Skip to main content

ፀገማት ንኢሽተይ ከተማ

ግደይ ገብረኪዳን

መዓልቱ ናይ መሕተቲ ዘይኮነስ ደበና ሓምለ ስለ ዘግለሰ ኣብ ደገ ኮፍ ኢልካ ነፋስ እናወሰድካ፣ መንገደኛ እናቖፀርካ፣ ዶሮና እናሰተኻ፣ ብዘየስሕቕ ሪእቶ ሰባት እናሰሓቕካ፣ ንለማኖ ይርዳእኹም እናበልካ፣ ንተንቀሳቐስቲ ሸቃጦ ዘዘምፅእዎ ኣይደልን እናበልካ፣ ኣተኣናጋዲት ሞባይልካ እንትትብለካ “ፅንሒ”፣ ጋብዘኒ እንትትብል ከዓ “የብለይን” እናበልካ፣ ካብ ካልኦት ከተማታታት ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ኣዚዝኻ ዘቐመጥካዮ ብምውሳድ ዝፍለጡ ዕቡዳት ከተማና እናተኸላኸልካ፣ ክልተ ቢራ እትሰትየሉ ሳንቲም ብምሓዝካ እናመስገንካ ነተን ጠራሙዝ ኣፃዊትካ ብግዘ ገዛኻ እትኣትወሉ ዕለት እዩ ኔሩ። ካብዚ ወፃኢ ዝሓስብ ዝጠዓሞ እዩ፣ ዝመልአሉ፣ ዝኾኖ ዝሰኣነ፣ ዝፀገበ…።
እታ እንዳ መስተ ተሃኒፁ ኣብ ዘይተወደአ ህንፃ ምድራዊ ክፍሊ እያ ዘላ - ኣብ ልዕለይ ንሸቃሎ ክኾን ዝተረብረበ ናይ ቀላሚጦስ መረጋገፂ ዘለዎ ዘይተወደአ ህንፃ እናረኣኹ ክግልገል ኣይሓስቦን ኔረ፤ ግና እታ ኮፍ ዝብለላ ቦታ ካብታ ገበላ ናብ ውሽጢ እትው ኢልካ ስለ ዝኾነትን ናይ ላዕለዋይ ደብሪ ገበላ ከም ቆቢዕ ውፅእ ኢሉ ስለ ዝከላከላኸለለይ ከይሰጋእኹ ይሽጎጠላ እየ።

ገንዘብ ዘየጨንቖም መሓዙት፣ ኣብታ መንገዲ እግረኛ፣ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ እታ ጎደና፣ ምስ ቢራን ካልኦት መስተታትን ተሰዪሞምላ ብዝተጋነነ ሰሓቖምን፣ ሓለሓሊፉ ከዓ ብቕልሶም ኣድሚቖምዋ ይረኣዩ። ዘተኣናግደኒ ዘሎ መንእሰይ ገፅትኡ ንኡስ ዘምስሎ ዓይነት እዩ - ኣብ ከምዚ ከባቢ እናሰርሐ ግና ካብ ዕድምኡ ንላዕሊ ክኣርግ ኔርዎ።
ናይቲ ርብራብ ዓምዲ ዝኾነ ቀላሚጦስ ተደጊፉ ኮፍ ዝበለ ዓሚል ሰላምታ ሂበ ኣብታ በሪ ናብ ዘላ ኮፍ መበሊት እንትሓልፍ፤ “Monkey see, monkey do.” ኢሉኒ፤ ተደናጊረ እናጠመትክዎ ኮፍ እንትብል ቅፅል ኣቢሉ፤ “ረኣየን እዘን ሞተር ኣበዛዝሐአን…። ክንደይ የውፅኣ ይኾና? ክልተ ሚእቲ፣ ሰለስተ ሚእቲ - ሽሕ ? ገራሚ እኮ እዩ! ምድረ ሓሸዋ ነጋዳይን ደላልን፣ ናውቲ ሓፂን መፂንን ዕንፀይቲን ሰራሓይ ዘበለት ኩላ ገንዘብ ትብትን ኣላ” ኢሉ ስሒቑ…። ቅድም ሕዚ እውን ይሪኦ እየ ኔረ፤ ምዝራብ እንተጀሚሩ ጠጠው ኣየብልን፣ ካብ ኢዱ መፅሓፍ ኣይፍለዮን። ንሰባት ብዙሕ ኣየዛርብን - ነዓይ ግና ብዝረኣየኒ ቁፅሪ የዛርበኒ እሞ ስለ ዝሰማዕኽዎ የመስግነኒ። እቲ ገፀይስ ከም መስትያት እዩ ግዲ ተንኮለኛ እንትሪአኒ - ተንኮለኛ ይመስሎ፤ ለዋህ እንትሪአኒ - ለዋህ ይመስሎ፤ ለባም እንትሪአኒ - ለባም ይመስሎ። ዝፈትዉኒ ይፈትዉኒ፤ ዝፀልኡኒ ይፀልኡኒ - ግዲ ኣይህበንን።
“ንምንታይ ይመስለካ ሞተር ዝገዝኡ - እንትገዝኡ ሪኦም እኮ እዩ፤ Monkey see, monkey do.” ሕዚ እታ ብሂል ተረዲኣትኒ። ኣህባይ ንኣሽሓት ትውልድታት ዘይገብርዎ ዝነበሩ ነገር ሃንደበት፣ ብዘይፍለጥ ምኽንያት፣ ሓንቲ ህበይ ምግባር እንተጀሚራቶ፣ ኩሎም ኣህባይ ይኽተልዋ - ነዚኣ ታሪኽ ዝነገረና ናይ ባይሎጂ መምህር ውን ኣቢሉኒ።
ሓደ ገጅፍ ሰብነት ዘለዎ - ነዊሕ፣ ረጒድ መንእሰይ፣ ኣብቲ ፀግዒ መንገዲ ዝሰትዩ መሓዙቱ እናተሰናበተ፣ ካብተን ዝተደርደራ ሞተራት ናብ ሓዲኣ ደዪቡ (ደዪቡ ካብ ምባል ፀቒጡ ምባል ይሕሽ - ፈረስ እንተትኾን ምተገምየት ኔራ) ሞተር ከልዕል ከሳዕስዓ ጀሚሩ።
“ረኣዮ እማ ክንድ ግዛዕ ዝኾን ሰብኣይ ነዚኣ ሞተር ክገዝእ ኔርዎ ዶ? ፃዕዳ ሸሚዝን ሱፍ ስረን ጌርካስ ሞተር - ኣዬ ዓለም ‘ሙድ ነዓና ገንዘብ ነዓዓቶም ሂብካ…’ ይብል ኔሩ ገሬ ብላሽ” ኢሉ ኣብታ ኮፍ ዝበለላ ብድሕሪት ወንበሩ ናብ ዘላ ዓምዲ ቀላሚጦስ መሊሱ ድግፍ ኢሉዋ። ነታ ኣግድም ድግፍ እንትብላ ንቲ ዝተሸከመቶ ናይ ቀላሚጦስ ርብራብ ነዘይ ነዘይ ኣቢልዎ። እዛ ቀላሚጦስ ቃሕ ኣይበለትንን ኔራ፤ ግና እቲ ተንከሲስ ኣተኣናጋዳይ፣ ነዘይ ነዘይ ብዝበለት ቁፅሪ፣ ልክዕ ጎል ክትኣቲ ክትብል ካብ ክሳዶም እናተወጠጡ ከም ዝሪኡ እናተወጠጠ እንትሪኦ እንታይ ሓሲቡ እዩ ኢለ ኣነ እውን ፀጥ ኢለ ንቲ ኣተኣናጋዳይ ከፅንዕ ጀሚረ - ፀሓፋይ ስለ ዝኾንኩ ዝፅሕፎ ነገር እንተወፆ ኢለ…።
ከጠንቅቖ ዶ እናበልኩ እንተመንትእ “ክላሲካል ምስማዕ ጀሚረ ኣለኹ” ኢሉ ካብ ውሽጣዊ ዛዕባታተይ ኣውፂእኒ፤ “ዝገርም እዩ በቃ ከም ኣጋጣሚ ፅቡቕ ነፃ ዋይፋይ ረኺበ እየ ፓይሬት ቤይ እንትጉርጉር ዝረኸብክዎ ‘እስኪ ዳውንሎድ ጌረ ክሰምዖ’ ኢለ እንተሰማዕኽዎስ ብጣዕሚ ዘሕጉስ ኮይኑ ረኺበዮ - እዚ እኒ ሞዛርት፣ ቤትሆቨን… ቅድሚ ዳርጋ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ዝፀሓፍዎ ቅንብር እዩ - ክሳብ ሎሚ ክንደይ ወለዶን ዶብን እናተሳገረ ሰባት የገርም ኣሎ። ንሕና ግና ኣይንፈልጦን - ሽሞም እንትበሃል ጥራሕ ኢና ንሰምዖ እምበር ካሊእ ዘፍልጠና የለንያ። አባና ከምዚ ዝሰርሕ ሰብ ንምንታይ ኢና ዘየፍረና? ‘ቅዱስ ያሬድ ኣሎ’ ከይትብለኒ ከዓ፤ በቃ ንሱ ዘቀናበሮ ንብረት ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ሃይማኖታዊ ግልጋሎት ይህብ ኣሎ - ‘ካብኡ ወፃኢ ዕምቆት ዘለዎ ሙዚቃ ዘቀናብር ንምንታይ ጠፊኡ?’ ኢልና ክንሓትት ኣለና። ያሬድ ቅድሚ ሽሕን ሓሙሽ ሚእቲን ዓመታት ኣብ ዓብዪ ብርኪ ከም ዝበፅሐ እንተኣሚንና ከዓ - ሕማምና ኣግደድና እምበር ኣየቕለልናን - ድሕሪ ያሬድ ካሊእ ያሬድ ዘይምፍራይና ዝገደደ ከተሓሳስበና ይግባእ። ካብ ስልጣነ ተፋቲሕና ኢናያ። ዕምቆትና ስኢንናዮ ኢና ሓወዋ። ግና ይቕሬታ ግበረለይ ይርብሸካ ከይህልው? ሎሚ እኮ ዝሰምዐካ ሰብ ምርካብ እውን ብርቂ ኮይኑ እዩ ዘሎ። ወግዐይ ተደቢርካ ግና ከፀግመልካ ኣይደልን…”
ቅድሚ መልሲ ምሃበይ “ኣይ…” ካብ ምባለይ ቅብል ኣቢሉ ወግዑ ቀፂልሉ።
“ናይ ሎሚ ደርፊ ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዶ ትስማዕ እያ? ኣይትስማዕን። ከዓ እታ ባህላዊ ህርመት ከበሮ ኣላ በቃ ኩሉ ደርፍና በኣኣ ዝተሓፅረ ኮይኑ።  ‘ድድም ድድም’ ኮይንዋ፣ ካብኣ ወፃኢ ስምዒት ዝግለፀሉ ሙዚቃዊ ቋንቋ የብልናን። ሓደ ግዘ ናይ እንግሊዘኛ ደርፍታት በቲ ናይ ትግርኛ ህርመት ጥራሕ እንተዝድረፉ ኢለ ነቶም ግጥምታት ብትግርኛ ባህላዊ ዜማ ክብሎም እናሞከርኩ ንዓርሰይ የስሕቕ ኔረ - ሞክሮ እስኪ.. ሃሃሃ… ኣየስሕቕን? ሃሃሃ…።
“ኣእምሮኣዊ ናይ ፈጠራ ራእይና፣ ቅጀላና፣ ክእሰር ዝጅምር ካብዚ እዩ። ተኣስረ መንፈስ ከዓ ሓድሽ ነገር ኣይወፆን። እቲ ሰብና መቐረት ዘይፈልጥ፣ ላዛ ዘይብሉ ደጋማይ ኮይኑ ተሪፉ። ኣብ ኩሉ ነገር ‘ቴስት’ የብሉን። ጣዕሚ ኣይፈልጥን። ሓድሽ ነገር ምሕሳብ ኣብ ኩሉ ነገር ዝተስኣኖ ኮይኑ ኣሎ። ረአያ እዚኣ ጎደና ሓዳሽ እያ ሓደሽቲ ህንፃታት ይስርሑላ ኣለዉ፣ ግና ረኣያ ወዲያው ናብ ናይ እንዳ መስተ ጎደና ተቐዪራ ኣላ፤ ካሊእ ነገር ክሓስቡ ኣይኽእሉንያ። ሰሪቖም ዝረኽብዎ ገንዘብ ኣበይ ከም ዘውዕልዎ ስለ ዘይፈልጡ እንዳ መስተ ተደርዲሮም ይውዕሉ ኣለዉ። ዘተሓሳስቦም ሓድሽ ናይ ፈጠራ ስራሕ የለንያ። ጋህዲ ክገብርዎ ዝደልይዎ ውሽጣዊ ባህጊ የብሎምን፤ ጁበኦም ሓቢጡ - በቃ ነገር ተዛዚማ። ተጓዪኻ ትሰርቕ፣ ኣብ ጎደና ኮፍ ኢልካ ትሰቲ። ኩሉ እዚ ኣብዚ ዘሎ ሌባ እዩ - ዘይሰረቐ እውን ሌባ እዩ። ሰራቕን ናይ ስርቂ ፅግዕተኛን እዩ።
“በቲ ኒየ ገፅ ከይድካ ትፈልጥ ዶ? እንዳ ጂ ፕላስ ገዛውቲ እዩ። ካብዞም ገዛውቲ ቃሕ ዝብል ካብ ክንደይ ሓደ ኢኻ እትርኢ። ሓደ ሰለስተ ደብሪ ዝበፅሕ ገዛ፣ በቲ ናይ ደገ ዋና መእተዪ በሩ ፊት ንፊት ኣብ ዘሎ መንደቑ፣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝበፅሕ ናይ ሊሾ ልስን ምስሊ ሓውልቲ ኣኽሱም ንምስኣል ተሞኪርሉ ኔሩ - ፀገሙ ግና ሓውልቲ ኣኽሱም ዘይኮነስ ናብ ታሕታይ ገፁ ዘንጋሕጠጠ ናብ ላዕሊ ገፁ ፀቢብ ዝኾነ መሳልል እዩ ዝመስል፤ እታ ናይ ሓውልቲ ኣኽሱም ርእሲ ኣብ ጫፍ ዘይምተወሰኸት ትርጉም ኣይምሃለዎን ኔሩ - ማንም ኣይምተረደኦን ኔሩ - ክንድ እዚ ዝኣክል ገዛ ሒዝካስ ስእሊ ዝለማመድ ወድ ሓሙሽተ ዓመት ዝጫሕገሮ ዝመስል ንድፊ ኣብ መንደቕካ ብዓብዩ ጌርካሉ መዓልቲ፣ መዓልቲ እንትትሪኦ ዘየፅለአካ እንተኾይኑ ሕማም እዩ ሃሃሃ… ። እዚኦም እዮም ኢሊታትና … ሃሃሃ።
“እቶም ቅድም ኣቢሎም ዝተሰርሑ ጥራሕ እዮም ምስቲ ቦታ ዝኸድ ምቁር ንድፊ ዘለዎም፤ ናይ ካልኦቶም ዝንገር የብሉን … እቶም ናይ ቀደም ዝተምሃሩ፣ ብስል ዝበሉ ሰባት ኔሮም፤ እቶም ናይ ሎሚ ግና ርእሲ ዘይብሎም፣ ዘይተመሃሩ፣ ብኣቋራፂ መንገዲ ዝሃፍተሙ፣ ኣብ ባህላዊ ሬስቱራንት ስጋ ምብላዕን ወይኒ ምስ ኣልኮሆል ሓዋዊስካ ምስታይን ጥራሕ ዝፈልጡ ርእሲ ስብሒ እዮም - ወይኒ ምስ ኣልኮሆል ምሕዋስ - ክሰኽሩ እንተደሊዮም ሓደ ኣፊቱ ኣልኮሆል ዘይሰትዩ? ኣጠዓዓምቲ ወይኒ ነዚ ምረኣዩ ምዓበዱ ኔሮም - የብልናን እቲ ካልቸር - ብዙሕ እዩ ዝተርፈና።”
ንሱ ብዛዕባ ኢሊታትና እናሓሰበ እናተወዝወዘ እንትዛረብ እቲ ከይሲ ኣተኣናጋዲ ብሃቀውታ ይሪኦ ኔሩ፤ ኣነ ከዓ ናይማን እዚ ቆልዓ ኣፅቂጡ ክሪኦ ድዩ እናበልኩ ነቲ ኣተኣናጋዲ ይዕዘብ።
“በቶም እንዳ ጂ ፕላሳት እንትሓልፍ እንታይ ከም ዝብል ክነግረካ፡ ‘ኣየናይ ገዛ ይኾን ብዝቃፀል ትራንስፎርመር ዝተለወጠ? ኣየናይ ይኾን ብእግረኛ መንገዲ ተለዊጡ ዝተሰርሐ? ኣየናይ ይኾን ማይ ብዘይሕዝ ግድብ ዝተለወጠ? ብዝፍንድእ ትቦ ማይ ዝተለወጠ? ኣየናይ ይኾን ነቲ ቴሌቪዥን ጣብያ ዌብሳይት ተባሂሉ ብዝወፀ ሓደ ሚሊዮን ብር ዝተሰርሐ? ክንደይ ዘይሰማዕናዮ ዝተጓሓለ በጀት መንግስቲ ይኾን ናብዞም ገዛውቲ ዝተቐየረ?’ ይብል። ለያቡ ነጋዶ እውን ኣለዉ፤ እዚኣቶም ጫማይ ዝበጣጥሰለይ ፌክ ቀለም ጫማ ዘምፅኡ፣ ሽዱሽተ ወርሒ ዘየገልግል ድስቲ ዘከፋፍሉ፣ በቃ ኩሉ ሌባ እዩ - second rate ኣቑሑት እናምፅኡ ነዛ ከተማ second rate ጌሮማ - ፌክ መድሓኒት ዘምፅኡ እውን እኮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ገዛ ይነብሩ ይኾኑ?  
“ህዝበይ ካብ ድኽነት ዘምለጠት ስለዝኾነት ብቑልዕነታ ዝሰኣነቶ ነገር ጥራሕ እዩ ዘሕጉሳ - ጥዑም ምብላዕ፣ ምስታይ፣ ወሲብ፣ ጥዑም ምኽዳን፣ መዕቀሊ ምርካብ ሃሃሃ…። እዚኦም እኮ ኣብቶም ዝሓለፈሎም ዓድታት መሰረታዊ ድሌት እዮም እምበር ዝመቸዎ ጥራሕ ዝሕጎሰሎም ኣይኮኑን - ኣይ ዘይምዕዳልና። ምብላዕ፣ ወሲብ ወዘተ. ኣየሕጉስን ማለተይ ኣይኮነን ግና በዚ ክንሕፀር ኣይምተገበአን፤ ሰብኣዊነትና ክዕምብብ ቦታ ክወሃቦ ኔርዎ - ምዕሩግ ቤት ንባብ ኣበይ ኣለና? ቀዋሚ ቲያትር ዝረኣየሉ ቤት ተውኔት ኣበይ ኣለና? መናፈሲ ፓርክ ኣበይ ኣለና? ንዝደሊ ሰብ ግልጋሎት ዝህቡ ስፖርታዊ መዘናግዒታት ከም ቴኒስ፣ ጎልፍ፣ ፈረስ መጋለቢ ወዘተ ኣለና ዶ? ሓንቲ ምዕርግቲ ጎደናን ኣደባባይን እኮ እዩ ዘይብልና! እዚስ ግደፎ ጥንክር ዝበለ ሓሳብ እንካፈለሉ ናይ ሕትመት ኮነ ካሊእ መድረኽ ኣለና ዶ? ኩሉ ደኣ ተተሓሒዙ ይደናቖረለይ ኣሎ። እዚ ህዝቢ ካብ ምዕራባውያን ሐሕማቑ ጥራሕ እዩ ዝወስድ ዘሎ እምበር፣ እቲ ዝረቐቐ፣ ዕምቆት ዝሓትት ገፆም ኣይፈልጦን። ካብ መሰረታዊ ድሌታት ሓፍ ክንብል ኣለና እኮ - ግና በበይ? ቦታ ኣይተውሃቦን፤ ክወሃቦ እውን ዝተደልየ ኣይመስልን - ዕቤት ከዓ ጁባ ብምሕባጥ ጥራሕ ኣይርከብን - እንተተረኽበ እውን ኣይተረኽበን - ክዕቅቦ ዝኽእል ማሕበረሰባዊ ማእገር የለንያ።
“ስርቂ በዚሑ ይበሃል ኣሎ - ዘይረብሑ ኢሊታት ዘለውዎ፤ ኣደንቊሮም ዝገዝኡ መራሕትን ዝደንቆሩ ለያቡ ሰብ ሃፍትን ዘለውዎ ህዝቢ ስርቂ እንተበዝሖ ዘገርም ኣይኸውንን። ንድኻ እኮ እትሓልየሉ ንዓርሱ ኢልካ ዘይኮነስ ንህልውና እቲ ሕብረተሰብ ጠንቂ ከይኾን - ንዓርስኻ ኢልካ እዩ፤ ናትና ኢሊታት ግና እዚ ዝርድኡሉ ርእሲ የብሎምን። ኣብኣቶም በፂሑ ክውሕጦም እንትብል፣ እቲ ፀገም ክርደኦም እዩ።
“እቲ ሰብ እኮ ተውህቦ ከም ዘለዎ የፍልጥ እዩ፤ ብደቐቕቲ ነገራት ኢኻ እትዕዘቦ - ፅብቕቲ ወንበር እንትሰርሕ ትሪኦ - ግና ናይ ከባቢኡ እሱር ስለ ዝኾነ ኣበይም ኣይበፅሕን - ንሱ እውን ከም ህዝቡ ቀልጢፉ ገንዘብ ዝረኽበሉ ሓፂር መንገዲ ይደሊ ስለ ዘሎ ተውህብኡ ኣየድህበሉን። ተውህቦ ምውፃእ፣ ፅባቐ ምፍታው፣ ሰናይነት … እዚኣቶም ክገሃዱ፣ ክዕብልሉ፣ ዕድል ክወሃቦም ኣለዎ፣ መድረኽ ክፍጠረሎም ኣለዎ። ኩላ ጁበኣ ክተሕብጥ እያ ትጎዪ ዘላ። እንተወሓደ ግና እቶም ሸቂሎም ገንዘብ ክረኽቡ ዝጎዩ ካብቶም ንምህፍታም ኢሎም ናብ ፖለቲካ ዝኣትዉ ብኽንደይ ዕፅፊ ይሕሹ።
“ፖለቲካዊ ኮነ ቁጠባዊ ኢሊታትና እምበኣር ከምዚኣ ጥርሖም ዝተረፉ፣ ብመሰረታዊ ነገራት ዝሕጎሱ ምስኪናት እዮም። ነዚ እኮ እዮም ኣውራጃውያን ዝኾኑ - ርእሲ የላን፣ ሰብኣዊነቶም ኣይፈለጡን፣ ዋላ ብሄራዊ ንቕሓት እውን የብሎምን - መንነቶም ዘይፈለጡ ዶ ሰብኣዊ መዓርጎም ክግለፀሎም ኮይኑ? ገና ኣብ ታሕቲ አብቲ መሰረታዊ ድሌት ኣብ ምጉያይ እዮም ዘለዉ። ምብላዕ፣ ምስታይ፣ ብውሽማ ምፅላእ። ዘሕዝነካ ግና ዋላ ናይዞም ፖለቲከኛታት ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ እውን ንዓርሶም ዝወረዱ ኣውራጃውያን፣ ቁሸታውያን እዮም - እቲ ስርዓት ነዓዓቶም እውን ኣደንቊሩ እዩ ዘዕበዮም። ምንም እኮ እዩ ኩሎም ካብቲ ተራ ሰብ ዘይፍለዩ - ፈረንጂ ብማይካ ዝለጋገባ ሓዳሽ ሞዴል መኪና ምሓዞም ከየጋግየካ። መኪና ይሓዙ እምበር፣ መንፈሳዊ፣ ስብእናዊ ዕብየቶም ካብቲ ጋሪ ዝሓዘ ምንም ኣይፍለይን። መለክዒ ዘመናዊነት እዩ ኢሎም ዝሓስብዎም ሕሳር ነገራት ካብ ምእካብ ወፃኢ ካሊእ ኣፍልጦ የብሎምን - መራገፊ ሸቐጥ ፈረንጂ እዮም። ብውሽማ እናተታኾሱ ዝሓድሩ ሰበ ስልጣናትን ሃፋትምን።
 “ድኻ ዝዝከሮም ዘጣቕዐሎም እንተድልዮም ጥራሕ እዩ። ብርግፅ በዚ ሓደጋ ዝዓሰሎ ግዘ ከምዚ ምባል ነውሪ ክመስል ይኽእል፣ እንተደለኻ ይምሰልካ፣ ኣብዛ ሓፃር ህይወተይ ካብ ሓደጋ ነፃ ዝኾነ እዋን ኣሕሊፈ ኣይፈልጥን። ሓደ ሓደ ግዘስ ኮነ ተባሂሉ ዝግበር እውን እዩ ዝመስለኒ። ሓድሽ ነገር ዘይብሎም ፖለቲከኛታት ወትሮ ነቲ ሰብ ብጭንቅን ስግኣትን ወጢሮም ካብ ምሓዝ ወፃኢ ካሊእ ናይ ኣገዛዝኣ ኣማራፂ የብሎምን። ድሑር ህዝብታት ወትሮ ካብ ድሕረቶም ከይወፁ ኣብ መፃብብ ሓደጋ ኣቲዮም እዮም ዝነብሩ። ‘ኣብ ዘተሓሳስብ ግዘ ስለ ዘለና ሓድነትና ነስጥም’ ይብለካ፤ ካብኡ ከዓ ካሊእ ተቐቢሉ ‘ምእንተ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ’ ይብል። ኣነ ዝብሎ ግና እዚ ቅቡል ዝኾን፣ ሓደ ሰብ ንብዙሃን ኢሉ መስዋእቲ ክኸፍል ከም ዝድለ ዘሎ፣ ብዙሃን እውን ንሓደ ኢሎም መስዋእቲ ዝኸፍሉ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ። ‘ኩሉ ንሓደ - ሓደ ንኹሉ’ እዩ እምበር፣ ‘ሓደ ንኹሉ’ ጥራሕ ኣይኮነን። ምትሕስሳብ ብኽልቲኡ ወገን ዝበልሐ ሴፍ እዩ። ሓደ ሰብ ንኹሉ ክነብር እንተኾይኑ ኩሉ እውን ብወገኑ ነቲ ሓደ ሰብ ክነብር ኣለዎ። ከምዚኣ እንተዘይኮይና ናይ ብዙሃን መላኻይነት እያ እትነግስ። ምልኪ ኣብ ዘለዎ ከዓ ተሰዋኣይነት ዓብዪ ግርሂ ዝሓትት ይኾን።
“ይርደአካ ኣሎ ዶ ዝብሎ? ፀሓፊ እየ ኢልካኒ ኔርካ ሓቀይ ዶ? ዓይኒ እንተሃሊይዎ ፀሓፋይ ዋላ ኣብ በረኻ እውን ኮይኑ ዝፅሕፎ ኣይስእንን። ሕዚ ኣነ ናይ ሞዛርትን ቤትሆቨንን ቅንብር ሰሚዐ ኣለኹ - ዝገርመካ ሞዛርት ህድእ ክትብል፣ ሰላም ክስመዐካ፣ ቁሩብ ሓዘን እውን ክስመዐካ እዩ ዝገብረካ፤ ቤትሆቨን ከዓ ክትራሰን፣ ቶሎ ቶሎ ክትትፍንስ ስምዒታዊ ክትኾን ….” ከምዚኣ እናተዛረበ ቤትሆቨን ዝፈጠረሉ ስምዒት ንምግላፅ ደረቱ ንፍሕ ኣቢሉ፣ ዝባኑ ቀጥ ኣቢሉ፣ ትንፋሹ ናብ ደረቱ እናሰሓበ እንትገልፆ እታ ነዘይ ነዘይ የብላ ዝነበረት ቀላሚጦስ ብድሕሪቱ ወዲቓ ተሰንብዶ። ተላዒሉ ክጎዪ እንትብል፣ በቲ ኣብቲ ዘይረብሕ መንገዲ እግረኛ ዝተነፅፈ እምኒ ተዓንቂፉ፣ ብደረቱ ወዲቑ።
በርደግ ኢለ እናልዐልኩ “ህበይ ‘ንቐደም መቐመጫይ’ ኢላ ኔራ” ኢለዮ፤ እዚኣ ትምህርቲ ከም እትኾኖ ተስፋ እገብር፤ መዓንኮሩ ኮፍ ዘብለሉ ቦታ ምምራፅ ዘይከኣለ ከዓ ይፈላሰፈለይ ኣሎ። እቲ ኣተኣናጋዲ ግና ተጎንቢሑ ከብዱ ሒዙ ይስሕቕ ኔሩ፤ ካብ ዝተፀበዮ ንላዕሊ ኮይኑ ዘዕገቦ ይመስል። 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።