Skip to main content

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን

ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።

ሰጋእ እናበልኩ ፀኒሐ ካበይ ከም ዝመፀ ዘይፈልጦ ድፍረት ኣብ መወዳእታ ሰብነተይ ተቖፃፂሩ ከይደ ከዛርባ ገይርኒ፤ “መን ክብል?”
“ፍኖተጥበብ እበሃል” ፅባቐኣ ነዓይ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓርሳ እውን ነፃ ከም ዘውፀአታ ዓይነት ምንም ከየመንተአት ኔራ ዝመለሰትለይ።
“ሶፊ” ኢለ ሰላም ክብላ ፀጋማይ ኢደይ ዘርጊሐላ፤ የማናይ ኢደይ መፅሓፍ ሒዙ ነይሩ፤ ካብ ምድንጋረይ ዝተልዓለ ፀጋማይ ኢደይ ከም ዝሰደድኩ ኣይተፈለጠንን።
እናሰሓቐት “እንታይ?” ኢላትኒ፤ “ናይ ምንታይ ሶፊ?” ኢላ ብየማናይ ኢዳ ሰላም ክትብለኒ እንትትብል ጌጋይ ተገሊፅለይ ፀጋማይ ኢደይ መሊሰ  ይፅበየኒ ዝነበረ የማናይ ኢዳ ብየማናይ ኢደይ ጨቢጠዮ።
“ሶፊ ማለት ጥበብ እዩ፤ ናትኪ ሽም ብግሪክ እዩ፤ ብግሪክሲ …” ተኾላቲፈ።
ከም ዝተረደኣ ኣብ ገፅተኣ ኣንቢበዮ።
ከምዚ ኔሩ ንመጀመርታ ግዘ እንትንራኸብ - ኣነ ከም ዓሻ ዓጀውጀው እናበልኩ ንሳ ከዓ ነዓይ ተዓጊሳ እናሰምዐት ነፃ እንትተውፅኣኒ። ሶፊ - ናተይ ሓቂ!!
ናብ ኣኽሱም ስራሕ ክደሊ ኔረ ዝኸድኩ፤ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ገና ሓድሽ እዩ፤ መስከረም እንትመፅእ ናብኡ ዝተመደቡ ተምሃሮ ክቕበል ናይ መወዳእታ ምሽብሻብ እናገበረ፣ ሰራሕተኛታት እናቖፀረ ኔሩ። ዕድለይ ክሙክር ከይደ። መጨረሽኡ ክሳብ ዝፈልጥ መውዓሊየይ ኣብ ኣኽሱም ሓደ ግብረ ሰናይ ውልቀ ሰብ ኣብ ዝኸፈቶ ቤተ መፃሕፍቲ ኮይኑ፤ ንሶፊ ዝራእኽዋ ኣብኡ እዩ። ብዙሕ መንበባይ ኣይነበርኩን፣ ኮይኑ ግና ኣብ ኣኽሱም ኣቲየ መኸዲ ስለ ዘይነበረኒ ነቲ ላይብረሪ መሪፀ። ኣነ ኣብኡ እንትመላለስ ብዙሕ ሰብ ኣይኣትዎን። ብዙሕ ግዘ ኣነን እቶም ሰራሕተኛታትን ጥራሕ ኔርና እቲ ላይብረሪ እንውዕለሉ። ሓደ መዓልቲ ብምሳሕ ሰዓት ተመሊሰ እንትኣትው ኣብ ታሕቲ ኣብ ዘለዉ ዝተደርደሩ መፃሕፍቲ ሪአዮ ዘይፈልጥ ትርኢት ገጢምኒ።
መጀመርታ እንትትኣትው ብኢድ የማን መፅሓፍ ዝህቡ ኣብ ድሕሪ ዴስኮም ኮፍ ዝበሉ ላይብረሪያን ኣለዉ፤ ብድሕሪቶም ዝህብዎም መፃሕፍቲ ይረኣዩ። ብኢድ ፀጋም ከዓ ሓደ ክፍሊ ኣሎ ኣብኡ መንበባይ ዓርሱ ኣቲዩ ክወስዶም ዝኽእሉ መፃሕፍቲ ኣለዉ። ነዚኦም ሓሊፍካ ብደረጃ ጌርካ ናብ ናዕለዋይ ደብሪ እቲ ገዛ እንትትኸድ መንበቢ ክፍልታት ተዳሊዮም ኣለዉ። ቀደም ናይ ሓዲኡ ናይቲ ከባቢ ገዛኢ መስፍን ገዛ እዩ ኔሩ። ብደርጊ ግዘ መንግስታዊ ቤት ፅሕፈት ዝነበረ ይመስለኒ።
መፅሓፈይ ካብቶም ላይብረሪያን ተቐቢለ ናብ ላዕሊ ክድይብ እንትብል፣ ገፃ ናብቶም መፃሕፍቲ ድሕሪታ ናብቲ መተሓላለፊ ዝገበረት ሓንቲ ቀጣን፣ ነዋሕ ቆልዓ በቲ በሪ ተራኢያትኒ። መንገደይ ገዲፈ መሊአ ናብቲ ብፀጋም ዘሎ ክፍሊ ደው ኢለ ካብ ምጥማት ንዓርሰይ ክዓግት ኣይከኣልኩን፤ ብማእገራ ልክዕ ኣብቲ መደርደሪ መፃሕፍቲ ኢንሳክሎፒዲያ ብሪታኒካ ንየማንን ፀጋምን ተደርረዲሩ ይረአ - መንፈሪ ክንፋ መሲሉ ተራኢዩኒ። ናብቲ ዘላቶ ክቐርብ ዶ መንገደይ ቀፂለ ከም ወትሮይ ናብ ላዕለዋይ መንበቢ ክፍሊ ክድይብ ኢለ እናመንታእኹ እንትፀንሕ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ላይብረሪ፣ ሓደ ወዲን ሓንቲ ጓልን፣ ካብ ኮፍ መበሊ ዴስኮም ኮይኖም እንትስሕቑኒ ድምፆም ኣብ ከበሮ እዝነይ ኣጋዊሑ። ልክዕ ድምፆም ከም ዝደፍአኒ መንገደይ ገዲፈ ናብቲ ዘላቶ ኮይኘ ንዓርሰይ ረኺበዮ።
እንኳዕ ኣተኹ። እንኳዕ ኣዘራረብክዋ። እንኳዕ ስሒቖምኒ ኢለ ሓፊረ ኣይተረፍኩ።
ፍኖተጥበብ ከም ስማ ኔራ፤ ኣኽሱም ገነትና ኮይናትልና፤ ንሳ እውን ደላዪት ስራሕ እያ ኔራ። ክልተ ስኡናት ስራሕ ኣብ ግዘ ጭንቅና ተራኺብና ናይ ክልቴና ስራሕ ኮይንና። ከማይ ሓሳባዊት ምንባራ ክፈትዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ክትፈትወኒ እውን ጌርዋ እዩ። ህይወት ማለት ግዘ ምቑፃር እንተዘይኮይኑ ካብ ግዘ ወፃኢ ኮይነ ዕምቆት ዘለዎም መዓልትታት ዘሕለፍክዎ ምስ ሶፊ እዩ - ዝተረፈ ህይወተይ ምስ ሶፊ ዘሕለፍክዎ እዋን እናዘከርካ መዓልቲ ምቑፃር ጥራሕ እዩ። ይኹን - ናተይ ሓቂ ኔራ።
ንሳ ናይ ሳይኮለጂ ምርቕቲ እያ ኔራ። ኣነ ናይ ፍልስፍና። ከም ዝተምሃርና ክቑፀር እንተኾይኑስ ከምኡ እዩ ኔሩ። ብዛዕባ ኩሉ ነገር ንዛተ ኔርና - ፍቕሪ፣ ዓርሰ ፍትወት፤ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፤ ሰላም፣ ኲናት፤ ታሪኽና፣ መፃኢና፤ ሃገርና፣ ዓለምና - ዝተርፈና ኣይነበረን። እናምበብና ንውዕል እሞ ዓራርቦ ፀሓይ ካብቲ ላይብረሪ ወፂና ናብ ገፅ ሓውልቲ እናኸድናን ኣብታ ቀፅሪ ቤተ ክርስቲያን ኮፍ ኢልና ዘንበብናዮን ዝሓሰብናዮን እናተፃወትና ነምሽይ፤ ምስ መሸየ ንገዝኣ የፋንዋ እሞ ናብቶም ዝተቐበሉኒን የተኣናግዱኒ ዘለዉን ኣዝማዳተይ ገዛ ይኸድ።
ገዲፋትኒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ እትኸድ ናብ ኣኽሱም ዝመፃእኹሉ ዕላማይ ኣረሲዓትኒ ኔረ። ንሳ እንትትኸድ ፈላሞት ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም እውን ዝኣትዉሉ ግዘ እዩ ዝነበረ። ኣብ ፈላማይ ዓመት ከይባረሩ ዝሰግኡ ጭኑቓት ተምሃሮ ነቲ ምስ ንግስተይ ቤተ መንግስተይ ኮይኑ ኣንጊሱኒ ንዝነበረ ቤት ንባብ ገና ካብ ምምፅኦም ኣጨናኒቖም ኣሕሲሮምዎ - መን ክዱ ኢልዎም ብሓደ መዓልቲ ከምዚ ከም ዝመልእዎ ኣይርደኣንን። ንግስተይ ስኢነ ቤተ መንግስተይ ሓሲሩ እንትርኢ ኣነ እውን ትኬተይ ቆሪፀ ንመቐለ - ካብ መቐለ ንኣዲስ ኣበባ - ካብ ኣዲስ ኣበባ ከዓ ወላይታ ሶዶ ዩኒቨርሲቲ ዘውፀኦ ምልክታ፣ ኣብ ቀፅሪ ሚኒስቴር ትምህርቲ ተመዝጊበ ስለ ዝተመረፅኩ፣ ናብ ደቡበይ።
ምስ ሶፊ እንትነዕልል ሕንቅል ሕንቂሊተይ ዝኾነናን እቲ ዝተውሃበና ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ከፍልጠና ዘይከኣለ፣ ዋላ ንባባትና እውን ክሕግዙና ዘይከኣልዎ ነገር እንተሃለወ - “ስልጣነ ኣኽሱም ንምንታይ ከሲማ ተረፈት?” ዝብል ሕቶ ኔሩ። ስልጣነ ብውሽጣዊ ይኹን ብደጋዊ ተፃብኦ ይዳኸም እዩ፤ ኮይኑ ግና ተዳኺሙ ኣይተርፍን፣ ኣፋፍኖት ሰላምን ርግዓትን እንትረክብ፣ ልክዕ ተቖሪፁ መሊሱ ከም ዝጥጥዕ ተኽሊ፣ መሊሱ ይበራበር እዩ - ኣኽሱም ግና ኣጠፋፍኣኣ ሕማቕ ኔሩ - መሊሳ ክትጥጥዕ ኣይከኣለትን። ዘስደምም ኣሰር ርጋፃ ዝኾኑ ቅርስታት ጥራሕ ገዲፋ፣ ልክዕ ካብ ካሊእ ዓለም ዝመፁ ፍጥረታት ከም ዘጣየሽዋ ስልጣነ፣ ሓሪራ ተሪፋ።
ነዚ ሕንቅል ሕቅሊተይ መልሲ ንምርካብ ግና ምንባብ ጥራሕ እኹል ኣይነበረን - ምንባር፣ ምርኣይ ወሳናይ ኔሩ። ሶፊ ክትገልፀለይ ዘይከኣለት ሚስጥር እንተሃለወ እዚ ጥራሕ ኔሩ። ሎሚ ግና ተገሊፁለይ ኣሎ። ግዘ ሓያል መምህር እዩ። ሕዚ እውን ምስ ሶፊ ብሓደ እንተንኾን ኔርና፣ ካብቲ ላይብረሪ ንወፅእ እሞ በበይ ገፅ ከም እንኸይድ ንመርፅ፣ ካብ ላይብረሪ ወፂእና ናብ የማን እንተኸይድና ናብቲ ሓውልቲ ይወስደና፤ እቲ ላይብረሪ ናብቲ ሓውልቲ መዕፀፊ ኣብ ዘሎ ኣስፋልቲ መንገዲ እዩ ዘሎ። ንፀጋም እንተኸይድና ከዓ ናብቲ ዋና መንገዲ ንሕወስ። ኣጋ ዓራርቦ ፀሓይ ነፋስ ኣኽሱም ዝገርም እዩ፤ ጥንቲ ንመናገሻ ክትምረፅ ዝገበራ እዚ መድሓኒት መንፈስ ዝኾነ ኣየራ እንተዘይኾነ ኣይተርፍን። ኣብ መንገዲ እግረኛታት ብስርዓት ዝቦቐሉ ኣእዋም፣ ዋላ ቀትሪ እውን፣ ካብ ፀሓይ ዘፅልሉ፣ ካብ ገዛ ወፃኢ ዘለዉ ገዛውቲ እዮም። ንፀጋም ንኸይድ እሞ ካፍቶም ኣብቲ ዋና መንገዲ ዘለዉ ካፌታት ኣብ ሓዲኦም ገበላ ኮፍ ኢልና ወይ እቶም ካፌታት ንድሕሪትና ገዲፍና ናብ ውሽጢ ዘእትው መንገዲ ሒዝና ናብቲ ንኢሽተይ ጎቦ ደዪብና፣ ጠጠው ወይ ኮፍ ኢልና፣ ገፅና ናብታ ከተማ መሊስና፣ ንየማን ሓውልትን ኣኽሱም ፅዮንን፣ ንፀጋም ጎቦታት ዓድዋ ዓጆቦምና፣ ቅድሚት ካብታ ዋና መንገዲ ካብ ዘለዉ ቁሩባት ደብሪታት ወፃኢ ብዚንጎ ዝተኸድኑ መንበሪ ገዛውቲ ዝተዘርግሑላ ሰጣሕ ሜዳ ዝኾነት ዘመናዊት ከተማ ኣኽሱም፣ ካብ መንበሪ ኣባይቲ ወፃኢ ከዓ ሓረስቶት ዝዘርእዎ ጣፍ፣ ሕዳግ ጥንታዊ ስልጣነ ኣኽሱም ኮይኑ ነታ ከተማ ከቢብዋ፣ እናረኣና ከምዚ ምተበሃሃልና፡
- ሶፊዋ ሕዚ ተገሊፁለይ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኣኽሱም።
- ፅቡቕ።
ቀፅል ምባል እንትትደሊ “ፅቡቕ” እያ እትብለኒ። “ይፈትወኪ ኣለኹ እየ፣ ከይንፈላለ” ክብላ ይሓስብ እሞ “ፅቡቕ” እንዘይላ ከይስእና ፈሪሐ ይገድፎ።
- እቲ ናይ ውሽጢ ዓመፃት፣ ናይ ስነ ምግባር ግዕዝይናን ናይ ደገ ተፃብኦታት ንኹሎም ስልጣነታት ምውዳቕ ምኽንያት ከም ዝኾኖም ንኣኽሱም እውን ኮይንዋ እዩ፤ ድሕሪ እዚ ፈላማይ ውድቀት ግና መሊሳ ከይትበራበር ጌሩ ዘጥፈኣ ናይቲ ሕብረተሰባዊ ርክብ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ መንፈሳዊ ስነ ምግባር ዝተዓግተ ኮይኑ ምትራፉ ኔሩ። እዚ እዩ እቲ ሚስጥር። እቶም ድሕሪ ውድቀት ኣኽሱም ዝመፁ ገዛእቲ ነገስታት እውን እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስነ ምግባርን መንፈሳዊ ህይወትን ዝነበራ ሞኖፖሊ ተጎዝጒዞም ናይ ፀልማትን ጭቆናን ኣገዛዝኦኦም መሳርሒ ኔሮም ዝገበርዋ። ከም ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝበሉ ንቤተ ክርስቲያን መሊሶም ችቦ ስልጣነ፣ ስራሕን ቅንዕናን ክገብርዋ እንትብሉ ብሓፂሩ ተቐንፂሎም ክተርፉ ዝተገብሩ ነዚ እዩ ኔሩ። በቲ ናይቲ ሓረስታይ ጉልበትን ንኹሉ ክብፀሖ ብዝግባእ ሃፍቲ መሬትን ብሕታዊ ኣዘዝቲ ኮይኖም ስልጣኖም ኣደላዲሎም፣ ጥዒምዎም፣ ክነብሩ እንተኾይኖም ነቲ ህዝቢ ኣደንቊሮም፣ ተኣዛዚ ጌሮም፣ ክገዝእዎ ኔርዎም። በዚ ምኽንያት እቲ ሕብረተሰብ ናይ ስራሕ ክፍፍሉ ጠፊኡ ድሑር ናይ ሕርሻ ስልጣነ ጥራሕ ኮይኑ ክተርፍ ጌሮምዎ። ስልጣነ ኣኽሱም ዝተረከቡ ከዓ ሰብ ዋና ኣኽሱም ዘይኾኑስ ንደቡብ ገፅ ዝነበሩ ነቲ ስልጣነ ዘይፈልጥዎ ሓይልታት ምንባሮም ግብኣተ መሬት እቲ ስልጣነ ዘየጠራጥር ጌርዎ።  
- ናይ ስነ ምግባርን መንፈሳዊ ህይወትን ሞኖፖሊ እንታይ ማለትካ እዩ?
- እቲ ሰብ ንምንታይ ከም ዝነብርን ከመይ ክነብር ከም ዘለዎን እተረድኦ ቤተ ክርስቲያን እያ ኔራ ማለተይ እየ። ቤተ ክርስትያን ከዓ ከመይ ክነብር ከም ዝገበረቶ ርዱእ እዩ። ንኣብነት ሰብ ዓርሰ እምነቱ ክሕሰን ውልቃዊነቱ ክነፅግን እያ እትገብሮ ዝነበረት። ምድራዊ ክብሪ ክንዕቕን ሙገሳ ካልኦት ካብ ምድላይን ክዕቀብ እያ ጌራቶ። እዞም ነገራት ከዓ ናይ ዝኾነ ይኹን ስልጣነ እምነ ኩርናዓት እዮም ዝኾኑ። ሰብ ምንቃፍ እውን ኣይበረታታዕን - ምስሉይ ትሕትናን ዘይኩሩዕነትን እዩ ይበረታታዕ ዝነበረ። እዚ እዩ እምበኣር ውልቃዊ ተበግሶን መሃዛይነትን ትሕቲ መሬት ሰለስተ ክንዲ ክቕበር ዝገበሮ። ብዘይ ውልቃዊ ተበግሶን መሃዛይነትን ከዓ ስልጣነ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ። ሰብ ካብ ሓቃዊነት ወይ ጭቡጥነት ርሒቑ ሓሳባዊ እዩ ክኾን ዝግበር ዝነበረ፤ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስእልታት እንተሪእኽዮም ዝድለ ዝነበረ ነቲ መልክዕ ሰብ ብዓይኒ ሰብ እንትረአ ዝመስሎ ኮፍ ከብልዎ ዘይኮነስ፣ ነቲ መንፈሳዊነት ዘጉልህ ተጌሩ ክሰኣል ኔሩ ዝፅበ ዝነበረ - ዓይኖም ፉሩያት ኮይኖም ዝሰኣሉ ነዚ መንፈሳዊነት ንምንፅብራቕ እዩ። ኣውሮፓውያን እውን እኮ ኣብ ሓደ እዋን ከምዚ ሓሳባዊነት ዘተኩር ጥበብ እዩ ኔርዎም - ድሕሪ ግዘ ግና ናብ ጭቡጥነት እናተፀግዑ ከይዶም። ንሕና ግና ኣብ “ፍሩይ ዓይኒ” ተሸኺልና ተሪፍና። ዝነቅፍ የለ፣ ከዕሪ ተበግሶ ዝህልዎ እውን ኣይነበረን። ነቐፌታ ሓደ ሰብ ስርሑ ከመሓይሽን ህልኽ ሒዝዎ ዝሓሸ ዝሰርሐሉ ክእለት ክውንን ክፅዕር ዘግብሮ ኔሩ - ወቐሳ ግና ከም ሓጢያት ክቑፀር ተጌሩ። ክሳብ ሎሚ ሰብና ንወቐሳ ብኣወታዊነት ኣይሪኦን - ወቐሳ ግና ሃናፃይን መለዓዓላይን እዩ ኔሩ። ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝኾነ ርክብ ዘለዎ ህዝቢ ሸለልተኛን ምስሉይን እዩ ዝኾን - ሸለልተኛን ምስሉይን ህዝቢ ከዓ ዕምቆት ኣይህልዎን። ብዘይ ዕምቆት ከዓ ስልጣነ ዘይሕሰብ እዩ። ሎሚ እውን ህዝብና ዕምቆት የብሉን። እቲ ውልቃዊ ሰብ፣ ነፍሲ ክዘርእ ኣይተፈቐደሉን ኔሩ። ክሳብ ሎሚ ከም ውልቃዊ ሰብ ዝፅላእ ነገር የለን። ፍልይ ኢልካ ከም ምርኣይ ሓደገኛ ነገር የለን - በይንኻ ክትተርፍን ክትጥቃዕን እዩ ዝገብረካ።
- ሓቅኻ ወልዳይ ሃይማኖትን ፖለቲካን ምትሕውዋሱ ኣዚዩ መስካሕከሓይ ውልቀ መላኻይ ስርዓት ክፍጠር ጌሩ ኔሩ።
ሓሣብ ምእሳር ትኽእለሉ እያ፤ ከምዚኣ ኢላ ሓሳበይ ምኣሰረትለይ ኔራ። ሶፊ - ናተይ ሓቂ ኣበይ ኾን ትኾኒ? እታ ንደልያ ዝነበርናያ መልሲ ረኺበያ - ሶፊ - ነፃነተይ።
ሰብ - ሰብ ምዃን ተኸሊኡ፣ ምሕላም ተኸሊኡ፣ ስልጣነ ከመይ ክፀንዕ ይኽእል? ኣይከኣሎን።
ሶፊ ግና ወትሮ ምሳይ ኢኺ።

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።