Skip to main content

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (1)

1. ፀርፊ
ግደይ ገብረኪዳን

እንታይ እዩ ትግራዋይ? ትግራዋይ ማለት ብዝለመዶ ረዊዩ ዝነብር ዓይነት እዩ፣ ብቐሊሉ ዓጋባይ እዩ፣ ዓጋባይን ሕጉስን እዩ። ፀኒሐ ግልፂ ክገብሮ እየ። ናብታ ፀርፊ ንመለስ።

ብኣየር እንትጓዓዝ ናይ መጀመርታ  ግዘይ እዩ። ናብ ላዕሊ ምድያብ ይፈርሕ እየ። ናይ ንውሓት ፍርሒ ኣለኒ። ናብ ኣየር ንምድያብ ትኬት እንትወሃበኒ፣ ጫማይ ከይተረፈ ኣውፂአ እንትፍተሽ፣ ኣብ ሻንጣይ ቆጢበ ኢለ ሒዘዮም ዝነበሩ መፃሕፍቲ ክብደት ስለዝበዝሐ ቀኒሰ ብካርቶን ከእሽግ ተነጊሩኒ እንተእሽግ፣ ኣእሺገ እንተረክብ፣ ዘፋነወኒ ሓወይ ንመወዳእታ ግዘ ቻው እንትብለኒ፣ ቁፅሪ በረራይ እስካብ ዝፅዋዕ ኣብ ዝፅበየሉ ቦታ ኮይነ ብደገ ኣየራት እንትለዓሉ እንትርኢ፣ ቁፅሪ በረራይ ተፀዊዓ እታ ናይ መወዳእታ በሪ እስካብ ዝሓልፍ፣ ሓሊፈ ኣየር ተሳፊረ እዛ ኣየር በራ ተዓፂዩ ምንቅስቓስ ጀሚራ እዘን ኣተኣናገድቲ ቀበቶና ክነስጥምን ኣብ ሓደጋ ግዘ ኣብ ርእስና ዝተሓብኡ ነገራት ቡልቕ ኢሎም ወፂኦም ከመይ ከም እንጥቀመሎም ገለፃ እንትገብራልናን፣ እዛ ኣየር ጎያ ምንስፋፍ እስካብ እትጅምር ግዘ ናይ ንውሓት ፍርሓት ከም ዘለኒ ረሲዐዮ ኔረ።
ልክዕ ሓፍ እንትትብልን ኣነ ንታሕቲ እንትርኢን ልበይ ዘግ ኢላ ናብ ከብደይ ዝወደቐት ክሳብ ዝመስለኒ እንትነፍር ካብ መሬት ብነዊሕ ርሕቐት ናብ ላዕሊ ምድያብ ማለት ከም ዝኾነ ዘንጊዐዮ ኔረ። ደሓር ግን ወዲያው ክሃድመሉ ዝከኣለኒ ቦታ ከምዘየለን፣ እዛ ኣየር እውን መቐለ እንተይዓረፈት መሬት ከምዘይትንክፍ እንትፍለጠኒ፣ እስካብ ሎሚ ናብ መቐለ ኣሽሓት በረራታት ከምዝተገበሩ ሓሲበ ፍርሓተይ ናይ ስነ ልቦና ከም ዝኾነ ኣሚነ ኣብ ወንበረይ ሰላም ክስመዐኒ ከምዘለዎ ወሲነ ክረጋጋዕ ጀሚረ። ሓፍ በጠቕ ትብል ጀሚራ ዝነበረት ልበይ ናብ ንቡር ቦተኣ ተመሊሳ። ፈረንጂ እንታይ እዮም ዝብሉ፦ መማረፂ ዘይብላ ኣንጭዋ፣ መምለጢኣ ምጅጋን ጥራሕ ዝኾነት ኣንጭዋ፣ ኣንበሳ ክትኾነካ ትኽእል እያ ይብሉ። ምስ ተረጋጋዕኹ ሞባይለይ ኣውፂአ ብመስኮት ፎቶ ምልዓል ጀሚረ።
ድሕሪ ሓምሳ ደቓይቕ መቐለ በፂሕና ብሰላም ዓሪፍና። ካብ ኣየር ምስ ወረድኩ ሻንጣይን ብካርቶን ዝተኣሸገ መፃሕፍተይን ኣበይ ከምዝርከቦም ዘንጊዐ “ሻንጣ በዚ እዩ..” ክብላ ዝሰማዕኽወን ክልተ ኣጓላት እናተኸተልኩ እንትኸድ እቲ ሰባት ተፈቲሾም ዝኣትዉሉ ቦታ ሓሊፈዮ ወፂአ ንዓርሰይ ረኺበዮ። ንዘብዐኛ እንትሓትት ክምለስ ነጊርኒ እንትምለስ ኣዲስ ኣበባ ክሳፈር እንትኣትው ከምዝነበረ ፍተሻ መሊሰ ጫማይን ቀበቶይን ኣውፂአ ተፈቲሸ ተመሊሰ ኣቲየ። ዋይ መኸራ! በቲ ሻንጣ ዘለዎ ቦታ እንተመላኽቱኒ ንቐደም ሽቓቕ ክጥቀም ኢለ ይኣትው። ኣብኡ እንትኣትው ኣብቲ መንደቕ ፀርፊ ተፅሒፉ የንብብ። እንተወሓደ እቲ ዝፀሓፎ ሰብ ፀርፊ እዩ ኢሉ እዩ ኣብ ሽቓቕ ዝፀሓፎ። ብኣካልን ብታሕጓስን ኣብ ሰማይ ዝነበርኩ ሰብ ኣብ መረበተይ እንትበፅሕ እዚ ፀርፊ እዚ እንትቕበለኒ ምርኣየይ ዘሕርቕ ኮይኑኒ ኔሩ። ብሰመያዊ እስክርቢቶ ኣብቲ ፃዕዳ ሴራሚክ መንደቕ እዩ ተፃሒፉ ዘሎ። “ትግሬ” ይብል። ነዚ ዝፀሓፎ ኣብ መቐለ ዝፀንሐ ትግራዋይ ዘይኮነ ሰብ እዩ። እዛ ከተማ እንታይ ጌራቶ ትኾን ብፀርፊ ክፍለያ ዝመረፀ? ንጋሻታት ክፍእቲ ኮይና ድያ? ከመይ ከ እዞም ሰራሕተኛታት ፅሬትን ኣባላት እቲ ቤት ዕዮ ነዚ ሪኦም ንምጥፋእ ግዲ ዘይሃቦም? እስክርቢቶ እዩ ንምጥፍኡ ቀሊል ከም ዝኾነ ይግምት። ዘኽቲ ከም ድላዩ ጫዲሩላ ኣሕጒሶምዎ ንዝገድፋ ዘሎ ከተማ ወነንቲ እዩ እኮ ይፃረፍ ዘሎ ዝኾን? ነዚታት እናሓሰብኩ ኣነ እውን ከጥፍእ ከይሞከርኩ ወፂአ። ኩልና ሓደ ሕማምና። ንምንታይ ኣጋይሽና ካብ ኩሉ ንላዕሊ ከምዝዳፈሩና ክበፅሐሉ ግና ገና ሰለስተ ወርሒ ክፅበ ኔርኒ።
ኣብ መቐለ ሓዱሽ ሰብ እንትሪኡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዘለዉ ሰባት ብኣምሓርኛ ከናግሩኻ ይብሉ። ሰባት ኣብ ታክሲ፣ ኣብ ካፌን ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዓው ኢሎም ኣምሓርኛ እንትዛረቡ ትሰምዕ እሞ ኣምሓሩ ዝበዝሑ ይመስለካ … ፅንሕ ኢልካ ኣምሓርኘኦም ናይ ትግርኛ ላዛ ዘለዎ ምዃኑ እንትትፈልጥ ወይ ባዕላቶም ብትግርኛ ምንግጋር እንትጅምሩ የግርመልካ። እንተወሓደ ኣዲስ ኣበባ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ንዝፀንሐ ሰብ ከግርመሉ እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፅላእቲ ተጋሩ ንበይኑ እዩ። ኣብዚ ከዓ ንኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፍቕሪ ፍሉይ እዩ። እዞም ተጋሩ እዚኦም ኣዲስ ኣበባ እንትኸዱ ድማ ብመንነቶም ሕቡናት ካብ ምዃኖም ዝተልዓለ ዓው ኢሎም ብትግርኛ እንትናገሩ ኢኻ ትሰምዖም። ዓው ኢሎም ብትግርኛ እንትዘራረቡ ነቶም ኣብ ጥቐኦም ዘለዉ ሰባት ይፃብእዎም ከምዘለዉ ስለዝፍለጦም እዮም ከምኡ ዝገብሩ ዘለዉ። እዚ እዩ ናይ ተጋሩ ፀገም። ፀገም ዘይምብሳልን ንነገራት ካብ ስምዒት ብላዕሊ ምርኣይ ዘይምኽኣልን። ኣብ ትግራይ ኣምሓሩ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከዓ ተጋሩ። ከም ህፃናት ምፅራር ይገንሖም ኣሎ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፖለቲካዊ ዋዒ ሪኢኻ መቐለ እንትትመፅእ ደቂሳ እናሓርነኸት ኢኻ ትረኽባ። እዚ ግን ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ እዩ።  መቐለ መፂአ ክልተ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዝገበርኩሉ ግዘ ዘዘራርቦ ሰብ ኩሉ ብዛዕባ ሰሪሕኻ ምልዋጥ፣ ገዛ ምውናን፣ ሓዳር ምግባር … እምበር ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮነ ብዛዕባ ከተምኡ ተርእዮ ድኽመታት ኣጀንድኡ ኣይኮነን። መታወቂያን ንግዲ ፍቓድን ከውፅእ በብቀበሊኡን ክፍለ ከተምኡን እንትዞር ዝራእኽዎ ኣዚዩ ድሑር ዝኾነ ምሕደራ፣ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን (ብደንቢ መዓዝ ተቖፂሩ ሚሊዮን እውን ይኾን) ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ምሕደራ ዘይኮነስ ምሕደራ ሓንቲ ንኢሽተይ ቁሸት ዝመስል ኣሰራርሓ ከምዘለዋ ዝነግሮ ሰብ ኩሉ ስሒቑ ይሓልፎ እምበር ዘገድሶ ኣይነበረን።
“ንፖለቲካ ህወሓት ኣላ፣ ንሳቶም ይረባረቡሉ” እዩ እምነቶም። ንሳቶም እናሃለዉ ኣብዚ ኣነ እውን ተሓዊሰ ክጓየ ምባል ከም ፋራነት እዩ ዝቑፀር። ንህወሓት ዘብዐኛ፣ ሓላዊ ዶብ ፀገማት ህዝቢ ጌርካ ንዓርስኻ ዱልዱል ናብራ ምምራሕ እናተኽኣለ ብዛዕባ ማሕበራዊ ጉዳያት ምሽቓል እንታይ ደኣ እዩ ፋራነት እተዘይኮይኑ? ምስታይ፣ ምስሓቕ፣ ምብላዕ፤ በዓላት ምኽባር፣ ዕርክነት፣ ሥራሕ… ዝወጠራ ከተማ።
ኣብይ ኣሕመድ፣ ዶክትሬት ፅሑፉ ዘይተሓተመ ዶክተር፣ ክምረፅ ጎስጓስ እንትገብር ብሓደ መዓልቲ ናይ ዊኪፒዲያ ገፁ 50 ግዘ ዝተኣረመ፣ ገፅታ ስብእንኡ ንምህናፅ ብዘይ ሕፍረት ብእንግሊዘኛ እናንበበ ቃለ ምህትት እንትገብር ካብ ካልኦት ፖለቲከኛታት፣ ደረስቲን ኮመዲያንን ከይተረፈ ዝፀሓፍዎ ሰሪቑ ከም ናይ ዓርሱ መልሲ ጌሩ ዘቕረበ፣ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ እንትእወጅ ናይ ዲያስፖራ ሓይልታት ፈሪሑ ኣብ ፓርላማ ዘይተረኽበ… እዚ ኣብይ ኣሕመድ እዚ እንትምረፅ ግዲ ዝሃቦም ብዙሓት ኣይነበሩን። ኣብ መቐለ መፂኡ ህወሓት ካብ ወረዳ ዝኣከበቶም ሓረስቶት ኣብ ኣዳራሽ ደርዲራ ከጣቕዑሉ ጌራ ንዝተረፈ ሃገር ንሱ ብዝኸዶም ቁፅሪ ውድድር ድምቀት ጣቕዒት ብዕሊ ኣጀሚራቶ። ንሱ እውን ነዚ ጣቕዒት ናብ ፖለቲካዊ ትርፊ ቀዪርዎ።
ንነባራት ሰበ ስልጣን ህወሓት ብሓንቲ መስመር ደብዳቤ ጡረታ ኢሉ እንተፋንዎም፣ ደቂሳ ዝነበረት ከተማ መቐለ ቁሊሕ ምሊሕ ክትብል ጀሚራ። ህወሓት ኣላ እናበልዋስ ሸርተት ክትብል ሪኦማ። 16 ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣብይ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ተባሂሉ ዝተግሃደ ኣንፃር ህብረ ብሄራዊነት ዝኾነ ተርእዮታት ተጋሩ ክበራበሩ ጌርዎም። እዚ እውን ግን እኹል ኣይነበረን። ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰላም ኣውሪድና እንትበሃል ዝተሓጎሱ ኔሮም። ይተሓጎሱ፤ ተወሓደ ግን ሰብ ንነገራት ብሸለልታ ምሕላፍ ጠጠው ኣቢሉ ኣሎ። ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉዎ መፃብብ ሰብ ክሰምዕ ጀሚሩ፣ ተጋሩ ሲቪል ሰራሕተኛታት ብትግራዋይነቶም ካብ ስርሖም እንትሰናበቱ ህዝቢ ሰሚዑ። ናይ ህዳሰ ግድብ ስራሕ መካየዳይ ዝነበረ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ኣብ ውሽጢ ጠጠው ዝበለት መኪንኡ ሞይቱ ተረኺቡ። ተጋሩ እዚ እንትሰምዑ ሓሪኖም። መጨረሻ ካብ ጣቕዒት ናብ ዕላዊ መግለፂ ተቃውሞ ምሃብ ኣቲያ ዝነበረት ህወሓት እናደጋገመት ትፅወዖ ነበረት ሰላማዊ ሰልፊ ንኹሉ ትግራዋይ ከምዝውክል ጌራ ኣዳሊያ ልዑል ስምዒት ትግራዋይነት ብዝነገሰሉ መልክዑ ሓሊፉ። ኣብዚ ግዘ ኣብይ ኣሕመድ ኣሜሪካ ከይዱ ምስ ተረፍ መረፍ ደርጊ ይጭድር ኔሩ።
ኣነ እንትመፅእ ምሒር ደቂሳ ረኺበያ ዝነበረት ከተማ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ከመ ቅፅበት ተበራቢራ ብተሪር ሕራነ ጠጠው ኢላ ትረአ ኣላ። እዚ እዩ ተጋሩ ዓገብቲ እዮም ዘበለኒ። ናብ ከተምኦም ክሳብ ዘይበፅሐ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ፖለቲካ ፅላእቲ ዋኒኖም ኣይነበረን። ኣምሓርኛ ይዛረቡ፣ ይደርፉ፣ የንብቡ…። ኣሽሓት ተጋሩ እናተፈናቐሉ ህወሓት ከዕርይዎ እዮም ብዝብል ከታኽሱ መሪፆም ኔሮም። ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ንዝረኣዮም ሸለል በሃላይነቶም ዘየሰንብዶ ኣይምነበረን። “መቐለ ናይ ፍቕሪ ከተማ እያ” ይብሉኻ። “ሰብ ብዛዕባ ስራሕ እዩ ዝሓስብ” ይብሉኻ። ፍቕሪ ዝህብዎም ዝነበሩ ኣጋይሾም ግና ተፃሪፎም ይኸዱ ኔሮም። እዚ ዓጋባይነቶም ዝሪኡ ኣጋይሽ ንተጋሩ ኣዚዮም ዝዳፈሩ ይኾኑ። ሎሚ ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ምሒር ንተጋሩ ዝፀልኡን ዝፀርፉን ሰባት ኮይኖም ዝወፁ ዘለዉ ኣብ መቐለ ዩኒቨርሲቲ ዝተምሃሩን ዝሰርሑ ዝነበሩን ኣጋይሻ እዮም።
ኣብ ዓዲ ኣምሓራ ትግራዋይ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ እናበፅሖ መቐለ ብኣምሓርኛ ደርፊ እናሳዕሰዐት ትሓድር ኔራ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ ምሒር ተለዓዒሎም ገለ ዘየድሊ ፅላእቲ ኣምሓራ ዘርእዩ ውልቀ ሰባት ክገጥሙኻ ይኽእሉ እዮም። ብሓፈሻ ግን ሕዚ እውን ሰብ ሰልፊ ወፂኡ ዓጊቡ ዝደቀሰ ይመስል፤ ትግራዋይነት ናብ ድሕሪ ገዛ ተመሊሱ ይድርበ ኣሎ። ጉዳይ ብሄራዊነት ዘቃለሶም ጀጋኑና ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተዉ ዓጊቦም ንትግራይ ዘንጊዖምዋ። ኩልና ሓደ ሕማምና።
ዶስቶየቭስኪ ንጀርመናውያን ዝገልፀሉ መንገዲ ንተጋሩ እውን ይገልፆም እዩ። ምስ ሩሲያውያን እዩ ዘነፃፅሮም ዝነበረ። ሩሲያውያን የመና ተፃረርቲ፣ ነፀግቲ እዮም ቀልቀል ገሃነም እንተደኣ ዘይሪኦም ኣይምለሱን። ዓርሰ ጥፍኣት ብዘምፅእ መንገዲ ንምኻድ ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ እዮም፣ ክበፅሕዎ ዝከኣሎም ናይ ጥፍኣት ጫፍ ምስ በፅሑን ካብኡ ንደሓር ምኻድ ኣብ ዘይኽእሉሉ ነጥቢ እንትኾኑ ከዓ ንዓርሶም ከጥፍኡ ካብ ዝኸዱሉ ርሕቐት ብላዕሊ ጠንኪሮም ንዓርሶም ከድሕኑ፣ ከንፅሁ የመና ጠንኪሮም ይሰርሑ እዮም ይብሎም። ሩሲያውያን ብስቅያት ክነፅሁ ዝደልዩ እዮም ይብሎም። ሩሲያዊ ሰካራም ካብ ጀርመናዊ ሰካራም ዝገደደ ክጨማለቕ ይኽእል እዩ። ግን ሩሲያዊ ሰካራም ሕጉስ ኮይኑ ኣይኮነን ዝሰክር፤ እናበኸየን እናሓዘነን እዩ እምበር ብተግባራቱ ኣይጀሃርን፣ እንተተጃሂሩ ነገር ደሊዩ ጥራሕ እዩ ዝኸውን። ጀርመናዊ ግና ብዝሰኸረ ቁፅሪ ዝገደደ ሕጉስን ዕጉብን ኮይኑ ኮሪዑ እዩ ገዝኡ ዝኣትው ይብል። ጀርመናውያን ዓገብቲን ሕጉሳትን እዩም። ብጀርመናዊነቶም ከዓ ኩሩዓት እዮም። ተጋሩ እውን ብሓፈሻ ዓገብቲን ሕጉሳትን እዮም፣ ብትግራዋይነቶም እውን ኩሩዓት እዮም።
እዚ ባህሪኦም እዩ ከዓ ንመጥቃዕቲ ዘጋልፆም። ዓገብቲን ሕጉሳትን ዝኾኑ ካብ ግርህና እምበር ካብ ዕሽነት ኣይመስለንን። ንኡሳን ሰባት ግና ነዚ ግርህነኦም ከም ዕሽነት ስለዝቖፅርዎ ክዳፈርዎም ይመርፁ። ዓብይ ኮነ ንኡስ ዝህበካ ኣኽብሮት እንትትርኢ የግርመካ እዩ። ዝደለበ ዓርሰ ፍትወት ዘለዎም ወይ ከዓ መን ከማይ በሃልቲ የለዉን ማለተይ ኣይኮነን ብሓፈሻ ግን እቲ ህዝቢ ትሑትን ሰብ ኣኽባራይን እዩ። ተጋሩ “ሕሱር ከም ነብሱ የሕስረካ” ይብሉ። እዚ ሓቂ ኮይኑ ዘኽበርዎም ሕሱራት ከሕስርዎም ይፍትኑ። ግን ብግልፂ ክሳብ ዘይረኣይዎም ምንም ኣይመስሎምን። ናይ ትግራዎት ዓጋባይ ባህርያት ንሕሱራት ፀላእቶም ከም ነብሶም ኣሕሲሮም ክሪእይዎም ዝዕድም እዩ።
ፀገም ዝፍጠር እቶም ከሕስርዎም ዝደልዩ ክተናኽፍዎም እንትጅምሩ እዩ። ተጋሩ ተተንኪፎም እንትሕርኑ ተኣማናይነቶም፣ ተፃዋራይነቶምን ጠንካራ ሰራሕተኝነቶምን ተጠቂሞም ዓቐን ዘይብሉ ጀግንነት ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም። ሰሪሖም እውን ኣሪኦም እዮም።
ትግራዋይ ማለት እዚ እዩ። እታ ኣርስቶትል ዝደልያ ዝነበረ ወርቃዊት ማእኸለወይቲ መጠን (Golden Mean) እትበሃል ነገር ኣይፈልጥዋን። እንትትከፉ ሓራስ ነብሪ፤ ዝትንክፎም እንተደኣ ዘየለ ከዓ ከም ድቢ ፍርቂ ሞት ድቃስ ይድቅሱ።

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።