ቤንጃሚን ፍራንክሊን
ንወይዘሮ ብሪሎን
ናይ ተፈታዊት ዓርከይ ክልተ ደብዳቤታት ተቐቢለ ኣለኹ፣ ሓደ ኣብ ረቡዕ፣ ሓደ ከዓ ቀዳም። እዚ ከዓ ዳግማይ ረቡዕ እዩ። ናይ ሎመዓንቲ ኣይግበኣንን ኔሩ፣ ምኽንያቱ ድማ ናይቲ ዝቐደመ መልሲ ስለዘይፀሓፍኩ እዩ። ግን ዋላ ሰነፍ እንተኾንኩ፣ እንተደኣ ኣብቲ ምልልስ ተሳትፎ ዘይገብር ኮይነ፣ ናትኪ ተወሰኽቲ ምቁራት መልእኽቲታት ናይ ዘይምንባብ ፍርሒ ስለዝመፀኒ ብርዐይ ከልዕል ይግደድ ኣለኹ።
ኣይተ ቢ. ፅባሕ ክሪአኪ ከምዝኸይድ መልእኽቲ ሰዲዱለይ ስለዘሎ፣ ከምቲ ልሙድ ረቡዕ ምሸት፣ ከም ዕለተ በዓል ጌረ ወትሮ ምሳኺ ብዘሕጉስ ፀወታኺ ተዓጂበ ክንዲ ምሕላፍ ብዛዕባኺ እናሓሰብኩን ደብዳቤታትኪ ደጊመ፣ ደጋጊመ እናንበኩ ከሕልፎ ኮፍ ኢለ ኣለኹ።
ንገነት ዝገለፅክሉ መንገዲን ኣብኡ ንምባር ዘለኪ ትልሚን የድንቕ እየ፤ ክሳብ ሽዑ ግና ካብዚ ዓለም ክንረኽቦ ክንዲ ዝከኣለና ታሕጓስ ንምርካብ ክንሙክር ከምዘለና ብዝምልከት ዝበፃሕኽሎም መብዛሕቲኦም መደምደምታታትኪ ይቕበሎም እየ። ኣነ ከምዝመስለኒ፣ ንፊስካ ብዙሕ ዋጋ እንተዘይንህብ ኔርና፣ ኩለና ካብቲ ንረኽቦ ታሕጓስ ንላዕሊ ክንረክብ ንኽእል ኢና በሃላይ እየ፣ ብተወሳኺ እውን ዝገጥመና ክፋኣት እውን ምነከናዮም። ኣነ ከምዝተዓዘብክዎ መብዛሕቲኦም ታሕጓስ ዝረሓቖም ሰባት ነዚኣ መጠንቀቕታ ብዘይምስትውዓሎም ዝረሓቖም ኮይኖም እየ ዝረኽቦም። እንታይ ማለተይ ከምዝኾነ ሓቲትኪዶ? ታሪኻት ተፍቅሪ ኢኺʼሞ ሓደ ናተይ ታሪኽ እንተነገርኩኺ ትፈቕዲ ኢኺ።
ወዲ ሸውዓተ ዓመት እናሃለኹ፣ ኣብ ሓደ ዕለት በዓል ኣዕሩኽተይ ንጁባይ ብሳንቲማት መሊኦሞ። ናይ ቖልዑት መጫወቲ ዝኾኑ ነገራት ናብ ዝሽየጠሉ ድንኳን ቀጥታ ይኸድ፤ ናብኡ ገፀይ እናኸድኩ እናሃለኹ ሓደ ቖልዓ ብዝሓዛ ናይ ፊስካ ድምፂ ውነይ ይጠፍእ፣ ካብኡ ሓንቲ ፊስካ ንምርካብ ዘለኒ ገንዘብ ብሙልኡ ኣቕሪበ ሓቲተ ይረኽባ። ካብኡ ናብ ገዛይ ተመሊሰ ብፊስካይ ተሓጒሰ ኩዲድ እናበልኩ ሙሉእ ገዛ እናዞርኩ የፋፂ፣ ቤተሰበይ ብሙሉኣቶም ግን ብፊስካይ ተረቢሾም ኔሮም። ኣሕዋተይ፣ ኣሓተይን ደቂ ኣሕዋት ወለደይን እንታይ ዓይነት ዕድጊት ከምዝፈፀምኹ ምስፈለጡ፣ ካብቲ ዝግበኦ ኣርባዕተ ዕፅፊ ከምዝኸፈልኩ ኣረድኡኒ፣ ብትኽክል ምዓደክዎ በቲ ዝተርፈኒ ገንዘብ እንታይ፣ እንታይ ክገብረሉ ይኽእል ከምዝነበርኩ ኣዘኻኺሮምኒ፤ ብጥፍኣተይ ምሒር ሰሓቑኒʼሞ ብሕርቃን ኣብከዩኒ፤ ነዚ ምሕሳብ ዝፈጠረለይ ሕርቃን እታ ፊስካ ካብ ዝሃበትኒ ታሕጓስ ይበልፅ ኔሩ።
እዚ ግን ንሓዋሩ ነዓይ ዓብዪ ረብሓ ኔሩዎ፣ እቲ ኣብ ርእሰይ ዝተፈጠረ ስምዒት ንነዊሕ እዋን ኣይተፈለየንን፤ ብዙሕ ግዘ ዝኾነ ዘየድሊ ነገር ክገዝእ እንትብል፣ ንዓርሰይ ከምዚ ይብል፡ ነዚ ፊስካ ብዙሕ ከይትኸፍል፤ በዚ እናበልኩ ዘድሐንክዎ ገንዘብ ቀሊል ኣይኮነን።
ምስ ዓበኹ፣ ናብዛ ዓለም ምስ ወፃኹን ንድርጊታት ደቂ ሰባት ምስ ተዓዘብኩን፣ ነታ ፊስካ ዝያዳ ሕልፊ ዝኸፍሉ ብዙሓት ሰባት ረኺበ። ኣብ ቀፅሪ ስልጣን ኸስቢ ክረክብ ኢሉ ኣብ ገምገም ሩባ ዝናፈሰሉ ግዘ መስዋእቲ ዝገብር፣ ዕረፍቱ፣ ነፃነቱ፣ ንፅህና ህሊንኡ፣ ዋላ ኣዕሩኽቱ እውን ከይተረፈ ዝኸፍል ሰብ እንትርኢ፣ ንባዕለይ፣ እዚ ሰብ እዚ ንታ ናቱ ፊስካ ብዙሕ ይኸፍለላ ኣሎ ይብል።
ካሊእ ድማ ተፈላጥነት ዝምነ፣ ናይ ዓርሱ ጉዳያት ዘንጊዑን እናዕነዎም ኣብ ፖለቲካዊ ተብተባት ከይተፈለየ እንትነጥፍ፣ በዘይ ጥርጥር እዚ ሰብ እዚ ነታ ፊስካ ብዙሕ ይኸፍለላ ኣሎ እዩ።
ሃፍቲ ንምውህላል እንትብል ዝኾነ ዓይነት ምቹው ህይወት ሸለል ዝበለ፣ ንኻልኦት ፅቡቕ ምግባር ዘለዎ ረብሓ ዝዘንገዐ፣ ሰባት ንዑዑ ዘለዎም ኣረኣእያ ግዲ ከይሃቦን ምትሕስሳብ ዝሰፈኖ ዕርክነት ዘለዎ ታሕጓስ ዘይፈልጥ ሱሱዕ ሰብ እንተረኺበ፣ አዬ ሚስኪናይ ነታ ፊስካኻ ብዙሕ ትኸፍለላ ኣለኻ ይብል። ታሕጓስ ጥራሕ ዘሳድድ፣ ንስጋዊ ስምዒት ጥራሕ ክብል ኩሉ ዓይነት ምዕባለ ርእሲ መስዋእቲ ዝገብር፣ ወይ ድማ ሃፍቱ ዘጠፋፍእን ነዚ ከሳድድ ጥዕንኡ ዘዕንው ሰብ እንትርኢ፣ ኣዪ ኣንታ ጉጉይ ሰብ ክንዲ ታሕጓስ ስቅያት ጥራሕ ኢኻ ተምፅእ ዘለኻ፤ ንፊስካኻ ብዙሕ ትኸፍል ኣለኻ ይብል። ሓደ ደስ ዝብል ምርኢት ወይ ውሕሉል ክዳን ዘለዎ እንተሪአ፣ ውሕሉል ገዛ፣ ውሕሉል ኣቕሑት ገዛውቲ፣ ውሕሉላት ቁሳቁስ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾኑዎ ሰብ ብልቓሕ ዓዲግዎምን መወዳእትኡ ወህኒ ምውራድ ኮይንዎ እንትሪኦ፣ ኤዲያ! ይብል፣ ንፊስክኡ ክባር ኸፊሉ፣ ኣዚዩ ክባር።
ፅብቕቲ ጓል፣ ጥዑም ፀባይ ዘለዋ፣ ክፉእ ተፈጥሮ ዘለዎ ጨካን ሰብኣይ ተመርዒዋ እንትርኢ፣ ከመይ ዘሕዝን ነገር እዩ ንፊስካ ክንድዚ እትኸፍል ይብል! ብሓፂሩ ናይ ደቅ ሰባት ስቅያት መብዛሕቲኦም ኣብ ርእሶም ዘምፅእዎም ንነገራት ጉጉይ ዝኾነ ዋጋ ቀዲሞም ምግማቶምን ንፊስክኦም ኣብዚሖም ብምኽፋሎም ከምዝኾነ እዩ ዝርደአኒ።
ነዞም ዘሕዝኑ ሰባት ግን ከምርረሎም ኣይግበኣንን፣ ብፍላይ ኣነ ንባዕለይ ነዚ ዝፍክረሉ ዘለኹ ፍልጠት ሒዘʼኳ፣ ኣብ ዓለም ዝፈታተኑኒ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ፣ ንኣብነት ናይ ንጉስ ጆን ኣፕል እንተዝረክብ ኔረ፣ ግን ደስ ዝብል ዝሽየጡ ኣይኮኑን፤ ብጨረታ ናብ ዕዳጋ እንተዝቀርቡ ኔሮም ግን ተጫሪተ ከሸንፍ ንብረተይ ኩሉ ብቐሊሉ ኣረኪበ ዳግም ንፊስካ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ከፊለ ንዓርሰይ ምረኸብክዎ። ሰላም ኩኒ ዓርከይ፣ ብሓቂን ብዘይቕየር ስምዒትን ከም ወትሮ ናትኪ ዝኾንኩ።

No comments:
Post a Comment