ምርጫ ጦማሪ

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ...

መዘከርታ እስረኛ

ግደይ ገብረኪዳን

ወዶም ክርስትና ከልዕሉ እናተዳለዉ እዮም ቐኒዮም።  እዞም ፅምዲታትና ነዚ ዕለት እዚ ከምዚ ከብዕልዎ ነዊሕ ተጓዒዞም እዮም፦ ክርስትና ከም ምዃኑ መጠን መጀመርታ ክወልዱ ኔርዎም፣ ንኽወልዱ ከዓ መጀመርታ ክረኣኣዩ፣ ተረኣኢዮም ክፋተዉ፣ ተፋቲዮም ብዕርክነት ዝተወሰነ ግዘ እናተፀናንዑ ክፀንሑ፣ ግዘ መፅናዕቲ ምስ ሓለፉ ከዓ ሓዳር ክምስርቱን ክወልዱን ኔርዎም፣ ምስ ወለዱ ከዓ ከም ወለዶም ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ስለ ዝኾኑ ናይ ወዶም ክርስትና ኣብ ኣርበዓ መዓልቱ ከኽብሩ ኔርዎም።

ዓውዲታት መቕተልቲ ኣፍሪካ

ሮበርት ዲ. ካፕላን

“ኣነ “ናይ መንደር ፖለቲከኛ” ኮይነ ኣይፈልጥን፣ “ዓዲ ኣቦ” ብዝባሃል ልቢ ዝሰልብ ግንዛበ ተማሪኸ ኣይፈልጥን፣ ግን ከዓ ንሕና ኮሚኒስት ንበሃል ዝባንና ንሓረስቶት እንትንህቦምን ንኢኮኖሚያዊን ፖሊስን ፀቕጢታት እንትንዳርጎምን ይርብሸኒ ኔሩ።”
—Milovan Djilas, Rise and Fall

ማኦ ዚዶንግ ደባይ ተዋጋኢ “ኣብ ባሕሪ ህዝቢ እዩ ዝሕምብስ” ኢሉ ኔሩ። ካሊእ ኮሚኒስት ክልሰ ሓሳባዊ ከዓ (ብመሰረት ፒተር ኒጊል ንበርሊነር ሚሽንስወርክ ዝፀብፀብቦ) ናይ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ፓርቲ መንእሰይ ካድሬ ናይዚ ሓቂ ውፅኢት ኣብ መቐለ ንዝተኣከቡ ተጋሩ ሓረስቶት ንግግር እንትገብር ድሕሪ ሕርቃኑ ምቁፅፃር ምስ ኣበዮ ከምዚ ኢልዎም፡ “ነቲ ባሕሪ እንተድሪቕካዮ እቶም ዓሳታት ይሞቱ።”

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን

ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ እቲ ድኹም ርእሰይ ክፈጥሮ ካብ ዝኽእሎ ምስሊ ንላዕሊ ኔራ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ። መፅሓፍ ንሓቂ እንትትፈልጥዋ ነፃ ክተውፀአኩም እያ ከም ዝበሎ ንፍኖተጥበብ እንትሪኣ ነፃ ወፂአ። ጡብ ኣዲኡ ክገድፍ ዝድለ ቆልዓ ክመርሮ ከም ዝግበሮ፣ ነዓይ እውን ህይወት መራር እንትትኾን፣ “ክገድፋ ደሊያትኒ ድያ?” ኢለ ምሕሳብ ኣብ ዝጀመርኩሉ ግዘ ዝረኣኽዋ ፀባ ህይወት እያ ፍኖተጥበብ - ክብርቲ ፍኖተጥበብ።

ክልተ ዕላላት

ብግደይ ገብረኪዳን
… (1) …
ፀሓይ እናዓረበት ናብቲ ቦታ ቆፀሮ እንትበፅሕ፤ ኣስረስ ሃይሉ “ሓደ ማሕበረሰብ ክሳብ ዝስልጥን ብዲክታተራዊ መንግስቲ ክግዛእ ኣለዎ” ይብል ኔሩ።
ኪዳነ በርሀ ብምስምዕማዕ ርእሱ እናነቕነቐ “ሶሻሊዝም ጥራሕ እዩ ንሕጉስ ህይወት ህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ። ንድሑር ህዝቢ ሕጊ ሂቡ፣ ስርዓት ሂቡ መስመር ዘትሕዝ እዚ ጥራሕ እዩ” ክብል ሓሳቡ ኣራጒድሉ።

ራዕዲ ልቢ

ብግደይ ገ.ኪዳን

1
ንሰብ ንኽትርደኦ ምሙካር ግዘ ምጥፋእ እዩ። በኣይ ይኹነኩም ግዘኹም ኣይተጥፍኡ፤ ሰብ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክልወጥ ከምዝኽእል ትኣምኑ እንተኾይንኩም፤ ንዝልወጥ ነገር ንኽትርደኦ ምሙካር ድኻም ከምዝኾነ ኣሚንኩም ማለት እዩ።

ሽማግለ ኣብ ድልድል

አርነስት ሄሚንግወይ

ናይ ብረት መሕቖፊ ዘለዎ መነፅር ዝገበረን ሓመድ ዝሰተየ ኽዳን ዘለዎ ሽማግለ ኣብ ጎኒ መንገዲ ኮፍ ኢሉ ኔሩ። ነቲ ሩባ ዘሳግር ኣብ ማይ ዝንሳፈፍ ድልድል ኔሩ፣ ጋሪታት፣ መኪናታትን ሰብኡት፣ ኣንሽትን ህፃውንቲን ይሓልፉሉ ኔሮም። በቕሊ ዝጉትትወን ጋሪታት ካፍቲ ድልድል ቐፂሉ ናብ ዘሎ ፀዳፍ ዓቐበት ሰንከልከል እናበላ፣ እቶም ወተሃደራት ነቲ ተሽከርካሪ እግረን ዝሓዘ ግዳም ብምድፋእ እናሓገዝወን፣ ይድይባ ኔረን። እተን መኻይን ነቲ ሓመድ እናድቀቓ ኩሉ ድሕሪት ገዲፈን ይኸዳ ኔረን፣ እቶም ሓረስቶት እውን ክሳብ ዓንካር-ዓንካሪቶም ሓመድ ተውሒጦም ምስኦም የዝግሙ ኔሮም። ካብዚ ምቕፃል ደኺምዎ ኔሩ።

ክሽምሽ

ኣንቶን ቼሆቭ

ገና ጓሓት ጀሚሩ ሰማይ ብሙልኡ ፀልማት ብዝኾኑ ደመናታት ተኸዊሉ ኔሩ፤ ዋዒ ኣይነበረን፣ ፀጥ ዝበለን ደባንን ኔሩ፣ እዚ ደመናታት ኣብ ሰማይ ንነዊሕ ግዘ ኣብ ዝፀንሑሉ ሓምኹሽታይ፣ ቀዛሒ ዕለት ዝተለመደ ኩነታት እዩ፣ ክዘንብ እዩ ኢልካ ትፅበ ግን ጠብ ትብል ነገር የላን።

ኣቃላዒት ልቢ

ኤድጋር ኣለን ፖ

ርግፅ እዩ! ሒምኒ ኔሩ፣ ብጣዕሚ ሒምኒ ኔሩ። ግን ንምንታይ ኢኹም ኣእምሮኻ ስኢንካ ኢኻ ትብሉኒ፣ ንምታይ እዩ ዓቢድካ ኢኻ ትብሉኒ? ንኣእምሮይ ሙሉእ ንሙሉእ ይቆፃፀር ከምዘለኹ ኣይረኣየኩምን ዘሎ? ከምዘይዓበድኩ ግልፂ ኣይኮነን ድዩ? ጭራሽ እቲ ሕማመይ ንኣእምሮይ፣ ንስምዒተይ፣ ንስምዒት ህዋሳተይ ኣጠንኪርዎም እዩ፣ ኣሕዪልዎም እዩ።

ክፉት መስኮት

ሳኪ (ኤች.ኤች. ሙንሮ)

“ኣይተ ነቴል ኣሞይ ሕዚ ክትመፅእ እያ” በለት ጓል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾነት ንዓርሳ ብዝግባእ ኣርኒባ ትሕዝ ቆልዓ፤ “ክሳብ ሽዑ ግን ነዓይ ንምፅዋር ክትሙክር ኣለካ።”
ፍራምቶን ነቴል ነታ ክትመፅእ እያ ዝተብሃለት ኣሞ ከይዘንገዐ ነዚኣ ሕዚ ጓል ሓፍቱ ኮይና ትርከብ ንዘላ ብዝግባእ ንክሽንግል እቲ ልክዕ ክበሃል ዝኽል ነገር ንምዝራብ ሞከረ። ብውሽጡ ብተኸታታሊ ሓዱሽ ዝኾንዎ ሰባት ምጉብናዩ ነቲ ናይ ነርቭ ውጥረት ንዝደልዮ ፈውሲ ክንደየናይ ረብሓ ክህቦ ከምዝኽእል ሕዚ ካብ ምንም ግዘ ንላዕሊ ተጠራጢርዎ። 

ጎጆ ገጠር

ኣንቶን ቼሆቭ

ሓዳር ካብ ዝገብሩ ነዊሕ ዘይኮኖም ክልተ መናእሰያት ኣብ ሓንቲ ናይ ገጠር ባቡር መፀበዪ ፅላል ኮይኖም ናብዚን ናብቲን ጎርደድ ይብሉ ነበሩ። ኢዱ ኣብ ሽንጣ ተጠምጢሙ፣ ንሳ ድማ ርእሳ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትከሽኡ ደርቢያቶ ኣላ፣ ክልቲኦም ከዓ ሕጉሳት ኔሮም።

ፊስካ

ቤንጃሚን ፍራንክሊን

ንወይዘሮ ብሪሎን
ናይ ተፈታዊት ዓርከይ ክልተ ደብዳቤታት ተቐቢለ ኣለኹ፣ ሓደ ኣብ ረቡዕ፣ ሓደ ከዓ ቀዳም። እዚ ከዓ ዳግማይ ረቡዕ እዩ። ናይ ሎመዓንቲ ኣይግበኣንን ኔሩ፣ ምኽንያቱ ድማ ናይቲ ዝቐደመ መልሲ ስለዘይፀሓፍኩ እዩ። ግን ዋላ ሰነፍ እንተኾንኩ፣ እንተደኣ ኣብቲ ምልልስ ተሳትፎ ዘይገብር ኮይነ፣ ናትኪ ተወሰኽቲ ምቁራት መልእኽቲታት ናይ ዘይምንባብ ፍርሒ ስለዝመፀኒ ብርዐይ ከልዕል ይግደድ ኣለኹ።

ዘይንቡር ታሪኽ

ኦ. ሄነሪ

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኦስቲን ኣብ ሓደ እዋን እኒ ስሙዘርስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ቅኑዓት ቤተሰባት ይነብሩ ኔሮም። እቲ ቤተሰብ ንእኒ ጆን ስሙዘርስ፣ በዓልቲ ቤቱ፣ ባዕሉ፣ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾና ንኢሽተይ ጓሎምን ወለዳን ኮይኖም ብኣፍልጦ እቲ ከተማ ንፍሉይ ጥቕሚ እንትቑፀሩ ሹዱሽተ ዝኾኑ፣ ናይማን ግን ንሰለስቲኦም ጥራሕ ዝሓቖፈ ኔሩ።

ሰለስተ ሕቶታት

ሊዮ ቶልስቶይ

ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ንጉሥ ነዞም ዝስዕቡ ነገራት መልሶም ክፈልጥ ተመነየ፦ ዝኾነ ይኹን ተግባር ዝጅምረሉ ትኽክለኛ ግዘ፤ ነዚ ንምፍላጥ ነየኖት ሰባት ክሰምዕን ነየኖም ከዓ ከይሰምዕን ከምዘለዎ፤ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ከዓ ወትሮ ኣየናይ ተግባር ቁልፊ ተግባር ከምዝኾነ ክፈልጥ ተመነየ፣ ነዚታት እንተዝፈልጥ ኣብ ዝነጥፈሎም ተግባራት ኩሎም ምንም ዓይነት ጌጋ ከምዘየጋጥሞ ሓሰበ።