ምርጫ ጦማሪ

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ...

ትካልን ምሕደራን ኣብ ትግራይ

ግደይ ገብረኪዳን

ነዚ ዛዕባ ብመንፅር ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ኢና ክንሪኦ። ኣብ ኢኮኖሚክስ ትካል እንትበሃል ሰራሕተኛን ስራሕ መካየድን ዝተቖፀሩሉ ትካል ማለት ጥራሕ ኣይኮነን። ትካል ኣብ ኢኮኖሚክስ ናይ ሓደ ዘፈር ስርዓታዊ ህልውናን ኣካይዳን ዝውክል እዩ። ንኣብነት ትምህርታዊ ትካል እንትንብል ቤት ትምህርቲ ማለትና ኣይኮነን፤ ኣካይዳን ኣተሓሕዛን ዘፈር ትምህርቲ ማለት እምበር።

ትካላት ዝተፈላለዩ ዘፈራት ንልምዓት ሓደ ህዝቢ ኣዚዮም ኣገዳሲ ካብ ዝኾኑ ማሕበራዊ ካፒታላት ውሽጢ ዝምደቡን ተማሊኦም እንተደኣ ዘይተረኺቦም ከዓ ህዝቢ ንምልዋጥ ዝገብሮ ፃዕሪ ኩሉ ከንቱ ልፍዓት ክኾኑ ዝገብሩ እዮም። ንዕብየት ኣድላይ ዝኾኑ ትካላት ብኣውርኡ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ ትምህርቲ፣ ምርምርን ምጉልባትን፣ ፋይናንሳዊ ትካል፣ መሰል ወናናይነት ውልቃዊ ንብረት፣ ስርዓት ፍትሒ፣ ፖለቲካዊ ትካልን መሓውራት መራኸብን።
እዚኦም ትካላት ኣብ ትግራይ እንተፈተሽናዮም ኣብ መወዳእታ እንበፅሖ መደምደምታ፡ የለዉን ዝብል ይኸውን። ሓደ ብሓደ እንትንሪኦም ግልፂ ክኾን እዩ።

ትምህርቲ፡ 
ዕላማ ትምህርቲ ምኽንያታዊን ሰፊሕ ኣረዳድኣ ዘለዎ ብሱል ወለዶ ምፍራይ ክኾን ይግበኦ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ትምህርቲ ግና ዕላምኡ ምኽንያታዊ ወለዶ ምፍጣር ዘይኮነስ ኣብ ከይዲ ኢኮኖሚያዊ ንጥፈታት እታወት ክኾን ዝስልጥን ሰብ ምፍራይ እዩ። ብሓደ ሞያ ዝሰልጠነ ማለት እዩ። ንዓርሱ ክፈልጥ፣ ንዝወስዶ ዕዮ መበገሲ ምኽኒት ከለሊ፣ ናይ ውሽጡ ተውህቦ ከውፅእ፣ ናይ መወዳእታ ዕላማ ህልውንኡ ክፈልጥ ወዘተ. ምፅዓር ዝመሰልዎ ከም ተድላ ተቖፂሮም ኣለዉ። ዕሸላት ትግራይ፣ መንግስቲ ብዝሓዘሎም መደብ ተማሂሮም፣ ናብቲ ኢኮኖሚያዊ መዘውር ኣቲዮም እታወት ሃገራዊ ፍርያት ካብ ዝኾኑ፣ ትምህርቶም ገዲፎም - እንተስ ሸቂሎም ወይ ተቐላጢፎም፣ እንተዘይኮነ ከዓ ዓዲ ዓረብ ተሰዲዶም - ምህፍታም ምኽኣል ጥራሕ ዝሓልሙ ኮይኖም ኣለዉ። ምስ እዚ ሕሙም ኣካይድኡ ከዓ እቲ ፅሬት ትምህርቲ (ማለተይ ስልጠና) ምውራዱን ዝተምሃረ (ዝሰልጠነ) ከም ተራ ኢኮኖሚያዊ ሓይሊ እታወት ክረአ ምጅማሩን - ኣብ ርእሲ ድኽነተን ገዝአን ውሕጅ ወሲድዎ ከም ምባል እዩ ኮይኑ ዘሎ (“ምራኸን ሞይታተን” ኢለ ዘይወዳእኽዎ ምስ ሕርሻዊ ማሕበረሰብ ዘይራኸብ ምሰላ ንምግባር እዩ።) ብሓፂሩ ትምህርታዊ ትካል ኣብ ትግራይ የለን።

ምርምርን ምጉልባትን (Research and Development)፡ 
ትምህርታዊ ትካል ዘይብሉ ህዝቢ ኣብ ምርምርን ምጉልባትን ኣድሚዑ ክሰርሕ ኣይከኣሎን። ነዚ ዝምጥን ባህሊ ምሁራዊነት ኣብ ዘይብሉ እንታይ ዓይነት ትካል ምርምርን ምጉልባትን ክህሊ ከም ዝኽእል ሕሰብዎ - ስለ ዘይህልው ኣይትሕሰብዎ። ብዙሕ ግዘ ዩኒቨርስቲታት “ነቲ ማሕበረሰብ ዝጠቅም” ከምዚ ዝበለ፣ ከምቲ ዝመሰለ… ምርምር ጌርና፣ ናብ ህዝቢ በቲንና እንትብሉ ይስምዑ እዮም። እዚ፣ ኣብቲ ትምህርቲ ከም ዝረኣናዮ፣ ፀቢብ ኣረዳድኣ ምርምርን ምጉልባትን ዝወለዶ እዩ። ምርምርን ምጉልባትን ግድን እንትዛዘም ዝጭበጥ ውፅኢት ዕላማ ገይሩ ዝስራሕ ክኾን የብሉን። ምርምር ብዛዕባ ተፈጥሮ ወይ ከዓ እቲ ተመራማራይ ብዝመርፆ ዘፈር መልሲ ንምርካብ ዝገብሮ ፃዕሪ ዝኽተል ክኾን ኣለዎ፤ ካብዚ ምርምር ዝተርፍ ረብሓ እንተተረኽበ ፅቡቕ እንተዘየለ ግና ንዘይጭቡጥ ምርምር ቦታ የብልናን ምባል መሃይምነት እዩ። እኒ ኣንስታይን ሚስጥር ዩኒቨርስ ክርድኡ፣ ሚስጥር ብርሃን ፀሓይ ክምርምሩ፣ ሚስጥር ግዘን ቦታን ክግብጡ… ኢሎም ኣብ ዘፈልፈልዎም ስነ ሓሳባትን ቀመራትን ተመስሪቱ እዩ እኒ ኣቶሚክን ንኲለርን ኢነርጂታት ዝተረኽቡ። ኣንስታይን ኣቶሚክ ኢነርጂ ረኺበ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጠጠው ከብሎ ኢሉ ኣይኮነን ይመራመር ዝነበረ። ከምኡ ተመራመር ኢሉ ዝቖፀሮ ዩኒቨርሲቲ እውን ኣይነበረን። ንሱ፣ ሳላ ዕድል ዝሃቦ ትካል ምርምርን ምጉልባትን፣ ንተፈጥሮ እንትምርምር መወዳእትኡ ብጭቡጥ ንዓለም ዝቕይር ኮይኑ። በዚ መንፅር እንትንሪኦ ኣብ ትግራይ ትካል ምርምርን ምጉልባትን የለን።

ፋይናንሳዊ ትካል፡ 
ከም ትግራይ ንዝበለት፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሊኡ ዘይተረፋ መሬት፣ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ክተውሕስ ፋይናንሳዊ ምርቓቕ ወሳናይ ካፒታል ይኾና እዩ፤ ሓደ መንግስቲ ከዓ ጭዋዳ ፋይናንስ ህዝቡ ከይባኽንን ናብ ዝተዓፃፀፈ ትርፊ ዘለዎ ልምዓት ክቕየር ውሕሉል ፋይናንሳዊ ኣሰራርሓን ፖሊሲታትን ክህውዎ ይግባእ። ተጋሩ ካብ እቶቶም ብዙሕ ክፋል ብምቑጣብ ካብ ኢትዮጵያ ቀዳሞት እዮም፤ ፋይናንሳዊ ትካል ስለ ዘየለ ግና ተጋሩ ርሂፆም፣ እቶት ረኺቦም ዝዓቖርዎ ካፒታል ናብ ካልኦት ክፍልታት ኢትዮጵያ ልሒኹ እናፈሰሰ ካብ ትግራይ ወፃኢ እዩ ኢንቨስት ዝግበር ዘሎ። መንግስቲ ትግራይ ልምዓታዊ መንግስቲ ከም ዝኾነ ብምንጋር፣ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ልምዓታዊ መንግስትታት፣ ዝቕድሞ ዘሎ ኣይመስለንን። ኮይኑ ግና ንዓርሱ ከም ኢትዮጵያዊ ሓይሊ እምበር ትግራዋይ ገይሩ ስለ ዘይርኢ ሃፍቲ ትግራይ ኣብ ምዕቃብን ብዓቐን ትግራይ ተመጢኑ ዝተቐደደ ልምዓታዊ ፖሊሲ የብሉን። በዚ ምኽንያት ትግራይ ፋይናንሳዊ ትካል እውን የብላን።

መሰል ወናናይነት ውልቃዊ ንብረት፡
ቅድሚ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ኣውሮፓውያን ዝነበሮም ሓፈሻዊ ምህርቲ ቻይናን ህንዲን ምስ ዝነበሮም ዝወዳደር ኣይነበረን። ዝወዳደር ኣይነበረን ጥራሕ ዘይኮነስ ኤስያ፣ በቲ መስመር ንግዲ ዝነበረ መንገዲ ሃሪ ኣቢላ፣ ናይ ዓለምና ዓብዪ ቁጠባዊ ማእኸል ዝነበረት እንትትኸውን፣ ኣውሮፓ ካብዚ ውዑይ ኢኮኖሚያዊ ንጥፈት ርሒቓ እትርከብ፣ ደኽታም ፀግዒ እያ ነይራ። ካብ ድሕሪት ተበጊሳ፣ ኣውሮፓ ዓባይ ማእኸል ቁጠባ ክትኾን ዝገበራ ግና ሓደ ሚስጥር ነይርዋ፡ መሰል ወናናይነት ውልቃዊ ንብረት ኣፍልጦ ብምሃብ ኩሉ ኢኮኖሚያዊ ንጥፈት ብውዕልን ሕጊን ክካየድ ምግባራ ነይሩ። ካብዚ ተበጊሶም፣ እቶም ገዛእቲ መሳፍንቲ ኢኮኖሚያዊ ንጥፈቶም፣ እቲ እዋን ብዝፈቕዶ ሳይንሳዊ (መርካንታይልስ፣ ፊዝዮክራትስ፣ ሊበራልስ) ምኽሪ እናሰምዑ ሃፍቲ ዓዶም ከማዕብሉ ይሰርሑ ነይሮም። በዚ ኣቢሎም ካብ ኩሉ ቀዲሞም ወያነ ኢንዱስትሪ ከካይዱ ናብ ዝኽእሉሉ ብርኪ በፂሖም። ኣብ ትግራይ መሰል ወናናይነት ክንድ እቲ ዝድለ ኣፍልጦ ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን። እዚ ፀገም ምሕደራ ጥራሕ ዘይኮነስ ፅዕንቶ ድሑር ባህሊ እውን ይህልዎ እዩ። ንኢኮኖሚያዊ ንጥፈት ነጋዶ እውን ዘቃልል ቢሮክራሲያዊ ኣሰራርሓ የለን፣ ውዕልን መረጋገፂ ሰነዳትን ንምፍፃም መዓልትታት ምቅፃል ግድን እዩ። ሃፋትም ተጋሩ ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ብፖለቲካዊ ርክባት ዝተዓብለለ እዩ። ብሓፂሩ ኣብ ትግራይ ካብ መሰል ወናናይነት ንላዕሊ ፖለቲካዊ ዕላማ እቲ ገዛኣይ መደብ ቅድሚት ከም ዝወሃቦ ዝጠራጠር ኣይህልውን - ብኻሊእ ኣነጋግራ ኣብ ትግራይ ትካል መሰል ወናናይነት ኣይዓሰለን።

ትካል ፍትሒ፡ 
ካብ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት፣ ካብ ሕሱር ናይ ጥቕሚ ምትእስሳር ነፃ ዝወፀ ስርዓት ፍትሒ ሎሚ እውን ከም ቀደሙ ሕልሚ ኮይኑ ኣሎ። ትካል ፍትሒ እውን የለን።

ፖለቲካዊ ትካል፡
ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ክረጋገፅ እንተኾይኑ ካብዞም ዝረኣናዮም ብተወሳኺ ሰላማዊን ህዝባዊ ቅቡልነት ዘለዎ ስግግር ስልጣን ከካይድ ዝኽእል ዝበሰለን ውሕሉልን ፖለቲካዊ ትካል የድልየና። ኣብዚ ኣዚዩ ገፊሕ ክፍተት ኣሎ። ሎሚ ኣብቶም ነፃነት ዘለዎም ህዝብታት፣ ኩሉ ሓይሊ ስልጣን ኣብ ሓደ ጨንፈር መንግስቲ እንትኾን ውልቀ መላኻይ ስርዓት ስለ ዝኾን፣ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ሰለስተ ተኸፋፊሉ ነንዓርሳቶም እናተሓላለዉ ስልጣን ከይተብሓተ ብህዝቢ ቅቡልነት ዘለዎ ኣገዛዝኣ ግሁድ ክኾን ክኢሉ እዩ። እዞም ሰለስተ ጨናፍር፡ ሕጊ መውፀኣይ (ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ)፣ ሕጊ ተርጓማይ (ትካል ፍትሒ)፣ ሕጊ ፈፃሚ (ሚኒስቴራዊ / ቤት ፅሕፈት ምሕዳራ) እዮም። ኣብ ትግራይ እዚኦም ሰለስቲኦም ጨንፈራት ናይ ዓርሶም ስልጣን ምሕላው ዘይኽእሉን ተገዛእቲ እቲ ፈፃማይን እዮም። በዚ በለ በቲ ፖለቲካዊ ትካል የብልናን። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ክረአ ዝግበኦ ከዓ ናይ ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምርካብን ምዝራብን መሰል እዩ። ኩሉ ነገር ካብ ላዕሊ ብዝመፅእ ትእዛዝ እናተፈፀመ፣ ዝስራሕ ስራሕ በየናይ መፅናዕቲ ኣድላይነቱን ኣዋፃኣይነቱን ከም ዝተረጋገፀ ዕላዊ ከይተገብረ፣ ብዛዕባ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ኩነታትና ቁፅርታት ምርካብ ኣብ ዘይከኣለሉ ኩነታት ነቶም ፈፀምቲ ከመይ ከም እትቆፃፀሮምን ወይ እውን ከም እትሕግዞምን ምፍላጥ ዝከኣል ኣይኸውንን። በዚ መዳይ ካብቶም ሰለስተ ዘቐመጥናዮም ጨንፈራት ብተወሳኺ ሚዲያ ራብዓይ ሓይሊ ስልጣን ተገይሩ ኣብ ዝውሰደሉ ዘመን ግቡኡ ከይዋፃእ ከም ምግባር እዩ ዝቑፀር - ብሓፂሩ ምሁራዊ ነፃነትን ትካል መርማሪ ጋዜጠኝነትን የብልናን። እዚ ምስ ክስረት ፖለቲካዊ ትካልና ዝኸድ እዩ።  

ትካል ርክብ፡ 
መንግስቲ ልምዓታዊነቱ ንምግላፅ ዝጥቀሞ ኣብ ርክብን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ፈሰስ ዝገብሮ ሃፍቲ እዩ። ኣብዚ መዳይ ዓብዪ ለውጢ ኣመዝጊቡ እውን እዩ። ኮይኑ ግና በቶም ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ሕፅረታት ምኽንያት፣ እዞም ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝግበሩ ኢንቨስትመንትታት መንግስቲ፣ ክንድ እቲ ዝግበኦ ኣይኮኑን ዝብል ወቐሳ ምስማዕ ይከኣል እዩ። ኣብዚኣ ከተሓሳስቦ ዝደልዮ ነገር፣ ልምዓታዊ መንግስቲ ምዃን ኣብ መሰረተ ልምዓት ሃፍቲ ምፍሳስ ጥራሕ ኣይኮነን፤ እቶም እናተዘርዘሩ ዝመፁ ማሕበራዊ ካፒታላት እንተደኣ ዘይተጣየሹ፣ እቲ ናይ ቻይናውያን ምሰላ እዩ ኣብ ልዕሌና ዝትግበር፡ ንዝጠመዮ ዓሳ ሃቦ - ንሓደ መዓልቲ ዓንጊልካዮ፤ ዓሳ ምፅማድ ኣምህሮ - ንወትሮ ዓንጊልካዮ ይብሉ። እቶም ላዕሊ ዝተቐመጡ ማሕበራዊ ትካላት ዘይብሉ ህዝቢ፣ እዚ መሰረተ ልምዓት እንተተውሃቦ እውን፣ ናብቲ ዝድለ መፍረያይነት ከይመፀ ዝተርፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ መሰረተ ልምዓት እውን ምክንኻን ስኢኑ ንድሕሪት ዝምለስ ህዝቢ እዩ ክኸውን። ናይዚ መረዳእታ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነፃ ምስ ወፁ ንድሕሪት ዘንሳሕቡ ሃገራት ኣፍሪካ ቀወምቲ መሰኻኽር እዮም - ብዘይ ማሕበራዊ ካፒታል ትካላት ቁሳዊ ህንፀት ጥርሑ ልምዓት ኣይኮነን።

መደምደምታ፡ 
ነዚኦም ትካላት ምህናፅ ዘይከኣለ ህዝቢ፣ ኣይኮነን ዝሓሸ መፃኢ ክፈጥር፣ ህልውንኡ ንዓርሱ እውን ኣብ ሓደጋ ዘሎ ህዝቢ እዩ ክኸውን። እዞም ትካላት ዘይምህላዎም ነቲ ሓድሽ ወለዶ ኣልቦ ራእይ ክኸውንን ንውልቃዊ ረብሕኡ ካብ ህዝቡን ሃገሩን ንላዕሊ ቦታ ዝህብ ክኸውንን ጌርዎ ኣሎ። ሓላፊነት ወለዶ ክስከም ኣይኮነን ንዓርሱ እውን ቅሳነት ዘለዎ ህይወት ክውንን ዘኽእሎ መንፈስን ልዕልነትን እውን የብሉን። ኣብዞም ትካላት ተሳትፎ ብምግባር ንትግራይ ዓብዪ ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ መናእሰይ፣ እዞም ትካላት ብሰንኪ ዘይምህላዎም፣ ናብ ፖለቲካዊ ሕቱኽቱኻት ክኣትዉ ከም ምርኣይ ዘሕዝን ነገር የለን። ናብ ፖለቲካዊ ሕቱኽቱኽ ዘይኣትዉ ከዓ ናብ ስደቶም ይዕንዘሩ - ዲያስፖራ ምስ ኮኑ “ብኽብሪ” ይምለሱ። ዝገደደ ዘሕዝኑ ከዓ ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ፣ ኣብ ዘመነ ድንቁርና ብዝነበሩ ኣውራጃዊ ሕቱኽቱኻት ዝጭወዩ መናእሰይ ኣብዚ ዘመነ ዲ.ኤን.ኤ ክንርኢ ምኽኣልና እዩ - እዚ ዓብዪ ፍሽለት መንግስቲ ትግራይ እዩ።

ሪእቶ፡
ከማይ እቲ ዘሎ ብሕታዊ መማረፂ ዓበዪ ገምጋም ጌርና፣ ናብ ውሽጥና ሪእና፣ ብቕልጡፍ ማእኸል ምልከታና ትግራይን ማዕርነትን (ፍትሓዊነትን) ብምግባር፣ ነዞም ትካላት ህይወት ኣብ ምዝራእ፣ ብወፍሪ ክንሰርሐሉ ክንለዓል ኣለና ይብል። ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሉ ማዕረ ክረኣይ ምግባር፣ ቅልጡፍን ዘመናውን ቢሮክራሲ ምውናን፣ ሰብ ብግዳማዊ ናይ ጥቕሚ ርክባትን ፖለቲካዊ ተኣማናይነትን ዘይኮነስ ብብቕዓቱን ስርሑን ክምዘን ምግባር፣ ኣብ ጭቡጥ ውፅኢታዊነት ካብ ዘተኮረ ፀቢብ ኣረዳድኣ ትምህርትን ምርምርን ግዘ ከየጥፋእና ክንወፅእ ይግባእ። ብሉፃት ሰባትና ኣብ ዓዶም ዝኽበሩሉ እምበር ዲያስፖራ ኮይኖም ዶላር ምልኣኽ እንትጅምሩ ዝኽበሩሉ ኣገባብ ጠጠው ክብል ኣለዎ - ህዝቢ ብባኒ ጥራሕ ኣይነብርን።

ኣብ መወዳእታ ከዘኻኽሮ ዝደልዮ መንግስቲ ትግራይ ነዞም ትካላት ኣጥፊኡ ብሕታዊ መላኻይ ክኾን ዝደሊ እንተኾይኑ በዚ ዝመፀሉ ኣተሓሕዛ እንተቐፀለ ሎጂካል እዩ ዝኸውን። ንህዝቢን ሕጊን ቦታ ዝህብ እንተኾይኑ ግና፣ ነዞም ትካላት ነፍሲ ከይዘርኡ ሸለል ምባሉ፣ ብዘይፍላጥ እዩ ኢልካ ክትሓስብ ይገብረካ። ብወገነይ ብዘይፍላጥ እዩ ዝብል መልሲ ስለ ዝመረፅኩ እየ ነዚኣ ክፅሕፍ ግዘይ ዘጥፋእኹ።

No comments:

Post a Comment