Skip to main content

ሞኖፖሊ መራኸቢ ሓፋሽ

ግደይ ገብረኪዳን

እዞም ዝረኣናዮም ኣውራ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሰባት ሓደ ዝገብሮም ንብዙሃን ምእማን ከምዘይከኣልን ክህልዎም ዝግብኡ ርድኢታት ክቕረፀሎም ከም ዘለዎን ዝሰብኩ ምዃኖም እዩ። ብሓደ ገፅ ኣረዳድኣ ቁንጮታት ከምዚ ኮይኑ ማለት ብኻሊእ ገፅ ከዓ ምስቶም ቁንጮታት ዘይሰማማዕ ኣረዳድኣ ዘለዎ ውልቀ ሰብ ወይ ዝኾነ ውዳበ መልእኽቱ ንህዝቢ ዘብፀሐሉ መንገዲ ምዕፋን ከድልዮም እዩ።

ቁንጮታት እዚ ንምግባር እውን ኣይሰነፉን። ንኣብነት ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ህዝቢ እታ ዓዲ ዝሰምዖም ደርፍታት፣ ዝሪኦም ፊልምታት፣ ዝከታተሎም ጣብያታት ሬዲዮን ቴሌቪዥንን፣ ዘንብቦም ጋዜጣን መፃሕፍቲን፣ ብተወሳኺ ፍልፍል ሓበሬታ ዝኾኑ ማእከናት ዜና ልዕሊ ቴስዓ ሚእታዊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሽዱሽተ ትካላት እዩ። ንመራኸቢ ሓፋሽ ብሞኖፖል ምውናንን ኣማራፂ ድምፂታት መድረኽ ምኽላእን እስካብ ሕዚ ናይ ዝረኣናዮ ኣረዳድኣ መስመር ፍፃሚኡ እዩ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ቁፅፅር ውሑዳት ምዃኖም ናይ ኣሜሪካ ፀገም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዲሞክራሲያዊን ነፃ ዓለምን ዝበሃሉ ሃገራት ዘሎ ፀገም እዩ። በብዓድታቶም ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ቁሩብ ገዘፍቲ ኮርፖሬሽናት ቀንዲ ወነንቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ኮይኖም ንረኽቦም። በዚ ኩነታት ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ከቕርቡ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ዘይከኣል ይኸውን። ኩሎም ንዝጠቕለሎም ኮርፖሬሽን ፖሊሲ ተገዛእቲ ይኾኑ።

ሓሳብ ኩሉ ሓደ መልክዕ ክሕዝ ምግባር  

ንምግፋሕ ፍልጠትን እቲ ማሕበረሰብ ዘመነ ፀልማት ተባሂሉ ካብ ዝፍለጥ ማእኸላይ ዘመን ክወፅእን ናብ ዝሓሸ ብራኸ ስልጣነ ክድይብን ሓገዝ ካብ ዝገበረ ፈላማይ ምሁዞ ማሽን ሕትመት፤ ንምስፍሕፋሕ መራኸቢ ሓፋሽ ካብ ዝፈጠሮ ዕድል ንደሓር፤ ሎሚ ካብ መእተዊ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፤ እቲ ስልጣነ ዝፈጠሮም ሓደሽቲ ቁንጮ ገዛእቲ መደባት ቦትኦም ንዘይምስኣን፤ ንመራኸቢ ሓፋሽ መሊሶም ናብ ኢድ ቁፅፅሮም ኣብ ምእታይ ይርከቡ። ኣብ ኣሜሪካ እኳ እንተራእና ኣብ 1983 ዓ/ም ቴስዓ ሚእታዊ ንዝኾን ብፅሒት ሚዲያ ይቆፃፀርዎ ዝነበሩ ኮርፖሬሽናት 50 ዝነበሩ እንትኾኑ ድሕሪ ዕስራ ዓመት እዚ ቁፅሪ ናብ ሓሙሽተ ወሪዱ ንረኽቦ።
ናይዚኦም ሞኖፖሊታት ወነንቲ ኣካል እቶም ገዛእቲ ቁንጮታት እዮም። ኩሉ ዓይነት መራኸቢ መንገዲ ብምውናን (ብምቁፅፃር) ኣብ ርእሲ ህዝብታት ዓለም ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ክቕረፅ ምግባር ይከኣሎም እዩ። ኤድዋርድ በርኔይስ ነይሩ ኢንደስትሪ ፊልሚ ኣሜሪካ ብዓለም ለኻዊ ብርኪ ንኣተሓሳስባ ሰባት ብሓደ መልክዕ ናይ ምቕራፅ (standardization of human thought) ዓቕሙ ቀዲሙ ዝተዓዘቦ፡
“ሎሚ ኣብ ዓለም ከይተሓሰበሉ እቲ ዝዓበየ ፕሮፖጋንዳ ተሸካሚ ኮይኑ ዘሎ ተንቀሳቓሳይ ምስሊ ኣሜሪካ እዩ። ዓብዪ ናይ ሓሳብን ኣጠማምታን መጋፍሒ እዩ። ተንቀሳቓሳይ ምስሊ ናይ ሃገር መልክዕ ሓሳብን ኣጠማምታን ይቐርፅ እዩ። እዞም ምስልታት ጠለብ እቲ ዕዳጋ ንምምላእ ስለ ዝስርሑ ሓደሽቲ ሓሳባትን ኣጠማምታታትን ካብ ምብርትታዕ ብኣንፃሩ ዘንፀባርቕዎ፣ ትኹረት ዝገብሩሉን እናጋነኑ ዘቕርብዎ ተፈታውነት ንዘለዎም ምርጫታት እዩ። እዚ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ግልጋሎቱ የቕርብ ዘሎ በቲ ዘመን ተጠላብነት ንዘለዎም ሓሳባትን ሓቅታትን እዩ። ጋዜጣ ዜና ንምቕራብ ከም ዝፅዕሮ፣ እቲ ከዓ መዘናግዒ ንምቕራብ ይፅዕር።” (1) 
ነዚ ይዛረብ ዘሎ ቴክኖሎጂ ተንቀሳቓሳይ ምስሊ ኣብ 1920ታት ገና የንፏሑኽ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ፣ ብዘይ ፃዕዳን ፀሊምን ካሊእ ሕብሪ ዘይቕረፀሉ ግዘ፣ እቶም ፊልሚታት ኣብ ሲኒማ እምበር በብገዝኡ ይረኣዩሉ ኣብ ዘይነበሩሉ ግዘ፣ ፈነወ ጣቢያ ቴሌቪዥን ኣብ ዘይነበረሉ ግዘ፣ ሬዲዮ ብርቂ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ እዩ። ሎሚ እምበኣር ተዓደምቲ፣ ነቲ ዕዳጋ ይመርሕዎ ኣለዉ ዝበሃሉ ዘፈራት መዘናግዒ ካብ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርኔት) እናገልበጡ ምክትታል ኣብ ዝኽእሉሉ፣ ብዛዕባ እዞም ስራሕቲ ዝወሃቡ ሪእቶታት ምንባብ ዝከኣለሉ፣ ናይቶም ኣዘናጋዕቲ ታሪኽ፣ ፍልስፍናን ኣከዳድናን ጠንቂቖም ኣብ ዝፈልጡሉ ዘመን፣ ካብዚ ብዝገደደ ከዓ ብሚሊዮናት ዶላራት እቶት ዝረኽቡ እዞም ኣዘናጋዕቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት (ዩ.ኤን) ኣምባሳደራት ክሳብ ምዃን ዝበፅሑን ፅዕንቶ ንምሕዳር ካብ ካብ ዘፈር መዘናግዒ ወፃኢ ኣብ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ፖሌካዊን ሃይማኖታዊን ዛዕባታት ተሳትፎ ኣብ ዝገብሩሉ ዘመን፣ እቲ ዘፈር ተንቀሳቓሳይ ምስሊ ክንደየናይ ፅዕንቶ ክህልዎ ከም ዝኽእል እንትንሓስቦ፣ እቲ ዝፀራሕናዮ ፕሮፖጋንዲስት ብሂወት እንተዝህልው ነይሩ፣ ተንቀሳቓሳይ ምስሊ ኣሜሪካ ሽቱኡ ከም ዝወቕዐ ከም ዝምስክር ዘተሓታትት ኣይህልዎን።  
እዚኦም ሓቅታት ብሓሳባውያን 1930ታት ንነፃነት ደቅ ሰባት ሓደጋ እዮም ተባሂሎም ዝተዘርቡ ኔሮም፣ ኣስተምህሮ ፍራንክፈርት ተከተልቲ ዝነበሩ እኒ ቲዎዶር ኣዶርኖን ሀርበርት ማርኪዩዝ ምፅራሕ ይከኣል። ካብዚ ኢንደስትሪ ባህሊ ሰለስተ ኣውራ ስግኣታት የስፍሩ፡
1) ናይ ዓርሶም ዝኾነ ኣብ ምኽንያታዊነት ዝተመስረተ ውሳነ ዝህቡ፣ ነፃ ዝኾኑ ውልቀሰባት፣ ዕቤት ብምግታዕ ንደቅ ሰባት ናብ እኽብካብ ዕስለ ክቕየሩ ይገብር፤
2) ዓርስኻ ንምፍላጥን ነፃ ንምዃንን ዝግበር ፃዕሪ፣ ስግኣት ናብ ዘይብሉ ቅቡልነት ናይ ምርካብ ድሌትን ሸለልተኝነትን ውፅኢት ዝኾነ ስንፍና ይቕየር፤
3) ደቅ ሰባት ይነብሩሉ ካብ ዘለዉ ጠገለ ዘይብሉን (መስተርእየት ዝኾነን) መስካሕከሓይን ዓለም ብምህዳም፣ ንዓርሶም ዘርውዩሉ፣ ዝዓዘሙሉ (ዝደንዘዙሉ)፣ ትምኒታዊ ዓለም ምእታው ይብህጉ እዮም ንዝብል ሓሳብ መረጋገፂ እዩ ዝህብ።
ሓቅነታዊ ህድማ (escapism) ሎሚ ዝበለፀ ተዓዋታይ ኮይኑ ኣሎ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ካብ ዝጫወትዎም ጌማት ጀሚሩ፣ ክሳብ በዓል ሰለስተ ሸነኽ (3D) ፊልሚታትን ዝረቐቑ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ዝህነፁ ፊልሚ መርኣዪ ክፍልታት ናይዚ መረዳእታ እዮም። እቲ ሓፋሽ ብዘይምቁራፅ ውፅኢት ብሉፃት ዝተራቐቑ ቴክኖሎጂታት ዝኾኑ መዘናግዒታት ክባር ወፃኢ ብምውፃእ እናተሸመዩ ይገዝእዎም ኣለዉ። እዚኦም ክባር በጀት ዝሓትቱ መዘናግዒ መደባት ኣብ ዓለምና ግዙፋት ብዝኾኑ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሻት ጥራሕ እዮም ክስርሑ ዝኽእሉ። እዚኦም ምህርትታት ኣብ ውሽጦም ብጥንቃቐ ዝተሓወሱ መልእኽትታት ፕሮፖጋንዳን ምልክታትን ሒዞም እዮም፣ ፕሮፖጋንዳ መዘናግዒ። እቲ ሓፋሽ ነቲ ፕሮፖጋንዳ ክፈትው ተገይሩ ስለ ዝተቐርፀ፣ ብኸቢድ ፃዕሪ ዝፈጥሮ ሃፍቱ፣ በዚ ፕሮፖጋንዳ እዚ ንኽምካእ፣ ካብ ጁብኡ ኣውፂኡ ፈሰስ ይገብሮ። ፕሮፖጋንዳ በኣንፃር ፖለቲካ፣ ባህልን ንግድን እንትረአ፣ ከምቲ ብውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ይግበር ከም ዝነበሮ፣ ሎሚ ናይ ኣገዳድነት ቃና የብሉን፤ ምስ መዘናግዒን ታሕጓስን ክተሓዋወስ ተገይሩ ኣሎ።
“ፕሮፖጋንዳ ብዝምልከት እቶም ቀዳሞት ንኩለንተናዊ ትምህርትን ነፃ ፕሬስን ይቃለሱ ዝነበሩ ክልተ ኣማራፂታት ጥራሕ ይረኣይዎም ነይሮም። ፕሮፖጋንዳ ሓቂ ወይ ከዓ ሓሶት ክኾን ይኽእል እዩ ዝብሉ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣባና ኣብ ምዕራባውያን ካፒታሊስት ዲሞክራሲታት ውሽጢ ናይማን እቲ ዝኾነ ነገር ግና ኣይተርኣዮምን ነይሮም - ገፊሕ ዕብየት ኢንዱስትሪ መራኸቢ ሓፋሽ፣ ዋና ትኹረቱ ምስ ሓቂ ኮነ ሕሾት ዘይገበረ፣ ትኹረት ሓቃዊ (ጭቡጥ) ኣብ ዝኾነ ነገር ዘይገበረ፣ ይውሓድ ይብዛሕ ትርጉም ኣልቦ ኣብ ዝኾነ ነገር ዘድሃበ መራኸቢ ሓፋሽ። ብሓደ ቃል ወድ ሰብ ንምዝንጋዕ ዘለዎ ገደብ ዘይብሉ ድሌት ኣብ ውሽጢ ቀመሮም ኣየእተውዎን ነይሮም።”(2) 
ሓደ ክፋል መራኀቢ ሓፋሽ በይኑ ኣብ ሳይኪ ደቅ ሰባት ዘላቕነት ዘለዎ ፅዕንቶ ከሕድር ኣይከኣሎን። ኮይኑ ግና መራኸቢ ሓፋሽ ብባህርያቱ ኣብ ኩሉ ቦታ ዝርከብ ብምዃኑ፣ ሓቅታት (ሪያሊቲ) ዕለታዊ ጉዕዞ ህይወትና እንገብረሎም ከባቢታት ይቐርፅ። ቅቡልነት ዝህልዎን ኣድላዪ እዩ ዝበሃሉ ነገራት ግንዛበ የስርፅ። ጋሪ ዝጉትቱ ኣፍራስ ኣብ ቅድሚቶም ዘሎ ነገር ጥራሕ ክሪኡ ብጎኒ ዓይኖም መኸወሊ ከም ዝግበረሎም፣ እቲ ህዝቢ እውን ብሓባራይነት መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ናበይ ክኸዱ ከም ዘለዎም፣ ከመይ ክሓስቡ ከም ዘለዎም፣ እንታይ ክሓስቡ ከም ዘለዎም ይንገሮም።
“ብብርኪ ማሕበረሰብ ፅዕንቶ ዘለዎ ሜላ ፕሮፖጋንዳ ክገሃድ ዘኽኣሎ መራኸቢ ሓፋሽ ምምፅኡ እዩ። ፕሬስ፣ ሬዲዮን ቴሌቪዥንን ብሓባር ዝፈጥርዎ ዘይቋረፅ፣ ዘላቓይን ሙሉእነት ዘለዎን ሃዋህው፤ ፅዕንቶ ፕሮፖጋንዳ ልቢ ከይበሃል ይገብር፤ ምኽንያቱ ምቁርራፅ ዘይብሉ ቀዋሚ ቀረፃ ሃዋህው ስለዝፈጥሩ እዩ። መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ መንጎ እቲ ውልቀ ሰብን ጠለብ ቴክኖሎጂያዊ ሕብረተሰብን ዘሎ ቁልፊ መራኸቢ መንገዲ እዩ።" (3)    
ዕዉትነት መራኸቢ ሓፋሽ ዘረጋገፀ ዋና ቁልፊ፣ ካብ ኩሉኣዊ ህልውነኦም ብተወሳኺ፣ ኣብ መዳይ ከይዲ ፍልጠት ኣተሓሕዛና ወይ ከዓ ፍልጠን ኣብ እንውንነሉ መንገዲ ዝግበር ሳይንሳዊ መፅናዕትን ኣብ ተፈጥሮ ወዲ ሰብ ዝግበር ምርምር ብገፊሒ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ስለ ዝግበር እዩ።
ነዚ ዓቕሞምን ሜላታቶም ተጠቂሞም ከእምንዎ ዝደልይዎ ምእማን፣ ክዝንጋዕ ዝደልይዎ ክዝንጋዕ ምግባር ይከኣሎም። መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ኢድ ቁፅፅሮም ዘእተዉ ቁንጮታት ሓይሊ፣ ዘፍርይዎ መዘናግዒ ኮነ ሓበሬታ፣ ምስቲ ድሌታቶም ዝኸድን ንህልውነኦም ስግኣት ዘይኸውንን ምዃኑ ግልፂ እዩ።
በዚ መዳይ ቀዳምነት ዝህብዎ እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ከም ዝኾነ ደሓር መፅናዕትታት እናሓበርና ክንድህስሶም ኢና ንሕዚ ግና ቀፂልና ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ነፃነት ከም ዝጠፍአ ዘርእዩ ታሪኻት ክንምልከት ኢና።

ፍልፍላት

(1) Bernays, Edward. (1928). Propaganda.
(2) Huxley, A Brave New World.
(3) Jacques Ellul, as quoted in VC. (April 28, 2010). “Mind control.” Vigilant Citizen. 

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።