Skip to main content

ኣቃላዒት ልቢ

ኤድጋር ኣለን ፖ

ርግፅ እዩ! ሒምኒ ኔሩ፣ ብጣዕሚ ሒምኒ ኔሩ። ግን ንምንታይ ኢኹም ኣእምሮኻ ስኢንካ ኢኻ ትብሉኒ፣ ንምታይ እዩ ዓቢድካ ኢኻ ትብሉኒ? ንኣእምሮይ ሙሉእ ንሙሉእ ይቆፃፀር ከምዘለኹ ኣይረኣየኩምን ዘሎ? ከምዘይዓበድኩ ግልፂ ኣይኮነን ድዩ? ጭራሽ እቲ ሕማመይ ንኣእምሮይ፣ ንስምዒተይ፣ ንስምዒት ህዋሳተይ ኣጠንኪርዎም እዩ፣ ኣሕዪልዎም እዩ።
ብፍላይ ናይ ምስማዕ ክእለተይ ኣዚዩ ወሲኹለይ ኣሎ። ቅድም ሕዚ ሰሚዐዮም ዘይፈልጦም ድምፅታት ይሰምዕ ጀሚረ ኣለኹ። ካብ ገነት ዝመፁ ድምፅታት ይስምዑኒ፣ ካብ ገሃነም ዝመፁ ድምፅታት ይስምዑኒ!
ስምዑ! ስምዑኒʼሞ ከመይ ክኸውን ከምዝኸኣለ ክነግረኩም እየ። ክትሪኡ ኢኹም፣ ርእሰይ ክንደየናይ ጥዑይ ከምዝኾነ ክትሰምዑ ኢኹም።
እቲ ሓሳብ መጀመርታ ናብ ርእሰይ ከመይ ክኣትው ከምዝኸኣለ ምንጋር ኣፀጋማይ እዩ። ነቲ ዝገበርክዎ ነገር ምኽንያት የብለይን። ነቲ ሽማግለ ኣይፀልኦን ኔረ፤ ብኣንፃሩ የፍቅሮ ኔረ። ምንም ጎዲእኒ ኣይፈልጥን። ገንዘቡ ኣይደለኹን። ከምዝመስለኒ ዓይኑ እዩ ኔሩ። ዓይኑ ከም ናይ ኣሞራ ዝመሰለ እዩ፣ ከምዞም ሓደ እንስሳ ክሳብ ዝሞት እናረኣዩ ክፅበዩ ፀኒሖም ምስሞተ ኣብ ልዕሊ እቲ ሬሳ ዘሊሎም ዓሲሎም እናመንጨቱ ዝበልዑ ኣሞራታት። እቲ ሽማግለ ከም ናይ ኣሞራ ብዝመሰለ ዓይኑ እንትሪአኒ ዛሕሊ ኣብ ሕቖይ ላዕሊን ታሕቲን ይመላለስ፤ ደመይ ከይተረፈ ይዝሕል። እዚ ስለዝኾነ ነቲ ሽማግለ ቐቲለ ዓይኑ ንዘልኣለሙ ክኸድኖም ኣብ መወዳእታ ወሲነ!
ዝዓበድኩዶ ይመስለኩም? ዕቡድ ውጥን ከውፅእ ኣይኽእልን። ግን ተትሪኡኒ ኔርኩም። ኣብቲ ሰሙን እቲ ብሙልኡ ነቲ ሽማግለ ክንዲ ዝከኣለኒ ዕርክነት የሪኦ ኔረ፤ ዉዑይን መፍቀራይን ኔረ። 
ለይቲ ሰዓት ሽዱሽተ ብዝኾነ ቑፅሪ ቀስ ኣቢለ በሩ ይኸፍታ። እታ በሪ ብደንቢ ምስ ተኸፈተት ንቐደም ኢደይ የእቱ፣ ቐፂለ ርእሰይ የቐፅል። ኣብ ኢደይ እቲ ብርሃን ከይረአ ጨርቂ ዝተሸፈነ መብራህቲ ይሕዝ እየ። ኣብኡ ድምፂ ከየስማዕኹ ጠጠው ይብል። ቐፂለ ብጥንቃቐ ነታ ጨርቂ ቅልዕ የብላ፣ ቁሩብ እየ ዝቐልዓ፣ ሓንቲ ቐጣን፣ ንኢሽተይ ብርሃን ኣብ ዓይኑ ትዓርፍ። ንሸውዓተ ለይቲታት ልክዕ ኣጋ ፍርቂ ለይቲ እናኸድኩ ነዚ ጌረ። ወትሮ ዓይኑ ኽዱን ኔሩ፣ በዚ ምኽንያት ከዓ ነቲ ስራሕ ንምፍፃም ነዓይ ዝኸብድ ኮይኑ። ነቲ ሽማግለ ኣይኮነን ክቐትል ከምዘለኒ ዝተሰመዐኒ፤ እቲ ዓይኒ እዩ ኔሩ፣ እቲ ክፉእ ዓይኑ።
ወትራ ንጉሆ እንትኸውን ከዓ ናብ ክፍሉ ይኸዶ፣ ምውቕ ብዝበለ፣ ሕውነታዊ ድምፂ ከመይ ከምዝደቀሰ ይሓቶ። ወትሮ ፍርቂ ለይቲ እንትኸውን እናኸድኩ ይሪኦ ከምዘለኹ ክግምቶ ኣይከኣሎን።
ኣብታ ሻምነይቲ ለይቲ ነታ በሩ እንትኸፍታ ካብ ኻሊእ ግዘ ንላዕሊ ጥንቑቕ ኔረ። ካብ ኣእዳወይ ንላዕሊ ናይቲ ሰዓት ዘንግታት ፈጢኖም ይንቀሳቐሱ ኔሮም። ብዘለኒ ሓይሊ ሽዑ ክንዲ ዝተኣማመነሉ ዝነበርኩ ተኣማሚነ ኣይፈልጥን፤ ከምዝሳኸዐለይ ርግፀኛ ኔረ።
እቲ ሽማግለ ኣብ በሩ ከምዘለኹ እውን ከይሓለሞ ኣነ ኣብኡ ጠጠው ኢለ ኔረ። ሃንደበት ኣብ ዝደቀሰሉ ኮይኑ ተንቀሳቒሱ። ፍርሓት ዝተሰመዐኒ ክመስለኩም ይኽእል እዩ። ግን ኣይኮነን። ኣብ ክፍሉ ዝነበረ ፀልማት ከቢድን ፀሊምን ኔሩ። እቲ በሪ ከምዝተኸፈት ክርኢ ከምዘይኽል ይፈልጥ እየ። ነቲ በሪ ምኽፋት ቀፂለሉ፣ ቀስ ኢለ፣ ኣለስሊሰ ኸፊተዮ። ርእሰይ ሽሉኽ ኣቢለ። ዝተሸፈነ መብራህቲ ዝሓዘ ኢደይ ሰዲደ። ሃንደበት እቲ ሽማግለ ተላዒሉ ኣብ ዓራቱ ቀጥ ኢሉ ተዛሪቡ፣ “መን እዩ ኣብዚ ዘሎ??!”
ፀጥ ኢለ ጠጠው ኢለ። ንሓደ ሰዓት ኣይተንቀሳቐስኩን። ተመሊሱ እንትድቅስ እውን ኣይሰማዕኽዎን። ስኽ ኢሉ ኮፍ ኢሉ የዳምፅ ኔሩ። ካብኡ ድምፂ ሰሚዐ፣ እቲ ሽማግለ ድኽም ዝበለ ናይ ፍርሒ ድምፂ ሞሊቕዎ። ሕዚ ፍርሒ ተመሊኡ ኣብ ዓራቱ ኮፍ ኢሉ ከምዘሎ ተፈሊጥኒ፣ ኣነ ኣብኡ ምንባረይ ከምዝፈልጥ ፈሊጠ።  ኣይረኣየንን። ኣይሰምዓንን። ኣብኡ ከምዘለኹ ግን ተሰሚዕዎ እዩ። ሞት ኣብኡ ጠጠው ኢሉ ከምዘሎ ፈሊጡ።
ቀስ ኢለ እቲ ኽዳን ክቐልዖ ጀመርኩ ንኢሽተይ ብርሃን ኣምሊጣ ክሳብ ኣብቲ - ኣብቲ ዓይኒ ኣሞራ ትዓርፍ ቀሊዐያ! ኽፉት ኔሩ - ብጣዕሚ፣ ብጣዕሚ ኽፉት ኔሩ፣ ቀጥታ ትሪአኒ ተሎ ሕርቃነይ ወሲኹ። ናይቲ ሽማግለ ገፅ ኣይረኣየንን ኔሩ። እቱ ዓይኒ ጥራሕ፣ እቲ ኸቢድ ሰመያዊ ዓይኒ ኔሩ ዝረኣየኒ፣ ደመይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰውነተይ ከም በረድ ዝሒሉ።
ናይ ምስማዕ ክእለተይ ኣዚዩ ወሲኹ ኣሎ ኣይበልኩኹምን? ፍጥን ዝበለ፣ ድኹምን ልስሉስን ድምፂ ክሰምዕ ጀሚረ፣ ልክዕ ብድሕሪ መንደቕ ኮይንካ ከምዝስማዕ ናይ መንደቕ ሰዓት ዝመሰለ ድምፂ። ናይቲ ሽማግለ ውቅዒት ልቢ ኔሩ። ፀጥ ኢለ ጠጠው ክብል ሞኪረ። ግን እቲ ድምፂ እናወሰኸ ከይዱ። ናይቲ ሽማግለ ፍርሒ ኣዚዩ ከቢድ ኮይኑ ኔሩ ማለት እዩ። እቲ ድምፂ እናወሰኸ እንትመፅእ ሕርቃነይ እውን ወሲኹ እናገደደን ዘሕምም እናኾነ መፂኡኒ። ኣብቲ ፀጥ ዝበለ ለይቲ፣ ኣብቲ ናይቲ መደቀሲ ክፍሊ ናይ ፀልማት ፀጥታ ሕርቃነይ ናብ ፍርሒ ተለዊጡ - እቲ ልቢ ዓው ኢሉ ካብ ምህራሙ ዝተልዓለ ዝኾነ ሰብ ክሰምዕ ከምዝኽል ርግፀኛ ኮይነ። እቲ ግዘ በፂሑ ኣሎ! ናብቲ ክፍሊ እናጎየኹ “ሙት! ሙት!” እናበልኩ ኣተኹ። ኣብ ልዕሊኡ ዘሊለ ዓሪፈ በቲ ናይ ዓራት ሽፋን ክዕፍኖ ምስ ጀመርኩ እቲ ሽማግለ ዓው ዝበለ ናይ ፍርሒ ድምፂ ኣስመዐ። እስካብ ሽዑ ልቡ እናወቕዐት ኔራ፤ ግን ክዕወት ቁሩብ ከምዝተረፈኒ ምስፈለጥኩ ፍሽኽ ኢለ። ንነዊሕ ደቓይቕ እታ ልቢ ትወቅዕ ኔራ፤ ኣብ መወዳእታ ግን ምውቃዕ ጠጠው ኣቢላ። እቲ ሽማግለ ሞይቱ። እቱ ናይ ዓራት ሽፋን ኣልዒለ እዝነይ ናብ ልቡ ኣፀጊዐ ኣዳሚፀ። ድምፂ ዝበሃል ኣይነበረን። ሞይቱ ኔሩ! ከም እምኒ ሙውት ኮይኑ። ካብ ገዲም ዓይኑ ኣይርብሸንን።
እሞ ዕቡድ ትብሉኒዶ? ማንም ከምዘይረኽቦ ጌረ ከመይ ነቲ ኣካላቱ ከምዝሓባእኽዎ ተትሪኡ ኔርኩም። መጀመርታ ርእሱ ፈሊየዮ፣ ቀፂለ ኢዱን እግሩን። ኣብቲ መሬት ደም ከይንጠባጠብ ብጣዕሚ እናተጠንቀኩ ኔረ። ክብቲ ገዛ ንፃፍ ዝነበሩ ሰለስተ ጣውላታት ኣልዒለ ዝቖረፅኩዎም ኣካላት ኣብኡ ጌረዮም። ካብኡ እቶም ጣውላታት ኣብ ቦተኦም መሊሰዮም፣ ብጥንቃቐ ኔሩ፣ ኣዚየ ተጠንቂቐ ካብ ምንባረይ ዝተልዓለ ዝድላዩ ዓይኒ ወዲ ሰብ ተላዒሎም ከምዝነበሩ ፍፁም ክፈልጦም ኣይከኣሎን።
ነዚ ምስ ወዳእኹ ካብ በሪ ድምፂ ሰሚዐ። ኣጋ ወጋሕታ ዓሰርተ ሰዓት ኔሩ፣ ገና ፀልማት እዩ ዘሎ። ነቲ በሪ ክኸፍት እንትኸድ ምንም ዘፍረሐኒ ነገር ኣይነበረን። ሰለስተ ሰባት ኔሮም፣ ሰለስተ ፖላይስ። ካብ ጎረባብተይ ሓዲኡ እቲ ሽማግለ እንተእዊ ሰሚዑ ፖሊስ ፀዊዑ ኣሎ፤ እዞም ሰለስተ እዚኦም ሕቶታት ክሓቱን ነቲ ገዛ ክፍትሹን እዮም መፂኦም።
እቶም ፖላይስ ክኣትዩ ዓዲመዮም። እቲ ድምፂ ናይ ባዕለይ ከም ዝኾነ ነጊረዮም፣ ብሕልመይ እዩ። እቲ ሽማግለ ከይዱ እዩ ኢለዮም፤ ናብ ገጠር ንዓርኩ ክሓትት እዩ ከይዱ። ኩሉ ነገር ክፍትሽዎ፣ ብደንቢ ክፍትሽዎ እናነገርኹ ሙሉእ ገዛ መሪሐ ኣሪአዮም። ኣብ መወዳእታ ናብቲ ናይ ሽማግለ መደቀሲ ክፍሊ ወሲደዮም። በኣኣቶም ፀወታ እናተፃወትኩ ቁሩብ ኮፍ ኢሎም ከዋግዑ ጋቢዘዮም።
ቅልል ዝበለን ዝተረጋገዐ ኩነታተይ እቶም ፖላይስ ዝነገርኽዎም ታሪኽ ክኣምኑኒ ጌሩዎም። ኮፍ ኢሎም ከም መሓዙት ከዋግዑኒ ጀሚሮም። ዋላ ኣዘራርባይ ኣይቀየር እምበር ብዙሕ ከይፀናሕኹ ተዝኸዱለይ ክምነ ጀሚረ። ርእሰይ ከሕመኒ ጀሚሩ፣ ኣብ እዝነይ ከዓ ዘይነበረ ድምፂ ክስመዓኒ ጀሚሩ። ብዙሕ ተዛሪበ፣ ኣዘራርባይ ድማ ቀልጢፉ። እቲ ድምፂ እናፀረየ መፂኡ። ኮፍ ኢሎም ምውግዖም ቐፂሎምሉ ኣለዉ።
ሃንደበት እቲ ድምፂ ኣብ እዝነይ ዘይኮነስ ኣብ ርእሰይ ከምዘሎ ተፈሊጡኒ። ኣብዚ ቅፅበት እዚ ፃዕዳ ከይመሰልኩ ኣይተርፍን። እናቐልጠፍኩን ዓው እናበልኩን ይዛረብ ኔረ። እቲ ድምፂ እውን ዓው ክብል ጀሚሩ። ፍጥን ዝበለ፣ ድኹምን ልስሉስን ድምፂ እዩ ኔሩ፣ ልክዕ ብድሕሪ መንደቕ ከምዝስማዕ ናይ መንደቕ ሰዓት ዝበለ፣ ብደንቢ ዝፈልጦ ድምፂ እዩ ኔሩ። ዓው እናበለ፣ ዓው እናበለ መፂኡ። ንምንታይ እዮም እዞም ሰባት እዚኦም ዘይኸዱ? ዓው፣ ዓው ኢሉ። በርደግ ኢለ ኣብቲ ክፍሊ ውሽጢ ናብዚን ናብቲን ጎርደድ ክብል ጀመርኩ። ነቲ ወንበረይ ኣብቲ ምድሪ ገዛ ንኒየ ደፊአ ተወሳኺ ድምፅታት ይፈጥር ኔረ፣ ነቲ መስካሕከሓይ ድምፂ ንምዕባጥ ኢለ ኔረ ከምኡ ዝገብር ዝነበርኩ። ዋላ ወሲኸ ዓው ኢለ ክዛረብ ጀሚረ። እቶም ሰባት ግን ኮፍ ኢሎም ፍሽኽ እናበሉ ምዝራብ ቂፂሎሙሉ ኣለዉ። ኣይስመዖምን ማለት ድዩ ናይማን?
ኣይኸውንን! ይስመዖም እዩ! ርግፀኛ እየ። ይፈልጡ እዮም! ሕዚ ንሳቶም እዮም በኣይ ዝፃወቱ ዘለዉ። ብፍሽኽተኦምን በቲ ድምፂን ካብ ዝኽእሎ ንላዕሊ እናተሳቐኹ ኔረ። ዓው፣ ዓው፣ ዓው ይብል ኣሎ! ሃንደበት ካብ ዝፃወሮ ንዓቐብ ኮይኑኒ። ናብቶም ጣውላታት እናኣመትኩ ተዛሪበዮ፣ “ቐቲለዮ እየ። ንምንታ እዩ ግን ልቡ ምህራም ጠጠው ዘይተብል?! ጠጠው ዘይተብል!?” ኢለ።

***

(The Tell-Tale Heart, Edgar Allan Poe.)
©2010/2018 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።