Public Opinion (1922) ኣብ ዝብል ስርሑ፤ ብዙሃን ብገዛእቲ መደብ ክምርሑ ከምዘለዎም እንተረድእ፤ ንብዙሃን ምስ ኣራዊትን ምስ ዝደንበረ መጓሰ (ዕስለ) ኔሩ የነፃፅሮም ዝነበረ። ንገዛእቲ ቁንጮታት ዝገልፆም ድማ ድሌታቶም ወይ ከዓ ረብሓታቶም ካብ ዝቕመጡሉ ከባቢ ዝገዘፈን ገፊሕ ተበፃሓይነት ዘለዎን መደብ ብምባል እዩ። እዚ መደብ ዝተፈላለዩ ሙያተኛታትን ቢሮክራትስን ዘካትት መደብ እዩ። ናይ ዲሞክራሲ ጉጉይ ርድኢት ዝኾነ “ህፀፅ ዘይብሉ ዜጋ” ዝብለና እንትኸውን እዚ ክኸውን ዘይኽእልን ጉጉይ ሕልሚ ንዝፈጠሮን ክፍተት ዝመልኡልና ዝኽእሉ እዚኣቶም ቁንጮ እናተብሃሉ ዝፍለጡ ሙያተኛታት ዝዕጠቕዎ ፍልጠት እዩ። ናይቲ ተራ ዜጋ ግደ ምምልካት እዩ፤ ምስታፍ ኣይኮነን፤ ተሳትፎ ሓላፊነት ናይ ዝወሃቦ ሰብ ግደ እዩ።
እዚ ማለት መራኸቢ ሓፋሻት፤ ብመሰረት እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፤ ነቲ ሓፋሽ ቅልፅም ከይተጠቀምኻ እትገዝአሉ መሣርሒ እዮም ማለት እዩ። ሊፕማን ዘቕረቦ ቀንዲ ኣምር “ፍቓድ ምምራት/ምርካብ” (“manufacture of consent”) ዝብሎ እዩ፤ ማለት እውን ኣ፣ለኻኽታ ህዝቢ ምስቶም ኣጀንዳታት እቶም ቁንጮታት ዝሰማማዕ ምግባር ከምዝኾ ምግባር ማለት እዩ።  
“ከምዝሓስቦ እንተኾይኑ ፍቓድ ምርካብ ክመሓየሽ ከምዝግበኦ ዝኽሕድ የለን። … ብምኽንያት ኣብ ዘርፊ ስነ ልቦና ብዝተገብሩ መፅናዕትታትን ዘመናዊ መራኸቢ ዘንገድታት እንትሕወሶን ዲሞክራሲ ኣካይድኡ ቀዪሩ ኣሎ። ካብ ዝደለዮ ዓይነት ኢኮኖሚያዊ ወናናይነት ዝዓዘዘ ወያነ እናተኻየደ ይርከብ። … ብፅዕንቶ ፕሮፖጋንዳ ዝተልዓለ … ቀዲሞም ቀወምቲ ዝነበሩ ክፋላት ኣተሓሳስባትና ሎሚ ተቐየርቲ ኮይኖም ኣለዉ። … ኣብ ቀረቤታና ካብ ዘለዉ ከባቢታት ብላዕሊ ተበፃሕነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ንኣትው እንተኾይና ብደመ ነፍሲ፣ ህሊና ወይ እውንሃንደበት ኣብ ዝርከብ ግንዛበ ክንሙርኮዝ ኣይንኽልን።” (3)  
ሊፕማን ኣብ ዓለምና ኣብ ጉዳያት ርክብ ወፃኢ ዓብዪ ተፅዕኖ ፈጣሪ ናይ ዝኾነ ትካል መማክርቲ ርክባት ወፃኢ / Council on Foreign Relations (CFR) መስራታይ ኣባል ኔሩ። ብ 1925 ዓ/ም ኣብ ዘውፀኦ መፅሓፍ፤ ህዝቢ ፍልጠት ዘይብሉን ኢዱ እናእተወ ዘፀግም ደንባር ጭፍራ ስለዝኾነ፤ ንኩነታት ብምሳጠ ዝከታተል ተዓዛባይ ጥራሕ ክግበር ኣለዎ ኢሉ ፅሒፉ እዩ።(4) እዚኦም ሓቅታት በይኖም እቶም ቁንጮታት፤ መራኸቢ ሓፋሻት ብዝምልከት፤ ልቦም ኣበይ ከም ዘሎ ንምምልካት ዝኣኽ እዮም።
“ኣብ ውሽጢ ዩናይትድ ስቴትስ፤ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ሓይሊ፤ “ብገዛእቲ ቁንጮታት” ተኣኪቡ ዝተትሓዘ እዩ። ገዛእቲ ቁንጮታት፤ ኮፍ መበሊኦም ኣብ ኣሜሪካ ዝገበሩ፤ ሰገርቲ ዶብ ኮርፖሬሽናት፣ ቀንዲ መራኸቢ ሓፋሻት፣ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ፋውንዴሽናት፣ ቀንዲ ግላዊ ዩኒቨርሲቲታትን መብዛሕቲኦም ህዝባዊ ግልጋሎት ወሃብቲን (public utilities) ዝቆፃፀሩ ወገናት እዮም። ብ 1921 ዓ/ም ዝተመስረተ መማኽርቲ ጉዳያት ወፃኢ ኣብ መንጎ ገዘፍቲ ኮርፖሬሽናትን ፌደራል መንግስቲን መራኸቢ ድልድል እዩ። “ቤት ትምህርቲ ኣመሓደርቲ” ዝብል ሽም ተዋሂብዎ ኣሎ፤ ሲ. ራይት ሚልስ ቁንጮ ንዝብሎ ወገን ይመስል - ብጥቕሚን ኣረኣእያን ሓድነት ዘለዎም ክዋነታት፤ ብድሕሪት ኣብ ዘየስግእ ቦታ ኮይኖም፤ ቅርፂ ዘትሕዙ ሰባት ጉጅለ። ሕቡራት ሃገራት (ዩ.ኤን) ንኽምስረት ናይዚ መማኽቲ ትካል ፕሮጀክት ውፅኢት እዩ፤ ብተወሳኺ ዓለም ለኻዊ ፈንዲ ገንዘብን ባንኪ ዓለምን እውን ከምኡ።”(5) 
ሎሚ ተፀራሕቲ ዝኾኑ ኣባላት እዚ መማኽርቲ ሽም እንተዝረአ ከም እኒ ዴቪድ ሮክፌለር፣ ዲክ ቼኒ፣ ባራክ ኦባማ፣ ሂላሪ ክሊንተን፣ እቲ ፓስተር ሪክ ዋረን፣ ቀንዲ ናይ ኮርፖሬሽናትን ጣብያታት ቴሌቪዢን ሓለፍቲ ወዘተ. ይርከብዎ።

ካርል ዩንግ 

ካርል ዩንግ ናይ ኣናሊቲካል ስነ ልቦና ወይ ከዓ ናይ ዩንጋዊ ስነ ልቦና ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣስተምህሮ መስራታይ እዩ። ናይዚ ኣስተምህሮ ትኹረት ናይ ሰብ ሳይኪ (ውስጠ ነፍሲ) ንምርዳእ ንሕልሚ፣ ንጥበብ፣ ንኣፈ ታሪኽ፣ (ሚተፐሎጂ)፣ ንሃይማኖት፣ንምልክታት ኣብ ምፍታሽ ኣድህቦ ዝገብር እዩ። ንብዙሓት ጭብጥታት ስነ ልቦና ውልደት ምኽያት ኮይኑ እዩ።
ንኣተሓሳስብኡ ብዋናነት ዝቐረፆ ናይ ቤተሰቡ ሕቡእ (ኦከልት) ኣምልኮ ናይ ድሕሪት ታሪኽ ኔሩ። እዚ ንኣቃልብኡ ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ዓለም ፍልስፍናታት፣ ኣልኬሚ፣ ስነ ከዋክብትን (ኣስትሮሎጂን)፣ ስነ ምልክትን (ሲምቦሊዝምን) ዝገበረሉ ምኽንያት የብረሀልና። ካብ ዘልዓሎምን ዝግባእ ትኹረት ዘይተገብረሎምን ኣስተምህሮ ናይ ሓባር ህቡእ ንቅሓተ ህሊና (Collective Unconscious) ዝብል ጭብጢ እዩ።
“እምበኣር ናተይ ናይ ምርምር ፅሑፍ ከም ዝስዕቦ እዩ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ውልቃዊ ተፈጥሮ ዘለዎን ጭቡጥነት ዘዎ ሳይኪ እዩ ኢልና ካብ እንኣምኖን ካብ ዝቕዳሕ ንቅሓተ ህሊናና ብተወሳኺ (ኣብዚ እቲ ውልቃዊና ንዝኾነ ሕቡእ ንቅሓተ ህሊናና ዋላ ከም መቐፀልታ ጌርና እንተረኣናዮ እውን) ካሊእ ተወሳኺ ኣብ ኩሎም ውልቀ ሰባት ሓደ (ተመሳሳሊ) ዝኾነ ናይ ሓባር፣ ኩሉ ዝሓቖፈ ውልቃዊነት ዘይብሉ ስርዓተ ሳይኪክ ኣሎ። እዚ ናይ ሓባር ህቡእ ንቅሓተ ህሊና ብውልቂ ዝምዕብል ዘይኮነስ ብዘርኢ ዝውረስ እዩ። ቀዲሞም ዝነበሩ ቅርፂታት ኣለዉዎ፤ ናይ መጀመርታ ቅዳሓት (the archetypes) ዝፍለጡ ብካልኣይ ብርኪ እንትኸውን ንዝተፈላለዩ ጭብጥታት ሳይኪክ ነናይ ዓርሶም ቅርፂ ይህቡ።”(6)
ናይ ሓባር ንቅሓተ ህሊና ዝተፈላለዩ ስልጣነታት ብዝጥቀምዎም ተመሳሰልቲ ዝኾኑ ምልክታትን ኣፈ ታሪኻዊ ምሳለታትን ይግለፅ። ናይ መጀመርታ ቅዳሕ ምልክታት (Archetypal symbols) ኣብ ናይ ሓባር ህቡእ ንቅሓተ ህሊናና ዝተሓተሙ ይመስሉ። እዚኣቶም ምልክታት እንትቐርቡልና ናይ ምስሓብን ናይ ምድናቕን መልሲ ነርኢ። በዚ ምኽያት እዚ ሕቡእ ኣምልኾ (ኦከልት) ምልክታት ኣብ ሰባት ዓብዪ ፅዕንቶ የሕድሩ፣ ዋላ እቶም ሰባት ናይቶም ምልክታት ሚስጥራዊ ኣስተምህሮ ኣፍልጦ እንተዘይሃለዮም እውን።
ከም ኤድዋር በርኔይስ ዝበሉ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ነዚ ጭብጢ እዚ ብምጥቃም ኣብ ናይቲ ሓፋሽ ውልቃዊን ሓበራዊን ህቡእ ንቅሓተ ህሊና ተፅዕኖ ንምፍጣር ጠቓሚ ኮይኑ ረኺቦምዎ እዮም።

ኤድዋርድ በርኔይስ
ኤድዋርድ በርኔይስ ኣቦ ርክብ ህዝቢ ተጌሩ ይውሰድ። ኣኩኡ ሲግመንድ ፍሮይድ ዝረኸቦም ሜላታት ስነ ልቦና ብምጥቃም ኣብ ናይቲ ህዝቢ ንኡስ ንቑሕ ህሊና (subconscious) ፅዕንቶ ከሕድር ሰሪሑ እዩ። ነቲ ህዝቢ ብዝምለከት ዘለዎ ርድኢት ምስ ዋልተር ሊፕማን ዝሰማማዕ እንትኸውን ህዝቢ ኢ-ኣመክንዮኣዊን “ብደመ ነፍሲ ጭፍራ/ዕስለ”  ዝምራሕን እዩ ኢሉ ይኣምን። ዕላማ ፕሮፖጋንዳ ብዝምልከት ጥርጥር የብሉን፡
“ህዝቢ ክፈልጥ ምግባር፣ ክኣምን ምግባር ወይ ከዓ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክወሃሃድ ምግባር እዮም። ስለዝኾነ ነዚ መግበሪ መሣርሒታትን ሜላታትን ሕብረተሰብ ብዝተቐየረ ቁፅሪ ከምዝቕየሩ ልቢ ዝበሃል እዩ ይብል።” (7) 
ብናቱ ኣረኣእያ ዲሞክራሲ ንኽሰርሕ ህዝቢ ብዘይረአ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ፡
“ናይ ብዙሃን ዝደርጀዉ ልምዲታትን እምነታትን ብንቕሓትን ብጥበብን ምዝዋር ቁልፊ ኣካል ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ እዩ። እዚ ዘይረአ መዘውር ማሕበረሰብ ዘንቀሳቕሱ ሰባት ናይ ሃገርና [ዩናይትድ ስቴትስ] ሓቀኛ ገዛኢ ሓይሊ ዝኾነ ዘይረአ መንግስቲ ኣካል እዮም።
“እንግዛእ፣ ኣእምሮና ዝቕረፅ፣ ምርጫና ዝፍጠር፣ ፍንጪ ሓሳባትና ዝወሃበና፣ ብዓብዩ ሰሚዕናዮም ብዘይንፈልጦም ሰባት እዩ። እዚ ናይ ዲሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ኣደረጃውዋ መሰረተ-ሓቃዊ (ሎጂካል) መደምደምትኡ እዩ። ብኣግባቡ ዝሰርሕ ማሕበረሰብ ውሽጢ፤ ሓቢሮም እንተደኣ ክነብሩ ኮይኑ፤ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ሰባት በዚ መንገዲ እዚ ምኻድ ከድልዮም እዩ።
“መብዛሕቲኡ ግዘ፤ እዚኦም ዘይረኣዩ ገዛእትና ንዓርሶም ኣብ ውሽጣዊ ካቢኔት ኣባል ንዝኾኑ ብፆቶም መንነት እውን ኣይፈልጡን።”(8) 
ናይ በርኔይስ ናይ ምሽያጥ ዘመተታት ንሕብረተሰብ ኣሜሪካ ባህሊ ዕደጋ ዝቐየሩ እዮም። ዓደግቲ ንምንባር ዘይኮነስ ንምሕጓስ ክዕድጉ በሪ ዝኸፈተ እዩ። በዚ ምኽንያት እውን ናይ ላይፍ መፅሄት ናይ መበል 20 ክ/ዘበን 100 ፈጠርቲ ተፅዕኖ ኣብ ዝሓርየሉ ግዘ ክሕወስ ጌርዎ ኔሩ።
“ፕሮፖጋንዳ ናይቲ ዘይረአ መንግስቲ ሥራሕ ፈፃሚ ክርኑ እዩ።”(9) 
ነዚ ናይ ላዕላይ ጥቕሲ ዝሃበና በርኔይስ ከይተፈለጠና ክቆፃፀሩና ከምዝኽእሉ ይነግረና፡
“ናይቲ ዕስለ ርእሲ ኣሰራርሓን መነቓቕሒን ክንርዳእ እንተደኣ ክኢልና፤ ሽዑ እዞም ብዙሃን ከይተፈለጦም፤ ከም ፈቓድና ክንቆፃፀርን ክነደራጅውን ይከኣለና ማለት እዩ።”(10) 

ሃሮልድ ላዝዌል 
ኣብ 1939-1940 ዓ/ም ውሽጢ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ ኣብ ዘርፊ ርክብ ዘድሃበ ሚስጥራዊ ጉባኤታት መፅናዕቲ የካይድ ኔሩ። እዚኦም ንጥፈታት ብሮክፌለር ፋውንዴሽን ፈንድ ይግበሩ ዝነበሩ እንትኾኑ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘፈራት ርክብን መፅናዕትታት ስነ ማሕበረሰብ ኣውራ ዝነበሩ ሰባት የሳትፉ ኔሮም። ካብዚኣቶም ምሁራን እቲ ሓደ ሃሮልድ ላዝዌል ኔሩ፤ ኣውራ ፖለቲካል ሳይንቲስትን ዘፈር ርክብ ስነ ሓሳባዊ ኔሩ፤ ፍሉይ ትኹረት መፅናዕቱ ከዓ ፕሮፖጋንዳ ኔሩ።
ኣመለኻኽታ ህዝቢ ብፕሮፖጋንዳ ምቕራፅ ሞይኦም ዝገበሩ ቁንጮታት እንተደኣ ዘየለዉ ኮይኖም ህዝባዊ ኣገዛዝኣ ዝበሃል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ህልውና ክህልዎ ኣይኽእልን ዝብል እምነት ኔርዎ።
ላዝዌል፤ ቁንጮታት ኣብ ኢንሳይክሎፒዲያ ማሕበራዊ ሳይንስ ውሽጢ ተኣዛዛይነት ዘስፍኑሉ ጉልበት እንተሓፂርዎም ማሕበራዊ ኣመሓደርቲ ገፆም ናብ ሓዱሽ ሜላ ቁፅፅር ከዙሩ ይግደዱ ይብል። ትኽክለኝነት እዚ መደምደምታ ንምስጣም ዘቕርቦ መከራኸሪ ከዓ ብዙሃን ፍልጠት ዝጎድሎምን ምምዝዛን ዝተስኣኖምን ስለዝኾኑ ንዓርሶም ይፈልጡ እዮም ብዝብል ጉጉይ ዶግማ ዲሞክራሲ ክንዕሸው የብልናን ይብል።(11)
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፕሮፖጋንዳ ውፅኢታዊነት ንምርዳእ፤ ላዝዌል፣ ኣብ ዘርፊ ትንተና ትሕስቶ ትኹረት ጌሩ ይሠርሕ ኔሩ። ኣብ ሓደ ፅሑፍ ምርምር ንሓደ መልእኽቲ (ማለት እውን ናይ ፊልሚ፣ ንግግር፣ መፅሓፍ ወዘተ.) ትርጉም ንምርዳእ ኣብቲ መልእኽቲ ደጋጊሞም ዝኽሰቱ ምልክታት፣ ተበፃሒ እዚ መልእኽቲ ክስዕቦ ዝሕብርዎ ኣንፈት ምፅናዕ የድሊ ይብል።(12)
ላዝዌል ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝፍለጠሉ መራኸቢ ሓፋሽ ብዝትንትነሉ ሜላ እዩ፡
መን ንመን ብምንታይ መንገዲ ንምንታይ ውፅኢት እንታይ ኢሉ።
Who (says) What (to) Whom (in) What Channel (with) What Effect
በዚ ሜላ (ሞዴል) ተጠቂሙ ሓደ ሰብ፤ ላዝዌል ከምዝብሎ፤ ምህርቲ መራኸቢ ሓፋሽ ብኣግባቡ ንምትንታን መን ነዚ ምህርቲ ኣምሪትዎ (ዘሥርሕዎ ሰባት)፣ ተበፃሓይነቶ ንመን ዝዓለመ እዩ፣ ኣብቲ ተበፃሒ ክመፅእ ዝተደልየ ውፅኢት እንታይ ኔሩ (ምፍላጥ፣ ምእማን፣ ምሻጥ ወዘተ.) ምምልካት የድሊ እዩ።
ቀፂልና ካብዚ ንድፈ ሓሳባውያንን ስብከቶምን ኣረዳድኦኦምን ምድህሳስ ወፂና ሞኖፖሊ ሚዲያታትን “ሓቂ” ኣብ ምስራፅ ዘለዎም ግደ ክንርኦ ኢና።

(ቀፃላይ፡ ሞኖፖሊ መራኸቢ ሓፋሽ)

ፍልፍላት፡

(1) VC. (April 28, 2010). “Mind control.” Vigilant Citizen.
(2)  Huxley, Aldous. (1958). A Brave New World. New York: Harper. Preface.
(3)  Lippmann, Walter. (1922). Public Opinion. Mineola, New York: Dover Publications. pp. 135 – 136.
(4) Lippmann, Walter. (1925). The Phantom Public.New York: Harcourt.
(5) Jacobson, Steve. (1985). Mind Control in the United States. Santa Rosa CA: Critique Publishing.
(6) Jung, Carl. Collected Works Vol. 9.I (1959). “The Concept of the Collective Unconscious” (1936).
(7) Bernays, Edward. (1923). Crystallizing Public Opinion. US: Ig Publishing edition, 2011.
(8) Bernays, Edward. (1928). Propaganda. Ig Publishing edition, 2004, p. 37.
(9) ዝኒ ከማሁ፣ ገጽ 48።
(10) ዝኒ ከማሁ፣ 1928 እትም፣ ገጽ 71።
(11) Seligman, E. R. A. & Johnson, A. S. (1930). Encyclopaedia of the Social Sciences. New York: MacMillan
(12)  Lasswell, H. D. (1946). Describing the Contents of Communication. In B.L. Smith, H.D. Lasswell, and R.D. Casey (Eds.), Propaganda, communication, and public opinion (pp. 74 – 94). Princeton, New Jersey: Princeton University Press. 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።