ምርጫ ጦማሪ

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ...

ዓውዲታት መቕተልቲ ኣፍሪካ

ሮበርት ዲ. ካፕላን

“ኣነ “ናይ መንደር ፖለቲከኛ” ኮይነ ኣይፈልጥን፣ “ዓዲ ኣቦ” ብዝባሃል ልቢ ዝሰልብ ግንዛበ ተማሪኸ ኣይፈልጥን፣ ግን ከዓ ንሕና ኮሚኒስት ንበሃል ዝባንና ንሓረስቶት እንትንህቦምን ንኢኮኖሚያዊን ፖሊስን ፀቕጢታት እንትንዳርጎምን ይርብሸኒ ኔሩ።”
—Milovan Djilas, Rise and Fall

ማኦ ዚዶንግ ደባይ ተዋጋኢ “ኣብ ባሕሪ ህዝቢ እዩ ዝሕምብስ” ኢሉ ኔሩ። ካሊእ ኮሚኒስት ክልሰ ሓሳባዊ ከዓ (ብመሰረት ፒተር ኒጊል ንበርሊነር ሚሽንስወርክ ዝፀብፀብቦ) ናይ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ፓርቲ መንእሰይ ካድሬ ናይዚ ሓቂ ውፅኢት ኣብ መቐለ ንዝተኣከቡ ተጋሩ ሓረስቶት ንግግር እንትገብር ድሕሪ ሕርቃኑ ምቁፅፃር ምስ ኣበዮ ከምዚ ኢልዎም፡ “ነቲ ባሕሪ እንተድሪቕካዮ እቶም ዓሳታት ይሞቱ።”

ቀፂሉ እውን “ንትግራይ ኣንቂፅና ነቶም ሸፋቱ ኢዶም ክህቡ ክንገብሮም ኢና። ንስኻትኩም ናይቶም ሸፋቱ ዓንድ ሕቖ ኢኹም፤ ስለዚ መጀመርታ ነዓኹም ክንሰብረኩም ኣለና፤ ነቲ ኣንጉዕ ዓፅሚ ነጥፍኦ።” ካሊእ ካድረ ፓርቲ ከዓ ንኻልኦት ዝተኣከቡ ሓረስቶት፤ “ብህዝቢ ጠጠው ኣይነብልን፤ እቲ መሬት ብምሉኡ ሓንቲ ኦም ከየትረፍና ክነብርሶ ኢና” ኢልዎም።
ኮሚኒስት መራሕቲ ኢትዮጵያ ደባይ ተዋጋእቲ ትግራይ ብወተሃደራዊ ሜላ ጥራሕ ከም ዘይሽነፉ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ናይ መንግስቲ ቤት ፅሕፈት ብሄረሰባት፤ ብሶቭየት ኣማኸርቲ ዝሕገዙ ኣምሓሩ ዘካይድዎ ቤት ፅሕፈት፤ ኣብ መፈለምታ 1980ታት ናይ ህወሓት ናይ ገጠር ደጀን ሓይሊ ዘብርሱሉ ውጥን ኣምፂኦም። እቲ ውጥን ግና ጥሜት ክመፁ ዝገበሮም ተራድኦ ምዕራባውያን ክሳብ ምውሓዝ ዝጅምሩ ናብ ተግባር ኣይኣተወን ኔሩ። ካብቶም ኣብ ባሕሪ ዝነበሩ ሓደ ዓሳ ካብ ዝገጠሞ ዝስዕብ ኔሩ።
ወልደስላሴ ገብረማርያም ኣብ መወዳእታ ሰላሳታት ዕድምኡ ዝርከብ ትግራዋ ቀሺ እዩ፤ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ መጋቢት 1985 ፒተር ኒግል ቃለ ምሕትት ካብ ዝገበረሎም ሓምሳ ስደተኛታት ኢትዮጵያ እቲ ሓደ እዩ፤ ፒተር ኒግል ንጀርመን ጉጅለ ቤተ ክርስትያን ዝኾነ በርሊነር ሚሽንወርክ ይሰርሕ ዝነበረ መርማሪ እዩ።
"ናተይ መንደር ህወሓት ኣብ ዝቆፃፀሮ መሬት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ [1984] ለበዳ ሕማም ከፍቲ ተላዒሉ ኣብቲ ከባቢ ኣባፂሑ ኔሩ። … እተን ከፍቲ የእውያ ኔረን፣ ምብላዕ ጠጠው ኣቢለን፣ ደም ይሓርኣ ኔረን፣ ዓፅሚ ጥራሕ ተሪፈን ኣብ መወዳእታ ሞይተን። መንግስቲ ነተን ኸፍቲ ብነፃ ኣብ ዓድዋ ክትባት ከም ዝህበን ኣዊጁ ኔሩ። ህወሓት እውን ክነኸትብ ፈቒዳትልና [ናብ ናይ መንግስቲ መሬት ብምሕላፍ]። ካብ መንደርና 750 ጥሪት ኣኪብና ከይድና።"
ወልደስላሴ ኣብ ሂደት መዓልትታት ንገዝኡ ክምለስ ሓሲቡ ኔሩ ሰበይቱበን ሰለስተ ደቁን ኣብ መንደሮም ገዲፉ ዝኸደ። ኣብዚ ግዘ እዚ ኒውስደይ (9 ታሕሳስ 1984) ብጆሽ ፍሬድማን “New Start for Chosen Few” (“ሓድሽ ጅማሩ ንዝተመረፁ ውሑዳት”) ብዝብል ፅሑፍ ኣብ ዘውፅአሉ ግዘ እዩ። በዚ ፅሑፍ ዝተፈላለዩ ገበናት ሰፈራ፤ ብኣገዳዳይነት ቤተሰባት ምብትታን ሓዊሱ፤ ጠጠው ከም ዘበሉ ዝፅብፅበሉ ፅሑፍ እዩ።
"9 ታሕሳስ [1984] ዓድዋ በፂሕና ኣብ ማእኸል ከተማ ምስ ኾንና ብወተሃደራት ተኸቢብና። [ቀፂሉ ወልደስላሴ እቶም ወተሃደራት ነቶም መናእሰይን ጥንኩራት ዝመስሉን ፈሊዮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወሰድዎም የብርህ።] “ከፍትና መን እዩ ክሪአን?” እናበልና ዓው ዓው እንትንብል ከፍትና ጥራሕ እንተስኢና ምስኣን ኣይበሃልን፣ መንግስቲ ሰፈራ ክወስደና እዩ መተካእታ ከፍቲ እውን ክትወሃቡ ኢኹም ኢሎምና።
"ኣብ ዓድዋ ኣፍቲ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ 1,000 ሰባት ኔሮም። ደበሳይ ዝተብሃለ ካድረ ኔሩ ዝመዝገበና። ትግራይ እምኒን ከውሒን ጥራሕ ስለዝኾነትን እቲ ሓመድ ልሙዕነቱ ስለዝጠፍአ መንግስቲ ዝሓሸ ልሙዕነት ናብ ሰለዎ መሬት ክወስደና ይግደድ እዩ ኢሉና። … ኩላትና ብሓደ ጫው ጫው እናበልና ምቅዋም እንትንጅምር ነቲ ካድረና ደበሳይ ኣሕሪቕዎ። ደበሳይ ናብቲ ኣመሓዳሪ ከይዱ። … ንሱ እውን ሓሪቑ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ መፂኡ ንኹልና ኣፀዊዕና ኣኪቡ ፀሪፍና ደሓር ኣብቲ ቐፅሪ ብንብርክኺት እናተፏሓኽና ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ክንምለስ ኣዚዙና። … እናተፏሓኽና እንትንምለስ ንውቃዕ ኔርና። …
"ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ንዓሰርተ መዓልቲታት ፀኒሕና። እኹል ማይ ኣይነበረን። እቶም ሽማግለታት፣ ዝሓመሙን እተን ደቂ ኣንስትዮን ረኺቦም እንተኾይኖም ኣይፈልጥን። ማይ ብዝመፀ ቑፅሪ ባእሲ ይለዓል ኔሩ … ዝሕግዙ መናእሰይ ወይ ጠንካራ ሰባት ዘለዉዎም ጥራሕ እዮም ማይ ይበፅሖም ዝነበሩ። … ሓደ ሓደ ሰባት ከምልጡ ይሙክሩ ኔሮም … ንኣብነት ዓርከይ መኮንን ኣሎ፤ ግና ተታሒዙ፤ ሙሉእ ለይቲ እናተገረፈ ሓዲሩ። … ምስ ወግሐ እናረእናዮ ኣብቲ ሓመድ ክንከባለል ጌሮምዎ፣ ናብ ልዕሊኡ ማይ የፍስሱሉ ኔሮም ደሓር ጭቃ ጥራሕ ተለኺዩ ተሪፉ። ቀፂሎም ብብርኪ እግሩን ኢዱን ክንፏሓኽ ኣዚዞምዎ። … ኣንደበቱ እናተቖራረፀ ከምልጥ ዝሞከረ ኩሉ ከምዚ ከምዝኸውን ዓው ኢሉ ክናገር ጌሮምዎ። ሙሉዕ መዓልቲ ንዓርሱ ከየፅሪ ተኸሊኡ ኔሩ ቁስሉ እውን ኣይተሓከመን።"
እቶም እስረኛታት ንመዓልቲ ዝወሃቦም ምግቢ ክልተ ባኒ ኔሩ። እቶም ወተሃደራት ናይ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣውሮፓ፣ መንግስቲ ካናዳን ምዕራብ ጀርመኒ ምልክት ካብ ዘለዎም ክሻታት ዝመፀሎም ምግቢ እናውፅኡ ይበልዑ ኔሮም። ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ ሶቭየት ኣብረርቲ ንወልደስላሴን ካልኦትን ካብ ዓድዋ ናብ መቐለ ብሂሊኮፍተር ወሲዶምዎም። ብመሬት ምኻድ ኣይከኣልን፤ ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ዘሎ መሬት ኣብ ኢድ ህወሓት እዩ።
"ኣብ ሰጣሕ ሜዳ ጌሮምና። ቀትሪ ካብ ፀሓይ ዝኽውለና ፅላል ወይ ለይቲ ካብ ቁሪ ዝከላኸለልና መሕደሪ ኣይነበረን። እቲ ሜዳ ካብ መላእ ትግራይ ዝመፁ ካብ 7,000 ክሳብ 8,000 ዝበፅሑ ሰባት ኔሮምዎ፤ ሰለስተ ረድፊ ዘለዎም ወተሃደራት ይሕልዉና ኔሮም። ማይ ካብቲ ናቑጣ ብኽልተ ቡንባታት ይመፅእ ኔሩ። እቲ ሓደ ናይ ወተሃደራት እዩ። እቲ ካሊእ ቡንባ ነዓና እዩ ግና እቶም ወተሃደራት ክዳን ክሓፅቡ እንተደሊዮም ይጥቀሙሉ እዮም። ኣብ ዝሓፅቡሉ ግዘ ነዓና ዝኸውን ማይ ኣይህልውን ኔሩ። ኣብ ዝህልው ግዘ ነዋሕቲ ሰልፊታት ኔሮም። … ተራኻ እንትበፅሕ ናብቲ ቡንባ ቀልጢፍኻ ከይድኻ ክንዲ ዝኸኣልካዮ ማይ ብኸብዲ ኢድካ ክትሕዝን ዝከኣልካዮ ነጠብጣብ ማይ ክትሰትይን ትሙክር - ማይ መትሓዚ ዝበሃል ኣይነበረን። ከምዚ እንትትገብር እቲ ቐፃላይ ተረኛ ይዳፋእ ኣሎ እዩ። …
"ዝቃወሙ ሰባት ኣብቲ ናቑጣ ውሽጢ ዝእሰሩሉ ክፍሊ ኔሩ። … ኣብኡ ኣቲየ ኔረ እየ። … ብሓፈሻ 70 እሱራት ኔርና በብመዓልቱ ቀልቀል ሰባት ነፅሪ ግዴታ ኔርና።"
ካልኦት ኣብቲ መዕቖቢ ዝነበሩ ሰባት እንተገልፅዎ በቲ ዝነበረ ከቢድ ጉድለት ኣታሕዛ ፅሬት ሰባት ውፅኣትን ተምላስን ይሕዞም ኔሩ። ብዙሓት ካብ መቐለ ከይወፁ እዮም ዝሞቱ። በፃሕቲ፤ ጋዜጠኛታት ሓዊሱ፤ ናብቲ መዕቖቢ ክጉብንዩ እንትመፁ እዞም ተጋሩ ተኣኪቦም ናብ ካሊእ ቦታ ንግዚኡ ይውሰዱ።
"[ወልደስላሴ እንትቕፅል ከምዚ ይብል፤ ]ኣብኡ ኣብ ዝነበርኩሉ ሸሞንተ መዓልቲታት ደበሳይ ዝተብሃለ ካድረ ይሪኦ ኔረ። ብናይ መንግስቲ መኪና ንጎሆ እዩ ዝመፅእ ዝነበረ፤ ምሸት መሊሳ ትወስዶ። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕማቕ ጨና ምፅዋር ኣብ ዝሰኣኖ ግዘ እታ እታ መኪና ብግዘ [ድሕሪ ሰዓት] ክትወስዶ ይገብር። ደበሳይ መንእሰይ እዩ፤ ከም ናይቶም ሩሲያውያን ዝመስል ናይ ወተሃደራት ጃኬት እዩ ዝገብር። … ሎመዓንቲ ብዛዕባ ሰፈራ ነማርር ኣለና፤ ፅባሕ ግና ኣብኡ ምስ ሰፈርና ቤተሰብና ክልእኹልና ክንልምኖም ከምዝኾና ምዝራብ ኣዚዩ ይፎቲ ኔሩ።
"እቲ ጉዕዞ ብኣየር ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትቕፅል ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክወስዳና ናይ ፅዕነት መኻይን መፂአን። እቶም ሽማግለታትን ዝሓመሙን ናብተን መኻይን በቶም ወተሃደራት ከም ክሻ ይድርበዩ ኔሮም፡ ሓዲኡ እግሮም እቲ ኻልኣይ ኢዶም እናሓዙ ይድርብይዎም። … ድሕሪ እዚ እቶም ደሓን ዘለዉ እናተደፍኡ ይድይቡ። እዚ ግን ትፃወሮ ኢኻ።"
ስራሕቲ ሶቭየት ዝኾና ኣንቶኖቫት፤ ብሶቭየትን ሊብያን ዝተውሃባ፤ ኣብዚ ዕማም እዚ ኣብ ጥቕሚ ይውዕላ ኔረን። እተን ኣየራት ፀቕጢ ኣየር ክፃወር ተጌሩ ዘይተሰርሐ ን50 ኣየር ወለዳት ዝተብሃለ ኣየር ኣብ ሕድ ሕድ በረራ 300 – 350 ሰባት እናፀዓነ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይወስድ ኔሩ። ወልደስላሴን ካልኦትን ከም ዝገለፀዎ እቶም ዝሓመሙ ኣብ ማእኸል እቲ ወለል ኣየር ይግበሩ ኔሮም፤ ቀፂሎም እቶም ደሓን ዝኾኑ ይዕጨቑ። “ብሓደ ተፀሚሮም ከም ዝተኣሰሩ እንፀይቲታት ተጣቢቕና ጠጠው ኢልና። ካብ ኩሊ ንላዕሊ ይሳቐዩ ዝነበሩ ኣብ ማእኸል እቲ ኣየር ዘደቀስዎም ኔሮም። ሰባት ይረግፅዎም፣ ኣብ ልዕሊኦም ይወድቁን ይፀቕጥዎምን ኔሮም። ዓይነይ እናረኣየ ሓደ ሰብ ሞይቱ እዩ።” ኒግል እቶም ህይወቶም ዘውፅኡ ስደተኛታት ቃለ ምሕትት እንትገብረሎም ምስኡ ትሰርሕ ዝነበረት ቦኒ ኬ. ሆልኮምብ ን ስፒን መፅሄት ከም ዝበለቶ “ኣየር ኣብ እትለዓለሉን እትዓርፈሉን ግዘ ብዝፍጠር ምፅቕቓጥ ሰባት ይሞቱ ኔሮም። ተዓፊኖም ኔሮም፣ ኣብ ልዕሊ ንሰ ንሳቶም የምልሱ ኔሮም፣ ልክዕ ናይ ምዕፋን ጥቕዓት ከም ዝበፅሖም እዩ ዝቑፀር። … ንህፃውንቲ ናብ ልዕሊ ርእሶም ሓፍ እናበሉ ይሕዝዎም ኔሮም፤ ከይጭፍለቑ። ኣንስትዮ ምጭንጋፍ ፅንሲ ገጢምወን ይደምያ ኔረን።” ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ እንትበፅሑ ወተሃደራት ነቲ ሬሳ ኣሪዮም ይወስዱ፣ ሰራሕተኛታት ተኸላኸልቲ ሓዊ ከዓ ማይ እናፍሰሱ ነቲ ዝተኸመረ ተምላስን ውፅኣትን ካብ ወለል እቲ ኣየር የፅርይዎ።

Surrender or Starve (ኢድኩም ሃቡ ወይ ጥመዩ) ካብ ዝብል ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዘድሃበ ዘይተሓተመ ናይ ትርጉም ስራሕ ዝተወስደ።
ኣቆፃፅራ ዓመተ ምህረት ብፈረንጂ እዩ፡፡

No comments:

Post a Comment