Skip to main content

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (5)

5. ሞንታርቦን ጭቆናን
ግደይ ገብረኪዳን

ኣብዛ ከተማ ዓው ዓው ምባል እቲ ሓዱሽ መደበኛ ኣካል ህይወት ኮይኑ ኣሎ። ብዝኾነን ብዘይኾንን ምክንያት ሰባት ናብ ገዝኦም ሞንታርቦ ኣምፂኦም ደርፊ ጠራዕ ኣቢሎም ከድርፉ ምውዓልን ምሕዳርን መሰሎም ኮይኑ እዩ። ገዛ ተሰሪሑ እንትምረቕ - ሞንታርቦ ይመፅእ፤ ቆልዑት ትምህርቲ እንትምረቑ - ሞንታርቦ ይመፅእ፤ መርዓ እንተኾይኑ - ሞንታርቦ፤ ሓደ መላለዪ ትካል ወይ መንግስቲ ዝእውጆ ነገር እንተሃሊይዎ - ሞንታርቦ ኣብ መኪና ፅዒኑ ከተማ ክብፅብፃ ይውዕል…። ናይ ንግዲ መደብራት ሞንታርቦ ኣብ ኣፍ ደገ ጌሮም ክጭደዱ ምውዓል ኣብ ሥራሕ ከምዘለዉ መላለዪኦም እዩ። ዕግርግር።

ነቲ ነባሪ ከዓ ምስቲ ጠራዕራዕ መስተ ይሓውሰሉ። መስተ ብዝተወሰኸ ቑፅሪ ዕግርግር እናወሰኸ ይኸድ። ንደቂ ኣንስትዮ እቲ ዝቐለለ ፈጠራ ሥራሕ እንዳ መስተ ምኽፋት ኮይኑ ኣሎ። ነቲ ሕብረተሰብ እውን ትርፊ ግዚኡ ዘሕልፈሉ ዝቐለለ ቦታ እንዳ መስተ ኮይኑ ኣሎ። መንፈሱ ዝሃንፀሎም ቤተ ንባባት፣ መናፈሻታት ወይ መፃሕፍቲን ሓሳባትን ምይይጥ ዝግበረሎም መድረኻት የለውን፤ ትያትር ኣይረኣይን። ዋላ ህፃውንቲ ዝፃወቱሉ ሜዳ እውን እንተኾነ የለን - ብሎክን ኮብል እስቶንን እያ ከተማኣ። ኩሉ ብሎካት መንበሪ ገዛውቲ እዩ ዝተረፈ ኮብል ስቶን። ስልጡን ሰብኣዊ ባህሊ ዝምዕብለሉ ሃዋህው ዘይኮነስ እትድንቁረሉ ነገር ጥራሕ እዩ ዘሎ። እቲ ዝገርም መንግስቲ ነዚ ሒዙ ዓሰርተ ሽዱሽተ ቀትሪ ቡን እናሰተዩ ዝውዕሉ ሰባት ንምብራር ዘይገብሮ ነገር የለን። እንዳ ጫት ክዕሽግ ኣይራእኹን፣ ኣይተዘረበን።
ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ እታ ከተማ ብሞታርቦን መስተን እንትትሕመስ ፖለቲካ ዛዕባ ኣይነበረን። ሎሚ ኣብይ ድሕሪ “ሻብዓይ ንጉሥ” ምዃኑ፣ መሰል ብሄራዊነት ሓደጋ ኣንፀላሊይሉን ህወሓት ካብ ማእኸል ዓዲ ፖለቲካ ምስ ተደፍአን ኩሉ ብዘይ ፖለቲካ ካሊእ ዘረባ ዘይፈልጥ እዩ ዝመስል። ንሞንታርቦ፣ መስተን ዓውዓውታን ፖለቲካዊ ምይይጣት ተሓዊስዎም ኣሎ። ናይቲ ሕብረተሰብ መንፈስ ከምዚ ሃንደበት ከመይ መልክዑ ክቕይር ከምዝኸኣለ መፅናዕቲ ዘድልዮን ዘስደምምን ዋላ ይኹን እምበር እቲ ደቂሱ ዝነበረ ትውልዲ ግና ከመይ ኢሉ ብሱልን ኣብ እኹል ሓበሬታ ዝተመስረተን ውሳነ ክመርፅ ይከኣሎ ዝብል ካሊእ ስግኣት እዩ ዝኸውን። ካብ ድንዛዘ ናብ ድንጋፀ ከይኣትው የፍርሕ እዩ።  
እቲ ህዝቢ ነፃነት ይረክብ ኣሎ እዩ። እዚ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝፍጠሩ ዘለዉ ደፋእቲ ኩነታት ዘምፅእዎ እዩ። ነፃነቱ ዝፈጥሩሉ ስምዒታትን ዝፈጥረሉ ባህግታትን ግና ውፅኢታዊን ሰላማዊን ብዝኾነ መንገዲ ዘናፍሰሉ ባይታ ኣይተመቻቸወሉን። ሰብ ነዚ ስምዒቱ ሎሚ ናብ ኣምልኮተ ደብረፅዮን የምፅኦ ዘሎ ይመስል። ኣምኮተ ሰባት ከዓ ሓደጋ ኣለዎ። ንሰብ ከከም ውሽጣዊ ድሌቱ ዝምቸዉ ብሱል ዝኾኑ ባይታታት ክመቻቸዉሉ ኣለዎም። ጥበብ ኣብ ትግራይ ሞይታ ኣላ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን፤ ብፍላይ ናይ ስነፅሑፍን ቲያትርን ጥበባት። ውህብቶ ዘለዎም ፈጠርቲን ናይ ምርዳእ ክእለት ዘለዎ ተበፃሕቲ ክፋላት ሕብረተሰብ የለዉን። ምንባብ ከም በርበረ ምዕጣን መቕፃዕቲ ዝመስሎም ይበዝሑ።
ሾፐንሃወር ንናይ ጥበብ እጃም እንትገልፃ ሰባት ካብ ግላዊ መንነቶምን ቁሳዊ ድሌታቶምን ተሻጊሮም ልዕሊ ፅዕንቶ ፈቓዶም ኮይኖም ንሓቂ ከስተማስልዋ (ክሓስብዋ) እትገብሮም እያ ይብላ። ጥበብ ኣብ ህይወትና ነሕልፎ ዘለና ስቅያት ካብ ግላዊ ፈቓድና (individual will) ብላዕሊ ኣካል እቲ ገጅፍ ምስሊ ጌርና ክንሪኦ ይገብረና። ጥበብ ካብቲ ንሓልፎ ዘለና ግላዊን ሓላፋይን ስቅያትና ድሕሪት ዘሎ ዘልኣለማዊን ኩሉኣዊን (ዩኒቨርሳል) ዝኾነ ምስሊ ክንርኢ ትገብረና እያ ይብል። ከምዚ እንተኾይኑ ጥበብ ኣብ ዝተዓፈነትሉ ቦታ ግለሰባት ንነገራት ዘለዎም ርድኢት ክንደየናይ ትሑት ከምዝኾንን ካብ ግላዊነቶም ከይወፁ ነገራት ዝሪኡ ኣናእሽቱ ሰባት ከምዝገብሮም የረድአና። እዚኦም ከዓ ንዓርሶም ክርስዑ ዓው ዓውታን መስተን እንተመረፁ ዘገርም ኣይኸውንን። እዚ ፀገም ዝኸውን ግን እዞም ሰባት እዚኣቶም ሃንደበት ብሄራዊ ናይ ህልውና ሓደጋ እንትወርዶም ናብ እንታይ ዓይነት ሰባት ክቕየሩ ከምዝኽእሉ ብዘይ ጥርጥር ክናገር ዝኽእል ሰብ ኣይህልውን።
ነቐፍቲ ወይ ሪእቶ ወሃብቲ ነቲ ወለዶ ገንዘቡን ግዚኡን ብመስተን ፀወታን፣ ብወልፊ ዘትሕዙ ኣደንዘዝቲ ዕፃት ግዚኡ የጥፍእ ኣሎ እናበሉ ይወቕስዎ እዮም። ኮይኑ ግና እዞም ሰባት ንምዕባለ መንፈሳዊ መነባብሮ ወይ ካልቸር ከተማና ዝገብርዎ ሓንቲ ነገር የብሎምን። ንመናእሰይ ዘንቅሑ ፅሑፋት እንትፅሕፉ ኣይረኣዩን፣ ንመንግስቲ ዝምዕዱ ወይ ዝግስፁ ፅሑፋት ኮነ ዘረባታት እንትገብሩ ኣይስምዑን። ኣብ መድረኻት ካብ ምዝራብ ወፃኢ ብኪሳራኻ ንእተሕትሞ መፅሄት እኳ ፅሑፍ ሃቡና እንትትብሎም ጎለጎታ ከም ምድያብ እዩ ዝኾኖም። ንህዝቢ ዘኽብር ሰብ ግና ናይ ዓርሱ ሓደ ዓምዲ ሒዙ ሓሳባቱ ንህዝቢ እንተቕርብ ኩርዓት ክስመዖ ምገበሮ ኔሩ። እዚ ግን ሰብ ንዘኽብር ጥራሕ እዩ። ኣብዚ ግን ናይ ሓሳብ ነፃነት ዘይተለመደላ ከተማ ስለዝኾነት ብመፅሄት ምፅሓፍ ብርግፅ ከም ቁም ነገር እውን ከይቖፅርዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ልዕሊ እዚ ሽሞም ሓቢኦም ኮነ ግልፂ ጌሮም ኣብ ፌስቡክ ክነጥፉ ይኽእሉ እዮም፤ በዚ ጥራሕ ንዓርስኻ ንምሕፃር ምድላይ ግና ዘርእየና ስነ ፅሑፍናን ንባብ ህይወት ከተማናን ክንደየናይ ድሑር ከምዝኾነ ተወሳኺ መረዳእታ ዝህብ እዩ ዝኸውን።
በዚስ ናይ ሩሲያ ምሁር መደብን ተበፃሒ (መንበባይ ክፋል ህዝቢን) እዮም ዘቕንኡኻ። ድላዩ ፀሓፊ እንተሃለወ ዕዱማት እንተዘይሃሊዮም ጥበቡ ኣብ እምኒ ከምዝፈስስ ማይ እዩ ዝኸውን። ኣንድሬ ሳካሮቭ ናይ ሩሲያ ናይ ሃይድሮጅን ቦምብ ኣቦ ዝበሃልን ብሰላም ዘፈር ሽልማት ኖቤል ዝረኸበን እዩ። እዚ ሰብ ብላብራቶሪ ከይተሓፀረ ኣብ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ብፅሑፍ ሓሳባቱ ናብ ህዝቢ የብፅሕ ኔሩ። Progress, Coexistence and Intellectual Freedom ኣብ ዝብል ፅሑፉ ሓበሬታ ናይ ምርካብን ምስርጫውን ነፃነት፣ ንምድምማፅ ድልው ዝኾነን ፍርሒ ዘይብሉን ዘተ፣ ካብ መንግስታዊ ፅዕንቶን ድሌትን ነፃ ምዃን ምኽኣል ንሓደ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ህልውና ኣድላይ ከምዝኾነ ንምብራህ ዘበርከቶ ፅሑፉ እዩ። ሕሰብዎ! እዚ መሃዛይ ሃይድሮጅን ቦንብ ዝኾነ ሳይቲስት ናብ ስነ ፅሑፍ ክመፅእን ንነፃነት ክግደስን ዝገበሮ ካሊእ ዘይኮነ ክብሪ ህዝቢን ዋጋ ሓሳብ ምርዳእ ምኽኣሉን ነዚ እውን ዝርዳእ ሕብረተሰብ ምንባሩ እዩ።
ምስ ሩሲያ ተሪፉስ በቲ ርስሓት ፅሑፋቶም ንቶም ዘለዉና ቁሩባት መንበብቲ ምስ ዝተቖፃፀርዎ ጎረቤት ክልል እውን ኣይንወዳደርን። ነዚ ክልውጡ ዝኽእሉ ውህብቶ ዘለዎም ናይ ስነ ፅሑፍ ሰባት ክሳብ ዝመፁን ክርደኦም ዝኽል ፍቕሪ ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ዘለዎ መንበባይ ክፋል ሕብረተሰብ ክሳብ ዝፍጠርን ካብ ምፅባይ ወፃኢ ካሊእ ኣይረኣየንን። መንግስቲን ምስ መንግስቲ ዝተኣሳሰሩ መደብ ልሂቃንን ነዚ ግዲ ሂብዎም ክሰርሑሉ ኣይረኣየንን።  
ሃክስሌ “Brave New World” ኣብ ዝብል መፅሓፉ ብዛዕባ ሳይንሳዊ መላኻይ ስርዓት ዝስዕብ ይብል፡ እቲ ብሉፅ ዝበሃል ውልቀ መላኻይ መንግስቲ ዝኸውን እቶም ፖለቲካዊ በዓል ስልጣናትን መካየድቲ ስራሕ ዝኾኑ ተለኣኣኽቶምን ነቶም ባርያ ዝኾኑሎም ዜጋታቶም ከየገደድዎም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ዝኾኑሎምን ንባርነቶም ፈቲዮም ዝግዝኡሎምን እንትኾኑ ግዘ እዩ። ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ነፃነት እንትቕንስ ነዚ ብዝኽሕስ መጠን ልክዕ ከዓ ነፃነት ፍትወተ ስጋዊ ግብሪ ይውስኽ። እቲ ውልቀ መላኻይ ከዓ ነዚ ነፃነት ከበረታትዕ ግቡኡ ይኸውን። ምስ እዚ ብሓደ ድማ ብፅዕንቶ ዘደንዝዙ ዕፃትን ፊልምን ሬዲዮን ኣብ ናይ ቀትሪ ሕልሚ ክኣትዉ ይግበር፣ እዚ ባርነት እጨኦም ዝኾኖም ዜጋታት ምስዚ ዕጨኦም ክዕረቑ ይገብሮም ይብል።    
ሎሚ ኣልኮሆል፣ ስጋዊ ርክብ፣ ካብ መዘናግዒ ዓለም ከዓ ካብ ሳተላይት ቲቪ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ኢንተርኔት ዝርገሐ ከምዚ ንዝኣምሰለ ባርነቱ ዝፈትው ማሕበረሰብ ንምፍጣር ካብ ኩሉ ግዘ ንላዕሊ ኣብ ምችው ብርኪ ስልጣነ ዓለምና በፂሓ ኣላ። በዚኦም መዳይ ምስ ዓለም ማዕረ እናኸድና ንመንፈስና ብዝሃንፁ ናይ ጥበብን ፍልጠትን ዘፈራት ንድሕሪት ምትራፍ ድንዙዝን ሓደገኛን ንውልቀ መለኽቲ ዝምቸው ትውልዲ ክነፍርይ ከምዝገበረና ንሪኦ ኣለና።
ውልቀ መለኽቲ ይቀያየሩ እዮም፣ ድንቁርና ኣብ ዝነግሰሉ ግዘ ከዓ ፀላኢኻ ዝኾነ ውልቀ መላኻይ ድኽመታት ህዝብኻ (ድንቁርነኦም) ተጠቂሙ ንዕዑ ክሰግዱሉ ክገብሮም ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ሓደ ኣፈ ታሪኽ ዝቑንን ሓደገኛ ኣካል እውን ተላዒሉ ነዚ ወለዶ ብዘይኾነ መስመር ብዓይኒ ዕሙተይ ብኣምልኾ ግለሰብ ዓዊሩ ክጓዓዝ ክገብሮ ይኽእል እዩ።    
ካብዚ ዝተፈለየ ነገር እውን እናራእና ኣይኮናን። እቲ ሰብ ታሪኹ ክንደየናይ ዘይፈልጥ እንተዝኸውን እዩ ንኣብነት ኦሪታዊ ኢኻ ዝብልዎ እንትመፁ ክኽተሎም ዝኽእል? እቲ ወለዶ ክንደየናይ ከምዝደንዘዘን ናይዚ ድንዛዘ ሓደጋን ካብዚ ንላዕለሊ ካሊእ መረጋገፂ የብሉን። ኦሪታዊ ውርሻታት ከምዘለና ሕቶ የብሉን። ግን ድማ ኦሪታዊያን ኢና ዘብል ኣይኮነን ካብ ኦሪት ወፃኢን ንላዕሊን ዝኾኑ ካልኦት መግለፂ መንነትና ዝኾኑ ከም ቋንቋና፣ ሃይማኖትና፣ መነባብሮና፣ ዘርእና፣ ፍሉይ ታሪኽና (ምስ ጨረቓ መምለኽቲ ደቡብ ዓረባውያን ዘራኽቡና ሓውልትታትን ሳንቲማትን ኣኽሱም መጠራ፣ ኮሓይቶ ኣዱሊስ፣ ምስ ግሪክ፣ ምስ ሮማ፣ ምስ ክርስትና፣ ምስ እስልምና ዘራኽበና እዩ።) ብፀቢቡ ኦሪታውያን ኢና ዝብሉ እንትለዓሉ ግና ምስቲ ዘሎ ጉድለት ንቕሓት ወዲያው ፅንፈኛ፣ ንነፃ ዘተ ድሉው ዘይኮነን ብኣምልኮተ ግለሰብ ዝዓወረን ተኸታሊ ምፍራይ ክኢሎም።  
በዚ ንምቕፃል እንተወሲንና ብኸቢድ መስዋእትነት ዝተረኽበ ብሄራዊ ነፃነትና ክንምንዛዕ ኢና፤ ምምንዛዕ ድማ ይጅምር ኣሎ እዩ። ብቕልጡፍ ነፃነትን ጥበብን ክዕምብቡ ይፈቐድ። 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።