ምርጫ ጦማሪ

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ...

ዘይንቡር ታሪኽ

ኦ. ሄነሪ

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኦስቲን ኣብ ሓደ እዋን እኒ ስሙዘርስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ቅኑዓት ቤተሰባት ይነብሩ ኔሮም። እቲ ቤተሰብ ንእኒ ጆን ስሙዘርስ፣ በዓልቲ ቤቱ፣ ባዕሉ፣ ሓሙሽተ ዓመት ዝኾና ንኢሽተይ ጓሎምን ወለዳን ኮይኖም ብኣፍልጦ እቲ ከተማ ንፍሉይ ጥቕሚ እንትቑፀሩ ሹዱሽተ ዝኾኑ፣ ናይማን ግን ንሰለስቲኦም ጥራሕ ዝሓቖፈ ኔሩ።

ሓደ ምሸት ድሕሪ ምድራሮም እታ ህጻን ከቢድ ቁርፀት ከብዲ የሕማ እሞ ጆን ስሙዘርዝ መድሓኒት ከምፅእ ቀልጢፉ ካብ ገዛ ወፂኡ ይኸድ።
ዳግም ከይተመልሰ ተረፈ።
እታ ንኢሽተይ ጓል ድሒና ብግዚኣ ዓቢያ ዓባይ ሰበይቲ ትኸውን።
እታ ኣዶ በቲ ዝጠፍአ በዓል ገዝኣ ኣምሪራ ሓዚና ኔራ፣ ዳግም ዝተመርዓወት ምስ ጠፍአ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ እዩ ኔሩ፤ ተመራዒዋ ድማ ናብ ሳን ኣንቶኒዮ መንበሪኣ ቀዪራ።
እታ ንኢሽተይ ቆልዓ እውን ግዚኣ እንትበፅሕ ተመርዓወት፣ ቁሩብ ዓማውቲ ምስ ሓለፉ፣ ንሳ እውን ሓሙሽተ ዓመታ ዝገበረት ውላድ ክትህልዋ ከኣለት።
ሓደ ምሸት ብዝገርም ኣጋጣሚ እታ ንኢሽተይ ውላዳ ጆን ስሚዘርስ ኣብ ዝጠፍአሉ መዓልቲ ከብዳ ብጣዕሚ ኣሕሚምዋ፣ ሎሚ ጆን ስሙዘርስ ብህይወት እንተዝነብርን ስሩዕ ስራሕ እንተዝህልዎን ኔሩ ኣባ ሓጎኣ ምኾነ ኔሩ።
ጆን ስሚስ (እዚ ኔሩ በዓል ገዝኣ) “ንከተማ ወሪደ ባዕለይ መድሓኒት ከምፀአላ እየ” በላ።
“ኣይኸውንን፣ ጆን ሓላለይ” ኢላቶ በዓልት ገዝኡ። “ንስኻ እውን ንዘልኣለሙ ጠፊእኻ ምምላስ ክትዝንግዖ ትኽእል ኢኻ።”
በዚ ምኽንያት ጆን ስሚዝ ከይወፀ ተረፈ፣ ክልቲኦም ጎን ንጎኒ ኮይኖም ኣብ ጥቓ ዓራት ንኢሽተይ ፓንሲ (ፓንሲ እዩ ኔሩ ናይታ ውላዶም ሽም) ብሓባር ኮፍ በሉ።
ቁሩብ ፀኒሓ ኒኢሽተይ ፓንሲ ሕማማ ገደዳ፣ ጆን ስሚዝ ደጊሙ መድሓኒት ንምምፃእ ክወፅእ ፈተነ፣ በዓልት ገዝኡ ግና ኣይሰድድን ኢላቶ።
ሃንደበት በሮም ተኸፊቱ ሽማግለ ስብኣይ፣ ዝባኑ ዝጎበጠ፣ ነዊሕ ፃዕዳ ፀጉሪ ዘለዎ፣ ናብ ገዝኦም ኣተወ።
“ሰላም፣ ኣብዚ እኒሀ ኣባ ሓጎይ” ኢላ ፓንሲ። ካብ ካልኦቶም ቀዲማ ኔራ ዝፈለጠቶ።
እቲ  ሽማግለ ብጥርሙዝ ዝነበረትን ኣብ ጅቡኡ ዝሓዛን መድሓኒት ኣውፂኡ ንፓንሲ ብማንካ ምልእ ኣቢሉ ሃባ።
ብዙሕ ከይፀንሐት ደሓን ኮይና።
“ናይ ህዝቢ መኪና እናተፀበኹ ቁሩብ ድንጉይ ኢለ” በለ ጆን ስሙዘርዝ።

No comments:

Post a Comment