Skip to main content

መቐለ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ (2)

2. በዓል ዋና ዘይብላ ከተማ
ግደይ ገብረኪዳን

ጥብሲ በሊዐስ ብማይ ዚንጎ ተሓፀብ ኢሎምኒ! ዋይ እኒሀኻ ጉድ! ማይ ፀገም ከምዘሎ ይርደአኒ እንድዩ ግን ብማይ ዚንጎ ክሕፀብስ … ኣይ …። መቸም ነዓይ ሓዱሽ ነገር ኮይኑኒ እምበር ንዝለመድዎ ዓማዊሎም ምንም ዘይገርሞም ነገር ክኸውን ይኽእል። ቶለስቶይ “ኣና ከረኒና” ኣብ ዝብል ድርሰቱ፡ “ሰብ ዘይላመዶ ኩነታት የብሉን፤ ብፍላይ ብዙሪኡ ዘለዉ ሰባት ተላሚዶምዎ ዝሪኦ ነገር እንተኾይኑ” ይብል። ነዚ ኣባህልኡ እንተንብብ ኣዲስ ኣበባ እየ ኔረ፤ ሽዑ ቀልጢፉ ናብ ርእሰይ ዝመፀለይ ናይ ኣዲስ ኣበባ ጉድ ኔሩ፡ መሰረታዊ ምህንድስና ዘይዳህሰሶ ናይ 100+ ዓመታት ኣሰፋፍረኣ፣ ርስሓታ፣ ጨናኣ … ሰብ ተላሚድዎ ተቐቢልዎ ኔሩ።

መቐለ እውን ሓደ ጋሻ ሪኡ ክቕበሎም ዝኸብድዎ ነገራት ዝተሸከመት ከተማ እያ። ብቐሊሉ ካብ መንገዳ ንጀምር እንተይልና እቶም ዝኣረጉ ሰኣን ፅገና ኣብ ዘሕዝን ብርኪ ጥሒሎም፤ እቶም ዝስርሑ ሓደሽቲ ኣስፋልቲታት ድማ ብዘይረብሕ ፅሬት እናተፈፀሙ እዮም ዝረኣዩ። ኣብ ማእኸል ከተማ ዘለዉ ዝኣረጉ መንገድታት ኣስፋልቲ ብፍላይ ሰላም ከተማ ክብፅበፅ ምኽንያት ዝኾኑ እዮም። “ከመይ እዮም ሰላም ዝብፅብፁ?” ኢሉ ዝሓትት መንበባይ እንተሃሊዩ ዘይፈልጦም ወይ ድማ ዝፈልጦም ግን ዝተላመዶም ጥራሕ እዩ ዝኸውን።
ንኣብነት ኣደባባይ ካስትል ንርኣዮ። ኣብኣ ዘላ ራዲሰን እትበሃል ካፌ ኮፍ ኢለ እናንበብኩ ወይ እናሓሰብኩ ሻሂ ቡን እንትብል ካብ ንባበይን ሓሳበይን ዝሕንክለኒ በቲ ኣደባባይ ከበድቲ ናይ ፅዕነት መኪናታት ክሓልፋ እንተለዋ ዝፍጠር ድምፂ እዩ። እቲ ዝኣረገ፤ ሓድሱኒ ኢሉ ኣፍ ኣውፂኡ ምምህላል ዝተረፎ ሓባጥ ጎባት ኣስፋልቲ፤ ነዘን ከበድቲ ናይ ፅዕነት መኪናታት ብዝሓለፋ ቑፅሪ ሓፍ በጠቕ እንተብለን ግዘ ገርጨውጨው እንትብላ ዝፈጥረኦ ድምፂ ልክዕ ሃንደበት ርችት ከምዝተተኮሰ ወይ ብራቕ ከምዝወደቐ ዘሰንብድ እዩ። ግው! ብዝበላ ቑፅሪ ኣነ ሰንቢደ ኮፍ ካብ ዝበልኩሉ ክለዓል ይብል፤ ዝለመድዎ ሰባት ከዓ ናተይ ድንጋፀይ እዩ ዘደንግፆም። ኣስፋልቲ ኣፍ ኣውፂኡ “ኡ…..ይይይይ! ሓድሱኒ” እዩ ዝብል ዘሎ፤ ሰባት ግን ኣውያቱ ለሚዶምዎ። ካስትል ኣደባባይ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ኩሉ ዝኣረገ ኣስፋልቲ ከተማ ዘሎ ኣውያት እዩ። ኣብ ከተማ ዓራት ሒዞም ዝደቀሱ ኣጋይሽ ከም ዝንቊ ዶርሆ፤ ለማኒ ቀልቀል ከይወፀ፤ ካብ ድቃሶም ዘልዕሎም እዚ ገርጨውጨው ፅዕነት መኻይን ኣንደበቱ ጌሩ ዘእዊ ኣስፋልቲ እዩ።
እዚ ብዛዕባ ዝኣረገ ኣስፋልቲ እዩ፤ መንገዲ እግረኛ ዝበሃል የለን ምባል ይቐልል። ልኡል ራእሲ መንገሻ ስዩም ዘስርሕዎ ማእኸል ከተማ ዘሎ ናይ ቐደም መንገዲ ዘለዎ መንገዲ እግረኛ መለክዒ ተጌሩ ግዲ እዩ ናይዛ ከተማ መንገዲታት እግረኛ ብሙልኦም ነዋሕቲን ቀጠንቲን ጥራሕ ዘይኮኑስ ንዛ ከተማ ዝገልፅ ንፃፍ ዘይግበረሎም፣ ናይ ሃካያት ስራሕቲ እዮም ዝመስሉ። ቀፀላ፣ ሊሾ፣ ቴራዞ፣ ኮብል ሰቶን … እዩ መግለፂ መቐለ ተጌሩ ዘሎ። ነዞም መንገዲታት እግረኛ ህፃውንቲ፣ መናእሰያት፣ ኣረግቶትን ሽማግለታትን፣ ጉርዲ ዝገበረትን ቀሚሽ ሓበሻ ዝገበረትን … ኩሉ ነበርታ እንትጥቀሙሎም ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ዝመፁ እዮም ዝመስሉ። ይድይብዎም - ይወርድዎም። ተሽከርካሪ ወንበር ዝጥቀሙ ኣካል ጉዱኣት ነዚ መንገዲ ክጥቀሙሉ ዘይሕሰብ እዩ።
ሓዱሽ ኣስፋልቲ እንትስራሕ ድማ ምስቲ ናይ ቐደም ክገጥም ዝግበረሉ ኣገባብ ዘሕዝን እዩ፤ ከም ኣጉል ሸራፍ ኣጉል ተሸሪፉ ይተርፍ። ሓንቲ መስመር ፕሮጀክት ተሃሊያ ዋላ ሰለስተ ሜትሮ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣስፍሕ ኣቢልካ ነታ ቦታ እሳ ከምዝቕይራ ጌርካ ምስራሕ ዘይሕሰብ እዩ። ንኣብነት ብኣብረሃ ካስትል የማናይ ገፅ ኣስፋልቲ ቀበለ 18 ዝጅምረሉ እንተሪእናዮ ብፀጋማይ ገፁ ሙሉእ ንሙሉ ዘንጊዕዎ ዝኸዶ መንገዲ ሓመድ መርኣያ እዩ። ኣብዚኣ ኣካፋሊ ደሴት ምስራሕ ግድን እዩ ኔሩ። ወይ ድማ ካብ ካስትል ኣደባባይ ንሓውልቲ እንትንኸድ ኣብታ ቢንቶ ከይበፃሕና ንኢድ የማን ዝስንጠቕ መንገዲ ኣሎ ንሱ እውን ከምኡ ቆላሕ ዝብሎ ዘየለ ግን ክረአ ዝግበኦ ዝነበረ መንገዲ ሓመድ ኮይኑ ተሪፉ። ደረቕ ኣየር እንተሃልዩ ምስ ሓመድ እናተጓየኻ ትኸድ እሞ ካፌታት ኮፍ ኢልካ ምስ ሻሂኻ ሓመድ ትሰቲ፣ ማይ ጠብ እንትትብል ከዓ ሃንደበቲ መንገዲ ኣስፋልቲን ሓመድን ዝነበረ ተሓዋዊሱ መንገዲ ጭቓ ይኸውን።
ኣብ ሓደሽቲ ኣስፋልቲታት ኮብል ስቶን ንእግረኛ መንገዲ እንትግበር ብጣዕሚ እዩ ዘግርመለይ። ፈላማይ እቲ ኮብል ስቶን ዝፅረበሉ ቀፂሉ ከዓ ዝንፀፈሉ ፅሬት ኣዚዩ ወሪዱ ኣሎ። ዋላ ከምድላዩ ፅፉፍ ተጌሩ እንተተሰርሐ እውን ደስ ኣይብልን። በቃ ነዚ ኣሰራርሓ እዚ መዘጋጃ ቤት ከተማ መቐለ ክፋትሖ ኣለዎ። ኣዋልድ ነዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማ ጌረን ክኸዳሉ ኣይኽእላን፣ ማይ ጠብ እንትብሎ ከዓ የንሸራትት እዩ፣ ተሽከርካራይ ወንበር ዝጥቀሙ ኣካል ጉዱኣት እውን ኣይኸዱሉን። ግን ስለዝተለመደ ኣብ ኩሉ ቦታ ስኽ ኢልካ ይንፀፍ ኣሎ።
ብዛዕባ መንገዲ ክንዱዝይ ክፅሕፍ ኣይሓሰብኩን ኔረ። እዛ ከተማ ግን ተለሚዶም ዝሕለፉ ብዙሓት ፀገማት እዮም ዘለዉዋ። ዝስተ ማይ ሕፅረት ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ነዚ ብቕልጡፍ ጉድጓድ ማይ ኵዒትካ ክፍታሕ ምግባር ዘይከኣለሉ ምኽንያት ኣይረኣየኒን? ሆቴላት እንትትኣትዉ ነቲ ማይ ከም ናይ ጠብታ መስኖ ኢድኻ ትሕፀበሉ ጩሩቕሩቕ እናበለ ብዘንጥበልካ መሕፀቢ እዩ። ገረብ ሰገን ናይ ሙከራ ስራሕ ጀሚሩ ካብ ዝበሃላ ናብዚ እኳ ቁሩብ ዝሓለፈሎም ከባቢታት ኣለዉ።
ማይ ጠብ ብዝበለ ቑፅሪ ከዓ መብራህቲ ይጠፍእ። ኢሂ እንተተብሃለ እቶም ትራንስፎርመራት ከይቃፀሉ ዝብል ወረ ትሰምዕ። እዚ እውን ክልመድ ተጌሩ ነዚ ትራንስፎርመር ተቐቢሎም ክትከል ዝገበሩ ሓለፍቲ ነታ ከተማ ፀልማት ጌሮም ኣብ ወንበሮም ተራዕጢጦም ኮፍ ኢሎም ይህልዉ።
ማይ እንትወቅዕ ኣብዛ ከተማ ዝረአ ካሊእ ንምእማኑ ዘፀግም ነገር ኣሎ። መብዛሕቲኦም ህንፃታት መፋሰሲ ብኣግባቡ ክንዲ ምግጣም ኣብ ላዕላይ ክፍሎም ዝዓርፍ ማይ ውፅእ ብዝበለት ትቦ ካብ ላዕሊ ንምድሪ ቀጥታ ይሰድዎ። ዋላ ማይ ወቒዑ ምስተወደአ ካብዚኦም ህንፃታት ዝፈስስ ማይ እንተወሓደ ንሰዓትን ፍርቂ ሰዓትን ይፀንሕ እዩ። ታሕቲ ዝተኻረዩ ሰባት “ማይ ዚንጎ” ክእክቡ ማይ መትሐዚ ኣቑሑት የቐምጡሉ፤ እግረኛታት ድማ ማይ ከይግፀቡ እናሃደሙ ይሓልፍዎም። ንምእማኑ ዝኸብድ እዩ፤ ሰብ ግን ነዚ ክልወጥ ዝገብረሉ መስመር ኣይረኣዮን፤ ለሚድዎ ኮፍ።
ፀገም ህንፃታት እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ናይ ሽቓቕ ረሳሕ ፈሳሲ ፈንዲኡ በብመንገዱ ምርኣይ ዝተለመደ እዩ። መጀመርታ ኣብ ኮንደሚኒየም ከባቢ እየ ሪአ ኔረ ካብኡ ግን ኣብ ማእኸል ከተማ እውን እዚ ፀሊም ፈሳሲ ምስ ጨንኡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣጋጢምኒ ኣሎ።
ማይ እትወቅዕ እማ ናይ መቐለ ጎዳናታት ብሙልኦም ናብ ውሕጅ መሕለፊ ሽንጥሮ እዮም ዝቕየሩ። ብፍላይ እቶም ኮብል ስቶን ዘለዎም ብኣግባቡ ስለዘይስርሑ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እዩ ማይ ተነፂፍዎም ዝውሕጅ።
ኣብ መቐለ ዘፃድፍ ተምላስን ተቕማጥን ለበዳ ምልዓል ተለሚዱ ኣሎ።
ግልጋሎት ክትረኽበሎም ትኸደሎም ቦታታት ብሙልኦም ቀዲምካ ሰልፊ ይፅበየካ፡ ቴሌን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ናይዚ መርኣያ እዮም። ቴሌ ብፍላይ ንዛ ዓባይ ከተማ ክልተ ግልጋሎት ዓሚል ዝህባ ጨንፈራት ጥራሕ ምኽፋቱ ዓብዪ ድፍረት እዩ። ንግዲ ባንኪ እውን ብዘለዉዎ ጨንፈራት ግቡእ ግልጋሎት ኣይህብን። ሰብ ሰልፊ ለሚዱ፤ ኣሰለፍቲ ተመዲቦምሉ፤ በብዝኸዶ ይስለፍ። ዋና ናይ ኣየር መንገዲ ትኬት ኦፊስ ሓደ ግዘ ከይደ ሰልፊ ተፀቢይኒ እዩ። ወትሮ ሰልፊ እዩ። ዋላ ኤቲኤም ማሽን እውን ወትሮ ሰልፊ ኣለዎ።
ናይዛ ከተማ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ንጥፈት ነበርታ ልዕሊ ዓቕሚ መንግስቲ ኮነ ግልጋሎት ወሃብቲ ኮይኑ ኣሎ። መንግስቲን ግልጋሎት ወሃብቲን ዕቤቶም ነቲ ህዝቢ ብዝምጥን ደረጃ ኣይገበርዎን። ብፍላይ መንግስቲ ዓብዪ ፀገም እዩ ዘለዎ። ቀበለታቱ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ብዝጀመሮ ብርኪ ኣሰራርሓ ጠጠው ዝበላ እየን። እቶም ኣብ ቀበለታት ብዘይ እኹል ደሞዝን ብነፃን ዘገልግሉ ሰባት ምእንተ ትግራይ ኢሎም ስርሖም ልክዕ ከም ብረታዊ ቃልሲ ውፉያት ኮይኖም ዝሰርሑ እዮም። ናያቶም ዓቕሚ ምውራድ ካብ ላዕሊ ናይ ዘይምስራሕ ፀገም እዩ። ገለ ዓንቃፃት ኣይገጥሙን ማለተይ ኣይኮነን ግን እቲ ድባብ ከም ቀደም ናይ ቢሮክራት ግፍዐኝነት ዝረኣየሉ ኣይኮነን። ሎሚ ንምግልጋል ውፉያት እዮም። እቲ ፀገም እንካብ ላዕሊ ዝመፀ እዩ። ኣብ ታሕቲ ፅፉፍ ግልጋሎት ክህቡ ንምግባር ኣብ ላዕሊ እውን ክዕረ ኣለዎ። ናይ ኣፈፃፅማ ፀገም ዝበሃል መንቀሊኡ፤ ከምቲ ወትሮ ንሰምዖ ኣብ ታሕቲ ዘይኮነስ ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ኣፈፀምቲ እዮም፤ ታሕቲ ግን ምስ ሰብ ስለዝራኸቡ በኣኣቶም ይምኽነ። ታሕቲ ዝዕረ ካብ ላዕሊ ብዝመፅእ መተዓራረዪ እዩ።
ብዘይ ፅፉፍ ግልጋሎት ሰናይ ምምሕዳር ዘይሕሰብ እዩ፤ ብዘይ ነፃነት ከዓ ፅፉፍ ግልጋሎት ክሽከም ዝኽእል ኢኮኖሚን ምምሕዳርን ምፍጣር ኣይከኣልን። ህወሓት ክሳብ ሎሚ ዓብላላይ ውድብ ምዃን እምበር ብነፃነት ዝኣምን ስልጡን ወለዶ ናይ ምህናፅ ምልክታት ኣይተርእይን ዘላ። ነፃነት ዘይብሉ ህዝቢ ከዓ ክቃለሰካ እንተዘይክኢሉ ስደት እዩ ዝመርፅ። ሎሚ ፎቐድኡ ዝተበተነ ሰብኣዊን ንያታዊን ሃፍቲ ተጋሩ፤ ኣብዚ ፀገም ግዘ እዚ፤ ኣደዳ ጥፍኣትን ስርቂን እናኾነ ዕዳ ክልላዊ ራእይ ኮይኑ ኣሎ።
ንህወሓት እንትወቅስ ምንም ከምዘይገበሩ ጌርካ ንምቕራብ ኣይኮነን። ቅድሚ 25 ዓመት ንመቐለ እንትመፅእ ህፃውንቲ ጥራሕ እግሮም እዮም ኔሮም። ሎሚ እዚ ዘይሕሰብ እዩ። እዚ ባዕሉ ምስክር ኢኮኖሚያዊ ለውጢ እዩ። ሽዑ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዘምፀአትኒ ባስ ዝዓረፈትሉ መናሀሪያ ሎሚ ጋራድ ህንፃ፣ ሸባ ኮሌጅ፣ ባንኪ ንግድ ጨንፈር መቐለን ካልኦትን ፎቓት ተሰሪሖምዎ ዘለዉ፤ ሜዳ ሓመድን ብዃና ዝተሓፀሩ ገዛውቲን ዝነበርዎ ቦታ እዩ። እወ ሎሚ ናይ ትራፊክ መብራህቲ ዝተገጠመሉ ምዕሩግ ቦታ ሽዑ ሓመድ ቦኾኽ ዝብሎ መናሀሪያ እዩ ኔሩ። ቁፅሪ ህዝባ 180,000 እዩ ኔሩ፤ ሎሚ ሚሊዮን ይፅጋዕ ኣሎ። ኣብ ኩሎም ዘርፍታት ዘለዉ ግልጋሎታት ንንፅፅር ዝቐርቡ ኣይኮኑን።
ህወሓት ዘምፀኦ ዓብዪ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ግን ብሰንኪ ነፃነት ዘይህብ ኣካይዳ ምሕደርኡ ሎሚ ክዓግታ ይረአ ኣሎ።
ትግራዋይ ዓጋባይን ሕጉስን እዩ እናበልኩ ኣብ ዝሓለፈ ፅሑፍ እንትፅሕፍ ኣቦይ ስብሓት ኣብ ዘተ ምሁራን ተጋሩ “ህዝብና ዓጋባይ እዩ፤ ሎሚ ከዓ ሕሾት ወሲኽናሉ” ኢሎም ምንባሮም ተዘኪሩኒ ኔሩ። ትኽክለኛ ኣገላልፃ እዩ። ጭምት ምልከታ እዩ። ዓብላላይ ምሕደራ ዝኽተል ስርዓት ናይ ጥቕሚ ምትእስሳር ዝፈጥሩ ሓይልታት ክፍልፈሉ ይገብር እዩ። ነዚኦም ዝቆፃፀር ትካላዊ መዋቕር ስለዘይሃንፅ፣ ወይ እውን ንቶም ዘለዉ ናይ ሕጊ ተቖፃፀርቲ ኣድላይ ዘበለ ሓይሊን ነፃነትን ስለዘይህቦም እዞም ናይ ጥቕሚ ምትእስሳራት እናሓከሉ፣ እናሃጠሩ ክኸዱ ይገብሮም። እዚኦም ዝፈጥርዎ ናይ ግዕዝይና ዓለም ድማ ሕሾትን ሓሻዊን ዘበራትዕ ይኸውን። ብቕዓት ዘይብሎም ተለኣኣኽቲ ተኣሳሲሮም ነቲ ብቕዓት ዘለዎ ክሰርሕ፣ ክፈጥር ዝኽል ሰብ የባርርዎ። እዚ ቀውሲ እዚ ከም ፍልሖ ውሽጣ ውሽጢ ነቲ መዋቕር ክበልዖ ምስ ፀንሐ ከይተሓሰበ ልክም ከምዝተበልዐ ጉንዲ ብቐሊል ነፋስ ክወድቕ ይገብሮ። ዓብላላይ ስርዓት ከምዚ ንባዕሉ ሓንኪሉ የውድቕ።
ምልሓስ ቮልታየር ዘፅለኣ ፈረንሳይ ኣብ ዘባረረቶ ግዘ እንግሊዝ ፃንሒት ጌሩ ኔሩ። ኣብኡ ከይዱ ሚስጥር ዓወት እንግሊዛውያን ብሓፂሩ ገሊፅዋ ኔሩ። ቮልታየር ብጎንፃዊ ኣብዮታዊ ለውጢ ኣይኣምንን። ሰባት ኣፈ ታሪኽ እዩ ዝጥዕሞም እምበር ምኽንያታዊያን ኣይኮኑን ይብል። ፖለቲከኛታት ዝገብርዎ ከዓ ይብል ነቲ ጉጉይ ኣፈ ታሪኽ ከምዝረብሖም ጌሮም ይጥቀሙሉ፤ ኣብ ርእሲ እዚ ሰባት ኩሎም ማዕረ ኣይኮኑን። ደቂ ሰባት ማዕረ እዮም ዝብሉ፣ ደቂ ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ይረኣዩ፣ ማዕረ ነፃ ናይ ምዃንን ንብረት ናይ ምፍራይን መሰል ኣለዎም ማለቶም እንተኾይኑ ልክዕ ኣለዉ ይብል። ብዘይካ እዚ ግን ሰባት ማዕረ ኣይኮኑን። ኩሎም ዜጋታት ማዕረ ክኾኑ ኣይኽእሉን፤ ግን ድማ ኩሎም ማዕረ ነፃ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፤ እንግሊዝ ዝተዓወተት በዚ እዩ። ነፃ ምዃን ማለት ንሕጊ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ንኻሊእ ዘይምግዛእ ማለት እዩ ይብል ቮልታየር።
መቐለ እውን ንድሕሪት ዘትርፋ ዘሎ እዚ ብምጉዳሉ እዩ። እቶም ኣንዊሐ ዝገለፅክዎም ሕመቓት ብሙልኦም ካብዚ ላዕለዋይነት ሕጊ ናይ ዘይምስፋን ሕማም ዝመፁ ምልክታቱ እዮም።
ንመቐለን ንዕቤታን ዘይምጥን ግልጋሎትን ምሕደራኣን ኣፀቢቓ እትገልፅ ሓውልቲ መቐለ ባዕላ ጠጠው ኣቢላ እያ። ቢዝነስ ካምፓስ መዞሪ ኣብ ዘላ ኣደባባይ እያ። እዛ ኣደባባይ እዚኣ ብጣዕሚ ገፋሕ እያ። ኣብ ማእኸላ ግና ሓንቲ መጠና ምስቲ መጠን ኣደባባይ ዘይተመጣጠነ ተራ ሓውልቲ ጠጠው ኢላ ኣላ። እዛ ሓውልቲ ናይ ተጋዳሊት ማርታ መዘከርታ እያ። እዛ ሓውልቲ ኣብ ሓንቲ ንኢሽተይ ኣደባባይ፤ ኣብ ዝተጨናነቐ ከባቢ፤ እንተትግበር ንኢሳ ዝብላ ከይህልው ይኽእል እዩ። ኣዚዩ ግዙፍ ኣብ ዝኾነ ናይ መኪና መዞሪ ኣደባባይ ግና ኣብ ማእኸል ጠጠው እንትተብላ ዓብዪ ቀልዲ እዩ ዝኸውን። እዚ ቀልዲ እዚ ንመቐለን ኩነታታን እውን ዝገልፅ ተምሳሌት ጌረ ወሲደዮ ኣለኹ።  

Comments

Popular posts from this blog

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን 1 ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን … (1) … ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ። ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።