Skip to main content

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (10)

10. ኤርትራውያን ኣብ መቐለ
ግደይ ገብረኪዳን

“ዝኾነ ዓሻ ታሪኽ ክሰርሕ ይኽእል እዩ፤ ንክፀሓፍ ግና በሊሕ የድልዮ እዩ።”
ኦስካር ዋይልድ

ነዚ ሎሚ ዝፅሕፎ ዘለኹ፤ ኣብዘን ቁሩባት ኣዋርሕ ውሽጢ ዝተገብራ ነገራት፤ ንናይ ሎሚ ሰብ ከየግርመሉ ይኽእል እዩ፤ ንቐፃሊ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ንዘንብቦ ሰብ ግና፤ ነቲ ሎሚ ዝነብሮ ዘሎ ሰብ ሓዊሱ፤ ነዚ ካብ ዝኣምን ናይ ግሪክ ኣፈ ታሪኽ ምእማን ክቐሎ እዩ። “ነዚ እውን ኣሕሊፍና ኢና!” ክብል እዩ።  
ነዛ ተኸታታሊት ፅሑፍ ዝጀመርክዋ “ፀርፊ” ብእትብል ሸለልተኝነትን ዓጋባይነትን ትግራዎት እትትንትን ፅሑፍ ኔሩ። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ብዛዕባ ምፍልላይ ተጋሩ ስምዒተይ ዝተንከፈኒ መደብ ኣብ ራማ ተሰሪሑ ብትግራይ ቲቪ እንትመሓላለፍ ሪአ ፅሒፈዮ ኔረ።

ሓውን ሓፍትን ካብ ኤርትራ ክስደዱ መረብ እንትሰግሩ ነታ ሓፍቱ ውሕጅ መረብ ይወስዳ እሞ ምስቶም ደቂ ዓዲ ኮይኖም ደሊዮም ከም ዝሞተት ምስ ፈለጡ ምእንታን መረብ ምላሽ ቤተሰባ ክሰምዑ ከምዚ ኢሎም ገጢሞም፤
“አደዬ አበይʼላ ጓለይ ከይትብሊ፤
“ዋላኹ ኣብ ወሰን መረብ ኣለኹ።”

በዚ ትዝታታት እናተስቆንቆንና እናሃለና ግና ነገራት ብዘይተፀበናዮም መልክዑ ተቐዪሮም ንዒስራ ዓመት ኣይኮነን ንሓንቲ መዓልቲ ተፈላሊዩ ከምዘይፈልጥ ሰብ፤ ህዝቢ መረብ ስግርን መረብ ምላሽን፤ ከም ንቡር እንትተሓዋወስ ንሪኦ ኣለና። መጀመርታ ዕርቂ ወሪዱ እንትበሃል ኢሳይያስ ዝገበሮም ኣንፃር ወያነ ዘረባታት፣ ብወገን ኣብይ ድማ ንርክባት ህዝቢ ንህዝቢ “ናይ መንደር ፖለቲካ” ኢሉ ብምንሻው፣ ቀፃላይ ድማ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ርክብ ንምፍጣር ብዛላንበሳ ናብ ኤርትራ ዝኸዱ ሒዞምዎ ብዝተመለስዎ ቖፀራ መሰረት ካብ ኤርትራ ክመፁዎም ዝፅበይዎም ዝነበሩ ጋያሹ እንትተርፉ ዓብዪ ስምዒት ስብራት ልቢ ፈጢሩ ኔሩ። ነቶም ሽማግለታት ትግራይ ብዛላንበሳ ሰጊሮም ናብ ኤርትራ ክሓልፉ ዝፈቐደት ሓላዊት ኣሃዱ ኤርትራ ብኻሊእ ተቐዪራ ኔሩ ቖፀሮ ተቐቢሎም ንዝነበሩ ናይ ኤርትራ ሽማግለታት ናብ ዛላምበሳ ምሕላፍ ዝኸልአት። እዚ ዓብዪ ስግኣት ዝፈጠረ ክዋነ ኔሩ።
ሓድሽ ዓመት እንትኸውን ግና ባሕቲ መስከረም፤ ህዝቢታት ብዕሊ ክተሓዋወሱ እዮም ተባሂሉ ኣብ ዛላምበሳ ዳስ ተዘርጊሑ መራሕቲ ክሳብ ዝመፁ ኣብ ዶብ ኤርትራ ናብ ዛላምበሳ ምስጋር ዝደለየ ህዝቢ ብወተሃደራት ኤርትራ ንድሕሪት እናተመልሰ ንሰዓታት ፀኒሑ። ብወገን ዛላምበሳ እውን ማዕዶ ዶብ እናረኣየ ንሰዓታት ክፅበ ግድን ኮይንዎ ኔሩ። መራሕቲ መፂኦም ብደሚቕ ጣቕዒትን ዕልልታን ተቐቢሉ ናብ ዳስ ምስ ኣሕለፎም ግና ብሄራዊ መዝሙራት ክልተ ዓዲ ሰሚዖም፤ ንሰዓታት ንዝፅበዮም ዝነበረ ህዝቢ ክብሪ ክብሉ ንሓንቲ ደቒቓ ትኸውን መደረ እኳ ንምግባር ቦታ ከይሃብዎ፤ ሃንደበት ብሓንቲ ኢድ ኣፃብዕቲ ዝቑፀራ ደቓይቕ ከይመልኡ መሰስ ኢሎም ተፈሊዮምዎ ከይዶም። ደብረፅዮን ግና ምስ ህዝቡ እናተዳፈአ ተቐቢሉ ጥዑም መደረ ጌሩ፤ ንታሕጓስ ህዝቡ ተስፋ ብዝህቡ ቃላት፤ ገዲም መፃኢ ዕድልና ብተበላፃይነት ፉኽክር ዝፅልምት ዘይኮነስ ብሓባር ንዓብየሉ ብሩህ ዘመን ክኸውን ክሥራሕ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።
ሃፂፆም ምኻዶም ተኸቲሉ ግና ብወገን ኤርትራ ወተሃደራት ይምልስዎ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኹማ፤ ነቶግቲ ተቐቢሮምዎ ይኾን እዩ ይበሃል ብዝነበረ ፀድፊ እናጎየየ ወሪዱ ምስቲ ዝናፈቖ ወገኑ ምትሕቑቓፍን ምስዕዓምን ጀሚሩ። ንዒስራ ዓመት ተፈላሊዮም ዝነበሩ ውሉድን ወላድን፣ ኣሕዋትን ኣዝማድን ተራኺቦም። እኒ “ጌም ኦቨርን” እኒ “ናይ መንደር ፖለቲካን” ነቲ በዓል ዳግም ምትሕውዋስ ትርጉም ከይህለዎ ንምግባር ዝወጠነ ብዘምስል መልክዑ ቶሎ ይህደሙ እምበር እቲ ምትሕውዋስ ግና ተዓዋታይ ነይሩ። ብቐጥታ የፋንዎ ዝነበረ ትግራይ ቲቪ ይሪኢ ንዝነበረ ሰብ ስምዒት ህዝቢ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ንምርዳእ ኣይፅግሞን። ኣብ ፌስቡክ ዝወፁ ተነፋፊቖም ዝነበሩ ሰባት እንትራኸቡ ከመይ ይተሓቛቖፉን ይሰዓዓሙን ከምዝነበሩ ዘርእዩ ፎቶታት፤ ታሪኽ ክሳብ ዝዝከረሉ ግዘ፤ እናተርኣዩን መግረምት እናፈጠሩን ዝነብሩ ክኾኑ እዮም።
ቅድሚ ዳግም ምትሕውዋስ ምዕዋቱ እታ በይና ኣይቀብፅን ኢላ ካብ ዛላንበሳ ናብ ዶብ ኤርትራ እናጠመተት ክመፁኒ እዮም ኢላ ትፅበ ዝነበረት ግን መወዳእታ ቀቢፃ ኣብ ኢዳ ሒዛቶ ዝነበረት ቆፅሊ ኦም ሊሞ ቁልቁል ዘቕዚቓ፤ ምምላስ ኣቢይዋ፤ ብከንቱ ትፅበይ ከምዘላ እናፈለጠት ጠጠው ኢላ ተሪፋ ዝነበረት ኣዶ ምስሊ ሪኡ ዝሓዘነ ደሓር ኣሓት ኣደታት እንትራኸባ ከም ቆልዓ ምዕጉርተን እንትሰዓዓማ ሪኡ ይከሓስ። ከመይ ኢላ ኾን እዛ ከይቀበፀት ጠጠው ኢላ ዝነበረት ኣዶ ኣብ ባሕቲ መስከረም? ተንበርኪኹ፤ ነዲኡ ምስ እትኸውን ኣዶ፤ ተሓቛቒፎም እንትባኸዩ ዘርኢ ምስሊ ዝረኣየ እዞም ሰባት ነዛ ዕለት ክምነዩን በብዘለዉዎ ኮይኖም ክንደይ ናይ ሓዘን ዕለትን ድቃስ ኣልቦ ለይቲን ከሕልፉ ከምዝኽእሉን ናብ ሓሳቡ ክመፆ ይኽእል። ነዞም ውላድን ውሉድን ከቢበን ዝነበራ ኣዴታት ኣብ ግዘ ስቅያታ ክንደይን ክንደይን ተውግዐን ትኾን ኔራ? ንሳ እውን ናተን ናይ ናፍቖት እህህታ እናሰምዐት…። ንሳስ ረኺባቶ ሓቝፍዋ፤ ንሳተን ኸ ቀኒዕወን ይኾና ዶ?
ፀጉሮም ዝሰየቡ ኣቦን ውላድን ዝኾኑ ክልተ ሰባት ተሓቛቒፎም እንትትርኢ እቲ ዝባኸነ ዒስራ ዓመቶም ሪኡ ኪሳራ ዕብዳን ፖለቲካ መተካእታ ከምዘይህልዎ ይምስክር። ክልተ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰራዊት ክዳን ደንቢ ጌረን ዝነበራን ተሓቛቒፈን ፎቶ ዝተልዓላ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኾና ኣዋልድ ኣሕዋት ከምዝኾና ይዝረብ ኣሎ። መስደመም እዩ! ሓቂ እንተኾይኑ ኣዚዩ መስደመማይ እዩ! “እንታይ ዓይነት ዕብዳን ኔሩ ነዘም ክልተ ኣሓት ፀላእቲ ጌሩ ክቃተላ ኣሰሊፍወን ዝነበረ?” የብለካ። ኣብታ ሳልሳይ ክፋል ኣብ ግዘ ቁዘማና ናይ ፑሽኪን ግጥሚ ኣንቢብና ኔርና ኣብዚኣ እውን ደጊመ ከዘክረኩም፤
Upon my life, the tracks have vanished,
We’ve lost our way, what shall we do?
It must be a demon’s leading us
This way and that around the fields.
                 A.S. Pushkin, “Demons”
ግጥሚ ጎበዝ ኣይኮንኩን ሓሳቡ ግና ክትርጉመልኩም ክፍትን እየ፡
ሞት ይውሰደኒ፤ ጠፊኦምʼለው ኣሰራትና
ኣንፈትና ጠፊእና ኣሎ፤ እንታይ ይሕሸና?
ኣጋንንቲ እዮም ይገንሑና ዘለዉ
ናብዚን ናብቲን ፎቐዶ ሜዳታት።
               ኣሌክሳደር ፑሽኪን፣ “ኣጋንንቲ”
እቲ ዳግም ምትሕውዋስ ግና ኣብ ውሉድን ወላዲን ኣዝማድን ጥራሕ ዝነበረ ኣይኮነን፤ ኣቦታት ኤርትራ ብኣፍራስን ኣግማልን እናጋለቡ ኣቲዮም እዮም መናእሰይ እውን ባህላዊ ክዳውንቲ ጌሮም ባንዲራ ኤርትራ ሒዞም መፂኦም እዮም። እዚ ዘግርመልካ ብዓርሰ ተበግሰኦም ዝገበርዎ ምዃኑ እንትትግንዘብ እዩ። ካብ ላዕሊ እማ ኣሽንኳይ ዶ ከምዚ ከተሓባብርዎስ ቀዲሙ ከይሓልፍ እውን ይገብርዎ ኔሮም፤ ከምዚ ዓብዪ በዓል ኮይንዎ ታሕጓሱ ምዕቃብ ዘይከኣለ ህዝቢ እውን ብደቓይቕ ረጊፆምዎ ከይዶም እዮም። ታሪኽ ነዚ ክርስዖ ኣይኽእልን።
እዚ ዓቐን ዘይብሉ ታሕጓስ ክፈስስ ዝኸኣለ ንዓመታት ዝተገብሩ ናይ ፅልኢ ስብከታትን ብኲናት ደም ክቃባእ ጌርና ንወትሮ ኣቆራሪፅናዮ ኢና፣ ኣይተሓዋወስን፣ ቀዋሚ ናይ ፅልኢ መንደቕ ኣብ መንጉኡ ጠጠው ኣቢልና ኢና ኢሎም ፀላእቲ ኣብ ዝሓስቡሉን ግዘ እዩ። ታሪኽ ዳግም ክፀሓፍን ሓደ ዝኾነ ህዝቢ ከም ገዛእን ተገዛኢን፤ ወይ ድማ ሓደ ድሑር ካሊእ ስልጡን ጌርካ ብምቕራብ፤ መንነቱ ንምብታኽ ፈተነ ክግበር ምስ ፀንሐ እዩ። ህዝቢ መራሕቱ ከም ዝገበርዎ ይጠዋወ እዩ። ሎሚ ጋህዲ ወፂኡ ዘሎ መንፈስ ፍቕሪ ክሕባእን ከይግለፅን እናተገብረ ዝነበረ እዩ። ንሓዋሩ እውን መንፈስ ፅልኢት ከይነግስ ካብ ሎሚ ጥንቃቐ ክግበረሎም ዝግብኡ ነጥብታት ክሕሰበሎም ኣለዎ። ህዝቢ ብነፃነት ክራኸብ ስለዝተፈቐደሉ ብቐሊሉ ክዓግብ የብሉን። ሕውነቱ ዘስጥሙ ነገራት ክስርሑ ክገብር ኣለዎ። ሽርሒታትን ሸፍጢታትን ከጋልፅ ኣለዎ። ንዘመናት ተሰሪሕሉ ኣሉታዊ ምስሊ ኣብ ርእሱ ዝተቐረፆ ወገን እንተሃሊዩ ነዚ ኣሉታዊ ምስሊ ንምቕያር ዓበይቲ ሥራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም። ሸለል ዝበሃል ነገር ክህልው የብሉን። ሕሉፍ ጌጋታት ከይድገሙ እናተዘከሩ መምሃሪ ክግበሩ ኣለዎም።
ጆርጅ ሳንታያና ከምዝበሎ “ክእለት ተዘክሮ ዘይብላ ሃገር ናይ ዕቡዳት ሃገር እያ።” “A country without a memory is a country of madmen.”  ስለዚ ኩሉ ነገራት ክንዝክርን ክንመሃረሎምን ናይ ግድን እዩ።
ናይ ፀገማትና መንቀሊታት ፈሊና ኣብ ቅድሚት ዕንቅፋት ከይኮኑና ክነወግዶም ኣለና። ኣርስቶትል ከምዝበሎ “ዝኾነ ነገር ክትርድኡ እንተደኣ ደሊኹም ኣጀማምርኡን ከይዲ ዕብየቱን ኣፅንዑ” እዩ። ባሕቲ መስከረም ካብ ዝኣትው ሸሞንተ መዓልቲ ተቖፂሮም እየ ነዚ ዝፅሕፍ ዘለኹ። መኻይን ኤርትራ፤ ንመቐለ ሓዊሱ፤ ኣብ ከተማታት ትግራይ መሊአን ይረኣያ ኣለዋ። እዚ ንምርኣዩ ዘሕጉስ ክዋነ እዩ። ኮይኑ ግን ብኽልቲኡ ወገን እቲ ፀገም እንትፍጠር ዝነበሩ ወገናት ሎሚ እውን ኣለዉ። ሎሚ እውን ኣብ ሕግን ፍትሒን ዝተሞርኮዘ ዘይኮነስ ኣብ ፈቓድ መራሕቲ ተደሪኹ ዝመፀ ለውጢ እዩ ይረኣይ ዘሎ። እዚኣቶም ወገናት ካብ ፖለቲካዊ ትርፎም ኣርሒቖም ዘይሪኡ እዮም። ህዝቢ ኣብ ኩለመዳይ ርክቡ ሕጋዊነትን ፍትሓዊነትን ክጠልብ ኣለዎ። ብወረ መራሕቱ ስምዒታዊ ዝኾነሉ ግዘ ከብቅዕ ኣለዎ።
ኣብ ህይወት ዘመን ኩነታት ሃገራት ከይሓሰብካዮም ክንደየናይ ክለዋወጡ ከም ዝኽእሉ ንምምስካር ኣብዚ ዘመን ካብ ምንብር ንላዕሊ ካሊእ ግዘ ክህልው ኣይኽእልን። ደብተራ ፍሰሀ ጊዮርጊስ ዓቢየዝጊ ኣብ መበል 19 ክ/ዘበን ንሮማ ብመርከብ ዝገበርዎ ጉዕዞ ኣብ ዘዘንትዉሉ ንዘመናዊ ድርሰት ትግርኛ ፈላመይቲ ኣብ ዝኾነት መፅሓፎም፤ ኣብኡ እንትበፅሑ ንዝተሰመዖም ታሕጓስ፤ ጦብላሕታ ክብሉ ገሊፆምዎ ኔሮም። ንሶም ዝተሰመዖም ጦብላሕታ፤ ሎሚ ህዝብና ኣብ መሬቱ ብደቁ ተኸሊእዎ ዝነበረ ርክብ፤ ዘመን ፈቒድሉ እንትምለሰሉ፤ ንዓርሱ ኣብ ጦብላሕታ ኣቲዩ ረኺብዎ ንሓድሽ ዓመት ተቐቢልዎ እኒሀ። በዚኣ የፅነሐልና!
መቐፀልታ፡ ረሲዐዮ ኔረ እቲ መንነቱ ዘይፍለጥ ናይ ኢትዮጵያ ሠራዊት ቀይሕ ቆቢዕ ዝገበረ ክዳኑ ግን ናይ ካሊእ ዝኾነን እቲ ናይ ደብረፂዮን ጁባ ዝፍትሽ ዝነበረን መልሲ ዘይርከበሎም ክዋነታት እቲ ዕለት ኮይኖም ድዮም ክተርፉ? እንድዒ...። 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።