Skip to main content

ማሕበራዊ ንቕሓትን ህልውናን ተጋሩ

ግደይ ገብረኪዳን

ኣመራርሓታት ህወሓት ቃልሲ መሪሖም ብዝሓፈስዎ ዓወት ሰኺሮም፤ ብዓርሰ ፍትወት ተፀሚዶም፤ ንሓድሽ ወለዶ ትግራይ ነፃነትን ዲሞክራሲን ክህብዎ ዘይኮነስ ኣደንቊሮም ክገዝእዎ እዮም መሪፆም። በዚ መሰረት ድማ፤ ሎሚ ዘሎ ናይ ህወሓት ስርሒት ዝኾነ ሓድሽ ወለዶ ትግራይ፤ መግለፂ ባህርያቱ ድሑር፣ ተንበርካኻይ፣ ሓፈሻዊ ፍልጠቱ ኣዚዩ ትሑት ዝኾነ፣ ወነ ዝኸሓዶ፣ ሸለልተኛ፣ ዘየንብብ፣ ብሄራዊ ህልውና ክህልዎ ዝተኸፍለሉ መስዋእቲ ዘይርድኦ፣ ኮታስ ብሓፈሻ ህወሓት ካብ ዘደንቆረቶ ንላዕሊ ኣደዳ ስነ ልቦናዊ መጥቃዕቲ ፀላኢ ኮይኑ መምርሒ ህይወቱ ዝገብሮም ፍልስፍናታት፦ ስጋዊ ርውየት፣ ቀቢፀ ተስፋን ዓርሰ ፍትወትን ዘጠንጥንዎ ኮይኑ ኣሎ።

“ከመይ ከምዚ ክፈርድ ክኢለ? ከመይ ክፈልጥ ክኢለ? መን ስለዝኾንኩ እዩ ነዚ ዝብል?” ዝብሉ ሕቶታት እንተመፂኦምኹም ኣነ ባዕለይ ካብዞም ዝደንቆሩን መንፈሶም ዝተንበርከኸን ሓድሽ ወለዶ ውሽጢ ሓደ ስለዝነበርኩ (ብዝተወሰነ ብርኪ መሊአ ዘይነቃሕኹን ነፃ ዘይወፃኹን እውን) ስለዝኾንኩ ብዛዕባ ውልቀይ እውን ይዛረብ ስለዘለኹ እየ በዚ ብርኪ ክምስክር ዘኽኣለኒ። ዘንቀሐና ዘሎ ድማ እቲ ኣብ ልዕሌላ እንትወርድ እንሪኦ ዘለና ፅልኢ ኣምሓሩን ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዘንፀላለወን ሓደጋ እዩ።
ኣምሓሩ ብኩለ መዳይ መሳርሒታት ፕሮፓጋንዳ ተጠቂሞም መንፈስ ወለዶ ይቐርፁ ኣለዉ፡ መፅሓፍ፣ መፅሄት፣ ጋዜጣ፣ ሙዚቃ፣ ፊልሚ፣ ሬዲዮ፣ ቴሌቪዥን ሃገርና ኣብ ኢዶም እዮም። ናይ ስራሕ ቋንቋ እዛ ሃገር ኣምሓርኛ ምዃኑ በዚ ከኽስቡ ጌርዎም ኣሎ። በዚ ከዓ፤ 60,000 ተጋሩ ዝተሰውኡሉ፤ ናይ 17 ዓመታት መሪር ቃልሲ ዝተገብረሉ ዕላማ ብሄራዊ ህልውናና፤ ዘርኣዊነት ከምዝኾነ ብዝረቐቐን ብቀጥታን መንገዲ ይሰብኩና ፀኒሖም እዮም።
ኣምሓሩ ሙሉእ ንቕሓት ንዘለዎ ግለሰብ መሰል ዓርሰ ውሳነን ብሄራዊነትን፤ ብብርኪ ክልሰ ሓሳብ፤ ዘርኣውነት እዩ ኢሎም ከእምንዎ ከምዘይኽእሉ ይፈልጡ እዮም ስለዚ ገፆም ናብ ስምዒት ቀስቀስቲን ግሁድ ተግባራትን ኣዚሮም ነቲ ተራ ሰብ ከፃውዱሉ ዝከኣሎም ሜላ መሪፆም። በዚ መሰረት ከዓ ጎንፂ ብሄራት ብምፍጣር ፌደራላዊ ስርዓት ዘርኣዊነት ዘምፀኦን ሰላም ዘይህብን እዩ ኢሎም ነቲ ምስትንታን ዘይኽእል ኣብዝሃ ብሄራት እዛ ዓዲ ኣንፃር ነብሶም ደው ክብሉ ጌሮምዎም።
ንምንታይ ከም ዝቃለስ ዘይርደኦ ህዝቢ ሒዝካ ኣብ ኲናት ተዓዋታይ ክትኾን ኣይከኣልን። ህወሓት ዘደንቆረቶ ወለዶ ከዓ ብስምዒታዊ ስብከት ኣምሓሩ ተሰሊቡ ንብሄራዊ ረብሕኡ ዝቃለሰሉ ተበግሶ ኣይህልዎን። ህወሓት ንመንእሰይ ወለዶ ምድንቋር ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ዝነቕሑ ክፋል መናእሰይ እውን፤ ምንቅስቓስ ፈጢሮም ኮነ ድምፆም ኣስሚዖም፤ ንቕሓት ህዝቦም ከይውስኹን ግዱሳት ከይፈጥሩን ፖለቲካዊ ስጉምቲ ትወስደሎም እያ። መጀመርታ ከባቢ ተጋሩ ብዘርኦም ዝበፅሖም ጥቕዓት እናገደደ እንትመፅእ ግዘ ኣብ ዓድ ግራት ዩኒቨርሲቲ ጥቕዓት ተጋሩ ጠጠው ይበል ኢሎም ድምፆም ዘስምዑ ተጋሩ ከመይ ብቕልጡፍ ስጉምቲ ከም ዝወሰደትሎም ኣይርሳዕን።
እቶም ማሌሊታውያን ህወሓት ዝፈትውዎ ማርክስ ከምዝብሎ እኳ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኲናት ንተዓዋታይነት ዝውስን ሕጊ፦ ህዝቢ ዝውንኖ ብርኪ ንቕሓት፣ ብርኪ ጥንካረ ኣተሓሕዛ ርእዮተ ዓለሞም፣ ንምዕዋት ዘለዎም ወነ እዮም። ከምቲ ዝራእኹምዎ ህወሓት ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ንምህናፅ እንትትብል ወለዶ ንቕሓቱ ክወርድ፣ ርእዮተ ዓለም ብሄራዊነት ብዝምልከት ሸለልተኛ ክኾንን ብሓፈሻ በዚ ክስረት ምኽንያት ንህልውንኡ ንምቅላስ ቆራፅቱ ክጎድል ጌራቶ እያ።
መንእሰይ ትግራይ ክሕርንን ሙሉእ ንቕሓት ከምፅእን ንምግባር ናይ ዓመታት ስራሕ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። ኮይኑ ግና ገጢምና ዘሎ ፀላኢ ዓመታት ዝህብ ኣይኮነን ኣዋርሕ እውን የብልናን። ብዘለና ዕድል ኩሉ ጉድለት መንእሰይ ፈሊና ጎስጓስ ክንገብር ይግባእ።
ሓደ፡ ብሄራዊ ርእዮተ ዓለም ብዝምልከት ግልፂ ርድኢት ክፍጠር ክንገብር ኣለና። እዚ ብኽልተ ከፊልና እንሪኦ እዩ ዝኸውን። ሓደ ብብርኪ ክልሰ ሓሳብ ብሄራዊነት ዘርኣዊነት ዘይኮነስ ብዝሃነት ተቐቢልና ምስ ኣፈላላይና ብማዕርነት ኩልና ነናይ ዓርስና ዕድል ዓርስና ንውስን፣ ብባህልና ንኾርዕ፣ ብሰብና ንዳነ፣ ባዕልና ንባዕልና ነመሓድረሉ፣ ብቋንቋና ንመሃረሉ… ተፈጥሮኣዊ መሰል ከምዝኾነ ነብራሃዮ። ኣብዚ ብዙሕ ዘካትዕ ጉዳይ ስለዘይብሉ ፀላኢ-ብዝሃነት ዝኾኑ ሓይሊ ኣምሓራ እውን ኣብዚ ኣይነጥፍን። ካልኣይ ካብ ክልሰ ሓሳብ ወፂና ናብ ጭቡጣት (ተግባራዊነት) ገፅ ብሄራዊነት ንመፅእ። በዚ ሸነኽ ፀላኢ ህዝብታት (ብሄራት) ክጋጨዉ ብምግባር፣ ዘይዕረቕ ሕቶ ብምሕታት (ወልቃይት፣ ራያ ኮሚቴ ከምዝብልዎ) ናብ ጎንፂ ብምእታው ብሄራዊነት ማለት ጎንፂ ዓዳማይ ናይ ዘርኣውያን ስርዓት እዩ ኢሉ ነቶም ምስትንታን ዘይለመዱ ሰባት ብስምዒት ተጠቂሙ ይሰልበሉ ኣሎ እዩ። ኣብዚ ከዓ እቲ ፍልፍል ፀገም ተስፋሕፋሓይን ዘርኣዊነትን ኣምሓሩ እምበር ምኽባር መሰል ብሄራዊነት ከምዘይኮነ ክነረድእ ኣለና። ኣብ ብሄራዊነት ትግበራ ቀንዲ ፀገም ዝኾነና ዘሎ ተስፋሕፋሓይ ባህርያት ዘለዎም ብሄራት እዮም። ሎሚ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ተስፋሕፋሓይነት ኦሮሞን ኣምሓራን እዩ ነዛ ዓዲ ዝሕምሳ ዘሎ። ነዚኦም ተስፋሕፋሓይነት ምንብርካኽ ከዓ ሞት ከምዝኾነ ህዝቢ ክፈልጦ ክንገብር ኣለና። እናተንበርከኻ ህልውና ኣይተውሕስን።
ካልኣይ፡ ሓፈሻዊ ንቕሓት ህዝብና ክድይብ ክንገብር ኣለና። ህዝብና ብጥበብ፣ ብሃይማኖት፣ ስነ ምግባር፣ ፖለቲካ፣ ሕጊን ፍልስፍናን ዓሚዩቕ ፍልጠት ክጭብጥን ንክብርታቱ ዝሟገት ንቑሕ ህዝቢ ክንገብሮ ኣለና። እዚ ከዓ ኣምሓርኛ እናንበብካ ክመፅእ ኣይኽእልን። ብኣምሓርኛ ዝወፁ ሕትመታት ንኣምሓራዊ ርእዮተ ዓለም ከምዝምቸዉ ተጌሮም ዝቃነዩ እዮም። ብቕልጡፍ ትግርኛ ብርኪ ስነ ፅሑፍን ሕትመትን ዝዓብየሉ ሜላ ክነምፅእ ይግባእ። እዚ ዘበን እዚ ካብ ኩሉ ዘበን ንላዕሊ ናይ ሓበሬታ (ስነልቦናዊ) ኲናት ዝግበረሉ ዘበን እዩ። ናፖሊዮን፡ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ንፀላኢ ካብ ዘብፅሖ ኪሳራ ንላዕሊ ኣርባዕተ ጋዜጣታት ምብፃሕ ይኽእሉ ኢሉ ኔሩ። ሮማናት እናተነበቡ ዝውዕሉ መፅሄታት ኣምሓሩ ኣብ ልቦና ተጋሩ ዝቕበሩ ዘለዉ መርዚታት እዮም። ህወሓት ኣደንቊራ ብውልቀ መላኻይ ኣካይዳ ንምግዛእ ናይ ባዕላ ስነ ልቦናዊ ኲናት ኣብዚ ወለዶ እዚ እናገበረት እያ ዝመፀት። ጋዜጠኛታትና ኮነ ወከልትና ኣባላት ቤት ምኽሪ ትግራይ ካብቲ ተራ ሰብ ዘይፍለ ብርኪ ንቕሓት ሒዞም ብርሃን ህዝቦም ክኾኑ ኣይኽእሉን። እዚ ክቕረፍ ኣለዎ። ሎሚ ናይ ሓበሬታ ምርካብ፣ ምዝራብን ምውዳብን ነፃነት ዓፊንካ ነቲ ዝመፀና ዘሎ ሓደጋ ምፅዋር ዝኽእል ህዝባዊ ናዕቢ ምፍጣር ኣይከኣለናን። ስለዚ እዚኣ ብዓብዪ ትኹረት ክስረሐላ ዝግባእ ዛዕባ እያ።
ሳልሳይ፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ኮነ ቅድመ ጥንቲ ታሪኹ እንትረአ ንዝኣመነሉ ነገር ውፉይ ኮይኑ ፀገማት ወይ ፈተናታት ተፃዊሩ ብዓወት መሰስ ዘብል ፀጋ ከምዘለዎ ዝክሕድ የለን። ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ሸለልተኛ ክኾን ተጌሩ ዝመፀሉ ኣካይዳ ብቕልጡፍ ይቀየር። ህወሓት ሎሚ ብናይ ዝሓለፈ እዋን ፅዩቕ ኣካይደኣ ልማድ ኮይንዋ ተቐንዝው ኣላ እያ። መሊኣ ንሰብ ነፃነት ንከይትህብን ኣባላታ ብነፃነት ከይሓስቡ ዝመፀቶ ልምዳ ኣይፈቕደላን። እዚ ልምዲ እዚ ተሴሩ ሰብ ካብ ልቢ ዝስመዐሉን ብዛዕባ መፃኢና ካብ ልብና ንዝትየሉ ሃዋህው ክፍጠር ኣለዎ።
መስዋእቲ ኣያታትና ከንቱ ከይተርፍ እዚ ወለዶ እዚ ምስቲ ዘበን ዝኸድ ንቕሓት ክንውንን ይግባእ። ክልሰ ሓሳባዊ ፀገም ዘይብሉ ኣብ ክሊ ፌደራላዊነት ክትግበር ዝተሞከረ ዓርሰ ምሕደራ ብሄራት ወይ ብሄራዊነት እንተፈሺሉ ሓንቲ መማረፂት እያ ትተርፈና። ፌደራሊዝም ኣውራ ዛዕባና ኣይኮነን። ናይ ብሄር ፌደራሊዝም ዝመረፅናዮ ናይ ብሄር ሕቶና ክምልሰልና እዩ እምበር ምስ ብሄራዊ ፌደራላዊት ኢትዮጵያ ፍሉይ ቃል ኪዳን ፍቒሪ ስለዘና ኣይኮነን። እታ እትተርፈና መማረፂት እምበኣር ብሄራዊነትና ንዕቅበሉ ካብዛ ዝተመረዘት ፌደራላዊነት ኣይደልይን ዝበለት ዓዲ ወፃኢ ምኻድ እዩ። ብብርኪ ስነ ሓሳብ ክፋእ ዘይብሉ ናይ ብሄር ፌደራሊዝም ስምዒት ተንከፍ ብዝኾኑ ተግባራት ጎንፂ ተጠቂሞም ክጠልፍዎ ምስ ዝመርፁ ወገናት ሓደ ዝገብረና ነገር ኣይህልውን። ኣካይደኦም እንተተቐቢልናዮም ግና ተንበርከኽቲ ኮይና ተሪፍና ማለት እዩ ዝኸውን። 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።