ግደይ ገብረኪዳን
መራኸቢ ሓፋሽ ማለት እቲ ቃል እውን ከም ዘመልክቶ ዝኾነ ዓይነት መንገዲ ብምጥቃም ንሓደ ሓሳብ፣ ክዋነ ወይ መልእኽቲ ካብ ውልቀ ሰብ፣ ትካላት ወይ መንግስቲ ንሓፋሽ ክበፅሕ ዝግበረሉ መንገዲ እዩ።
ናይ ሕትመት መራኸቢ ሓፋሽ ካብ ኩሉ እቲ ዝቐደመ እንትኸውን ሓበሬታ ንምምሕልላፍ ቁሳዊ እታወታት ዝጥቀም እዩ፤ ከም መፅሓፍ፣ መፅሄት፣ በራሪ ወረቐት ወዘተ. ይጥቀም። ናይ ዲጂታል መራኸቢ ሓፋሽ ብወገኑ ሎሚ ዝበፃሕናሉ ብርኪ ቴክሎጂያዊ ዕቤት ውፅኢት እንትኸውን በይነ መርበብን (ኢንተርኔት) ተንቀሳቓሳይ ስልክን ይጥቀም። እዚኦም ክልቲኦም ዲጂታል መራኸቢ ሓፋሽ መርበብ ሓበሬታ (ዌብ ሳይት)፣ ማሕበራዊ ገፅታት፣ ኢመይል ዝኣመሰሉ ግልጋሎታት ክንረክብ ይገብሩና።
ካልኦት መራኸቢ ሓፋሽ እውን እንተኾኑ ነዚኦም ዲጂታል ስልኪታት ብተወሳኺ ብምጥቃም ግልጋሎታቶም ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ጋዜጣታት መርበብ ሓበሬታ ብምኽፋት፤ ብዝሓሰረ ዋጋን ብዘይ ምንም ምድንጓያትን፤ ኣብ መላዕ ዓለም ክባፅሑ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ካሊእ መራኸቢ ሓፋሽ ናይ ፈነወ መራኸቢ ሓፋሽ ክንብሎ እንኽእሎ እንትኸውን ዘፋንዎም ትሕስቶታቱ ብመንገዲ ኤሌክትሮኒክስ ይፍፅሞ። ንኣብነት ከም ፊልሚ፣ ሬዲዮ፣ ዝተቐድሐ ሙዚቃ፣ ቴሌቪዥን ምጥቃስ ይከኣል።
እቲ ካሊእ መራኸቢ ሓፋሽ ደጋዊ መራኸቢ ሓፋሽ እንብሎ እዩ። ኣብ ፀግዓ ፀግዒ ጎደናታት፣ ኣብ ልዕሊ ህንፃታት፣ ኣል ልዕሊ ነፋሪት ወዘተ. መልእኽቶም ዝጥቅዑ ቢልቦርድታት፣ ኣብ ባቡር፣ ኣውቶብስ ወይ እውን ኣብ ልዕሊ ወይ ውሽጢ ካልኦት መኻይን ዝጥቅዑ መላለዪታት፣ ኣብ ድኳናት፣ ኣብ ዙሪያ ስታዲየማት ዝልጠፉ መላለዪታት ወዘተ. ዘካትት እዩ።(1)
ብ 1520 ዓ.ም ዝተስኣለ ናይቲ ዘበን ናይ ዕንፀይቲ መሐተሚ ፅሑፍ።
ንብዙሃን ወይ ሓፋሻት ክትበፅሐሉ እትኽእለሉ መንገዲ ኣብ ዘመንና እናረቐቐ ኣብ ዝመፀሉን በይነ መርበብ ዝጥቀሙ ጨዋታታት ቪዲዮ እውን እንተይተረፉ ረቛሒታት መራኸቢ ሓፋሽ የማልኡ እዮም ኣብ ዝበሃለሉ ግዘ ናይ ኣረዳድኣ ምፍልላያት እንተተፈጥሩ ዘገርም ኣይኸውንን። ብሓፈሻ ግና መራኸቢ ሓፋሽ ብብርኪ ሕትመት ውልደቶም ካብ ዝተበሰረሉ ግዘ ጀሚሩ ፍጥነት ዕቤቶም ዘገርም ኣብ ዝኾነሉ መበል 21 ከፍለ ዘመን በፂሖም ኣለዉ።
ሕትመት ፅሑፍ መበል 15 ክ/ዘመን ጀሚሩ፤ ቀረፃ (ግራሞፎን፣ ማግኔታዊ ቴፕ፣ ካሴት፣ ካርትሪጅ፣ ሲዲ፣ ዲቪዲ) መበል 19 ክ/ዘበን ጀሚሩ፤ ሲኒማ 1900 ከባቢ ጀሚሩ፤ ራዲዮ 1910 ከባቢ ጀሚሩ፤ ቴሌቪዥን 1950 ከባቢ ጀሚሩ፤ በይነ መርበብ 1990 ከባቢ ጀሚሩ፤ ተንቀሳቓሳይ ስልኪ ካብ 2000 ከባቢ ጀሚሩ ታሪኾም ከመዝግቡ ዝኸኣሉ እዮም።(2)
ካብ ኩሉ እቲ ዝቐደመ ጋዜጣ እንትኸውን ኣብ መበል 14 ክ/ዘበን ኣብ ጀርመን ኔሩ ብኢድ ዝተፅሓፈ፤ ብዛዕባ ሓደ ከባቢ ናይ ኲናትን ኢኮኖሚን ሓበሬታታት ዝሓዘን እስካብ ማሕበራዊ ልምድታት ከባቢታት ዝሕብር ፅሑፍ ተፃሒፉ ኣብ ኢድ ነጋዶ ይዛወር ኣብ ዝነበረሉ ግዘ እዩ ተጀሚሩ ዝበሃል።(3)
ዮሃንስ ጉተንበርግ ዝፈጠሮ ዝንቀሳቓሳይ መሐተሚ ማሽን ኔሩ፣ ንፈላማይ ግዘ፣ ብቐሊሉ መፃሕፍቲ ብብዝሓት ክሕተሙ ዘኽኣለ። ፋላማይ ስርሑ ዝገበሮ ድማ ኣብ 1453 ዓ/ም ዘሐተሞ ብቋንቋ ላቲን ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ቅዱስ ኔሩ።
እዚ ክዋነ እዚ ታሪኽ ዓለም ንምቕያር ዓብዪ ግደ ዝነበሮ እንትኸውን ክልተ ክ/ዘመን ከይመልኦ ኔሩ፣ ኣብ እንግሊዝ ካብ 1612 ዓ/ም ጀሚሩ፣ ሕትመት ጋዜጣ ክፍጠር ዝሓገዘ። ልዑል ብርኪ ናብ ዘለዋ ተበፃሓይነት ንምድያብ ካሊእ ክልተ ክ/ዘመን ወሲድሎም እዩ። ከም ዘ ታይምስ ዝበሉ ጋዜጣታት፣ ቅልጣፈ ዘለዎም ናይ ሕትመት ማሽናትን መጓዓዝያ ባቡርን ክመሃዙ ምኽኣሎም፣ ልዑል ተበፃሓይነት ክህልዎም ዘኽኣሎም።(4)
እዋናዊ ሓበሬታታት ዝፅብፅብ ትሕስቶ ምሓዝ ዝጀመሩ፣ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ፣ ኣብ መበል 18 ክ/ዘመን ኔሩ። በቲ ሽዑ ግዘ ግን እዋናዊ ሓበሬታ፣ ከም ሎሚ ካብ ኩሉ ቀዲምኻ፣ ፈላማይ ሒዝካ፣ ምቕራብ ኣለዎ ዝብል ኣምር ኣይፍለጥን ኔሩ።(5)
ሎሚ ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ፤ ፅሑፍ፣ ድምፂ ወይም ምስሊ ዘካተተ፤ በይነ መርበብ ብምጥቃም ብዘገርም ፍጥነት ኣብ መላእ ዓለም ምብፃሕ ኣብ ዝከኣለሉ ብርኪ በፂሕና ኣለና።
(ቀፃላይ፡ መራኸቢ ሓፋሽን ሕብረተሰብን)
ፍልፍላት፡
(1) “Mass Media.” wikipedia.org/
(2) ዝኒ ከማሁ።
(3) “Milestones in the History of Media and Politics.” www.pbs.org/
(4) “Mass Media.” wikipedia.org/
(5) “Milestones in the History of Media and Politics.” www.pbs.org/

No comments:
Post a Comment