Skip to main content

ክልተን ሰለስተን (መዘከርታ ሶሺዮሎጂስት)

ግደይ ገብረኪዳን

ብሕታዊነት ዝፈትዉ ውልቃውያን “ክልተ እውን ዕስለ እዩ” ይብሉ፤ ብሶሺዮሎጂ ግና ዕስለ ዝጅምር ካብ ሰለስተ እዩ - ማለተይ ብናይ ጆርጅ ሲሜል ሶሺዮሎጂ። ፍልጠት መድሓኒት እዩ - ንነገራት ብዕምቆት ክትርደኦም ይገብረካ፤ ዓሚዩቕ ርድኢት ምሓዝ ከዓ መንፈሳዊ ዕግበት ክትውንን ይገብረካ። ሕዚ ዝምዝግቦ ታሪኸይ ምስ ሞያይ - ሶሺዮሎጂ - ተዛሚዱ ዝረኸብክዎ እዩ።

ሙላለም ምንባብን ብዛዕባ ዘንበቦምን ዝሓሰቦምን ነገራት ምዝታይ ዝፈትውን ብሩህ ርእሲ ዘለዎ ዓርከይ እዩ። ካብዚ ናይ ንባብ ፍቕሪ ወፃኢ ክልቴና ዘመሳስለና ነገር የለን። ንሱ ነቲ ናይቲ ሕብረተሰብ ባህላዊነትን ሃይማኖተኝነትን ዝፅየፍ እንትኸውን ኣነ ከዓ ንባህልን ሃይማኖትን ዓብዪ ቦታ ዝህብ እየ። ንሱ ተቓዋሚ መንግስቲ እንትኾን ኣነ ከዓ ንፖለቲካ ግዲ ዘይብሉ እየ። ንሱ ነገራት ቀልጢፎም ዝርድእዎ ጎራሕ እንትኾን ኣነ ኣብ ሰባት ዘለኒ እምነት ብተደጋጋሚ ክብለፁኒ ዕድል ዝህቦም፣ ገና ብዙሕ ዝተርፈኒ ሰብ እየ - ኔረ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰባት ብብሄሮም ክንፀሉ ኣብ ዝግበረሉ ግዘ ዝተፈላለዩ ብሄራት ኮይና ካብ ግዘ ትምህርቲ ዝጀመረ ዕርክነትና ዘይምፍራስና ይገርመኒ ኔሩ።
ግዚኡ ኢህኣዴግ ልዕሊ 99 ሚእታዊ ወንበር ፓርላማ ብመረፃ ኣሸኒፉ ዝሓዘሉን ካብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሕብረተሰብ ዝነበሮ ተነፅሎ ላዕለዋይ ብርኪ በፂሕሉን ዝነበረ ግዘ እዩ። ኣብቲ ግዘ ሓዳሽ ተመስሪታ ዓብዪ ተፈታውነት ኣትሪፋ ዝነበረት “ኣዲስ ነገር” ዝተብሃለት ሰሙናዊ ጋዜጣ እውን ዝተዓፀየትሉ ግዘ እዩ ኔሩ። ሙላለም ኣብ ከምዚታት ዝበሉ ነገራት ሪእቶ ኣብ ዝህበሉ ግዘ ኣነ ብዙሕ ኣድህቦ ኣይገብረሉን ኔረ - ከምቲ መጀመርታ ዝበልክዎ ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባ ሸለልተኛ እየ ኔረ። ነዓይ ፖለቲካ ማለት ናይ ሕብረተሰባዊ ርክባት ጓሓፍ እንትኾን፣ ፖለቲከኛ ከዓ ናይዚ ጓሓፍ ተሸካማይ እዩ። ነዓይ እዛ ዓለም ንሰብ ዝገደደ መፃብብ እናኾነቶ፣ ዝበለፀ እናፀገመትሉ ከም እትኸድ እየ ዝርደአኒ - ልክዕ ከምቲ ሶሺዮሎጂስት ማክስ ዌበር ዘረድኦ ማለት እዩ - ናይ ሓፂን ሓፁር እናኾነት እያ እትኸዶ፤ ኣብዚ ብፖለቲካ ዝርከብ ምንም መውፀኢ ኣይህልውን። ስለዚ ፖለቲከኛ ንህይወት ደቅ ሰባት ከማሓይሽ ዘይኮነስ ንውልቁ ክብሪን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ንምስፋርን ዝፀዓዓር ፍጥረት ኮይኑ ኔሩ ዝረኣየኒ ዝነበረ። በኣይ ክብሪ ዝነበሮ ንሓቂ ክፈልጡን ናይ ነገራት ትርጉም ይደልዩ ዝነበሩን ፈላስፋታትን ስነ ሓሳባውያንን ጥራሕ ኔሮም።    
ኣነን ሙላለምን ስራሕ ዓለም ካብ እንፅንበር ጀሚርና ትርፊ ግዘና ወትሮ ብሓደ ኢና እነሕልፎ። ቀዳመ-ሰናብቲ ካብ ምርኻብ ኣይነቡክርን ኔርና። ክልቴና ነጨበረራት ከም ምዃና መጠን ኣውደኣመት እውን እንተይተረፈ ብሓደ ኢና እንውዕል። ኣብ ኣውደኣመት ተራኺብና ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ካብ መኪናን ሰባትን ፀሪዮም እንትንሪኦም ሙላለም ደስ ይብለኒ ይብል ኔሩ። ኣነ ግና ልክዕ ከምቶም ጥርሖም ዝተረፉ ጎዳናታት ውሽጠይ ባዶነት ክስምዖ ኔሩ ዝገብረኒ። እዚ ንዓለም ዘለና ኣረኣእያ ዘነፅር ስምዒት ኔሩ - ንሱ ንዓለም ዝሪኣ ብእትህቦ ረብሓ እንትኾን፣ ኣነ ከዓ ዓለም ነዓይ ብእትህበኒ ዓፀፋዊ መልሲ ኔረ ዝሪኣ። ሙላለም ክንደየናይ ብሱል ከም ዝነበረ ካብዚ ምርዳእ ንኽእል ኢና፤ ናተይ ከዓ ብኣንፃሩ።
ካብ ኩሉ ግና ዘይርሰዓ ሓንቲ ቀዳም ኣላ። ኣብዛ ገራሚት ቀዳም፤ ሙላለም መተዓብይቱን ናይ ክልቴና መማህርትን ምስ ዝኾነ ነጋ ኮይኑ ኔሩ ዝተራኸብና፤ ነጋ ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኡ ምስ ሙላለም ተደዋዊሎም ኣብ ኣራት ኪሎ፣ ማለዳ ካፌ ኮይኑ ኔሩ ሙላለም ዝደወለለይ። ስራሕ ዓለም ካብ እንጅምር ንደሓር፣ ንዝሓለፉ ዳርጋ ክልተ ዓመት፣ ኣነን ሙላለምን በይትና ንራኸብ እምበር ሳልሳይና ዝተሓወሰና መዓልቲ ኣይነበረን - እዛ ቀዳም እዚኣ ፈላመይቲ እያ ኔራ። ምስ ነጋ እንትረኽቦም ወዲያው ሓደ ነገር ተፈጢሩ - ካብ ናይ ወትሮ ናይ ወግዒ ርእስና፡ ፊልምታት፣ ኣዋልድን መፃሕፍትን፣ ወፃኢ ብዛዕባ ሃገራዊ ጉዳይ ኮይኑ። ነጋ ናይ መጀመርታ ዲግሪኡ ዝሓዘ ብሞያ መምህርነት እንትኸውን ጎበዝ ዝበሃል ተምሃራይ እውን ኣይነበረን። ንመማህራን ንዕቐት ንምርኣይ ዘይኮነስ በቲ ናትና ግዘ ትሑት ነጥቢ ዘለዎ ኔሩ ከይደለየ ብኣገዳድነት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናብ ክፍሊ ትምህርቲ መምህርነት ክኣቲ ይግበር ዝነበረ። ነጋ ብመምህርነት ምስ ተመረቐ ብውልቁ ማስተርስ ተማሂሩ ወዲያው ኣብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር ብሓጋዚ ሌክቸረርነት ተቖፂሩ ክልተ ዓመት ምስ ሰርሐ፣ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዶክትሬት ዲግሪ ክመሃር ናብ ኣዲስ ኣበባ ስለ ዝለኣኾ ኔሩ ክንረኽቦ ዝኸኣልና።
ነጋ ነዚ ምስ ነገረኒ፤ “እዛ ሃገር ዶክትሬት ዲግሪ ምዕዳል አውን ዶ ጀሚራ” ኢለ - ንዓርሰይ። ናይ ነጋ ዶክትሬት ምምሃር፣ ንሙላለም ምንም ዓይነት ናይ ምድማም ስምዒት ከም ዘይፈጥረሉ ርግፀኛ እየ፤ ሙላለም ንዩኒቨርቲን ኣብኡ ንዘለዉ ምሁራትን ፍልይ ዝበለ ንዕቐት እዩ ዘለዎ። ሓቁ እዩ ዩኒቨርሲቲ ናይ መሃዛይነት ቦታ ዘይኮነስ ንእንጀርኦም ኢሎም፣ ዝተፈላለዩ ዲግሪታት ሒዞምን ክሕዙን ብዝመላለሱሎም ሰባት ዝተመልኡ እዮም። እዚ ካብ ቀደም ዝነበረ ሓቂ እዩ - ንኣብነት ካብ ናይ ሶሺዮሎጂ መስረትቲ ኣቦታት ዝበሃሉ ሓደ ዝኾነ ጆርጅ ሲሜል ኣብቲ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ በርሊን ስሩዕ ቦታን ደሞዝን ዘይነበሮ ሰብ ኔሩ፣ እቶቱ ንናህቱ ትምህርቲ ክከታተሉ ብዝመፁ ሰባት ዝርከብ ክፍሊት ጥራሕ ኔሩ። እዚ ሰብ እዚ ግና ብምርምሩን ፅሑፋቱን ሓድሽ ክፍሊ ፍልጠት ኣብ ምምስራት እጃሙ የወፊ ዝነበረ ሰብ እዩ፡፡
ነጋ ኣዚዩ ረጒዱ ደቀቕቲ የዒንቱ ብዝሓበጠ ገፁ ዝገደደ ክጠፍኣ ተቓሪበን ኣለዋ። ምርጓዱ ፀሊም ገፁ እውን ብርህ ክብል ጌርዎ ኣሎ። እታ ዝዓደጋ ማስተርስ ዲግሪን ናይ ክልተ ዓመት ናይ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ፃንሒቱ ኣብ ፍልጠቱ ዓርሰ እምነት ከሕድር ሓጊዘነኦ እየን።
“ኣዲስ ነገር ካብ ፈላማይ ሕታማ ጀሚራ ክሳብ እትዕፀው ዘለዉ ሕትመታት ኩሎም ኣለዉኒ” ኢሉ ብዛዕባ ኣዲስ ነገር ምውጋዕ ምስ ጀመሩ።
“ኣነ እኳ ኣይኣከብክዋን እምበር ሓንቲ እውን ከየምለጠትኒ የንብባ ኔረ” ኢሉ ሙላለም።
ክልቲኦም ኣነ ዝብሎ ክሰምዑ ዝተማኸሩ ይመስሉ ብሓደ ገፆም ናባይ ዘወር ኣቢሎምዎ። ዝብሎ ኣይነበረንን። ኣንቢበያ ኣይፈልጥን። ኣነ፣ በቲ ሽዑ ግዘ፣ ዘተሓሳስበኒ ዝነበረ ዝጀመርክዎ መፅሓፍ ኣንቢብካ ምውዳእ እዩ ኔሩ።
ከይተፈለጠኒ “ብሓቂ ተፈታዊት ጋዜጣ ኔራ” ዝብል ገምጋም ካብ ኣንደበተይ እንትወፅእ እቲ ዘለኹሉ ኩነታት ክንደየናይ እናሰከፈኒ ከም ዝመፀ ተረዲአ። ምስ ሙላለም ኮይነ ሰኸፌታ ዝበሃል ተሰሚዕኒ ኣይፈልጥን ኔሩ - ሳልሳይና ግና ነዚ ቀዪርዎ፡፡
ድሕሪ እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ስምዒታዊ ዝኾኑ ሕማቕ ሪእቶታት ክህቡ ጀሚሮም። ሙላለም ከምዚ ስምዒታዊ ኮይኑ ፅላእቲ ዘንፀባርቑ ሓሳባት እንተልዕል ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን ኔረ። ሚዛናዊ ኮይኖም ነገራት ክሪኡ ሪእቶ እንትህቦም ነዓይ ከናሽዉኒ ጀሚሮም። ሙላለም ዘይፈልጦ ካሊእ ሰብ ኮይኑ ተራኢይኒ። እቲ ዓበይቲ ሕቶታት እዮም ዘገድስዎ ዝብሎ ዝነበርኩ ሰብ ወገናዊነቱን ፀቢብነቱን ኣርኢይኒ። ነጋ ሳልሳይና ኮይኑ ዘይምተጸንበረና እዚ መንነቱ ኣይምፈለጥክዎን ኔረ። ነዓይ ብውልቃዊነተይ ዘይኮነ ብመንነተይ ከም ዝሪአኒ ተገሊፁለይ። ምስ ሓደ ዝዓበደ ዕስለ ኮይኑ እንተዝረኽበኒ፣ መፅሓፍ ዘለቅሖ፣ ብዛዕባ ዝራእኽዎ ፊልሚን ዶክመንታሪን ዘዋግዖ፣ ብዛዕባ ከም እኒ ዳኛቸው ወርቁ፣ ብርሃኑ ዘሪሁን፣ ስብሃር ገ/ሄር ዝበሉ ኣምሓርኛ ደረስቲ ሓሳበይ ዘካፈልክዎ፣ ብዛዕባ ስነ ፅሑፍ ኣምሓርኛ ከመይ ክነዕብዮ ከም ዘለና ዘማኸርክዎ … ሰብ ዘይኮነስ ኣካል ሓደ ንሱ ዝፀልኦ ጉጅለ ጌሩ ሪኡ ምስቲ ዕስለ ሓቢሩ ስጉምቲ ምወሰደለይ ኔሩ። እዚ ነዓይ ዘሰንብድ ርድኢት ኔሩ፡፡
ቀስ እናበልኩ ኣብ ካልኦት ግዝያት እንትሓስቦ ብሓቂ ሰብ ብመንነቱ ዝተሓፅረ ከም ዝኾነ ተገሊፅለይ፣ ንኣዋርሕ እዛ ቀዳም ካብ ርእሰይ ኣይጠፍአትን ኔራ። ኣብ ኣራት ኪሎ ዘሎ እቲ ሰፊሕ፣ ብኣእዋምን ዝተኸርከሙ ተኽልታትን ዝተኸበበ ኣፍ ደገ ማለዳ ካፌ፤ ካብቶም ጥቓ መንበረ ፓትርያርክ ቀፂሎም ዘለዉን ብደርጊ ከይተወረሱ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝነበሩ ኣፓርትመንት ህንፃታት እግሪ ዘሎ ካፌ፤ ንየማንን ፀጋምን እውን ምስ ዘለዉ ካልኦት ካፌታት ተሓዊሱ፣ መደድኦም እቶም ካፌታት ዝካፈልዎ መናፈሲ ዝመስል ኣፍ ደገ እዞም ህንፃታት ብዝፃወቱን ተነፅሎ ዘይስመዖም ብዝመስሉን ሰባት ተመሊኦም ብሰሓቖም ዓጂቦምኒ ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ እምነት እርክነት ዝቐበርኩላ ዕለትን ቦታን ኮይና፡፡
ድሕሪ እዚ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ንበይንትና እንትንኾንን ካልኦት እንትሕወሱናን ዘርእይዎ ለውጢ እናተዓዘብኩ ንዓርሰይ የዘናግዕ ኔረ። ብፍፁም ቁም ነገር ዘለዎ ወግዒ እንተደሊየ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ክረክብ ኣይደልን። ከም ሓደ ሶሽዮሎጂስት፣ ብትምህርትን ብተግባርን፣ ሰለስተ ዕስለ ከም ዝኾነ ተገንዚበ ኣለኹ።
ሰብ ግና ብመንነቱ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጉጀል። ብመንነት ምሳይ ዝመሳሰሉ ሰባት እውን ክቐርብ ሞኪረ ኔረ እየ። ወዲያው እዚኦም እውን፣ ሳልሳይ ሰብ እንትሕወሰና፣ ካብ ውልቃዊነቶም ተነፂሎም ጉጅላዊነት ከጣይሹን ሪአሎም ዘይፈልጦ ጠባያት ከርእዩን እንትጅምሩ ይሕዞም እየ።
ንኣብነት ሓደ ብእምነትን መንነትን ምሳይ ይመሳሰል እዩ ኢለ ዘቕረብክዎ ሰብ ኔሩ። ኣብ ዕዳጋ መፃሕፍቲ እየ ተፋሊጠዮ። ካብኡ ዝሓሸ ልምዲ ንባብ ስለ ዝነበረኒ እንትቐርበኒ ከም ምዕባዩን መምህሩን ጌሩ እናኽበረ ኔሩ። እዚ ኣኽብሮቱ ግና ካብ መንፈሳዊነቱ ዝነቐለ ይኾን፣ ንውሕ ዝበለ ግዘ ምስ ኣሕለፍና ከም መሰትኡ ክሪአኒ እዩ ኢለ ሸለል ኢለዮ ኔረ። ንሱ ግና ኣኽብሮቱ ዝቕንስ ሰብ ክኾን ኣይከኣለን።
ንፖለቲካዊ ንባባት ዘለዎ ፍቕሪ ምስ ሃይማኖተኝነቱ ከመይ ከም ዘጠዓዕሞ ኣይርደኣንን። ብንባብ ጥራሕ ዘይኮነስ ውሽጡ ዓብዪ ፖለቲካዊ መሳልል ናይ ምድያብ ባህጊ ከም ዘለዎ ምስ ተረዳእኹ ክህቦ ዝከኣለኒ ምንም ከም ዘየለ ፈሊጠ ክርሕቖ ጀሚረ። ሓደ መዓልቲ ብኣጋጣሚ ኣነ ኣብ ዘንብበሉ ካፌ ምስ ካልኦት መሓዙቱ ይመፅእ - እዚኣ ምስ ካልኦት ሰባት ንዕዑ እንትረኽቦ ናይ መጀመርታ ግዘና እያ ኔራ። ቅድሚኡ ጌርዎ ዘይፈልጦ ንመጀመርታ ግዘ ክእዝዘኒ ጀመረ፤ ውሽጠይ ብሰሓቕ እናፈረሰ፣ ኣብ ቅድሚ መሓዙቱ ከየሕፍሮ ኢለ ዝሓተተኒ ይገብረሉ ኔረ - እዚኣ ኣቐብለኒ፣ እዚኣ ሓዘለይ፣ ሓንሳብ ስልክኻ … ። እቲ ኩሉ ሃይማኖተኝነት ማይ በሊዕዎ ምስሉይነቱን ናይ ሕሾት ትሑትነቱን ጥርሖም ተሪፎም።
ሓዲኡ ብመንነተይ ከም ውልቀሰብ ከይረኣየኒ እትተርፍ፣ እቲ ናተይ መንነት ዘለዎ ከዓ ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን መደብ ፈጢሩ ናብ ተኣዛዚኡ ከእትወኒ ደሊዩ።
ክልቲኦም ዝተፈላለየ መንነት ሒዞም፣ ሓዲኡ ኣማኒ ካሊእ ዘይኣማናይ ኮይኖም፣ ዕስለ እንትኾኑ ግና ሓደ ዓይነት ኮይኖም። ክልቲኦም ሓደ ዝገብሮም እንተሃለወ ዓርሰ ፍትወቶምን በብቅዋሞም ዘለዎም መኽረራይነትን ጥራሕ ኔሩ።
ከም ሓደ ሶሺዮሎጂስት፣ እዚ ነዓይ ዘገርም ሶሽዮሎጂካዊ ሓቂ ኮይኑ ምሳይ ኣሎ። 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።