ምርጫ ጦማሪ

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ...

ሕነ

ግደይ ገብረኪዳን

"ሰብኣዊ ሕጋዊነት ወይ ስርዓት ኣብ ዘይዓሰለሉ ሕብረተሰብ፣ ኣብ ዘይሰልጠነ ሕብረተሰብ፦ ብህገ ኣራዊት ክግዛእ፣ ፍትሒ ብጭዋድኡ ክረኽባ ክሕርንን ክሽፍትን ዘበረታትዕ ድሑር ባህሊ ከማዕብል ግድን እዩ..." እናበለ ጋዜጠኛ ብጓሓቱ ብዛዕባ ክውገዱ ዘለዎም ባህልታት እንትሰብኽ ካብታ ራዲዮ ይስማዕ ኣሎ። ኣዕዋፍ፣ ፀሓይ ምብራቓ ስዒቡ፣ ዘሚረን (ኣእዊየን? መን ተረዲእዎ ነይሩ?) ኣይወደኣን። በዚ ሰዓት ዝለዓሉ ሰባት ብጓሓቱ ስርሖም ክኣትዉ ዘለዎም ሰራሕተኛታት፣ ቤተ ክርስቲያን ዝስዕሙን ለመንትን ጥራሕ እዮም። 


ካብቲ በሩ መሊኣ ዘይዓፀወቶ መሕፀቢ ክፍሊ ኮይና ሰብኣያ ትሪኦ ነይራ። ድቃስ ስኢኑ፣ ድቃስ ከሊእዋ፣ እናተገላበጠን እናፈከረን እዩ ኣንጊሕዋ። ቁጡዕ ምዃኑ እናፈለጠት እያ ዝተመርዐወቶ። ፅቡቕ ከንብራ እምበር ናይ ፀባይ ነጥቢ እትሕዘሉ ሰብኣይ ኣየድለያን ነይሩ። ዝጀገነ እያ ንሓዳር ዝደለየት። ሰብኣያ ዝሽፍጦ፣ ዝክሕዶ እዩ ዝፀልእ እምበር ለዋህ እዩ። ክሕጎስ እዩ ዝደሊ። ዋላ ምስ ህዝቡ ዝሽፍጦ እንተመፂኡ ኣየኹርዮን፣ ንበይኑ ፈሊዩ ክብለፆ ዝፍትን ግና ብህይወቱ ካብ ዝመፆ ኣንኢሱ ኣይሪኦን። 

ካሊእ ዝፈትዋ፣ ክሞተልኪ ዝበላ እናሃለወ እያ ነዚ መልክዕ ዘይብሉ፣ ካብ ወርዒ ለኸ ከም ጎቦታት ገረዓልታ ዝረአ ዘንጋር፣ እንተዝበኣሱ ኢዱ ናብ ፈልፂ ዝቕየረሉ፣ ቀናእ፣ ዘይገንዘብ ካሊእ ዘይፎቱ ሰብ ዝተመርዐወት። እቲ ክሞተልኪ ዝብላ ከምኣ ንባብ ዝፈትው ናይ ፍልጠት ሰብ እዩ ነይሩ፣ ንዕዑ ዝነበራ ፍቕሪን ክብርን ወሰን ኣይነበሮን። ንሳ እውን ከምኡ ፍቕሩ ተሸኪማ ክትሞተሉ ከም እትኽእል ስለ ዝፈለጠት እያ ዘፍሸለቶ። ዘፍሸልዎ ተዝብል ይሕሸኒ። ዝፋቐሩ ብሓደ ኣይነብሩን ዝበሃል በዚኦም እዩ ኮይኑ። 

ምሸት ሰብኣያ ኣብ ስርሑ ዝኸሓዶ ከም ዘሎ ፈሊጡ ከም ዘጥፍኦ እናፈከረ እዩ ዘንገሓ። ከመይ እንተዝንዕቖ ከምዚ ከዋርዶ ከም ዝደፈረ ክኣምን ኣይከኣለን። 

ኣብ መሕፀቢ ክፍሊ ኮይና እንትትሪኦ "'ሰብኣይ' ደሊየ፣ ንማንም ዘይምለስ 'ሰብኣይ' ሂብኒ" እናበለት ክትሪኦ ትፍትን ነይራ። ስብእነት ወትሮ የተሓሳስባ ዝነበረ ነገር እዩ። እንታይ እዩ ዘሕርኖ? ጥቕዓት ከይዕገስ ዝገብሮ እንታይ እዩ? ካብ ውሽጡ ዝወፅእ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ድፍኢት ድዩስ ወይስ ካብ ልምምድ ዝውረስ? ከመይ ኢሉ ሰብ ክብረይ ተተንኪፉ ኢሉ ዋጋ ህይወቱ ከፊሉ ከምልሶ ይመርፅ? ሰባት ካባኻ ብዝፅበይዎ ኮይንካ ንምርካብ፣ ሽምካ ኣብ ዓይኒ ሰባት ከይተዋረደ ንምዕቃብ ድዩ ናብዚ ዝደፍኦም? ወይስ ናይማን ጭቡጥ ክብሪ ዝበሃል ዋጋ ኣሎ? ብዘልማድ ድዩስ ወይስ ካብ ውሽጦም ዝመፅእ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ እዩ? ነዚታት እናሓሰበት ካብቲ መሕፀቢ ክፍሊ ወፂኣ ናብ መደቀሲ እንትትኣትው ሰብኣያ ኣብ ዓራት ኮይኑ ሽጉጡ እንትውልውል ትሪኦ። 

ደንጊፃ። ክተዘሓሕሎ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ እናሓሰበት፣ "እሞ ቁርሲ ነገር ጠዓም እንዶ ንቐደም?" ኢላቶ። ቅንዕ ኢሉ እንትሪኣ ኣብ ዓይኑ ሪኣቶ ዘይትፈልጦ ሓዊ ዝተወለዐ መሲልዋ። እዚ እማ ንሳ ዘይትፈልጦ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ እናገዝኦ እምበር በዘልማድ ተሲኡ ንሽሙ ኢሉ፣ ንሰብ ኢሉ፣ ከምዚ ዝሕርን ሰብ የለን ኢላ ክትሓስብ ገይርዋ። 

ረሃፅ ግንባሩ ሽጉጥ ብዝሓዘ ዝባን ኢዱ ፀሪጉ፣ "ፆም ምድሪ" ኢልዋ። 

"መሪፅኩም ስለ እተዳምፁና እናመስገና ናብ መልእኽቲ ስፖንሰራትና ቅድሚ ምስጋርና በዘልማድ ምንባር ቁፅሪ ሓደ መጥፍኢና ከም ዝኾነ ነዘኻኽረኩም..." እንትብል ጋዜጠኛ ካብታ ራዲዮ ብዝወፅእ ዝሓርፈፈ ናይ ጓሓት ድምፁ ተሰሚዑ - ቁርሱ ኣይበልዐን ግዲ?

No comments:

Post a Comment