Skip to main content

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (8)

8. ኣፍራስ መቐለ
ግደይ ገብረኪዳን

ሰብ ማለት ዘመዛዝን ፍጥረት እዩ ዝበለና ፈላስፋ እዩ ኣጋጊዩና። ኣዬ ኣርስቶትል! ወይ ከዓ ኣርስቶትል ከምዚ ኢሉ ኢሎም ዝነግሩና ሰባት ኣሕፂሮም ነጊሮምና ኣለዉ። ሕሾት ኮይኑ ዘይኮነስ ፍርቂ ሓቂ ብምዃኑ እዩ። ሰብ ከምድላዩ ከገናዝብ፣ ከስተንትን፣ ከውፅእን ከውርድን ይኽእል እዩ ኮይኑ ግና ኣብ መወዳእታ ዝበፅሖ ነገር እንተሃለወ ናይ ባዕሉ ኣብ ዝኾነ ምልከታ እዩ እምበር ኣብ ሓቂ ኣይኮነን። ፕሮታጎራስ “ናይ ኩሉ ነገር መዐቀኒ ሰብ እዩ” እንትብል ዓብዪ ጌጋ ፈፂሙ ኔሩ። ሰብ ደኣ ወሪድዎ ናይ ዓርሱ ምልከታ መዐቀኒ ጥራሕ እዩ ዝኸውን እምበር ናይ ነገር ኩሉ መዐቀኒ ክኸውን ኣይኽእልን።

ነገር ኩሉ ሰብ ከምዝኣመኖ ጥራሕ እዩ ኢልና እንተሓሲብና ክንጠፍእ ኢና። ሓቂ እማ ኣሎ ዘይዝረብ ኮይኑ እምበር። ጲላጦስ ንክርስቶስ “ሓቂ እንታይ እዩ?” ኢሉ እንትሓቶ መልሲ ኣይሃቦን። ክርስቶስ እኮ ንኹሉ ነገር መልሲ ዘለዎ እዩ! ንምንታይ ደኣ ዘይመለሰሉ? ሓቂ ኣይዝረብንያ፤ ይንበር እምበር። ክርስቶስ ከዓ “ሓቂ፣ መንገዲን ህይወትን ኣነ እየ” ኢሉ እዩ። ተኣሲሩ ብሽማግለታት ፈሪሳውያን እናተበሳበሰ “ሓቂ ኣነ እየ” እንተዝብሎ ትርጉም ዶ ምሃለዎ?
ምምዝዛን ዝበሃል ነገር እዩ ናብዚ ኣእቲይኒ፤ መቐለ ኣብ ስግግር ዘላ ከተማ እያ። ምስ ብስክሌት፣ ሞተር፣ ባጃጅ፣ ናይ ማእኸለዎት ሃፋትም ቪትዝን ናይ ጅንን ሃፋትም ሂሉክስን ናይ ሰበ ስልጣናት ፓጃሮን ምስ ጋሪ ብሓደ ነቲ ኣስፋልቲ ይጥቀሙሉ። ነቲ ሓባጥ ጎባጥ፤ ነቲ ኣብ ሽግግር ዘላ ከተማ ከም ዝኾነት ዓው ኢሉ ዝዛረብ ዝተነፅፈ ካርታመ ዘይኮነስ ዝፈሰሰ ዝመስል ኣስፋልቲ መንገዳ፤ ብሓደ ይጥቀሙሉ።
ቶልስቶይ “ያርድስቲክ” (መለክዒ) ዝበሃል ናይ ፈረስ ታሪኽ ኣለዎ። እዚ ፈረስ ዘይረኣዮ ዓለም የለን፣ ካብ ንእስነቱ ክሳብ ኣጋ እርጋኑ ካብ ካብ መሳፍንቲ ጀሚሮም ኣብ መወዳእታ ክሳብ ዘወርቲ ጋሪ ወኒኖምዎ እዮም። ብዛዕባ ፈረስ ከምዚ ተፃሒፉ ዘንበበ በዓል ጋሪ ልቡ ከይትንከፍ ይኽእል እዩ ከማይ ዝበለ ቦቕቧቕ ግና ነዚ ታሪኽ ኣንቢቡ ልቡ ምትንካፉ ዘይተርፍ እዩ። ኣብ መቐለ ኣፍራስ ጋሪ እንትጉትቱ ብዝራእኽዎም ቁፅሪ እዚ ፈረስ ውን ይብለኒ።
ፈረስ መልክዑ ደስ ይብለካ እዩ። ተኣማናይነቱን ተኣዛዛይነቱን ዝገርም እዩ። ሓደ ቶን ዝተፅዓኖ ጋሪ እናጎተተ ፀጉሩ ምስ ርእሱ ሓፍ ትሕት እናበለ እንትውልብለብ ስቅያት ክስመዐካ ይገብረካ። ጠጠው ኢሉ ክፀዓኖ እናተፀበየ ፅግዕ ኢልካ ንዓይኑ እንትትሪኦ ሰብ ኮይንካ ምፍጣርካ የሕፍረካ። ኣብ ጅብሩኽ ሓደ ፃዕዳ ፈረስ ሪአ ኔረ። ፅግዕ ኢለ ዓይኑ እንትሪኦ ከም ካልኦቶም ኣይኮነን። ብርማ እዩ። ገሪምኒ። ናይማን እዚ ፍጥረት ዘየመዛዝን ይኾን ዶ ኾን ኢለ ንዓረሰይ ሓቲተ። ትኽ ኢለ ነቲ ዓይኑ እንትሪኦ እተን ዓይንታት ኣብ ገፅ እንሰሳ ዝኾነ ፈረስ ዘይኮነስ ዓሚዩቕ ሓሳብ ዝሓስብ ፍጥረት የዒንቲ መሲለናኒ።
“ኣንታ ፍትሓዮ! ስደዶ! ስደዶ በረኽኡ! መን ስለዝኾንካ እዩ ንስኻ ከምዚ ጌርኻ ነዚ ዝመስ ክቡር ፍጥረት ጠፊርኻ ትኣስር!” ክብል ደሊየ ኔረ ግን እንታይ እሞ ይገበር በየናይ መሰለይ!
መቐለ ዘሕዝነካ ከምዚ ዝተገልገሉሎም ኣፍራስ እንትሓሙን እንትቖስሉን ክሳብ ዝሓውዩ ወይ ዝሞቱ ፎቐድኡ ረሲዖምዎም ትርኢ። ሓንከስ ዝብሉ ፈረሳት ጋሪ እንትጎቱ ትርኢ። እዋይ ሰብ! ብቕድሚት ገፁ የማይ ኢዱን ደረቱን ደም ጠልቂዩ ዝረኣኽዎ ፈረስ ኣይርስዖን። ንበይኑ ሓደ መንእሰይ እናጎተቶ ሓንከስ እናበለ ይኸይድ ኔሩ። ወዲቑ ወይ ሓደጋ መኪና ገጢምዎ ይኾን። ኣፍራስ እኮ ኣብ ሓደ እዋን ሰባት ናብ ኲናት ሒዞሞም ዝኸዱ ዝነበሩ እዮም። ኣፍራስ እኮ እቶም ንፈትዎም ነገስታትናን መሳፍንትናን ኮፍ ኢሎምዎም እንሪኦም እዮም። መሳፍንትና እኮ በፍራሶም ስም እዮም ዝፅውዑ ዝነበሩ። ንፈረስ ዘለና ኣክብሮት ናበይ እዩ ጠፊኡና? ሎሚ ገንዘብ ጥራሕ እዩ ክቡር ኮይኑ። ኣዬ ዘመን!
ሓደ ግዘ ኮፍ ኢልና ቡን እናሰተና ብሎኬት ዝጉትቱ ኣፍራስ ፊት ነፊትና ካብ ዘሎ መጋባይ ናይ ኮብልስቶን መንገዲ ብናህሪ እናጎየዩ ይመፁ ኔሮም። በዓል ዋና ኣብ ልዕሊ ጋሪ ጠጠው ኢሉ “ቼ” እናበለ ሓለንግኡ የእውያ ኣሎ። ጫማ ኣፍራስ ሓፂን እዩ። እቲ ሓፂን ከዓ እናለመፀ ዝኸይድ ነገር እዩ። ኣብ ኮብልእስቶን ኮነ ኣብ ኣስፋልቲ የንሸራትቶም እዩ። ነዚ እናፈለጠ ግን ነቶም ዝጎትዎ ክልተ ኣፍራስ የጓይዮም ኔሩ። ቀጥታ ትኽ ኢሉ ናብቲ ኮፍ ዝበልናሉ ኣስፋልቲ መንገዲ እዩ ካፍቲ መጋቢ መንገዲ ዝወፅእ ዘሎ። ምስ ወፀ ምዕፃፍ እምበር ቀጥታ ክኸድ ኣይኽእልን። ቀጥታ መንገዲ የለን ኮፍ ዝበልናሉ ገዛውቲ እዩ ዘሎ። ቴስዓ ዲግሪ መዕፀፊ ከመይ ኢሎም እዮም ኣፍራስ በቲ ዝመፅዎ ናህሪ ክጥወዩ? እናንሸራተቶም? ናብቲ ኣስፋልቲ ምስ ወፁ ንፀጋም ገፁ ክጥወዩ እንትገብር ይኣብዮም እሞ ኣፍራስ ይንሸራተቱ። ጋሪ ከም ግዛዕ ኢላ ተቖፃፂያ ትግለበጥ። እቲ ኣውራ ፈረስ ወዲቑ ዕንቀዓ እንቀዓ ይትንፍስ። በዓል ጋሪ ዘሊሉ ወሪዱ “ዋይ ኣነ ፈረሰይ ሞይቱ” ይብል። ወይለይ መጀመሪያ እዩ ምሕላይ እምበር ሕዚ ደኣ እንታይ ዋጋ ኣለዎ? ብስቅያት ፈረሱ ዋላ ሓንቲ ዘይሰቆኖስ ዝሞተ እንትመስሎ ዓለም ተገላቢጣቶ። ጉዳይ ኸብዲ እዩያ።
ሰባት ተኣኪቦም ዝተኣሳሰረሉ መቝሕን ጎማታትን ፈታቲሖምን በጢሶምን ፈረስ ነፃ ከውፅእዎ ይቃለሱ። ክብጥሱ “ካራ ኣምፅኡ” ይብሉ፤ ኣዋልድ ካብቶም ካፌታት ካራ ሒዘን ይመፃ። በዓል ጋሪ ዝዛረቦን ዝገብሮን ኣይፈልጥን። “ፈረሰይ ሞይቱ፤ ኣንታ በቃ ሞይቱ ኣሎ” ይብል። ምንም ከምዘይኮነ እንተነገርዎ ኣይሰምዕን፤ ምስ ነፍሱ የለን። እዚ ዝኾነ ግን ፈረስ ዝሞተ ስለዝመሰሎ እዩ። እንጀራ ገመዱ እንትትብጠስ ተራኢይዎ እዩ ዝድንግፅ ዘሎ። ደቁ እንታይ ከብልዖም እዩ? ቆልዑት ይህልይዎ ይኾኑ። ዝተኸደኖ ክዳን ዘመናዊን ቆንጆን ዝበሃል እዩ። ቦርጫም እዩ ኣብ ርእሲኡ። ተጎንቢሑ ምስቲ ዝወደቐ ፈረስ ዝተኣሳሰረሉ ነገራት ምቅላስ ገዲፉ ናባይ ቅርብ እናበለ “ፈረሰይ ሞይቱ ኣሎ እወ ዶ?” ኢሉኒ። ብሕርቃን ኣፍጢጠሉ መልሲ ኣይሃብክዎን። እቲ ፈረስ ግን ምስ ተፈትሐ ጠጠው ኢሉ። ከይደ ሓቝፈ ክስዕሞ፣ ኣይዞኻ ክብሎ ደሊየ ኔረ ግን ኣይገበርክዎን።
ብርግፅ ድኻታት ኢና። ኩሉ ሰብ ክጥቀመሉ ንዝኽእሎ ወገን እናተጠቀመ ናይ ዕለት እንጀርኡ ክረክብ ዝፅዕረላ ድኻ ናይ ቃልሲ ከተማ እያ፤ ዋላ እንተኾነ እውን ግን ዝተወሰ ሰብኣዊነት ኣይህልወናን ድዩ? ድኽነት ሓጢያት እዩ ዝበልዎ ነዚ ይኾን እምበኣር።
ዶስቶየቭስኪ ናይ ሰባት ሰብኣዊነት ዝልካዕ ንእንስሳት ብዘርእይዎ ርህራሀ እዩ ኢሉ ኔሩ። በዚ መለክዒ እንተሪእናዮ ኣብ መቐለ ርህራሀ ዝበሃል የለን። ሰባት ውነኦም ምስ ገንዘብ ጥራሕ እዩ። ኸስቢ ዘይብሉ ነገር ዕሽነት እዩ ዝመስሎም። ኣየይ ዘይምፍላጥ። 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።