Skip to main content

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን
… (1) …
ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ።
ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

“ብዘይ ኢኮኖሚያዊ ነፃነት ፖለቲካዊ ነፃነት እውን ኣይርከብን - ዋላ ማርክስ እውን ኢኮኖሚያዊ ርክባት ንማሕበረሰብ ከም ዝቐርፅ ይኣምን እዩ” ኢሉ ግርማይ ሓጎስ።
“ሃይማኖታዊ መንግስቲ እንተዘይኮይኑ ሶሻሊዝም እማ ሃገራት እንተፍርስ ሪእናዮ ኢና፤ ካፒታሊዝም እውን ናይ ሃፋትም ጥቕሚ ጥራሕ እዩ ዝሕልው ዘሎ” ኢሉ ሕሉፍ ኣረጋይ።
እዚኦም ኣዕሩኽተይ እዮም። ኩሎም ከምዚ ብርድኢቶም ጥራሕ ንዝቐረፅዎ ስርዓት ሽንጦም ገቲሮም እንትካትዑ ኔረ ዝበፃሕኹ። ሓቂ ንምዝራብ ከምዚ ዝበሉ ክትዓት ኣይስሕቡንን - ግና ካብ በይንኻ ምዃን ይሕሸኒ። እቲ ዝኸድኩሉ ካፌ ብሓድሽ መልክዑ ስራሕ ክጅምር እናተፀገነ እዩ ቀኒዩ። እንትኽፈት ካብቲ ዝነበሮ ዝገደደ ሓሚቑ። ፅቡቕ ኣቀማምጣ ወንበራት ኔርዎ። ምስቶም ኣብ መንጎ ወንበራት ክቦቕሉ ዝተፈቐደሎም ዕምበባታትን ሃረጋትን እዛ ንኢሽተይ ገበላ ንተኣንገድቲ ከም ገፊሕ መናፈሻ ግላዊነት ትህብ ኔራ። ሕዚ ግና እቶም ተኽሊታት ተወጊዶም እቱ ምድሪ ገበላ ንታሕቲ ምስቲ እግረኛ መንገዲ ማዕረ ፀፍሒ ክሳብ ዝኾን ብምኹዓት ነቲ ጉድጉድ ዝበለ ክፋል እዚ ገበላ ዙሪኡ ከም መደብ ኮፍ መበሊ ተደምዲምሉ ካብ ግላዊነት ናብ ማሕበርተኝነት ዝፅጋዕ ኣቀማምጣ ተዋሂብዎ ኣሎ። ንሕና ምስቲ በሪ ማዕረ ኣብ ዘሎን ዘይተኹዓተ ክፋል እቲ ገበላ ኢና ኮፍ ኢልና ዘለና። ንጎኒ ናብቲ ዝተኹዓተ ክፋል ካብ ክልተ ኣናእሽቱ ወንበራት ንላዕሊ ኮፍ ኣየብልን፣ ንቕድሚትን ድሕሪትን ከዓ ንውሓቱ ምስቲ ንውሓት ካፌ ማዕረ እዩ።
በቲ ክትዖም ካብ ምጥሓሎም ዝተልዓለ ነቲ ምምፀአይ ቁም ነገር ዝሃብዎ ኣይመሰለንን - ንሶም እውን በይንና ካብ ንኾን ከምዚ ሃተፍተፍ ምባል ይሕሸና ኢሎም ድዮም ዝመፁ? ሃንደበት ሓሳበይ ሂበ ንሃለዋተይ ኣፍልጦ ክህቡ ክገብሮም ደሊየ እናመንታእኹ ምስማዕ ቀፂለ።
ኪዳነ በርሀ ካብ ኩሎም ብሃይማኖት ዝጠራጠር እዩ። ሃይማኖታዊ መንግስቲ እንትበሃል ካብ ኩሎም ንላዕለሊ ንሱ ከም ዝራሰን እናተረደአኒ ኔሩ። ከም ዝጠርጠርክዎ ከዓ ንሱ እዩ ዝመለሰ።
“ሃይማኖታዊ መንግስቲ ንሰባት ነፃነት ክህብ ኣይከኣሎን፤ ሃይማኖት ምስ ፖለቲካ ተሓዊሱ ንሓደ ሽሕ ዓመት ንዓለም ናብ መዓሙቕ ፀልማት ዘእተዋ እዩ” ኢሉ። ሎሚ ኩሉ እዩ ፖለቲከኛ ኮይኑ ዘሎ።
“ሶሻሊዝም እንትበሃል ከዓ ግድን ማርክስ ወይ ሌኒን ክናሓስብ የብልናን። ሰብ ማሕበራዊ ፍጡር እዩ፤ ብዛዕባ ማሕበራዊነትን ኣንፃር ግላዊ ዓርሰ ፍትወትን ንምዝራብ ዝኣክል እዩ” ኢሉ ኣስረስ ሃይሉ ንኪዳነ ብግዲኡ ሓጊዝዎ። ኣስረስን ኪዳነን ቅጥነቶም ልክዕ ከምቶም ስልጣን ዘይሓዙ ሶሻሊስታት እዮም።
“ሃይማኖታዊ እውን እንትበሃል ግድን ዕቤትን ምርምርን ይኽልክሉ ከም ዝነበሩ ዝሓለፉ መንግስትታት ኣይኮነን” ኢሉ ሕሉፍ እውን ንዓርሱ ነፃ ከውፅእ። ሕሉፍ እውን ስልጣን ከም ዘይተውሃቡ ኣቕሽሽቲ ቀጢን እዩ።
ኩሎም በብውልቃዊ ኣረዳድኦኦም ይዕንድሩ ከም ዘለዉ ተረዲእኒ “ሓደ ፈላስፋ እንታይ ኢሉ መሲልኩም” ኢለ ዘረባይ እንትጅምር ምስኦም እናተኻታዕኹ ከም ዝፀናሕኹ ንሰላምታ ከይሓሰቡሉ ክሰምዑኒ ናባይ ገፆም ኣዚሮም፤ ወዲያው ርስነት ክትዖም ኣበይ ከም ዝበፅሐ ተረዲኡኒ፤ “‘መጀመርታ ረቛሒኻ ንገረኒ እሞ ካብኡ ንቕፅል ኢናʼ ኢሉ ኔሩ” ኢለዮም።
መልሲ ከይሃቡ ብፀጥታ እንትፅበዩ “ማለት?” ዝብል ሕቶ ካብ የዒንቶም ኣንቢበ ዘረባይ ቀፂለ።
“ብዛዕባ ሓደ ነገር ቅድሚ ናብ ዘተ ምእታውና እቲ ነገር ብንፁር እንታይ ማለት ከም ዝኾነ፤ መጀመርትኡን መወዳእትኡን፤ ክልሉ፤ ክንንፅሮ ኣለና። እንተዘይኮይኑ ኩልና ከም ቃሕታና ቃላት እናደርበና ክንረዳዳእ ኣይከኣለናን” ኢለዮም።
“ዋና ዓላማና ንህዝቢ ማዕርነት ውሑስ ዝገብር ስርዓት ምፍላይ እዩ” ኢሉ ኪዳነ በርሀ ጠቕሊሉ ኣቐሚጥዋ።
“እሞ ማዕርነት ንምንጋስ ዓይነት ስርዓት ድዩ ወሳናይ?” ኢለ ሓቲተዮ። “ማዕርነት ከ እንታይ ማለት እዩ?”
“ማዕርነት ደኣ ኩሉ ማዕረ ዝኾነሉ፤ ሰብ ዘይበላለፀሉ ሕብረተሰብ ማለት እዩ፤ እዚ ከዓ ሓደ ጥንኩር ስርዓት ብምዝርጋሕ ጥራሕ እዩ ክመፅእ ዝኽእል” ኢሉ ኣስረስ ሃይሉ።
ፀሓይ መሊኣ ዓሪባ ፀልማት ሰፊኑ ኔሩ። ምስቲ ሓያል ነፋስን ኣብ ደገ ምዃንናን ቁሪ እናበርተዐኒ ከይዱ ኔሩ። በቲ ክትዕ ዝረሰኑ መሓዙት ግና እቲ ፀልማት ኮነ ቁሪ ዝተፈለጦም ኣይመስሉን።
“ሰብ ብተፈጥሮ ማዕረ ዘይኾነ ዶ ማዕረ ንግበሮ ይበሃል እዩ?” ኢሉ ሕሉፍ፤ እቲ ሃይማኖተኛ። በዚኣ ሓሳቡ ግርማይ ሓጎስ እውን ተስማዕሚዑ ስለ ዝነበረ ኣብዚ ተደሪኹ “ማዕርነት ማለት ማዕረ ምዃን ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሉ ማዕረ ክዳነ፣ ማዕረ ክረአ ይግብኦ” ብዝብል ጥራሕ ከም ዝርደኦ ተናጊሩ።
ድሕሪ እዚ እቲ ክትዕ እናኸረረ ኩሎም በብቅዋሞም ጥንኩር ሓረጋት ዝሰዱሉን ናህቶም ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ተካታዕቶም ሓዪሉ ዝዕብልለሉ ነዃል ጥራሕ ዝፍሕሩ ዘለዉ መሲሎም ተራኢዮምኒ። ክንደይ ዘይተሓስቡ ርእሰ ጉዳያት ምስ ተልዓሉ ኩሎም ሓደ ዝገብሮም ነገር ነቲ ሕብረተሰብ በቲ ዝደልይዎ፤ ብቕጥዑ ብዘይተረድእዎ ኣምር፤ “ማዕረ” ጌሮም ከንብርዎ መጀመርታ ዲክታተራዊ መንግስቲ ቅቡል ከም ዝገብሩ እዩ። ንነፃነት እምነ ኩርናዕ ጌሩ ይካታዕ ዝነበረ ግርማይ ሓጎስ ጥራሕ ኔሩ ካብኣቶም ዝተፈለየ። እወ፤ ብተወሳኺ ዘሰማምዖም ሓሳብ እውን ነፃነት ዝበሃል ነገር ከም ዘየለ ኔሩ።
ነፃነት ዘይጭበጥ ረቒቕ ዝኾኖምን ውልቀ መላኻይነት የድሊ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ነቲ ማሕበረሰብ ወኪሎም ክዛረቡ ምድፋሮም ደንፂዩኒ። ንግርማይ ደጋጊሞም ዝሓትዎ ዝነበሩ “ነፃነት ኣበይ ተተግቢራ ሪእኻያ?” እናበሉ ኔሮም። ብዘይካ ግርማይ ሓጎስ ስርዓት ሰባት ክግልገሉሉ እምበር ሰባት ንስርዓት (ሃይማኖታዊ ኮነ ዘይሃይማኖታዊ) ከገልግሉ ከም ዘይተፈጠሩ ዝተረደኦ ኣይነበረን። ንግላዊነት ከም ቀንዲ ፀላኢ ሕብረተሰብ ጌሮም ዝረኣይዎ፣ ብግሉ ፃዕሪ ክውጠጥ ዝበለ ይከርከም እንትብሉ ግፍዒ ይዛረቡ ከም ዘለዉ ኣይረኣዮምን ኔሮም። ኣሚኖምሉ ሽንጦም ገቲሮም ኔሮም ዝከራኸሩሉ ዝነበሩ። ብዘይ ነፃነት እቲ ዝዛረብዎ ስነ ሓሳባዊ ባህግታት ኩሎም ከምቲ ብቁመቱ ካብ ኩሎም ሓውልትታት ኣኽሱም ንላዕሊ ኮይኑ ጠጠው ከይበለ፣ ዘልቕንዖ እውን ከይተረኽበ፣ ንኣሽሓት ዓመታት ወዲቑ ከም ዘሎ ሓውልቲ ከም ዝኾነ ኣይተገለፀሎምን። ብዘይ ነፃነት ስልጣነ ንደቅ ሰባት ወህኒ ከም ዝኾኖም ኣይበርሃሎምን። ብዘይ ነፃነት ሃይማኖት ትርጉም ከም ዘይህልዎ ኣይተገንዘቡን - ነፃነት ዘይብሉ ፍጡር ፃድቕ ኮነ ሓጥእ ዝበሃለሉ መመዘኒ ካበይ ክመፅእ? ብዘይ ነፃነት ወዲ ሰብ እንስሳ ከም ዝኾን ሸለል ኢሎምዎ ኣለዉ። ብነፃነት፣ በየናይ መንገዲ ነፃነት ደቅ ሰባት ከም ዘሕድጉ እንትሟገቱ፣ ኣይሓርሐሮምን።
ህይወት እትጥዕይ ሕድ ሕድ ሰብ ብዛዕባ ካሊእ ሰብ ስምዒት እንትሕለቕ፣ ከም ናህቱ ስምዒት ጌሩ ሓልዮት እንተርኢ እዩ።
እዚ እንትመፀለይ “ኢምፓቲ የብልኩምን?” ኢለዮም።
ሕቶይ መልሲ ከም ዘይብሉ ፈሊጠ ናብ ሓሳበይ ኣቲየ፡ ንዓርስኻ ኣብቲ ናይ ካሊእ ሰብ ቦታ ጌርካ ምርኣይ ኢምፓቲ (empathy) ይብልዎ ብእንግሊዘኛ፤ ማሕበረሰብና ግና ነዚ ንስምዒት ሰብ ምጭናቕ ዝበሃል ኣምር እውን ስለዘይተወሃዶ ስያመ ኣይፈጠረሉን፤ ፈጢርሉ እንተኔሩ እውን ረሲዕዎ ኣሎ። ነቲ ውልቀሰብ ክትርዳእ ካብ ምፍታን ከም ፀላኢ ጌርካ ምብያን ስሕተት ከም ዝኾነ፣ ደቂ ሰባት ሰብኣዊ ዘብለና ንድሌት ካልኦት ሓልዮት ምርኣይ ከም ዝኾነ እናሓሰብኩ ፀኒሐ። እታ “ማለት?” እትብል ኣጠማምታ ኣብ ገፆም ተቐልቂላ እንትሪኣ ካብ ሓሳበይ ተመሊሰ ከብርህ ከም ዘለኒ ተረዲእኒ።
“ኣይ ግደፍዎ - ካሊእ ግዘ ንቕፅሎ፤ ይመሽይ ኣሎ እዩ” ኢለዮም።
እዚኦም ንኹሉ ሕቶ መልሲ ዘለዎም እዮም፣ ንኹሉ ዛዕባ ቅዋም ዘለዎም እዮም - ከምዚ ዓይነት ፍልጠት ኣለኒ ምባል ከዓ እቲ ኣውራ ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ ውልቀ መላኻይ ዝህነፀሉ መሰረት እዩ። ንሰብ ይፈልጦ እየ ኣይበሃልን - ንሰብ እትፈልጦ እንተመሲልካ ካብ ሰብኣዊነት ኣውሪድካ ናብ ሓደ ቅኑዕ ወይ ግጉይ ምድብ ሸግሺግካ ኢኻ እትሪኦ፤ ካብ ሰብኣዊነት ምስ ኣውረድካዮ ከዓ ዝመሰለካ ውሳነ፣ ብያነ፣ ድምዳመ ኣብ ነፍሱ ምሃብ ኣይኸብደካን። ካብዚ ጌጋ ዝፀረየ ነፃነት ካልኦት መሰረቱ ዝገበረ ግርማይ ጥራሕ ኔሩ ንሱ እውን ግና ብዝቐረፆ ኣጠማምታ ዓለም ስለ ዝተሓፅረ ንመኒኦም እውን መብርሂ ሂበ ካሊእ ክትዕ ክጅምር ኣይደለኹን። ግዘ መልሲ ክህቦም እዩ።    
ካብቲ ኮፍ ኢልናሉ ዝነበርና ገበላ እቲ ካፌ ተሲእና፣ናብታ ጉድጉድ ኢላ ተዃዒታ ዙሪያኣ መደብ ዝተደምደመላ ክፋል ብቐጣን ደረጃኣ ወሪድና ሓሊፍና፣ ናብቲ ናይ ጎደና መብራህቱ ጠፊኡ ፀልሚቱ ዝነበረ መንገዲ ተፀምቢርና። ናይቲ መንገዲ ፀልማት ይግፈፍ ዝነበረ ሓሓሊፈን ይመፃ ብዝነበራ መካይን መብራህቲ ኔሩ። ክትዖም ኣዝሒሎም ኣብ መንገዶም ኣድሂቦም እናሃለዉ፤ “ሰብ ንስምዒት ካልኦት ዝጭነቕ እንትኾን ኣይኮነን ድዩ ሰብኣዊ ክብሩ ዝግለፅ?” ኢለ ካብ ምሕታት ንዓርሰይ ክዓግት ኣይከኣልኩን።
“ማለት?” ኢልኒ ብጎነይ ዝነበረ ኪዳነ። ኪዳነ ፅልም ዝበለ ስለዝነበረ ኣብቲ ፀልማት ካብታ ዝገበራ ፅዕድው ዝበለት ካናቲራ ወፃኢ ኣይረኣይን ኔሩ።
“ማለተይ ሰብ ንዝሓዞ እምነት ህይወቱ ዝገበሮ - ፖለቲካዊ ይኹን ሃይማኖታዊ - ዕላማ ጥራሕ እናምለኸ ስምዒቱ ከጉትም ድዩ ዘለዎስ ወይስ ንኻልኦት ክርዳእ ዝፍትን ሰብ እዩ ክኾን ዘለዎ?” ኢለዮ።
“ሰብ እማ ንዝሓዞ ዓላማ ጠንኪሩ ዝነብር ማለት እዩ እምበር።”
“ዋላ ግጉይ ዕላማ እውን እንተኾነ?”
“እወ፤ ዋላ ጌጋ ይኹን። ሰብ ንዓላማ ጥራሕ እዩ ክነብር ዘለዎ።”

… (2) …
ኣብ ዓሰርተ ሽዱሽተ እተን ቢራ ዝሸጣ ሰብ ዋና እታ ገዛ ስለዝኾና ክትሕንሽሸለን እናደፋፈኣ ዘይሓሰብካዮ ወፃኢ ክተውፅእ እናሓተታ ብሰላም ከይትሰቲ ይህውካኻ እየን። ምስታይ እንተደሊየ ኣብ መንገዲ ገዛይ ኣብ “ሃያ ሁለት” ሰላማዊ ኣተኣናገድቲ ዘለውኦ ሆቴል እየ ዝኣትው። ሰሙን ኣይመልአንን እየ ኣብዚ ሆቴል ምስታይ ካብ ዝጅምር። ኣብኡ ዘላ ቁመናኣ ደስ እትብል ኣተኣናጋዲት ከፃውታ ይደሊ እሞ እተን ካልኦት ኣብ ዝተመደባሉ ቦታ ኮፍ እናበልኩ ኣይቀንዐንን። ሎመዓንቲ ግና ኣብታ ኣነ ኮፍ ዝብለላ ቦታ ናህታ ኮይና ክተተኣናግደኒ ጀሚራ። መጀመርታ ካብ ዝሪኣ ጀሚሩ በቲ ቅርፃ እናተገረምኩ ካብ ቁንጅነኣ ወፃኢ ብኻሊእ ዓይኒ ኣይሪኣን ኔረ። ስለዚ ፀወታ እንትንጅምር ካብ ፆታዊ ቀልድታት ወፃኢ ካሊእ ንዘራረብ ኣይመሰለንን ኔሩ። ብፀወታይ ኣሕጒሰ ክትፈትወኒ ምግባር ቁፅሪ ሓደ ውጥነይ ኔሩ።
ምስ ኣዕሩኽተይ፡ እቶም ዘይኣመንቲ፤ መንግስቲ ኣሽሓት ኣፍሲሱ ምስ ኣምሀሮም ሰብኣዊነት ዘይብሎም፣ ብግቡእ ናይ ዘይጨበጥዎም ኣምራት ባራዩ ምዃኖም ኣሕዚንኒ ኔሩ። ብኻሊእ ወገን እቶም ኣመንቲ ኢና በሃልቲ እውን ናይ ኣሽሓት ዘመናት ታሪኽ ሃይማኖት ዘሕለፈት ቤተ እምነቶም ሰብኣዊነቶም ሓፍ ከብሉ እምበር ንወዲ ሰብ ናይ ስርዓት ባርያ ክገብሩ ከም ዘይግባእ እንተደኣ ዘየምሃረቶም፣ እዚ እውን ካሊእ ፍሽለት ኮይኑ ነገር ደቂ ሰባት እናገረመኒ ኔሩ። በዚኣቶም እንትትሓዝን ካብ እትኣትዎ ፀልማት እትወፀሉ ብሕታዊ ብርሃን ዘለዎ ቦታ ኣፍቲ ፅልምትምት ዝበለን ናብቲ “በዓለገ ወንበር” ደዪብኻ ባልኮኒ ተደጊፍካን ብእዝና ፆታዊ ቀልዲ ሹኽ እናበልካያ እትስሕቐልካ ኣተኣናጋዲት ጥራሕ እያ።
“ሱዳን እየ ተወሊደ። ግና ሑመራ እየ ዓቢዬ” ኢላትኒ ንሕቶይ እንትትምልስ። ሑመራ ትፈትዋ ከተማ ከም ዝኾነት እንትትገልፀለይ “ኣብ ሑመራ እኮ ሰብ ሆቴል ኣቲዩ በይኑ ኣይበልዕን” ኢላትኒ። ከይደ ናይማን እንተኾይኑ ከረጋግፅ እምበር…። “ናይ ፍቕሪ ከተማ እያ” ኢላትኒ ቀፂላ።
ብዛዕባ ኣዋልድ ኩናማ “እናኸድካ ምፅባይ” ኣብ ዝብል ስርሑ ኣቤል ጉዕሽ ዝፀሓፎ ኣልዒለላ ናብ ግዘ ቁልዕነታ መሊሰያ ክተዘንትወለይ ጀመረት።
“ቆልዑት ኮይና እተን ዝብለዓ ኣዕዋፍ እናሓዝና ንሸጠን ኔርና - ዋሪ፣ ሳዕሪ ሳዕሮ፣ ሓማም (እዚአን ርግቢት ኮይነን ከም ፀሊም ማዕተብ ዝመስል ምልክት ኣብ ዙሪያ ክሳደን ዘለወን እየን፤ ኩሉ ዋላ ክርስቲያን እውን እዩ ዝበልዐን)፣ ቢጫ፣ ኣቦ ቐሺ (እዚ ነዊሕ ጭራ ዘለዎ እዩ፤ ብርኒሂጎ እዩ ካሊእ ሽሙ።)”
“ብርኒሂጎ ማለት ነዚ ዒፍ ድዩ? ንመለስ ዜናዊ ከምኡ እንትብልዎ ‘እንታይ ማለቶም እዩ?’ ይብል ኔረ” ኢለ ዝርዝራ ኣቋሪፀያ።
“ዝገርም ዒፍ እዩ። ደራፋይ እኮ እዩ ብርኒሂጎ ኢሉ ንመለስ ዝደፈሉ መጀመርታ። እዚ ዒፍ ናብ መፃወዲያ ፍፁም ኣይኣትውን፣ ነታ ገመድ ሪኡ ካበይ ናበይ ከም እትኸድ ይፈልጣ እዩ፤ እምኒ እንትድርበ ካልኦት ዓዕዋፍ ደንጊፆም ይብተኑ እዚ ግና ቅንዕ ኢሉ ካበይ ከም ዝመፀ ሪኡ፣ ተረጋጊዑ እዩ ዝነፍር - ኣይሽበርን” ብጥንቃቐ ከመይ የማን ፀጋም ከም ዝርኢ ክተርእየኒ ዓይና ግልፅ ኣቢላ ርእሳ የማን ፀጋም ምልስ፣ ምልስ እናበለት ኢዳ እውን እናስወንወነት ኔራ ዝተዛረበት።  
ማሕበረሰብ ኩናማ ንመሰል ኣዋልድ ዘውሓሰሉ መንገዲ ከም ዘቕነአኒ እንትነግራ “ናትና ኣማናይነት ክንረአ ጥራሕ እንገብሮ እምበር ናብ ብርኪ ስልጡንነት ኣየደየበናን” ኢለያ።
“እዚ ማሕበረሰብ እኮ ብዘይ ወረ ካሊእ ነገር የብሉን። ሕጂ ነዓኻ ካብዚ እንትትወፅእ እንትሪኡኻ ‘ሸርሚጡ ወፂኡʼ እዮም ዝብሉኻ” ኢላትኒ፤ ነዚ ካብኣ እንትሰምዕ ደስ ዝብሉ ኣእጋራ መሊሰ ሪአዮም፤ ነዓዓ ብዓይነይ ይምነያ ከም ዝነበርኩ ክንሓብኦ ከም ዘይከኣለናን ነቲ ጌጋና ኣብቲ ምስሉይነት ሕብረተሰብ ምልጋብን ኣይጌጋን እንድዩ ኢለ እናስተንተንኩ እናሃለኹ ልክዕ ሓሳበይ ከም ዘንበበ ሰብ ውስኽ ኣቢላ “ማለተይ ዋላ እንተሸርሞጥካስ ናትካ ጉዳይ እዩ እምበር ናይ ካሊእ ኣይኮነን። ፍረዱ ይብል ድዩ ሃይማኖት?” ኢላትኒ።
ከይሓሰብክዎ እዛ ቆልዓ ካብ ቁመነኣ ወፃኢ እውን መንነት ከም ዘለዋ ኣሪኣትኒ።
ወሲኻ፤ “ኣነ ብሰብ ኣይፈርድን። ሰብሲ ክትንዕቖ ኣይግባእን። ቀሪብኻ ክትርደኦን ‘ትሪትʼ ክትገብሮን ኣለካ” ኢላ፤ ኣብ ከብዲ ኢዳ ጥንቃቐ ዝሓትት ነገር ከም ዝሓዘት ጌራ ኣእዳዋ ንቕድሚት ዝርግሕ እናበለት። 

Comments

  1. ብእወነት ገራሚ ፀሓፊ ኢኻ...ቃላት የብለይን።

    ReplyDelete

Post a Comment

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።