Skip to main content

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (7)

7. ዘገርም ሳይንሳዊ ሕልሚ
 ግደይ ገብረኪዳን

"መተዓዛዘቢ እምበር ብዘይ ሞተር መኪና ዶ ትዝወር?" በለ ደራፋይ! ካብ 16 ስለዘይወፃእኹ እዩ ኣብ 16 ዝሰማዕኽዎ ደርፊ ጠቒሰ ክጅምር ዝደለኹ። መብዛሕቲኡ ሰብና ማሕበራዊ እዩ ኣብ ኣፍ ደገ ካፌታት ብሓደ ተሰጢሑ ክፃወት ምውዓል እዩ ደስ ዝብሎ። እዞም ግንፅል ኣብ ዝበለት ቦታ እናንበቡ ሻሂ ቡን እናበሉ ክዘናግዑ ንዝደልዩ ግና ቦታ ክረኽቡ ማለት ዘበት እዩ።

ወነንቲ ካፌታት ሃገርና ብሄሮም ሓደ ግዲ እዩ? ኣብ ዝኸድካዮ ሓደ ዓይነት እዮም። ንሥራሕ ወይ ንባብ ትመርፆ ምችው ካፌ ረኺብካ ብዙሕ እንተተመላሊስካዮም እቶም ሰብ ዋና ፅንሕ ኢሎም ከምዚ ዓይነት ሰብ ከይመፆም ሓደሽቲ ሕጊታት የውፅኡ። “ትኩስ ነገር ኣብዚ ምቕራብ ገዲፍና ኢና፤ እዚ ንሬስቶራንት ጥራሕ ኮይኑ እዩ” ይብሉኻ። ወይ ላዕላይ ሰብ ዘይበዝሖ ምችው ደብሪ እንተኔርዎም ይዓፅይዎ። ወይ ሰዓት ይግድቡሉ እሞ ናብኡ ምሳሕ ሰዓት እንተዘይኮይኑ ምሕላፍ ኣይከኣልን ይብሉኻ። ላፕቶፕ ትሕዝ እንተኾይንካ “ላፕቶፕ ኣብዚ ምጥቃም ገዲም ከልኪልና ኢና” ኢሎም ሓዱሽ ሕጊ የፋልጡካ። ቀደምስ አረ ምንባብ እውን ዝኽልክሉ ኔሮም፤ መፅሓፍ እናሓዘ ኮፍ ዝብል እንትበዝሕ ተሳዒሮም።

ብዙሕ እዩ ዝገጥመካ።
ዝዓደሎም እማ ንዓማዊሎም ዝገብርዎ እንክብካበ ዘገርም እዩ። ኣብቶም ተዓደሉ ሓደ ፀገም ክፍተት ኮይንዎ ናይ ሥራሕ ዕድል መፈልፈሊ ዝገብር ከዓ ንሥራሕ ቦታ ዝኸውን ካፌ ኢሉ ይምህዝ። ንሥራሕ ዝምቸዉ ናይ ኢንተርኔትን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ግልጋሎት ዝህቡኻ፣ መንፈስካ እናሃደስካ ሻሂን ቡንን ዝብላዕን እናቕረቡልካ እትሠርሐሎም ቦታታት ይፈጥሩልካ። አረ ቀትሪ ንርብዒ ሰዓት ወይ ከምኡታት ክድቅሱ (ናፕ ክወስዱ) ንዝደልዩ ሰባት እውን ምቹዉ ናይ መዕረፊ ቦታ ዘመቻችዉ ኣለዉ። እዚስ ግን ኣብ ዓበይቲ ሜትሮፖሊታንት ከተማታት እዩ። ግን በዚ ድሑር ናይ ኣሠራርሓ ልምድና እንተቐፂልና ከምዚ ዓይነት ነገራት ከመይ ከምነተኣታትዎም ኣይረኣየንን። ንሱ ተሪፉስ ጥዑይ ወንበር ምገበሩልና። ኣብዚ ዝፉቶ ሙህዞ ዋጋ ዝቕንስ ሙህዞ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ። ናይ ሓደ ሓደ ካፌታት ኮፍ መበሊ ደረቕ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ እናተገላበጥካ፣ እናተዘዋወርካ የማናይን ፀጋማይን መዓኮርካ እናባረኻ ኮፍ እንተዘይይልካሉ ኮፍ ኣየብለካን።
ኣብ ቪየና ሓደ ካፌ እኒ ሲግመንድ ፍሮይድ ቡን ዝሰይቱሉ ቦታ ብቢቢሲ ይረአ ኔሩ። ማናጀር እቲ ታሪኻዊ ካፌ ነቲ ጋዜጠኛ እንተርእዮ ሂትለር መንእሰይ እናሃለወ ኮፍ ኢሉ ቡን እናሰተየ ጋዜጣ ዘንብበላ ቦታ እዚኣ ኔራ ኢሉ ካፍቲ ካፌ ውሽጢ ሓንቲ ሕብእ ዝበለት ቦታ የርእዮ ኔሩ። ካልኦት ውሩያት ሰባት እውን ዓማዊሎም ከምዝነበሩን ኮፍ መበሊ ቦትኦምን የሪኦ ኔሩ። ፀሓፍቲ፣ ተመራመርቲ፣ ዓበይቲ ዓዲ ዘዘውትርዎ ካፌ ኔሩ።
ኣባና ግን ትርጉም ከምዘይብሉ ንድፊ ህንፀኦም ንታሪኽ ወይ ንነፍሲ ካፌኦም ኣይጭነቑሉን። ትርፊ ጥራሕ እዩ ዝረኣዮም። ቁሳዊ ትርፊ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ሆቴል ኢትዮጵያ ዘርውየኒ ኣይነበረን። ኣሽንኳይ ዶ ከባርሩኻስ ቦርሳ ሒዝካ ትደናገር እንተሪኦምኻ ሶኬት ዘለዎ ቦታ ይሕብሩኻ። ዋላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ካብዚ ወፃኢ ኣብ ካሊእ ቦታ ከምዚ ዘተኣናግደኒ ኣይነበረን። ምስ ፀገሞም ክኢለ ግን ይጥቀመሎም ኔረ። “ኣብዮት” ትብል መፅሓፈይ ፒያሳ ኣብ ዘለዉ ካፌታት እየ ሠሪሐያ። ኣብ ሆቴል ኢትዮጵያ ኮይነ ዝተርጎምክዎም ናይ ህፃውንቲ መፃሕፍቲ ነበርያ ነበረ ቁፅሮም ኣይፈልጦምን።
ኣዬ መረረት ምስ ጀመርኩ ዶ ዝፀሐሣፍክዎ ርእሲ ዘንጊዐዮ። ናብኡ ሕዚ ክኣቲ እየ።
ቅድሚ እዛ ፅሑፍ እዚኣ ኣብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ምስ ሓንቲ ቦክሰኛ መተኣናጋዲት ዝገጠመኒ ነጊረኩም ኔረ። ኣብ ሞባይላ ጥቕስታት እንትተርእየኒ “ተፈቃሪ ዶ ወይስ ኣፍቃሪ ዝበለፀ ንፍቕሪ ይርዳእ?” ወይ ከምኡታት ዝበለ ኣፍቃሪ ዶ ወይስ ተፈቃሪ ብዝበለፀ ንፍቕሪ መን ይፈልጣ ዓይነት ሕቶ ሓቲታትኒ መልሰይ ሂበያ፤ እዛ ኣብ ናይ ጉስጢት ውድድር ኣቲያ ክንደይ ኣጓላት ብጉስጢት ዘገላበጠት፣ ንኣወዳት ብቦክሲን ብካራቴን ትዝርር ቆልዓ እንታይ እዚ ኣተሓሳሰባ፣ ብድሕሪ እዚ ኩሉ ሓያልነት ንፍቕሪ ዝኸውን ሉስሉስ ቦታ ኣለዋ ማለት ድዩ እናበልኩ ዝጋበዝክዋ ጋቢዘያ ንገዛይ ኣቲየ። ከም ወትሮይ ፈጣሪየ ኣመስጊነ ደቂሰ እንትለዓል ግና ኣጋ ጓሓት ዝገርም ሕልሚ ይረኣየኒ ከምዝነበረ ዘኪረዮ።
በቲ ሰሙን እቲ ሓደ ሳይንሳዊ ዶክመንታሪ እናራእኹ ኔረ። ናብ ፍጥነት ብርሃን ብዝፅጋዕ መልክዑ እንትንጓዓዙ ናይ ህይወታውያን ምብስባስ ይንኪ እዩ ዝብል ንድፈ ሓሳብ የልዕል ኔሩ። ግን ናብዚ ብርሃን ፍጥነት ብዝፅጋዕ ዝጓዝ ነገር እስካብ ሎሚ ኣይተምሃዘን። ኣብ ሳይንሳዊ ድርሰት ጥራሕ እንተዘይኮይኑ…። ዝራእኽዎ ሕልሚ ምስ እዚ ዝተሓሓዝ እዩ። ንቕድሚት ነዊሕ እዋን ሓሊፉ ወዲ ሰብ ናብ ብርሃን ፍጥነት ተፀጊዑ ክጓዓዝ ዝኽእለሉ ሜላ ወኒኑ ኣሎ፤ ኣብ ሕልመይ።
ክልቲኦም ማናእሰይ ቆናጁ ፍቁራት ናብዚ ጣብያ መፂኦም ይሰነባበቱ ኣለዉ እዮም። ንሱ ክጓዓዝ፤ ንሳ ክተፋንዎ እዮም መፂኦም። ልክዕ ከም ናይ ሆሊዉድ ፊልሚ እዩ ዝመስል። ዝራእኽዎም እውን ፈረንጂታት እዮም። ሰመያዊ ናይ ደንቢ ክዳን ጌሮም ኣለዉ። ንሳ ንምንታይ ከምዝገበረት ኣይተረደአንን። ኣብ ክልቲኦም ዓይኒ ዝሪኦ ዝነበርኩ ፍቕሪ ክገልፆ ኣይከኣለንን። ሓደ ሓደ ግዘ ኣብ ሕልሚ ከምዚ ይገጥም እዩ። ናይ ሰከንዳት ነገር ክትኾን ትኽእል እታ ትረአ ነገር ግን ዝገደፈትልኩም ዓሚዩቕ ስምዒት ግለፅዎ እንተትበሃሉ ኣይከኣለኩምን። ብርሕራሐ እዮም ዝረኣኣዩ። ኣብ ዓይና ዘሎ ብቝባቖ ክገልፆ ኣይክእልን። ልክዕ ከምኡ እንተሪኣቶ ከይኸይድ እትገብሮ እዩ ዝመስል። ፍሽኽታ ኣብ ገፆም የለን። ሓዘን እውን የለን። ዝኾነ ናይ ምፍላጥ ወይ ምርዳእ ስምዒት እዩ ዝንበቦ። ዝኾነ ዘብክየካ ሓያል ስምዒት ዝፈጥር ትርኢት ተዋስኦ እዩ ዝመስልል። ከምዘብክይ ፊልሚ…።  

ንሱ ጥራሕ ዘፍቅራ እውን ይመስለኒ፤ መሊሰ ግን ምስ ተልዓልኩ ኣሪመዮ ይኹን ብሕልመይ እውን ከምኡ ተራኢይኒ ኣይፈልጥን።
ኣብ መወዳእታ ናብታ መጓዓዚት ማሽኑ ኣቲዩ ብኣማኢት ኣሽሓት ወይ ሚሊዮናት ኪሎ ሜትራት ናብቲ ህዋ ተወንጪፉ ይጠፍእ። ንሱ ናብ ብናህሪ ብርሃን ብዝቐረበ ቅልጣፈ ካልኦት ዓለማትን ጋላክሲታትን ሪኡ እዩ ክመፅእ። እዚ ኣብ ዝገብረሉ ግዘ ዳርጋ ናይ ብርሃን ናህሪ ወኒኑ ይንቀሳቐስ ስለ ዘሎ ኣይኣርግን። ብደቓይቕ ወይ ብሰዓታት ዝወስድ ግዘ ወሲድሉ እዩ ክምለስ። እንትምለስ ግና ኣብ ምድሪ ብዙሓት ዓማውቲ እዮም ሓሊፎም ዝፀንሑ። ንሱ ኣብ ዕድሚኡ 24 ሰዓት ጥራሕ ወሲኹ እንትምለስ ፍቕሩ ግና ሰለሰተ ወይ ኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት ወሲኻ ኣሪጋ እያ ክትፀንሖ። ተመሊሱ መፂኡ እንትወርድ ክትቕበሎ ትኸድ። ኣይረሰዐትን፤ ንሱ ክርስዖ እውን ኣይኽእልን፤ 24 ሰዓት እያ ንዕዑ። ነፍሶም እናተንሰፍሰፈት ይረኣኣዩ። ክቲኦም ግዲ እዮም ዝፋቐሩ? ሕልመይ ግልፂ ኣይኮነለይን። ዘኪራ ክትቕበሎ እንታይ ትገብር ትመፅእ? ንሳ እያ ተፍቕሮ ትኾን። ሎሚ ኣሪጋ እውን ግን ከም ቀደማ ብፍቕሪ ብርሕራሐ እያ ትሪኦ ዘላ። ንሱ ክርደኦ ይኽእል ዶ ዕምቆት ፍቕራ?
ወይ እውን ንሱ ጥራሕ ዘፍቅራ እንተዝኸውን ኸ? ሕዚ እውን ኣሪጋ ንዕዑ ግና እታ ዘፍቅራ ሰመያዊ ዩኒፎርም ጌራ ቅድሚ 24 ሰዓት ዘፋነወቶ ፍቕሩ እያ። ግን በዛ ናቱ 24 ሰዓት እዚኣ ኣብ ምድሪ 40 ዓመት ኣሕሊፋ እያ ፀኒሓቶ። ንሱ ጥራሕ ዘፍቕራ እንተኾይኑ ዕምቆት ፍቕሩ ክትርደአሉ ትኽእል ዶ ትኾን?
ክብዚ ኹሉ ደንገርገር ሓሳብ ሕልሚ እንትወፅ ሓደ ነገር እየ ሒዘ፤ ብዘይ ጥርጥር ንፍቕሪ ክትርደኦ ኣፍቂርካ ክትርኢ ከምዘለካ ሕቶ የብሉን። ነዚኣ ክነግራ ኢለ ናብኣ ተመሊሰ ክኸድ ደሊየ፤ ግን ከመይ ኢለ ከረድኣ ይኽእል? ብስርዓቱ ክገልፀላ ዝኽእል ኣይመስለኒን። ግን ሳላኣ ዝዘጓነፈኒ ሕልሚ ስለዝኾነ ክነግራ ኣለኒ ኢለ ተመሊሰ ንሳልሳይ ግዘ ከይደያ። እንትኣትው ሓደሽቲ ኣተኣናገድቲ ተቖፂሮም ንሳ ዕረፍቲ ኮይና ኣብኡ ምስ ሓፍታ እናሰተየት ረኺበያ። ሰቲያ ኔራ። ደሚቕ ኣቀባብላ ጌራትለይ። ንምንታይ ከምዝተፋእኹ እናሓተተት ተኣዘዝቲ ፀዊዓ ዕረፍቲ ከምዝኾነት ነጊራትኒ። ከምታ መጀመርታ ዕለት ዝራእኽዋ ትድንስ ኔራ። ናባይ ከይተፀገዐት ፡)  ዓሰርተ ሻዕ ስልካ እናደወለ ወፂኣ ተናግር ኔራ። (ናብ ካሊእ ክለብ ክወስድዎም ካልኦት ኣወዳት ቆፀሮ ኔርዎም ግዲ) በኣይ እንግዶት ምስ ሓፍታ እንትሰትያ ከቋርፃ ኣይደለያን። ነዚ ተጓንፎይ ከይነገርክዋ መኸዲ ሰዓተይ እንትበፅሕ ንዝሰተየኦ ከፊለለን ወፂአ። ዘይሓሰብክዎ ብዙሕ ገንዘብ ኣውፂአ፤ ነቲ ዝሃበትኒ ኩሉ ዝኸፈልክዋ መሲሉኒ።
ውፅእ ምስ በልኩ ዓው ኢላ “ዉ……ው!” እንትትብል ኣብ ደገ ኮይነ ሰሚዐያ። 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።