ራዕዲ ልቢ October 03, 2018 ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ። ምንባብ ይቐፅሉ »
ሽማግለ ኣብ ድልድል September 25, 2018 አርነስት ሄሚንግወይ ናይ ብረት መሕቖፊ ዘለዎ መነፅር ዝገበረን ሓመድ ዝሰተየ ኽዳን ዘለዎ ሽማግለ ኣብ ጎኒ መንገዲ ኮፍ ኢሉ ኔሩ። ነቲ ሩባ ዘሳግር ኣብ ማይ ዝንሳፈፍ ድልድል ኔሩ፣ ጋሪታት፣ መኪናታትን ሰብኡት፣ ኣንሽትን ህፃውንቲን ይሓልፉሉ ኔሮም። በቕሊ ዝጉትትወን ጋሪታት ካፍቲ ድልድል ቐፂሉ ናብ ዘሎ ፀዳፍ ዓቐበት ሰንከልከል እናበላ፣ እቶም ወተሃደራት ነቲ ተሽከርካሪ እግረን ዝሓዘ ግዳም ብምድፋእ እናሓገዝወን፣ ይድይባ ኔረን። እተን መኻይን ነቲ ሓመድ እናድቀቓ ኩሉ ድሕሪት ገዲፈን ይኸዳ ኔረን፣ እቶም ሓረስቶት እውን ክሳብ ዓንካር-ዓንካሪቶም ሓመድ ተውሒጦም ምስኦም የዝግሙ ኔሮም። ካብዚ ምቕፃል ደኺምዎ ኔሩ። ምንባብ ይቐፅሉ »
ክሽምሽ September 24, 2018 ኣንቶን ቼሆቭ ገና ጓሓት ጀሚሩ ሰማይ ብሙልኡ ፀልማት ብዝኾኑ ደመናታት ተኸዊሉ ኔሩ፤ ዋዒ ኣይነበረን፣ ፀጥ ዝበለን ደባንን ኔሩ፣ እዚ ደመናታት ኣብ ሰማይ ንነዊሕ ግዘ ኣብ ዝፀንሑሉ ሓምኹሽታይ፣ ቀዛሒ ዕለት ዝተለመደ ኩነታት እዩ፣ ክዘንብ እዩ ኢልካ ትፅበ ግን ጠብ ትብል ነገር የላን። ምንባብ ይቐፅሉ »
ኣቃላዒት ልቢ September 22, 2018 ኤድጋር ኣለን ፖ ርግፅ እዩ! ሒምኒ ኔሩ፣ ብጣዕሚ ሒምኒ ኔሩ። ግን ንምንታይ ኢኹም ኣእምሮኻ ስኢንካ ኢኻ ትብሉኒ፣ ንምታይ እዩ ዓቢድካ ኢኻ ትብሉኒ? ንኣእምሮይ ሙሉእ ንሙሉእ ይቆፃፀር ከምዘለኹ ኣይረኣየኩምን ዘሎ? ከምዘይዓበድኩ ግልፂ ኣይኮነን ድዩ? ጭራሽ እቲ ሕማመይ ንኣእምሮይ፣ ንስምዒተይ፣ ንስምዒት ህዋሳተይ ኣጠንኪርዎም እዩ፣ ኣሕዪልዎም እዩ። ምንባብ ይቐፅሉ »
ክፉት መስኮት September 21, 2018 ሳኪ (ኤች.ኤች. ሙንሮ) “ኣይተ ነቴል ኣሞይ ሕዚ ክትመፅእ እያ” በለት ጓል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾነት ንዓርሳ ብዝግባእ ኣርኒባ ትሕዝ ቆልዓ፤ “ክሳብ ሽዑ ግን ነዓይ ንምፅዋር ክትሙክር ኣለካ።” ፍራምቶን ነቴል ነታ ክትመፅእ እያ ዝተብሃለት ኣሞ ከይዘንገዐ ነዚኣ ሕዚ ጓል ሓፍቱ ኮይና ትርከብ ንዘላ ብዝግባእ ንክሽንግል እቲ ልክዕ ክበሃል ዝኽል ነገር ንምዝራብ ሞከረ። ብውሽጡ ብተኸታታሊ ሓዱሽ ዝኾንዎ ሰባት ምጉብናዩ ነቲ ናይ ነርቭ ውጥረት ንዝደልዮ ፈውሲ ክንደየናይ ረብሓ ክህቦ ከምዝኽእል ሕዚ ካብ ምንም ግዘ ንላዕሊ ተጠራጢርዎ። ምንባብ ይቐፅሉ »
ጎጆ ገጠር September 21, 2018 ኣንቶን ቼሆቭ ሓዳር ካብ ዝገብሩ ነዊሕ ዘይኮኖም ክልተ መናእሰያት ኣብ ሓንቲ ናይ ገጠር ባቡር መፀበዪ ፅላል ኮይኖም ናብዚን ናብቲን ጎርደድ ይብሉ ነበሩ። ኢዱ ኣብ ሽንጣ ተጠምጢሙ፣ ንሳ ድማ ርእሳ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትከሽኡ ደርቢያቶ ኣላ፣ ክልቲኦም ከዓ ሕጉሳት ኔሮም። ምንባብ ይቐፅሉ »
ፊስካ September 21, 2018 ቤንጃሚን ፍራንክሊን ንወይዘሮ ብሪሎን ናይ ተፈታዊት ዓርከይ ክልተ ደብዳቤታት ተቐቢለ ኣለኹ፣ ሓደ ኣብ ረቡዕ፣ ሓደ ከዓ ቀዳም። እዚ ከዓ ዳግማይ ረቡዕ እዩ። ናይ ሎመዓንቲ ኣይግበኣንን ኔሩ፣ ምኽንያቱ ድማ ናይቲ ዝቐደመ መልሲ ስለዘይፀሓፍኩ እዩ። ግን ዋላ ሰነፍ እንተኾንኩ፣ እንተደኣ ኣብቲ ምልልስ ተሳትፎ ዘይገብር ኮይነ፣ ናትኪ ተወሰኽቲ ምቁራት መልእኽቲታት ናይ ዘይምንባብ ፍርሒ ስለዝመፀኒ ብርዐይ ከልዕል ይግደድ ኣለኹ። ምንባብ ይቐፅሉ »
ዘይንቡር ታሪኽ September 21, 2018 ኦ. ሄነሪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኦስቲን ኣብ ሓደ እዋን እኒ ስሙዘርስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ቅኑዓት ቤተሰባት ይነብሩ ኔሮም። እቲ ቤተሰብ ንእኒ ጆን ስሙዘርስ፣ በዓልቲ ቤቱ፣ ባዕሉ፣ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾና ንኢሽተይ ጓሎምን ወለዳን ኮይኖም ብኣፍልጦ እቲ ከተማ ንፍሉይ ጥቕሚ እንትቑፀሩ ሹዱሽተ ዝኾኑ፣ ናይማን ግን ንሰለስቲኦም ጥራሕ ዝሓቖፈ ኔሩ። ምንባብ ይቐፅሉ »
ሰለስተ ሕቶታት September 21, 2018 ሊዮ ቶልስቶይ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ንጉሥ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት መልሶም ክፈልጥ ተመነየ፦ ዝኾነ ይኹን ተግባር ዝጅምረሉ ትኽክለኛ ግዘ፤ ነዚ ንምፍላጥ ነየኖት ሰባት ክሰምዕን ነየኖም ከዓ ከይሰምዕን ከምዘለዎ፤ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ከዓ ወትሮ ኣየናይ ተግባር ቁልፊ ተግባር ከምዝኾነ ክፈልጥ ተመነየ፣ ነዚታት እንተዝፈልጥ ኣብ ዝነጥፈሎም ተግባራት ኩሎም ምንም ዓይነት ጌጋ ከምዘየጋጥሞ ሓሰበ። ምንባብ ይቐፅሉ »