Skip to main content

ሰለስተ ሕቶታት

ሊዮ ቶልስቶይ

ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ንጉሥ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት መልሶም ክፈልጥ ተመነየ፦ ዝኾነ ይኹን ተግባር ዝጅምረሉ ትኽክለኛ ግዘ፤ ነዚ ንምፍላጥ ነየኖት ሰባት ክሰምዕን ነየኖም ከዓ ከይሰምዕን ከምዘለዎ፤ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ከዓ ወትሮ ኣየናይ ተግባር ቁልፊ ተግባር ከምዝኾነ ክፈልጥ ተመነየ፣ ነዚታት እንተዝፈልጥ ኣብ ዝነጥፈሎም ተግባራት ኩሎም ምንም ዓይነት ጌጋ ከምዘየጋጥሞ ሓሰበ።
እዚ ሓሳብ እንትመፀሉ ኣብ መላእ ግዝኣቱ፤ ንኹሉ ተግባር ትኽክለኛ ግዘ ኣየናይ ከምዝኾነ፣ ብጣዕሚ ወሰንቲ ዝኾኑ ሰባት መን ከምዝኾኑን ቀፂሉ ከዓ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ወሰንቲ ዝኾኑ ተግባራት እንታይ ከምዝኾኑ ንዝነገሮ ሰብ ዓብዪ ሽልማት ከምዘዳለወ ብኣዋጅ ኣፍለጠ።
ጥበበኛታት ናብቲ ንጉስ መፁ፣ ኩሎመ ግና ዝተፈላለየ መልሲ ኔሮም ዝህብዎ።
ነቲ ናይ መጀመርታ ሕቶ እንትምልሱ፣ ሓደ ሓዲኦም ናይ ተግባር ትኽክለኛ ግዘ ንምፍላጥ፣ ሰብ ቀዲሙ ውጥን ከዳሉ ከምዘለዎ፣ መዓልቲታት፣ ኣዋርሕን ዓመታትን ብሰንጠረዥ ነፂሩ ኩሉ ነገር ዝግበረሉ ግዘ መዓዝ ከምዝኾነ ክውስን ከምዝግበኦ ነገርዎ። ኩሉ ብትኽክለኛ ግዘ ዝትግበር ከምዚ እንተተጌሩ ጥራሕ ከምዝኾነ ነገርዎ። ካልኦት ድማ ቀዲምኻ ንኹሉ ተግባር ትኽክለኛ ግዘ ኣየናይ ምዃኑ ምውሳን ከምዘይከኣል ኣፍለጥዎ፤ ግን ድማ ሰብ ኣብ ዘይረብሕ ንጥፈታት ግዚኡ ከባኽን ከምዘይግባእን ብዙሪኡ ንዝግበር ዘሎ ነገራት ብንቕሓት ክከታተል ከምዘለዎ ነገርዎ። ካልኦት ከዓ እቲ ንጉሥ ከም ድላዩ ብንቕሓት እንተተዓዘበ ቀዲምኻ ንኹሉ ተግባር ትኽክለኛ ግዘ ምውሳን ከምዘይከኣል ተዛረቡ፤ ግን ድማ ናይ ጠቢባን መማኽርቲ ክህልውዎ ከምዝግባእን እዚኦም ከዓ ንኹ ነገር ትኽክለኛ ግዘ መዓዝ ከምዝኾነ ኣብ ምውሳን ክሕግዝዎ ከምዝኽእሉን ተዛረቡ።
ካልኦት ድማ ኣብ ቅድሚ መማኽርቲ በፂሖም ክሳብ ዝምከረሎም ግዘ ክፅበዩ ዘይኽእሉን ሓደ ሰብ ክፍፅሞም ወይ ክገድፎም እንተኾይኑ ግዘ ከየጥፍአ ክውሰነሎም ዘለዎም ተግባራት ከምዘለዉን ተዛረቡ። እሞ ንምውሳን ግን ቐዲሙ ክፈልጥ ከምዝግባእ ከዓ ወሰኹሉ። ነዚ ክገብሩ ዝኽእሉ ከዓ ጠቆልቲ ጥራሕ እዮም፤ ስለዝኾነ ናይ ኹሉ ተግባር ትኽክለኛ ግዘ ንምፍላጥ ቀዲምካ ንጠቋላይ ምዝራብ ከምዘድሊ ኣፍለጡ።
ነቲ ካልአዋይ ሕቶ እውን ከምዚ ዝተፈላለዩ መልስታት ተውሃቡ። ገለገሊኦም ንንጉስ ዘድልይዎ ኣገደስቲ ሰባት መማኽርቱ ከምዝኾኑ ተዛረቡ፤ ካልኦት ኣቕሽሽቲ በሉ፤ ካልኦት ከዓ ሓኻይም በሉ፤ ካልኦት ድማ ተዋጋእቲ ኣድለይቲ ሰባት እዮም በልዎ።
ኣየናይ ተግባር እዩ ወሳናይ ንዝብል ሳይልሳይ ሕቶ ድማ፤ ፍርቆም ካብ ኩሉ ወሳናይ ተግባር ሳይንስ እዩ በሉ። ካልኦት ድማ ክእለት ውግእ ወሳናይ ተግባር እዩ በሉ፤ ካልኦት ድማ ሃይማኖታዊ ተግባር ወሳናይ ከምዝኾነ ነገርዎ።
እቶም መልስታት ከምዚ ዝተፈላለዩ ብምዃኖም እቲ ንጉስ ዋላ ምስ ሓዲኦም እውን ተሰማሚዑ ክቕበሎም ኣይከኣለን። ግን መልሲ ናይ ምርካብ ድሌቱ ስለዘይነፀፈ ሓደ ጥበበኛ እዩ ንዝበሃል መናናይ ከዘራርብ ወሰነ።
እቲ መናናይ ኣብ ሓደ ገዲፍዎ ዘይፈልጦ ዱር እዩ ዝነብር፤ ካብ ተራ ሰባት ወፃኢ ከዓ ንኻልኦት ተቐቢሉ ኣየዘራርብን ኔሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ንጉስ ተራ ኽዳን ተኸዲኑ ብምኻድ ናብቲ ከባቢ መንበሪ እቲ መናናይ እንትበፅሕ ካብ ፈረሱ ብምውራድ ነቶም ዓጀብቲ ኣብ ድሕሪት ክተርፉ ጌሩ ብእግሩ ናብቲ መንበሪ እቲ መናናይ በይኑ ከደ። 
እቲ ንጉስ እቲ መናናይ ኣብ ዘለዎ እንትበፅሕ፣ እቲ መናናይ ፊት ንፊት ጎጅኡ እናዃዓተ ረኸቦ። ነቲ ንጉስ እንትሪኦ ሰላምታ ሂቡ ምኹዓቱ ቀፀለ። እቲ መናናይ ብጣዕሚ ዕባራን ድኹምን እዩ ነይሩ፤ ነቲ ባዴላ ኣብ ምድሪ እናዕረፈ ንኢሽተይ ሓመድ ግልብጥ ብዘበለ ቁፅሪ ትንፋሽ እናሓፀሮ ዕንቀዓ ዕንቀዓ ይትንፍስ ነበረ።
እቲ ንጉስ ቕርብ ኢሉ ከምዚ በሎ፡ “ኣንታ ጠቢብ መናናይ ናባኻ ዝመፃእኹ ሰለስተ ሕቶታት ክሓተካ እዩ፡ ከመይ ኢለ እየ ነት ትኽክለኛ ተግባር መተግበሪ ትኽክለኛ ግዘ ኣየናይ ከምዝኾነ ክፈልጥ ዝኽእል? ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘድልዩኒ ሰባት ኣየኖም እዮም፣ ከፈልጦምሞ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ክሰምዖም? ብተወሳኺ ከዓ ኣየኖም ተግባራት እዮም ካብ ኩሎም ንላዕሉ ወሰንቲ ዝኾኑን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ናተይ ኣቕልቦ ዘድልዮም?”
እቲ መናናይ ነቲ ዝጉስ ሰሚዕዎ፣ ግን መልሲ ኣይሃቦን። ኣብ ኢዱ ቱፍ ኢሉ ምኹዓቱ ቀፀለ።
“ደኺምካ እዩ ዘሎ፤ ነቲ ባዴላ ሃበኒ እሞ ቁሩብ ክሕግዘካ” በለ እቲ ንጉስ።
“የቐንየለይ!” ኢሉ ነቲ ባዴና እናሃበ መለሰሉ እቲ መናናይ፣ ኣፍቲ መሬት ኮፍ ኢሉ ከዕርፍ ጀመረ።
ክልተ መደባት ምስ ኳዓተሉ እቲ ንጉስ ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ እተን ሕቶ ደገመሉ። እቲ መናናይ ሕዚ እውን መልሲ ኣይሃበን፣ ኮፍ ካብ ዝበለሉ ጥራሕ ተላዒሉ ነቲ ባዴላ ክቕበል ኢዱ ዘርጊሑ ከምዚ በሎ፡
“ሕዚ ቁሩብ ዕርፍ ኣብል እሞ ኣነ ከዓ ቁሩብ ክሰርሕ።”
እቲ ንጉስ ግን ነቲ ባዴላ ኣይሃቦን፣ ምኹዓቱ ጥራሕ ቀፀለ። ሓደ ሰዓት ሓለፈ፣ ካሊእ እውን ከደ። ፀሓይ ደድሕሪት እቶም ኣግራብ ክትሕባእ ጀመረት፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ንጉስ ነቲ ባዴላ ኣብ መሬት ሶኪዑ ከምዚ በለ፡
“ኣንታ ጠቢብ ኣነ ናባኻ ዝመፃእኹ መልሲ ደልየ ኔረ። መልሲ ክትህበኒ ዘይትኽእል እንተኾይንካ ንገረኒ እሞ ንገዛይ ክምለስ።”
እቲ መናናይ ግን “ዝኾነ ሰብ እናጎየየ ይመፅእ ኣሎ፣ መን ከምዝኾነ ንርኣዮ” ኢልዎ።
እቲ ንጉስ ዘወር ኢሉ ረኣየ፣ ሓደ ጨሓም ሰብ ካብቲ ዱር እናጎየየ እንትወፅእ ረኣየ። እቲ ሰብ ብኢዱ ንኸብዱ ደጊፉ ኔሩ፣ ደም ድማ ኣብ ኢዱ ካብ ዝደገፎ ኣካሉ ይፈስስ ኔሩ። ናብቲ ንጉስ እንትበፅሕ ናይ ቃንዛ ድምፂ ኣስሚዑ ድኽምክም ብዝበለ መልክዑ ኣብቲ እግሪ ንጉስ ወደቐ። እቲ ንጉስን እቲ መናናይን ተረዳዲኦም ኽዳኑ ኣውፂኦምሉ። ኣብ ከብዱ ከቢድ ጉድኣት ኔሩዎ። እቲ ንጉስ ክንዲ ዝከኣሎ ሓፂቡ ንመሃረቡ ከም ፋሻ ጌሩ ኣሰረሉ። እቲ ደም ግን ምፍሳስ ጠጠው ኣየበለን፣ እቲ ንጉስ እናደጋገመ ነቲ ፋሻ እናፈትሐ ብዉዑይ ማይ እናሓፀበ መሊሱ ይኣስረሉ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ ደም ምፍሳስ ጠጠው ምስ ኣበለ እቲ ሰብኣይ ነቒሑ ዝስተ ነገር ክህብዎ ሓተቶም። እቲ ንጉስ ፅሩይ ማይ ኣምፂኡ ሃቦ። እዚ ኹሉ እንትኸውን እታ ፀሓይ ተቕሊላ ዓሪባ እቲ ኣየር ዝሕል ኢሉ ኣሎ። ነዚ ሪኡ እቲ ንጉስ ምስቲ መናናይ ተሓጋጊዞም ናብ ውሽጢ ጎጆ መናናይ ኣእቲዮም ኣብ ዓራት ኣደቀስዎ። ኣብቲ ዓራት እንተሎ ዓዒንቱ ዓሚቱ ድምፂ ኣየስመዐን ኔሩ፤ እቲ ንጉስ ከዓ ብእግሩ ዝተጉዓዞን ክሰርሖ ብዝወዓሎን ስለዝደኸሞ ኣፍቲ ኣፋፌት ገዛ ኩርሚት በለ፤ ብኡ ኣቢሉ ድማ ደቀሰ - ሓያል ድቃስ ወሲድዎ ነታ ሓፃር ምሸት ሓጋይ ብምልእታ ከይተሰአ ደቂሱ ኣሕለፋ። ንጎሆ እንትትስእ ኣበይ ከምዘሎ ዘንጊዕዎ ኔሩ፣ ትኽ ኢሉ ብዘብርሁ የዒንቱ ዝሪኦ ዘሎ ጨሓም ሰብኣይ እውን መን ከምዝኾነ ኣይፈለጦን።
እቲ ንጉስ ከምዝተልዓለን ይሪኦ ከምዘሎን ምስ ረኣየ፣ “ይቕሬታ ግበረለይ!” በለ እቲ ጨሓም ድኽም ብዝበለ ድምፁ።
“ኣይፈልጠካን እየ፣ ይቕረታ ዝገብረልካ ከዓ ምኽንያት የብለይን” ኢሉ መለሰሉ እቲ ንጉስ።
“ንስኻ ኣይትፈልጠንን፤ ኣነ ግን ይፈልጠካ እየ። ንሓወይ ክቕተል ስለዝፈረድካን ንብረቱ ብሙሉኡ ስለዝወረስካን ነዓኻ ክብትል ዝመሓልኩ ፀላኢኻ እየ። ነቲ መናናይ ክትረክብ በይንኻ ከምዝኸድካ ሰሚዐ እየ፤ ክትምለስ ከለኻ ክቐትለካ እየ ወሲነ ዝነበርኩ። ግን መዓልቲ ረፊዱ ኣይተመለስካን። በዚ ምኽንያት ድማ ክረኽካ ካብ ዝተሓባእኹሉ ወፃእኹ፣ ሽዑ ድማ እቶም ሓለውትኻ ረኺቦምኒ፣ መንነተይ ምስፈለጡ እንተጥቅዑኒ ቆሲለ። ኣምሊጠዮም ከይደ፣ ንስኻ ዘይምሓብሐብካኒ ደም ፈሲስኒ ምሞትኹ ኔረ። ኣነ ክቐትለካ ደሊየ ኔረ፣ ንስኻ ድማ ህይወተይ ኣትሪፍካለይ። ሕዚ እንተደኣ ዘይሞይተን እንተደኣ ደሊኻዮን፣ ተኣማናይ ባሪያ ኮይነ ከገልግለካ እየ፣ ደቀይ እውን ከምኡ ክገብሩ ክእዝዞም እየ። ይቕሬታ ግበረለይ!”
እቲ ንጉስ ብቐሊሉ ምስ ፀላኢኡ ሰላም ብምፍጣሩን ሕውነት ብምምስራቱን ተሓጎሰ፤ ይቕረ ምባል ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሓኻይሙን ሰራሕተኛታቱን ሰዲዱ ክከናኸንዎ ብምግባር እቲ ዝተወረሶም ንብረት ከምዝምልሰሉ ቃል ኣተወሉ።
ምስቲ ዝቖሰለ ሰብ ዝነበሮ ዘረባ ምስ ወደአ እሪ ንጉስ ናብቲ በረዳ ብምውፃእ ነቲ መናናይ ብዓይኑ ክደልዮ ጀመረ። ቅድሚ ምኻዱ ንመወዳእታ ግዘ መልሲ ክህቦ ክልምኖ ኑሩ ድልየቱ። እቲ መናናይ ደገ ኮይኑ ተንበርኪኹ ኣብቶም ዝተኹዓቱ መደባት ዘርኢ እናዘርአ ኔሩ። 
እቲ ንጉስ ናብኡ ቕርብ ኢሉ ከምዚ በሎ፡
“ንመወዳእታ ግዘ ነቶም ሕቶታተይ መልሲ ክትህበኒ ይልምነካ ኣለኹ፣ ኣንታ ጠቢብ።”
“እትደልዮ መልሲ ረኺብካዮ ኢኻ!” በሎ እቲ መናናይ ካብታ ዝተምበርከኸላ ከይተልዓለ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ዝበለ ንጉስ ቅንዕ ኢሉ እናጠመተ።
“ከመይ ተመሊሱለይ? እንታይ ማለትኻ እዩ?” ኢሉ እቲ ንጉስ ሓተቶ።
“ኣይረኣየካን ድዩ ዘሎ” በሎ እቲ መናናይ። “ትማሊ ድኹም ብምዃነይ ሓዚንኻ  ነዞም መደባት እንተዘይትኹዕተለይን ስኽ ኢልካ እንተትምለስ ኔርካ እቲ ዝፅበየካ ዝነበረ ሰብ መጥቀዐካ፣ ንስኻ ድማ ምሳይ ብዘይምፅናሕኻ ክትጠዓስ ኔርካ። ስለዚ ነዞም መደባት እንትትኹዕት ወሳናይ ግዘ እዩ ዝነበረ፤ ኣነ ድማ ሽዑ ወሳናይ ሰብ እየ ኔረ፤ ነዓይ ፅቡቕ ተግባር ምፍፃም ድማ እቲ ወሳናይ ተግባር እዩ ኔሩ። ድሕሪ እዚ ከዓ እቲ ሰብኣይ ናባና እናጎየየ እንትመፅእ ግዘ ንዕዑ ዝገበርካሉ ክንክን ወሳናይ ግዘ እዩ ኔሩ፣ ምኽንያቱም እንተዘይትከናኸኖ ኔርካ ምሳኻ ሰላም ከይፈጠረ ክመውት ኔሩ። ስለዚ ንሱ እዩ ሽዑ ወሳናይ ሰብ ዝነበረ፣ ንዕዑ ዝገበርካሉ ነገር ድማ ወሳናይ ተግባር እዩ ዝነበረ። ስለዝኾነ ነዚ ፍፁም ከይትርስዕ - ሕዚ! ሕዚ እዩ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ወሳናይ ዝኾነ ግዘ፣ ምኽንያቱ ከዓ ሰብ ሓይሊ ኢና ዝበሃለሉ ግዘ እንተሃሊዩ ኣብ ውሽጢ ሕዚ ጥራሕ እዩ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ወሳናይ ዝኾነ ሰብ ድማ እቲ ምሳኻ ዘሎ ሰብ እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ ቐፃላይ ምስ ካሊእ ሰብ ጉዳይ ክህልዎ ከምዝኽእልን ከምዘይኽእልን ዝፈልጥ ሰብ የለን፡ እቲ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ወሳናይ ዝኾነ ዕማም ድማ ነቲ ምሳኻ ዘሎ ሰብ ፅቡቕ ተግባር ምግባር እዩ፣ ምኽንያቱ ከዓ ሰብ ናብ ምድሪ ዝተልኣኸ ነዚኣ ጥራሕ ንኽፍፅም እዩ!” 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።