ሳኪ (ኤች.ኤች. ሙንሮ)
“ኣይተ ነቴል ኣሞይ ሕዚ ክትመፅእ እያ” በለት ጓል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾነት ንዓርሳ ብዝግባእ ኣርኒባ ትሕዝ ቆልዓ፤ “ክሳብ ሽዑ ግን ነዓይ ንምፅዋር ክትሙክር ኣለካ።”
ፍራምቶን ነቴል ነታ ክትመፅእ እያ ዝተብሃለት ኣሞ ከይዘንገዐ ነዚኣ ሕዚ ጓል ሓፍቱ ኮይና ትርከብ ንዘላ ብዝግባእ ንክሽንግል እቲ ልክዕ ክበሃል ዝኽል ነገር ንምዝራብ ሞከረ። ብውሽጡ ብተኸታታሊ ሓዱሽ ዝኾንዎ ሰባት ምጉብናዩ ነቲ ናይ ነርቭ ውጥረት ንዝደልዮ ፈውሲ ክንደየናይ ረብሓ ክህቦ ከምዝኽእል ሕዚ ካብ ምንም ግዘ ንላዕሊ ተጠራጢርዎ።
ናብዚ ናይ ገጠር መገሻ ክኸድ እናተዳለወ እናሃለወ ሓፍቱ ከምዚ ኢላቶ ኔራ፣ “ከመይ ከምዝኸውን ይፈልጦ እየ፤ ኣብኡ ከይድኻ ንዓርስኻ ቐቢርካ ምስ ማንም ኣይትዘራረብን፣ ከይድካ ካብ ምፍዛዝካ ዝተልዓለ ነርቭኻ ዝገደደ ክወጣጠሩ እዮም። ኣብኡ ንዝፈልጦም ሰባት ክትራኸቦም ናይ መፋለጢ ደብዳበ ኣትሒዘ እየ ዝሰደካ። ገለ ገሊኦም፣ ክሳብ ዝዝከረኒ፣ ደሓን ሰባት እዮም።”
ፍራምቶን ናይ መፋለጢ ደብዳበ ካብ ዝሓዘለን ሓንቲ ዝኾና ወ/ሮ ሳፕልቶን ምስቶም ደሓን ዝበሃሉ ምድባት ይኾናዶ ይኾን ኢሉ ሓሰበ።
“ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ሰባት ብዙሕ ትፈልጦምዶ?” ኢላ ጓል ሓፍቱ ሓተተቶ፣ ስኽ፣ ስኽ ኢሎም ምስ ፀንሑ ከይተዘራረብና ብዘይ ድምፂ ንገብሮ ዘለና ምርድዳእ ይኣኽለና እዩ ኢላ ምስ ገምገመት።
“ሓንቲ ነፍሲ ኣይፈልጥን” ኢሉ ፍራምቶን መለሰላ። “ሓፍተይ ኣብዚ ትነብር ኔራ፣ ኣፍቲ መንበሪ ገዛውቲ ቤተ ክርስቲያን፣ ፈሊጥክዮ፣ ቅድሚ ገለ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ኣብዚ ቁሩብ ሰባት ክፋለጥ ናይ መፋለጢ ደብዳቤ ፅሒፋትለይ እያ።”
እታ መወዳእታ ዝተዛረባ ዘረባ ብናይ ጣዕሳ ቅኒት እዩ ተዛሪብዋ።
“እሞ ብዛዕባ ኣሞይ ትፈልጦ ዋላ ሓደ ነገር የብልካን ማለት ድዩ?” ኢላ ሕቶኣ ቐፀለት እታ ንዓርሳ ኣርኒባ ትሕዝ ቆልዓ።
“ሽማን ኣድራሻኣን ጥራሕ፣” ኢሉ ቃሉ ሃበ። ወ/ሮ ሳፕልቶን ምስ ሓዳራዶ ትኾን ወይስ በዓል ገዝኣ ሞይትዋ ይኾን ኢሉ ሓሰበ። እቲ ገዛ ዝኾነ ሽም ክትህቦ ዘይትኽእል ነገር ስብኣይ ከምዘለዎ ዓይነት ዝዛረበሉ ኩነታት ኣለዎ።
“እቲ ከቢድ ሓዘን ዝወደቓ ቕድሚ ሰለስተ ዓመታት ኔሩ” በለት ቆልዓ፤ “ድሕሪ ሓፍትኻ ዝነበረቶ ግዘ ማለት እዩ።”
“ከቢድ ሓዘን?” ኢሉ ፍራምቶን ሓተተ፤ ኣብዚ ከምዚ ሰላማዊ ቕሳነት ዝሰፈኖ ናይ ገጠር ከባቢ ከቢድ ሓዘን ዘይቦትኡ እዩ ዝመስል።
“በዚ ናይ ጥቅምቲ እዋን ንምንታይ ነዚ መስኮት ከምዚ ጋሕ ኣቢልና ከፊትና ከም ንገድፎ ሕቶ ኮይኑካ ክኾን ይኽእል እዩ” በለት ጓል ሓፍቱ፣ ናብቲ ሜዳ ሳዕሪ ገፁ ዝተኸፈተ ዓብዪ ናይ ፈረንሳይ ስራሕቲ ዝኾነ መስኮት እናመላኸተት።
“ክብድ ዝበለ ሙቐት ኣሎ በዚ እዋን” በለ ፍራምቶን፤ “ግን እዚ መስኮት ምስቲ ዝበፅሓ ሓዘን ርክብ ኣለዎ ድዩ?”
“በዚ መስኮት እዚ፣ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፣ በዓል ገዝኣን ክልተ ምንኣስ ኣሕዋታ ናብ ሃደን ወፁ። ብኡኡ ከይተመልሱ ተሪፎም። ናብ ዝፈትውዋ መሕብኢቶም ተሓቢኦም ክትኩሱ በቲ ረግረጋማ ሜዳ እናሓለፉ እናሃለዉ ሰለስቲኦም መታለላይ ብዝኾነ ተረግመ ረግረግ ተታሒዞም ተረፉ። ብጣዕሚ ትርኩስ ዝኾነ ወቕቲ እዩ ኔሩ፣ ትፈልጦ ኢኻ፣ ካሊእ ግዘ ደሓን ዝኾኑ ቦታታት ኣብዚ እዋን መጠንቀቕታ ከይሃቡ ይኸድዑኻ። ሬስኦም ኣይተረኽበን። እዚ እዩ እቲ ዝኸፍአ ነገሩ ከዓ።” ልክዕ ኣብዚ እንትትበፅሕ እርኑብ ዝነበረ ኣነጋግረኣ ክሰባበርን ናይ ደቅ ሰባት ዘረባ ክመስልን ጀመረ። “እዛ ምስኪነይቲ ኣሞ ሓደ መዓልቲ ከምዝምለሱ እያ ወትሮ ትሓስብ፣ ንሳቶምን ምስኣቶም ዝጠፍአ ቡናዊ ስፓኒየል ከልቢ፣ ወትሮ ከምዝገብርዎ ሓደ መዓልቲ በዛ መስኮት ትኽ ኢሎም መፂኦም ክኣትዩ እዮም ኢላ ትፅበ። ነዚ እዩ እዚ መስኮት እዚ ወትሮ ክሳብ ፀሓይ ዓራርቦ ዝበፅሕ ክፉት ኮይኑ ዝግደፍ። ሚስኪነይቲ ኣሞ፣ ደጋጊማ ከመይ ከምዝወፁ፣ በዓል ገዝኣ መከላኸሊ ዝናብ ዘለዎ ጃኬት ብኢዱ ሒዙ፣ ሮኒ ድማ፣ እቲ ዝነኣሰ ሓዋ፣ ʻበርቲ መዓረይ ናበይ ኣቢልኪ?ʼ እናበለ ከሕርቓ እናደረፈ፣ ነዛ ደርፊ ስለዘይትፈትዋ እዩ ከሕርቓ ዝደርፋ። ትፈልጥዶ ሓደ ሓደ ሻዕ ከምዚ ርግዕ ዝበለ ፀጥታ ዝሰፈኖ ኣጋ ምሸት እንትኸውን ኩላቶም በዚ መስኮት ጌሮም ትር ኢሎም ክኣትዉ እዮም ዝብል ስምዒት ይመፀኒ - ”
ቁሩብ ኣንፈጥፊጥዋ ዘረባኣ ጠጠው ኣበለት። ኣሞኣቶም ስለ ዝደንጎየት ይቕሬታ እናዝነበት ደርገፍገፍ እናበለት እንትትኣትው ምስረኣየ ፍራምቶን ዕረፍቲ ተሰምዖ።
“ቬራ እናጫወተትካ ከምዝነበረት ተስፋ እገብር?” ኢላቶ።
“ብጣዕሚ ደስ እያ ትብል” በለ ፍራምቶን።
“መስኮት ክፉት ምዃኑ ቂር ከምዘይብለካ ተስፋ እገብር” በለት ወ/ሮ ሳፕልቶን፤ “በዓል ገዛይን ኣሕዋተይን ሕዚ ካብ ሃደን ክምለሱ እዮም፣ ወትሮ ከዓ በዛ መስኮት ኣቢሎም እዮም ዝኣትዉ። ኣብቲ ረግረግ ክሃድኑ እዮም ከይዶም፣ እንትምለሱ ምንፃፈይ ከርስሑለይ እዮም። ሰብኡት እትበሃሉ እዚ እዩ ግብርኹም፣ ኣይኮነን ድዩ?”
ብዛዕባ ሃደንን ብዛዕባ ሕፅረት ዝህደኑ ኣዕዋፍን ዓዓ ሩባ ናይ ምርካብ ዕድልን ብዘይምቁራፅ ለፍሊፋ። ነዚ ምስማዕ ንፍራምቶን ኣዚዩ መስካሕከሓይ ኩነታት ኔሩ። ነቲ ዘረባ ከምዚ ዘስካሕክሕ ናብ ዘይኮነ ዛዕባ ከዙሮ ዝከኣሎ ኩሉ ፈቲኑ ፍፁም ኣይተሳኸዐሉን፣ እታ ኣተኣናጋዲቱ ሙሉእ ኣቓልቦኣ ከምዘይሃበቶ ይርደኦ ኣሎ እዩ፣ ዓይና ድማ ዓሰርተ ሻዕ ንዕዑ ሰጊሩ ናብቲ ዝተኸፈተ መስኮትን ብኡኡ ገፁ ዘሎ ሜዳን እዩ ዝእምት ዝነበረ። በዚ ሓዘን ዝወረደሉ መዓልቲ ኣብ ዝውዕለሉ ዕለት ክሓታ ምምፅኡ ብርግፅ ዘሕዝን ኣጋጣሚ እዩ ኔሩ።
“ኩሎም ሓካይም ሙሉእ ዕረፍቲ ክገብር ከምዘለኒ፣ ሓሳባት ዘለዓዕሉ ነገራት ከወግድ ከምዘለኒ፣ ዝኾነ ይኹን ዘንገላትዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እውን ክገብር ከምዘይብለይ ብሓደ ዘሰማምዖም ነገር እዩ” ኢሉ ፍራምቶን ኣፍለጦም፣ ጓኖትን ብኣጋጣሚ ዝፈለጦም ሰባትን ንናቱ ሕማም ጉድኣታትን፣ መንቀሊኦምን ፈውሶምን ዝርዝር ሓበሬታ የድልዮም እዩ ብዝብል ጉጉይ ሓፈሻዊ ርድኢት ተኸቲሉ ዝከኣሎ ኩሉ ከፍልጥ ፀዓርዓር ይብል ኔሩ። “ኣመጋግባይ ብዝምልከት ግን ኩሎም ዝስማዕምዑሉ ዛዕባ ኣይኮነን” ኢሉ ዘረብኡ ቀፀለ።
“ኣይከውንን?” ኢላ ወ/ሮ ሳፕልቶን፣ ኣብ መወዳእታ ካብ ምቡሃቕ ዝተቐየረት ድምፂ እያ ኔራ። ካብኡ ድንገት ገፃ ብርሃን ዓሲልዎ -- ፍራምቶን ዝተዛረቦ ኣይኮነን ከምዚ ዝገበራ።
“ኣብዚ እኒሀዉ ኣብ መወዳእታ!” በለት ዓው ኢላ። “ንሻሂ ሰዓት ብትኽክል ብሰዓቱ ኣርኪቦም፣ ክሳብ ዓይኖም ጭቃ ዝኣተዉ ኣይመስሉን!”
ፍራምቶን ቁሩብ ተንፈጥፊጡ ናብታ ጓል ሓፍቱ ዘወር በለ፣ ናይ ምሕዛን ስምዒቱ ብዝገልፅ ኣረኣእያ ኔሩ ዝረኣያ። እታ ቆልዓ ግን ኣብ የዒንታ ራዕዲ መሊኡ በቲ ክፉት መስኮት ገፅ ትርኢ ኔራ። ሽም ብዘይብሉ ፍርሓት ፍራምቶን ዝሒሉ ኮፍ ብዝበለሉ ኮይኑ ዘወር ኢሉ ናብቲ ዝሪእዎ ዘለዉ ኣንፈት ረኣየ።
በቲ እናፀልመተ ብዝነበረ ብርሃን ዓራርቦ ፀሓይ ሰለስተ ኣካላት ነቲ ሜዳ እናሰገሩ ናብቲ መስኮት ገፆም ይመፁ ኔሮም፣ ኩሎም መሳርሒ ኣብ ኢዶም ተሸኪሞም ኣለዉ፣ ካብኣቶም ሓዲኡ ከዓ ብተወሳኺ ኣብ ማእገሩ ፃእዳ ጃኬት መንጠልጠሊ ተሰኪሙ ኣሎ። ዝደኸሞ ቡናዊ ስፓኒየል ከልቢ እግር እግሮም ይስዕቦም ኣሎ። ድምፂ ከየስምዑ ናብቲ ገዛ ምስ ቐረቡ ርጉድ ዝበለ ናይ መንእሰይ ድምፂ ካብቲ ፅልምትምት ዝበለ ከባቢ ከምዚ እንትብል መፀ፡ “በርቲ መዓረይ ናበይ ኣቢልኪ?”
ፍራምተን ብስንባደ በትሩን ቆቢዑን ሓዘ፤ እቲ ዋና በሪ፣ እቲ ናይ ፀፀር መንገዲን እቲ ናይ መካበቢያ በሪ ሃንደበት እንተምልጥ ኣብ መንገዱ ዝነበሩ መፍለዪ ዝሓለፎም ደረጃታት እዮም ኔሮም። ኣብቲ ዋና መንገዲ ዝነበረ በዓል ሳይክል ምስኡ ከይጋጨ ኢሉ እንተወጥወ ምስቲ ሓፁር መካበቢያ ተላቲሙ።
“በፂሕና ኣለና ሓላለይ” በለ ብመስኮት እናኣተወ፣ እቲ ፃዕዳ ናይ ዝናብ ክዳኝ ዝኾነ ማኪንቶሽ ዝሓዘ። “ጭቃ እዩ ኔሩ፣ መብዛሕቲኡ ግና ንቑፅ እዩ። መን እዩ ንሕና እንትንኣትው ሃንደበት እናጎየየ ዝወፀ?”
“ዝገርም ሰብ እዩ፣ ኣይተ ነቴል ይበሃል” ኢላ ወ/ሮ ሳፕልቶን፤ “ብዛዕባ ሕማሙ ጥራሕ እዩ ምዝራብ ዝፈልጥ፣ ልክዕ ምስ መፃእኹም ከዓ ደሓን ኩኑ ከይበለ ወይ ሓንቲ ምኽንያት ከይተዛረበ ተሲኡ ዕዝር ኢሉ። ናይ ሙታን ነፍሲ ዝረኣየ እኳ እዩ ዝመስል።”
“ኣይ እቲ ስፓኒየል ከልቢ እዩ ዝኸውን” በለት እታ ጓል ሓፍቲ ርግዕ ኢላ፤ “ኣካልብ ከምዘርዕድዎ ኣፃዊትኒ ኔሩ። ሓደ እዋን በዓል ዋና ዘይብሎም ኣኻልብ ኣብ ገማግም ሩባ ጋንገስ ናብ ዝኾነ ስፍራ መቓብር ኣጓዪዮምዎ ኔሮም፣ ሽዑ ናብ ሓዱሽ ዝተኹዓተ መቕበሪ ጉድጓድ ዘሊሉ ኣቲዩ እቶም ኣኻልብ ላዕሊ ኮይኖም እናነብሑሉን ስኖም ገልቢጦም እናርኣይዎ ምድሪ ወጊሓቶ። እዚ ንማንም እንተኾነ ቁፅፅር ርእሱ ክስሕት ንምግባር እኹል እዩ።”
ወዲያው ታሪኽ ፍጥርጥር ምባል ፍሉይ ተኽሎኣ እዩ ኔሩ።

No comments:
Post a Comment