Skip to main content

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (3)

3. ዝተለኽፉ
ግደይ ገብረኪዳን

“አደዬ አበይʼላ ጓለይ ከይትብሊ፤
“ዋላኹ ኣብ ወሰን መረብ ኣለኹ።”

እዚኣ ካብ ዝፅሕፋ ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለዉ። ኣብ ታሕሳስ ውሽጢ እየ ፅሒፈያ ትሸዓንተ ወርሒ ጌራ ኣላ። ስለዝዘከርክዋ ግና ኣብዚ ተኸታታሊ ፅሑፍ ክሓውሳ ወሲነ ኣለኹ።
ዝናብ ታሕሳስʼኳ ዝናብ ጥፍኣት እዩ ዝበሃል፤ ተመስገን ቆሪሩ እምበር ኣይዘነበን። ዛሕሊ ነፋስ ታሕሳስ ከም ጥቅምቲ ኮይኑ ካብ ዓራት ኣየተስእን፤ “ብሃፈትከ ገፅከ…” ንበር ተባሂሉ እዩʼሞ ቁሪ ኾነ ሙቐት ግን ወዲ ኣዳም ክለዓል ግድን እዩ። ኣነኳ ነየናይ ስርሐይ ክለዓል? ካብ ስራሕ ዓለም ካብ ዝርሕቕ ዓመታት ተቖፂሮም እዮም፤ ሎሚ ቕነ ግን ቅድሚ ሚእቲን ሰላሳን ዓመት ዝተፅሓፈ ነዊሕ ልበ ወለድ ተርጉም ተባሂለ፤ ኣብ ክልተ ወርሒ ከብፅሕ ውዕሊ ፈሪመ፤ ኣይሰልጥን ኢሉኒ ብግዘ ክለዓል ጀሚረ ኣለኹ።

ንኣመለይ ቲቪ ኸፊተ እየ ዝሰርሕ፤ ትግራይ ቲቪ ጌረዮ እናሃለኹ ኣብ ራማ ዝተሰርሐ መደብ ይስሕበኒʼሞ ምክትታል ይጅምር። ጭራ ዋጣ ሒዙ ሓደ ጎበዝ ከምዚ ክብል ጀሚሩ፡ “ኣሕዋትና ኤርትራውያን መረብ ሰጊሮም ይስደዱ እዮም እሞ ሓደ ሓው ምስ ሓፍቱ እናሰገሩ ውሕጅ መረብ ንሓፍቱ ከምዝወሰዳ ይነግረናʼሞ እታ ሓፍቱ ደሓር ሬሳኣ ኣብ ገምገም ሩባ ረኺብናዮ፣ ቤተሰባ ክሰምዑ እዚኣ ገጢምና” ኢሉ እታ መጀመርታ ተፃሒፋ ዘላ ግጥሚ ተዛሪብዋ።
“አደዬ አበይʼላ ጓለይ ከይትብሊ፤
“ዋላኹ ኣብ ወሰን መረብ ኣለኹ።”
ነዚኣ ምስ ሰማዕኹ ደንጊፀ። ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ ኣሎ? ኣየናይ ትራጀዲ ዓለም እዩ ካብዚ ዝመረረ፣ ዝፀልመተ ታሪኽ ዘለዎ? ህዝቢ ከይራኸብ ዝተሓፀረሉ ፖለቲካዊ ረብሓ ይርድኦ እየ፣ እታ ሎሚ ካርታ ሒዛ ዘላ ኤርትራ ዘለዋ ኣይዶሎጂያዊ (ርእዮተ ዓለማዊ / ስነ ሓሳባዊ) ሃገራዊነታ ኣብ ልቢ ዜጋታታ ንምሕታም እዩ። ብመንፅር ፖለቲካ እንትረአ ሞት ውልቀ ሰባት፣ ሓዘን ቤተ ሰባት፣ ካብ መንገዲ ከም ዝግለስ ዕንቅፋት ዝኾነ እምኒ፣ ኣልዒልካ ከምትድብርዮ ክፎክስ ይኽእል። እዚ ዝኾነሎም ግና ብስነ ሓሳብ ንዝሰኸሩ፣ ንዝጠሓሉ፣ ንዝዓበዱ ጥራሕ እዩ። ንተራ መዋታይ ግና ካብ ምሕዛን፣ ምፍራሕ፣ ምሕራቕ፣ ምሕሳብ… ጠጠው ኣየብሎን።
ሓዘን ቤተ ሰባት ግን ፖለቲካዊ ዕላማ ስለዘለዎ፣ ሓዘን ካብ ምዃን ዓድ ከይወዓለ ኣይተርፍን። በዚ ዘመናዊ ዓለም፣ ፖለቲካ ኣውራ መሕብኢ ክፉኣት ኮይኑ ኣሎ። ሽፋን ፖለቲካ ጌሮም ኣብ ዘመናዊ ዓለም ዝተፈፀሙ ገበናት ብታሪኽ ደቅ ሰባት ተፈፂሞምን ተሓሲቦምን ዘይፈልጡ ገዘፍቲ ገበናት እዮም። ማኦን ስታሊንን ዘርገፍዎም ብዓሰርተታት ሚሊዮናት ዝቑፀሩ ደቂ ሃገሮም ብሽም ስነ ሓሳብ ፖለቲካ እዩ።
ኣብ ህይወተይ ካብ ዘንበብክወን መፃሕፍቲ ዝዝክራ ገፅ መፅሓፍ ሓንቲ እያ፣ ብሩሲያዊ ኣሌክሳንደር ሶልዘንትሲን ተዳሊዋ ብቶማስ ዊትኒ ዝተተርጎመት The Gulag Archipelago ዘርእስታ መፅሓፍ መዝገብ ግፍዒታት ቦልሸቪካት (ኣብዮት ርእዮተ ዓለም ሶሻሊዝም) ኣብ ሩሲያ እያ። ኣብዛ ስራሕ እዚኣ ገፅ 174 ሓንቲ ዓባይ ዓንቀፅ ኣላ፡
“ርእዮተ ዓለም - እዩ ነቲ ፈፃማይ ክፍኣት ንነዊሕ ግዘ ዘድልዮ ዝነበረ መመኽኔታ ዝህቦ፣ ነቲ ኽፉእ ኣድላይ ዝኾነ ጥንካረን ቆራፅነትን የላብሶ። … ነቲ ተግባራቱ ብዓይኒ ካልኦት ክንዲ ክፉኣት ፅቡቓት ኮይኖም ክረኣዩ ይገብረሉ፣ በዚ እውን ክንዲ ግሳፀን መርገምን፣ ኣድናቖትን ክብሪን ክረክብ ይገብሮ።”
እዚ ፀሓፋይ ኣብ መበል ዒስራ ክፍለ ዘመን ብተግባር ዝረኣዮ እዩ ፅሒፉ፤ ቅድሚኡ ዝነበረ ሩሲያዊ ፀሓፋይ ፍዮዶር ዶስቶየቭስኪ እውን ሓደጋ ስነ ሓሳብ ተረዲኡ ነቶም ዘመን ንቕይር ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ብመንፈስ ስነ ሓሳብ ተታሒዞም ህልነኦም ዝሰሓቱ ከም ዝኾኑ “ኣጋንንቲ” ወይ ድማ “ዝተለኽፉ” (Demons / Possessed) እናተብሃለ ብዝትርጎም ስርሑ ስነ ልቦናዊ መንነቶም ብገንኡ ኣቃሊሕዎ ነይሩ። በዚ ስርሑ ምኽንያት እውን ኣልበርት ካሙ ዝተብሃለ ፈረንሳዊ ፈላስፋን ደራሲን “ናይ መበል 19 ክፍለ ዘመን ነብይ ካርል ማርክስ ዘይኮነስ ዶስቶየቭስኪ እዩ” ክብሎ ኣኽኢልዎ እዩ። ተታሒዞም ዝበሎም ልክዕ ክርስቶስ ነቶም አጋንንቲ ካብቲ ዕቡድ ኣውፂኡ ናብቶም መጓሰ ሓሰማታት የእትዎም እሞ እቶም ሓሰማታት ካብቲ ጽድፊ ናብ ባሕሪ ጸዲፎም ይኣትዉ። (ሉቃ. 8፡ 32-36) እታ መፅሓፉ እውን በዚ ጥቕሲ እያ እትጅምር።
ተጋሩ ካብ ዝኣተዉዎ ዓበድበድ መዓዝ እዮም ክወፁ? ጉጉይ መንነትን ሃገርን ንምህናፅ ክሳብ መዓዝ እዮም ጉጉይ መስዋእቲ እናኸፈሉ ክነብሩ? - ክልቲኦም ተጋሩ።
እዚኣ ጥቕሲ ፑሽኪን እውን ኣብታ መጀመሪ መፅሓፉ ሓዊስዋ ኣሎʼሞ ስለ ዝገልፀና ፍርቃ ክዕድመኩም፡
Upon my life, the tracks have vanished,
We’ve lost our way, what shall we do?
It must be a demon’s leading us
This way and that around the fields.
                 A.S. Pushkin, “Demons”
ግጥሚ ጎበዝ ኣይኮንኩን ሓሳቡ ግና ክትርጉመልኩም ክፍትን እየ፡
ሞት ይውሰደኒ፤ ጠፊኦምʼለው ኣሰራትና
ኣንፈትና ጠፊእና ኣሎ፤ እንታይ ይሕሸና?
ኣጋንንቲ እዮም ይገንሑና ዘለዉ
ናብዚን ናብቲን ፎቐዶ ሜዳታት።
               ኣሌክሳደር ፑሽኪን፣ “ኣጋንንቲ” 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።