Skip to main content

መራኸቢ ሓፋሽን ቁንጮታትን

ግደይ ገብረኪዳን

መራኸብቲ ሓፋሽ ቀረፅቲ ወይ ከዓ ሃንደስቲ ማሕበረ ሰብ እዮም እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን። ኣብ መራኸቢ ሓፋሻት ቦታ ዘይወሃቦ ሓቂ ህልውና እውን ኣይህልዎን። እቲ ዘመናዊ ውልቀ ሰብ ካብ ዝፈልጦ ንላዕሊ ስፍሓትን ዕምቆትን ኣረዳድእኡ ዝውስኑሉ ኣሚኑ ዝኽተሎም መራኸቢ ሓፋሻት እዮም። ናይ መራኸቢ ሓፋሻት ዴስክ ናይዚ ዘመናዊ ዓለም ስብክተ ዝወሃበሉ መድረኽ ወይ ከዓ ኣውደ ምህረት እዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ክ/ዘበን ኣረዳድኣ ህዝቢ ከመይ ምቕይያር ከምዝከኣል ንምፍላጥ ብዙሓት መፅናዕትታት ተኻዪዶም እዮም።
ካብዚኦም መፅናዕትታት ናይ ርክብ (Communications) ሳይንስ ውልደቱ ክረክብ ክኢሉ እዩ። ነዚ ሳይንስ እዚ ድማ ንመሻየጢ (ማርኬቲንግ)፣ ንርክብ ህዝቢን ንፖለቲካዊ ሥራሕቲን ግልጋሎት ውዒሉ እዩ። ሓደ ዓብዪ ዲሞክራሲ ብኣግባቡ ንኽሰርሕ መራኸቢ ሓፋሽ ገዚፍ ግደ ይህልዎ፤ ንውልቀ መላኻይ ኣገዛዝኣ እውን እንተኾነ ኣድላ መሣርሒ እዩ። ኩሉ ኣብ ኣጠቓቕምኡ ዝተሞርኮሰ እዩ።(1)
ካብ መበል 19 ክ/ዘበን ጀሚሩ ነቶም ቁንጮታት ስግኣት ካብ ዝኾንዎም ነገራት፦ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ክርገቡ ዝገበሮም ትካላት፣ ርእዮተ ዓለማትን ውልቀ ሰባት ንዓርሶም ንምሕላው ክንቀሳቐሱሉ ዝጀመሩሉ ግዘ ምዃኑ እዩ።
ናይቶም ቁንጮታት ንጥፈት ዕላማ ሓደን ሓደን ጥራሕ ኔሩ፦ ቁፅፅር። ብትካላት ትምህርቲ፣ ብማሕበራዊ ሳይንሳት፣ ብምግባረ ሰናይ ፋውንዴሽናት፣ ብርክብ ህዝቢን መላለዪ ወኪል ትካላትን፣ ኮርፖሬሽናት፣ ባንክታትን መንግስቲታትን ብተወሳኺ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ብዘለዎም ቁንጮታት ስልጣን ኣቢሎም ብሓፈሻ ንዓርሶም ካብ ጥንኩር ህዝባዊ ዲሞክራሲ ኢድ ንምሕላው ነጢፎም እዮም።(2) ሓይሊ ናብ ህዝቢ ዘዘዋውር ዝኾነ ይኹን ነገር ዝውንንዎ ቦታ ከስእኖም ስለዝኽእል እዩ።
ኣብ መወዳእታ 19 ክ/ዘበን ናይ ማሕበረሰባዊ ስነ ልቦና መፅናዕቱ ዕላዊ ዝገበረ ፈረንሳዊ ጉስታቭ ለ ቦን ዕፃ ሃገራት ካብ መሳፍንቲ ናብ ኢድ ጭፍራታት ከምዝተዛወረ የፍልጥ። እዚ ነቶም ቁንጮታት መርድእ እዩ። ናይ “ስዩመ እግዚኣብሄር” ዝነበረ ስልጣን ናብ “ስዩመ ጭፍራ” ምዝዋሩ ስለዝኾነ። ለ ቦን ቀፂሉ ጭፍራ ግና ዘመዛዝን ዘይኮነስ ብስምዒትን ፍትወትን እዩ ዝምራሕ ይብል።(3) ለ ቦን ሓደ ውልቀ ሰብ ናብ ሓደ ጭፍራ እንትፅንበር እንታይ ከምዝኾን ከም ዝኽተል የቐምጦ፦
“ንዝኾነ ግዘ ኣብ ሓደ ጭፍራ ጥሒሉ ዝፀንሐ ውልቀ ሰብ - በቲ ጭፍራ ብዝፍነው ስሕበታዊ (ማግኔቲክ) ፅዕንቶ ወይ ከዓ ምንነቱ ብዘይበፃሕናሉ ካሊእ ምኽንያት - ንዓርሱ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ስምዒት ኮይኑ ይረክብ፤ ልክዕ ዝነሁለለ (hypnotized) ውልቀ ሰብ ክንሁልል ኣብ ዝገበሮ ሰብ ኢድ እንትኣትው ከምዝፍጠሮ ዓይነት ገራማይ ኩነታት ውሽጢ ኣቲዩ ንዓርሱ ይረክብ።”(4) 
ናይ ለ ቦን ናይ ሙያ መሻርኽቲ ዝኾነ ገብርኤል ታርዴ ነዚ ሓሳቡ ብምስፋሕ “ጭፍራን”(“the crowd”) ህዝባዊን (“the public”) ብምባል ከፋፊሉ ይምልከቶም። ጭፍራ ናይ ዝሓለፈ ዘበን ማሕበራዊ ጉጅለ እንትኸውን “ህዝባዊ” ከዓ ናይ መፃኢ ግዘ ማሕበራዊ ጉጅለ እዩ ይብሎም። ታርዴ ከም ዝብሎ “ህዝባዊ” ዝበሃል ብኣካል ዘይራኸቡን ብመንፈስ ወይ ኣተሓሳስባ ሓደ ዝገብር ዘለዎም ጉጅለ እንትህልዉ እዩ። ስለዝኾነ እውን ታርዴ ናይ ሕትመትን መራኸቢ ሓፋሽን ምግፋሕ እቲ “ህዝባዊ” ቅርፂ ክሕዝ ቁልፊ ግደ ከምዝተፃወተ ይዛረብ። እዚ ብኣግባቡ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እንተተጌሩ እቲ እናገፍሐ ዝኸድ ምብስባስ ስርዓት ናብ ቅኑዕ ስርዓት ዘምፅእ ይኸውን። ታርዴ ጋዜጣ ናይ ግሊ ኣረዳድኣታት ምስ ከባቢያዊ ኣረዳድኣታት ብምውሃድ ነዚ ድማ ናብ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ብምምፃእ ዓብዪ ናይ ህዝባዊ ኣእምሮ ውህደት ይፈጥር ክብል የብራህርህ።(5)
ናይ ስነ ልቦና፣ ሳይኮኣናሊሲስን ካልኦትን ኣስተምህሮታት እናማዕበሉ እንትመፁ ህዝቢ ብምኽንያት ዘይምራሕ፣ ቅኑዕ ውሳነ ምውሳን ዘይኽእል ከም ዝኾነ ምምሃር ተተሓሒዞምዎ። እዚ ዘምፅኦ ድማ ህዝቢ ብሓደገኛ ኢ-ኣመክንዮኣዊ መንገዲ ዝኸድ እንተኾይኑ ናይ ዓርሱ ፅፃ ወሳናይ ክኸውን ወይ ከዓ ናይ ሓይሊ ወናናይ ክኸውን ኣይግበኦን ዝብል ይኸውን።
ብሓገዝ ሮክፌለር ኣብ 1930ታት ዝተጀመረ ናይ ፕሪንስተን ራዲዮ ፕሮጀክት ኣብ ማሕበራዊ ቁፅፅር፣ መራኸቢ ሓፋሽን ፕሮፖጋንዳ ዛዕባታት ድሌት ዝነበሮም ብዙሓት ናይ ስነ ልቦና፣ ማሕበራዊ ሳይቲስትታትን ሙያተኛታትን ዘራኸበ ፕሮጀክት ኔሩ። እዚ ፕሮጀክት ኣብ ኣሜሪካን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዕቤት “ዲሞክራሲያዊ ፕሮፓጋንዳ” ዓብዪ ፅዕንቶ ዘሕደረ ፕሮጀክት እዩ። እዚ ስራሕ እዚ ንመንግስቲ ሓዊሱ መራኸቢ ሓፋሻት፣ ናይ ምልላይ፣ ምሽይያጥ፣ ርክብ ህዝቢ ወነንቲ ዝኾኑ ኮርፖሬሽናት ብሓደ ዘተኣሳሰረ ኔሩ።(6)

ፕሮፖጋንዳ

ኣብ ኣሜሪካ እቲ ፈላማይ ገዚፍ ናይ ፕሮፖጋንዳ ንጥፈት ዝተፈፀመ ንቐዳማይ ኲናት ዓለም ተኸቲሉ ኔሩ። በቲ ግዘ እቲ ናይ ኣሜሪካ ፕሬዚደንት ዝነበረ ዉድረው ዊልሰን ዝመስረቶ ገዚፍ ናይ ፕሮፖጋንዳ ቤት ፅሕፈት (ሚኒስቴር) ዕላማ ሕዝቢ ኣሜሪካ መንግስቲ ናብ ኲናት ክኣትው ፈቓዱ ክህብ ንምግባር ኔሩ። እቲ ትካል ድማ ህዝባዊ ኮሚቴ ሓበሬታ / Committee on Public Information (CPI) ይበሃል ኔሩ። ዉድረው ዊልሰን ንኽምረፅ ኣብ ዝፈኻኸረሉ ግዘ፤ በቲ ቅድሚኡ ነዛ ሃገር እናመሓደራ እናሃለወ ናብ ኲናት ከይትፅበር ጌርዋ ስለዝነበረ፤ “ናብ ኲናት ከይንኣትው ጌሩና እዩ” (“he kept us out of war”) ዝብል ጭርሖ ሒዙ ኔሩ ዝተወዳደረ። ናይ ህዝቢ ኣመኔታን ድጋፍን ረኺቡ ዳግም ተመሪፁ ስልጣን ምስ ሓዘ ናይቶም ቁንጮታት ዕላማ ናብ ምፍፃም ተዛዊሩ። ናብ ኲናት ኣቲዮም።
ናብቲ ኲናት ንምእታው መእመናይ ስራሕ ዝሰርሐ ኣብቲ ዘርፊ ኣውራ ዝነበረ ዋልተር ሊፕማን እንትኸውን ዝተጠቀመሉ ኣመክንዮ ወይ መእመናይ ጭርሖ “ዓለም ንዲሞክራሲ ምችውቲ ንምግባር” ዝብል ኔሩ። ዋልተር ሊፕማን ገና ናይ 25 ዓመት መንእሰይ እናሃለወ ብፕሬዚደንት ቲዎዶር ሮዘቬልት “ናይቲ ዘመን ኣዚዩ መስተውዓላይ ሰብ” ዝተብሃለ እዩ።(7) ዝፈጠሮ ኣመክንዮ እስካብ ሎሚ ኣሜሪካ ኲናት ምውላዕ እንተድልያ እትጥቀመሉ ቃል-ይሕለፍ ኮይኑ የገልግል ኣሎ።
እቲ ኲናት ምስ ተዛዘመ ናይቲ ዘመን ምሁራን ጉዳይ ፕሮፖጋንዳ ዋና ጉዳዮም ገበሩ። ናይቲ ዘመን ናይ ፖለቲካል ሳይንስ ኣውራ ምሁር ዝነበረ ሃሮልድ ላዝዌል “ብርግፅ እውን ፕሮፖጋንዳ ኣብዚ ዝመፀ ክኸርም እዩ” ኢሉ ገሊፅዎ ኔሩ። ነቲ ዘመን ኣውራ ምሁራንን ማሕበራዊ ሃንዳሲታትን ፕሮፖጋንዳ ዲሞክራሲያዊን ኣድላዪን ነገር እዩ ኔሩ። ምስ ሮክፌለር ፋውዴሽን ዝነበረ ማርሻል ንዓርሱ ፀገም ፕሮፖጋንዳ ንምፍታሕ ደው ዝበለ ጌሩ ዝሓስብ እንትኸውን “ሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ ፕሮፖጋንዳ” ንኽፈጥር ይሰርሕ ኔሩ። እዚ ዓላምኡ ከሳኽዕ ድማ ብሮክፌለር ፋውንዴሽንን ብፍላይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ሃድሊ ካትሪልን ፍራንክ ስታተንን ኣመራርሓ ኮይኑ ኣብ ፕሪንስተን ሬዲዮ ፕሮጀክት ውሽጢ ብ1930ታት ይንቀሳቐስ ኔሩ።(8)
ኣብ 1936 ዓ/ም እዚ ማርሻል እዚ ከም ዝፀሓፎ ረብሓ ሬዲዮን ፊልሚን ምስፋሕ ዝከኣል ናይ ሮክፌለር ፋውንዴሽን ብትምህርቲ፣ ስነ ፅሑፍ፣ ህየሳ፣ ማሕበራዊ ወይ ተፈጥሮኣዊ ሳይንሳት ዝበፅሑሎም ርኽበታት ከጋፍሑ ንዝደልዩ መናእሰይ ሓገዝ ዝግበረሎም እንተኾይኑ ከምዝኾነ ፅሒፉ እዩ።(9)
ኣብ 1939 ዓ/ም፤ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኣውሮፓ ኣብ ዝካየደሉ ግዘ፤ ናይ ሮክፌለር ፋውንዴሽን ዝተፈላለዩ ጉባኤታት ብምድላው ዝተፈላለዩ ወረቓቕቲ የሕትም ኔሩ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ሙያተኛታት ርክብ መንግስቲ ኣብ ኩሎም ዘፈራት፦ ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ብሬዲዮ፣ ብፊልሚ፣ ብፕሬስ፣ ብቐፃላይ ድማ ኣብ ኩሎም ህዝባዊ መድረኽ ዘተታት ውሽጢ ብፅሒቱ እናወሰኸ ብዝመፀ ቁፅሪ፤ እቶም ሙያተኛታት ግደኦም እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ስምምዕ ዝበፅሑሉ ግዘ ኔሩ። ናይ ስነ ማሕበረሰብ ሙያተኛ ዝኾነ ሮበርት ሊንድ ካብ ናይ ሊፕማን ፅሑፍ ብምልቃሕ ዕላማ እዞም ሞያተኛታት ክኸውን ዘለዎ እቲ ሕብረተሰብ ንምውሳን ዝፅገመሎም ብዙሓት ዝተሓላለኹ ዛዕባታት ከምዘለዉን ነቶም ዝምልከቶም ሰብ ሞያታት ክገድፉሎም ከምዝግባእ ንኽኣምኑ ምግባር ከምዝኾ ፅሑፉ እዩ።(10)
ዲሞክራሲ ንምግፋሕ እትቃለስ ሃገር፤ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ዝገንሕዋ ቁንጮታታ፤ ነቲ ህዝቢ ከመይ ከምዘደናግርዎን ተስፋ ከም ዘቑርፅዎን ከምዚ ማሕበር መስሪቶም ምምኻሮምን ናይ ፖሊሲ ፅዕንቶ ክፈጥሩ ምኽኣሎምን፤ ናይ ዲሞክራሲ ፅንሰ ሓሳብ መጠንጠኒ ዝኾነ ውልቀ ሰብ፤ ናይ ምውሳን ተኽእሎ ኣለዎ ብዝብል ኣረዳድኣ ዝኽበረሉ መሰላት ንምጥሓስን ዲሞክራሲ ንምፅራርን ከም ዝኾነ ክስመረሉ ይግባእ።

መፅናዕቲ ባህሪያት / Behaviorism

ንነፃነት ዝፃረሩ ኣረዳድኣታት ነቲ ጭፍራ ብምውጋዝ ጥራሕ ዝስበኹ ኣይነበሩን።
ማሕበራዊ ሳይንቲስታት ቀዲሞም ናይ ፍልስፍናን መንፈሳዊነትን ዓውዲ ዝነበሩ ፍልጠታት ሳይንሳዊ ብምግባር ብዓቐን ምቕማጥ ዝከኣል ፍልተት ንምግባር እንትብሉ ምስ ፖለቲካዊ ሳይንቲስትታት፣ ኢኮኖሚስትታት፣ ስነ ማሕበረሰባውያንን ካልኦትን ኣተሓባቢሮም ናይ ባሕርያት መፅናዕቲ ዝገብር ዘርፊ ስነ ልቦና ከፊቶም። እዚ ዘርፊ እዚ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ስዒቡ ንህዝቢ ምንቕናቕን ምእዛዝን፣ ንህዝቢን ኣረዳድኦኦምን ከፅንዑ ዝደልዩ ሓይልታት ቀልቢ ክገዝእ ከኣለ።(11)
ነዚ ዘርፊ መፅናዕቲ እዚ ካብ ዝመስረቱ ሓደ ዝኾነ ዋትሰን ከም ዝስዕብ ኢሉ ፅሒፉ ኔሩ፡
 “ባህርያት ዘፅንዕ ንስነ ልቦና ዝሪኦ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ሙከራ ዝተሞርኮሰ ናይ ተፈጥሮ ሳይንስ ከም ዝኾነ እዩ። ንድፈ ሓሳባዊ ዕላምኡ ከዓ … ቀዲምኻ ምግማትን ቁፅፅር ምኽኣልን እዩ።”(12)
በዚ ኣስተምህሮ እዚ መሰረት፦ ሰባት ነፃ ፈቓድ የብሎምን፤ ባህሪያቶም ዝውሰን ብተፅዕኖ ከባቢኦም እዩ፤ እንትንውለድ ኣእምሮና ባዶ ፀፍሒ (‘tabula rasa’) እዩ፤ ብመዳይ ምምሃር እንተሪእናዮ ኣብ መንጎ ሰብን እንስሳትን ኣፈላላይ የለን፤ ባህሪይ ዝቕረፅ ንደጋዊ መነቓቕሒ ብዝወሃብ መልሲ (stimulus-response) እዩ፤ ንኹሉ ባህርያት እንመሃሮ በዚ ናይ ምምላእ ከይዲ (conditioning) እዩ። ነዚ ዘርፊ እዚ መሰረት ዘንበረ ፓቭሎቭ ብ1897 ዓ.ም ብዝሰርሖ ናይ ሙከራ ስራሕ ኔሩ።(13) ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ናይ ዋትሰን ስራሕ ከዓ ንመፅናዕቲ ባህርያት ዓርሱ ዝኸኣለ ዘርፊ ስነ ልቦና ክኸውን ጌርዎ።(14)
ኣብ 1929 ዓ/ም ናይ ዬል ዩኒቨርሲቲ ፕሬዚደንት ጄምስ ኣግኔል ትካል ርክብ ደቂ ሰባት / Yale Institute of Human Relations (IHR) ከምዝመስረተ ኣፍለጠ። ብሮክፌለር ፋውንዴሽን ብዝተገብረሉ ሓገዝ ኔሩ ዝተመስረተ። ዕላማ እዚ ትካል ድሌት ደቂ ሰባት ምርዳእ ምኽኣል እንትኸውን እዚ ዝትግበር ከዓ ሰባት ብውልቂን ብጉጅለን ንዝገብርዎም ነገራት ብምፅዕ እዩ። እቲ ትካል እዚ ንዕቤት ዘርፊ መፅናዕቲ ባህርያት ዓብዪ ኣበርክቶ ጌሩ እዩ። ዕላማ ቁንጮታት በብግዚኡ ምስ ማሕበራዊ ለውጢ ተተሓሒዙ ዘይቕበሎ ወይ ዝኸፍኦ ውልቀ ሰብ ወይ ህዝቢ እንተሃሊዩ ከየንገራገረ ክቕበሎን ፀገም ከይፈጥረሎምን ምግባር ምኽኣል እዩ። ክኾን ዝነበሮ ግና ብኣንፃሩ ቅድሚያ ንድሌት ውልቀ ሰባትን ህዝቢን ምሃብ ኔሩ። ስለዝኾነ መፅናዕቲ ባህሪያት ትኹረት ዝገብረሉ ዛዕባ ኣብ ውሽጢ ርክባት ሰባት ከባቢያዊን ባሕርያዊን ቁፅፅር ዘድሃበ እዩ።(15)
ኣብዚ ዘርፊ መፅናዕቲ ዓብዪ ተፅዕኖ ዝነበሮ ምሁር ስኪነር ኔሩ፤ ስኪነር ኣብ 1948 ዓ/ም ኣብ ዝፀሓፎ መፅሓፍ፤ ኣብዚ ኣስተምህሮ ዝተመርኮሰ ምድራዊ ገነት ዝኾነ ማሕበረሰብ ምፍጣር ከም ዝከኣል የስተንትን።(16) ኣብ1971 ዓ.ም ኣብ ዘሐተሞ መፅሓፉ ከዓ ነፃ ፈቓድ ዝበሃል ነገር ከም ዘየለን ናይ ቀትሪ ሕልሚ ከም ዝኾነ ይከራኸር።(17)
ንኣስተምህሮ እዚ ዘርፊ ስነ ልቦና ንምትግባር ዝንቀሳቐሱ ኣብ ቁልፊ ቦታ ዝነበሩ ቁንጮታት ሕፅት ኣይገጠመን። ናይ ሲቢኤስ ጣቢያ ዝኾነ ፍራንክ ስታንተንን ናይ ፕሪንስተን ሬዲዮ ፕሮጀክት ቁልፊ ዝነበሩ ሰባት ከም ፓውል ላዛርስፊልድ ተጠቀስቲ እዮም። ከም እዚኣቶም ዝበሉን እዚ ናይ ሬዲዮ ፕሮጀክት ንናይ 20 ክ/ዘበን ዘርፊ መራኸቢ ሓፋሽ፣ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኢሎም ብዝሰየምዎ ፕሮፖጋንዳ ብምቕራፅን ናይ ሃገረ ኣሜሪካ ኣውራ ፖሊሲ ብምግባር መራሒ ግደ ተፃዊቶም እዮም።(18) ቀፂልና ነዚኦምን ስራሕቶምን ክንርኢ ኢና።

(ቀፃላይ፡ መራኸቢ ሓፋሽን መሃንዲሳት ፈቓድን)

ፍልፍላት፡

(1) VC. (April 28, 2010). “Mind control theories and techniques used by mass media.” Vigilant Citizen.
(2) Marshall, Andrew Gavin (2013). “The propaganda system that has helped create a permanent overclass Is over a century in the making.” Andrew Gavin Marshall. andrewgavinmarshall.com/
(3) Le Bon, Gustav. (1896). The Crowd: A Study of the Popular Mind. UK: Sparkling Books Edition, 2009.
(4)  Ginneken, Jaap van . (1992). Crowds, psychology, and politics, 1871-1899. Cambridge, England, UK: Cambridge University Press. pp. 131
(5) Marshall, “The propaganda system.” andrewgavinmarshall.com
(6) ዝኒ ከማሁ።
(7) ዝኒ ከማሁ።
(8) ዝኒ ከማሁ።
(9) ዝኒ ከማሁ።
(10) ዝኒ ከማሁ።
(11) ዝኒ ከማሁ።
(12) Watson, J. B. (1913). Psychology as the behaviorist views it. Psychological Review, 20, 158.
(13) Pavlov, I. P. (1897). The work of the digestive glands. London: Griffin.
(14) McLeod, Saul. (2007). Behaviorist Approach. Simply Psychology. Retrieved from: www.simplypsychology.org/behaviorism.html
(15) Marshall, “The propaganda system.” andrewgavinmarshall.com
(16) Skinner, B. F.. (1948). Walden two. New York: Macmillan
(17) Skinner, B. F.. (1971). Beyond freedom and dignity. New York: Knopf.
(18) Marshall, “The propaganda system.” andrewgavinmarshall.com

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።