Skip to main content

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን

1
ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።


ሓደ ግዘይ ዘጥፈአለይ ሰብ ታሪኽ ክነግረኩም እየ። ናተይ ግዘ ከመይ ከምዝጠፍአ ንምርኣይ ግን ግዘ ክተጥፍኡ እላወበኩም። ክተትርፉሉ ኢኹም።

መጀመሪያ ዝፈለጥክዎ ተምሃሮ ዩኒቨሪሲቲ እናሃለና እዩ። ገና እንትሪኦ ኣነ ዘይብለይ ኩሉ ዘለዎ ከምዝኾነ ሪአ። እንትፃወት እንትሰምዖ ከዓ ፀወታ ፈታዋይን ተዛራባይን ምዃኑ ተረዲአ። ዓርከይ ክገብሮ ወሲነ ግን ብቐሊሉ ስለዘይረኽቦ ከመይ ከምዝዓርኮ ኣይፈለጥኩን ኔረ። ከም ኣጋጣሚ ናብቲ መሕደሪ ክፍልና ንኻልኦት ኣዕሩኽቱ ክረክብ እንትመፅእ ጥራሕ ኔረ ዝረኽቦ። ደሓር ግና ቁሩብ ፀኒሕና ኣነ ዝዘናገዐሎም ቦታታት ብሙልኦም ስለዝኸዶም ኣብኡ ዕድል ከምዘለኒ ፈሊጠ።

ንምቕራቡ እውን ዝኸብድ ሰብ ኣይነበረን፤ ካብ ኣፉ ዘይፍለዮ ፍሽኽትኡን ወትሮ ትዛረቦ ክሰምዐካ ዝህበካ እዝኑ ዓርሰ ምትእምማን ክስመዐካን ነፃ ክትኾንን እዩ ዝገብረካ። ኣነ ባህርያተይ ይፈልጦ እየ። ናይ ሃይስኩል ዓርከይ እንትትፃለአኒ "ልክዕ ከም መልክዕኻ ባህርያትካ እውን ክፉእ እዩ" ኢላትኒ ኔራ። ክፉእስ ኣይኮንኩን ማትሪክ ትሑት ነጥቢ ኣምፂኣ ምውዳቓ እንትትፈልጥ ግና ኣብ ቅድሚኣ ኔረ ከይሓሰብክዎ ሰሓቐይ ሞሊቕኒ እዩ። ሰሓቓይ ኮይነ እምበር ክፉእ ኮይነ ኣይኮነን። ብናይ ፀላኢ ውድቀት ምስሓቕ በኣይ ኣይተጀመረን። ሽንኳን ፀላኢኻ ብፈታዊኻ እውን ይሰሓቕ እዩ። ሰብ ንዓርሱ ሸታሕ ኢሉ እንትወድቕ ኣይስሕቕን ካሊእ እንትኾን ግና ከብዱ ክሳብ ዝጭደድ ይስሕቕ። ክፍኣተይ ኣይረኣየንን።

ከምቲ ዝበልኩኹም እዚ መልክዑን ፀባዩን ዓርሰ እምነቱ እውን ካባይ ተፃራሪ ዝኾነ ሰብ ንኽቀርቦ ኣይከበደንን ኔሩ። መጀመርታ ነዓይ ንኸቕርበኒ ክፉት እንትኾነለይ ግዘ "ከም ቆልዓ ሪኡኒ ድዩ?" "ንዒቕኒ ድዩ ዘይሰግአኒ? ከመይ ግልፂ ይኾነለይ?" ኢለ ክጠራጠር ጀሚረ ኔረ። ኣግዚፈ ሪአዮስ ለዋህ እንትኾነለይ በቃ ይንዕቐኒ እዩ ኢለ ክሓስብ ጀሚረ። ደሓር ግና ንኹሉ ማዕረ ግልፂ እናኾነ እንትሪኦ ግዘ ክረጋጋዕ ጀሚረ።

ከምዚ ከም ለዋህነቱ ከዓ ዓሻ ኣይኮነን። ኣብቲ ካምፓስ ካብ ዝረኸብክዎም ሰባት ዝለዓለ ሓፈሻዊ ኣፍልጦን ርድኢትን ዝነበሮ ሰብ እዩ። ግን ዝኾነ ነገሩ ኣይጥዕመንን ኔሩ። ቅር ክብለኒ ዝገብረኒ ዘይሓዝክዎ ነገር ከምዘሎ ኣሚነ ክርደኦ፣ ክፈልጦ... ቆሪፀ ተላዒለ።

2
ኩሎም ሃፍትሽ እዮም ዝብልዎ። መንግስቲን ቤተ ክርስቲያንን ሃፍተማርያም ወልደዝጊ ዝበለዓብዪ ኢሎም እዮም ዝፈልጥዎ። ናይ ስሙ ምንዋሕ ሪኢኹም ናይ ገጠር ሰብ ክመስለኩም ይኽእል እዩ። ነገሩ ወዲ ከተማ ገጠር እዩ ግና ስብእንኡ ውፅእ ዝበለ እዩ። ሓንቂቑ ዝዓበየ ወዲ ከተማ - ከተማ እዩ ዝመስል። ካብ ናይ ሃገርና ደረፍቲ ንላዕሊ ንቶም ናይ ደገ ይፈልጦም፤ ንደረስቲ እውን ከምኡ።

ኣነ ሃፍትሽ ኣይብሎን፤ "ሄይ" እየ ዝብሎ። ከምኡ እዩ ዝጥዕመኒ። ብጣዕሚ ተፈታዊ ሰብ እናኾነ ብዝኸደ ቁፅሪ ካብዚ ተፈታዊነቱ እንታይ ከኽስብ ከምዝሓሰበ እናግረመለይ ውፅኢቱ ክርኢ ይፅበ ኔረ። ምንም ጠብ ትብል ነገር ኣይወለደትሉን። ዕርክነት መስሪትና ብሓደ ምኻድ እንትንጅምር ንመጀመርታ ግዘ ብህይወተይ ኣዋልድ ከምዚ ወዲ እናተመነያ ዝርባበን ምስዳድ ተሪፍወን ክፈዛ ከምዝኽእላ ሪአ። ኣብ ካምፓስ ዝረኸብክዋ ዓርኪ የብለይን። ክረምቲ ንዓደይ እንትምለስ ጥራሕ እየ ዝቐንዐኒ። በኣና ግዘ ዩኒቨርስቲ ምእታው የኽብር ኔሩ።

ንሱ ግን ንፍቕሪ ቦታ የብሉን። ስምዒት ዘይፈጠረሉ ኮይኑ ኣይኮነን። ዝሰኣኖ ዘይብሉ ግን ክንዲ ዝጥቀመለን ይርሕቐን።

"ናይ ዓርሰይ እምነት ኣለኒ፣ መትከለይ ዝኽተል ሰብ እየ" ስለዝብል በዚ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ዝኾኑ መትከላቱ ዝተልዓለ ነዋልድ ክርሕቐንን ክፀልአንን ዝገብሮ ነገር ዘሎ እዩ ዝመስል። ግን ከምዚ ዝሓረቐ፣ ኣብ ዓለምን ናይ ዓለም መቐረት ኣብ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲን ቅሬታ ሒዙ፣ ኾሪዩ ዝነብር ሰብ ከመይ ሕጉስ ክኾን ወይን ኮይኑ ክረአ ይኽእል? ስብእንኡ ብሙልኡ ናይ ሕሾት እናኾነኒ መፂኡ።

እቲ ፍሽኽታ መኸወልታ፣ መሕብኢ፣ መህደሚ... ከምዝኾነ እናቐረብክዎ ብዝኸድኩ ቁፅሪ እናተረዳእኹ ወይ እናኣመንኩ ክኸድ ጀሚረ። እዚ ኩሉ ዝፈትዎን ምስ ኩሉ ዝስሕቕን ሰብ ንኹሉ ንዕቐትን ዋላ ፅላእቲ እውን ዘለዎ ከምዝኾነ እናኣመንኩ መፂአ። እዚ ሓቂ ግን ካብ ካልኦት ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓርሱ እውን ዝተሓብኦ ናይ ምዃን ዕድሉ ሰፊሕ ስለዝኾነ ነዚ ክገሃደሉ ክገብር ከምዘለኒ ኣሚነ ቆረፅኩ።

"ንዑቕስያ ሰብ ይንዕቕ" ኮይኑዎ ንምንም ከይተጨነቐ ብዝቐረብዎ ኩሉ እናተንዓቐ እናነዓቖም ብፍሽኽታ ተቐቢሉ ብፍሽኽታ ይርሕቖም። ኣነ ካብዚኦም ሓደ ክኾን ኣይደለኹን። ነቲ ሓቂ ክቕበልን ንዓርሱ እውን ንዑቕ ከምዝኾነ ክፈልጦን እታ ናይ ሕሾት ፍሽኽትኡ ካብ ገፁ ከምትርሕቕ ክገብር እየ። ሰብ ከመይ እዚ ኹሉ ተዓዲሉ ከምዚ ደካማን ጎደሎን ይኸውን? ንተፈጥሮ ክብል ከዕርዮ እየ። ሰባት ግና ምንም ኣይመስሎምን ኩሎም ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ሕሾት ዓለም ንምንባር ዝተሰማምዑ እዮም ዝመስሉ። እዛ ብሕሾታ ዝፀልኣ ዓለም ብኡኡ ኣቢለ ክብቀላ እውን ዝኽእል እናመሰለኒ ከይዱ።

3
ቸኲለ ጌጋ ዝተዛረብኩ ይመስለኒ። ንዛ ናይ ሕሾት ዓለም ተፀዪፈ ንሰባት ክብቀል ኣነ መን ስለዝኾንኩ እዩ? እቲ ሓቂ ግና ብኣንፃሩ እዩ። ንሕና ኣብ ናይ ሕሾት ዓለም ተፀንቢርና ድሌታትና ኩሎም ክንረክብ ህሊናና ንምሕሳር ድሉዋት ኢና። ንሱ ግን ኣጉል እዩ። ወይ ንህሊንኡ ኣይነብር ወይ ከማና ክቐበጣጥር ኣይርከብ። ሰብ ንምንባር ክብል ዘይወርዶ መኸራ የለን። ኣነ ዝዓበኹሉ መንደር ነፍሰን ሸይጠን ዝናበራ ኣዋልድ ዘለዋሉ ኔሩ። ኣብዚኣ ህሊናን ሓቅን ዘለወን ዝተሓላለኸ ርክብ ክዕዘብ ህይወት ዘገደደትኒ ሰብ እየ። ቆልዑት ኮይና ምንም ኣይመስለናን ኔሩ ልቢ እናገበርኩ እናገናዘብኩ እንትኸድ ግና ብዛዕባ ዓለም ዘለኒ ርድኢት ቅርፂ ክትሕዝ፣ ኢደይ ነታ ተፍርሕ ሓቅታት ዓለም ክህብ ዝገበረኒ፣ ቁልዕነተይ ብዝኽሪ ጥራሕ ክሓስቦ፣ ከብዲ ኣብ ርእሲ ዘለዎ ዘፍርሕ ስልጣን ክቕበሎ ዝገበረኒ ኔሩ።

እምበኣር ክብቀሎ ዝደለኹ ነዛ ናይ ሕሾት ዓለም ንምርካብ ዘይኮነስ ብኣንፃሩ ነዛ ናይ ሕሾት ዓለም ዘይተፀምበራ ኢለ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ንሱ ኩሉ ዝረክብ ዝሰኣኖ ዘይብሉ እዩ። ግን ምንም ከምዘይረክብ ተስዓራይ ኮይኑ እንትነብር ኣፅሊእኒ። ንሱ ካብ መን ሒሹ እዩ ኢዱ ንዓለም ዘይህብ? ኢዱ ንዓለም ሂቡ ኩሉ ኣብ እግሩ ክሰግዱሉ ዘይገብር? ኣብ ሮም ኮይኑ ከም ሮማውያን ከይኾነ ክነብር ዝደሊ መን እዩ ንሱ? ካብ ሃይማኖተኛታት ክሳብ ዒዋሉ ይፈልጥ እየ። ሓደ "ቅኑዕ" ዝበሃል የብሎምን። ማለተይ ሓዲኦም እውን ዝኣምንዎ ወይ ዝዛረብዎ ኣይትግብሩን። ኣብዛ ናይ ምስሉይነትን ዓርሰ ፍትወትን መድረኽ ዝኾነት ዓለም ክሰግዱላን ክገላበጡላን ይውዕሉን ይሓድሩን፣ ህሊንኦም ከይኩርክሖም ኩሎም ነናይ ዓርሶም መመኽኔታታት ኣለዉዎም።

ሃይማኖተኛታት ኮይኖም ምቕታል ዝከኣለሉ ግዘ መዓዝ ከም ዝኾነ ይካትዑ። ዒዋሉ ቤተ ክርስቲያን ይሳለሙ። እዚኣ እያ ዓለምና። ነዚኣ ዘይቕበል ሕንቁቕ ዝጎደሎ ዘይብሉ ጥራሕ እዩ።

ሃፍትሽ እውን ግን ከምዚ ኣጉል ዝኾን ዘሎ ምውሳን ዝኣብዮ ዘሎ ከማና ንምስሉይነት ኣንፂፉ ምስጋድ ዝኣብዮ ዘሎ ፈራሕ፣ ጀጃዊ፣ በድባድ ስለዝኾነ እዩ እምበር ናይማን ናይ መትከል ሰብ ኮይኑ ኣይኮነን። ወይ ዝኸዶ ሃይማኖታዊ ትካል የብሉን ወይ ከዓ ብፈጣሪ ኣይኣምንን ኣይብልን። ኣጉል መትከላቱ ኣበይም ዘየብፅሕዎስ ኣብ ምንታይ ከም ዝተሠረቱ ግልፂ ኣይኮነን። እቲ ዝተርፍ ሓቂ ጀጃዊነቱ ጥራሕ እዩ።

ከማይ መልክዑ ገይፂ እንተዝኸውን ኔሩ እኮ ንምሕንቃቕን ኣብ ደውታ ቀንፈዘው እናበለ ዕለታቱ ኣይመባኸነንን ኔሩ። ከማይ ጎራድ ኣፍንጫ ፈጣጥ ዓይኒ እንተዝህቦ ኔሩ "ዓለም ዋላ ኣፍንጫ ትኽለኣኒ እምበር ጡዑማት ዕምበባታታ እናቐንጠብኩ ከጫንዮም እየ" ኢሉ ካብ ደውታ ወፂኡ ኢዱ ምስዳድ ምለመደ ኔሩ።

እምበኣር ነዚ ጀጃዊነቱ፣ ቦቕቧቕነቱ፣ ፈራሕነቱ ክቕበልን ካብ ዓለም ንታሕቲ እምበር ንላዕሊ ከምዘይኮነ ክፈልጥ ምግባር እዩ ተልእኾይ ጌረ ሒዘዮ ዝነበርኩ።


4
ኣብ ኢደይ ዘሎ እቲ ብሕታዊ መማረፂ ምሕጫጭ ከም መሣርሒ ምጥቃም እዩ ኔሩ። እዚ ምስሉይነቱ ትርጉም ዘይብሉ ተፈታዋይነት ንምርካብ እንተኾይኑ፤ ንዓርሱ ክሳብ ዘይኮነ፤ ከሕርቖን ክቃፀፆን ጀሚረ። እናሓረቐ ግን ኣይርሕቐካን። ሸለል ኢሉ ይሓልፍ። መሊሱ ንዓርሰይ ዝበኣሰ ከሕርቐኒ ጀሚሩ። ኩሉ ብኡኡ ክስሕቕ እንትገብር ንሱ ገልቢጡ ምስኡ ክስሕቑ ይገብሮም። ብዓርሱ እንትቕለድ ምንም ኣይመስሎን፤ ብፀወታ ብኻልኦት እውን ይቕልድ። ከምዚ ኣይትበሉኒ ኢሉ ዝዛረቦ ነገር የብሉን።

እተሕርቖም ሰባት ኮሪዮም ይፃልኡኻ ወይ ይርሕቑኻ። ንሱ ግን ወስ ኣይብልን። ኣብ ምስሉይነቱ እዩ ዘሎ። ፀርፊ ኣብ ሰባት ዝሰርሕ ከም ፀርፊ ዝሪእይዎ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ። ዘየሕርቖም እንተኾይኑ ብግዚኡ ዝርሳዕ እዩ ዝኸውን። ከምዚ ኣይትበሉኒ ንፃላእ ኢና ዝብሉ ሰባት ዋላ ተዘይፀረፍካዮም ኣብ ትሕቴኻ ከም ዝኾኑ ትፈልጥ ኢኻ። ኣይትበሉኒ ዝብሎ ንዘይብሉ ሰብ ግን ድላይኻ ኢልካዮ ትርጉም ኣይህበካን። ዋላ ውሽጥኻ ተቐቢልልካ ብምሕራቕ ክትቕፅለሉ ኣየኽእለካን። ሓዘኔታ ክስመዐካ ይገብሩኻ። ዝቕለደሎም ዘይኮኑስ ንዓርሶም ቀልዲ ዝኾኑ ይመስለካ። ኣብዚኦም ስምዒትኻ ምብኻንካ የጣዕሰካ። ዝበኣሰ የሕርቑኻ።

ንዓለም ሰናይ ዘይኮነት ኢሉ ዘይፅምበራ እንተደኣ ኮይኑ ልክዕ ኣብ ሓፁር ከም ዘሎ ዝበፅሐ እኽሊ ኩሉ እዩ ዝምሽቶ። ነቲ ኣብ ማእኸል ዘሎ ግና ማንም ኣይትንክፎን። ንሱ ግን ክንዲ ንዝመስልዎ፤ ብምስሉይነት ዘይኮነት ካብ ልቡ ቀሪቡ፤ መሓዙት ጌሩ ሒዙ ክንዲ ዝኽበር ዝገደደ ናብ ሓደ ጫፍ እናረሓቐ እናተነፀለ መፂኡ።

እዚ፤ ፍርሑን ደውትኡን ዓቐን ዘይብሉ፤ ሰብ ግን ንዒቐ ክገድፎ ኣይከኣልኩን። ክልተ ልቢ ኮይነ። ብሓደ ወገን ብውድቀቱ ውሽጠይ ዝረዊ ይመስለኒ ብኻሊእ ወገን ከዓ ዝቐንአሉ ዘለኹ ይመስለኒ።

ሰብ ግን ነፃ ከምዘይኾን እናፈለጠ ከመይ ክንድዙይ ክዕንቅፅ ይኽእል? ዝስመዐኒ ዘሎ ቅንኣት፣ ፅልኢት ይኹን ሓዘኔታ... ዘይፈለጥኩ ሸለል እናበልክዎ መፂአ። ካልኦት መሓዙት ኣፍሪየ "ናይ ካምፓስ ህይወት" ዝበሃል ክሪኦ ጀሚረ።

መጀመርታ ብርቂ ኮይኑና ብዝራእናዮ ቦታ ኹሉ "ሃፍትሽ፣ ሃፍትሽ..." እናበልና ነጨንቖ ነበርና ሰባት ገዲፍናዮ፤ ኩልና ነናይ ዓርስና ዓለም ፈጢርና ህይወት ንምስትምቓር እንትንፅዕር ንሱ ምስታ ምስሉይቲ ፍሽኽትኡን ብሕታዊነቱን እዛ ናይ ዩኒቨሪሲቲ ናይ መጀመርታ ዓመት ፍልጦና ዛዚምናያ።


5
ዝተረፈ ታሪኽ እዩ ይብሉ፤ ሓዱሽ ነገር ዘይብሉ፤ እቲ ዝፍለጥ ከይዲ ኣብ ዝስዕበሉ ግዘ። ሸለል ኢለዮ፤ ህልውንኡ ረሲዐዮ፤ ምንባር ለሚደዮ ኔረ። እንትምችወኒ፣ እንትረክብ ምስ ኣዕሩኽተይ ይሕጎስ፤ እንትስእን፣ እንትኸፍአኒ ምስኡ የዝግም። ንሱ ሕጉስ ይኹን ኣይኹን ረዊዩ ከምዝውዕል ርገፀኛ እየ። ካፍቲ ዝፀልኦ ምስሉይነቱ ንላዕሊ እዚ ዘይህከዮ፣ ሓዱሽ ነገር ክርኢ ዘይሃርፈሉ ግን ርዉይ ኮይኑ ዝውዕለሉ መንፈሱ ዝገደደ ክፀልኦ ጌርኒ። ሰብ እንታይ ዓይነት ስንፍናን ፈራሕነትን እንተዝፀዓኖ እዩ ከም እንስሳ ብምትንፋስን ዝረኸቦ ብምብላዕን ረዊዩ ክነብር ዝገብሮ? ዓለም ኩላ ሪእዋ ችላ ዝበላ እዩ ዝመስሎ፤ ንዓርሱ። ሕጉስ ከም ዘይኮነ ኣይርደኦን፤ ዝፈልጦ ነገር የብሉን። ናህቱ፦ ሓዘን ኮነ ታሕጓስ ዘይፈልጥ፤ ነዓይ ናይ ፈራሓት ምስሉይነት ኢለ ዝምድቦ፤ ኣካይድኡ ዝበለፀ ዝጎድኦ ዘሎ ንዓርሱ እምበር ንማንም ኣይኮነን። ኣነ መኸዲ እንትስእን መፀግዒ ክኾነኒ ስለዝገበሮ ጥራሕ ነዚ ዝፀልኦ ኣካይዳ ኣብኡ ምዃኑ ክጥቀመሉ ጌርኒ እዩ።

ፀወታ ፈላጥ ከምዝኾነ ነጊረኩም እየ። እንትህከየኒ ናብቲ ንሱ ዝርከበሉ ቦታ ከይደ ይዘናጋዕ። ተፃዋታይ እዩ፤ ፀወታ ክደሊ ኣይዘውርን እምበር።

ኣብ ፊልሚ ዝረኣዮም፣ ኣብ መፅሓፍ ዘንበቦም ነገራት ተናጊሩ ኣይውደኦን። እስካብ እዚ ብዛዕብኡ ዘለኒ ርድኢት ጀጃዊን ምስሉይን እዩ ብዝብል ዓፂየዮ ኔረ። ከምዚ ምዃኑ ንህይወቱ ክቆፃፀራ፣ ዕድል ህይወቱ ኣሜን ኢሉ ክቕበልን ኣብ ስምዒታቱ ገዚፍ ላዕለዋይነት ክውንን ጌርዎ እዩ። ንእዑ ከም ሮቦት ስምዒት ዘይብሉ ማሽን ጌረ እየ ዝገልፆ። ንሱ እውን ይቕበሎ እዩ። ከም ሮቦት ዘይደንቆ፣ ዘይገርሞ፣ ዘይሓዝን፣ ዘይሕጎስ ክኾን እዩ ትምኒቱ። ኣብ ወንበር ኮፍ ኢሉ በጥ ኢሉ ደቂሱ ከውግሓ ይከኣሎ እዩ። ምኩርኳሕ የለ ምግልባጥ የለ። እዞም ንዕድሎት ወይ ንዕጫ ህወይት ኣሜን ኢልካ ምቕባል ዘምህሩ ስቶይክ ዝበሃሉ ፈላስፋታት ክበፅሕዎ ዝደልይዎ ብርኪ ፍፅምና ዝበፅሐ እዩ ዝመስል። ናህቱ ግን ካብ ርድኢት ዘይኮነስ ካብ ፍርሒ ዝተልዓለ ከምዚ ዝገብሮ ይመስለኒ። ሓቂ ንምዝራብ ፍርሒ ዘይብሉ መን ኣሎ? ህይወት ምዕቃብ ጥራሕ እንተኾይኑ ናይ ህይወት ትርጉሙ፤ ፀገም የብሉን። ግን ህይወት ብንእስነትካ ኣስተማቒርካ ኢኻ ናብዚ ትሓልፍ እምበር ንእስነት ብኸምዚ እንትጠፍእ ምርኣይስ ዘሕዝን እዩ።

ዝኾነ ኮይኑ ናይ ተምሃራይነት ዘመን ምስ ሓለፈ፣ ህይወት ብዝግባእ እናረኣያ እንትኸይድ ክቕየር እዩ ኢለ መኸዲ እንትስእን ዝኸዶ መዘናግዒየይ ኮይኑኒ። ኣርባዕተ ዓመታት ዝገራጨው ባህርያት ሒዙ፣ ከምታ ዝኣተዋ ከይተቐየረ ወዲኡ ተፈላሊና።

ኣብ ሥራሕ ዓለም እውን ኮይነ ይረኽቦ ኔረ እየ። ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትመፅእ ሰብ ኣይነበረንን። ንእዑ ረኺበ ሓጊዙኒ እዩ። ግን በቶም ዝፀልኦም ባህርያቱ ዕርክነትና ክሰጥም ኣይከኣልን ኔሩ። ክንደየናይ ከመሓይሾን ክሕግዞን ከምዝፀዓርኩ ፈጣሪ እዩ ዝፈልጦ። ካፍቲ ናይ መጀመርታ ፅልኢን ሕርቃንን ስምዒት ናብ ሓዘኔታ ዘምዝነሉ ኣረኣእያ ሒዘ ኔረ። ኣብ ሥራሕ ዓለም እውን ኮይኑ ኣይተቐየረን። ጥራሕ ንባብ ወሲኹ እምበር ጓል ዓርኪ እኳ ኣይሓዘን። ንሰን ዝጎደሎ ከምዘሎ ደመ ነፍሰን ስለዝነግረን ከመይ ክቐርበኦ ይኽእላ? ዋላ እንተቐረበኦ ፀኒሑ ስለዝግለፀለን ይሃድመኦ እየን።

መጀመርታ ኣዲስ ኣበባ ሥራሕ እስካብ ዝረክብ፤ ምስ ረኸብኩ ከዓ ንሓደ ክልተ ዓመት፤ ብሓደ ኢና ንውዕል ዝነበርና። ደሓር ኣነ ኣፍቃሪት ምስ ሓዝኩ ንኽልተ ዓመት ተረሓሒቕና። ድሕሪ ክልተ ዓመት እንትድውለሉ ልክዕ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከም ዝደወልኩሉ ከይተቐየረ ሓደ ዓይነት ወግዕታት ተቐያዪርና ተራኺብና።

መንገዲታት ኣዲስ ኣበባ እኳ ክንደይ ተቐዪረን ንሱ ኣብ ዝገደፍክዎ ቦታ ኣሎ። ኣነ ምስታ ፍቕረይ ክንፈላለ ወሲንና ሓዱሽ መንፈስ ክፈጥር ስለዝደለኹ ኔሩ ዝተራኸብክዎ። ልክዕ ከም ዝሓሰብክዎ ፍቕሪ ቅድሚ ምጅማረይ ናብ ዝነበረ ዓለም ከመ ቅፅበት መሊሱኒ። ብዛዕባ ነዕልሎም ዝነበርና ደረስቲ ኣዕሊልና፣ መፅሓፍ ሂብኒ ተፈላሊና። ከምዚ ናብ ቀደመይ መሊሱኒ እናተራኸብና፣ እናተፃወትና እንትፀንሕ ካሊእቲ ጓል ሒዘ ገዲፈዮ። ነዚኣ እውን ምስ ገደፍወዋ መሊሰ ደዊለሉ ከም ቀደምና ነውግዕ ንዞር ጀሚርና። ከምዚ እናበልና ዝተወሰነ ዓመታት ምስ ፀናሕና ግና ካብ ሮቦታዊ ከይዲ ህይወቱ ዘውፅእ ተጓንፎ ኣጓኒፍዎ። ሰብ ኣይፍለጥን፣ ክፍለጥ ኣይከኣልን ኢለኩም ኣይነበርኩን ዶ? ንዓርሱ እውን ሓዱሽ ክዋነ እዩ ኮይንዎ ዝነበረ።


6
እቲ ኩሉ ነገር ዝጀመረ ብሰንኪ ፌስቡክ እዩ። ንዕሾኽ ብዕሾኽ ከም እተወግዶ ነዚ ሮቦት እውን ደርጓዕጓዕ ኢሉ ራዕዲ ከም ዝረኸቦ ዓብዪ መንደቕ ክዓንው ዝገበሮ ፌስቡክ ዝበሃል ናይ በይነ መርበብ ሮቦት ኔሩ። እዚ ዘይረብሕ ፌስቡክ ዝሒሉ ናብ ዝደቀሰ ልቡ ሓንቲ ጓል ሄዋን ኳሕኲሓ ክትኣትው እንተዘይገብር ኔሩ ስምዒት ከምዘለዎ ከይተፈለጠ ከም መናን ባህቲዩ ምስ ዝሑል ልቡ ክሽምግል ኔሩ እዩ። ካብ ሰፊሕ ናይ ንባብ ልምዱ ንሰባት ፅሑፋት ብፌስቡክ እንተካፍል ዘይተፀበዮ ተቐባልነት ይረክብ። ሽዑ ከምዚ ሎሚ ፌስቡክ ብፖለቲካዊ ዕሰ ኣይተዓበጠን ኔሩ። ሰብ ሓዱሽ ነገርን ፍልጠትን ዝደልየሉ ብሩህ ግዘ ኔሩ። በዚ ኣቢሉ ሃፍትሽ ከይሓሰቦ ናብ ናይ ሙሉእ ግዘ ደራሳይነት ኣቲዩ ዝተወሰነ መፃሕፍቲ ኣሕቲሙ እዩ። ኣነ እኳ ኣይፈትዎምን፤ ምስቶም ንዘራረቦም ነገራት ርክባት የብሎምን፤ ሰብ ግን ተቐቢልዎም እዩ። ኣነ እውን ሓዱሽ ሥራሕ ጀሚረ ትርፊ ግዘ ይረክብ ስለዝነበርኩ ብሓደ ምውዓል ኣብ ዝጀመርናሉ ግዘ እዩ እቲ ራዕዲ ልቢ ብፌስቡክ ኣቢሉ ዝወረዶ።

ሥርሑ ገዲፉ ደራሲ ጥራሕ ኣብ ዝኾነሉ ግዘ፣ ሥራሕቲ መፅሓፍ ክዝሕል ዝጀመረሉን ተቐባልነት ንምርካብ ጠንኪሩ ዝሠርሐሉን፤ ሰብ ከዓ ብፖለቲካዊ መፃሕፍቲ ይሰሓበሉ ዝነበረ ግዘ እዩ። በዚ ግዘ እዚ ምስ ሓንቲ ቆልዓ ብፌስቡክ ምዝርራብ ይጅምሩ እሞ ዘረባኣ እናሰሓቦ ይኸድ። ንራኸብ ተባሃሂሎም ምስ ተራኸቡ ከዓ ልቡ ካብ ቁፅፅሩ ወፃኢ ኮይና "ኣውፂእኻ ነዓዓ ተዘይሂብካኒ ከቃፅለካ እየ" ኢላ ሰላም ትኸልኦ ትጅምር። ኢዱ ሙሉእ ንሙሉእ ኣረኪቡ። ተማሪኹ። ማራኺቱ ግና ግዳያ ኣየድለያን። ፀገም ዝኾነ ከዓ እዚ እዩ።

ስምዒቱ ምስ ኣፃወተኒ ናይማኑ ይኹን ካብ ደቂ ሄዋን ተፈሊያ ገፅ ስለዝሃበቶ ብርቂ ኮይናቶ ኣይተረደአንን።

"ሓዳር ጥራሕ ትደሊ ኮይና እንተትኸውን ሓዳር ምገበርካ ዶ?" ኢለ ሓቲተዮ ዕምቆት ስምዒቱ ክፍትሽ።

"ብዘይጥርጥር" ኢሉ ብሓንቲ ቃል መሊስለይ። ተገሪመ እንትሪኦ ነዚ መልሲ እዚ ሂብኒ ገፁ ከም መርዓዊ የብርህ ኔሩ። ስምዒታዊነቱ ክሳብ ሎሚ ካብ ዝፈልጦ ሃፍተማርያም ተፃራሪ ኔሩ። ኣነ ስምዒቱ ቀቲሉ ምስ ምስሉይነቱ ሰለስተ ክንዲ ትሕቲ መሬት ክወርድ እዩ እናበልኩ ዝሓርቀሉ ዝነበርኩ ሰብ ናይ ስምዒታዊነት ወጋገን ኮይኑ እንተንፀባርቕ ኣግሪምለይ።

"እንታይ ሠሪሕኻ ተንብራ? ድዩ ዘየናብር መፅሓፍካ ተሓቊፍካ ብናታ ደሞዝ ኢኻ ክትነብር?" ኢለዮ ብመፃሕፍቱ ዝመፆ ከምዘይፈትው ስለዝፈልጥ።

"ሥራሕ ይቑፀር እምበር። ናብ ዜሮ ተመሊሰ ይጅምር። 'ኣቃፅለለይ!' እንተይላትኒ ከም ደመራ ከሚረ ንኽብራ በራዕራዕ ከብለላ እየ" ኢሉ ከም ደቅ ሰባት ዓሚዩቕ ፍቕሪ ናብ ልቡ ከም ዝኣተወ ክርኢ ጌርኒ።

እዚ ሃንደበት ዝኾነኒ ለውጢ ክወሓጠለይ ከምዘይከኣለ ነጊረዮ። "ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ እኮ ንስኻ ብዛዕባ ሓዳር ክትዛረብ ትስማዕ ኢኻ ኢሎም እንተዝወራረዱኒ ኔሮም ነፍሰይ መትሓዝኩ ኔረ! ዘይእመን ለውጢ እዩ" ኢለዮ።

ንሱ እውን ከምዝገረሞን "በቃ ካብ ናህታ የዒንቲ ወፃኢ ካሊእ ምርኣይ" ከምዘይደልይን ነጊርኒ።

ንሳ ግና ብፍቕሪ ዓይኒ ከምዘይትሪኦ ኣረጊፃ ነጊራቶ እያ። ድሕሪ ቁሩብ ግዘ ቁርፅ ኣቢላ ዓርኪ ከምዘለዋን ፍፁም ከምዘይኸውንን ነጊራቶ። ጨኒቕዎ። መፃሕፍቱ ኩሉ ክሕግዝዎ ኣይከኣሉን። ይስሕቖም ዝነበረ ናይ ፍቕሪ ደርፊታት ከብክይዎ ጀሚሮም። ኣብ ከምዚ ሓያል ስብራት ስምዒት ኮይኑ ግን ብዙሕ ክፀንሕ ከምዘይኽእል ይርደኦ ኔሩ። ወይ ምዕባድ ወይ ምጥዓይ እያ ዘላቶ መማረፂ።

"ለካ እታ ኣብ መንጎ ዓርስኻ ምቁፅፃርን ቁፅፅር ምስኣንን ዘላ ዶብ ቀጣን እያ" ኢሉኒ። ውሽጡ እናተላወሰ ጨጎርኡ ኾሪያ ግዲ ንዓቐብ ከብሎ ጀሚሩ። ካብዛ ዕለት እዚኣ ብዛዕባኣ ምሕሳብ ጠጠው ከብል ወሲኑ። መሊሱ ከምታ ናይ ቀደሙ ግኡዝ ሮቦት መሲሉ። ልቡ ከም ቀደማ በረድ ኮይና ብዛዕባ ደራስያንን ሓሳባቶምን ካብ ስምዒት ወፃኢ ኮይኑ ክዛረብ ጀሚሩ።

"ሓወይ ዝመቸዎ እዩ ተስፋ ክቐብፅ ዕድል ዘለዎ ንሕና ንምቕባፅ ግዘ የብልናን" ኢልኒ። 

Comments

Post a Comment

Popular posts from this blog

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።