Skip to main content

ኢኮኖሚያዊ ነፃነትን ገዛእቲ ደርብታትን (2ይ ክፋል)

ግደይ ገብረኪዳን
[ቅድሚ ክልተ ዓመታት፣ ህወሓት ኣብ ኣ.ኣ እናሃለወት ዝተውሃበ መተሓሳሰቢ።]

ምንፃግ መዋቕራዊ ለውጢታት
ህወሓት ንሉኣላዊነት ሃገር ምኽባር (ምውሓስ) እንትብል ንስትራቴጂካዊ ዘፈራት ኢኮኖሚ ክቆፃፀር ዘውፅኦም ፖሊሲታቱን ኣንፃር ዓለም ለኻውያን ሊበራላት ምዃኑን ዝነኣድ እዩ። ከም አይ.ኤም.ኤፍ ወይ ባንኪ ዓለም ዝኣምሰሉ ዓለም ለኻዊ ትካላት ንዓርሶም ኣዘዝቲ ፖሊሲ ብምግባር መዋቕራዊ ለውጢ (structural reformation) ግበሩ ኢሎም ኣገዲዶም ብተዘዋዋሪ ቑጠባ ሃገራት ክቆፃፀሩ ኣብ ዝፅዕሩሉ ግዘ ብኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ኮይኖም ህወሓት-ኢህወዴግ ኣይንቕበልን ምባሎም ኣብ ታሪኽ ክዝከሩን ክምስገኑን ዝገብሮም ታሪኻዊ ተግባሮም እዩ። እሞ እዚ ከዓስ ኣብ ምቹው ኩነታት ዘላ ሃገር ሒዞም ዘይኮነስ ካብ ሕድ ሕድ ኲናት ኣብ ዝወፀትን ካብ ዓለም ናይ መጨረሻ ድኻ ዓዲ ሒዞም መንበረ ስልጣኖም እኳ ብኣግባቡ ኣብ ዘየረጋግዑሉ ግዘ ምዃኑ እንትንሓስቦ ኣድናቖትና ክውስኽ ይገብሮ። እዚ ናይ ነዊሕ ግዘ ቃልሶምን ሶሻሊስታዊ እምነቶምን ሓቦ ኮይንዎም ክኾን ከምዝኽእል ምግማቱ ኣይኸብድን።

ዓለም ለኻውያን ሊበራላት ናይማን ንግለሰባዊ ነፃነት ዝህለቑ ዘይኮነስ ብሽም ግለሰባዊ ነፃነት ማሕበረሰባዊ ምትእስሳራት ብምብትታኽ ንዓለም ለኻዊ ኩባንያታት ባሮት ክገብሩ ዝሰርሑ ተለኣኣኽቲ ሓሻኽር እዮም።

ድሕሪ ምንፃግ መዋቕራዊ ለውጢታት  
ንዓለም ለኻውያን ሊበራላት ድሕሪ ምቅዋም ግን ንህዝብኻ እውን ነፃነት ምኽላእ ክሓውስ ኣይምነበሮን። ርካሽ ጉልበት ህዝባ ሃፍታ ኣብ ዝኾና ሃገር ነፃነት ዕዳጋ ኣዊጅካ ሰብ ብነፃነት ክሽቅልን ክምህዝን ሃፍቲ ከጥሪን ዘይምፍቃድ ነቶም ከይጎብጡና ኢልካ ከይኣትዉ ዝኸላእኻዮም ዓለም ለኻውያን ሓይልታት ቦታ ሒዝካ ንምጉባጥ ምፅዓር እዩ ዘመላኽት። ቃልሲ ህዝቢ ከዓ ሕብሪ ጎባጣይ ምልዋጥ ኣይኮነን።
መሃዝቲ ስራሕን መፍሰስቲ ሃፍቲን (ኢንቨስተራትን) ስእነት ስራሕ ኣብ ምቕራፍን ጭዋዳ ቑጠባ ኣብ ምድንፋእን ተካኣይ ዘይብሉ ግደ ከምዝፃወቱ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ነዚኦም ዘይምብርትታዕን ንፖለቲካዊ መሳርሒ ንምውዓል ምፍታን ዳርጋ ዓርሰ ቕትለት እዩ። ኣብ ትግራይ ሎሚ ዝረኣዩ ዘለዉ ተጓንፎታት፡ ከም ስእነት ስራሕ፣ ስደት፣ ወልፈኝነት፣ ሴሰኝነት፣ ስኽራን፣ ግዕዝይና፣ ድኽመት ኣፈፃፅማ ስራሕ፣ ብኸብድኻ ምሕሳብ ወዘተ. ዘበሉ ናይ ዝተዓፈነን ሕጋዊ ተሓታታይነት ዘይዓሰሎ ማሕበረሰብ መግለፂታት እዮም።
ሃክስሌ ኣብ መእተዊ Brave New World ዝብል ፍልስፍናዊ ልበ ወለዱ፡
“ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ነፃነት ኣብ ዝቕንሰሉ ግዘ፣ ነዚ ክኽሕስ ፆታዊ ነፃነት ይውስኽ። እቲ ምልካዊ ስርዓት ድማ … ነዚ ነፃነት ብምብርትታዕ የኽስበሉ።” ይብል።
እቲ መንእሰይ ወይ ድማ እቲ ቢሮክራሲ እውን መርኣያ ዝገብሮ ወይ ድማ ዝጥምቶ ክቡር ዕላማ እንተደኣ ዘይብሉን ኸብዱ ክዕንግል እንተደሊዩ ክእዘዝ ጥራሕ ዝድለን እንተኾይኑ ናብ ተስፋ ዘይብሉ ስርዓት ህይወት ከምዝጥሕል ዝፍለጥ እዩ።

“መስሓቕ ሸራፋት”
ናይ ህወሓት ግዕዝይና ወይ ድማ ዓብላላይነት ኣካይዳ በሪ ዝኸፈተሎምን ንህወሓት “መስሓቕ ሸራፋት” ዝገበርዎ ዝመስሉኒ ክልተ ኣብነታት ክጠቅስ። መጀመርታ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሓመሳ ፌደሬሽን ዝነበረ ኣቦ ንወዱ ኣወዳዲሩ (ዋላ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ሰዓት ዘማለአ ዝነበረ ወዱ) ስልጠና ገዲፉ ከብዱ ኣዘርጢጡ ክወዳደር ኣብ ዝኸደሉ ግዘ ፖለቲካ ክዛረብ ዘይደሊ ሰብ ከይተረፈ በዚ ጉዳይ ተሳሒቡ ብዛዕባ ፖለቲካ እዛ ሃገር ሕማቕ ምስሊ ክቐርፅ ዝገበሮ ተጓንፎ ኔሮ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ምስ ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ተተሓሒዙ ኣይተ ተኽለወይኒ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ህወሓትን ፖለቲካ ሃገርን ሕማቕ ምስሊ ክፍጠር ዝገብር ተጓንፎ ተሪኡ ሓሊፉ። እዞም ቀለልቲ ዝመስሉ ኣብነታት ዝጠቐስክዎም መርኣያ እቲ ዓብይ ሕማም ዓብላላይነት ስለዝኾኑ እዩ። ኣብ ላዕሊ ሕጋዊ ተሓታታይነት ዘይብሎም ሰባት ኮፍ ይብሉ ኣብ ታሕቲ ከዓ ተራ ህዝቢ ብወልፊን መዘናግዒን ተፀሚዱ ኣብ ቀቢፀ ተስፋ ዝኣተወ ህይወት ይመርሕ። እቲ ኩነታት ንዓርሱ ንህወሓት እውን ዝጎድእ ከምዝኾነ ንምምልኻት እዩ።
ህወሓት ነቲ ሕዚ ክፍንድእ ተዳሊዩ ንዘሎ ዓፈና ዝመረፀሉ ፈውሲ ገምጋም፣ መግለፂታት ምሃብ፣ ዘተን ተማህፅኖን እዩ። ትግራይ ብዘይ ህወሓት ብሄራዊ ህልውነኣ ዋሕስ ከምዘይብሉ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ተቓወምቲ ካብ ዓረና ጀሚሩ ብዛዕባ ጉዳይ ወልቃይት ዘርኣይዎ ምልፍስፋስ፣ ካልኦት ሪእቶ ወሃብቲ ድማ ብዛዕባ ዓሰብን ኤርትራን ዝህብዎ ንብሄራዊ ኣጀንዳ ትግራይ ዝፃባእ ሪእቶታት ካብ ክልተ ሕማቓት ኢልና ህወሓት ክንመርፅ የገድደና። ስለዝኾነ ድማ ህወሓት ጭዋድኡ ኣብ ብሄራዊነት ትግራይ ጌሩ ህዝቢ ከሰልፍን ንዓርሱን ንህዝቡን ክብል ከዓ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ነፃነት ክፈቅድ ክነገድዶ ይግባእ።

መጨንደሪ ቢሮክራትስ
ህወሓት ሎሚ ናይ መትከል ውድብ ዘይኮነትስ ናይ ቢሮክራታት መጨንደሪ እያ። ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ኣባላት ቤት ፅሕፈት (ቢሮክራትስ) ዝኾኑ ሰባት ውፅኢታዊ ብዘይምዃን፣ ነገራት ብምትሕልላኽ፣ ዓንቃፅ ብምዃን ዝፍለጡ እዮም። ኣብ ዘመናዊ ክልሰ ሓሳብ ምሕደራ (ማኔጅመንት) እቲ ዋና ተግባር ኣድላይ ዘይኮነ ቢሮክራሲ ኣብ ምንካይ ዘተኮረ እዩ። እዚ ቢሮክራሲ ኣየድልይን ንምባል ኣይኮነን። ናይ ስነ ማሕበረሰብ ተመራማራይ ዝኾነ ማክስ ዌበር ስርዓት ንምምፃእ ቢሮክራሲ ኣዋፃኣይ መንገዲ ከምዝኾነ ይሕብር። ብኻልእ ገፁ ድማ ቢሮክራሲ ኣንፃር ግለሰባዊ ነፃነት ሰባት ክኸውን ከምዝኽል እውን ይረኣዮ። ቢሮክራሲ ድማ ኣንፃር ነፃነት ዘይኮነስ ነፃነት ከውሕስ ተገይሩ ክዋቐር ይግበኦ። ብዘይ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ነፃነት ፈጠርቲ ስራሕን ኣቕረብቲ ኣማራፂ ሓሳባት ወይ ድማ ኣጋለፅቲ ጌጋታት ክበራትዑ ኣይኽእሉን።
ፈጠርቲ ስራሕን ኣፍሰስቲ ሃፍቲን ንማሕበረሰብ ዘለዎም ኣበርክቶ መንግስቲ ተረዲኡ ኤጀንሲታት መስሪቱ ከበረታትዖም ይሰርሕ ኣሎ። ግን ድማ ሕጋዊ ተሓታታይነት ኣብዘይዓሰለሉ፣ ንፀገማት ግዕዝይና ፍታሕ ተጌሩ ዝውሰድ ኣኼባ፣ ገምጋምን መግለፂታትን ኣብ ዝኾነሉ ስርዓት እቲ ቢሮክራሲ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ይኣዝዝ። ድላዩ ምሕደራዊ ክፍሊ ይኹን “እሺ” በሃላይነት ጥራሕ ከም ኣውራ ረቛሒ ተወሲዱ እቲ ቢሮክራሲ ዝዋቐር እንተኾይኑ፣ እቲ ቢሮክራሲ ተሓታታይነቱ ንሕጊ ዘይኮነስ “እሺ” ንዝብሎም ወገናት ይኸውን። እዚ ድማ ህሊና ዘይብሉ ቢሮክራሲን ማሕበረሰብን ክፍጠር ይገብር። ነቲ ጉዕዞ “ንዕውር ዕውር እናመርሖ …” ይገብሮ።
ካብ ቀዳማይ ክፍሊ እስካብ ሕዚ ብዝራእናዮ መሰረት ምሕደራ ፖሊሲ ህወሓት ካብ ኩሎም ንፋሺስታዊ ወይ ድማ ናብ ናይ ናዚ ስርዓት ይቀራረብ። ናዚ ማለት ብሄራዊ ሶሻሊዝም እዩ ናይ ህወሓት ግና ብሄራዊነቱ ገዲፉ ከም ቻይና ዓለም ለኻዊ ኮይኑ ፖለቲካዊ ነፃነት ዘይብሉ፣ ኢኮኖሚያዊ ነፃነቱ ግዱብ ዝኾነ ስርዓት እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ንብሄራዊ ጭቆና ተቓሊሱ፦ ብሄራዊነቱ ውሕስና ዘይብሉ፣ ነፃነቱ ድማ ዝተገደበ ኮይንዎ ኣሎ። ኣብ ቃልሲ ህዝብን ህወሓትን ሓደ ከምዘይነበሩ ሎሚ ከም ጓናታት ህዝቢ ንህወሓት “ንሳቶም” ክብል ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ህወሓት ንዝነበሮ ማሕበረሰባዊ ሃፍቲ (ካፒታል) ዓብይ ኪሳራ በፂሕዎ ከምዝርከብ ዘመልክተና እዩ። ህወሓት ካብዚ ዝወፀሉ ብሕታዊ ፍታሕን ኣብ ብሄራዊነት ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላሊዩ ዘሎ ሓደጋ ዝምክቶን ዓብላላይ፣ ዓፋናይ ኣካይድኡ ብምቕያር ጥራሕ እዩ። ናብ ትኽክለኛ ዲሞክራሲ ብምምላስ እዩ።
ወድ ሰብ ፖለቲካዊ ኣረዳድኡኡ ብዘየገድስ፣ ዝኽተሎ ሃይማኖት ብዘየገድስ፣ ከም ድላዩ ናይ ምስራሕ፣ ሃፍቲ ናይ ምውናን፣ ናይ ምዝራብ ነፃነት ሰብኣዊ መሰሉ እዩ። ብዘይ እዙይ ሰብኣዊ መሰል እዙይ ማሕበረሰብ ክዕምብብ ኣይከኣሎን።
ትግራዋይነት ይለምልም!

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።