Skip to main content

ነቓዓት ትግራይ

ግደይ ገብረኪዳን

ፀላኢ ዘጥፈአካ መጀመርታ ድኹም ጎንኻ ሪኡ በዚኦም ኣቢሉ ጥምረት ሰልፍኻ ብምብታን ንዓርኻ ከይትከላኸል ብምግባር እዩ። ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚቱ ብኣውርኡ እትጥቀዐሉ ድኹም ጎንታታ ፍሉጣት እዮም። ተጋሩ ፈተና ኣብ ዝመፀሉ እዋን ፀላኢ በለፀኛታት ተጠቂሙ በዞም ድኹም ጎንታት ኣቢሉ ነቓዕ ብምፍጣር ነታ ዓባይ ህድሞ ትግራይ እናፍረሳ ፀኒሑ እዩ። ነቓዕ እንትበሃል ፍልልያት ማለት ኣይኮነን። ፍልልይ ዘይብሉ ህዝቢ የለን ኮይኑ ግና እዞም ፍልልያት ህዝቢ ኣንፃር ረብሕኡ ደው ኢሉ ነስ ንሳቱ ክባላዕ ናብ ዝኽእለሉ መስመር ዘእትው እንትኾን ዘፍርስ ስለዝኾነ ነቓዕ ንብሎ። ድሌት ፀላኢ ድማ ምፍራስ ስለዝኾነ ህዝቢ ክፈልጦ ዝግባእ ፍልልያቱ መጥቀሚ ፀላኢ ከይኾኑ ምግባርን ምምካት ከምዝግበኦን እዩ።



ኣውራጃዊነት

ኣውሮፓውያን ሃገራት ዘመናዊ ብሄራዊነት ኣብ ዝምስርቱሉ ግዘ (መበል 19 ክ/ዘበን) ከምዝነበርዎ፤ ትግራይ እውን ኣብዝሓ ዘይተምሃረ ናይ ሕርሻ ማሕበረሰብ ባህሊ ወናኒት ከም ምዃና መጠን ኣውራጃዊ ፍልልያት ክተርኢ ንቡር እዩ። ኣውራጃዊነት ምስ ዘመናዊ ህንፀት ብሄራዊነት ሓቢሩ እናኸሰመ ከም ዝኸድ ፍሉጥ እዩ።
ትግራይ ግና ዘመናዊ ህንፀት ብሄራዊነት ክተዕውት ፀላእታ ኣይፈቕዱን። ነዚ ክዘርጉ ድማ ንትግራይ ብኣውራጃዊ ፍልልያት ክኸፋፍሉ ምንቅስቓሶም እንፅበዮ እዩ። ትግራይ ንመጀመሪያ ግዘ ብኣውራጃ ተኸፊላ ዝተፈላለየ መንነት ንምፍጣር ዝተሞከረ ብሚኒሊክን ጥልያንን ዝተገብረ ስምምዕ እንትኸውን ንተጋሩ ኣውራጃታት ባህረ ነጋሽ ካብ ትግራይ ነፂሎም ሓዱሽ መንነት እናሃብዎም ኔሩ ብሄራዊነት ትግራይ ናብ መበል 20 ክ/ዘመን ዝተፀንበረ። እዚ ዕዉት ኮይኑ ድማ ሎሚ ኤርትራዊ መንነት ወፂእዎ ኣሎ።
ሎሚ እውን ብተወሳኺ ንኣውራጃታት ትግራይ ብመሰረት ዘርእይዎ ፍልልይ ቅርሕንቲ እናተፈጠረ፤ ልክዕ ዕንፀይቲ ንዓርሱ ሒዝካ ከም እትስንጥቖ፤ ንተጋሩ እውን መገዛ ዓርሶም ክስንጠቑ ናይ ፅላእቲ ፋስ ትድርበየልና ኣላ እያ። ነዚ ምፍሻልን ፋስ ዝኣትዎ ነቓዕ ከይኸውን ምግባርን ድማ ግደ ምሁርን ተኸታሊ ዘመናዊ ብሄራዊነት ትግራይ ዝኾነ ወለዶ ሓላፊነት እዩ።
ኣብዚኣ ሓንቲ ኣብነት ክጠቅስ ናይ ዓድ ግራት (ዓጋመ) ኣውራጃ ሰብና ንሰ ንሳቱ ኣብ ንግዲ ከም ዝተሓጋገዝ ይፍለጥ እዩ። እዚ ንመላእ ትግራይ ኣብነታዊን ክምዕብል ዘለዎ ልምዲ ማሕበራዊ ኢንሹራንስን እዩ። ነዚ ምቅዋም ኣይከኣልን። ሰብ ህልውንኡ ንምውሓስ ብጉጅለ ክጥርነፍ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ እዩ። ኣብዚ ሰናይ ኣብነት ግና ኣሉታዊ ገፅ እንትህልዮ ክእረም ይግበኦ። ንኣብነት ናይ ዓድ ግራት ሰብ ሃፍቲ ተታሓጋጊዞም ንናይ ካሊእ ከባቢ ነጋዶ ሥራሕ ዝዕንቅፉ እንተኾይኖም ንህልውና ዝመስረትዎ ማሕበራዊ ምትሕግጋዞም ንምጥፋእ ክኾኖም እዩ። ሓደ ብሕጊ እውን ተጎጂልካ ዕዳጋ ፅልዋ ምግባር ክልኩል እዩ። ካልኣይ ከዓ ተጎጂልካ ንኻልኦት ካብ ምጉዳእ ከማኻ ሓገዝ እንተትገብረሎም ንህልውና ጉጅለኻ ዝበለፀ ዋሕስን ተፈታውነትን ክትረክብ ይገብረካ። ስለዚ ነቶም ንጥፈታትና ብዘመናዊ ዓለም ዘርከቦ ሳይንሳዊ ሜላ ርክብ ህዝቢ ተጠቂምና ፅልዋ ፈጢርና ንኹለና ዘሕጉስን ተፈታዊ ዝገብርን ተግባር ክንፍፅም ኣለና እምበር ድሑርን ምስ ግዘ ዘይኸይድ ኣካይዳ ተኸቲልና ኣንፃር ነብስና ክንኸውን ኣይግባእን። እዚ እንትብል ኣሉታዊ ጎኑ ጎሊሁ ዝረአ ኮይኑ ዘይኮነስ ግን ነቲ ምትሕግጋዞም ንኻሊእ ልምዲ ካብ ምክፋል ጀሚሩ ሓገዝ ብምግባር ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ጉጅለኻ ተፈታዋይ ምግባር ከምዝከኣል ንምግላፅ እዩ።
ብኩዕሾ እውን እንትንርኢ ንኣብነት ክለብ ከተማ መቐለ ዝኾነት መቐለ ሰብዓ እንደርታ ናይ መላእ ተጋሩ ወኪል፤ ኣብ ሓዱሽ መንእሰይ ወለዶ ከዓ ዘመናዊ ብሄራዊነት ትግራይ መስረፂት፤ ጌርካ ኣብ ክንዲ ምጥቃም ንኻልኦት ተጋሩ ዘይትውክል ጌሮም፤ ስምዒት ኣውራጃዊነት ዘጥቀዖም ወይ ድማ መጥቀሚ ክገብርዎ ዝደልዩ ግለሰባት፤ ክቐርፅዋ እንትፅዕሩ ንርኢ ኢና። ከተማ መቐለ ሃፍቲ ትግራይን ተጋሩን ዝፈሰላ፤ ናይ ትግራዋይ ብሄራዊ ብርዥዋ መደብ መቕረፂት፤ ከም ምዃና መጠን ብሄራዊ ሓላፊነት ኣለዋ። ስፖርት ከዓ ካብዚ ትግራዋይ ብሄረተኝነት መፍጠሪ ሓደ ፀጋ መቐለ እዩ።  
በዚ በለ በቲ ገዛኢ ኮነ ተቃዋሚ ውድብ ንገዛ ፖለቲካዊ ረብሕኡ እንትብል ኣብ መንጎ ህዝቢ ምክፍፋል ክፈጥር ንቡር ስለዝኾነ ዘመናዊ ህንፀት ብሄራዊነት ካብ ፖለቲካ ወፂና ብብርኪ ምፍጣር ማሕበራዊ ንቕሓት ክስረሐሉ ይግባእ። ኣብ መወዳእታ ግና ምስ ምዝማን ሓደ ማሕበረሰብ ተተሓሒዙ ኣውራጃዊነት ከም በረድ ብግዚኡ ከምዝመክኽ ርዱእ እዩ።

ሃይማኖት

ሃፀያት እዛ ሃገር ኮኑ ካልኦት ኣብ ህንፀት ሃገር ሃይማኖት ብኣውርኡ ከም መሳርሒ ይጥቀሙሉ ኔሮም እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ እውን እኒ ሰሎሞናዊ ስርወ መንግስቲ ኢና በሃልቲ ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ንህንፀት ኢትዮጵያዊነት ተጠቂሞምሉ እዮም። ሎሚ ዋላ ተማሂሮም ኢ-ኣማኒያን ዝኾኑ ተጋሩ እውን በዛ ሃይማኖታዊ ልበ ወለድ ዝኾነት ኢትዮጵያዊ መንነት ክሕበኑ ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ድሕሪ ውድቀት ስርወ መንግስቲ ዛጉዌን ምምፃእ ስርወ መንግስቲ ሸዋን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ትካላዊ ነፃነታ ተሓዲጋ መሳርሒ ፖለቲካ ሃፅያዊነት ኮይና እያ። ሃፅያውያን ኮኑ ድላዩ ዓይነት ውልቀ መላኻይ መንግስቲ ድማ ንጭቆና ዝምቸዋ ኣገዛዝኣ ኣሃዳዊ ኣገዛዝኣ እዩ። ውልቀ መላኻይ ንጉጅለኣዊ ነፃነት ልክዕ ከም ውልቀ ሰባዊ ነፃነት እዩ ዝፅየፎ፤ እንተዘየለ ውልቀ መላኻይ ኣምኾነን ኔሩ። ውልቀ መለኽቲ ሃፀያት ኣምሓራ ከዓ ኣሃዳዊ ስርዓት ምህናፅ ኣውራ ባህጎም ኔሩ። ሎሚ እውን ውልቀ መላኻይነት ባህርያት ተፈጥርኦም ዝኾኖም ፖለቲከኛታት ኣዲስ ኣበባ ብዘይ ኣሃዳዊነት ካሊእ ዝበሰለ ፖለቲካዊ ርክብ ኣይረኣዮምን።
ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ትካላዊ ነፃነታ መንዚዖም መገልገሊ ፖለቲካ ዝገበርዋ ወገናት ጉዳይ ብሄራት ዘይመፅሓፍ ቅዱሳዊ ጉዳይን ዘርኣዊነትን ጌሮም የቕርብዎ እዮም። እቲ ሓቂ ግና ክርስቶስ ብሄራዊ ዝነበረ፤ ንእስራኤል ዝበኸየን፣ ወንጌል ንኹሉ ህዝቢ ብልሳኑ ክስበኽ ዝገበረ ናይ ብዝሃነት ተቐባላይ ኔሩ። ጳውሎስ እውን ንሱ ጠፊኡ ብሄሩ ኣይሁድ ክድሕኑ ምግባር ምኸኣለ መሐጎሶ ተናጊሩ እዩ። ንኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን መሣርሒ ኣሃዳዊነት ክገብርዋ ዝደልዩ ጨወይታ ግና ካብ ጥንቲ ብነገስታት ኢድ ኣእታውነት ሎሚ ድማ ከም ማሕበረ ቅዱሳን ዝበለ ጉጅለ ብምጥያሽ  ናይ ኣሃዳዊነት ጉዳይ መፈፀሚት እንትገብርዋ ይረአ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ዝብል ስያመ ብምውራስ ንኣሃዳዊ ፖለቲካ ከም ዝምቾ ጌሮም ይጥቀሙሉ እዮም። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘዛርብ እንተኾነ እውን ግን ንኣምሓሩ ዘይምልከትን ካብ ውርሻ ተጋሩ ዝመንዝዕዎ ታሪኽ ኣካል ንምዃኑ ኣየጠራጥርን። ነዚ እውን እዩ ኣብ ስነ ልቦና ተጋሩ ኢትዮጵያ ዝብል ስያመ ፅቡቕ መእተዊ ኮይኑ ንዝሓለፉ ዘመናት እናተጠቀሙሉ ክመፁ ዘኽኣሎም።
ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኣምሓርኛ ንምስፍሕፋሕን ነገስታት ኣምሓራ ስዩመ ፈጣሪ እዮም ተባሂሎም ህዝቢ ክቕበሎም ኣብ ምግባር ዘይትካእ ግደ ተፃዊታ እያ። ሎሚ እውን ኣብ ትግራይ መዝሙር፣ ፀሎትን ስብከትን ብኣምሓርኛ እዩ። እዚ ምስቲ ዝምነይዎ ህንፀት ሃገር ከሰጉምዎ ብዝፀንሑ ኣሠራርሓ ስተወልደ ፅልዋ ስነ ልቦና እዩ።

ተጋሩ ዘመናዊ ብሄረተኝነት ማለት እውን ጥንኩር ውህደት ዘለዎ ትግራዋይ ብሄረተኝነት ንኸይፈጥሩ ብሃይማኖት ኣቢሉ መንፈሶም ምስ ኢትዮጵያዊነት ተላጊቡ ክተርፍ ፅልዋ ጌርሎም እዩ። ዘመናዊት ኢትዮጵያ ሃፀያት ምስ ጳጳሳት ተሻሪኾም ዝሰርሕዋ ሃገር እያ። ናይ ሳባን ሰሎሞንን ታሪኽ ከዓ ታሪኽ ተጋሩ እዩ። ታሪኽ ቅድመ ኣክሱማዊ ስልጣነ እዩ። ተጋሩ ነዚ ፈሊጦም መገዛ ሃይማኖቶም ኣንፃር ብሄራዊ ህልውነኦም ፀላእቲ መሳርሒ ከይገብርዎ ክዕቅብዎ ይግባእ።

ርእዮተ ዓለም

ተጋሩ ብመሪሕነት ወያነ ዘካየድዎ ቃልሲ ምስቲ ዘመን ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ዓለምን ናይ ሓርነት ተቓለስቲን ነጊሱ ብዝነበረ ፀጋማይ ወይ ሶሻሊስት ፖለቲካዊ ርእዮተ ዓለም ዝተፀልወ ኔሩ። ድሕሪ ፍልሸት ፀጋማይ ፖለቲካ ድማ ብበሊሕ ምሁራዊ ኣመራርሓ መለስ ስነ ሓሳብ ልምዓታዊ መንግስቲ (ካብ የማን ኮነ ፀጋም ዘይኮነ) ተመሪፁ ነፃ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ፈተነ ተጌሩ እዩ። እዚ ፈተነ ውፅኢታዊ ኮይኑ ከዓ ንኢትዮጵያ ብኢኮኖሚያዊ ዕቤት ተፀራሒት ክትኾን ጌርዋ እዩ። (ነዊሕ ዘዛርብ ይኹን እምበር ነዚ ሎሚ ዝበፅሖ ውድቀት ዘይዲሞክራሲያዊ ኣተገባብርኡ ነዃል ከምዝኾኖ ኣዘኪረ ክገድፎ።)
ብኻሊእ ገፅ ከዓ ናይ ሊበራላት ፖለቲካ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ መእተዊ ዓሰርተ ትሸዓንተ ቴስዓታት ኣቢሉ ተሞኪሩ ነተን ሃገራት ዝገደደ ከንቆልቁላን ዝበለፀ ፅግዕተኛ ምዕራባዊያን ክኾና ጌርወን ኣሎ። ብሽም ዲሞክራሲን ፍትሒን ሊበራል ፖለቲካ ዝሰብኩ ሰባት ነዚ ሓቂ እዚ ክፍለጥ ኣይደልይዎን። ዋላ ዕዉት ሊበራል ፖለቲካ ምህናፅ እንተተኽኣለ እቲ ዝህነፅ ኢኮኖሚ ነፃ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ዘይኮነስ ምዕራባውያን ብርዥዋ መደባት ከም ድላዮም ዝጉሕጉሕዎ ኢኮኖሚ እዩ ክኸውን፤ እቲ ነባር ህዝቢ ከዓ ኣገልጋሊኦም እዩ ክኸውን።
ልምዓታዊ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብክራይ ኣከብቲን ህዝብነት (ፖፑሊስት) ፖለቲካ ገናሕቲን ተጨዊዩ ፈሺሉ ኣሎ። ኢትዮጵያ ብዙሓት ክተተዓርቖም ዘይከኣለት ድሌታት ዘለዎም ህዝብታትን ክፋላት ሕብረተሰብን ዘለዋ ሃገር ከም ምዃና መጠን ንዝኾነ ይኹን ፕሮጀክት ልምዓትን ዲሞክራሲን ኣይትኸውንን። ወትሮ እዞም ዘይተዓረቑ ድሌታት ኣደዳ ክራይ ኣከብትን ህዝብነት ሰጎምቲን ክገብራ እዩ። ካብዚ ወፂና ነቲ ድለሌትና ክትዓርቕ ንዘይከኣለት ሃገር ዝድላዩ ርእዮተ ዓለም እንተምፃእናላ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ክተውሕስ ከምዘይትኽእል ክንፈልጦ ይግባእ።
ብኣውርኡ ድማ ናብ ትግራይ እንትንመፅእ ህዝቢ ብሰንኪ ርእዮተ ዓለም ክከፋፈል ክንፈቅድ ኣይግባእን። ከምቲ ዝራእናዮ የማናይ ኮነ ፀጋማይ ፖለቲካ ዲሞክራሲ ዘየውሕሰሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ። ብርእዮተ ዓለም ካብ ምክፍፋል ከም ተጋሩ ከሕስበና ዝግባእ፦ ነፃ ብሄራዊ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ ምርድዳእ ምፍጣርን ዝድላዩ ርእዮተ ዓለም ብዘለዎ ክፍተት ምእንታን ፍትሒ ከይጓደል ህዝቢ ማሕበረሰባዊ ንቕሓት ዝውንን ኣብ ምግባር ምስራሕ ክኸውን ይግባእ። ንትግራይ ዝረብሓ ነዚ ምግባር እዩ እምበር መምህርን ፍልስፍናን እናመረፁ ምፍልላይ ኣይኮነን።

ጉዳይ ህወሓት 

ጭቆና ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ዝኾረዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ክፍጠሩ ጌሩ እዩ። እዚኦም ክፋላት ሕብረተሰብ ብሰንኪ ህወሓት ዝስመዖም ስምዒት ንውድቀት ትግራይ ንዝሰርሑ ወገናት መጋበሪያ ከይኾን ክሓስቡሉ ይግባእ። ንሶም ዘይሓስቡሉ እንተኾይኖም ግና ህዝቢ ኣመፃፅኦኦም ፈሊጡ ንናይ ቅያመ ፖለቲካ  ብምንፃግ ከፍሽሎም ይግባእ።
ናይ ህልውና ሓደጋ ኣብ ዘንፀላለየሉ ዘመን ከም ምዃና መጠን ከዓ ነገራት ኣብ ትኽክለኛ ግዚኦም ንክፍትሑ እንተዘይገዲፍና ንፀላኢ መጥቅዒ ነጥቢ ክንህቦ ኢና። ህወሓት እውን ካብ ውልቀ መላኻይ እምነት ወፂኣ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ክተዕቢ ይግባእ። ብፍላይ ክሳብ ሎሚ ካብ ናይ ፀጋማይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣይተናገፈትን። ጥዑይ ዲሞክራሲን ልዕልነት ሕጊ ንምምፃእ ከም እትሰርሕ ዝረአ ምልክት የለን። ሎሚ እውን ህዝቢ ናይ ምንጋር ነፃነት የብሉን። እታ ውድብ ኣብ ህዝቢ ዘለዋ ተቐባልነት ካብ ግዘ ናብ ግዘ ኣዚዩ እናተጓሕጎሐ እዩ። በዚ እንተቐፂላ ንብሄራዊ ህልውና ትግራይ ክተውሕስ ኣይከኣላን። ካብ ጨቋናይ ኣገዛዝኣን ኣተሓሳስባን ክትወፅእ ኣለዋ።
ከም ተጋሩ ግን ሕመቕ ህወሓት ንህልውናና ሓደጋ ክኸውን ክንፈቅድ የብልናን። ከም ዝሰኸረ ተብኣሳይ ብዘይ ዕላማ ኢድካ ምድርባይ ንርእስኻ ኣዚሩ ዘውድቕ እዩ። ብዝተረጋገዐን ዝሑልን መንፈስ ኮይና ንህልውናና ቅድሚት ኣምፂእና ክንሓስብ ይግባእ።
ነቓዕና ንዕበስ! ኩሉ ነገር ዝኸውን ትግራይ እንትትህልው ጥራሕ እዩ! 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።