ምርጫ ጦማሪ

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ...

መዘከርታ እስረኛ

ግደይ ገብረኪዳን

ወዶም ክርስትና ከልዕሉ እናተዳለዉ እዮም ቐኒዮም።  እዞም ፅምዲታትና ነዚ ዕለት እዚ ከምዚ ከብዕልዎ ነዊሕ ተጓዒዞም እዮም፦ ክርስትና ከም ምዃኑ መጠን መጀመርታ ክወልዱ ኔርዎም፣ ንኽወልዱ ከዓ መጀመርታ ክረኣኣዩ፣ ተረኣኢዮም ክፋተዉ፣ ተፋቲዮም ብዕርክነት ዝተወሰነ ግዘ እናተፀናንዑ ክፀንሑ፣ ግዘ መፅናዕቲ ምስ ሓለፉ ከዓ ሓዳር ክምስርቱን ክወልዱን ኔርዎም፣ ምስ ወለዱ ከዓ ከም ወለዶም ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ስለ ዝኾኑ ናይ ወዶም ክርስትና ኣብ ኣርበዓ መዓልቱ ከኽብሩ ኔርዎም።

ኣብቲ ካንሸሎ ዳስ ተዘርጊሑ፣ ናይ ደገ በሪ ክፍቲ ተጌሩ፣ እቲ መረባ ናብ ኣዳራሽ ተቐዪሩ ኣሎ። መረባ ናብ ኣዳራሽ እንትቕየር ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን፤ መረባ ተሪፉስ መተሓላለፊ መንገዲ እውን ድግስ እንትህልው መጀመርታ መጠቓ ናብ ዝጋገረሉ ክሽነ ይቕየር፣ ቀፂሉ ከዓ ዳስ ተዘርጊሕሉ ተኸቲሩ ናብ ዝብለዓሉ፣ ዝስተየሉን ዝስዕሰዓሉን ኣዳራሽ ይቕየር። ኣብ ወርሓ ጥሪ፣ ኣብ እዋን መርዓ፣ ናብ ከተማታት ትግራይ ዝቕልቀል ጋሻ እንተሃሊዩ መንገዲ ዝተሰርሐለን ነበርተን ክመሓላለፉሉ ዘይኮነስ ከምዚ ዳስ ክተኽሉሉ ክሳብ ዝመስሎ ናብ ጥርጥር መእተዎ።
ኣብዚኣ እያ ታሪኽ እስረኛና እትጅምር፤ እዚ ታሪኽ ብዛዕባ ገና ደቂሱ ዘሎ፣ ከመይ ዓይነት መዓልቲ ከም ዝውዕል ዘይፈለጠ፣ ከም ወትሮ ኣብ ገዝኡ ሻሂ እናፍለሐ፣ እናንበበ፣ ምሳሕ ሰሪሑ ፊልሚ እናረኣየ ምስሑ ምስ በልዐ ከዓ ድሕሪ ቀትሪ እውን ከምታ ጓሓት እናንበበ ክውዕል ውጥን ናይ ዘለዎ ሓደ መንእሰይ ናይ ሓደ መዓልቲ ታሪኽ እዩ - ወይ ከዓ ብዛዕባ ኣብታ መዓልቲ ኣብ መዘከርትኡ ዝፀሓፎ እዩ።
ክርስትና ነቶም ህፃውንቲ ክርስትና ብምልዓል ዝውዳእ ኣይኮነን፤ ቤተ ዘመድን መንደርተኛን ተፀዊዖም ደርፊ ዓው ክብል ተጌሩ ተኸፊትሎም እናሰተዩ እንተዘይውዒሎም ክርስትና ኣይበሃልን ዘሎ፡፡
ንመንበሪ ገዛውቲ ካብ ዘይኾን መጉልሂ ድምፂ ሞንታርቦ ዝወፅእ ደርፊ ድቃሱ ከይወደአ ብጓሓቱ ክለዓል ጌርዎ ኣሎ። ሞንታርቦ ንምሸታ መፂኣ ስለ ዝረኣየ ንፅባሕ እዚኣ ከም እትህልው ኣይጠፍአቶን ኔራ፡፡ ዋላ ካብ ድቃሱ የበራብርዎ እምበር ብጓሓቱ ምጅማሮም ብግዘ ክውድኡለይ እዮም ኢሉ ክፅናዕናዕ ጌርዎ ኣሎ። እንታይ ዓይነት መዓልቲ ከም ዝወዓለ ኣነ ካብ ዝነግረኩም ቀጥታ ካፍቲ መዘከርትኡ ዘስፈሮ ዘይነንብቦ?

- ናብ ምሳሕ ሰዓት ስዋን ኣረቄን እናበርተዐ እንትመፅእ ድምፂ ሙዚቃ እውን እናወሰኹ መፂኦም። እናገደደ፣ እናገደደ መፂኡ …።  ካብ ደገ ብሞባይል ስልኪ ፎቶ እንትለዓል፣ እቲ ብዳስ ተዓቢጡ ዝፀልመተ ንኢሽተይ ገዛይ፣ ብብልጭታ ሞባይል ይውላዕ ኣሎ፣ ናይ ሓጋይ ነጎዳ ብዘይ ድምፂ ዘንጎድጉድ ዘሎ ኣምሲልዎ። ሕዚ ክወፅእ ወላ እንተደለኹ ኣይከኣለንን - ቁፅሪ ኣጋይሽ ወሲኹ ኣሎ። በዚ ዕግርግር ድቃስ ወሲድኒ እታ ክርስትና እተኽብር ዘላ ሓራስ ጎረቤተይ እስክርቢቶ ክትሓተኒ ሽመይ እንትትፅውዕ እየ ዝተሳእኹ። ሕዚ እኮ ካብ ድቃሰይ ክተበራብረኒ ብዙሕ ግዘ ክትፅውዕ ነይርዋ ይኾን? ብዙሕ እንተደኣ ፀዊዓ ከዓ ፈሊጠ ኣፅቂጠ ዝነበርኩ እውን ክመስላ ይኽእል እኮ እዩ? ነቲ ዝሓተተትኒ እስክርቢቶ እንትህባ በረይ ግፍትን ኣቢለዮ ስለ ዝነበረ ኣብ መደገኣፈይ ወንበር ተጌርሎም ዝተኣከቡ ሰባት ቁፅሪ ቀሊል ከም ዘይኮነ ክዕዘብ ክኢለ። እዚኣቶም እናረኣዩኒ ገዛይ ቆሊፈ፣ ነዖዖም ረጊፀ ምውፃእ ኣሰኪፉኒ ኣሎ፤ ግና ምፅናሕ እውን ኣይኽእልን - ናይቲ ሞንታርቦ ድምፂ ኣዚዩ ዝርብሽ እዩ።
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- እናመንታእኹ ርብዒ ጎደል ንትሸዓንተ ኮይኑ። ቁፅሪ ሰባት ከም ዝነከየ ተስፋ እገብር - ቀትሪ ተኣሲረ ምሸት እውን እስረኛ ኮይነ ኣየሕልፎን። ሕዚ ምስ ወፃእኹ ኣይምለስን፤ በዚ ሞራሎም ምሸት እውን ዝድቅሱ ኣይመስለንን። ክርስትና ካብ መዓዝ እዩ ኸ ከምዚ መዐንደሪ ፌስቲቫል ዝኾነ?
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- እስክርቢቶይ ብምሃበይ ሕጉስ ኣይኮንኩን። ንምንታይ እዩ ኣድሊይዋ? ካሊእ ዝሕተት ሰብ ስኢና ድያ? ናይማን ካብዞም ኣጋይሽ ሓደ ዝሓዘ ተሳኢኑ ድዩ? ግዛዕ ምዛዕ ጌራ ከይትመልሰለይ? ሰብ ናይ ዘይምፍታው ኣዝማሚያ ኣለኒ፡፡ (8፡49)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- እዚ ኩሉ ጫውጫው እናሃለወ ምድቃሰይ ግና ፍፁም ኣይእመንን ኢሉኒ ኣሎ። ጓሓት እንትለዓል ድቃሰይ ኣይወዳእኹን ኔረ ማለት እዩ ዝኾን፡፡ (8፡50)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- እስክርቢቶ ክህባ ገፍተን ዘበልክዎ በረይ ከይመለስኩ፣ ካሊእ እስክርቢቶ እናደለኹ እናሃለኹ፣ ሰብኣያ ብደገ ሪኡኒ ናብ ገዛይ ቀሪቡ በታ ዝተገፍተነት በሪ ውጥም ኢሉ፣ ስዋ ከምፀኣለይ ይደሊ እንተኾይነ ሓቲትኒ። ጎበዝ እዩ ቆልዓ ብቑልዕነት ደኣ - እንተገደደ ብሓሙሽተ ዓመት እውን ዝበልፀኒ ኣይመስለንን። ከምዘይደሊ ነጊረዮ። ዝገበሮ ሱፍ ክዳን ኣጥዒምሉ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ህንፀታት ኮንትራት እናወሰደ እዩ ዝሰርሕ፣ ደፋኢ እስክርቢቶ ኣይኮነን፣ ምናልባሽ ደፋኢ ሲሚንቶ ኢና ክንብሎ እንኽእል። ጓሓት ካብ ድቃሰይ ምስ ኣተስኡኒ ገፀይ ተሓፂበ እንትወፅእ ገዝኦም ክኣትው ነጊሮምኒ ኣቲየ በሊዐ፣ ሰቲየ እየ ዝወፃእኹ። ሓንቲ ካብ ዋንጫ ንእስ ዝበለት ካብ ርብዒ ሊትሮ እትሕዝ ቢኬሪ ዕብይ ዝበለት፣ ዓይነት መጠና ሪአያ ብዘይፈልጥ፣ ኣጎላጉል ዝኾነት ቢኬሪ እየ ሰቲየ ዝነበርኩ፤ ዝመፀትለይ ሲንግል ኣረቄ ኣይተንከፍክዋን። ሕዚ ከም ዘየድልየኒ ኣረጊፀ ምስ ነገርክዎ “ምሸት እሞ ንሰቲ” ኢሉ ተመሊሱ ከይዱ። (9፡01)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- ኣብ ገዝኦም ኣብ ምትእንጋድ ሰፊሕ ሓገዝ ዝገብር ዘሎ መንእሰይ ነታ እስክርቢቶይ መሊሱለይ ኣሎ። ክጥቀመሉ ቃሕ ኣይበለንን። ክገድፎ ዶ? ንምንታይ እየ ንዓርሰይ ዘይረብሕ ሕቶ ዝሓትት ዘለኹ ሓደ መዓልቲ ከም ዝጥቀመሉ እናፈለጥኩስ? እዛ ሕዚ ዝጥቀመላ ዘለኹ እኳ ፀሊአያ ካብ ዝደርበኽዋ ደሊየ፤ ረኺበ፣ ኣልዒለ እየ ይጥቀመላ ዘለኹ። (9፡05)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- ሕዚ ካብ ናይ ኩሎም ጫው ጫዋት፣ ዋላ ካብ ናይ ሞንታርቦ ዕብዳን፣ ናይ ህፃን ብኽያት ስዒሩ ወፂኡ ይስመዐኒ ኣሎ። (9፡16) ኤህ እታ ዝተመልሰትለይ እስክርቢቶ ተጠቂመላ።
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
ምስ እዚ ማሕበረሰብ ግና መዓስ እየ ዝረዳዳእ? ሰብ ኣራዊት ኣብ ዘላምደሉ ግዘ ኣነ ምስ እዚኦም ምልማድ ክሰኣነኒ? ናይ ሕሾት ርክባት እኮ እዩ ዘፅለኣኒ። ቁም ነገር ረኺበ ከዓ ሎሚ እውን “ናይ ሕሾት ርክባት” ይብል ኣለኹ። መን ዶ ጠፊእዎ ኔሩ እዩ እዚ - ኩሉ ቅቡል ጌሩ ሓሊፍዎእምበር። ናይ ውሽጦም ሓቢኦም ክፉት ንዘይገብርዎ ነገር እናተገየፁ እንትርኢ፣ ግዘይ ብኸንቱ ዘጥፍእ ዘለኹ እዩ ዝመስለኒ። መቸስ እቲ ሕብረተሰብ እዚ ኣይጠፍኦን - ነዚኣ እትኾን ንቕሓት ተንኮልስ ትህልዎም እያ - ግና ነዚ ቅቡል ጌሮም ሓሊፎምዎ፣ ኣብ ምስሉይነት ዝተደረኸ ማሕበራዊ ርክብ ሓደ ሓቂ ህልውና ጌሮም፣ ምስ ምስሉይነት ሰላም ፈጢሮም፣ ህይወት ይዕወቱላ ኣለዉ። ምልባም ማለት ከምኡ ይመስለኒ። ኣነ ግና ከም ህፃን ገና ኣብ ሕልሚ ዓለም እየ ዘለኹ። (9፡12)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- ሕዚ እንተዝወፅእ ደስ ምበለኒ ኔሩ ግና ነዚ ኹሉ ሰብ ረጊፅካ ምሕላፍ ከቢድኒ። እቲ ናብ ገዛይ ዝኣትው ዘሎ ብልጭታ፣ ናይ ሞባይል ብልጭታ ኣይመስለንን - እቲ ብላዕሊ ሽፋን ክኾን ተወጢሩ ዘሎ ክፍሊ ዳስ፣ ነፋስ ሓፍ-ስድድ እንተብሎ ዝኣትው ዘሎ ብርሃን ፀሓይ ክኾን ይኽእል እዩ። ተዓፊነ፤ ሙቐት ክሞት ኢለ። (9፡26)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- “ሰብ ዶ ይሕጎስ ብዘይ ሰብየ” ዝብል ደርፊ ዋጣ ካፍቲ ሞንታርቦ ክወፅእ ጀሚሩ። እወ መፅሓፍ እናንበበ ይሕጎስ። ምስ ሰብ ዝሕጎስ ዶ ኸ ኣሎ ድዩ? ናይ ሕሾት ቃል፣ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ፀወታ፣ ክጥቀሙልካ ክፍተትካ ዝፍትሹ፣ ዓሰርተ ሻዕ “ኣሕዋት ኢና” እናበሉ ክብለፁልካ ዝፅዕሩ፣ ካብዚኦምስ መፅሓፍ ይሕሽ። ምስሉይ ርክባት እንተደኣ ዘይመሊኸ ግና ከምዚኣ ናይ ብሕትውና እስረኛ ኮይነ ክነብር እንተዘይኮይነ ንዓርሰይ ዝኽእለሉ ግዘ ዝርኢ ኣይመስለንን። መፅሓፍ የዕብድ እዩ እንትበሃል እምበር ኣነስ ዓሻ ይገብር እዩ እንትበሃል ኣይሰማዕኹ ኔረ - ዓሺየ ተሪፈ። (9፡27)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- ካብቲ ዘንብቦ ዘለኹ መፅሓፍ ዝጀመርክዎ ምዕራፍ ወዲአዮ ኣለኹ። ሕዚ ምወፃእኹ ደስ ምበለኒ - ካብዚ ንላዕሊ ክፀንሕ ኣይኽእልን። ድምፂ ሞታርቦ ተወሲኹሉ ኣዚዩ ገዲድዎ ኣሎ። መድሓኒኣለም ዓዲ ፀብሪ ብፅሐለይ! ማርያም ኣኽሱም ፅዮን ንስኺ ትፈልጢ! ይኣኽለኒ ሽቓቕ እውን ክጥቀም ደሊየ ኣለኹ። (9፡35)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- እናቐነሰ ዝኸይድ ነገር ኣይመስለንን። (9፡36)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- ክርስትና እዩ፤ ቀትሪ እዩ፤ ግና ካብ ናይ እንዳ መስተ ጓይላ ዝፍለ ነገር የብሉን - ካብ ኩሉ ናይቲ ሞንታርቦ ድምፂ! ኩሉ ነገር ከምዚ ዓው ብዝበለ፣ እዝንኻ ብዝቕንጥብ፣ ሙዚቃ ክዕጀብን ኣልኮል ፍሰስ ተፋሰስ ኮይኑን ክኽበር ኣለዎ ዝበለ መን እዩ? መርዓ እንትህልው ሓያል ጓይላ፣ ገዛ እንትምረቕ ሓያል ጓይላ፣ ተምሃሮ እንትምረቑ ሓያል ጓይላ - ሎሚ እንታይ ተረኺቡ እዩ ናይ ጓይላን መስተን ፍቕሪ ኣብዚ ዝበፅሐ - ቀደም ሰብ ዓቕሚ ስኢኑ ኔሩ ድዩ ከምዚ ዘይገብር ዝነበረ? ሙቐት ከይቀተለኒ ካናቲራይ ኣውፂአዮ ኣለኹ። (9፡40)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- ነታ ሞንታርቦ ዝቆፃፀራ ዘሎ ቆልዓ ዕላምኡ ፅቡቕ ደርፊ ተሰሚዑ ሰብ ክህደስ ዘይኮነስ ሕማቕ ደርፊ እናተሰምዐ ሰብ በቲ ዓውዓውታ ሞንታርቦ ክርበሽ እዩ ዝመስል፤ ቆንጆ ደርፊ ብዝመፀ ቁፅሪ የሕልፎ ኣሎ። “ግደፎ ኣይተሕልፎ” ዝብል ናይ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ድምፂ ንገሆ ይስመዐኒ ኔሩ፤ ንሳ ተሃኪይዋ እንትትገድፎ ድሒሮም ዝመፁ መናእሰይ “ግደፎ ኣይተሕልፎ” ይብሉ ኣለዉ - ንሶም እውን ክሳብ ዝስክዮም ወይ ክሳብ ናብ ዝመፅዎ ዝምለሱ። ብዙሕ ቦታ ዝገጥሙኒ ሙዚቃ ዝቆፃፀሩ ሰባት ሙዚቃ ዘይፈልጡ እዮም፤ ደርፊ ምስማዕ ዘይኮነስ ምሕላፍ ዘሕጉሰም እዮም ዝመስሉኒ። ሰብ ኣመሎም እንትፈልጥ ኢዶም ክእርንቡ ምሕታት ጠጠው የብሎ። “ኣይተሕልፎ” እንትበሃሉ ይገዶም እዩ። (9፡44)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- በቃ፣ በቃ ገዲም ክወፅእ ኣለኒ። (9፡45)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- በቲ ናይ በረይን መስኮተይን ሽንቁር ጌረ ንደገ ጠሚተ ሰባት ከም ዝቐነሱ ኣረጋጊፀ ክወፅእ እንትብል ካብ ውሽጢ ገዛ እናተዳፍኡ መዓት ኣጋይሾም ምውፃእ ጀሚሮም። ናይ ሰባት ምብዛሕ ንምንታይ እዩ ነቲ ናይ ምውፃእ ድሌተይ ክኸብደኒ ዝገብረኒ ዘሎ? ክወፅእ እኮ ኣለኒ! ንሶም በይኖም እንተዝተርፉ ረጊፅኻ ምኻድ ክቐለኒ ኔሩ ማለት ድዩ? “ረጊፅካ…” ዝብልዎ ኣበሃህላ እንታይ ኣምፀኦ? ኣነ ጎረቤቶም እናሃለኹ ኣብ ቅድሚ ኣጋይሾም ከም ዘይፈልጡኒ ኮይነ ምሕላፍ ነቶም ጎረቤተይ ክብሪ ዘይግባእ እዩ ኢለ ሓሲበ ዶ ይኾን? ሓቂ ንምዝራብ ካብ ዝመፁ እኮ ክልተ ወርሒ እውን ዝመልኦም ኣይመስለንን - እታ ኣደ ቆልዓ ከዓ ኣገዲደ እየ ሰላም ክብላ ዝቐነኹ - ስለዚ ኣጋይሽ ስለዘዉዋ ንምንታይ ዝስከፈላ? ሰብኣያ ይሕሸኒ እምበር ንሳስ እንድዒ - ወያ ናይቲ ግዘ ፅንሲ ሆርሞናት ይኾን ክትፅወግ ዝገብራ ዝነበረ … ይኾን እንድዒ ግዲ። ዝኾነ ኮይኑ ኣነ ናይ ዓርሰይ ህይወትን ሸኽምን ኣለኒ - ክወፅእ እናደለኹ ብሰኸፌታ ተዓፊነ ዝውዕለሉ ምኽንያት ኣይርደኣንን። ወፂአ ብኡ ጌረ ደገይ ክሓድር እምበር እዚ ነገር ንምሸት እውን ዝዝሕል ኣይመስለንን። (10፡ 06)
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- “ፍቕሪ ወዲ ጓና ብሓዱሽየ” ዝብል ደርፊ ዋጣ ካብቲ ሞንታርቦ ይስማዕ ኣሎ፤ ንምውፃእ ምድላዋተይ ወዲአ ጥዕምቲ ቅፅበት ይፅበይ ኣለኹ። (10፡20)  
∙∙∙ ∙∙∙ ∙∙∙
- ናይ ምንታይ ቅፅበት እዩ? ንሰብ ክንድዚ ምሕሳብ ኣየድልን። ይወፅእ ኣለኹ። (10፡21)  

No comments:

Post a Comment