ግደይ ገብረኪዳን
"ሰብኣዊ ሕጋዊነት ወይ ስርዓት ኣብ ዘይዓሰለሉ ሕብረተሰብ፣ ኣብ ዘይሰልጠነ ሕብረተሰብ፦ ብህገ ኣራዊት ክግዛእ፣ ፍትሒ ብጭዋድኡ ክረኽባ ክሕርንን ክሽፍትን ዘበረታትዕ ድሑር ባህሊ ከማዕብል ግድን እዩ..." እናበለ ጋዜጠኛ ብጓሓቱ ብዛዕባ ክውገዱ ዘለዎም ባህልታት እንትሰብኽ ካብታ ራዲዮ ይስማዕ ኣሎ። ኣዕዋፍ፣ ፀሓይ ምብራቓ ስዒቡ፣ ዘሚረን (ኣእዊየን? መን ተረዲእዎ ነይሩ?) ኣይወደኣን። በዚ ሰዓት ዝለዓሉ ሰባት ብጓሓቱ ስርሖም ክኣትዉ ዘለዎም ሰራሕተኛታት፣ ቤተ ክርስቲያን ዝስዕሙን ለመንትን ጥራሕ እዮም።