Skip to main content

ዝተሰርቀ ዛንታ

ግደይ ገብረኪዳን

ሓንቲ እተሕዝን ዜና ኣላትኒ - ዓለም ሕማቕ እያ፣ ክትዕረ እውን ኣይትኽእልን - በቃ እዚኣ እያ እታ ሓቂ - ኣፍካ ሓዝ ወረኛ - ቁሩብ እስኪ ሕፈር፣ እስኪ ካብ ሂወትካ ሰለስተ ደቓይቕ ንሓቂ መድብ - ዓለም ሕማቕ እያ፣ ክትዕረ እውን ኣይትኽእልን። ሰባት ጌሮም ዘፅልኡኒ ዘለዉ፣ ምስሉይነቶም፣ ድድብነኦም። ዓለም ብፀገም ተመሊኣ እናሃለወት ብናይ ውልቆም መነፅር ጥራሕ ክሪእይዋ ዘይሓፍሩ።
ዛንታ ዶ ከምዚ ኢልካ ይጅመር? እዚ ናተይ ሓሳብ ኣይኮነን። ሰሪቐዮ እየ እምበር ኣነ ዓለም ኣይትዕረን ኢለ ዝሓስብ ሕሙም ኣይኮንኩን። ንዓለም ከዕርዩ ብዙሕ ካብ ዝፈተኑ ሰባት ሓደ ገይረ እየ ንዓርሰይ ዝቖፅሮ። እንተወሓደ መንግስቲ ናብዛ ወረዳ ሰራሕተኛ ግብርና ኤክስተንሽን ኢሉ ዝለኣኸኒ ነቲ ሓረስታይ ክሕግዞ እዩ። መሬት ዝጎድሎን ዘይጎድሎን መኣድን እንተተፈሊጡ ከም ዝሓውዮ ኩሉ ሰባት እውን ብዛዕባ መገዛ ነፍሶም ግቡእ ፍልጠት ክጭብጡ እንተተጌሮም ዝዕረዩ ይመስለኒ። ዘይምፍላጥ እዩ ዝፈላልየናን ዘጋጭየናን እምበር ኩለና ነብስና እንፈትውን ክንዕወት እንፅዕር ዘለናን መሳኺን ኢና። ግና ኣይንናበብን። ዘናብበና ከዓ ቅኑዕ ፍልጠት እዩ።

እንትትውለድ ቤት እምነታት ይርከቡኻ እሞ ሓጢያትን ፅድቅን ዝብልዎ ይነግሩኻ። እንትትሞት ከዓ ገነት ከዋርሱ ገኒዞም የፋንዩኻ። ብታ ሕጎም ንዘይነብር ከዓ ክሳብ ዝሞት ከይተፀበዩ ሂወቱ ገሃነም ክገብርዋ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዓይነት ስልጣን ኣብ ዝውንኑሉ እዋን ሓደ ኣብ ኣኽሱም ይነብር ዝነበረ ዘርኣያእቆብ ዝበሃል መምህር ሃይማኖት፣ ካቶሊክ ናብ ዓዱ ኣቲዮም ብዝተፈጠረ ጎንፂ ሃይማኖትን ዝሰዓቦ ምፍሳስ ደምን፣ ናብ ፍልስፍና ገፁ ዘይሩ ምኽንያታዊ ክኾን ፈቲኑ። በረኻ ተከዘ ከም ኣራዊት መንበሪኡ ጌርዎ። በይኑ ፈቲኑ ኣበይ ክበፅሕ ኮይኑ ዋ፣ ስሩዕ ኣስተምህሮ ፍልስፍና ኣየምፀአን፣ ማእከል ትምህርትን ምርምርን ኣብ ተከዘ ኣይነበረን እሞ ጥራሕ 'ፈጣሪ ከምዚ ዝብል ኣይመስለንን...' እናበለ ሃይማኖት ይነቅፍ ነይሩ። በቲ ሽዑ ግዘ ሓደ ለባም ኣብ ጎኑ እንተዝህልው፣ 'ሃይማኖት ምስ ምስትንታን እንታይ ኣራኺብዎ? መሰለካ - ኣይመሰለካ ብእምነት ኢኻ እትቕበሎ እምበር ብምስትንታን ኣይኮነን' ምበሎ ነይሩ። ከም ኣብረሃም ፈጣሪ፣ 'ወድኻ ሰውአለይ' እንተዝብሎ ነይሩ፣ 'ፈጣሪ ነዚ ዝብል ኣይመስለንን። ንምንታይ ደኣ ብፀሎትን መፅበዓን ክወልዶ ፈቒዱ ደሓር መሊሱ ዘርኡ ከይተከአ 'ቅተለለይ' ዝብለኒ?' እናበለ  ሞኽ መበሎ፣ ብመፃኣይ ወለዶ ከዓ ኣቦ እምነት ከይተብሃለ ምተረፈ ነይሩ። 

ኣዬ እዚኣ እውን ናተይ ዛንታ ኣይኮነትን፣ ሰሪቐያ እየ። ኣነ ብወገነይ ዘርኣያእቆብ ቅኑዕ ፍልጠት ክምስርት ምፍታኑ ንዓርሱ ኣዚየ እየ ዝንእዶ። ከም ዘርኣያእቆብ ንሓቂ ዘይንደሚ፣ ኩሉ ነዓይ ኢልና ምድራዊ ዓወት ንምሕፋስ ንጎዪ... እንተኾይንና ዓለም ዝሓሸ ብርኪ ከይትበፅሕ ዝገብርዋ ዓቀፍቲ ኣእማን ኢና። መቸም ከም ፃህያይ ንወገድ ክብል ናይ ሕርሻ ስልጠናይ ኣይፈቕደለይን። ሓንቲ ኣብ ገጠር ዘጋጠመት ተጓንፎ ከዘንትወኩም።

ሎሚ ከም ዝፍለጥ ገንዘብ ምውህላልን ምህፍታምን ጥራሕ እየን ሓሳብ ህዝበይ ኮይነን ዘለዋ። ስራሕ ዝቖፀረኒ መንግስተይ እውን ሃፍታም ሞዴል ሓረስታይ ፍጠረለይ ኢሉ እዩ። ሎሚ ከም ቀደም ካብ ውልደት ክሳብ ሞት ዘንብረና ሕግን ስርዓትን ዝወሃበና ብቤተ እምነታት ጥራሕ ኣይኮነን። መንግስቲ ብሰለስተን ኣርባዕተን ዓመቶም ዕሸላት ተቐቢሉ ካብ መዋእለ ህፃናት ክሳብ ዩኒቨርስቲ ንዕስራ፣ ሰላሳ ዓመታት የምህሮም እዩ። ወያ ስልጠና እውን ትምህርቲ መሲልዎ መንግስትና፣ እንተስ ብገርሂ እንተስ ብጉርሒ፣ ዝተምሃሩ ዘይኮነስ ዝሰልጠኑ ሮቦታት፣ ምሕሳብ ዘይመለኹ፣ ደገምቲ ንቡር፣ ወለዶ ኣፍሪዩ ይሀው መደቡ ዘፈፅመሉ ስኢኑ ልምዓታዊ መንግስቲ ብተለኣኣኽቲ ምዕራባውያን ተወቒዑ ወዲቑ ኣሎ። 

ኣብ ገጠር እውን ሓረስቶት ካብ ምስራሕ፣ ምንጋድን ምስታይን ወፃኢ ዝገብርዎ ምስ ሰተኻ ምብኣስ ጥራሕ እዩ። ኣብታ ናተይ ወረዳ ኣመሓዳሪና እንትመራ ሓረስቶት ቀዳመ ሰንበት ዕዳጋ ክውዕሉ እንትመፁ በትሮም ኣብታ ኬላ እናረከቡ ክኣትው ጌራ እቲ ባእሲ ቁሩብ ክቕንስ ጌራቶ እያ። ሓደ ግዘ ግና ኣብ ዕለት ዕዳጋ ሓዊ ባርዕ ይለዓል እሞ ነቲ ቤተ ክርስቲያንን መስጊድን ክልክሞ እንትብል ኩሉ ምስታዩን ዕዳግኡን ገዲፉ ሓዊ ናብ ምጥፋእ ይኣትው። 

ሓዊ ግና ሓዪሉ ብኻሊእ ኣንፈት ተጋፊሑ ናብታ ናይዛ ናይ ወረዳና ከተማ እቲ ዝዓበየ እንዳ መስተ ይበፅሕ። በዓል ዋና ዋዛ ኣይነበረን 'ንዑ ናብዚ ሓዊ ተኸላኸሉለይ፣ ምስ ጠፍአ ክንዲ ድሌትኩም ኣረቄ ክህበኩም እየ' እንትብሎም ተገልቢጦም ናብኡ ከይዶም ገዝኡ ኣድሒኖምሉ። ካሊእ ሓዊ በሊዕዎ። 

ኣዬ፣ ሓቂ ንምዝራብ፣ እዚኣ እውን ናተይ ዛንታ ኣይኮነትን። ዶስቶየቭስኪ መዘከርታ ፀሓፋይ ኣብ ዝበሃል ስርሑ፣ 'ምኽንያታዊ ዓርሰ ፍትወት' ኣብ ዝወቕሰሉ ፅሑፉ፣ ኣብ ሩሲያ ዘጓነፈ ሓቀኛ ታሪኽ ካብ ዘዘንትወሉ ክፋል ዝወሰድክዎ እዩ። ኮይኑ ግና ኣባና እውን ከምዚ ኣይምኾነን ምባል ዝከኣል ኣይመስለንን። በዚ ኣተሓሕዛና ናብኡታት ኢና። ዝጎድለና ፈሊጥና ንሸፍኖ ኣልካላይዝድ ኮይኑ ዝተበላሸወ መሬት ከይንኾን። 

Comments

Post a Comment

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።