Skip to main content

ትንቢታት መለስ ዜናዊ


ግደይ ገብረኪዳን

ትንቢት እንትበሃል መንፈሳዊን ዓለማዊን ተባሂሉ ከምዝኽፈል ክትፈልጥዎን ኣብዚ ዘልዕሎ ዘለኹ ዓለማዊ ትንቢት ምዃኑን ክትግንዘቡለይ ይደሊ። ዓለማዊ ትንቢት እንትንብል ሓደ ግለሰብ ብምርምር ካብ ዝበፅሐሉ ፍልጠት ተበጊሱ እንታይ እንተተገብረ እንታይ ከምዝስዕብን ዘሎ ሃዋህው ብምግምጋም እንታይ ክኸውን ከምዝኽእልን ከመይ ከምዝኸውንን ትንታንኡ ዘቕርበሉ እዩ።

ሰብ ንቕድሚት ብኸምዚ ብደረጃ ፍልጠት ተወንጪፉ ኣማኢቱ ክጥምት እንተደኣ ዘይክኢሉ ኣሽንኳን ዶ ህዝቢን ውድብን ይትረፍስ ግላዊ ህይወቱ እውን ብኣግባቡ ብዓወት ክመርሖ ኣይከኣሎን። በዚ መሰረት ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ታሪኽ ቃልሱ ከምዘረድአና ዘመን ዘምፅኦም ተፃብኦታትን ፀጋታትን እናመመየ ኣንፈት ውድቡ ርእዮተ ዓለማዊ ቅርፂ እናትሐዘ ዝመፅእ ብሱል ኣመራርሓ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ጂንየስ (ልዑል ብስለት ፖለቲካ) ዝነበሮ መራሒ ኮይኑ ንረኽቦ። ብረታዊ ቃልሶም ኣዲስ ኣበባ እናተቓረበ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ ምስ ዓለም ለኻዊ መራኸቢ ብዙሃን እንትዛረብ ናይ ኣልባኒያ ሶሻሊዝም ኣብነት ጌሮም ከምዝመርሑ ይነግሮም ኔሩ። ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተዉ ግና ሙሉእ ክስረት ሶሻሊዝም ስዒቡ ሶሻሊዝም ከም ርእዮተ ዓለም ከምዝፈሸለ እንትርዳእ ብልምዓት ዝተወንጨፋ ኣናብር ተባሂለን ዝፅወዓ ሃገራት ኤስያ ኣብነት ብምግባር ናይ ልምዓታዊ መንግስቲ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ፍልስፍና ሃንፂፁ ኣብ ኢትዮጵያ ብዕዉት ተግባራዊነቱ ከርኢ ክኢሉ እዩ።
መለስ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝብሎ ናይ ፖለቲካዊ ስነ ቁጠባ ፍልስፍና እንትመርፅ ዕምቆት ኣብ ዘለዎ ፍልጠትን ምርምርን ተሞርኪዙ ስለዝነበረ ሎሚ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሓዋሩ ክስዕቡ ዝኽእሉ ፈተናታትን ፀጋታትን እውን ምቕማጥ ኣይተስኣኖን ኔሩ። ነዚ ክብል ዘድፈረኒ ካብታ ብመፅሓፍ ክትወፅእ ንምህለለላ ስርሑ ቅንጣብ ተወሲዳ ዝወፀት ፅሑፍ ውሽጢ ዝተጠቕሱ ሓቅታት ብምግንዛብ እዩ። “African Development: Dead Ends and New Beginnings” እትብል ስርሑ ዘይፈልጣ ሰብ የለን። ኣብዛ ብሙሉእ መልክዑ እስካብ ሕዚ ኣብ ዘይወፀት ስርሑ ዝረኸብክወንን ግዘ ሓቅነቶም ዝመስከረሎምን ትንቢታቱ ከካፍለኩም እየ።

ግላዊ ስብእና (Personalities) ህንፀትን ፉኽክርን
“In addition politics based on personalities can easily degenerate to patronage politics.  The most likely scenario for a state that is both democratic and developmental to emerge is in the form of a dominant party or dominant coalition democracy.”

ልምዓታዊ መንግስቲ ዝዕወት ምንም ከየፍረዩ፣ ከይፈጠሩ ካፍቲ ዘሎ ሃፍቲ፤ ገለ ኢኮኖሚያዊ ኮነ ፖለቲካዊ ክፍተት ተጠቂሞም፤ ትርፊ ከኽስቡ ዝፅዕሩ ወገናት ማለት እውን ክራይ ኣከብቲ ዘባኽንዎ ጥረ ሃፍቲ (ካፒታል) ብምድሓን ንረብሓ ህዝቢ ምውዓል እንትኽእልን እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንግላዊ ረብሓ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ብጥቕሚ ብምትእስሳር ነቲ መሓውር መንግስቲ ልሙስ ከይገብርዎ ኣብ ምግባር እንትዕወትን እዩ። እዚኦም ኩነታት እናሃለዉ ልምዓታዊ መንግስቲ ፖሊሲታቱ ብዘይ ምቁርራፅ ናብ መሬት እናወረዱ ክትግበሩ እንተኾይኖም ሃገራዊ ምርድዳእ ተፈጢሩ ካብ ሓደ ምምሕዳር ናብ ቀፃላይ ምምሕዳር ፖሊሲታት ክሰጋገሩ ክግበር ክከኣል ኣለዎ። ሃገራዊ ምርድዳእ ኣብ ዘይብሉ ሳልሳይ ዓለም ከዓ ኣካይዳ ህዝበኝነት ተጠቂሞም ስልጣን ክብሕቱ ዝደልዩ ፖለቲከኛታት ንልምዓታዊ መንግስቲ ስግኣት ከምዝኾኑ ይሕብር። በዚ ሃዋህው ዲሞክራሲያዊ ልምዓታዊ መንግስቲ ክዕወት ዝከኣሎ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ብፍትሓዊ ማዕርነት ዝውከሉሉ ግንባር (ጥምረት) ውድብ ተፈጢሩ ኣብ ፈቓድ ህዝቢ ተመስሪቱ ብዓብላላይነት እናመርሐ እቲ ኢኮኖሚ ምውንጫፍ እስካብ ዝጅምር ክመርሕ እንተኽኢሉ እዩ ይብል። ንኣብነት ድማ ናይ ጃፓንን ታይዋንን ፓርቲታት ልምዲ የቐምጥ።
ሎሚ እዚ ትንቢት ተፈፂሙ ኣብ ህንፀት ስብእና ዝተመስረተ ምምሕዳር ኣብይ ካብ ልምዓታዊ መንግስቲ መስመራት ዝወፁ ፖሊሲታት እንተስጉም ንሪኦ ኣለና። ካብዚኦም ሓደ ከም ላሕሚ ዝሕለቡ፣ ንልምዓታዊ መንግስቲ ፍልፍል ካፒታል ንዝኾንዎ ትካላት (ብቢሊዮናት ዶላራት ፈሰስ ተጌሮም ዝተጣየሹ ከም ቴሌ፣ ሓይሊ መብራህቲን መንገዲ ኣየርን) ብፅሒታቶም ንወፃኢ ሃገራት ክሸጥ ከምዝበለ ምእዋጁ እዩ።

ምሻጥ ልምዓታዊ ትካላት 
“Indeed as David Reed says in the same study the reform programs have been designed to attract foreign capital by providing exceptional opportunities to obtain monopoly rents.   It is through such rents that the FDI has been attracted to much of Africa. The more things change the more they remain the same.”

እዚ ፍሽለት ሉኣላዊነት ዝገስስ ኒዮ-ሊበራላዊ ፖሊሲ ናብ ምቅላሕ ዘዘንበለ ነጥቢ እዩ። ኣብዚ ክጠቕሶ ዝደለኹ ነዚ ፍሉጥ ሓቂ ብምጥሓስ ልምዓታዊ ዘይኮነ ናይ ምሻጥ መደብ ከምዝተትሓዘ ስለዝሰማዕና እዩ። ከምቲ ዝብሎ እዞም ልምዓታዊ ትካላት ናብ ግሊ ክዛወሩ ዝሓቱ ሞኖፖል (ብሕታዊ ወናናይነት) ብምጉንፃፍ ትርፊ ክበፅሖም ዝደልዩ ናይ ሞኖፖል ኣከብቲ ክራይ እዮም። ከምዚ ዝበለ ክራይ ኣካባይነት ብምጥቃም እዩ ኣፍሪካውያን ናይ ወፃኢ ፈሰስ ሃፍቲ (FDI) ዝእክቡ ይብል። ቀፂሉ “ነገራት ዝተለወጡ ብዝመሰሉ ቁፅሪ ከይተለወጡ ንረኽቦም” ይብል። እንታይ ማለቱ እዩ ትሕት ኢሉ ከምዝገልፆ ብኸምዚ ዓይነት ዝርከብ ፈሰስ ሓፍቲ ወፃኢ ንልምዓት ትርጉም ዘይብሉ ዕዳ ምዃኑ ግልፂ ስለዝኾነ እዩ። ዘሎ ምብሓት እምበር ሓዱሽ ሃፍቲ ምፍጣር ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ትንቢት ዝገብሮ ድሕሪ ምሻጥ እዞም ትካላት ስዒቡ ዝመፅእ (ወይ ድማ ዘይመፅእ እንተዝበሃል ይሕሽ) ለውጢ ተሓሳቢ ጌሩ እዩ።  

ልምዓታዊ መንግስቲ ምምስራት
“Once again the fundamental economic issue in Africa is a political one.  It is an issue of transforming the pared down predatory state in Africa into a democratic and developmental one.  As two African economists have rightly suggested the establishment of a democratic developmental state is the single most important task on the policy agenda in Africa.”

ሎሚ ኣብ ኣፍሪካ ልምዓታዊ መንግስቲ ናይ ምጥያሽ መደብ ካብ ኩሉ ዝዓዘዘ ዓብዪ ኣጀንዳ ከምዝኾነ የዘኻኽረና። ልምዓታዊ መንግስቲ ንከይዕወት ግና ምዕራባውያን ብኒዮ-ሊበራል ዓለማዊ ምልከታ መኸተ ጌሮም ደጋጊሞም ከፍሽልዎ ይረአ ኣሎ። መለስ ከምዝብሎ ኢኮኖሚኡ ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ ማሕበረሰብ ኣፍሪካ ኣፍቲ ሓረስታይ መደብ ዝተመስረተ ቀስ ኢሉ እናበልፀገ ዝኸድ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምህናፅ ዘዋፅእ መንገዲ እንከሎ ምዕራባውያን ግና መንግስታዊ ብዘይኮኑ ትካላትን መዋቕራት ግብረ ሰናይን ብምጥቃም ዲሞክራሲ ካብ ላዕለዎት መደብ ናብ ታሕቲ ከውርዱ ይቃለሱ ይብሎም።
ናይ ኣፍሪካ ቁጠባዊ ፍሽለት ፖለቲካዊ እምበር ናይ ኣፈፃፅማ ጉዳይ ኣይኮነን። ፍታሕ ዝመፅእ እውን መደብ ኣረኣእያና ሙሉእ ንሙሉእ ብምቕያር ናብ ሓዱሽ ናይ ልምዓታዊ መንግስቲ ኣማራፂታት ብምጥማት እዩ ይብለና። ሎሚ ኣብ ሃገርና ምዕራባውያን ኢድ ኣእታውነቶም ኣይገደፉን። ናታቶም ምኽሪታትን ፖሊሲታትን ንኣፍሪካ ልምዓት ኮነ ዲሞክራሲ ኣየምፀአላን። ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኸይመፅእ ኣትሪሮም ይሰርሑ ኣለዉ።
ሎሚ እውን ካብ ኩሉ ግዘ ንላዕሊ ልምዓታዊ መንግስቲ ምምስራትን ደጋዊ ተፃብኦታት መኪትኻ ምውፃእን ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ ግዘ ኣቲና ኣለና።

ክውንነት ልምዓታዊ መንግስቲ 
“And so if developmental states are to emerge in Africa, they will emerge and succeed not only because the neo-liberal paradigm has visibly failed but also because the global environment and the domestic environment are permissive of such a development, if not conducive to it.”

ሎሚ ልምዓታዊ መንግስቲ ንክዕምብብ፤ ኒዮ-ሊበራል ኣካይዳ (መደብ ኣረኣእያ) ብግልፂ ብምፍሻሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓለም ለኻዊን ውሽጣዊን ሓቅታት፤ ዋላ እንተዘይደገፍዎ፤ ዝፈቕዱሉ ሃዋህው ግን ተፈጢሩ ኣሎ ይብል። ነዚ ድማ ብነዊሑ ካብ ልምዓት ኣፍሪካ ዝማዕበሉ ሃገራት ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ብዝርዝር የርእይ። ዕዳጋን ዕድል ኢንቨስትመንትን ምርካብ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ድኻ ዓድታት ስግኣት ደህንነቶም ዝኾንዎም ነገራት (ከም ስደት፣ ተደራጀወ ገበን፣ ለበዳታት፣ ግብረ ሽበራ ዝኣምሰሉ) ኣፍሪካ እንተለሚዓ ኣየስግኦምን ይብል። እዚኣ መርትዖ ግና ሰማዒት እዝኒ ኣይረኸበትን። ዝማዕበላ ሃገራት፤ ኣፍሪካ መውፅኢ ካብ ዘይብሉ ዑደት ድኽነት፤ ክትናገፍ ዝደልይዋ ኣይመስሉን። ብግልፂ ዝፈሸለ ኒዮ-ሊበራል ፖሊሲታቶም ምፅዓንን ንኩባንያታቶም ክራይ ክእክቡ ዝፈቕዱ ፖለቲከኛታት ናብ ስልጣን ክመፁ ብግልፂ ኢድ ኣእታውነት እንትሰርሑ ይረኣዩ ኣለዉ።  

ዲሞክራሲ
“The Cold War environment which had made undemocratic unity possible is no longer there and as one writer has put it “There is no way in which an artificial African state can hold together unless most of its people want to.  The choice, then is between governments that can achieve some popular legitimacy, whether or not these are multi-party democracies in a Western liberal sense of the term, and the collapse of ordered states into anarchy”.”

እዚኣ ንኢህወደግ ሎሚ ጥሒልዎ ዝርከብ ቅልውላው ክኣቲ ዝገበረቶን መለስ ዜናዊ ኮኑ ናህቱ ወንበር ዝተረከቡ ሰባት ኣድህቦ ዘይገበሩላ ሓቂ ኔራ። ሎሚ፤ ይብል፤ ኣብ ዝሑል ኲናት ግዘ ዝነበረ ሃዋህው ስለዘየለ ኢ-ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ መንገዲ ዘይተፈጥሮኣዊ ኣብ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪካ ንዝለዉ ህዝብታት ምግዛእ ከምዘይከኣል ይሕብር። ልምዓታዊ መንግስቲ ፈቓድ ህዝቢ እናረኸበ፣ ኣነ ይፈልጠልካ ብዝብል ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ እናተረዳደአ እንተደኣ ዘይሰርሕ ኮይኑ ክፈሽል እዩ ማለት እዩ። ሎሚ ናይ መለስ ዜናዊ (ህወሓት-ኢህወዴግ) ልምዓታዊ መንግስቲ ዝመፅዎ ፈተናታት ምፅዋር ዝተስኣኖ እዚ ዲሞክራሲያዊነት ስለዘይተላበሰ ኔሩ።
ንህዝቢ ከየዘራረቡ ልምዓታዊ መደባት ካብ ላዕሊ ክፅዕኑ እንትፍትኑ (ዙሪያ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ዝተቀናጀወ ልምዓት ፕሮጀክትን ኣብ ጋምቤላ ኣብቲ ክልል ሰበ ስልጣናት ስልጣን ኣቲኻ ኣማኢት ኣሽሓት ሄክታር መሬት ንኢንቨስተራት ምሃብ ዝኣምሰሉ ኣብነታት) ዝገጠሞም ተፃብኦ መርኣያ እዩ።
ሎሚ እውን ኣብ ስብእና ኣብይ ተመስሪቱ ብዘይዲሞክራሲያዊ መንገዲ ንዛ ሃገር ንምግዛእ ዝፍትን ሓይሊ ናብ ኲናት ሕድ ሕድ ከምዘምረሐና ሕቶ የብሉን።

ደጋዊ ተፃብኦ ልምዓታዊ መንግስቲ 

“The external environment is, however, not rosy from the point of view of democratic developmentalism.  The rent-seeking coalition that has kept Africa down is not limited to African rent-seekers. There are bound to be some in the “development business” who have a stake in the current state of affairs.”

ንልምዓታዊ መንግስቲ ዝፃብኡ ካብ ናይ ኣፍሪካ ድኽነት ዘኽስቡ ሓይልታት እውን ከምዘለዉ ግን ከይገለፀ ኣይሓለፈን። ነዚኦም ንምስዓር ድማ ናይ ልምዓታዊ መንግስትታት ዓለም ለኻዊ ጥምረታት ፈጢሮም ክሰርሑ ይምዕድ። ንኣፍሪካ ኣሳሲሮም ዝሓዝዋ ኣከብቲ ክራይ፤ ኣፍሪካውን ኣከብቲ ክራይ፤ ጥራሕ ኣይኮኑን ይብል። ካብዚኦም እንትዝርዝር፦ “ኣብ ልምዓታዊ ቢዝነስ” ዝነጥፉ ካብ ስራሕቲ ሓገዝ / ግብረ ሰናይ ዘኽስቡ ወገናት፣ መኣድናትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣፍሪካ ብምብዝባዝ ክራይ ዝእክቡ ኩባንያታት፣ ንኣፍሪካ ዝረብሕ ናይ ዕዳጋ ሓገዝ እንተዝግበረላ ዝጉድኡ ኣካላት ሕብረተሰብ ዝማዕበላ ሃገራት፣ ካብዚኦም ኩሎም ንላዕሊ ከዓ ብናይ ኒዮ-ሊበራል ስነ ሓሳብ ዝተጠምቁ ግለሰባትን ትካላትን ዝሓዝዎ ምሁራዊ መኽረራይነት ቅዋሞም እዩ ይብል። እዞም መኽረርቲ ዝፈጥርዎ ዕንቅፋት ምሽጋር እቶም ብጥቕሚ ካብ ዝተኣሳሰሩ ዝፈጥርዎ ንላዕሊ ከቢድ እውን ይኸውን ይብሎ።
እዚ ዘቐመጦ ደጋዊ ተፃብኦ ዝበለፀ ምስ ግዘ እናተርኣየ ዝኸድ ዘሎ ሓቂ እዩ።

ናይ ዜሮ ድምር ፖለቲካ
“African peoples have lived in dysfunctional political economies of rent-seeking and patronage.  The only politics they know is the zero-sum politics of patronage and the use of instruments such as ethnicity for purposes of patronage.  The only concept of “development” they know is development that is done to them, the development of patronage and “pulling projects”.

ኣፍሪካውያን ዝፈልጥዎ ብሕታዊ ፖለቲካ ናይ ፅግዕተኝነት ፖለቲካ እዩ። ኣብ ትሕቲ ክራይ ኣካቢነትን ናይ ጥቕሚ ምትእስሳር ዝዓብለሎ ዝተበላሸወ ፖለቲካ ፅላል እዮም ዝነብሩ። ዝፈልጥዎ ፖለቲካ ናይ ዜሮ ድምር ፖለቲካ ዝኾነ ጥቕማዊ ምትእስሳርን ብጥቕሚ ንምትእስሳር ከም ብሄር ዝኣምሰለ ፅላል ምጥቃም እዩ። ዝፈልጥዎ ብሕታዊ ናይ “ልምዓት” ስነ ሓሳብ ብኻሊእ ዝግበረሎም ልምዓት እዩ፣ ናይ ጥቕሚን ምትእስሳርን “ፕሮጀክትታት ምፅዋድ” ምኽኣሎም እዩ ይብል።    
ህዝብታት ዓርሶም ኽኢሎም ዓቕምታቶምን ፀጋታቶምን ተጠቂሞም ንዓርሶም ዝገብርዎ ዘይኮነስ ብኻልኦት ዝግበረሎም ልምዓት እዮም ዝፈልጡ። ፕሮጀክትታት ካብ ካሊእ ቦታ ስሒብካ ምምፃእ ወይ ከዓ ብገበርቲ ሰናይን ሓገዝትን ዝስረሐሎም ነገራት ጥራሕ እዮም ዝፈልጡ ይብል።  
ንልምዓታዊ መንግስቲ ተፃብኦ ዝኾኑ ንብሄር ከም መሳርሒ ፖለቲካ ጌሮም ተጠቂሞም ስልጣን ክብሕቱ ዝደልዩ ናይ ልምዓታዊ መንግስቲ ፀላእቲ ይኾኑ ይብል። ሎሚ ነዚ ንሓልፎ ዘለና ግዘ ዝገልፅ ሓቂ ኮይኑ ንረኽቦ። ነዚኦም “ናይ ብሄር ኢንተርፕረነራት” (“ethnic entrepreneurs”) ይብሎም። እዚኦም እናሃለዉ መሰላት ብሄራት ምውሓስ፣ ዲሞክራሲ ምስፋን፣ ብዝሃነት ምስፋንን ዜግነታዊ ስነ ምግባር ምስራፅ ከቢድ ይኸውን ይብል። ሓቂ።

መደምደምታ

እዞም እስካብ ሕዚ ዘልዓልክዎም ነጥብታት ምስ እዋናዊ ኩነታትና ኣተሓሒዘ ከልዕሎም ዝመረፅክዎም ነጥብታት ስለዝኾኑ እዩ እምበር ኣብዛ ናይ መለስ ዜናዊ ሓፃር ፅሑፍ ዘለዉ ነጥብታት እዚኦም ጥራሕ ኮይኖም ኣይኮነን። ናብ መወዳእታ ገፅ መለስ ልምዓታዊ መንግስቲ ክሰፍን ዝፈቅድ ኩነታት ኣሎ ዘድልየና ዝተወሰኑ ንኣፍሪካ ኣብነት ክኾኑ ዝኽእሉ ልምዓታዊ መንግስትታት እንተዝዕወቱ ንመላእ ኣፍሪካ ኣብነት ምኾኑ ይብል። እዚኣ ንከይትዕወት ምዕራባውያን ደቂሶም ከምዘይሓድሩ ንሪአሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።
ናይ መለስ ስራሕ ሙሉእ ኮይኑ ዝወፀሉ መንገዲ ክፍጠር ዝምልከቶም ወገናትን ትካላትን ክሰርሑሉ ኣተሓሳሲበ ፅሑፈይ ክውደኣ። ንመላእ ኣፍሪካውያን ኮነ ዓለም ለኻዊ ልምዓታዊ ሃገራት ዓብዪ መምሃሪ ስራሕ ምኾነ። 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።