Skip to main content

Posts

Showing posts from February, 2020

ዛንታ ኣብ ባጃጅ

ግደይ ገብረኪዳን ነዊሕ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ባጃጅ ዘዋሪ ዝኾነ ህይወት ስግንጢር፣ ሽምጠጣ ምዃና ከጋልፅ ኢሉ እዩ ዝመስል። ኣነ ንባዕለይ ገጅፍ ሰብነት ዘለኒ ኣይኮንኩን፣ ባጃጅ ግና ዓቕለይ እያ እተፅብበለይ - ልክዕ ምስ ተሳፈርክዋ ቀልጢፈ ክወርድ ጥራሕ እየ ዝሓስብ። እዚ ወዲ ግና ንባጃጅ ተቐቢልዋ ጥራሕ ዘይኮነስ እንጀርኡ እውን ገይርዋ ኣሎ። ካብ እንጀርኡ ንላዕሊ ንባጃጁ ፍቕሪ ከም ዘይብሉ ዝግለፀልካ ግና ካብ መጋየፂ ነፃ ምዃና እዩ። ከመይ ከምዚ ዓምፂፃቶ ከፍቅራ ኸ? ቀጢን ኮይኑ እምበር ጭዋዳ ምደረበ እኮ ንሱ ተሸኪምዋ እምበር እዛ ባጃጅ ተሸኪማቶ ኣይምዞረን ነይሩ። ንባጃጅ ዘለኒ ፅልኢ ዝረኣየ ዓርከይ፤ “ጋዜጠኛ ራብዓይ ዓምዲ መንግስቲ እዩ እናበልካ ትጀሃር ጋዜጠኛ - ባጃጅ ሰለስተ እግሪ ኮይና ስለ እትፃበአካ እዩ” ይብለኒ። ሕሾት እዩ፣ ካበ ልበይ እየ ባጃጅ ዘይምቸዋኒ፤ ኣብዚ ግና ኣይኮነን ባጃጅ እታ ደቂ ሰባት ሓጭን ምብኻን መሰሎም ከም ዝኾነ ከርእዩ ዝሰርሕዋ ሃመር መኪና እውን ዘይትኣኽሎ ሙሉእ ሰብኣይ ሹፌር ባጃጅ ኮይኑለይ! ንነገሩ መን ንነብሱ ዝኾኖ ኣብ ዓለም ይረክብ ኮይኑ? ንዝረኸቦ ከም ዝምቸዎ እንተገይርዎ እውን ዕድለኛ እዩ…።