Skip to main content

ጥዕምቲ ደርሆ

ግደይ ገብረኪዳን

ብዛዕባ ኣከዳድና ተምሃሮ እናዘተዩ እናሃለዉ በርሀ፤ “ድሕሪ ኩሉ ነገር ወሲብ ኣሎ” ኢልዎም። በርሀን ኣዕሩኽቱን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ናይ ተምሃሮ ካፊቴርያ ክምገቡ ዝተሰለፉ ናይ መጀመርያ ዓመት ተምሃሮ እዮም። ወሲብ ክንድ እዚ ወሳናይ ግደ ኣብ ህይወት ደቅ ሰባት ኣለዎ ኢሎም ክኣምንዎ ኣይከኣሉን። ትምህርቶም ወዲኦም “ከይተምሃረ ንዘምሃሮም ህዝቢ” ንምቕያር ዕላማ ዝሰነቑ፣ “ዓብዪ” ናብ ዝብልዎ ቦታ ክበፅሑ ዝህንጠው መናእሰይ ሰብ ንወሲብ እዩ ዝነብር ኢሎም ክኣምንዎ ኣይከኣሎምን። ዝገብርዎ ስለ ዘይነበሮም ግና ንበርሀ ከለፍልፉ ደሊዮም ቁም ነገር ከም ዝወፆ ወግዒ ብቁም ነገር ክካትዕዎ ጀሚሮም። ብዘይካ በርሀ ኩሎም ይሕጭጩ እዮም ኔሮም - ንወሲብ ቦታ ዘይብሎም ውሽጣዊ ፀዓቶም ኩሉ ንትምህርቲ ጌሮም ብትምህርቲ ብዝረኽብዎ ዓወት ብሩህ መፃኢኦም ብተስፋ ኣማዕዲዮም እናረኣዩ ውሽጣዊ ርውየት ዝረኽቡ እዮም።  

ሰዓቱ ርእይ ኣቢሉ በሪ እቲ ካፊቴርያ ክሳብ ዝኽፈት ግዘ ከም ዘለዎ ዘገናዘበ ናይቲ ካፊቴርያ ተቖፃፃሪ፤ “ሓደ ታሪኽ ክነግረኩም” ኢሉ ብሰሓቕን ሕጫጨን ተዓብሊሎም ምኽፋታ ይፅበይዋ ኣብ ዝነበረት በሪ ተኣኪቦም ዝነበሩ ተምሃሮ ፀጥታ ክዓስሎም ጌርዎም። ልዕሊ ክልተ ወርሒ ናብዛ መመገቢት ኣዳራሽ እንትመላለሱ ናይ መእተዪ መለለዪ ቁፅሮም ካብ ምርኣይ ወፃኢ ኣዛሪብዎም ዘይፈልጥ እዚ ኮስታር፣ ሓፂርን ረጒድን ተቖፃፃሪ ኣብ መንጎ ፀወትኦም ምሕዋሱ ኣግሪምዎም ኣሎ። ፀጥ ኢሎም ብምስማዕ በዚ ተቖፃፃሪ ተፈታውነት ረኺቦም ሽርከኦም ክገብርዎ ኩሎም ትኹረቶም ሂቦምዎ።
“ሓደ ታሪኽ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ እንትትሪኦ ብዙሕ ነገር ክተገናዝብ ይገብረካ እዩ” ኢሉ ወግዑ ጀመረሎም። “ኤልሳ ናይ ባዕላ ቤት ምግቢ ዘለዋን በይና እትብር ኣብ መጀመርታ ሰላሳታት ዕድመ ዘላ ቀያሕ፣ ነዋሕ፣ በዓልቲ ተፈታዋይ ቁመና፣ ልክዕ ከም ግዘ ቁልዕነታ ናይ ወሲብ ድሌታ ዘይነከየትን ኣደ ክልተ ቆልዑትን እያ። ክልቲኦም ካብ ናይ መጀመርታ ሓዳራ ዝተረኸቡ እንትኾኑ በዚ መከረኛ ሃረርታ ወሲብ ብዘይ ምጥዕዓም፣ ሓዳራ ዝፈትሐት እያ።
“ብዛዕባ መንቀሊ ፍትሖም ንሰባት እንትትነግር እትሓብኦ ሚስጥር የብላን፤ ‘ምንም እኮ እዩ ዘይኽእልʼ እያ እትብል። ፀገሙ ግና ቀዲሞም ብርኪ ስምዒቶም ዝተመጣጠነ ከም ዝኾነ ኣፃሪዮም ዘይምቕፃሎም እዩ ኔሩ። ንሱ ንወሲብ ብዙሕ ሃረርታ ዘይብሉ ዝሑል እንትኾን ንሳ ርስንቲ እናሃለወት ሓዳር ምግባሮም ዘሳንዮም ሚዛን ከይረኽቡ ዓንቂፍዎም። ኣብ ልዕሊኡ ዝሸፈጠት እውን ንሳ እያ ኔራ። ደሓር ካብኡ እናተሓብአት ምኻድ እንትመርራ፣ ኣዋልድ ጥራሕ ብዝኽእላሉ ምኽንያት ናይ ምምችቻው ሜላ ኣፃዊዳ ንፍትሕ ከም ዝሰማማዕ ጌራቶ። ድሕሪኡ ከም ድሌታ ክትኾን ጀሚራ። ምስ ናይ ኤልሳ ሃረርታ ዝመጣጠን ወዲ ምርካብ ከቢድ እዩ። እንትትረክብ ከዓ ዓብዪ ክንክን እያ እትገብረሉ። እቲ ፀገም ከምኣ ንወሲብ ፅዑቕ ሃረርታ ዝውንን ወዲ ኣብ ሓንቲ ናይ ምርጋእ ጠባይ ኮነ ቁም ነገረኛነት ስለ ዘይህልዎ ገዝኣ ዝመፃ እንተበዝሐ ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ወርሒ እዩ። ንሳ ካብዘን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣዋርሕንላዕሊ እዋን ዕርክነታ ክተናውሕ ምፍታን ካብ ትገድፎ ፀኒሓ ኣላ፤ ዋና ትኹረታ ነዘን ከም ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልትታት ሽው ዝብላ፣ ኣብ ቤት ምግባ ንፀብሓ ፀብሒን ፓስታን ወዲ ፓስታን ዝተዳለወ ስልሲ ቀልጢፉ ውዒዩ ከም ዝሓሮ፣ ቶሎ ቀልጢፈን ከይሓረራ ብፅቡቕ ኣብ ጥቕሚ ኣውዒላ ኣብ ምሕላፍ ክተድህብ ከም ዘለዋ ወሲና እያ።
“ሓደ እዋን ርሱን ሃረርታ ዘለዎ ሰብኣይ ስኢና ዓመት ክትመልእ ምስ ገበረት እያ ንካሕሳይ ዝተፋለጠቶ። ካሕሳይ ኣብ ናይ ኤልሳ ገዛ ምምልላስ ካብ ዝጅምር ክልተ ወርሒ ኮይንዎ ኣሎ። ኤልሳ ንካሕሳይ ኩሉ ኣማሊኡ ዝሃባ ዓይነት እያ፡ መልክዕ ድዩ፣ ቁመና፤ ሞያ ድዩ፣ ክንክን - ዝጎድላ የብላን። ልክዕ ከም ካሕሳይ ብጀካ ስጋዊ ሃረርታ ካሊእ ዘተሓሳስባ ነገር ኣብ ምድሪ ስለዘየለ ንዕዑ ዝተፈጠረት ዓይነት ሰብ እዩ ጌሩ ዝወሰዳ። እዚ ናይ ስምዒት ምጥዕዓሞም ግና ንካሕሳይ ካብ ስጋዊ ድሌት ወፃኢ ንኤልሳ ዝበለፀ ክፈልጣን ልክዕ ንሱ የፍቅራ ከም ዘሎ ንሳ እውን ክተፍቅሮ ክገብር ብምሕሳብ ክፅመድን እንትጅምር ኤልሳ ከዓ ከምቶም ካልኦት ክመንያ ዝጀመሮ መሲልዋ ክንክን ክተሐይለሉ ጀሚራ።
“ካሕሳይ፤ ‘ዋላ ክልተ ቆልዑት ይሃልውዋ እምበር ሓዳር ክንገብር ክሓታ ዶ?’ እናበለ እንትሓስብ፣ ኤልሳ ብግደኣ ‘ሎመዓንቲ ዓይኑ ካባይ ኣየልዓለን ከም ትማሊ ግዘ ሓዳር ክህልወና እዩ’ እናበለት ፍሽኽ ትብል።
“‘እንታይ ደኣ እዩ ፍሽኽ ዘብለኪ ዘሎ?’ ይብል ካሕሳይ ዓይን-ዓይና ብዘይፈልጦ ናፍቖት ተመሲጡ እናረኣየ።
“‘ኣይ - ኣፍቲ ሆቴል ዝገጠመኒ ዘኪረ እኮ እየ’ ኢላ ክትዝክሮ ዝኸኣለት የስደምም እዩ ኢላ ዝሓሰበቶ እናፀብፀበት፤ ካሕሳይ ምስማዕ ጠጠው ኣቢሉ ሎመዓንቲ እውን ነዚ ቡነኣ ሰቲዩ ድቃስ ስኢኑ ብዛዕባ ፍቕራ እናሓሰበ ከም ዝሓድር ናብ ምሕሳብ ይኣትው።
“‘ኣይገርምን? ኣነ እኮ እዛ ብርኽቲ ዝብልዋ ፀይቒ ግርም እያ ትብለኒ’ ኢላ ታሪኻ ዛዚማ ፀጥ ትብል።
“‘ኣሰይ፣ ኣሰና - እንኳዕ ኣፍቀርኩ’ ዝብል ደርፊ ብልቡ ምድራፍ ጠጠው ኣቢሉ ‘እወ ሓቅቒ’ ኢሉ መሊሱላ ብልቡ ተመሊሱ ናብ ምድራፍ ኣቲዩ ‘ኣሰይ፣ ኣሰና …።’
“ብሓሳብ እናተመሰጠ ብመንፈስ እናረሓቓ ይኸድ ዘሎ እናመሰላ እንትመፅእ፣ መወዳእታና ቀሪባ ኢላ ኤልሳ ከተሓሳስባ ይጅምር። ከም ዝፈርሐቶ ሰሙን ሙሉእ ከይደወለላ ጠፊኡ ኣሎ። ካሕሳይ ብዘይከኣ ምሕሳብ ስለዘይተኽኣሎ ካብቲ ዝስመዖ ዘሎ ጥንኩር፣ ጋሻ ስምዒት ንምምላጥ እዩ ይርሕቓ ዘሎ። ከምልጥ እንተደኣ ዘይከኣለ ፍቕሩ ትኽክለኛ ስለዝኾነ ርክቦም ስሩዕ ዕርክነት ክገብርዎ ክሓታ እዩ ሓሲቡ። ኤልሳ ግና ኣብ ክልተ ወርሒ መኒዩኒ ኢላ ሓዚና ብቐሊሉ ንዘይምስዳድ ወሲና ኣላ። ተወሓደ ሓደ ወርሒ ይተርፎ እዩ።
“‘ሄሎ ካሕስሸይ።’
“‘ሄሎ ኤልሳዋይ።’
“‘እንታይ ደኣ ኣጥፊእካ?’
“‘ኣይጠፋእኹን፤ እናሓሰብኩኺ ደዊልክለይ’ ኢልዋ እንትሓስባ ብምድዋላ ካብ ልቡ እናተገረመ፤ ብዝኾነ ሰዓት እውን እንተትድውለሉ እኮ እናሓሰባ እያ ክትድውለሉ ዝነበረት፤ ፍቕሪ የዕውር እዩ እሞ ስለዝሓሰባ ዝደወለት መሲልዎ ክድመም መሪፁ።
“ቁሩብ ቀልዲ ምስ ተለዋወጡ ፅባሕ ሰንበት ገዝኣ ከይተርፍ ኣተሓሳሲባ፣ ኣዚያ ከም ዝናፈቐትን ቁናነኣ እውን ክሪአላ ነጊራ ናይ ምድዋላ ኣግያሲ ፈፂማ ተሰናቢታ ዓፂያቶ። ንፅባሕ ጥዕምቲ ደርሆ ሰሪሓ ክተብልዖ እያ ከይተርፍ ዘተሓሳሰበቶ። ናብ ልቡ ከም ዝኣተወት ዘይፈለጠት ብኸብዱ ክትኣትው ምፍታና እዩ ኔሩ።
“ነዛ ደርሆ ንምስራሕ ዝረኣየቶ መከራ ንሳ እያ እትፈልጦ - መከረኣ ካብ ምዕዳጋ እዩ ዝጅምር። ንፅባሒተኣ ብጓሓቱ ተላዒላ፣ ነፀላ ገይራ፣ ቤተ ክርስቲያን ስዒማ ንዕዳጋ ምስ ወረደት ‘ክልተ ደርሆ በʼርባዕተ ሚእቲ’ እናበለ ዝልፍፍ ነጋዳይ ዶርሆ ረኺባ ፀዊዓ ክትዋገዮ ጀሚራ። ፍፁም ከም ዘይቕንስ ምስ ነገራ ንዝደለየቶ ዕላማ ሓንቲ ደርሆ ከም እትኣኽላ እናሓሰበት በቲ ናይ ክልተ ደርሆ ዋጋ እውን ተሳሒባ ንምኽሳብ ተሃንጢያ እናመንተአት ናይ መወዳእታ መልሳ ከይተዛረበት እንትትድንጉዮ ብሕርቃን ገፁ ጨምዲዱ ነተን ዝሓዘን ደርሆ መሲሉ እንትሪኣ ተናዲዳ እንታይ ከም ዝኾነ ትሓትቶ። ሰባት ኣይኮነን ተፀዊጎም እንትሪእይዋ ብጎቦ ዓይኖም፣ ጥርጥር ዘለዎም መሲሎም፣ እንትሪእይዋ እኳ ኣይትፎቱን።
“እቲ ነጋዳይ እውን ዝኹሪ ዓዳጋይ ዘይፈትው ኔሩ ኮይኑ ክትኩሪ ከም ዘይብላ ከተሓሳስባ ምሳ ጀመረ ዘይተሓሰበ ዕግርግር ኣብ ዕዳጋ ይጅመር። ደርሆ ክትገዝእ ከይዳ ኣብ ዕዳጋ ካብ ዝተፃልኡ ሰባት ዝርዝር ኣቲያ ንዓርሳ ምርካባ እናማረራ ተመጣጣኒ ዓፀፋዊ መልሲ ካብ ምሃብ ግና ንዓርሳ ክትዓግት ኣይከኣለትን።
“ኤልሳ ማንም ወዲ ክእዝዛ ኣይትፈትውን። እዚ ደርሆ ዝመሰለ ፀዋግ ክኹርየላ እንትሙክር ዝገደደ ኣሕሪቕዋ። ከይተፈለጣ ብፅፍዒት ክትወቕዖ ኢዳ ምስ ሰደደት ኣስሒቱ እንትደፍኣ ኣብ ኢዳ ሸሚታ ሒዛቶ ዝነበረት ኣስቤዛን ቄጠማን ተበቲንዋ ንምሬታ ትወድቕ። ሰባት ተኣኪቦም ከም ዝዓበደት ክሪእይዋ ጀሚሮም፣ ክትሓንቆ ደሊያ እናተገልገለት ነገር ምስ ተኻረረ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ፖላይስ መፂኦም ሸምጊሎሞም ስብኣይ ይቕሬታ ሓቲቱ፣ ሰበይቲ ምሕረት ጌራትሉ ይፈላለዩ። ዝረኣየኣ ዓደግቲ ‘ሰበይቲ ዓቢዳ፤ ፃዕዳ ነፀለኣ ተጠምጢማ ኣብ ሓመዳ ተንከላሊያ’ እናበላ ናይ ሰንበተን መዳመቒ እንትገብረኣ እናተርኣያ ካሊእ ደርሆ ናብ ምድላያ ቀፀለት። ናፍቖት ካሕሳይ እዩ ከምዚ ዝገብራ ዘሎ፣ ንዑዑ እትኾን ጥዕምቲ ደርሆ ንምርካብ እዩ መከረኣ ትርኢ ዘላ።  
“ደርሆ ተሓሪዳ ትጎዪ እያ እንትበሃል ሰሚዓ እምበር ገጢምዋ ኣይፈልጥን። ካሕሳይ ድሕሪ ሰዓት ንኽመፅእ ስለዝጋበዘቶን ነዛ ደርሆ ቀልጢፋ ክትሰርሓ ስለዘለዋን ካብ መንደር ህፃናት ፀዊዓ እያ ዘሕረደታ።
“‘ከይትቕንጥብዋ - እሺ!’
“‘እሺ!’
“‘በስመኣብ ኢልኩም ሕረዱ።’
“‘እሺ።’
እዛ ደርሆ ክትሕረድ ምስ ጀመረት ግና ካብ ኢድ እዞም ቆልዑ ሞሊቓ ነዛ ካንሸሎ ኮሊላታ። ብመኸራ ምስ ተትሓዘት እዛ ካንሸሎ በታ ደርሆ ደም ጨቂያ ኔራ።
“ምስ ተትሓዘት ብርኽቲ ‘እንታይ ዓይነት ደርሆ እያ እዚ ኹሉ ደም ዘፍሰሰት’ ኢላ ሪእቶኣ ሂባ። ብርኽቲ ኣብ ናይ ኤልሳ ቤት ምግቢ ክሽነ እትሰርሕ በዓልቲ ሞያ እያ። ናይ ብርኽቲ ሞያ ብተውህቦ እምበር ብኻሊእ ዝርከብ ኣይኮነን። ሎመዓንቲ ኤልሳ ገዛ ደርሆ ከም ትሰርሐላ ነጊራ ክትመፅእ እንትትገብራ እቶም ዝተረፉ ሰራሕተኛታት ብሙልኦም ናይ ኤልሳ ውጥን ተረዲእዎም ንፍርቂ ሰዓት ዝኾን፣ ሽም ኤልሳ እናፀለሙ፣ ተሰሓሒቖም እዮም።
“ኤልሳን ብርኽቲን ነቶም ቆልዑ ካሊእ ግዘ ደርሆ እንትሓርዱ ክጥንቀቑ ትምህርቲ ክኾኖም ኣተሓሳሲበን ሰዲደን ነቲ ኬንሸሎ ማይ እናፍሰሳ ነቲ ደም ኣፅሪየነኦ። ዝገርም ምርኢት እዩ ኔሩ። ክሳዳ ክቕንጠብ ዝበለት ደርሆ ህይወታ ኣትሪፋ ናብረኣ ንምቕፃል እንትትጓየ፣ ጥዕምቲ ደርሆ ክሰርሓኣ ዝሓሰባ ኤልሳን ብርኽቲን አንተጓይየኣ፣ ምሕራድ ኣይኽእሉን ንዘበለቶም ደርሆ ቶሎ ሒዞም ከቃብፅዋን ክነኣዱን ዝደለዩ ቆልዑ እውን እንትጓየዩ ምርኣይ መስደመም ኔሩ። እዚ ኩሉ መኸራ ንካሕሳይ እዩ። ካሕሳይ ጥዕምቲ ዶርሆ ምእንታን ክትስረሐሉ፣ ኢድ ብርኽቲ ዝለመዱ ዓማዊላት ቤት ምግቢ ኤልሳ፣ ብኻልኦት ዝተሰርሐ ምግቢ እናበልዑ “ናይ ሎመዓንትስ ሓሚቓ” እናበሉ ክውዕሉ ኔርዎም።
“ንሳ ጥዕምቲ ደርሆ ሰሪሓ ከም ዝፀንሐቶ ንሱ እውን ጥዕምቲ ኑዛዜ ፍቕሪ እዩ ሒዙላ መፂኡ ዝነበረ። ገዝኣ እንትኣትው በታ ደርሆን እቲ ዝፍላሕ ዝነበረ ቡን ጨና ተኣዊዳ ኣብ ግዘ ቁልዕነቱ ኣብ በዓል ጥራሕ ዝፈልጦ ድባብ ኣብቲ ገዛ ዓሲሉ ረኺብዎ። ኤልሳ ኣልባሶ ተቖኒና ትግራወይቲ ንግስቲ ሳባ መሲላ ኣብ ካሊእ ብራኸ ፅባቐ ደዪባ ሪእይዋ። ሰብ ልበይ ጠፊኣትኒ ክብል ሰሚዑ እምበር ገጢምዎ ኣይፈልጥን - ውሽጢ ደረቱ መሰንገል፣ ሳንቡእ፣ ከሽዐ፣ ልቢ፣ ሰራውር ደም ዘይኮነስ ከም ጥጥ ፃዕዳ፣ ከም ደበና ዝሳንፈፍ፣ ኣብ ማእኸሉ ደሚቕ ፃዕዳ ብርሃን ዝወፆ፣ ከም ዛራ ጩሩቕሩቕ ዝብል፣ ቅመም ታሕጓስ ዝነትዖ ምንጪ ሃሴት ዝነትዐ መሲልዎ።
“ዘለዎ ቦታን ዝገብሮ ነገርን ጠፊእዎ፣ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ተደፊኡ ናይ ታሕጓስ ንብዓት እናነብዐ እግሪ ኤልሳ እናሰዓመ፣ ዕምቆት ስምዒቱ ዘሰንበዳ ኤልሳ ክለዓል እናለመነቶ፣ ናብ ዓርሱ ተመሊሱ።
“ወሲብ ድሕሪ ኩሉ ነገር ኣይኮነን ድሕሪ እቲ ክቡር እንብሎ ፍቕሪ እውን ኣሎ እዩ። ኤልሳ ንወሲብ ኢላ ጥዕምቲ ደርሆ ሰሪሓ ኣላ፤ ካሊእ ሰብ እውን ክረአ ዝደሊ፣ ክህፍትም ዝደሊ፣ በሊፁ ክርከብ ዝደሊ፤ ዋላ ሓዳር እውን ዝገብር፤ ንወሲብ ኢሉ እዩ። ወሲብ ዕዳ እዩ፤ ከም ወሲብ መታለሊ የለን” ኢሉ እታ ዛንታ ጥዕምቲ ደርሆ ወዲእሎም።
“ከመይ ኢልካ እዚ ኩሉ ዝርዝር ክትፈለልጥ ክኢልካ? ፈጠራ እያ እትመስል” ኢልዎ በርሀ።
ሰዓቱ እናረኣየ፤ “ፈጠራ እሞ እንተኾነስ ዝልውጦ ነገር ኣለዎ ዶ?” ኢሉ ነታ በሪ ካፊቴርያ ከፊቱ ተምሃሮ ከእትው ጀሚሩ። 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።