Skip to main content

ሰብ ክልተ ዘይሳነዩ ዓለማት

ግደይ ገብረኪዳን

“Between two groups of people who want to make inconsistent kinds of worlds, I see no remedy but force.” Oliver Wendell Holmes, Jr.
“ክልተ ዘይሳነዩ ዓለማት ዝምነዩ ክልተ ጉጅለታት ብዘይካ ጉልበት ካሊእ ዝዳንዮም ፍታሕ ኣይረኣየንን።” ኦሊቨር ዊንዴል ሆልምስ፣ ጁንየር

ሃገርና ኢትዮጵያ እንታይ ኮይና እያ ሰላም ዘይትረክብ? ንምንታይ እዩ ምስናይ ዝኣብየና? ነዚ ሕቶ እዚ ምልዓል ግድን ኣብ ዝብለሉ ግዘ በፂሕና ኣለና። መልሱ ዘፍርሕ ክኾን ስለዝኽእል ዘይምልዓሉ ዝመርፅ እንተበዝሐ ኣይገርምን። ነገራት እናኸፍኡ እንትኸዱ ግና ከይፈተና ክነልዕሎ ንግደድ።


ተጋሩ ከም ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ ኣብ ትሑት ብራኸ ህዝባዊ ስልጣነ ዘሎ ብሄር ኣይኮነን። ናይ ባዕሉ ክበሃል ዝከኣል ስልጣነ ዝወነነ ታሪኻዊ ብሄር እዩ። ናይ ባዕሉ ሓፍ ዝበለ ብራኸ ስልጣነ ዘለዎ እንትበሃል ብስነ ሕብረተሰብ ተመራመርቲ ዝግለፀሉ መለክዒታት እንትውንን እዩ።

ማሕበረሰባት ብሓፈሻ ኣብ ሰለስተ ብርኪ ስልጣነ ይኽፈሉ፡ መጀመርታ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሕብረተሰባት (primitive society) ናይ ባዕሎም ስነ ፅሑፍ ዘየማዕበሉ፣ ማሕበራዊ ምሕደርኦም ብደረጃ ዘይተኸፋፈለ እዮም። እዚኦም ናይ ባዕሎም ስርዓት ሃይማኖት፣ ደማዊ ዝምድና (ዓሌት)፣ እደ ጥበብ፣ መረዳድኢ ምልክት ዘለዎም እዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ጋምቤላ መዠንገር፣ ካብ ኦሞ ሃመር ምጥቃስ ይከኣል። ካብዚ ቀዳማይ ደረጃ ዕቤት ዘይወፁ ግን ድማ ኣብ ዝሓሸ ብራኸ ዝርከቡ እቲ ትእስስር ዓሌታዊ ዝምድና ጠጠው ዘበሉ፣ ዝተወሰኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣፍቲ ምሕደራ ስርዓት (ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራዊ፣ ሃይማኖታዊ) ፍሉይ ቦታ ምርካብ ዝከኣሉሉ ኣብ ታሕተዋይ ብርኪ ስልጣነ ዝርከብ ኮይኑ ግን ዕቤት ዘርአየ ማሕበረሰብ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ከም ኮንሶ መንደራት ወይ ከዓ ኣብ ገዳ ስርዓት ዘሎ ሕብረተሰብ ኦሮሞ ምጥቃስ ይከኣል። (Donald Levin, 188)

እቱ ቀፂሉ ዘሎ ብራኸ ስልጣነ መሸጋገሪ ወይ ማእኸለዋይ (intermediate) ክንብሎ እንኽል እንትኸውን ኣብዚ እቱ ሕብረተሰብ ናይ ባዕሉ ፅሑፍ ምውናን ዝኽእለሉ ደረጃ ስልጣነ እዩ። ዶናልድ ሌቪን ንኣክሱም ኣብዚ ብራኸ እዚ ዘላ ስልጣነ ከምዝኾነት ይናገር። እዚ ማእኸለዋይ ብራኸ ስልጣነ ንኽልተ ዝኽፈል እንትኸውን መጀመርታ ሃይማኖትን ፖለቲካን ዘይፍለዩሉ፣ ነቲ ንጉስ ከም ኣምላኽ ዝረኣየሉ ብርኪ ስልጣነ እዩ። ነገስታት ኣኽሱም እውን ንዓርሶም እንትገልፁ፣ ንኣብነት ኢዛና እንተራእና፡ “ንጉስ ኣክሱማውያን፣ ሂመራውያን፣ ሬዳውያን፣ ኢትዮጵያውያን፣ ሳባውያንን ሲሌያውያንን፣ ቲያሞን ቤጃን ካሱን፣ ንጉሰ ነገስት፣ ወዲ እቱ ዘይሰዓር ኣሬስ” ኢሉ ኔሩ። ዝገዝኦም ዓድታት ብሙልኦም ደሚሩ ኣብ መወዳእታ ብቅድመ ክርስትና እምነትታ ናይ ኲናት ኣምላኽ ተባሂሉ ዝምለኽ ዝነበረ ኣሬስ ውላዱ እየ ይብል። ሃይማኖትን ፖለቲካን ሓደ ምዃኖም ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ስነ ፅሑፍ እውን ኣብ ላዕለዎት ሊቃውንቲ ጥራሕ ዝነበረ ፍልጠት ስለዝነበረ ኣክሱም ኣብ መጀመርታ ብርኪ ዘላ ማእኸለወይቲ ስለልጣነ (archiac) ይገብራ። ድሕሪ ውድቀት ኣክሱም ካብ ዛጉዌ ስልጣነ (ናይ ዛጉዌ እውን መቐፀልታ ኣኽሱማዊ ስልጣነን ልክዕ ከም ኣኽሱም ንጉስን ሃይማኖትን ሓደ ዝነበሩሉ ብርኪ ኔሩ) ቀፂሉ ስልጣን ናብ ሰለሞናዊ ዝብሉ ብሃይማኖት ሰበኽቲ ፅዕንቶ ኢድ እንትኣቱ ሃይማኖታዊን ፖለቲካዊን ስልጣን ክልተ ዝኾኑሉን መራሕቲ ሃይማኖት ብውግዘት ንንጉስ ክሳብ ምሓዝ ዝበፅሑሉ ደረጃ ስለዝነበረ ካልኣይ ብርኪ ማእኸለዋይ ስልጣነ (historic empire) ዝተሸጋገረሉ ግዘ ንብሎ ንኽእል። እቲ ትምህርቲ ፅሑፍ እውን ካብ ቁሩብ ናብ ብዙሓት ዝደየበሉ ግዘ እዩ። (Donald Levin, 189-90, 193)  

ኣክሱማዊ ስልጣነ ምስ ወደቐ፤ ዶናልድ ሌቪን ከም ዝብሎ፤ ከም ናይ ግሪክን እስራኤላውያንን ውድቀት ስዒቡ እዞም ስልጣነታት ንዳሕረዎት ኣውሮፓውያንን ኣይሁዳውያንን ነዚኦም ስልጣነታት ዘለዎም ክብሪ ከምዘይቐነሰ ኩሉ ናይ ሰለሞናዊ ገዛእቲ እውን ንኣክሱም ዘለዎም ክብሪ ልዑል ኔሩ። ተዘክሮ ስልጣነ ኣክሱም ሎሚ ንእንፈልጣ ኢትዮጵያ ሃገራዊነት ንምህናፅ ዓብዪ ግደ ኔርዎ። (Donald Levin, 194)

ይኹን እምበር ውርሻታት ኣክሱም ግና ኣተኸበሩን። ኣክሱም ኣሃዳዊት ግዝኣተ ንጉስ ኣይነበረትን። ኣክሱማውያን ነገስታት ናይ ባህሊ ኮነ ስልጣነ ፅዕንቶ ኣይገብሩን። ከም ኩሎም ጥንታዊ ስልጣነታት ብሰላም ንዝግዝኡሎም ህዝብታት ነባር መራሕቶም ኣውሪዶም ብናይ ዓርሶም ሹመኛታት ኣይትክኡን። ኢትዮጵያ ዋላ ብሰለሞናዊ ነገስታት ዘመን እናሃለወት ናይ ብዙሃን ብሄራት መንበሪ ዝኾነት ሃገር ኮይና ቀፂላ ኔራ እያ። ካብዚ ማእኸለዋይ (መሸጋገሪ) ብራኸ ስልጣነ ናብ ዘመናዊ ብራኸ ማሕበረሰብ ኣብ እትሸጋገረሉ ግዘ ግና እዚ ብዝሃነታ ክተጥፍእ እትደሊ ሃገር እያ ኮይና። እዚ ተፃብኦ እዚ እዩ ከም ሃገር ሰላም ከይንረክብ ዝዓግተና ዘሎ።

ብሃፀይ ሃይለስላሴ ግዘ ናብ ዘመናዊ ብራኸ ስልጣነ ዘሸጋግሩ ብዙሓት ዕማማት ዋላ ይፈፀሙ እምበር ይብል ዶናልድ ሌቪን፤ ንቶም ኣብ ታሕቲ ብራኸ ስልጣነ ንዝነበሩ ማሕበረሰባት ምግላል እምበር ምሕዋስ ኣይተመረፀን ኔሩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቶም ታሕተዎት ብርኪ ዘለዉ ሕብረተሰባትን ኣምሓራ-ክርስቲያን ዘይኮኑን ኩሎም ዓርሶም ንምግላፅ (ዓርሶም ንምዃን) ዘለዎም ባህጊታት ኮነ ተባሂሉ ክዕፈን ይገብር ኔሩ። (Donald Levin, 195) እዚ ምዕፋን እዚ ከዓ ብሄራዊ ዓመፅ ክውላዕ ይገብር። ብሄራዊ ቃልሲ ተወሊዑ እውን ነቲ ንኻልኦት ዘይሓቁፍ ኣሃዳዊ ኣካይዳ ምሕደራ ክውገድ ተጌሩ። ምስ ግዘ ምኻድ ዝተስኣኖ፣ ባህጊታት ሕብረተሰባት ዘየዳምፅ ድሑር ስርዓት ካብ ምፍራስ ወፃኢ ካሊእ ዕድል ኣይህልዎን ኔሩ።

ሎሚ እውን ግና ናብ ድሕሪት ተመሊስና ከም ናይ ሃይለስላሴን ዝተክኦምን ደርጊ ዓፋናይ ኣሃዳዊ ህንፀት ሃገር ክንኸድ ዝደልዩ ሓይልታት፤ ብፍላይ ኣምሓራን ኢትዮጵያዊነትን ጥራሕ ሓደ ጌሮም ዝረኣዮም ወገናት፤ ንብዝሃነት ምትእንጋድ ከም ክሕደት ሃገር ቆፂሮም እንትኸሱ ንሰምዕ ኣለና።

ዘይንቃደው እምበኣር ነዚ እዩ። ንሳቶም ኣምሓርኛ ዝዓብለላ ኣሃዳዊት ሃገር ክሪኡ ይብህጉ። ብሄራዊ ህልውናን ብሄራዊ ክልላትን ክጠፍኡ ይደልዩ። እዚ ንምግባር ብክልላዊ ድንበራት ምውጣጥ ብምልዓልን ኣምሓራ ብሄረተኝነትን ተጠቂሞም ንህብረ ብሄራዊነት ስነ ሓሳብ ከፍሽሉ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ተጋሩ ቀጥታ ወረስቲ ኣክሱማዊ ስልጣነ ከም ምዃኖም መጠን ናይ ዓርሶም ህልውና ዓብዪ ዋጋ ስለዝህብዎ ናብ መሬት ዝወረደ (ግዝኣት ዝወነነ) ብሄራዊ ህልውና ኣለዎም። ከምቶም ኣብ ትሑት ብራኸ ስልጣነ ዝነበሩ ህዝብታት ባህሎምን መንነቶምን ዘንጊዖም ክነብሩ ኣይከኣሎምን። ታሪኻዊ መንነቶም ኣይፈቕደሎምን። መንነትና ይከበር እንትብሉ ነዚ ታሪኻዊነቶም ዘይርድኡ ሰባት ዘርኣውያን ዝኾኑ ዘለዉ ይመስሎም። ተጋሩ እምበኣር ከም መፍትሒ ዝሪእይዎ ህልውነኦም እተውሕስ ህብረ ብሄራዊት ሃገር እያ። እዛ ሃገር ግን ህብረ ብሄራዊነት ብዝነፅጉ ሓይልታት ዝተመልአት እያ።    

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዘቐመጥቅዎ ናይ ሆልምስ ጥቕሲ ሰብ ዘይሳነዩ ዓለማት (ራእያት) ኮይና ዶ ይኾን? ከምቲ ዝብሎ ብዘይ ጉልበት ካሊእ ዝዳንየና ነገር ኣይህልውን ዶ ኾን? ሕቶ እዩ። እቲ ታሪኽ ሪእናዮ ኣለና። ደፊርካ ምምላስ ንሎመዓንቲ ይትረፈኒ።

ፍልፍል፡
Donald Levin, Aksum as a “Seed Bed” Society.  

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።