ምርጫ ጦማሪ

ሶፊ ኣብ ኣኽሱም

ግደይ ገብረኪዳን ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት እዩ ንመጀመርታ ግዘ ዝራእኽዋ፤ ብዓይነይ ማለተይ እዩ እምበር ኩሉ እንተኾነስ ፅብቕቲ ዝብላ ብርእሱ ስኢሉ ብዓይነ ቅጀላ ይሪኣ እንድዩ ግና ከም ዝሰኣላ ዝርኢ የለን። ንሳ...

ዛንታ ኣብ ባጃጅ

ግደይ ገብረኪዳን

ነዊሕ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ባጃጅ ዘዋሪ ዝኾነ ህይወት ስግንጢር፣ ሽምጠጣ ምዃና ከጋልፅ ኢሉ እዩ ዝመስል። ኣነ ንባዕለይ ገጅፍ ሰብነት ዘለኒ ኣይኮንኩን፣ ባጃጅ ግና ዓቕለይ እያ እተፅብበለይ - ልክዕ ምስ ተሳፈርክዋ ቀልጢፈ ክወርድ ጥራሕ እየ ዝሓስብ። እዚ ወዲ ግና ንባጃጅ ተቐቢልዋ ጥራሕ ዘይኮነስ እንጀርኡ እውን ገይርዋ ኣሎ። ካብ እንጀርኡ ንላዕሊ ንባጃጁ ፍቕሪ ከም ዘይብሉ ዝግለፀልካ ግና ካብ መጋየፂ ነፃ ምዃና እዩ። ከመይ ከምዚ ዓምፂፃቶ ከፍቅራ ኸ? ቀጢን ኮይኑ እምበር ጭዋዳ ምደረበ እኮ ንሱ ተሸኪምዋ እምበር እዛ ባጃጅ ተሸኪማቶ ኣይምዞረን ነይሩ። ንባጃጅ ዘለኒ ፅልኢ ዝረኣየ ዓርከይ፤ “ጋዜጠኛ ራብዓይ ዓምዲ መንግስቲ እዩ እናበልካ ትጀሃር ጋዜጠኛ - ባጃጅ ሰለስተ እግሪ ኮይና ስለ እትፃበአካ እዩ” ይብለኒ። ሕሾት እዩ፣ ካበ ልበይ እየ ባጃጅ ዘይምቸዋኒ፤ ኣብዚ ግና ኣይኮነን ባጃጅ እታ ደቂ ሰባት ሓጭን ምብኻን መሰሎም ከም ዝኾነ ከርእዩ ዝሰርሕዋ ሃመር መኪና እውን ዘይትኣኽሎ ሙሉእ ሰብኣይ ሹፌር ባጃጅ ኮይኑለይ! ንነገሩ መን ንነብሱ ዝኾኖ ኣብ ዓለም ይረክብ ኮይኑ? ንዝረኸቦ ከም ዝምቸዎ እንተገይርዎ እውን ዕድለኛ እዩ…።

ኣብ ክሳዱ ዝጠምጠሞምን ብፀጋማይ ማእገሩ ጌሮም ብየማናይ ሽንጡ ንታሕቲ ዝተጠምጠሙ ሽርጥን ካልኦት ጨርቅታትን ክፍታሕታሕ እንተይሉ ነታ ባጃጅ ከየፍርሳ ኣሳሲሮም ክሕዝዎ ዝገበሮም ከም ዝኾነ ርግፀኛ እየ። ክንደይ ከም ዝወስደኒ እንትንዋገ ስለ ዘይተስማዕማዕና “ልብኻ ይዓቢ፣ እተ” ኢሉ የእትወኒ።
“ልብኻ ይዓቢ” እንትበሃል ናይ መጀመርታ ግዘይ እዩ። ፀላእተይ ከም ዘውርይዎ ልቢ ዘይብለይ ኮይነ ኣይኮነን “ልብኻ ይዓቢ” በፂሑኒ ዘይፈልጥ፣ ዋላ ካሊእ ሰብ እውን እንትበሃል ሰሚዐዮ ስለ ዘይፈልጥ እዩ፤ ድሕሪኡ እኳ ኣብ ኩሉ ሰብ ኣፍ ኣቲያ ረኺበያ። “ልብኻ ይዓቢ” ብዝብል ዝጀመርናዮ ዘረባ ከይተሓሰበ ነዓይ ካብ ተሳፋራይነት ናብ ሙያይ ናብ ሓታታይነት፣ ንዕዑ ከዓ ናብ መላሳይነት ኣሰጋጊርና፤ ኣብ ባጃጅ ዘይኮነስ ኣብ ስቱዲዮ ዘለና መሲሉኒ። ካብ ምውጋይ ወፂእና ናይ ሕብረተሰብና ሞራላዊ ሂስ ናብ ምግባር ኣቲና። ምስ ሰብ ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ውድቀት ሕብረተሰብና እንተውግዕ ሓደ ነገር ይዕዘብ እየ፡ ኩሉ ሰብ መልሲ ዝህበካ ትብሎ ዘለኻ ኣገዲስዎ ዘይኮነስ ወይ ከዓ ነቲ ነገር ኣዚሩ ሓሲብሉ ዘይኮነስ ብዘልማድ ዝወሃብ መልሲ ወግዓዊነት ንምምላእ እዩ ዝመስል። እዚ ዘዋሪ ባጃጅ ግና ኣዚሩ ዝሓሰበሉ እዩ ዝመስል።
“ኣብ ባጃጅ ኮይንካ እንታይ እዩ እዚ ኹሉ ፍልስፍና?” ኢለዮ፤ ብሕሊናይ እቶም ካብ ውልቃዊ ጥቕሞም ኣርሒቖም ዘይሓስቡ፣ ኣብ ምዕሩግ ቢሮኦም ኮይኖም ክሓስብ ንዝፍትን ጋዜጠኛ ሞራል ምውቃዕ ዓላምዖም ዝገበሩን ብመጠን ገዝፊ ቢሮኦምን ሶፋታቶምን ርእሶም እናነኣሰ ዝኸድ ሓለቕቶት ቢሮና እናሓሰብኩ ነይረ።
 “ፈላስፋ ኮይነካ ዶ? ሕቶታትኻ እኮ እዮም ኣዛሪቦምኒ” ኢሉ እቶም ኣብ ክሳዱን ማእገሩን ዝጠምጠሞም ጨርቅታት ኣላሕሊሕዎም። ምሳይ እንትዛረብ ኣነ ብውሽጠይ ድሌተይ የስተንትን ነይረ ንሱ ግና መንገዱ እናረኣየ ሓደጋ ብኻልኦት ከይበፅሖ ወይ ከዓ ንሱ ኣብ ካልኦት ከየብፅሕ ጠጠው ኢሉ እናሕለፈ ወይ እናተጠወየ፣ ፍጥነት እናቐነሰን እናወሰኸን ይኸይድ ነይሩ።
“ኣይ ኣነስ ‘ፍልስፍና ነባራይ ከተማ መቐለʼ ዝብል መፅሓፍ ክፅሕፍ ስለ ዝደሊ ሓደ ባጃጅ ዝፀበበቶ ዘዋሪ ባጃጅ ፍልስፍንኡ እንታይ ይኾን ኢለ እዩ” ኢለዮ፤ ኣብኣ ዝመፀትለይ ዘረባ መፀበቒት እምበር ከምዚ ዝበለ ነገር ሓሲበዮ እውን ኣይፈልጥን።
ፍሽኽ ኢሉ “ሓደ ወግዒ ክነግረካ” ኢሉ ጀሚርለይ፤ “ሰብና ምስሉይ ኮይኑ እዩ። ኩሉ እንተሪእኻዮ ንገዝኡ ጥራሕ እዩ ዝሓስብ። ንገዛኻ ጥራሕ እናሓሰብካ እንትትነብር ኣብ መንገዲ ንዝገጥመካ ፈተና ብተዘዋዋሪ ተሓታታይ ከም ዝኾንካ ኣይርደኦን። ንውልቅኻ ጥራሕ ምሕሳብ ከም ቁም ነገር ስለ ዝተወስደ እኮ እዩ ሌብነት ዘየሕፍሮም ሰባት ክፍጠሩ ዝገበረ። ሌባ ዘመድ ዘለዎ እኮ በቲ ናይ ዘመዱ ሌብነት ክሓፍር ኣይኮነን ኣብ ቁፅፅር ሕጊ እንትኣትው እኮ ሌብነቱ እናፈለጡ ከድሕንዎ እዮም ዝረባረቡ። ኣይገርምን?” ኢሉ ዘወር ኢሉ ጠሚትኒ።
ንመጀመርታ ግዘ እየ ገፅትኡ ልቢ ዝበልክዎ። ኣብ ዓይኑ ዝንበብ ርህራሀ ናይማኑ ዝኣምነሉ፣ ዝነብረሉ ሓሳብ ይዛረብ ከም ዘሎ ይናገር። ርእሰይ ብኣወንታ ንቕንቕ ኣቢለ።
“ክነግረካ፣ ሓደ ዓርክና ነይሩ ዝሰኣኖ ዘይብሉ ሰሪሑ ካብ ዝረኽቦ ንላዕሊ ክረክብ እዩ ዝምነ። መጀመርትኡ ነዛ ባጃጅ እውን ጠንኪሩ ሰሪሑ ኣይኮነን ረኺብዋ ብቤተሰብ ሓገዝ እዩ ረኺብዋ። ናይ ስራሕ ዋጋ ኣይተረደኦን ነይሩ። ክነግረካ፣ ምርሳሕ ማለት ንሰራሕተኛ እኮ ሽልማቱ እዩ። ንሱ ግና ክብሪ ስራሕ ስለ ዘይርደኦ ፀቢቑ ኣጥዒምሉ ክረአ፣ ክዝናነ እዩ ዝሓስብ። በዚ ግዘ ከምዚ ዝበለ ዕሽነት ዝተረፈ ክመስለካ ይኽእል ግና ዓሻ ኣይጠፍእን። በዛ ናይ ባጃጅ ስራሕ ዝረኽባ ገንዘብ ኣየርወየቶን። መቸም ብባጃጅ ዝፍፀሙ ገበናት ትፈልጥ ኢኻ…። መጀመርታ ንቀራረብ ስለ ዝነበርና፣ ምስ ለያቡ ምግጣም እንትጅምር ክገድፎ ይነግሮ ነይረ። ንሱ ግና ናይ ሰብ ገንዘብ ለሚዱ። ሰሪቖም ዝረኸብወን ኣብ ሓንቲ ለይቲ እዮም ዘጥፍእወን። ደሓር ስርሑ ጠቕሊሉ ገዲፉ መሊኡ ናብ ገበን ኣቲዩ። ወዲʼያቱ እንታይ ኣልፈዖ - ከይደኸመ ብዙሕ ገንዘብ ምርካብ እናኸኣለ! እንተተትሓዘ እውን ኣዝማዱ የፍትሕዎ። ቤት ፍርዲ እውን እንተኾነ ለሚድዎ - ምንም ከም ዘይገብርዎ ሪኡ።”
ነታ ባጃጅ ጠጠው ኣቢሉ “በበይ ኢኻ ዝበልካኒ?” ኢሉ ሓቲትኒ።
ኣብ ባጃጅ ከም ዝነበርኩ ዝረሳዕኽዎ ወዲ፣ “በፂሐ እየ፣ ኣብዚ እየ፣ እታ ፀወታ ወድአለይ እሞ…” እንትብል ኣቋሪፁ ናብ ወግዑ ኣቲዩ።
“እወ፣ እንታይ ማለተይ መሲልካ እዚ ወዲ ስነ ምግባሩ ክስእን ዝገበሮ እቲ ሕብረተ ሰብና እዩ። ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ሰናይ ዝገበረ ሰናይ እንትፍደ ኣይረኣየን፣ ብኣንፃሩ ኩሉ ንናይ ውልቁ ዛዕባ ጥራሕ እናተጨነቐ እንትነብር ሪኡ ኣንፈት ስነ ምግባር ጠፊእዎ። በቃ ኣብ ባዕሉን ቤተ ሰቡን ሕማቕ ነገር ክሳብ ዘይበፅሐ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ድላዩ መከራ እንተወረደ ከመይ ከም ዘኽስበሉ ምሕሳብ እምበር ካሊእ ዘሻቕሎ ነገር ክኾን ኣይከኣለን።” ሞተር እታ ባጃጅ ኣጥፊኡ፣ ንየማን ገፁ ዘወር ኢሉ ንድሕሪት ነዓይ እናጠመተ ምዝራብ ቀፂሉ።
“ከሕፅረልካ እሞ ክውደኣ። እዚ ወዲ ብዙሕ ዓይነት ገበን ናብ ምፍፃም እዩ ኣቲዩ። ለያቡ ንሰብ ዘለዎም ኣጠማምታ ኣዚዩ እዩ ዘግርመልካ። ካብ ዘለዎ እንትወስዱ ብፅሒቶም ዝወሰዱ ገይሮም እዮም ዝሓስብዎ። ሌባ እውን እኮ ህሊና ኣላቶ፣ ንርስሓት ሌብነቱ ፃዕዳ እተኽድን መመኽነይታ ይዕጠቕ እዩ። ንኹሉ ሌባ ይገብርዎ እሞ ሸኽሚ ሌብነቶም ከቕልሉ ይፍትኑ፤ ሓቅነት ዘለዋ እያ ከዓ እትመስል። ስራሕ ንዘለዎ እዛ ስራሕ ብዘመድ ዝረኸባን ኣብ ቢሮ እናሰረቐ ዝውዕልን ገይሮም እዮም ዝሓስብዎ። በዚ ሒሳብ እዛ ናህቱ ደሞዝ ነዓይ ትኾን ነይራ ኢሎም ንዓርሶም ይነግሩ። ዋላ ብዘመድ እንተረኸቦ ነቲ ስራሕ ብቑዕ ክኾን ክንደይ ከም ዝደኸመ ኣይምልከቶምን፤ አረ ዋላ ብሸፈጥ ዝረኸባ ስራሕ እውን እንተኾነት ህሊንኡ ይፋረዶ ኢሎም ክገድፍዎ ከም ዝግባእ ኣይሓስብዎን። ንሶም ዝረኣዮም ንሱ ኣብ ቢሮ ቀትሪ እናሰረቖ ዝውዕሎ ንሶም ለይቲ ኣብ መንገዲ ከም ዘሕድግዎ እዩ። ‘ህሊንኡ ይፋረዶ ኢልኩም ግደፍዎʼ ኢልካ ከይትሟገቶም ‘ንሱ ሌባ ኮይኑ ምቹው ናብራ እናነበረ ንሕና ናይ ምንታይና ኢልና ብጥሜት ንሞትʼ እዩ ዝኾን መልሶም።
“እዚ ወዲ እምበኣር ኣይኮነን ንህሊንኡ ቦታ ክህልዎስ ጠቕሊሉ ካብ ሰብኣዊ ክብሪ ወፂኡ ናብ ሕማቕ ተግባር እዩ ጥሒሉ። እንታይ መሲሉካ እቶም ለያቡ ዝቐጥቀጥዎ ሰብ፣ ይሙት ኣይሙት ብዘየገድስ፣ ነዓ ውሰድ ኢሎም ደዊሎም ይነግርዎ እሞ መፂኡ ኣልዒሉ ካሊእ ቦታ ወሲዱ ይድርብየሎም፣ ነዚኣ ክገብር ዘሕጉሶ ገንዘብ ይህብዎ።
“ክንደይ ደቂ ኣዳም ከም ጓሓፍ እናወሰደ እንትድብሪ ህሊንኡ ወቒስዎ ኣይፈልጥን። ናይ ጓሓፍ ክብሪ እውን ዝህቦም ኣይመስለንን። ንዓርሱ ካብቲ ሕብረተሰብ ነፂሉ ናተይ ብዝብሎ ጥራሕ እዩ ተሓፂሩ ይነብር ዘሎ። ናተይ ዝበሎ ምንም ክሳብ ዘይኮነ ናይቲ ካሊእ ሰብ ሓዘን ከም ምንም ኣይቆፀሮን።
“ህይወት ግና ኣይዋዛን እሞ ብዘይሓሰብካዮ መፂኣ እያ እተምህረካ።
“ከምቲ ዝለመዶ ሓደ ምሸት እውን ይድወለሉ እሞ ክድብሪ ዝነገርዎ ወሲዱ ይድርብየሎም። ብፅባሒትኡ ግና መርድእ ዘመዱ ይንገሮ። ኣማውትኡ እንትሓትት እቲ ለይቲ ብባጃጁ ወሲዱ ዝደርበዮ ከም ዝኾነ ይርዳእ። ሕዚ ህሊንኡ ኮርኲሓቶ። ሓዚኑ። ዝተሰመዖ ጣዕሳ ከቢድዎ ወዲያው ንዓርሱ ኣጥፊኡ።
“ሪእኻ ዶ፣ ኩለና ናትና ብእንብሎ ተሓፂርና እናነበርና እዞም መሳኺን ኣንፈቶም ክስሕቱ ንገብሮም እሞ ንሓጢያትና ንሶም ዋጋ ይኸፍሉሉ።” ኢሉኒ። 

No comments:

Post a Comment